ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስም የሆዋ ሓቢርና ልዕል ነብሎ

ንስም የሆዋ ሓቢርና ልዕል ነብሎ

ንስም የሆዋ ሓቢርና ልዕል ነብሎ

“ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ: ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ።” —መዝሙር 34:3

1. የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ እንታይ ሰናይ ኣብነት እዩ ዝሓደገ፧

 የሱስን ሃዋርያቱን ምሸት 14 ኒሳን 33 ድ.ክ. ኣብ ሓንቲ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ደርቢ ዀይኖም መዝሙር ምስጋና ዘመሩ። (ማቴዎስ 26:30) የሱስ ምስ ሃዋርያቱ ንመወዳእታ ግዜኡ እዩ ኸምኡ ገይሩ። ይኹን እምበር: ምስኦም ዝገበሮ ኣኼባ ብመዝሙር ምስጋና ምዕጻዉ ግቡእ እዩ ነይሩ። ካብ መጀመርታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ጀሚሩ: ንኣቦኡ ወዲስዎን ንስሙ ብቕንኣት ኣፍሊጡን እዩ። (ማቴዎስ 4:10፣ 6:9፣ 22:37, 38፣ ዮሃንስ 12:28፣ 17:6) ስለዚ ድማ: ነቲ እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ: ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ” ብምባል ዘቕረቦ ባህ ዜብል ጻውዒት ኣቃሊሑ ኺበሃል ይከኣል እዩ። (መዝሙር 34:3) ከመይ ዝበለ ኽንስዕቦ ዚግባእ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ!

2, 3. (ሀ) መዝሙር 34 ትንቢታዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዋ ብኸመይ ንፈልጥ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን እንታይ ክንምርምር ኢና፧

2 ሃዋርያ ዮሃንስ ምስ የሱስ መዝሙር ምስጋና ድሕሪ ምዝማሩ ሒደት ሰዓታት ጸኒሑ: ኣዝዩ እተፈልየ ፍጻመታት ረኣየ። ጐይታኡን ክልተ ገበነኛታትን ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቒሎም ኪሞቱ ረኣየ። ዓቀይቲ ሮሜ ንሞት እቶም ክልተ ገበነኛታት ኬቀላጥፉ ኢሎም: ኣእጋሮም ሰበርዎም። ኣእጋር የሱስ ከም ዘይሰበሩ ግን ዮሃንስ ጸሓፈ። እቶም ዓቀይቲ ሮሜ ናብ የሱስ ምስ መጹ: ሞይቱ ጸንሖም። ዮሃንስ ኣብቲ ዝጸሓፎ ወንጌል: እዚ ምዕባለታት እዚ ነቲ “ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይኪሰብሩን እዮም” ዚብል ሓሳብ ዘለዎ ኣብ መዝሙር 34 ተገሊጹ ዝነበረ ኻልእ ትንቢት ፍጻሜኡ ኸም ዝዀነ ገለጸ።—ዮሃንስ 19:32-36፣ መዝሙር 34:20

3 መዝሙር 34 ንክርስትያናት ዜገድሶም ሓያሎ ኻልእ ነጥብታት ኣለዋ። ስለዚ: ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን: ዳዊት ነዛ መዝሙር እዚኣ ዝጸሓፈሉ ዅነታት ከምኡውን ዜተባብዕ ትሕዝቶ እታ መዝሙር ክንምርምር ኢና።

ዳዊት ካብ ሳኦል ሃደመ

4. (ሀ) ዳዊት ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን እተቐብአ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሳኦል ንዳዊት ‘ኣዝዩ ዝፈተዎ’ ስለምንታይ እዩ፧

4 ዳዊት ገና ንእሽቶ ኸሎ: ሳኦል ንጉስ እስራኤል ነበረ። ይኹን እምበር: ሳኦል እዙዝ ብዘይምንባሩ: ሞገስ የሆዋ ሰኣነ። በዚ ምኽንያት እዚ: ነብዪ ሳሙኤል: “እግዚኣብሄር ሎሚ መንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲዱ: ካባኻ ንዚሐይሽ ብጻይካ ሀቦ” በሎ። (1 ሳሙኤል 15:28) ጸኒሑ: ሳሙኤል ነቲ ኻብቶም ኣወዳት ዝነኣሰ ወዲ እሰይ ዝነበረ ዳዊት ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ኪቐብኦ: ካብ የሆዋ መምርሒ ተዋህቦ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: መንፈስ ኣምላኽ ካብ ንጉስ ሳኦል ስለ ዝረሓቐ: ሕማቕ መንፈስ ሓደሮ። ዳዊት ክኢላ ሙዚቀኛ ስለ ዝነበረ: ንንጉስ ሳኦል ንኼገልግል ናብ ጊብዓ ተወስደ። ሳኦል ነቲ ዳዊት ዚወቕዖ ዝነበረ ሙዚቃ ኺሰምዕ ከሎ ይፈዅሶ ብምንባሩ: ንዳዊት ‘ኣዝዩ ፈተዎ።’—1 ሳሙኤል 16:11, 13, 21, 23

5. ሳኦል ብዛዕባ ዳዊት ዝነበሮ ኣረኣእያ እተቐየረ ስለምንታይ እዩ፧ ዳዊትከ እንታይ ኪገብር እዩ እተገደደ፧

5 ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: የሆዋ ምስ ዳዊት ምዃኑ ተራእየ። ነቲ ዓርሞሸሽ ዝነበረ ጐልያድ ዚበሃል ፍልስጥኤማዊ ንኪቐትሎ ንዳዊት ሓገዞ: ኣብ እስራኤል ብወተሃደራዊ ብልሓቱ ውሩይ ኪኸውን ከሎ እውን ደገፎ። ይኹን እምበር: የሆዋ ንዳዊት ስለ ዝባረኾ: ሳኦል ቀንአ: ንዳዊት ድማ ጸልኦ። ዳዊት ኣብ ቅድሚ ሳኦል በገና እናወቕዐ ኸሎ: ክልተ ሳዕ ኲናቱ ወርወረሉ። ክልቲኡ ሳዕ ድማ ዳዊት በቲ ዂናት ከይተወግአ ኣምለጠ። ሳኦል ንኪቐትሎ ሳልሳይ ፈተነ ምስ ገበረ: እቲ ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ዝነበሮ ዳዊት ህይወቱ ንምድሓን ኪሃድም ነበሮ። ኣብ መወዳእታ: ሳኦል ኪሕዞን ኪቐትሎን ቈሪጹ ስለ እተላዕለ: ዳዊት ካብ ዶብ እስራኤል ወጻኢ ኸይዱ ኺዕቈብ ወሰነ።—1 ሳሙኤል 18:11፣ 19:9, 10

6. ሳኦል ንተቐማጦ ኖብ ኪቕተሉ ዝኣዘዘ ስለምንታይ እዩ፧

6 ዳዊት ናብ ዶብ እስራኤል ኣብ ዝኸደሉ እዋን: ንእግረ መገዱ ናብታ ማሕደር የሆዋ ዚርከባ ዝነበረ ኸተማ ኖብ ኣላገሰ። ኪሃድም ከሎ ብገለ ኣጕባዝ ተሰንዩ ኪኸውን ኣለዎ: ንዕኡን ነቶም ኣሰነይቱን ዚኸውን ዚብላዕ ድማ ደለየ። እቲ ሊቀ ኻህናት ንዳዊትን ንሰቡን ዚብላዕ ከምኡውን ሰይፊ ጐልያድ ከም ዝሃቦ ሳኦል ሰምዐ። ብሕርቃን ተላዒሉ ድማ: ኵሎም ተቐማጦ እታ ኸተማ: እንተላይ 85 ካህናት ከም ዚቕተሉ ገበረ።—1 ሳሙኤል 21:1, 2፣ 22:12, 13, 18, 19፣ ማቴዎስ 12:3, 4

