ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሃና ብኸመይ ሰላም ረኸበት፧

ሃና ብኸመይ ሰላም ረኸበት፧

ሃና ብኸመይ ሰላም ረኸበት፧

ሓንቲ እምንቲ ሰበይቲ: ዓው ኢላ ብምጽላይ ንየሆዋ ወደሰቶ። ኣምላኽ ንጓሂኣ ብሓጐስ ብምትካኡ ኻብ ሓመድ ዘልዓላ ዀይኑ ተሰምዓ።

እታ ሰበይቲ ሃና ትበሃል። ኣብ ስምዒታ ለውጢ ዘምጽኣላ እንታይ እዩ፧ ሕጉስቲ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ካብ ተመክሮኣኸ እንታይ ንመሃር፧ ነዚ ሕቶታት እዚ መልሲ ንምርካብ: ታሪኽ ሃና ንመርምር።

ውጥረት ዝነበራ ስድራቤት

ሃና ንሓደ ኣብ ምድሪ ኤፍሬም ዚነብር ዝነበረ ኤልቃና ዚበሃል ሌዋዊ ኻልአይቲ ሰበይቱ እያ ነይራ። (1 ሳሙኤል 1:1, 2፣ 1 ዜና መዋእል 6:33, 34) ደቅሰብ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ኺምርዓዉ ዕላማ ኣምላኽ እኳ እንተ ዘይነበረ: ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ግን ተፈቒዱ ነበረ: ነዚ ዚምልከት ስርዓታት እውን ነበረ። ሽሕኳ ስድራቤት ኤልቃና ንየሆዋ እተምልኽ እንተ ነበረት: ኵነታታ ግን ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምምርዓው መብዛሕትኡ ግዜ ህውከት ከም ዜፍሪ መርትዖ ዚህብ እዩ።

ሃና መኻን ነበረት: እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ኤልቃና ዝነበረት ጵኒና ግን ብዙሓት ውሉድ ነበርዋ። ጵኒና መጻርርቲ ሃና ነበረት።—1 ሳሙኤል 1:2

መኻን ምዃን ኣብ እስራኤል ከም ውርደት: አረ ሕሉፍ ሓሊፉስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋጋ ዘይብልካ ምዃንካ ዚሕብር ምልክት ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። ይኹን እምበር: ሃና ውሉድ ክትወልድ ዘይምኽኣላ ሞገስ ኣምላኽ ከም ዘይነበራ ዚሕብር ምዃኑ ዚገልጽ መርትዖ የለን። ጵኒና ንሃና ኣብ ክንዲ እተጸናንዓ ግን በቲ ውሉድ ንምውላድ ዝነበራ ኽእለት ብምጅሃር ንመጻርርታ ኸም እትጕሂ ትገብራ ነበረት።

ናብ መቕደስ የሆዋ ምጕዓዝ

ስድራቤት ኤልቃና እዚ ውጥረት እዚ እኳ እንተ ነበራ: ኣብ መቕደስ የሆዋ መስዋእቲ ንምቕራብ ኣብ ዓዓመት ናብ ሺሎ ትጐዓዝ ነበረት። a እዚ በጺሕካ ኽትምለስ ብጠቕላላ 60 ኪሎ ሜተር ዚበጽሕ ርሕቀት ብእግሪ እዩ ዚኽየድ ነይሩ። እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ብፍላይ ንሃና ኣጸጋሚ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ከመይሲ: ኣብ እዋን እቲ መስዋእቲ ምስጋና ጵኒና ምስ ደቃ ብዙሕ ግደ ኽትረክብ ከላ ሃና ግን ሓደ ግደ ጥራይ እዩ ዚወሃባ ነይሩ። (1 ሳሙኤል 1:5ትርጕም 1990: እግረ ጽሑፍ ርአ) የሆዋ ‘ማሕጸን ሃና ዝዓጸወ’ ስለ ዝመሰለ: ጵኒና ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒማ ንሃና እናኣባጨወት ተዀርያ ነበረት። እዚ ስቓይ እዚ ዓመት ንዓመት ይደጋገም ስለ ዝነበረ ድማ ሃና በኸየት ምብላዕ ከኣ ኣበየት። እቲ ኼሐጕሳ ዝነበሮ ጕዕዞ: መጨነቒኣ ዀነ። ምስናይዚ ግን ናብ መቕደስ የሆዋ ምጕዓዛ ኣየቋረጸትን።—1 ሳሙኤል 1:3-7

ሃና ብኸመይ ሰናይ ኣብነት ከም እትዀነና ርኢኻዶ፧ ክትድቈስ ከለኻ እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ርእስኻ ብምግላል ካብ ብጾትካ ክርስትያናት ትፍለ ዲኻ፧ ሃና ኸምኡ ኣይገበረትን። ምስ ኣምለኽቲ የሆዋ ምሕባር ልማድ ገይራቶ ነበረት። ስለዚ እምበኣር ፈታኒ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ እውን ከይተረፈ ኸምኡ ኽንገብር ይግባእ።—መዝሙር 26:12፣ 122:1፣ ምሳሌ 18:1፣ እብራውያን 10:24, 25

ኤልቃና ንሃና ኼጸናንዓን ስምዒታ ኽትገልጸሉ ኼተባብዓን ፈተነ። “ሃና: እንታይ ኴንኪ ኢኺ እትበኽዪ፧ እንታይከ ዄንኪ ዘይትበልዒ፧ እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጕህዩ አሎ፧ ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕሸክን፧” በላ። (1 ሳሙኤል 1:8) ምናልባት ኤልቃና: ነቲ ጵኒና እተርእዮ ዝነበረት ሕሰም ኣየስተብሃለሉን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ: ሃና ኸኣ ኣብ ክንዲ እተዕዘምዝም ስቕ ክትብል መሪጻ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እዚ ዀይኑ እቲ ግን ሃና መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ስለ ዝነበራ: ናብ የሆዋ ብጸሎት ብምቕራብ ሰላም ክትረክብ ደለየት።

ሃና መብጽዓ ተመባጽዐት

ኣብ መቕደስ የሆዋ መስዋእቲ ምስጋና ይብላዕ ነበረ። ሃና ኻብቲ ኽፍሊ መኣዲ ብምትንሳእ ክትጽሊ ኸደት። (1 ሳሙኤል 1:9, 10) “ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት: ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ: ንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ: ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣ ሀብካኒ: ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚኣብሄር እውፍዮ: ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን” ኢላ ጸለየት።—1 ሳሙኤል 1:11

ሃና ዘቕረበቶ ጸሎት ንጹር እዩ ነይሩ። ተባዕታይ ውሉድ ክትወልድ ለመነት: ምሉእ ህይወቱ ናዝራዊ ዀይኑ ንየሆዋ ኽትውፍዮ ምዃና ኸኣ ተመባጽዐት። (ዘሁልቍ 6:1-5) እዚ መብጽዓ እዚ ንኪቐውም ሰብኣያ ኺሰማምዓሉ ነበሮ: እቲ ኤልቃና ዳሕራይ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኸም ዚሕብሮ ድማ ነቲ እታ ፍትውቲ ሰበይቱ እተመባጽዓቶ መብጽዓ ተሰማሚዑሉ እዩ።—ዘሁልቍ 30:6-8

እቲ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ኤሊ: ኣጸላልያ ሃና ምስ ረኣየ: ሰኺራ ኽትከውን ኣለዋ ኢሉ ሓሰበ። ብልባ ትዛረብ ስለ ዝነበረት: ከናፍራ እኳ ይንቀሳቐስ እንተ ነበረ: ቃላታ ኣይስማዕን ነበረ። ልባዊ ጸሎት እያ እተቕርብ ነይራ። (1 ሳሙኤል 1:12-14) ኤሊ ስኽርቲ ኢሉ ኺወቕሳ ኸሎ: ሃና እንታይ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ከም ዚኽእል እሞ ገምቶ! እንተዀነ ግን ነቲ ሊቀ ኻህናት ብኣኽብሮት መለሰትሉ። ኤሊ: ሃና ኻብ “ብዝሒ ጓህን ሓዘንን” እተላዕለ ትጽሊ ኸም ዝነበረት ምስ ተገንዘበ ግን: “ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሀብኪ” በላ። (1 ሳሙኤል 1:15-17) ሽዑ: ሃና መገዳ ኸደት በልዐትውን: “ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን።”—1 ሳሙኤል 1:18

ካብዚ ታሪኽ እዚ እንታይ ኢና ኽንመሃር እንኽእል፧ ብዛዕባ ዜጨንቐና ነገራት ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና: እንታይ ይስምዓና ኸም ዘሎ ኽንገልጸሉን ልባዊ ልመና ኸነቕርብን ንኽእል ኢና። ነቲ ሽግር ንኽንፈትሖ ኽንገብሮ እንኽእል ነገር እንተ ደኣ ዘየልዩ: ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ኽንገድፎ ኣሎና። ካብዚ ዝሓሸ መገዲ የለን።—ምሳሌ 3:5, 6

ኣገልገልቲ የሆዋ: ልባዊ ጸሎት ድሕሪ ምቕራቦም ከም ሃና ሰላም ምርካቦም ዘይተርፍ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ: ብዛዕባ ጸሎት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:6, 7) ጾርና ናብ የሆዋ ምስ ደርበናዮ: ንሱ ኺስከሞ ኽንገድፎ ኣሎና። ድሕሪኡ ኸኣ ከምቲ ሃና ኣብ መወዳእታ ጕህይቲ መሲላ ዘይተርኣየት ንሕና እውን ጕሁያት ኴንና ኽንተርፍ የብልናን።—መዝሙር 55:22

ንየሆዋ እተወፈየ ውሉድ

ኣምላኽ ንሃና ቘላሕታ ገበረላ፣ ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። (1 ሳሙኤል 1:19, 20) እዚ ሓደ ኻብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዘለዉ ኣምላኽ ኣገልገልቱ ንኪዀኑ ኢሉ ኸም ዚውለዱ ዝገበሮም ሒደት ቈልዑ እዩ። እዚ ወዲ ኤልቃናን ሃናን ዝዀነ ሳሙኤል: ዳሕራይ ኣብ ምምስራት እቲ ንጉሳዊ ኣገዛዝኣ እስራኤል ዓብዪ ግደ ኣበርከተ።

ሃና ንሳሙኤል ካብ ሕጻንነቱ ጀሚራ ብዛዕባ የሆዋ ትምህሮ ኸም ዝነበረት ፍሉጥ እዩ። ነቲ እተመባጽዓቶ መብጽዓ ግን ረሲዓቶ ድያ፧ ፈጺማ ኣይረስዓቶን። “ኣነስ: እዚ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዚሐድግ: ኣይድይብን እየ: ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪርኤ: ከብጽሖ እየ: ንሓዋሩ ኸኣ ኣብኡ ኺነብር እዩ” በለት። ሳሙኤል ወዲ ሰለስተ ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣቢሉ ምስ ኰነ ጡብ ሓደገ እሞ ሃና ኸምቲ እተመባጽዓቶ ኣብ መቕደስ የሆዋ ንኺነብር ሒዛቶ ኸደት።—1 ሳሙኤል 1:21-24፣ 2 ዜና መዋእል 31:16

ሃናን ሰብኣያን ንየሆዋ መስዋእቲ ምስ ኣቕረቡ: ንሳሙኤል ሒዞም ናብ ኤሊ ወሰድዎ። ሃና ንኤሊ ኸምዚ ዚስዕብ ኢላ ኽትዛረቦ ኸላ ነቲ ንእሽቶ ወዳ ብኢዱ ሒዛቶ ነይራ ኽትከውን ኣለዋ:- “ጐይታይ: ስምዓኒ: ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ: እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር እትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ። ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩ: እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ። ስለዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ አሎኹ: ምሉእ ዕድሜኡ ንእግዚኣብሄር ተዋሂቡ እዩ።” በዚ ኸምዚ ሳሙኤል ነቲ ምሉእ ህይወቱ ዝወሰደ ንኣምላኽ ዚቐርብ ፍሉይ ኣገልግሎት ጀመሮ።—1 ሳሙኤል 1:25-28፣ 2:11

ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: ሃና ንሳሙኤል ከም ዘይረስዓቶ ፍሉጥ እዩ። እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ከምዚ ይብል:- “ኣዲኡ ድማ ንእሽቶ ቐምሽ ላዕሊ ገበረትሉ: እቲ ናይ ዐዓመት መስዋእቲ ሕሩድ ክትስውእ ምስ ሰብኣያ ኽትድይብ ከላ: በብዓመት ተምጽኣሉ ነበረት።” (1 ሳሙኤል 2:19) ሃና ንሳሙኤል ወትሩ ትጽልየሉ ኸም ዝነበረት እተረጋገጸ እዩ። ኣብ ዓዓመት ክትበጽሖ ኸላ: ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ እሙን ኰይኑ ኪቕጽል ተተባብዖ ኸም ዝነበረት እውን ዜጠራጥር ኣይኰነን።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደ ኣጋጣሚ: ኤሊ ንወለዲ ሳሙኤል መረቖም እሞ ንኤልቃና “ኣብ ክንዲ እቲ ንእግዚኣብሄር እተወፈየ ውፉይ እግዚኣብሄር ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኢ ይሀብካ:” በሎ። ብመሰረት እዘን ቃላት እዚኣተን ከኣ ሃናን ኤልቃናን ሰለስተ ኻልኦት ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ብምውላድ ተባሪኾም እዮም።—1 ሳሙኤል 2:20, 21

ኤልቃናን ሃናንሲ ንክርስትያናት ወለዲ ኣየ ኸመይ ዝበሉ ሰናይ ኣብነት ኰን እዮም! ሓያሎ ኣዴታትን ኣቦታትን ንኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ካብ ቤት ርሒቖም ኣብ ገሊኡ ዓይነት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪካፈሉ ብምትብባዕ ንየሆዋ ኺውፍይዎም ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። እዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ወለዲ ስለ እቲ ዝገበርዎ መስዋእትታት ኪነኣዱ ዚግብኦም እዩ። የሆዋ ኸኣ ኪባርኾም እዩ።

እቲ ሃና ብሓጐስ ዘቕረበቶ ጸሎት

እታ ሓደ እዋን መኻን ዝነበረት ሃና ኣየ ኽንደይ ኰን እያ እተሓጐሰት! ኣንስቲ ዝጸለያኦ ጸሎት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዙሕ ሳዕ ኣይጥቀስን እዩ። ናይ ሃና ግን ካብቲ ዝጸለየቶ ጸሎት ክልተ ተጠቒሱ ኣሎ። እቲ ናይ መጀመርታ ባጫን ጸበባን ኪወርዳ ኸሎ እተሰምዓ ስምዒት ኪኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ግን ብሓጐስ ዘቕረበቶ ናይ ምስጋና ጸሎት እዩ። ሃና “ልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ አሎ” ኢላ ጀመረት። “እታ መኻን . . . ወለደት” ኢላ ሓጐሳ ገለጸት: ንየሆዋ ኸኣ ‘ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ ኣተንሲኡ: ነቲ ድኻውን ካብ ጐዱፍ ኣልዒሉ: ክብ ዜብል’ ኣምላኽ ምዃኑ ብምግላጽ ወደሰቶ።—1 ሳሙኤል 2:1-10

እቲ ብዛዕባ ሃና ዚገልጽ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ብናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ወይ ክፍኣት ክንጕዳእ ከም እንኽእል ዚሕብር እዩ። ምስናይዚ ግን ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ፈተናታት: ነቲ ንየሆዋ ብምግልጋል እንረኽቦ ሓጐስ ኬጥፍኣልና ኸነፍቅደሉ የብልናን። ንሱ ኻብ ጸበባ ኣናጊፉ ብዝሒ ሰላምን ካልእ በረኸትን ብምሃብ ንኣውያት ኣገልገልቱ ምላሽ ዚህብ ዓብዪ ሰማዕ ጸሎት እዩ።—መዝሙር 22:23-26፣ 34:6-8፣ 65:2

[እግረ-ጽሑፍ]

a መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበረ ቦታ “መቕደስ” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። ይኹን እምበር: ኣብቲ እዋን ታሪኽ እስራኤል: እቲ ታቦት ኪዳን ኣብ ድንኳን ወይ ማሕደር እዩ ዚቕመጥ ነይሩ። እቲ ናይ መጀመርታ ዘይንቀሳቐስ ቤተ መቐደስ የሆዋ ኣብ እዋን ግዝኣት ንጉስ ሰሎሞን እዩ ተሃኒጹ።—1 ሳሙኤል 1:9፣ 2 ሳሙኤል 7:2, 6፣ 1 ነገስት 7:51፣ 8:3, 4

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሃና ንሳሙኤል ንየሆዋ ወፈየቶ