ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ትንቢት ኤርምያስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ትንቢት ኤርምያስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ትንቢት ኤርምያስ ዚጐልሕ ነጥብታት

እቲ ኤርምያስ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቡ ዝኣወጆ መዓት: ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ክንደይ ዜሰምብድ ኰን መሲልዎም ኪኸውን ኣለዎ! እታ ንሰለስተ ዘመናት ማእከል ኣምልኾ ዀይና ዘገልገለት ቤተ መቕደስ: ብሓዊ ኽትቃጸል ምዃና ነገረ። ከተማ የሩሳሌምን ምድሪ ይሁዳን ኪባድማ: ተቐማጦአን ድማ ናብ ምርኮ ኺውሰዱ ምዃኖም ተነበየ። እዝን ካልእ ፍርድታትን ኣብታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚርከባ መጻሕፍቲ ብዕቤታ ኻልኣይ ደረጃ ዝሓዘት መጽሓፍ ኤርምያስ ይርከብ። ነቲ ኤርምያስ ብተኣማንነት ን67 ዓመት ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ከሎ ዘጋጠሞ ተመክሮታት እውን ተዘንቱ። እቲ ኣብታ መጽሓፍ ዚርከብ ሓበሬታ ብመስርዕ ፍጻመታት ዘይኰነስ: ብርእሰ ጕዳይ እዩ ተጠርኒፉ ቐሪቡ ዘሎ።

ትንቢት ኤርምያስ እተገድሰና ስለምንታይ እያ፧ እቲ እተፈጸመ ትንቢታታ ኣብቲ የሆዋ ኸም ፈጻሚ መብጽዓታቱ መጠን ዘሎና እምነት የደልድለልና። (ኢሳይያስ 55:10, 11) ኣብዚ ግዜና እውን ምስቲ ኤርምያስ ነብዪ ብምዃን ዝዓየዮ ዕዮን ሰባት ንመልእኽቱ ዝነበሮም ኣረኣእያን ዚመሳሰል ኵነታት ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:11) ኣብ ልዕሊ እዚ: የሆዋ ምስ ህዝቡ ዝነበሮ ርክብ ንባህርያቱ የጕልሖ እዩ: እዚ ድማ ኣባና ዓሚቝ ጽልዋ ኺህልዎ ኣለዎ።—እብራውያን 4:12

“ህዝበይ ክልተ ኽፉእ ገይሩ”

(ኤርምያስ 1:1–20:18)

ኤርምያስ ነብዪ ዀይኑ እተመዘዘ: ኣብ መበል 13 ዓመት ግዝኣት ዮስያስ ንጉስ ይሁዳ: ማለት ካብቲ የሩሳሌም ብ607 ቅ.ክ. ዝጠፍኣትሉ እዋን 40 ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ነይሩ። (ኤርምያስ 1:1, 2) እቲ ኣብቲ ዝተረፈ 18 ዓመት ግዝኣት ዮስያስ እተገብረ ኣዋጃት ንኽፍኣት ይሁዳ ኣቃልዐ: ኣብ ልዕሊኣ ዚወርድ ፍርዲ የሆዋ ድማ ኣወጀ። የሆዋ “ንየሩሳሌም መዀመር እምንን ሰፈር ወኻሩን ክገብራ: ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይነብረለን ዑናታት ክገብረን እየ” በለ። (ኤርምያስ 9:11) ስለምንታይ፧ “ህዝበይ ክልተ ኽፉእ ገይሩ” ኢሉ ይምልሰልና።—ኤርምያስ 2:13

እቲ እዛ መጽሓፍ ሒዛቶ ዘላ መልእኽቲ: እቶም ዚንስሑ ተረፍ ከም ዚምለሱ እውን ዚገልጽ እዩ። (ኤርምያስ 3:14-18፣ 12:14, 15፣ 16:14-21) እቲ መልእኽተኛ ግን ጽቡቕ ኣቀባብላ ኣይኰነን ተገይሩሉ። “እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሕልቅነት እተሸመ” ንኤርምያስ ወቕዖ: ኣብ ጕንዲ ኣሲሩ ድማ ኣሕደሮ።—ኤርምያስ 20:1-3

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:11, 12—የሆዋ ነቲ ምስ “ጨንፈር ኦም ለውዚ” ዚተሓሓዝ ቃሉ ዚተግሃሉ ስለምንታይ እዩ፧ ኦም ለውዚ “ሓደ ኻብቲ ፈለማ ኣብ ጽድያ ዚዕምብቡ ኣእዋም” እዩ። (ቍጽሪ 11: NW እግረ-ጽሑፍ) የሆዋ ንህዝቡ ብዛዕባ ፍርድታቱ ንኼጠንቅቖም ኢሉ ብምሳልያዊ መገዲ ‘ኣንጊሁ ነብያቱ ለኣኸሎም:’ ፍርድታቱ ኽሳዕ ዚፍጸም ድማ ‘ተግሀ።’—ኤርምያስ 1:11, 12

