ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክትርሳዕ ዘይብላ ዕለት! ሰኑይ 2 ሚያዝያ

ክትርሳዕ ዘይብላ ዕለት! ሰኑይ 2 ሚያዝያ

ክትርሳዕ ዘይብላ ዕለት! ሰኑይ 2 ሚያዝያ

እዋኑ ብ14 ኒሳን 33 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። የሱስ ነቶም ሃዋርያቱ ጽዋእ ወይንን ዘይበዅዐ ቕጫን ሃቦም። እንታይ ኢሉኸ ኣዘዞም፧ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በሎም።—ሉቃስ 22:19

በዚ ምኽንያት እዚ: ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብታ እዛ ትእዛዝ እዚኣ እተዋህበትላ ምሸት: ከምቲ ንሱ ንሞቱ ብዚምልከት ዝኣዘዞ ገይሮም ንምብዓል ይእከቡ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ 14 ኒሳን: ሰኑይ 2 ሚያዝያ ጸሓይ ምስ ዓረበት እያ እትጅምር። ንስኻ እውን ኣብታ ምሸት እቲኣ ኣብ እንገብሮ ኣኼባ ዝኽሪ: ምሳና ንኽትካፈል ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ። ነቲ ልክዕ ቦታን ሰዓትን እቲ ኣኼባ ንምፍላጥ በጃኻ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቲትካ ኣረጋግጽ።