ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንታይነት እታ እትመርጻ ሃይማኖት ኣገዳሲ ድዩ፧

እንታይነት እታ እትመርጻ ሃይማኖት ኣገዳሲ ድዩ፧

እንታይነት እታ እትመርጻ ሃይማኖት ኣገዳሲ ድዩ፧

መብዛሕትና ናብ ዕዳጋ ኣብ እንኸደሉ እዋን: ነቲ ብሉጽ ዝዀነ ኣቕሓ ኢና እንሓሪ። ኣብቲ ዕዳጋ እተፈላለየ ፍረታትን ኣሕምልትን ዚርከብ እንተ ዀይኑ: ነቲ ባህ ዜብለናን ንስድራቤትና ጽቡቕ ዝዀነን ክንሓሪ ንኽእል ኢና። ሓደ ቤት መሸጣ ኽዳውንቲ እውን ብሕሱር ዋጋ እተፈላለየ ቕድን ሕብርን ዘለዎ ኽዳውንቲ ይሸይጥ ይኸውን: ንሕና ድማ ዚሰማምዓና ኽዳን ንመርጽ። እቲ ኣብ ህይወትና እንገብሮ ገሊኡ ምርጫታት ኣብ ብሕታዊ ድሌት እተመስረተ እዩ። ገሊኡ ግን ንድሕንነትና ዚጸሉ እዩ፣ ገለ ኻብዚ ድማ: ጥዑይ ምግብን ለባማት ፈተውትን ኪጥቀስ ይከኣል። ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ምርጫናኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እቲ ኣምልኾ እነቕርበሉ መገዲ ኣብ ብሕታዊ ድሌትና እተመስረተ ድዩ ኪኸውን ዘለዎ፧ ወይስ ንድሕንነትና ዚጸሉ ጕዳይ እዩ፧

ክትመርጸን እትኽእል እተፈላለያ ሃይማኖታት ኣለዋ። ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ሃገራት ሃይማኖታዊ ናጽነት ስለ ዝፈቐዳ: ሰባት ነቲ ናይ ወለዶም ሃይማኖት ንኺሓድግዎ ብዝያዳ ናጽነት ይስምዖም እዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተገብረ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ: ካብ ኣመሪካውያን እቶም 80 ሚእታዊት ዝዀኑ “ናብ ድሕነት እትመርሕ ሃይማኖት ሓንቲ ጥራይ ኣይኰነትን ኢሎም ይኣምኑ።” ብመሰረት እዚ ጸብጻብ እዚ: “ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሓሙሽተ ሰባት እቲ ሓደ: በጽሒ ምስ ኰነ ሃይማኖቱ ቐዪሩ እዩ።” ኣብ ብራዚል እተገብረ መጽናዕቲ ኸም ዚሕብሮ: ዳርጋ ርብዒ ብራዚላውያን ሃይማኖቶም ቀይሮም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ግዜያት: ሰባት ብዛዕባ እቲ ንሓደ ሃይማኖት ካብ ካልእ ዚፈልዮ ሰረተ-ትምህርቲ ርሱን ክትዕ ይገብሩ ነበሩ። ኣብዚ እዋን እዚ ህቡብ ኰይኑ ዘሎ ኣረኣእያ ግን: ‘እንታይነት እታ እትመርጻ ሃይማኖት ኣገዳሲ ኣይኰነን’ ዚብል እዩ። ከም ሓቂ ግን ከምኡ ድዩ፧ ናይ ሃይማኖት ምርጫኻ ይጸልወካ ድዩ፧

ልክዕ ከምቲ ጥንቁቓት ዓደግቲ ብዛዕባ እቲ ምህርቲ ዝፈረየሉ ቦታ ዚሓቱ: ንስኻ እውን ‘እዘን እተፈላለያ ሃይማኖታት ከመይ ኢለን እየን ጀሚረን፧ ስለምንታይከ፧’ ኢልካ ምሕታትካ ጥበባዊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ መልሲ ይህብ እዩ።

ሃይማኖታት ብኸመይ ጀመራ፧

የሱስ ቅድሚ ምምጻኡ ኣሽሓት ዓመታት ይገብር: ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ንጉስ የሮብዓም ሓድሽ ሃይማኖት ጀመረ። ናይ መጀመርታ ንጉስ እታ ርእሳ ዝፈለየት ሰሜናዊት መንግስቲ እስራኤል እዩ ነይሩ። ነቶም ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ ብሓደ ናይ ምሕባር ብድሆ ኸኣ ኣጋጠሞ። “እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምሩኻት ወርቒ ገበረ፤ ዎ እስራኤል: ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ: እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እነውልካ: ድማ በሎም።” (1 ነገስት 12:28) እቲ ንጉስ ንሃይማኖት ተጠቒሙ: እቶም ህዝቢ ናብ የሩሳሌም ከይዶም ንኸየምልኹ ንተኣማንነቶም ኣጕደሎ። እቲ የሮብዓም ዝጀመሮ ሃይማኖት ንዘመናት ቀጸለ: ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ኸሓዲ ህዝቢ እስራኤል መቕጻዕቲ ምስ ኣውረደ ግን ጠንቂ ጥፍኣት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኰነ። እቲ የሮብዓም ዝጀመሮ ሃይማኖት ንፖለቲካዊ ጥቕሙ ኢሉ እዩ። ገሊአን ክሳዕ ሕጂ ዘለዋ ሃይማኖታት እውን እንተ ዀና: ፖለቲካዊ ሓይሊ ንምድልዳል እየን ተመስሪተን።