2:10, 11—ነቲ እቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን ዝገበርዎ ግብሪ ዘይልሙድ ዝገበሮ እንታይ እዩ፧ ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ ኪቲም ዝነበሩ ዀነ ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ቄዳር ዝነበሩ ኣረማውያን ኣህዛብ: ኣብ ልዕሊ እቶም ኣማልኽቶም ካልኦት ኪውስኹ ኢሎም ኣማልኽቲ ኻልኦት ኣህዛብ ዜምጽኡ እኳ እንተ ነበሩ: ንኣማልኽቶም ብጓኖት ኣማልኽቲ ምሉእ ብምሉእ ምትካእ ግን ተሰሚዑ ዘይፈልጥ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን ግን ንየሆዋ ሓደግዎ: ክብሪ እቲ ህያው ኣምላኽ ከኣ በቶም ህይወት ዘይብሎም ኣማልኽቲ ቐየርዎ።

3:11-22፣ 11:10-12, 17—ሰማርያ ብ740 ቅ.ክ. ወዲቓ ኽነሳ: ኤርምያስ ኣብቲ እተዛረቦ ኣዋጅ ነታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት ሰሜናዊት መንግስቲ ዝጠቐሳ ስለምንታይ እዩ፧ ብ607 ቅ.ክ. እተፈጸመ ጥፍኣት የሩሳሌም: የሆዋ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል ዘውረዶ ፍርዲ ዜርኢ እዩ ነይሩ። (ህዝቅኤል 9:9, 10) ብዘይካዚ: እታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ምስ ወደቐት: እቶም ነብያት ኣምላኽ ንእስራኤላውያን እውን ኣብቲ መልእኽቶም የጠቓልልዎም ስለ ዝነበሩ: ነታ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመት መንግስቲ ብየሩሳሌም ኣቢልካ ቘላሕታ ይግበረላ ነበረ።

4:3, 4—ትርጕም እዚ ትእዛዝ እዚ እንታይ እዩ፧ ዘይእሙናት ኣይሁድ ንሓመድ ልቦም ኬዳልዉን ኬለስልሱን ኬጽርዩን ነበሮም። ልቦም ‘ኪግዘሩ:’ ማለት ርኹስ ሓሳባቶምን ስምዒታቶምን ድራኸታቶምን ኬወግዱ ነበሮም። (ኤርምያስ 9:25, 26፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:51) እዚ ኸኣ ኣነባብራኦም ኪቕይሩ: ማለት ክፉእ ምግባር ሓዲጎም: በረኸት የሆዋ ዜምጽኣሎም ነገር ኪገብሩ ዚሓትት ነበረ።

4:10፣ 15:18—የሆዋ ነቶም ከዳዓት ህዝቡ ዝጠበሮም ብኸመይ እዩ፧ ብግዜ ኤርምያስ: ‘ሓሶት ዚንበዩ’ ነብያት ነይሮም እዮም። (ኤርምያስ 5:31፣ 20:6፣ 23:16, 17, 25-28, 32) የሆዋ ነቲ ዜታልል መልእኽቲ ኸይእውጁ ኣይከልከሎምን።

16:16—የሆዋ “ብዙሓት ገፈፍቲ ዓሳ” ኸምኡውን “ብዙሓት ሃደንቲ” ኺሰድድ ምዃኑ ዚሕብር መግለጺ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ የሆዋ ነቶም ፍርዱ ዜውርደሎም ዘይእሙናት ኣይሁድ ንኼናድይዎም ኢሉ ነቶም ሓይልታት ጸላእቲ ኸም ዚልእከሎም ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኤርምያስ 16:15 ኣብ ግምት ከነእቱ ኸለና ግን: ንእተነስሑ እስራኤላውያን ምድላይ እውን ኬመልክት ይኽእል እዩ።

20:7—የሆዋ ንኤርምያስ ‘ዝሓየሎን’ ዝጠበሮን ብኸመይ እዩ፧ ኤርምያስ ፍርድታት የሆዋ ኺእውጅ ከሎ ዘይተገዳስነትን ንጽገትን መስጐጕትን ስለ ዘጋጠሞ: ንኪቕጽል ብርታዐ ዘለዎ ዀይኑ ኣይተሰምዖን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዝንባለ ንምውጋድ ሓይሉ ተጠቕመ: ንኤርምያስ ንኪቕጽል ድማ ኣበርትዖ። በዚ ኸምዚ የሆዋ ነቲ ኤርምያስ ባዕሉ ኺገብሮ ዘይክእል ኰይኑ ዚስምዖ ዝነበረ ነገር ከም ዚፍጽም ብምግባር ጠበሮ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:8 የሆዋ ንህዝቡ ኻብ መስጐጕቲ ኼናግፎም ይኽእል እዩ። ነዚ ድማ ምናልባት ፍትሓውያን ደያኑ ብምትንሳእ: ንተጻባእቲ ሰበ-ስልጣን ብርትዓውያን ብምትካእ: ወይ ንኣምለኽቱ ንኺጾርዎ ብርታዐ ብምሃብ ኪገብሮ ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 10:13

