ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መላእኽቲ ንደቅሰብ ብኸመይ ይጸልውዎም፧

መላእኽቲ ንደቅሰብ ብኸመይ ይጸልውዎም፧

መላእኽቲ ንደቅሰብ ብኸመይ ይጸልውዎም፧

“ድሕርዚ ኸኣ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ርኤኹ። . . . ንሱ ኸኣ፤ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ: ወዲቓ: . . . እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ።”—ራእይ 18:1, 2

1, 2. የሆዋ ንመላእኽቱ ፍቓዱ ንምፍጻም ከም ዚጥቀመሎም ዜርኢ እንታይ እዩ፧

 እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ሃዋርያ ዮሃንስ ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተሓይሩ ኸሎ: ትንቢታዊ ራእያት ረኣየ። “ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ” ምስ ኰነ: ባህ ዜብል ፍጻመታት ረኣየ። እታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ክርስቶስ ብ1914 ምስ ነገሰ ጀሚራ: ክሳዕ መወዳእታ እቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ እትቕጽል እያ።—ራእይ 1:10

2 የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ራእይ እዚ ብቐጥታ ንዮሃንስ ኣይኰነን ሂብዎ። የግዳስ ሓደ መትረብ እዩ ተጠቒሙ። ራእይ 1:1 ኸምዚ ትብል:- “እቲ ቐልጢፉ ኪኸውን ዘለዎ: ንባሮቱ ምእንቲ ኼርእዮም ኢሉ: ኣምላኽ ዝሀቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ: ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ።” የሆዋ ንዮሃንስ ብዛዕባ እቲ “ብመዓልቲ ጐይታ” ዚኸውን ዜደንቕ ነገራት ምእንቲ ኼፍልጦ: ብየሱስ ኣቢሉ ንሓደ መልኣኽ ተጠቕመሉ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: ዮሃንስ “ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ” ረኣየ። እቲ መልኣኽ እቲ እንታይ ዕዮ እዩ ተዋሂብዎ፧ “እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ: ወዲቓ: . . . እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ።” (ራእይ 18:1, 2) እዚ ሓያል መልኣኽ እዚ ብዛዕባ ምውዳቕ እታ ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎን ንኼፍልጥ ፍሉይ ኣጋጣሚ ረኸበ። ስለዚ: የሆዋ ንመላእኽቲ ፍቓዱ ንምፍጻም ብኣገዳሲ መገዲ ኸም ዚጥቀመሎም ኣየጠራጥርን እዩ። መላእኽቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎም ግደን ንዓና ብኸመይ ከም ዚጸልዉናን ብዝርዝር ቅድሚ ምምርማርና: መበቈል እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት እዚኣቶም እስከ ንርአ።

መላእኽቲ ናብ ህልውና ዝመጹ ብኸመይ እዮም፧

3. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መላእኽቲ እንታይ ግጉይ ሓሳባት እዩ ዘለዎም፧

3 ሎሚ ሚልዮናት ሰባት: መላእኽቲ ኸም ዘለዉ ይኣምኑ እዮም። ብዙሓት ግን ብዛዕባኦምን ብዛዕባ መበቈሎምን ግጉይ ሓሳባት እዩ ዘለዎም። ንኣብነት: ገሊኦም ሃይማኖታውያን ሰባት ሓደ ዜፍቅርዎ ሰብ ኪመውት ከሎ: እቲ ሰብ እቲ ናብ ኣምላኽ ከም ዚጽዋዕን መልኣኽ ከም ዚኸውንን ይኣምኑ። ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ኣፈጣጥራን ህልውናን ዕላማን መላእኽቲ ኸምኡ ድዩ ዚምህር፧

4. ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ መበቈል መላእኽቲ እንታይ ይነግረና፧

4 እቲ ብሓይሉን ብስልጣኑን ኣውራ ዝዀነ መልኣኽ: ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ እዩ። (ይሁዳ 9) እዚ መልኣኽ እዚ የሱስ ክርስቶስ ደኣሉ እምበር ካልእ ኣይኰነን። (1 ተሰሎንቄ 4:16) ቅድሚ ኣዝዩ ነዊሕ እዋን: የሆዋ ፈጣሪ ኪኸውን ዕላማ ምስ ገበረ: ፈለማ ነዚ መልኣኽ ዝዀነ ወዱ ፈጠሮ። (ራእይ 3:14) ጸኒሑ: በዚ በዅሪ ወዱ ኣቢሉ: ንዅሎም ካልኦት መንፈሳውያን ፍጡራት ፈጠረ። (ቈሎሴ 1:15-17) የሆዋ ነዞም መላእኽቲ እዚኣቶም ከም ደቁ ገይሩ ኺዛረበሎም ከሎ: ንእዮብ: “ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ: ኣበይ ነበርካ፧ ኣእምሮ እንተ አልዩካስ: ንገረኒ። ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ: ኵሎም ደቂ ኣምላኽ እልል ኪብሉ ኸለዉ: . . . እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን፧” ኢሉ ሓተቶ። (እዮብ 38:4, 6, 7) እምበኣር: መላእኽቲ: ኣምላኽ ዝፈጠሮም ፍጡራት ምዃኖምን ቅድሚ ሰባት ነዊሕ ይገብር ናብ ህልውና ኸም ዝመጹን ንጹር እዩ።

5. መላእኽቲ ብኸመይ እዮም ተወዲቦም ዘለዉ፧

5 ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:33 “ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር: ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን” ዚብል ነንብብ። ስለዚ ድማ: የሆዋ ነቶም መንፈሳውያን ደቁ ኣብ ሰለስተ መሰረታዊ ኽፍልታት ወዲብዎም ኣሎ። እዚኣቶም ከኣ:- (1) ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ዜገልግሉን ቅድስናኡ ዚእውጁን ንህዝቡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንጽህናኦም ከም ዚሕሎ ዚገብሩን ሱራፌል፣ (2) ልዑላውነት የሆዋ ዚድግፉ ኪሩቤል፣ (3) ፍቓዱ ዚፍጽሙ ኻልኦት መላእኽቲ እዮም። (መዝሙር 103:20፣ ኢሳይያስ 6:1-3፣ ህዝቅኤል 10:3-5፣ ዳንኤል 7:10) እዞም መንፈሳውያን ፍጡራት ንሰባት ዚጸልዉሉ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧—ራእይ 5:11

መላእኽቲ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎም፧

6. የሆዋ ኣብ ገነት ኤድን ንኪሩቤል ብኸመይ እዩ ተጠቒሙሎም፧

6 መንፈሳውያን ፍጡራት ብቐጥታ እተጠቕሱላ ናይ መጀመርታ ጥቕሲ: ኣብ ዘፍጥረት 3:24 እትርከብ ኰይና: ኣብታ ጥቕሲ “[የሆዋ] ንኣዳም ኣውጽኦ: ንምሕላው መገዲ ኦም ህይወት ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤድን ምስናይ እተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍ: ኪሩቤል ኣቐመጠ” ዚብል ነንብብ። እዞም ኪሩቤል እዚኣቶም ንኣዳምን ሄዋንን ናብታ ቐዳመይቲ ገነታዊት መንበሪቶም ተመሊሶም ከይኣትዉ ዚኽልክሉ ነበሩ። እዚ ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ ዘጋጠመ እዩ። ካብ ሽዑ ኣትሒዞም መላእኽቲ እንታይ ግደ እዩ ዘለዎም፧

7. ትርጕም እተን “መልኣኽ” ተባሂለን ዘለዋ ኣብ በዅሪ ቛንቋታት ዚርከባ ቓላት: ብዛዕባ እቲ መላእኽቲ ዘለዎም ግደ እንታይ ይሕብራና፧

7 መላእኽቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ 400 ሳዕ ተጠቒሶም ይርከቡ። እተን “መልኣኽ” ንእትብል ቃል ዜመልክታ ናይ እብራይስጢ ዀነ ግሪኽኛ ቓላት: “ልኡኽ” ማለት እየን። ስለዚ: መላእኽቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቅሰብን ልኡኻት ኰይኖም መልእኽቲ ኣበጻጺሖም እዮም። ኣብ ቀዳሞት ክልተ ሕጡብ ጽሑፋት እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ: የሆዋ መልእኽቱ ናብ ሃዋርያ ዮሃንስ ንምብጻሕ ሓደ መልኣኽ ተጠቒሙ እዩ።

8, 9. (ሀ) ማኖኣን ሰበይቱን በቲ ሓደ መልኣኽ ዝገበረሎም ምብጻሕ ብኸመይ እዮም ተጸልዮም፧ (ለ) ወለዲ ኻብቲ ማኖኣ ምስ መልኣኽ ኣምላኽ እተራኸበሉ ኣጋጣሚ እንታይ ኪመሃሩ ይኽእሉ፧

8 መላእኽቲ ኣብ ምድሪ ንዚርከቡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንምድጋፍን ንምትብባዕን እውን ኣገልጊሎም እዮም። ንኣብነት: ብዘመን መሳፍንቲ እስራኤል: ማኖኣን እታ መኻን ዝነበረት ሰበይቱን ውሉድ ይደልዩ ነበሩ። የሆዋ መልኣኹ ናብ ሰበይቲ ማኖኣ ብምልኣኽ: ወዲ ኸም እትወልድ ነገራ። እቲ መልኣኽ ከምዚ በላ :- “እንሆ ኸኣ: ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ: እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ኪኸውን እዩ እሞ: ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሐልፎን። ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ኪጅምር እዩ።”—መሳፍንቲ 13:1-5

9 ሰበይቲ ማኖኣ ወዲ ወለደት: እቲ ወዲ ድማ ኣብ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ስሙይ ዝዀነ ሲምሶን ነበረ። (መሳፍንቲ 13:24) እቲ ቘልዓ ቕድሚ ምውላዱ: ማኖኣ ብዛዕባ ኣተዓባብያ እቲ ወዲ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ምእንቲ ኺነግሮም እቲ መልኣኽ ተመሊሱ ንኺመጾም ለመነ። እቲ መልኣኽ ምስ መጾም ከኣ: “ስርዓት እቲ ቘልዓን ግብሩን እንታይ ኪኸውን እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። መልኣኽ የሆዋ ነቲ ንሰበይቲ ማኖኣ ዝነገራ መምርሒ ደገመሉ። (መሳፍንቲ 13:6-14) ማኖኣ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ተተባቢዑ ኪኸውን ኣለዎ! ሎሚ መላእኽቲ ንውልቀ-ሰባት ብተመሳሳሊ መገዲ ኣይበጽሕዎምን እዮም። ኰይኑ ግን: ወለዲ ኸም ማኖኣ ንደቆም ኣብ ምስልጣን ካብ የሆዋ መምርሒ ኺደልዩ ይኽእሉ እዮም።—ኤፌሶን 6:4

10, 11. (ሀ) ኤልሳእን ጊልያኡን በቶም ወረርቲ ሰራዊት ሶርያ እተጸልዉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ብዛዕባ እዚ ፍጻመ እዚ ብምስትንታን እንታይ ክንጥቀም ንኽእል፧

10 ብግዜ ነብዪ ኤልሳእ ደገፍ መላእኽቲ እተራእየሉ ኣዝዩ መሳጢ ኣብነት ኣሎ። ኤልሳእ ኣብ ዶታን እትበሃል ኣብ እስራኤል እትርከብ ከተማ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ጊልያ ኤልሳእ ኣንጊሁ ተንሲኡ ናብ ወጻኢ ምስ ጠመተ: እታ ኸተማ ብኣፍራስን ሰረገላታትን ተኸቢባ ነበረት። ንጉስ ሶርያ ንኤልሳእ ምእንቲ ኺሕዝዎ ኢሉ ሓያል ሰራዊት ልኢኹ ነበረ። ጊልያ ኤልሳእ እንታይ ገበረ፧ ብፍርሂ ምናልባት ከኣ ብራዕዲ ተወሪሱ: “ኣየ ጐይታይ: እንታይ ክንገብር ኢና፧” በለ። ተስፋ ዘለዎ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ኤልሳእ ግን “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም እሞ: ኣይትፍራህ” ኢሉ መለሰሉ። እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧—2 ነገስት 6:11-16

11 ጭፍራ መላእኽቲ ኺድግፍዎ ኣብኡ ኸም ዝነበሩ ኤልሳእ ይፈልጥ ነበረ። ይኹን እምበር: እቲ ጊልያኡ ዋላ ሓደ ኣይረኣየን። ስለዚ: “ኤልሳእ ድማ፤ ዎ እግዚኣብሄር: እልምነካ አሎኹ: ኪርእስ ኣዒንቱ ኽፈት: ኢሉ ጸለየ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ እሞ ረአየ: እንሆ ድማ: ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ።” (2 ነገስት 6:17) እቲ ጊልያ ድሕሪኡ ነቶም ጭፍራ መላእኽቲ ኺርእዮም ከኣለ። ንሕና እውን ብመንፈሳዊ ምስትውዓልና ጌርና ዅሎም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሆዋን ክርስቶስን ዜገልግሉ ንህዝቢ የሆዋ ዚድግፉን ዜዕቍቡን መላእኽቲ ኸም ዘለዉ ኽንርኢ ንኽእል ኢና።

ብግዜ ክርስቶስ እተራእየ ደገፍ መላእኽቲ

12. ማርያም ካብ ገብርኤል መልኣኽ እንታይ ደገፍ እያ ረኺባ፧

12 እታ ድንግል ዝነበረት ኣይሁዳዊት ማርያም: “ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ: ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ” ዚብል ብስራት ምስ ተነግራ: እተዋህባ ደገፍ እሞ ሕስብ ኣብሎ። እቲ ኻብ ኣምላኽ እተላእከ ገብርኤል መልኣኽ ነዚ ዜደንጹ መልእኽቲ ቕድሚ ምቕራቡ: “ማርያም: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ: ኣይትፍርሂ” በላ። (ሉቃስ 1:26, 27, 30, 31) ማርያም በተን ጸጋ ኣምላኽ ከም ዝረኸበት ዚገልጻ ቓላት ክሳዕ ክንደይ ኰን ተተባቢዓን ተበራቲዓን ክትከውን ኣለዋ!

13. መላእኽቲ ንየሱስ ዝደገፍዎ ብኸመይ እዮም፧

13 የሱስ ነቲ ሰይጣን ኣብ በረኻ ዘቕረበሉ ሰለስተ ፈተናታት ምስ ሰገሮ: ደገፍ መላእኽቲ እተራእየሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ነበረ። እቲ ፈተናታት ምስ ተወድአ: “ድያብሎስ ሐደጎ: እንሆ ድማ: መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ” ብምባል እቲ ጸብጻብ ይነግረና። (ማቴዎስ 4:1-11) ድሮ እታ የሱስ ዝሞተላ መዓልቲ ኣብ ዝነበረት ለይቲ: ተመሳሳሊ ነገር ተፈጺሙ እዩ። የሱስ ከቢድ ጭንቀት ስለ ዝነበሮ ተምበርኪኹ: “ኣቦይ: ፍቓድካ እንተ ዀይኑስ: ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቓድካ እምበር: ፍቓደይሲ ኣይኹን: እናበለ ጸለየ። ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ።” (ሉቃስ 22:42, 43) ሎሚ ግን መላእኽቲ ኸመይ ገይሮም እዮም ዚድግፉና፧

ኣብዚ ግዜና ዘሎ ደገፍ መላእኽቲ

14. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ግዜና እንታይ መስጐጕቲ እዮም ኣሕሊፎም፧ እንታይ ፍረኸ ረኺቦም፧

14 ዘመናዊ ታሪኽ ዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንርኢ ኸለና: ደገፍ መላእኽቲ ዚርኣየሉ መርትዖታት ኣይንረክብን ዲና፧ ንኣብነት: ህዝቢ የሆዋ ነቲ ብግዜ ኻልኣይ ውግእ ዓለም (1939-45) ኰነ ቕድሚኡ ስርዓት ናዚ ኣብ ጀርመንን ኣብ ምዕራባዊ ኣውሮጳን ዘውረዶ መጥቃዕቲ ኺጻወርዎ ኽኢሎም እዮም። ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ኢጣልያን ስጳኛን ፖርቱጋልን ዝነበረ ካቶሊካዊ ፋሽስታዊ ስርዓታት ዝወረደ ዝነውሐ መስጐጕቲ ተጻዊሮም እዮም። ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበርን ጽግዕተኛኣ ዝነበራ ሃገራትን ንሓያሎ ዓመታት መስጐጕቲ ተጸሚሞም ኣሕሊፎም እዮም። እቲ ኣብ ገሊአን ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሕለፍዎ መስጐጕቲ እውን ኪርሳዕ የብሉን። a ኣብዚ ቐረባ እዋን ከኣ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣብ ሃገረ ጆርጅያ ዜስካሕክሕ መስጐጕቲ ኣጋጢምዎም እዩ። ሰይጣን ንንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደው ንምባል ዚከኣሎ ዘበለ ገይሩ እዩ። ኰይኑ ግን: ብደረጃ ውድብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽራር ሰጊሮም ይስስኑ ኣለዉ። ነዚ ኣበርክቶ ኻብ ዝገበረ ነገራት ሓደ: መላእኽቲ ዝገበርዎ ዕቝባ እዩ።—መዝሙር 34:7፣ ዳንኤል 3:28፣ 6:22

15, 16. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ዓለምለኻዊ ኣገልግሎቶም እንታይ ደገፍ መላእኽቲ እዮም ዚረኽቡ፧

15 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኺሰብኩን ኣብ ኵሉ ቦታ ንዚርከቡ ተገደስቲ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኺምህሩን እተዋህቦም መዝነት ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ይኹን እምበር: ነዚ መዝነት እዚ ብዘይ ደገፍ መላእኽቲ ኺፍጽምዎ ኸም ዘይክእሉ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ስለዚ: እቲ ኣብ ራእይ 14:6, 7 ተጠቒሱ ዘሎ ነገር ነባሪ ምንጪ ምትብባዕ ኰይንዎም እዩ። ኣብኡ ሃዋርያ ዮሃንስ ከምዚ በለ:- “ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ: ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ። ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፤ እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ: ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ: በለ።”

16 እዘን ቃላት እዚኣተን እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዓብዪ ዓለምለኻዊ ዕዮ ወንጌላውነት: ደገፍን ኣላይነትን መላእኽቲ ኸም ዘለዎ ይሕብር። የሆዋ ንቕኑዓት ሰባት ናብ መሰኻኽሩ ንምምራሕ ንመላእኽቱ ይጥቀም ኣሎ። መላእኽቲ እውን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ብቑዓት ሰባት መሪሖምዎም እዮም። ስለዚ ኸኣ እዩ ብዙሕ ግዜ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሓደ ጸገማት ዜሕልፍ ዘሎን መንፈሳዊ ሓገዝ ዚደልን ሰብ ዚራኸቡ፣ እዚ ዅሉ ድማ ኣጋጣሚ ኽትብሎ ዘይመስል እዩ።

ድሕሪ ሓጺር ግዜ ዚህልዎም ዜደንቕ ግደ

17. ሓደ መልኣኽ ጥራይ ንሰራዊት ኣሶር ምስ ኣጥቅዐ እንታይ ኣጋጠመ፧

17 መላእኽቲ ንኣምለኽቲ የሆዋ ልኡኻትን መጸናናዕትን ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ምግልጋሎም: ንኻልእ ዕላማ እውን የገልግሉ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፍርድታት ኣምላኽ ፈጺሞም እዮም። ንኣብነት: ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ኣዝዮም ብዙሓት ሰራዊት ኣሶር ንየሩሳሌም ኣስጊኦምዋ ነበሩ። የሆዋ እንታይ ገበረ፧ “ኣነ ድማ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ” በለ። እቲ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል:- “ኰነ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጸ እሞ: ኣብ ሰፈር ሶርያውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተለ። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ኸኣ: እንሆ: ኵላቶም ምዉታት ሬሳታት ኰይኖም ጸንሑ።” (2 ነገስት 19:34, 35) ሰራዊት ደቅሰብ ምስ ብርታዐ ሓደ መልኣኽ ጥራይ ኪነጻጸር ከሎ: ሰባት ክሳዕ ክንደይ ድኹማት ኰን እዮም!

18, 19. ኣብ ቀረባ ግዜ መላእኽቲ እንታይ ዜደንቕ ግደ እዮም ኪፍጽሙ፧ እዚኸ ንደቅሰብ ብኸመይ ኪጸልዎም እዩ፧

18 ኣብ ቀረባ ግዜ መላእኽቲ ኸም ፈጸምቲ ፍርዲ ኣምላኽ ኰይኖም ኬገልግሉ እዮም። ድሕሪ ኣዝዩ ሓጺር እዋን: የሱስ “ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ” ኺመጽእ እዩ። “ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።” (2 ተሰሎንቄ 1:7, 8) እዚ ስጕምቲ እዚ ኣብ ደቅሰብ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጽልዋ ዀን እዩ ኺህልዎ! እቶም ነቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚእወጅ ዘሎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምቕባል ዝኣበዩ ኺጠፍኡ እዮም። እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎን ጽድቂ ዚደልዩን ትሕትና ዚደልዩን ጥራይ እዮም: ካብታ “መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር” ኪሕብኡ ዚኽእሉ።—ጸፎንያስ 2:3

19 የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣምለኽቱ ንምሕጋዝን ንምብርታዕን: ሓያላት መላእኽቱ ዚጥቀም ምዃኑ ኸነመስግን ኣሎና። ካብ የሆዋ ዝዓለዉን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሰይጣን ዘለዉን መላእኽቲ ስለ ዘለዉ: ነቲ መላእኽቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዚህልዎም ግደ ኽንርድኦ ምኽኣልና ብዙሕ የጸናንዓና እዩ። እዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ: ክርስትያናት ካብ ሓያል ጽልዋ ሰይጣን ድያብሎስን ኣጋንንቱን ርእሶም ንምክልኻል እንታይ ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ ትገልጽ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እዚ መስጐጕትታት ዝርዝር ጸብጻብ እንተ ደሊኻ: ኣብ መጽሓፍ ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 1999 (ማላዊ): 2004 (ሞልዶቫ): 1996 (ሞዛምቢክ): 1978 (ስጳኛ): 2000 (ቸክ [ሪፓብሊክ]): 1972 (ቸኮስሎቫክያ): 1992 (ኢትዮጵያ): 1982 (ኢጣልያ): 1983 (ኣንጎላ): 2006 (ዛምብያ): 2002 (ዩክረይን): 1974 ከምኡውን 1999 (ጀርመን): 1994 (ፖላንድ): 1983 (ፖርቱጋል) ተወከስ።

እንታይ ተማሂርካ፧

• መላእኽቲ ናብ ህልውና ዝመጹ ብኸመይ እዮም፧

• መላእኽቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዘገልገሉ ብኸመይ እዮም፧

ራእይ 14:6, 7 ብዛዕባ ሎሚ ዘለዉ መላእኽቲ ዚፍጽምዎ ንጥፈታት እንታይ ትገልጽ፧

• ኣብ ቀረባ ግዜ መላእኽቲ እንታይ ዜደንቕ ግደ ኺፍጽሙ እዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእሊ]

ሓደ መልኣኽ ንማኖኣን ሰበይቱን ኣተባብዖም

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

“ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ”