ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንሆ: እቲ ዜገርም ብርሃን!

እንሆ: እቲ ዜገርም ብርሃን!

እንሆ: እቲ ዜገርም ብርሃን!

ኣብ ጸልማት ሃሰስ እናበልካ ተጓዒዝካ ትፈልጥ እንተ ዄንካ: ክሳዕ ክንደይ ከም ዜበሳጩ ትፈልጥ ኢኻ። ብርሃን ግን ከመይ ዝበለ እፎይታ ዀን እዩ ዜምጽኣልካ! እንተዀነ ግን: ምስ ጸልማት ኪመሳሰል ኣብ ዚኽእል ኵነታት ኔርካ ትኸውን ኢኻ። ምናልባት ካብቲ ዘጋጠመካ ጸገም መውጽኢ ምስ ሰኣንካ ኸምኡ ተሰሚዑካ ይኸውን። ድሕሪኡ ቐስ ብቐስ ብርሃን: ማለት ፍታሕ ርኢኻ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸልማት ናብ ብርሃን ምውጻእ ባህ ዜብል እዩ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ሰባት ብሓፈሻ ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ነበሩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቶም ናይ ቀደም እምነታቶም ሓዲጎም ክርስትና እተቐበሉ: ‘[ኣምላኽ] ካብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ጸውዓኩም’ በሎም። (1 ጴጥሮስ 2:9) እዚ ነገር እዚ ንዓታቶም ምሉእ ብምሉእ ኣብ ጸልማት ጸኒሖም ናብ ድሙቕ ብርሃን ከም ዝኣተዉ እዩ ዀይኑሎም። በይኖም ብዘይ ተስፋ ድሕሪ ምጽናሕ: ኣባል ሓደ ጽቡቕ መጻኢ ዘለዎ ስድራቤት ከም ዝዀኑ እውን ኰይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ።—ኤፌሶን 2:1, 12

“ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ”

ቀዳሞት ክርስትያናት ነታ “ሓቂ:” ማለት ነታ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት እምነት ረኺቦምዋ እዮም። (ዮሃንስ 18:37) ነቲ ዜገርም ብርሃን ሓቂ ርእዮም: ካብ መንፈሳዊ ጸልማት ከኣ ናብ ብርሃን ሰጊሮም እዮም። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግን: እቲ ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ መጀመርታ ዜንጸባርቕዎ ዝነበሩ ውዕዉዕ መንፈስን ቅንኣትን ዘሓለ። ንኣብነት: ኣብ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ኣብታ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረት ጉባኤ ኸቢድ ጸገም ተፈጢሩ ነበረ። እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ጸገም ከምዚ ብምባል ገለጾ:- “ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ። እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ: ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ።” (ራእይ 2:4, 5) ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት ንኣምላኽን ነታ ሓቅን ዝነበረቶም ፍቕሪ ኸም ብሓድሽ ኬጐሃህርዋ ነበሮም።

ንሕናኸ፧ ንሕና እውን ብርሃን ብምርኣይና: ማለት ነቲ ዜደንቕ ሓቂ ቓል ኣምላኽ ብምፍላጥና ሓጐስ ረኺብና ኢና። ንሓቂ ኣፍቂርናያ ኢና። እቲ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ብሓፈሻ ዚወርድ ሽግራት ግን ነታ ንሓቂ ዝነበረትና ፍቕሪ ኺንክያ ይኽእል እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ዜጋጥም ጸገማት ኣሎ። ኣብታ ኣብ “ክፉእ ዘመን” እትርከብ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና፣ እዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ “ፈተውቲ ርእሶም . . .: ፈተውቲ ገንዘብ: ተጀሃርቲ: ዕቡያት: ተጻረፍቲ: ንወለዶም ዘይእዘዙ: ዘየማስዉ: ርኹሳት” እዮም መሊኦምዋ ዘለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1, 2) እቲ ጽልዋኦም ንቕንኣትና ኺንክዮን ንየሆዋ ዝነበረትና ፍቕሪ ኼዝሕላን ይኽእል እዩ።

ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርና እንተ ሓዲግናያ: ‘ካበይ ከም ዝወደቕና ኽንዝክርን ክንንሳሕን’ ኣሎና። ናብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ መንፈሳዊ ዅነታትና ኽንምለስ ኣሎና። ብዘይካዚ: ንሓቂ ዘሎና ሞሳ ኸይጠፍእ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ኵላትና ኣወንታውን ብሩህን ኣመለኻኽታ ኽንሕዝ: ንኣምላኽን ንሓቁን ዘላትና ፍቕሪ ድማ ህያው ኰይና ኸም እትቕጽል ክንገብር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

