ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ይፍለጥ፧

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ይፍለጥ፧

ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ይፍለጥ፧

መብዛሕትአን ሃይማኖታት: እቲ ዚብላኦ ነገራት ካብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይዛረባ። ስለዚ: ነቲ “ኣቱም ፍቁራተይ: ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ: እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር: ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ” ዚብል ቃላት እቲ ምስ የሱስ ዝነበረ ሃዋርያ ዮሃንስ ከነቕልበሉ ኣሎና። (1 ዮሃንስ 4:1) ሓደ ነገር ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸ ንምፍላጥ ክንምርምሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ዝዀነ ይኹን ነገር ንባህርያቱ: ብፍላይ ድማ ነታ ቐንዲ ባህርዩ ዝዀነት ፍቕሪ ዜንጸባርቕ እዩ። ንኣብነት: እቲ ብመኣዛ ኣታኽልትን ዕምባባታትን ወይ ብጨና ውዑይ ባኒ ኸም እንሕጐስ ዚገብረና ናይ ምሽታት ህዋስ: መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ። ንዕራርቦ ጸሓይ: ንጽምብላሊዕ: ወይ ንፍሽኽታ ቘልዓ ኸም እንርኢ ዚገብረና ናይ ምርኣይ ክእለትና ድማ ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ዜርኢ እዩ። ብዛዕባ እቲ ንጥዑም ሙዚቃ: ንድምጺ ኣዕዋፍ: ወይ ንድምጺ እነፍቅሮ ሰብ ከም እንሰምዕ ዚገብረና ናይ ምስማዕ ክእለትና እውን ተመሳሳሊ ነገር ኪበሃል ይከኣል እዩ። እቲ ሰብኣዊ ባህርይና ዘይፍጹም እኳ እንተ ዀነ: ንፍቕሪ ኣምላኽ ዜንጸባርቕ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ኢና ንሓቅነት እተን “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ዚብላ ቓላት የሱስ እንርእየን ዘለና። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) “ብመልክዕ ኣምላኽ” ስለ እተገበርና: ንኻልኦት ሰባት ፍቕሪ ኸነርኢ ኸለና ሓጐስ ንረክብ። (ዘፍጥረት 1:27) የሆዋ ብዙሕ ባህርያት እዩ ዘለዎ: ፍቕሪ ግን ካብ ካልኦት ሓለፍ ዝበለት ባህርዩ እያ።

ካብ ኣምላኽ ዚመጸእ ጽሑፋት ንፍቕሩ ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ዓለም ዚርከባ ሃይማኖታት ብዙሕ ጥንታዊ ጽሑፋት ኣለወን። ንፍቕሪ ኣምላኽ ብምንጽብራቕ ዝመጸ እዚ ጽሑፋት እዚ ተዓዊቱዶ፧

ከም ሓቂ እኳ: መብዛሕትኡ ጥንታዊ ናይ ሃይማኖት ጽሑፋት: ብዛዕባ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ይኹን ብኸመይ ከነፍቅሮ ኸም እንኽእል ዚገልጽ ሒደት ነገራት ጥራይ እዩ ዘለዎ። ስለዚ: ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ‘መርትዖ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ፍጥረት እናረኣና ኸለና: እዚ ዅሉ መከራን እከይን ዚቕጽል ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧’ ንዚብል ሕቶ መልሲ ኺረኽቡ ኣይከኣሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዚገልጽ እንኮ ጥንታዊ ናይ ሃይማኖት ጽሑፍ እዩ። ፍቕሪ እነርእየሉ መገዲ እውን ይምህረና እዩ።

ብዛዕባ ፍቕሪ ዚገልጽ መጽሓፍ

እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ: ንየሆዋ: “ኣምላኽ ፍቕሪ” ብምባል እዩ ዚገልጾ። (2 ቈረንቶስ 13:11) መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ካብ ሕማምን ሞትን ናጻ ዝዀነ ህይወት ንኺህቦም ፍቕሪ ብኸመይ ከም ዝደረኾ ይገልጽ እዩ። ካብ ስልጣን ኣምላኽ እተገብረ ዕልወት ግን ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ መከራ ኣውረደ። (ዘዳግም 32:4, 5፣ ሮሜ 5:12) የሆዋ ነቲ ዝጠፍአ ነገር ኪመልስ መደብ ገበረ። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:16) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ወሲኹ ኺገልጽ ከሎ: ነቶም እዙዛት ደቅሰብ ሰላም እትመልሰሎም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት የሱስ ዝዀነት ፍጽምቲ መንግስቲ ኸም ዘዳለወ ይገልጽ።—ዳንኤል 7:13, 14፣ 2 ጴጥሮስ 3:13

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሰባት ኬማልእዎ ዘለዎም ግዴታ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል የጠቓልሎ:- “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ: እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። እታ እትመስላ ኻልአይታ ድማ፤ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ: እያ። ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ አሎ።” (ማቴዎስ 22:37-40) መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። ንባህርያት ኣምላኽ ብንጹር ዜርኢ ስለ ዝዀነ: ካብቲ “ኣምላኽ ፍቕሪ” ኸም ዝመጸ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—2 ጢሞቴዎስ 3:16

ነዚ መለክዒ እዚ ብምጥቃም: ብግዜ ጥንቲ ኻብ ዝነበረ ጽሑፍ ኣየናይ ብርግጽ ካብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። እቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ ንኣምላኽ ስለ ዚመስልዎ: ፍቕሪ መለለዪቶም እያ።

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ብኸመይ ከተለልዮም ትኽእል፧

እቶም ንኣምላኽ ብሓቂ ዜፍቅርዎ ሰባት: ብፍላይ ኣብዚ መጽሓፍ ቅዱስ “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ ዚጽውዖ እንነብረሉ ዘለና እዋን: ፍልይ ኢሎም እዮም ዚረኣዩ። ሰባት እናሓደሩ “ፈተውቲ ርእሶም . . .: ፈተውቲ ገንዘብ: . . . ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ” እዮም ዚዀኑ ዘለዉ።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-4

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅርዎ ሰባት ደኣ እሞ ብኸመይ ከተለልዮም ትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ “ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ” ይብል። (1 ዮሃንስ 5:3) ሰባት ንኣምላኽ ፍቕሪ እንተ ኣልይዎም: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ምግባራዊ መለክዒ ንኬኽብርዎ ይደፋፍኦም እዩ። ንኣብነት: ቃል ኣምላኽ ንጾታዊ ርክብን ሓዳርን ብዚምልከት ሕግታት ይህብ እዩ። ጾታዊ ርክብ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ጥራይ እዩ ተፈቒዱ: ሓዳር ድማ ነባሪ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። (ማቴዎስ 19:9፣ እብራውያን 13:4) ሓንቲ ኣብ ስጳኛ እትነብር ብዛዕባ ስነ-ሃይማኖት መጽናዕቲ ዝገበረት ሰበይቲ: ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ምግባራዊ ሕግታት ብህንጥዮት መጽናዕቲ ዚገብሩሉ ኣኼባ ምስ ተኻፈለት: “በቲ ዜነቓቕሕ ቅዱስ ጽሑፋዊ መደረ ጥራይ ዘይኰነስ: በቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ሓድነት: በቲ ልዑል ስነ-ምግባሮም: ከምኡውን በቲ ጽቡቕ ጠባዮም ተሃኒጸ እየ ተመሊሰ” በለት።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣምላኽ ኣብ ርእሲ ምፍቃሮም: ንጐረባብቶም ፍቕሪ ብዜርእዩሉ መገዲ እውን ብቐሊሉ ይልለዩ እዮም። እቲ ቐንዲ ዕዮኦም: ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ እታ እንኮ ተስፋ ደቅሰብ ዝዀነት መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር እዩ። (ማቴዎስ 24:14) ንጐረባብቶም ፍልጠት ኣምላኽ ንኺረኽቡ ኻብ ምሕጋዝ ዚዓቢ ነባሪ ጥቕሚ ዜምጽኣሎም ነገር የለን። (ዮሃንስ 17:3) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ፍቕሮም ብኻልእ መዳይ እውን የርእዩ እዮም። ነቶም መከራ ዝወረዶም ሰባት ግብራዊ ሓገዝ ይገብሩሎም እዮም። ንኣብነት: ኣብ ኢጣልያ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዕንወት ምስ ኣጋጠመ: ኣብቲ ቦታ እትሕተም ጋዜጣ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ነቶም መከራ ዝወረዶም ሰባት ካበየነይቲ ሃይማኖት ምዃኖም ከይፈለዩ ብምድጋፍ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ እዮም ዚዓዩ ነይሮም” ብምባል ጸብጸበት።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንኣምላኽን ንጐረባብቶምን ኣብ ልዕሊ ምፍቃሮም: ንሓድሕዶም እውን ይፋቐሩ እዮም። የሱስ ከምዚ በለ:- “ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም: ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ: ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም አሎኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።”—ዮሃንስ 13:34, 35

እታ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዘላ ፍቕሪ ፍልይ ዝበለት ድያ፧ ሓንቲ ኤማ ዝስማ ሰበይቲ ምስዚ ትሰማማዕ እያ። ኣብታ ብሰንኪ ዓሌታዊ ፍልልይ: ሃብታምን ድኻን እተኸፋፈለላ ላ ፓዝ: ቦሊቭያ እያ እትሰርሕ። ከምዚ በለት:- “ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን: ሓደ ብዚግባእ እተኸድነ ሰብኣይ ምስ ሓንቲ ህንዳዊት ሰበይቲ ኾፍ ኢሉ ኺዘራረብ ከሎ ረኣኹ። ቅድሚ ሕጂ ኸምዚ ርእየ ኣይፈልጥን እየ። ኣብታ ህሞት እቲኣ ድማ እዚኣቶም ህዝቢ ኣምላኽ ምዃኖም ፈለጥኩ።” ብተመሳሳሊ: ሓንቲ ሚርያም ዝስማ ብራዚላዊት ሰበይቲ: “ኣብ መንጎ ቤተሰበይ እውን እንተ ዀነ: ብኸመይ ሕጕስቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣይፈልጥን እየ ነይረ። ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየ ንመጀመርታ እዋን ብግብሪ እተሰነየት ፍቕሪ ርእየ” በለት። ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚነብር ናይ ሓደ መደብር ተለቪዥን ዳይረክተር ዜና ዝዀነ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ብዙሓት ሰባት ነቲ ሃይማኖትኩም ዚስዕቦ መገዲ እንተ ዚስዕቡ ነይሮም: እዛ ሃገር ከምዚ ሕጂ ዘላቶ ኣይምዀነትን ነይራ። ውድብኩም ኣብ ፍቕርን ኣብ ድልዱል እምነት ፈጣርን እተመስረተ ኸም ዝዀነ ዝኣምን ጋዜጠኛ እየ።”

ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣናድዮ

ፍቕሪ መለለዪት ናይ ሓቂ ኣምልኾ እያ። የሱስ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምርካብ: ቅኑዕ መገዲ ምስ ምርካብን ምስቲ ብእኣ ኽትጐዓዝ እትገብሮ ምርጫን ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እትመርሕ እንኮ መገዲ ንሳ እያ። የሱስ ከምዚ በለ:- “እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ: መገዳውን ገፋሕ እያ: እቶም ብእኣ ዚአትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ: መገዳውን ቀጣን እያ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ: በታ ጸባብ ደገ እተዉ።” (ማቴዎስ 7:13, 14) ሓደ ጕጅለ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ጥራይ እዮም ምስ ኣምላኽ ብሓባር ኰይኖም ኣብዛ መገዲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዚጐዓዙ ዘለዉ። ስለዚ: እቲ እትገብሮ ናይ ሃይማኖት ምርጫ ኣገዳሲ እዩ። ነታ መገዲ እንተ ረኺብካያን ብእኣ ኽትጐዓዝ እንተ መሪጽካን: ነቲ ኻብ ኵሉ ዝበለጸ መገዲ ህይወት ኢኻ ረኺብካ፣ ከመይሲ: መገዲ ፍቕሪ እያ።—ኤፌሶን 4:1-4

ኣብ መገዲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኽትጕዓዝ ከለኻ እትረኽቦ ሓጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ምስ ኣምላኽ ትኸይድ ዘለኻ ዀይኑ እዩ ዚስምዓካ። ካብ ኣምላኽ ጥበብን ፍቕርን ክትመሃር ትኽእል ኢኻ: እዚ ኸኣ ምስ ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ርክብ ከም ዚህልወካ ይገብር። ብዛዕባ ዕላማ ህይወት እውን ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ: በዚ ኸምዚ ድማ ንመብጽዓ ኣምላኽ ክትርድኦን ንመጻኢ ተስፋ ኺህልወካን ይኽእል እዩ። ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብምድላይካ ፈጺምካ ኣይትጠዓስን ኢኻ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ካብ መንጎ እቲ ጥንታዊ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት: መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽ ዚገልጽ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ግብራዊት ፍቕሪ ስለ ዜርእዩ: ብቐሊሉ እዮም ዚፍለጡ