2:13, 18 ዘይእሙናት እስራኤላውያን ክልተ ኽፉእ ገይሮም። ነቲ ርግጽ ምንጪ በረኸትን መምርሕን ዕቝባን ዝዀነ የሆዋ ሓዲጎምዎ። ምስ ግብጽን ሶርያን ወተሃደራዊ ኺዳን ኪተኣታተዉ ብምድላዮም ከኣ: ብምሳልያዊ መገዲ ንርእሶም ሓጽብታት ኵዒቶም። ኣብዚ ግዜና ንፍልስፍናታትን ክልሰ-ሓሳባትን ሰባት ኰነ ንፖለቲካ ዓለም ክንስዕብ ኢልና ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እንተ ሓዲግናዮ: ነቲ “ፈልፋሊ ህያው ማይ” በቲ “ነቓዕ ሓጽብታት” ከም ዝተካእናዮ እዩ ዚቝጸር።

6:16 የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ህዝቡ ሓንሳእ ደው ኢሎም ርእሶም ኪምርምሩን ናብ “ጐደና” እቶም እሙናት ኣቦታቶም ኪምለሱን ተማሕጸኖም። ንሕናኸ ብሓቂ በቲ የሆዋ ኽንመላለሶ ዚደልየና ንመላለስ እንተ ኣሊና ንምፍላጥ: ርእስና ኽንምርምርዶ ኣይግባእን፧

7:1-15 ኣይሁድ ኣብቲ መቕደስ ምውካሎም: ማለት እቲ ቤተ መቕደስ ባዕሉ ኺከላኸለሎም ከም ዚኽእል ገይሮም ምርኣዮም ኣየድሓኖምን። ብእምነት እምበር: ብምርኣይ ክንመላለስ የብልናን።—2 ቈረንቶስ 5:7

15:16, 17 ከም ኤርምያስ ምስ ተስፋ ምቝራጽ ክንቃለስ ንኽእል ኢና። ነዚ ቓልሲ ድማ ትርጕም ዘለዎ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምግባር: ስም የሆዋ ኣብ ኣገልግሎት ክብ ብምባል: ከምኡውን ካብ ሕማቕ ዕርክነት ብምርሓቕ ክንገብሮ ንኽእል ኢና።

17:1, 2 ሓጢኣት ህዝቢ ይሁዳ: ንየሆዋ ብመስዋእቶም ባህ ከም ዘይብሎ ገበሮ። ስነ-ምግባራዊ ርኽሰት ከኣ ንመስዋእቲ ምስጋናና ተቐባልነት ዘይብሉ ይገብሮ።

17:5-8 ንሰባትን ንትካላትን ክንኣምኖም እንኽእል: ምስ ፍቓድን ስርዓታትን ኣምላኽ ተሰማሚዖም ክሳዕ እተመላለሱ ጥራይ እዩ። ንድሕነት ኰነ ንናይ ሓቂ ሰላምን ደሓንን ብዚምልከት: ኣብ የሆዋ ጥራይ ኢና ኽንውከል ዘሎና።—መዝሙር 146:3

20:8-11 ዘይተገዳስነት: ምጽራር: ወይ መስጐጕቲ ነቲ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ቕንኣት ንኺንክዮ ኸነፍቅደሉ የብልናን።—ያእቆብ 5:10, 11

“ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ለጠቕ ኣብሉ”

(ኤርምያስ 21:1–51:64)

ኤርምያስ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣርባዕተ ናይ መወዳእታ ነገስታት ይሁዳ: ናይ ሓሶት ነብያት: ክፉኣት ጓሶት: ከምኡውን ብልሽዋት ካህናት መልእኽቲ ፍርዲ ኣወጀ። የሆዋ ነቶም እሙናት ተረፍ ከም ጽቡቕ በለስ ገይሩ ድሕሪ ምጥቃሱ: “ኣዒንተይ ናባታቶም ከብለን እየ” በለ። (ኤርምያስ 24:5, 6) ምዕራፍ 25 ነቲ ጸኒሑ ኣብ ካልእ ምዕራፋት ብዝርዝር እተጠቕሰ ሰለስተ ፍርድታት ጽሙቝ ኣቢላ ትገልጾ።

ካህናትን ነብያትን ንኤርምያስ ኪቐትልዎ ውዲት ኣለሙ። መልእኽቱ ንንጉስ ባቢሎን ኬገልግሉ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ ነበረ። ንንጉስ ