ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምጽኣት ክርስቶስ ዚዓሞ ነገራት

ምጽኣት ክርስቶስ ዚዓሞ ነገራት

ምጽኣት ክርስቶስ ዚዓሞ ነገራት

“ራዕዲ ኣብ ሳኦ ፓውሎ።” ሓንቲ ቬጃ እትበሃል መጽሔት ነተን ኣብ ግንቦት 2006 ዝነበራ ኣርባዕተ መዓልቲ በዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቓላት ገለጸተን፣ ኣብቲ እዋን እቲ: እተወደበ ዓመጽ ነታ ኣብ ብራዚል እትርከብ ዝዓበየትን ብልጽግትን ከተማ “ኣምበርከኻ።” ዳርጋ 150 ዝዀኑ ኣኽበርቲ ሕግን ገበነኛታትን ተራ ዜጋታትን ኣብዚ “ልዕሊ 100 ሰዓት ዝወሰደ ራዕዲ” ተቐትሉ።

ኣብ መብዛሕትኡ ኽፋል ዓለም: ዓመጽ ቀንዲ ኣርእስተ ዜና እዩ ዀይኑ ዘሎ። ሰብኣውያን መራሕቲ ድማ ነዚ ደው ኬብልዎ ዘይክእሉ እዮም ዚመስሉ። ዓለምና ንኽትነብረላ ኣዝያ ሓደገኛ እያ እትኸውን ዘላ። ንስኻ እውን እንተ ዀነ ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ሕማቕ ዜና ስለ እትሰምዕ: ተስፋ ቘሪጽካ ትኸውን። ይኹን እምበር: እዚ ዅሉ ዚልወጠሉ ግዜ ርሑቕ ኣይኰነን።

የሱስ ንሰዓብቱ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትመጽእ ከምኡውን ፍቓድ ኣምላኽ “ከምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ” ንኪኸውን ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) ንጉስ እዛ መንግስቲ እዚኣ እቲ ብኣምላኽ እተሸመ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ንዅሉ ጸገማት ደቅሰብ ድማ ክትፈትሖ እያ። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ለውጢ ንኸተምጽእ ግን ናይ ምግዛእ ስልጣን ካብ ሰብኣውያን መራሕቲ ናብ ክርስቶስ ኪሰጋገር ኣለዎ። ምጽኣት ክርስቶስ እውን ነዚ እዩ ዚዓምም።

ሰላማዊ ስግግር ድዩ ኪኸውን፧

ኣህዛብ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ብሰላም ይግዝኡ ደዀን ይዀኑ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ ነዚ ሕቶ እዚ ዚምልስ ራእይ ርእዩ ነበረ። ከምዚ ድማ በለ:- “እቲ ኣራዊትን [ናይዛ ዓለም ፖለቲካዊ ስርዓት] እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ: ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን [የሱስ] ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተአኪቦም ርኤኹ።” (ራእይ 19:19) ነገስታት ምድሪ ኣብዚ ውግእ እዚ እንታይ እዩ ዜጋጥሞም፧ መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ብየሆዋ እተቐብአ ንጉስ ‘ብበትሪ ሓጺን ኪቕጥቅጦም: ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ኪሰባብሮም’ ምዃኑ ይገልጽ። (መዝሙር 2:9) እቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ኪሕምሸሽ እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ “ንዅለን እዘን [ሰብኣውያን] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳንኤል 2:44

ብዛዕባ እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚቃወሙ ሰባትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ “በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ . . . ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኺፈድዮም እዩ።” (2 ተሰሎንቄ 1:7, 8) ምሳሌ 2:22 “ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም” ትብል።

መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽኣት ክርስቶስ ብዚምልከት ‘እንሆ: ብደበና ይመጽእ አሎ: ኵለን ኣዒንቲ ኸኣ ኪርእያኦ እየን’ ይብል። (ራእይ 1:7) መቸም ሰባት ቃል ብቓሉ ብዓይኖም ኣይርእይዎን እዮም። የሱስ ናብ ሰማይ ካብ ዚዓርግ ጀሚሩ: “ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረአዮ ኺርእዮውን ዘይኽእል: ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር” መንፈሳዊ ፍጡር እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 6:16