‘እታ ሓራ እተውጽኣና ሓቂ’

ደቅሰብ ንኣሽሓት ዓመታት ኪምልስዎ ዘይከኣሉ ሕቶታት: መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዚምልሶ: ብርሃን ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቂ ዜገርም እዩ። ገለ ኻብቲ ሕቶታት ከምዚ ዚስዕብ ዚብል እዩ:- ኣብዚ እንነብር ዘለና ስለምንታይ ኢና፧ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ እከይ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ፧ የሆዋ ዜደንቕ ሰረተ-እምነታዊ ሓቅታት ብምሃብ ብርሃን ኣብሪሁልና እዩ። ካብ ልብና ኸነመስግኖዶ ኣይግባእን፧ ነቲ እተመሃርናዮ ኸቶ ኣቕሊልና ኣይንርኣዮ።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በሎም። (ዮሃንስ 8:32) የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ: ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንኽንከውን መገዲ ኸፊቱ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ እዚ ኽቡር ሓቅታት ካብታ ኣብዛ ብጸልማት ተዋሒጣ ዘላ ዓለም ዚርከብ ድንቍርናን ምጥርጣራትን ሓራ ገይሩና እዩ። ነቲ እተመሃርናዮ ብሞሳ ምስ እነስተንትነሉ: ንየሆዋን ንቓሉን ዘላትና ፍቕሪ ንኸነደልድል ይሕግዘና።

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት: “ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም: ዚዐዪ ዘሎ: ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር: ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ: ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና” ኢሉ ጸሓፈሎም። (1 ተሰሎንቄ 2:13) እቶም ሰብ ተሰሎንቄ ‘ነቲ ቓል ኣምላኽ’ ሰሚዖም ‘ብሓጐስ ተቐበልዎ።’ ድሕሪኡ ደጊም ኣብ “ጸልማት” ኣይኰኑን ዚነብሩ ነይሮም: የግዳስ “ደቂ ብርሃን” ኰኑ። (1 ተሰሎንቄ 1:4-7፣ 5:4, 5) እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም የሆዋ ፈጣርን ኵሉ ዚኽእልን ጥበበኛን ፈቃርን መሓርን ከም ዝዀነ ፈለጡ። ከም ካልኦት ሰዓብቲ ክርስቶስ እውን: የሆዋ በቲ መስዋእታዊ በጃ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ሓጢኣቶም ምእንቲ ኺድምስሰሎም መሰናድዎ ኸም ዝገበረ ተማህሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19-21

ሰብ ተሰሎንቄ ብዛዕባ እታ ሓቂ ዅሉ ነገራት እኳ እንተ ዘይፈለጡ: ኣበይ ፍልጠት ከም ዚረኽቡ ግን ፈለጡ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት: ንናይ ኣምላኽ ሰብ “ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም” ከም ዚኸውን ኪገብሮ ይኽእል እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብቐጻሊ መጽናዕቲ ኺገብሩን እቲ ኻብ ኣምላኽ ዚመጽእ ብርሃን ብሓቂ ዜገርም ከም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ኺርእዩን ይኽእሉ ነበሩ። ኵሉ ሳዕ ንኺሕጐሱ ምኽንያት ነበሮም። (1 ተሰሎንቄ 5:16) ንሕና እውን ከምኡ።

ንመገድና ብርሃን

እቲ ጸሓፍ መዝሙር: እቲ ብርሃን ዜደንቕ ዝዀነ ስለምንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ: “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ: ንመገደይ ብርሃን እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 119:105) እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ መለኮታዊ መምርሒ: ዜዋጽኣና መገዲ ንኽንፈልጥን ትርጕም ዘለዎ ህይወት ንኺህልወናን የኽእለና። በብቝሩብ መገዳ ኸም እትስሕት መርከብ ኣይንኸውንን ኢና። ነታ ሓቂ ምፍላጥናን ኣብ ግብሪ ምውዓልናን: “ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውን” ዕቝባ ይዀነና።—ኤፌሶን 4:14

መጽሓፍ ቅዱስ “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ” ይብል። “ኣምላኽ ያእቆብ ዝረዲኤቱ: ተስፋኡ ኸኣ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረ ሰብ ብጹእ እዩ” እውን ይብል። (መዝሙር 146:3, 5) ኣብ ልዕሊ እዚ ኸኣ ኣብ የሆዋ ትውክልቲ ምግባር: ንፍርህናን ንጭንቀትናን ክንዋጽኣሉ ይሕግዘና። ሃዋርያ ጳውሎስ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ” በለ። (ፊልጲ 4:6, 7) ብብርሃን ቃል ኣምላኽ እንምራሕ ምዃንና: ብሓቂ ይጠቕመና እዩ።

ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም ብርሁ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብርሃን ዜገርም ዚዀነሉ ኻልእ ምኽንያት: ነቲ ሰባት ኪረኽብዎ ዚኽእሉ ኻብ ኵሉ ዝለዓለ ዕዮ ንኽንዓዪ መገዲ ስለ ዚኸፍት እዩ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም: ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ዚብል መምርሒ ሃቦም። ቀቅድሚ እዚ ትእዛዝ እዚ “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ” በሎም።—ማቴዎስ 28:18-20

ኣብቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ብስራት ንምስባኽን ንዅሎም ኣህዛብ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምሃርን ዚገብርዎ ዕዮ መን ይሕግዞም ከም ዘሎ እሞ ሕስብ ኣብሎ። የሱስ ንሰዓብቱ ምሳታቶም ከም ዚኸውን ተመባጺዑሎም እዩ። ብኣገልግሎቶም ኣቢሎም ‘ብርሃኖም ኬብርሁን’ “ጽቡቕ ግብሪ” ኺገብሩን ከለዉ: ኪሕግዞምን ኪድግፎምን ጸኒሑ እዩ። (ማቴዎስ 5:14-16) መላእኽቲ እውን ኣብዚ ዕዮ ወንጌላውነት ግደ ኣለዎም። (ራእይ 14:6) የሆዋ ኣምላኽ ንባዕሉኸ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣነ ተኸልኩ: ኣጵሎስ ኣስተየ: ኣምላኽ ግና ኣብቈለ” ኢሉ ጸሓፈ። “መዓይይቲ ኣምላኽ” ምዃንሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኽብሪ ዀን እዩ!—1 ቈረንቶስ 3:6, 9

ኣብዚ ኣምላኽ ዝሃበና ዕዮ እንገብሮ ጻዕርታትና ብኸመይ ከም እተባረኸ እውን ሕሰብ። ምስቲ ኣምላኽ ዝሃበና ‘ኸም ብርሃናት ኣብ ዓለም ናይ ምብራህ’ ዕዮ ዚወዳደር ዋላ ሓደ የልቦን። እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብርሃን ኣብ ዘረባናን ተግባራትናን ብምንጽብራቕ: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ውልቀ-ሰባት ናይ ብሓቂ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና። (ፊልጲ 2:15) ‘ኣምላኽ ነቲ ግብርናን ንስሙ ዝገበርናዮ ፍቕርናን ዚርስዕ ገፋዒ ስለ ዘይኰነ:’ ብቕንኣት ክንሰብኽን ክንምህርን ከለና ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና።—እብራውያን 6:10

‘ንኣዒንትኻ ኽትኰሓለሉ ዅሕሊ ዓድግ’

የሱስ ናብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ሎዲቅያ ኣብ እተላእከ መልእኽቲ: “ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ አሎኹ። ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ” በለ። (ራእይ 3:18, 19) እቲ ንመንፈሳዊ ዑረት ብርግጽ ዜሕዊ ፈውሲ: እቲ “ዅሕሊ” ተባሂሉ ዘሎ ትምህርትታትን ተግሳጽን የሱስ እዩ። ብመንፈሳዊ ጥዑይ ኣረኣእያ ኺህልወና እንተ ደሊና: ምኽሩ ኽንቅበልን ነዚ ምኽሩ ዀነ ነቲ ኣብ ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒ ኽንስዕብን ኣሎና። ሓሳብ ክርስቶስ ኪህልወናን ኣብነቱ ኽንስዕብን እውን ኣሎና። (ፊልጲ 2:5፣ 1 ጴጥሮስ 2:21) እቲ ዅሕሊ ብኸምኡ ኣይኰነን ዚርከብ። የሱስ “ካባይ ክትዕድግ” እዩ ዝበለ። እቲ እንኸፍሎ ዋጋ ግዜናን ጻዕርናን የጠቓልል።

ካብ ጸልማት ክፍሊ ወጺእና ናብ ብርሃን ዘለዎ ኽፍሊ ምስ እንኣቱ: ኣዒንትና ነቲ ብርሃን ንኺለምዶ ቝሩብ ግዜ የድልየና ይኸውን። ብተመሳሳሊ: ቃል ኣምላኽ ንኸነጽንዕን ነቲ ብርሃን ሓቂ ንኽንርእን ግዜ የድልየና እዩ። ነቲ እተመሃርናዮ ንኸነስተንትንን እታ ሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ክብርቲ ኸም ዝዀነት ንኽንሓስብን ግዜ የድሊ። እቲ እንኸፍሎ ዋጋ ግን እምብዛ ብዙሕ ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ብርሃን ዜገርም እዩ!

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

“ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ”