ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣጋንንቲ ብኸመይ ክንጻረሮም ንኽእል፧

ንኣጋንንቲ ብኸመይ ክንጻረሮም ንኽእል፧

ንኣጋንንቲ ብኸመይ ክንጻረሮም ንኽእል፧

“ነቶም ሰፈሮም ዝሐደጉ እምበር: መዓርጎም ዘይሐለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዐቚርዎም አሎ።”—ይሁዳ 6

1, 2. ብዛዕባ ሰይጣን ድያብሎስን ኣጋንንቱን እንታይ ሕቶታት እዩ ዚለዓል፧

 ሃዋርያ ጴጥሮስ “ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ” ኢሉ ኣጠንቀቐ። (1 ጴጥሮስ 5:8) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ብዛዕባ ኣጋንንቲ: “ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ኪህልወኩም ኣይፈቱን እየ። ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከአለኩምን: ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከአለኩምን እዩ” በለ።—1 ቈረንቶስ 10:20, 21

2 ሰይጣን ድያብሎስን ኣጋንንቱን ግን መን እዮም፧ ብኸመይን መዓስን እዮም ናብ ህልውና መጺኦም፧ ኣምላኽ ድዩ ፈጢርዎም፧ ኣብ ልዕሊ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ሓያል ጽልዋ እዩ ዘለዎም፧ ብኸመይ ኢና ርእስና ኽንከላኸል እንኽእል፧

ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብኸመይ እዮም ናብ ህልውና መጺኦም፧

3. ሓደ መልኣኽ ሰይጣን ድያብሎስ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

3 ኣብ መጀመርታ ታሪኽ ወድሰብ: ሰባት ኣብ ገነት ኤድን ምስ ተፈጥሩ: ሓደ መልኣኽ ኣምላኽ ዓለወኛ ዀነ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ኣብቲ ሰማያዊ ውድብ የሆዋ ዝነበሮ ግደ ኣየዕገቦን። ኣዳምን ሄዋንን ምስ ተፈጥሩ: ተኣዛዝነቶምን ኣምልኾኦምን ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዘይኰነስ: ናብኡ ኸም ዚኸውን ንምግባር ኣጋጣሚ ረኸበ። እዚ መልኣኽ እዚ ኻብ ኣምላኽ ብምዕላውን ነቶም ቀዳሞት ጽምዲ ሰባት ሓጥእ መገዱ ንኺስዕቡ ብምድፍፋእን: ንርእሱ ሰይጣን ድያብሎስ ገበረ። ድሕሪ ግዜ ኻልኦት መላእኽቲ ኣብቲ ዕልወቱ ሓበርዎ። ብኸመይ፧—ዘፍጥረት 3:1-6፣ ሮሜ 5:12፣ ራእይ 12:9

4. ገሊኦም ዓለወኛታት መላእኽቲ ቕድሚ እቲ ብግዜ ኖህ ዝነበረ ማይ ኣይሂ እንታይ እዮም ዝገበሩ፧

4 ቅድሚ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ: ገሊኦም መላእኽቲ ነተን ኣብ ምድሪ ዝነበራ ኣንስቲ ብዘይተለምደ ዓይኒ ኺርእይወን ከም ዝጀመሩ: እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ይነግረና። “እቶም [ሰማያውያን] ደቂ ኣምላኽ” ብግጉይ ዕላማ ተበጊሶም: “ነተን ኣዋልድ ሰብ: መልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረአዩ: ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱ።” እዚ መውስቦ እዚ ዘይባህርያዊ እዩ ነይሩ: ነፊሊም ወይ ንጉዓት እተባህሉ ድቓላ ውሉዳት ድማ ወለዱ። (ዘፍጥረት 6:2-4) እቶም በዚ ኸምዚ ትእዛዝ ኣምላኽ ዝጠሓሱ መንፈሳውያን ፍጡራት: ምስ ሰይጣን ብምሕባር ካብ የሆዋ ዓለዉ።

5. የሆዋ ብማይ ኣይሂ ኣቢሉ ጥፍኣት ምስ ኣምጽአ: እቶም ዓለወኛታት ብኸመይ እዮም ተጸልዮም፧

5 የሆዋ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ማይ ኣይሂ ምስ ኣዝነመ: እቶም ነፊሊምን እተን ደቅሰብ ዝዀና ኣዴታቶምን ጠፍኡ። እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ነቲ ለቢሶምዎ ዝነበሩ ሰብኣዊ ስጋ ቐንጢጦም ናብ መንፈሳዊ ዓለም ኪምለሱ ተገደዱ። ይኹን እምበር: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝነበሮም “ሰፈር” ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብቲ “ጦርጦስ” (NW) ተባሂሉ ዚጽዋዕ መንፈሳዊ “መቝሕ ጸልማት” ተደርበዩ።—ይሁዳ 6፣ 2 ጴጥሮስ 2:4

6. ኣጋንንቲ ንሰባት ዜታልሉ ብኸመይ እዮም፧

6 እቶም እኩያት መላእኽቲ “ሰፈሮም” ካብ ዚስእኑ ኣትሒዞም: ኣጋንንቲ ዚበሃሉ ብጾት ሰይጣን ኰይኖምን ነቲ እኩይ ረብሓታቱ ኣገልጊሎምን እዮም። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ኣጋንንቲ ስጋ ሰብ ኪለብሱ ኣይከኣሉን። ይኹን እምበር: ንሰብኡትን ኣንስትን ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ጾታዊ ብልሽውና ንኺካፈሉ ኺሓብልዎም ይኽእሉ እዮም። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ: ኣጋንንቲ ብሓተታ መናፍስቲ ኣቢሎም ንሰባት የታልልዎም ኣለዉ፣ እዚ ሓተታ መናፍስቲ ኸኣ ኣስማት: ቩዱ: ጥንቈላ ዝኣመሰለ ነገራት የጠቓልል። (ዘዳግም 18:10-13፣ 2 ዜና መዋእል 33:6) እኩያት መላእኽቲ መወዳእታኦም ካብ ናይ ድያብሎስ እተፈልየ ኣይኰነን፣ ኵሎም ዘለኣለማዊ ጥፍኣት እዩ ዚጽበዮም። (ማቴዎስ 25:41፣ ራእይ 20:10) እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ግን ጸኒዕና ቜምና ኽንጻረሮም ኣሎና። ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑን ንዕኡ ዀነ ንኣጋንንቱ ብኸመይ ብዕዉት መገዲ ኽንጻረሮም ከም እንኽእልን ኣብ ግምት ከነእቱ ኣሎና።

ሰይጣን ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓያል፧

7. ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ዓለም እንታይ ሓይሊ እዩ ዘለዎ፧

7 ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ: ሰይጣን ንየሆዋ ኻብ ምጽላም ዓዲ ኣይወዓለን። (ምሳሌ 27:11) ንሓያሎ ሰባት ከኣ ጸልይዎም እዩ። ኣብ 1 ዮሃንስ 5:19 “ካብ ኣምላኽ ምዃንና: ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ዚብል ንረክብ። ስለዚ ኸኣ እዩ ድያብሎስ ንየሱስ ስልጣንን ክብረትን “መንግስትታት ኵላ ዓለም” ብምቕራብ ኪፍትኖ ዝኸኣለ። (ሉቃስ 4:5) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ሰይጣን ከምዚ በለ:- “እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸኣ: ኣብቶም ዚጠፍኡ እዩ እተሰወረ። እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ: ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ: ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ: ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይአምኑ ኣዖሮ።” (2 ቈረንቶስ 4:3, 4) ሰይጣን “ሓሳዊ እዩ እሞ: ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ:” ኰይኑ ግን ንርእሱ “ንመልኣኽ ብርሃን” የምስል እዩ። (ዮሃንስ 8:44፣ 2 ቈረንቶስ 11:14) ንኣእምሮ መራሕቲ ዓለምን ተገዛእቶምን ንኼዑሮ ዜኽእሎ ሓይልን ሜላታትን ኣለዎ። ብፕሮፓጋንዳን ሃይማኖታዊ ጽውጽዋያትን ሓሶትን ኣቢሉ: ንደቅሰብ የታልል ኣሎ።

8. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጽልዋ ሰይጣን እንታይ እዩ ዚገልጽ፧

8 ሓይልን ጽልዋን ሰይጣን ብግዜ ነብዪ ዳንኤል: ማለት ሓሙሽተ ዘመናት ቅድሚ ክርስቶስ ተራእዩ ነበረ። የሆዋ ንዳንኤል ናይ ምትብባዕ መልእኽቲ ንኼብጽሓሉ ኢሉ ሓደ መልኣኽ ምስ ለኣኸ: እቲ መልኣኽ ካብቲ “[መንፈስ ዝዀነ] መስፍን መንግስቲ ፋርስ” ተቓውሞ ኣጋጠሞ። እቲ እሙን መልኣኽ: “ሚካኤል: ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ” መጺኡ ኽሳዕ ዚሕግዞ: ን21 መዓልቲ ተታሕዘ። ኣብቲ ጸብጻብ እቲ ብዛዕባ “እቲ [ጋኔን] መስፍን ዮናኒ” እውን ተዛሪቡ ኣሎ። (ዳንኤል 10:12, 13, 20) ኣብ ራእይ 13:1, 2 እቲ ብ“ገበል” እተመሰለ ሰይጣን: ነቲ ንፖለቲካውያን ዚውክል ኣራዊት: “ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሀቦ” ተባሂሉ ኣሎ።

9. ክርስትያናት ምስ መን እዮም ዚቃለሱ ዘለዉ፧

9 ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር: ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን” ኢሉ ምጽሓፉ ዜገርም ኣይኰነን። (ኤፌሶን 6:12) ሎሚ እውን እንተ ዀነ: ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሰይጣን ድያብሎስ ዚርከቡ ሓይልታት ኣጋንንቲ ኸይተራእዩ ንሰብኣውያን ገዛእትን ንደቅሰብ ብሓፈሻን ምግላጹ ዜሸግር ጃምላዊ ቕትለት: ግብረ-ሽበራ: ከምኡውን ቅትለት ኪፍጽሙ ብምድፍፋእ ይጸልውዎም ኣለዉ። ነዞም ብርቱዓት ሓይልታት መናፍስቲ ብኸመይ ብዕዉት መገዲ ኽንጻረሮም ከም እንኽእል እስከ ንመርምር።

እንታይ መከላኸሊ ኣሎና፧

10, 11. ንሰይጣንን ንእኩያት መላእኽቱን ብኸመይ ክንጻረሮም ንኽእል፧

10 ንሰይጣንን ንእኩያት መላእኽትን ብናትና ብርታዐ: ማለት ብኣካላዊ ብርታዐና ዀነ ብኣእምሮኣዊ ብልሕና ኽንጻረሮም ኣይንኽእልን ኢና። ጳውሎስ “ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ” ዚብል ምኽሪ ሂቡና ኣሎ። ዕቝባ ንምርካብ ናብ ኣምላኽ ክንጽጋዕ ኣሎና። ጳውሎስ ኣስዕብ ኣቢሉ “ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ: ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ: ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ” በለ።—ኤፌሶን 6:10, 11, 13

11 ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ: ፈለማ “ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ:” ቀጺሉ ኸኣ “ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ” ብምባል ክልተ ሳዕ ተማሕጺንዎም ኣሎ። “ኵሉ” ወይ “ብዘሎ” ዚብላ ቓላት ነቲ ኣጋንንቲ ዚፍንውዎ መጥቃዕቲ ኽንጻረሮ እንተ ዄንና: ብፍርቂ ልቢ ኪኸውን ከም ዘይብሉ ይሕብራና። እሞ ደኣ ሎሚ ክርስትያናት ንኣጋንንቲ ንኺጻረሩ ብህጹጽ ዜድልዮም ኣገዳሲ መንፈሳዊ ኣጽዋር እንታይ እዩ፧

“ቁሙ”—ብኸመይ፧

12. ክርስትያናት ሕቜኦም ብሓቂ ኺዕጠቑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

12 ጳውሎስ “ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ” በለ። (ኤፌሶን 6:14) ሓደ ኻብቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኣጽዋር ዕጣቕ ወይ ቍልፊ ኪኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ድርዒ እዩ። ሓደ ዓቀይታይ ንሕቜኡ (ንምሕዅልቱን ንረቃቒቶኡን ታሕተዋይ ክፋል ከብዱን) ምእንቲ ኺከላኸለሉ ዕጣቕ ኪዕጠቕ ነበሮ። ብተመሳሳሊ: ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ተሰማሚዕና ምእንቲ ኽንመላለስ: ነዚ ነገር እዚ ብምሳልያዊ መገዲ ኣጥቢቕና ኽንዕጠቖ ኣሎና። እሞኸ መደብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎናዶ፧ ኵሎም ኣባላት ስድራቤትና ኻብዚ ይጥቀሙ ድዮም፧ ጥቕሲ ዕለት ብስድራቤት እንምርምረሉ ልማድ ኣሎናዶ፧ ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ: ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣብ ዜዳልዎ ጽሑፋት ዚርከብ መግለጺታት ንምርምሮ ዲና፧ (ማቴዎስ 24:45) ከምኡ ንገብር እንተ ዄንና: ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ንጽዕር ኣሎና። ቅዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ኺህብ ዚኽእል ቪድዮን ዲቪዲን እውን ኣሎና። ንሓቂ ኣጽኒዕና ምሓዝና: ጥበባዊ ውሳነታት ንኽንገብር ኪሕግዘና: ግጉይ መገዲ ንኸይንስዕብ እውን ኬዕቍበና ይኽእል እዩ።

13. ንምሳልያዊ ልብና ብኸመይ ካብ ሓደጋ ኽንሕልዎ ንኽእል፧

13 ድርዒ ንናይ ሓደ ዓቀይታይ ደረትን ልብን ካልእ ኣገዳሲ ኣካላትን እዩ ዚከላኸል ነይሩ። ሓደ ክርስትያን ንጽድቂ ኣምላኽ ፍቕሪ ብምምዕባልን ንጽድቃዊ መለክዒታት የሆዋ ጠቢቑ ብምስዓብን: ንምሳልያዊ ልቡ: ማለት ንውሽጣዊ ሰብነቱ ኻብ ሓደጋ ኺሕልዎ ይኽእል እዩ። እቲ ምሳልያዊ ድርዒ ንኣገዳስነት ቃል ኣምላኽ ከይነቃልሎ ይሕልወና። ‘እከይ ምስ እንጸልእን: ሰናይ ምስ እነፍቅርን:’ ንኣእጋርና “ኻብ ክፉእ ዘበለ መገዲ” ንኽልክለን።—ኣሞጽ 5:15፣ መዝሙር 119:101

14. “ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

14 ሓደ ዓቀይታይ ሮሜ በቲ ኣብታ ሃጸያዊት ግዝኣት ዚርከብ መገድታት ብኣማእታት ዚቝጸር ኪሎ ሜተራት ይጐዓዝ ስለ ዝነበረ: ኣብ ኣእጋሩ ድልዱል ኣሳእን ይገብር ነበረ። እቲ “ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም” ዚብል መግለጺ ንክርስትያናት እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ (ኤፌሶን 6:15) ስጕምቲ ንምውሳድ ድሉዋት ከም ዝዀንና እዩ ዜመልክት። ኣብ ዝረኸብናዮ ዘበለ ምሹእ ኣጋጣሚ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምንጋር ድሉዋት ኢና። (ሮሜ 10:13-15) ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ንጡፋት ምዃንና: ብ“ፍሕሶ” ሰይጣን ንኸይንወድቕ ዕቝባ ይዀነና።—ኤፌሶን 6:11

15. (ሀ) ዓብዪ ዋልታ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ዜርኢ እንታይ እዩ፧ (ለ) እንታይ “ርሱን መንትግ” እዩ ንእምነትና ጐዳኢ ኪኸውን ዚኽእል፧

15 ጳውሎስ ቀጺሉ: “ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ” በለ። (ኤፌሶን 6:16) ቀቅድሚ እቲ ዓብዪ ዋልታ ንኸነልዕል እተዋህበ ምኽሪ: “ምስናይ እዚ ዅሉ” ወይ ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም “ልዕሊ ዅሉ” ዚብል ቃላት ስለ ዘሎ: እዚ ኽፋል ኣጽዋር ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይሕብር። ኣብ እምነትና ዝዀነ ይኹን ጕድለት ኪህሉ ኣይግባእን። ከምቲ ዓብዪ ዋልታ ዚከላኸለልና: እምነትና ኸኣ ካብቲ “ርሱን መንትግ” ሰይጣን የዕቍበና እዩ። ርሱን መንትግ ንምንታይ የመልክት፧ ጸላእትን ከሓድትን ንእምነትና ምእንቲ ኼዳኽሙ ኢሎም ዚነዝሕዎ ዜቝስል ጸርፍን ሓሶትን ጠዋይ ዘረባን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ “መንትግ” እዚ ንዋይ ንኸነፍቅር ዚመጸና ፈተናታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ባህርይ እዚ እንተ ሓዲሩና ኸኣ ብዙሕ ኣቕሑ ኣብ ምዕዳግ ትሑዛት ንኸውን: ሕሉፍ ሓሊፍና እውን ምስቶም ተጃሃርቲ ሰባት ክንወዳደር ንጅምር። ምናልባት ዝዓበየን ዝሓሸን ኣባይትን ማካይንን ይህልዎም ይኸውን: ወይ ነቲ ኽቡር ስልማቶምን ሓድሽ ፋሽን ዝወጸ ኽዳውንቶምን ርኣዩለይ ይብሉ ይዀኑ። ካልኦት ዝገበሩ ይግበሩ ብዘየገድስ: ነቲ “ርሱን መንትግ” እትከላኸል ድልድልቲ እምነት ክትህልወና ኣለዋ። ብኸመይ ኢና ድልድልቲ እምነት ክንሃንጽን ክንሕዝን እንኽእል፧—1 ጴጥሮስ 3:3-5፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17

16. ድልድልቲ እምነት ንኽንሃንጽ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

16 ብስሩዕ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብልባዊ ጸሎትን ኣቢልና ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንእምነትና ኼደልድለልና ኽንልምኖ: ድሕሪኡ ኸኣ ንጸሎትና ብግብሪ ኽንድግፎ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ኣብቲ ሰሙናዊ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንኽንሳተፍ ኢልና ተጠንቂቕና ንዳሎ ዲና፧ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን እንተ ኣጽኒዕና: እምነትና ድልድልቲ ትኸውን እያ።—እብራውያን 10:38, 39፣ 11:6

17. ብኸመይ ኢና ‘ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኸነእቱ’ እንኽእል፧

17 ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣጽዋር ዝሃቦ መግለጺ: “ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ: ናይ መንፈስ ሰይፊውን: ማለት ቃል ኣምላኽ: ሐዙ” ብምባል ዛዘሞ። (ኤፌሶን 6:17) ቍራዕ ርእሲ ነቲ ማእከል ውሳነ ዝዀነ ርእስን ሓንጐልን ዓቀይታይ ይከላኸለሉ ነበረ። ክርስትያናዊ ተስፋና እውን ብተመሳሳሊ ንኣእምሮና ዕቝባ ይዀኖ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:8) ኣእምሮና ብዓለማዊ ሸቶታትን ፍቕረ-ንዋያዊ ሕልምታትን ኣብ ክንዲ እንመልኦ: ከምቲ የሱስ ዝገበሮ: ኣተሓሳስባና ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ኸም ዜተኵር ክንገብሮ ኣሎና።—እብራውያን 12:2

18. ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ክንብሎ ዘይብልና ስለምንታይ እዩ፧

18 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዜሕድርዎ ጽልዋ ንኽንከላኸሎ ዚሕግዘና ናይ መወዳእታ መሳርሒ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ቃል ወይ መልእኽቲ ኣምላኽ እዩ። እዚ ድማ ነቲ መደብ ስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ንኸይንብሎ ዚድርኸና ኻልእ ምኽንያት እዩ። ሰፊሕ ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ሰይጣን ካብ ዚነዝሖ ሓሶትን ኣጋንንቲ ኻብ ዚዝርግሕዎ ፕሮፓጋንዳን እተመረሩ ኸሓድቲ ኻብ ዚድርጕሕዎ ነቐፌታን የዕቍበና እዩ።

“ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም”

19, 20. (ሀ) ንሰይጣንን ኣጋንንቱን እንታይ ይጽበዮም ኣሎ፧ (ለ) ንመንፈሳውነትና ኼጽንዖ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

19 ሰይጣንን ኣጋንንቱን እዛ እክይቲ ዓለምን ዚውገዱሉ እዋን ቀሪቡ እዩ። ሰይጣን “ቅሩብ ዘመን” ከም ዝተረፎ ይፈልጥ እዩ። ነቶም “ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን” ብቝጥዓ ተላዒሉ ይዋግኦም ኣሎ። (ራእይ 12:12, 17) ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ክንጻረሮም ኣሎና።

20 ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ክንለብስ ማዕዳ ስለ እተዋህበና: ብዙሕ ከነመስግን ኣሎና! ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ኣጽዋር ዝሃቦ መግለጺ: “ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ: ምስናይ እዚውን ብዅሉ እናተጸመምኩም: ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ” ብምባል ደምደሞ። (ኤፌሶን 6:18) ጸሎት ብመንፈሳዊ መዳይ ኬጽንዓናን ንቑሓት ንኽንከውን ኪሕግዘናን ይኽእል እዩ። እምበኣር: ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ምጽራር ምእንቲ ኽንክእል: ንቓላት ጳውሎስ ኣብ ልብና ነሕድሮ: ንጸሊ ኸኣ።

እንታይ ተማሂርካ፧

• ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብኸመይ እዮም ናብ ህልውና መጺኦም፧

• ድያብሎስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ሓያል፧

• ካብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ርእስና ንምሕላው ዚሕግዘና እንታይ መከላኸሊ ኣሎና፧

• ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ብኸመይ ክንለብስ ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

“እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ . . . ረአዩ”

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ሽዱሽተ ኽፋል እቲ መንፈሳዊ ኣጽዋርና ትፈልጦዶ፧

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ኣብዚ ንጥፈታት እዚ ምስታፍ: ካብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዚከላኸለልና ብኸመይ እዩ፧