ሃዋርያ ጳውሎስ: ሰባት ሓድሽ ሃይማኖት ዚጅምሩሉ ኻልእ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ ዚስዕብ በለ:- “ኣነ ምስ ኣግለስኩ: ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚአትዉኹም: እፈልጥ አሎኹ። ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ: ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንስኡ እዮም።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:29, 30) መብዛሕትኡ ግዜ ዕቡያት መራሕቲ ናብ ርእሶም ኣቓልቦ ንምስሓብ ኢሎም ናይ ሃይማኖት ምንቅንስቓስ ይጅምሩ እዮም። እተን ክርስትያናት ኢና ዚብላ ኣብያተ-ክርስትያን ብብዙሕ ምክፍፋል ተገማሚዐን እየን ዘለዋ።

ሃይማኖታት ንመን እየን ኬሐጕሳ ዚደልያ፧

ገሊኦም ሰባት ንህዝባዊ ጠለብ ኪብሉ ሓድሽ ሃይማኖት ይጅምሩ እዮም። ንኣብነት: እታ ኢኮኖሚስት እትበሃል መጽሔት ነተን ዓበይቲ ዚበሃላ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ብዚምልከት ጸብጻብ ኣቕሪባ ነበረት። እታ ዓንቀጽ ከም ዝገለጸቶ: እዘን ኣብያተ-ክርስትያን ዕቤት ዚገብራ ዘለዋ: “ነቲ ዕዉት ንግዲ ዚስዕቦ ‘ቕድሚ ዅሉ ዓሚል’ ዚብል ስርዓት ይስዕባ ስለ ዘለዋ እየን።” ገሊአን እሞ ኸኣ “ቪድዮን ድራማን ዘመናዊ ሙዚቃን ዘለዎ ዜዘናግዕ ኣገልግሎት” ይህባ እየን። ኣብዘን ኣብያተ-ክርስትያን ዚርከቡ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ኣባላቶም: “ሃብታማት: ጥዑያት: ከምኡውን ሻቕሎት ዘይብሎም” ንኪዀኑ ኸም ዚምህርዎም እዮም ዚዛረቡ። እዘን ኣብያተ-ክርስትያን እዚኣተን ኣብ ናይ ምዝንጋዕ ኢንዱስትሪ ወይ ኣብ ንግዲ ብምክፋለን እኳ እንተ ተነቕፋ: እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ: “ነቲ ዝቐረበለን ጠለብ እየን ምላሽ ዚህባሉ ዘለዋ።” እቲ ጸብጻብ: “እቲ ኣብ መንጎ ንግድን ሃይማኖትን ዘሎ ሕብረት ኣዝዩ ዕዉት እዩ ዚኸውን ዘሎ” ብምባል ዛዘመ።

ገሊአን ሃይማኖታት ብግልጺ ኣብ ንግዲ ዝኣተዋ እኳ እንተ ዘይኰና: እተን ‘ነቲ ዝቐረበለን ጠለብ ምላሽ ዚህባሉ’ ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን ግን ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ እየን ዜዘኻኽራና። ንሱ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ: ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር: ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ: ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ: ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም።”—2 ጢሞቴዎስ 4:3, 4

መብዛሕትአን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ናይ ምሕጓስ ድሌት ሓዲርወን ዘይኰነስ: ፖለቲካዊ ሓይሊ: ዝና: ከምኡውን ብህዝቢ ተፈታውነት ኪረኽባ ኻብ ዘለወን ድሌት ተላዒለን እተመስረታ ስለ ዝዀና: ኣብ ህስያ ሕጻናት: ስርቂ: ውግእ: ወይ ኣብ ግብረ-ሽበራ ኢደን ዜእትዋ ምዃነን ዜገርም ኣይኰነን። መብዛሕትኡ ግዜ ሃይማኖት መታለሊ እዩ። ንስኻኸ ኻብ ምትላል ብኸመይ ከተምልጥ ትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

መብዛሕትአን ሃይማኖታት ንኣምላኽ ናይ ምሕጓስ ድሌት ሓዲርወን ዘይኰነስ: ፖለቲካዊ ሓይሊ: ዝና: ከምኡውን ብህዝቢ ተፈታውነት ኪረኽባ ኻብ ዘለወን ድሌት ተላዒለን እተመስረታ እየን