ልክዕ ከምቲ የሆዋ ብግዜ ሙሴ ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን ዓሰርተ መዓት ኬውርድ ከሎ ብዓይኒ ሰባት ክርአ ዘየድለዮ: የሱስ እውን ብዓይኒ ሰባት ‘ንኺርአ’ ዳግማይ ሰብ ኪኸውን ኣየድልዮን እዩ። እቶም ብግዜ ሙሴ ዝነበሩ ሰባት: የሆዋ ነቲ መዓት የውርዶ ኸም ዝነበረ ፈጺሞም ኣይተጠራጠሩን፣ ንሓይሉ ኣፍልጦ ኺህቡሉ ድማ ተገዲዶም እዮም። (ዘጸኣት 12:31) ብተመሳሳሊ: የሱስ ከም ፈጻሚ ፍርዲ ኣምላኽ መጠን ስጕምቲ ኺወስድ ከሎ: እቶም እኩያት ሰባት: ኣምላኽ ንዕኦም ንምፍራድ ንየሱስ ይጥቀመሉ ኸም ዘሎ “ኺርእዩ” ወይ ኬስተውዕሉ ኺግደዱ እዮም። ከምዚ ዚዀነሉ ምኽንያት ድማ ንደቅሰብ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ ስለ ዚወሃቦም እዩ። እወ: ‘ኵለን ኣዒንቲ ንየሱስ ኪርእያኦ እየን: ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪ እውን ኪበኽዩ እዮም።’—ራእይ 1:7

ቅድሚ ናይ ሓቂ ሰላምን ብልጽግናን ናብ ምድሪ ምምላሱ: ረሲኣን ምጥፋኦምን እዚ እኩይ ግዝኣት ምልጋሱን ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ድማ ክርስቶስ ኪዓሞ እዩ። ብድሕርዚ ንዅሉ ጕዳያት ምድሪ ኺቈጻጸሮ እዩ: ነዚ ስዒቡ ኸኣ ኣዝዩ ዓብዪ ለውጢ ኺመጽእ እዩ።

ጥቕሚ ዜምጽእ ምቕናዕ

ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ እቲ “ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ” ተዛሪቡ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:21) እዚ ምቕናዕ እዚ ነቲ ብግዜ ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ዚፍጸም ለውጢ እውን ዜጠቓልል እዩ። እቲ ኣብ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ነብዪ ኢሳይያስ ሓደ ኻብቶም ኣምላኽ ብዛዕባ “ዘመን ምቕናዕ” ንምግላጽ እተጠቕመሎም ነብያት እዩ። እቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ሰላም ናብ ምድሪ ኸም ዚምለስ ኪገብር ምዃኑ ድማ ተነበየ። ትንቢት ኢሳይያስ ንግዝኣት ክርስቶስ ብዚምልከት “ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን” ይብል። (ኢሳይያስ 9:6, 7) የሱስ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት ብሰላም ንኺነብሩ ኺምህሮም እዩ። ነበርቲ ምድሪ “ብብዝሒ ሰላም . . . ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:11

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ: ድኽነትን ጥሜትን እንታይ እዩ ኪኸውን፧ ኢሳይያስ ከምዚ በለ:- “እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን እዚ ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንዅሎም ህዝብታት ኪገብረሎም እዩ: ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ: ኣንጕዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ: ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ ኺገብር እዩ።” (ኢሳይያስ 25:6) እቲ ጸሓፍ መዝሙር እውን “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [እዩ]” ብምባል ዘመረ። (መዝሙር 72:16) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ብዛዕባ ነበርቲ ምድሪ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ነንብብ:- “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም: ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ: ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም። ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን: ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ: ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21, 22

ኢሳይያስ ንመወዳእታ ሕማምን ሞትን ብዚምልከት እውን ተነብዩ ነበረ። ኣምላኽ ብኢሳይያስ ኣቢሉ “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል [እዩ]” በለ። (ኢሳይያስ 35:5, 6) ብድሕርዚ: “ካብቶም ኣብኣ ዚነብሩስ ሓደ እኳ: ሕማቕ [“ሕሙም:” ትርጕም 1990] እየ: ኣይብልን።” (ኢሳይያስ 33:24) ኣምላኽ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኵሎም ኪደርዞ እዩ።”—ኢሳይያስ 25:8