እንደገና ኻብ ሞት ኣምለጠ

7. ዳዊት ኣብ ጋት ኪሕባእ ምኻዱ ሓደገኛ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

7 ዳዊት ካብ ኖብ ንምዕራብ ገጹ 40 ኪሎ ሜተር ሃዲሙ ኣብ ግዝኣት ፍልስጥኤማውያን ኣተወ: ናብታ ዓዲ ጐልያድ ዝነበረት ጋት ብምኻድ ድማ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ኣኪሽ ተዓቝበ። ከምዚ ዝገበረሉ ምኽንያት: ምናልባት ሳኦል ናብቲ ቦታ እቲ ኪኸይድ ኢሉ ፈጺሙ ኸም ዘይጽበዮ ብምእማን እዩ ዚኸውን። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን: ኣገልገልቲ ንጉስ ጋት ንዳዊት ኣለለይዎ። ዳዊት ከም ዝፈለጥዎ ኺዛረቡ ምስ ሰምዐ: “ንኣኪሽ ንጉስ ጋት . . . ኣዝዩ ፈርሆ።”—1 ሳሙኤል 21:10-12

8. (ሀ) መዝሙር 56 ብዛዕባ እቲ ዳዊት ኣብ ጋት ዘጋጠሞ ነገር እንታይ ትነግረና፧ (ለ) ዳዊት ካብ ሞት ንስክላ ዘምለጠ ብኸመይ እዩ፧

8 ድሕሪኡ እቶም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ሓዝዎ። ዳዊት ኣብዚ ግዜ እዚ እዩ “ንንብዓተይ ኣብ ጭልፎኻ አከብካዮ” ኢሉ ንየሆዋ ዝለመነላ ልቢ እትትንክፍ መዝሙር ጽሒፉ ኪኸውን ዚኽእል። (መዝሙር 56:8 ኸምኡውን ልዕለ-ጽሑፍ) በዚ ኸምዚ ድማ የሆዋ ንሓዘኑ ፈጺሙ ኸም ዘይርስዖ: የግዳስ ብፍቕሪ ኸም ዚሓልየሉን ከም ዜዕቍቦን ገለጸ። ብዘይካዚ ኸኣ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ንጉስ ዜታልለሉ ሜላ ሓሰበ። ጽሉል ከም ዝዀነ መሰለ። ንጉስ ኣኪሽ ነዚ ምስ ረኣየ: ነቶም ኣገልገልቱ ኣብ ቅድሚኡ “ዕቡድ” ሰብኣይ ብምምጻኦም ገንሖም። የሆዋ ነቲ ዳዊት እተጠቕመሉ ሜላ ኸም ዝባረኾ ንጹር እዩ። ዳዊት ካብታ ኸተማ ተሰጐ: ካብ ሞት ከኣ ንስክላ ኣምለጠ።—1 ሳሙኤል 21:13-15

9, 10. ዳዊት መዝሙር 34 ዝጸሓፋ ብምንታይ ምኽንያት እዩ፧ ነታ መዝሙር እቲኣ ኼቀናብራ ኸሎኸ ብዛዕባ መን ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፧

9 ደገፍቲ ዳዊት ምስኡ ናብ ጋት እንተ ሃዲሞም ወይ ጥቓ እታ ኸተማ ኣብ ዝነበራ ኣቝሻት እስራኤል ኰይኖም ሓደጋ ኸይመጽእ ይሕልዉ እንተ ነይሮም: መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ። ዝዀነ ዀይኑ: ዳዊት ንዓታቶም: የሆዋ እንደገና ኸመይ ገይሩ ኸም ዘድሓኖ ምስ ነገሮም ተሓጒሶም ኪዀኑ ኣለዎም። እዚ ፍጻመ እዚ: ከም ኣብ ልዕለ-ጽሑፍ መዝሙር 34 ተገሊጹ ዚርከብ ነታ መዝሙር መሰረት ዝዀና ነገራት እዩ ነይሩ። ኣብተን ናይ መጀመርታ ሸውዓተ ቝጽርታት: ዳዊት ንኣምላኽ ስለቲ ንምድሓኑ ዝወሰዶ ስጕምቲ ወደሶ: ንደገፍቱ ድማ ነቲ ዓብዪ መናገፊ ህዝቡ ዝዀነ የሆዋ ምስኡ ሓቢሮም ልዕል ኬብልዎ ጸውዖም።—መዝሙር 34:3, 4, 7

10 ዳዊትን ሰቡን ኣብቲ ኻብ ጋት ንምብራቕ 15 ኪሎ ሜተር ኣቢሉ ርሒቑ ዚርከብ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ዚርከብ በዓቲ ኣዱላም ተሓብኡ። ኣብኡ ኸኣ ብኣገዛዝኣ ንጉስ ሳኦል እተበሳጨዉ እስራኤላውያን ናብኡ ተኣከቡ። (1 ሳሙኤል 22:1, 2) ዳዊት ንመዝሙር 34:8-22 ኣብ ዘቀናበረሉ እዋን: ነዚኣቶም ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ኣብዘን ቍጽርታት እዚኣተን ዘሎ መዘኻኸሪታት ነዚ ግዜና እውን ኣገዳሲ እዩ። ነዛ ጽብቕቲ መዝሙር ብዝርዝር ብምምርማርና ድማ ብርግጽ ብዙሕ ክንጥቀም ኢና።

እቲ ንዳዊት ብቐዳምነት ዘተሓሳሰቦ ነገር ድዩ ዜተሓሳስበካ፧

11, 12. ንየሆዋ ብቐጻሊ ንኽንውድሶ እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧

11 “ንእግዚኣብሄር ኵሉ ጊዜ እባርኾ: ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ።” (መዝሙር 34:1) ዳዊት ከም ስጉጕ ኰይኑ ይነብር ብምንባሩ: ብስጋ ዜድልዮ ብኸመይ ከም ዜማልእ ብዙሕ የተሓሳስቦ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዘን ኣቐዲመን እተጠቕሳ ቓላት ከም ዚሕብራኦ ግን እቲ መዓልታዊ ሻቕሎቱ ነቲ ንየሆዋ ንኺውድስ ዝነበሮ ቘራጽነት ኣይዓብለሎን። እዝስ ንዓና ሽግር ኬጋጥመና ኸሎ ኽንስዕቦ ዘለና ኸመይ ዝበለ ጽቡቕ ኣብነት ኰን እዩ! ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ስራሕ: ምስ ክርስትያናት ብጾትና: ወይ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ንሃሉ ብዘየገድስ: ቀንዲ ባህግና ንየሆዋ ምውዳስ ኪኸውን ኣለዎ። ብዛዕባ እቲ ኸምኡ እንገብረሉ ታእላው ዘይብሉ ምኽንያታት እሞ ሕስብ ኣብል! ንኣብነት: ካብቲ መስተንክር ፍጥረት የሆዋ ኽንረኽቦ እንኽእል ፍልጠት ኰነ ሓጐስ መወዳእታ የብሉን። በቲ ምድራዊ ኽፋል ውድቡ ኣቢሉ ዝዓመሞ ነገራት እውን ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብዚ ግዜና ዘይፍጹማት ብዝዀኑ እሙናት ሰባት ገይሩ ብዙሕ ነገራት ዓሚሙ እዩ። ግብርታት የሆዋ ምስ ግብርታት እቶም ዓለም ከም ኣማልኽቲ እትርእዮም ሰባት ኪወዳደር ከሎ ኸመይ ይመስል፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ምስቲ: “ዎ እግዚኣብሄር: ካብ ኣማልኽቲ ዚመስለካ የልቦን: ከም ግብርታትካውን ከቶ የልቦን” ኢሉ ዝጸሓፈ ዳዊት ኣይትሰማማዕንዶ፧—መዝሙር 86:8

12 ንሕና እውን ከም ዳዊት: ንየሆዋ ስለቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ግብርታቱ ብቐጻሊ ኽንውድሶ ንድረኽ ኢና። ኣብ ልዕሊ እዚ: ሕጂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኢድ እቲ ቐዋሚ ወራሲ ዳዊት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከም ዘላ ምፍላጥና የሐጕሰና እዩ። (ራእይ 11:15) እዚ ኸኣ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኸም ዝቐረበ የመልክት። ዘለኣለማዊ መጻኢ ልዕሊ ሽዱሽተ ቢልዮን ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንደቅሰብ እንታይ ከም እትገብረሎም ምንጋርን ምሳና ሓቢሮም ንየሆዋ ኺውድሱ ምሕጋዝን: ከም ሕጂ ህጹጽ ኰይኑ ኣይፈልጥን። እምበኣር: እቲ ግዜ ኸይተጸንቀቐ ኸሎ: ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኽንህቦ ዘሎና ዕዮ: ሰባት ነቲ “ወንጌል” ኪቕበሉ ንምትብባዕ ኵሉ ኣጋጣሚታት ምጥቃም እዩ።—ማቴዎስ 24:14

13. (ሀ) ዳዊት ብመን እዩ እተሓበነ፧ እንታይ ዓይነት ሰባትከ እዮም ምላሽ ዝሃቡ፧ (ለ) ሎሚ ትሑታት ናብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዚሰሓቡ ብኸመይ እዮም፧

13 “ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ክትሕበን እያ: ትሑታት እዚ ሰሚዖም ኪሕጐሱ እዮም።” (መዝሙር 34:2) ዳዊት ኣብዚ ብብሕቱ ብዝዓመሞ ነገራት ኣይኰነን ተሓቢኑ። ንኣብነት: ንንጉስ ጋት ብዘታለለሉ መገዲ ኣይተጃሃረን። ኣብ ጋት ኣብ ዝነበረሉ እዋን የሆዋ ኸም ዘዕቈቦን ብሓገዝ የሆዋ ኸም ዘምለጠን ኣስተውዒሉ ነበረ። (ምሳሌ 21:1) ስለዚ: ዳዊት ብርእሱ ዘይኰነስ: ብየሆዋ ተሓበነ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ: ትሑታት ናብ ኣምላኽ ተሳሕቡ። የሱስ እውን ንስም የሆዋ ኣዕብዩ እዩ: ንትሑታትን ትምህርቲ ንዚቕበሉን ሰባት ከኣ ናብ የሆዋ ኸም ዚሰሓቡ ገይሩ እዩ። ሎሚ: ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ትሑታት ናብታ የሱስ ዝርእሳ ኣህጉራዊት ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ይሰሓቡ ኣለዉ። (ቈሎሴ 1:18) እቶም ትሑታት ሰባት ስም ኣምላኽ በቶም ትሑታት ኣገልገልቱ ኪኽበር ኪሰምዑ ኸለዉን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺርድኦም ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እናተሓገዙ ኺሰምዑ ኸለዉን ኣልባቦም ይትንከፍ እዩ።—ዮሃንስ 6:44፣ ግብሪ ሃዋርያት 16:14

ኣኼባታት እምነትና የደልድል

14. (ሀ) ዳዊት ንየሆዋ ብውልቁ ብምውዳስ ጥራይ ዓጊቡ ድዩ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ እቲ ንኣምልኾ ዚግበር ኣኼባታት እንታይ ኣብነት ሓደገልና፧

14 “ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ: ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ።” (መዝሙር 34:3) ዳዊት ንየሆዋ ብውልቁ ብምውዳስ ጥራይ ኣይዓገበን። ንብጾቱ ምስኡ ሓቢሮም ንስም የሆዋ ልዕል ኬብሉ ዓደሞም። እቲ ዝዓበየ ዳዊት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ብተመሳሳሊ: ንየሆዋ ኣብ ቅድሚ ሰባት ምውዳስ የሐጕሶ ነበረ። ገለ ኻብቲ ኸምዚ ዝገበረሉ ቦታታት ኣብ ቤት ጸሎት: ኣብታ ኣብ የሩሳሌም እትርከብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣብ እተገብረ በዓል: ከምኡውን ሰዓብቱ ኣብ እተረኽቡሉ ቦታ ኺጥቀስ ይከኣል። (ሉቃስ 2:49፣ 4:16-19፣ 10:21፣ ዮሃንስ 18:20) ኣብ ኵሉ እንረኽቦ ኣጋጣሚታት: ብፍላይ ሕጂ “እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ” ብምርኣይ: ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ሓቢርና ንየሆዋ ብምውዳስ ዝመጸ: ኣብነት የሱስ ምስዓብናሲ ኸመይ ዝበለ ዜሐጕስ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!—እብራውያን 10:24, 25

15. (ሀ) ተመክሮ ዳዊት ኣብቶም ሰቡ እንታይ ጽልዋ እዩ ዘሕደረ፧ (ለ) ኣብ ኣኼባታት ብምእካብና እንታይ ረብሓ ኢና እንረክብ፧

15 “ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ: ንሱውን መለሰለይ: ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ።” (መዝሙር 34:4) እዚ ተመክሮ እዚ ንዳዊት ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ኣስዕብ ኣቢሉ: “እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ: እግዚኣብሄርውን ሰምዖ: ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሐኖ” በለ። (መዝሙር 34:6) ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣብ እንራኸበሉ እዋን: ኣጸጋሚ ዅነታት ንኽንጽመም የሆዋ ብኸመይ ከም ዝሓገዘና ዚገልጽ ሃናጺ ተመክሮታት ንኸነዘንቱ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኣሎና። ከምቲ ቓላት ዳዊት ንእምነት ደገፍቱ ዘደልደለ: እቲ ንሕና እነዘንትዎ ተመክሮታት ድማ ንእምነት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና የደልድል እዩ። ዳዊት ብዛዕባ ብጾቱ “ናብኡ [ናብ የሆዋ] ዚጥምቱ የንጸባርቑ: ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን” በለ። (መዝሙር 34:5) እቶም ብጾቱ ኻብ ንጉስ ሳኦል ይሃድሙ እኳ እንተ ነበሩ: ኣይሓፈሩን። ኣምላኽ ንዳዊት ይድግፎ ኸም ዝነበረ ይተኣማመኑ ነበሩ: ገጾም ድማ የንጸባርቕ ነበረ። ብተመሳሳሊ: ሓደስቲ ተገደስቲ ዀኑ ንነዊሕ ግዜ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኰይኖም ዘገልገሉ ሰባት: ካብ የሆዋ እዮም ደገፍ ዚጽበዩ። ሓገዙ ባዕሎም ስለ እተመከርዎ: እቲ ዜንጸባርቕ ገጾም እሙናት ንኪዀኑ ዘለዎም ቈራጽነት የርኢ።

መላእኽቲ ንዚህብዎ ሓገዝ ኣመስግነሉ

16. የሆዋ ንዓና ንምንጋፍ መላእኽቱ እተጠቕመሎም ብኸመይ እዩ፧

16 “መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ እዩ።” (መዝሙር 34:7) ዳዊት: የሆዋ ንዕኡ ጥራይ ከም ዜናግፎ ገይሩ ኣይሓሰበን። ልክዕ እዩ: ቅቡእ የሆዋን ናይ መጻኢ ንጉስ እስራኤልን እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግን: የሆዋ ብመላእኽቱ ገይሩ ንዅሎም እሙናት ኣምለኽቱ: ፍሉጣት ይኹኑ ዘይፍሉጣት ብዘየገድስ: ከም ዚሕልዎም ይፈልጥ ነበረ። ኣብዚ ግዜና እውን ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነቲ የሆዋ ዚህቦ ዕቝባ ተመኪሮምዎ እዮም። ናዚ ኣብ ጀርመን ኣብ ዚገዝኣሉ ዝነበረ እዋን ከምኡውን ኣብ ማላዊን ሞዛምቢክን ኣንጎላን ኣብ ሓያሎ ኻልኦት ሃገራትን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምጥፋእ ወፈራታት ገይሮም እዮም። ጻዕርታቶም ግን ከንቱ ዀነ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስም ኣምላኽ ሓቢሮም ልዕል እናበሉ ሰሲኖም እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ብቕዱሳት መላእኽቱ ገይሩ ንህዝቡ የዕቍቦምን ይመርሖምን እዩ።—እብራውያን 1:14

17. መላእኽቲ ኣምላኽ ብምንታይ መገድታት እዮም ዚሕግዙና፧

17 ብተወሳኺ: መላእኽቲ የሆዋ ዝዀነ ይኹን ንኻልኦት ዚዕንቅፍ ሰብ ካብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ኸም ዚውገድ ንምግባር ይዓዩ እዮም። (ማቴዎስ 13:41፣ 18:6, 10) ሓድሓደ ግዜ ንሕና ኸይፈለጥና: መላእኽቲ ንኣምላኽ ከነቕርቦ እንኽእል ኣገልግሎት ዚዓግት ዕንቅፋታት የወግዱ: ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ኻብ ዚኽእል ነገራት ድማ የዕቍቡና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኣብቲ ነቲ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ንዅሎም ደቅሰብ: እንተላይ ነቶም ኣብቲ ንስብከት ሓደገኛ ዝዀነ ቦታታት ዚርከቡ ሰባት: ንምእዋጅ ዚግበር ዕዮ ይመርሑና እዮም። (ራእይ 14:6) መላእኽቲ ኸም ዚሕግዙና ዜርኢ መርትዖታት: ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ተዘንትዩ ንረኽቦ ኢና። a ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮታት ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ ኣጋጣሚ እዩ ኽትብሎ ዘይመስል እዩ።

18. (ሀ) መላእኽቲ ኻብ ዚህብዎ ሓገዝ ክንጥቀም እንተ ዄንና እንታይ ብቕዓት ከነማልእ ኣሎና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ክንምርምር ኢና፧

18 ካብ መላእኽቲ ብቐጻሊ መምርሕን ዕቝባን ምእንቲ ኽንረክብ: ምጽራር እውን እናኣጋጠመና ስም የሆዋ ልዕል ከነብል ኣሎና። መልኣኽ ኣምላኽ “ኣብ ዙርያ እቶም [ንየሆዋ] ዚፈርህዎ” ጥራይ ከም ዚሰፍር ዘክር። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ ብኸመይ ከነማዕብሎ ንኽእል፧ ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ክንፈርሆ ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪግለጻ እየን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብቲ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም: ገጽ 550፣ መጽሓፍ ዓመት 2005 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: (እንግሊዝኛ) ገጽ 53-4፣ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 መጋቢት 2000 ገጽ 5-6፣ ናይ 1 ጥሪ 1991 (እንግሊዝኛ) ገጽ 27፣ ናይ 15 ለካቲት 1991 (እንግሊዝኛ) ገጽ 26 ተወከስ።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ዳዊት ገና መንእሰይ ከሎ እንታይ ፈተናታት ኣሕለፈ፧

• ከም ዳዊት: ብቐዳምነት ዜተሓሳስበና ነገር እንታይ እዩ፧

• ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብኸመይ ኢና እንርእዮ፧

• የሆዋ ንኺሕግዘና መላእኽቱ ዚጥቀም ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ራማ

ጋት

ጺቅላግ

ጊብዓ

የሩሳሌም

ኣዱላም

ቅዒላ

ኬብሮን

ዚፍ

ሆረሽ

ማዖን

ኖብ

ቤት-ልሄም

ዔን-ገዲ

ቀርሜሎስ

ባሕሪ ጨው

[ምንጪ ስእሊ]

Map: Based on maps copyrighted by Pictorial Archive (Near Eastern History) Est. and Survey of Israel

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ዳዊት ይህደን ኣብ ዝነበረሉ እዋን እኳ ኸይተረፈ: ንስም የሆዋ ልዕል ኣበሎ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ሃናጺ ተመክሮታት ክንሰምዕ ከለና እምነትና ትድልድል