ብዛዕባ እቶም “ኣብ መቓብር” ዘለዉኸ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ (ዮሃንስ 5:28, 29) ኢሳይያስ “ምውታትካ ህያዋን ኪዀኑ: . . . ኪትንስኡ እዮም” ብምባል ተነበየ። (ኢሳይያስ 26:19) እወ: እቶም ብሞት ደቂሶም ዘለዉ ሰባት ናብ ህይወት ኪምለሱ እዮም!

“ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣለም ዝፋንካ እዩ”

ምጽኣት ክርስቶስ ነዛ ፕላነት ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ንኽትልወጥ መገዲ ዚጸርግ እዩ! እዛ ምድሪ ናብ ዜደንቕ ገነት ክትልወጥ እያ: ደቅሰብ ድማ ኣብ ኣምልኾ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪሓብሩ እዮም። የሱስ ክርስቶስ ንእከይ ኣብ ምልጋስ ከምኡውን ጽድቃዊ ዅነታት ኣብ ምምጻእ ከም ዚዕወት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእልዶ፧

ምንጪ እቲ ንየሱስ እተዋህቦ ሓይልን ስልጣንን መን ምዃኑ ኣስተውዕል። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ወዲ ብዚምልከት: “[“ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣለም ዝፋንካ እዩ:” NW] በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ: ጽድቂ ፈቶኻ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ” ይብል። (እብራውያን 1:8, 9) ዝፋን የሱስ: ማለት ሓላፍነቱ ወይ ስልጣኑ ኻብ የሆዋ እዩ ዚምንጭ። ምንጭን ወሃብን እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዩ። እምበኣር: ንየሱስ ምፍታሕ ዜጸግሞ ዋላ ሓንቲ ጸገም ኣይኪህሉን እዩ።

የሱስ ድሕሪ ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ” በሎም። (ማቴዎስ 28:18) ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:22 ድማ “ንእኡ መላእኽትን ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ አለዉ” ተባሂሉ ኣሎ። ስለዚ: ንየሱስ ዚቃወም ዝዀነ ይኹን ሓይሊ ወይ ስልጣን ኣይኪዕወትን እዩ። ንደቅሰብ ነባሪ ጥቕሚ ኻብ ምምጻእ ዚዓግቶ ዋላ ሓደ የለን።

ምጽኣት ክርስቶስ ንሰባት ዚጸልዎም ብኸመይ እዩ፧

ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቱ: “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትኩምን ጻዕሪ ፍቕርኹምን ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዅሉ ሳዕ እናዘከርናኩም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ተሰሎንቄ 1:3) ጳውሎስ ብእምነት ንዚግበር ጻዕርን ንትዕግስትን: ኣብ የሱስ ክርስቶስ ተስፋ ምስ ምግባር ኣተሓሒዝዎ ኣሎ። እዚ ተስፋ እዚ ኣብ ምጽኣት ክርስቶስን ኣብቲ እዚ ምጽኣት ዜቕንዖ መገድን እምነት ምሕዳር ዜጠቓልል እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከምዚ ዝበለ ተስፋ ስለ ዘለዎም: ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት እናኣጋጠሞም ክነሱ: ሓይሊ ኸም ዚህልዎም ወይ ከም ዚጸንዑ እዩ ዚገብሮም።

ኣብነት: እቲ ኣብ ሳኦ ፓውሎ: ብራዚል ዚነብር ካርሎስ ዝስሙ ሰብኣይ እስከ ንውሰድ። ኣብ ነሓሰ 2003 ሕማም መንሽሮ ኸም ዝሓዞ ፈለጠ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ ኣዝዩ ዜሳቕን ዜድክምን ጠንቅታት ዝነበሮ ሸሞንተ መጥባሕቲ ገበረ። ኰይኑ ግን ንኻልኦት ሰባት ምንጪ ምትብባዕ ካብ ምዃን ኣየቋረጸን። ንኣብነት: ኣብ ቅድሚ ሓደ ዓብዪ ሆስፒታል ኣብ ዚርከብ ጐደና ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ኪካፈል ከሎ: ምስ ሓንቲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ሰበይቲ ተራኸበ፣ ሰብኣያ ድማ ኬሞቴራፒ (ቅመም-ምፍዋስ) ዚበሃል ዓይነት ሕክምና ይግበረሉ ነበረ። ካርሎስ ንሳዕቤን ሕማም መንሽሮ ስለ ዚፈልጦ: ነቶም ሰብኣይን ሰበይትን ምትብባዕን ምጽንናዕን ኪህቦም ይኽእል ነበረ። ብድሕሪኡ: ብዛዕባ እዚ ርእይቶ ኺህቡ ኸለዉ: እቲ ዝርርብ ዝያዳ ሓቦ ኸም እንገብር ገይሩና ብምባል ገለጹ። በዚ ኸምዚ ድማ ካርሎስ ንሓቅነት እተን “በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ: ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኺከአለናስ: ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና ንሱ እዩ” ዚብላ ቓላት ጳውሎስ ተመኪርወን እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:4

ካርሎስ ናቱ ሕማም እናሃለዎ ኽነሱ: ንኻልኦት ሰባት ከም ዜተባብዕ ዝገበሮ ብርታዐ ንኺረከብ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ተስፋ ምጽኣት ክርስቶስን እቲ ነገር እቲ ዚዓሞ ነገራትን “ሰናይ ግብሪ” ንኺገብር ደረኾ።—ገላትያ 6:9

ኣብነት ሳምይወል እውን ንርአ። ሓዉ ኻብ ገዛኡ 50 ሜተር ጥራይ ኣቢሉ ኣብ ዚኸውን ርሕቐት ተቐትለ። ኣብ ልዕሊ ሓዉ ዓሰርተ ጥይት እዩ ተተኲሱ። ፖሊስ ነቲ ገበን ኪምርምሩ ኸለዉ ኸኣ እቲ ሬሳ ንሸሞንተ ሰዓት ኣብቲ መገዲ ኣጋር ነበረ። ሳምይወል ነቲ ኣብታ ዕለት እቲኣ ዘጋጠመ ነገራት ፈጺሙ ኣይርስዖን እዩ። ይኹን እምበር: ክርስቶስ ንምድሪ ኻብ ኵሉ እከይ ከም ዜጽርያን እቲ ስዒቡ ዚመጽእ ጽድቃዊ ግዝኣት ንደቅሰብ በረኸት ከም ዜውርደሎምን ዚገልጽ ተስፋ ብምፍላጡ ሓይሊ ረኸበ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ነቲ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ዚትንስእ ሓዉ ኺሓቝፎ ኸሎ ይረኣዮ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ኣብ ምጽኣት ክርስቶስን ኣብቲ እዚ ዚዓሞ ነገራትን ተስፋ ብምግባር: ዝያዳ ምጽንናዕ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። የሱስ ክርስቶስ ንሱር እዚ ዅሉ ጸገማት ደቅሰብን ነቲ ዜጨንቐና እከይን ኬልግሶ ምዃኑ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ነቲ ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዜውርዶ በረኸት ክትረክብ እንተ ደሊኻ: እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ ብዛዕባ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ መጽናዕቲ ግበር። የሱስ ናብ ኣቦኡ ኣብ ዘቕረቦ ጸሎት: “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ንምምርማር ሸቶ ግበር። ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዚ መዳይ እዚ ኺሕግዙኻ ሕጉሳት እዮም። ምስኦም ንኽትራኸብ ወይ ናብ ሓተምቲ እዛ መጽሔት ንኽትጽሕፍ ድማ ብኽብሪ ንዕድመካ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ምጽኣት ክርስቶስ ነዛ ምድሪ ምሉእ ብምሉእ ንኽትልወጥ መገዲ ዚጸርግ እዩ

[ምንጪ ስእሊ]

Inset, background only: Rhino and Lion Park, Gauteng, South Africa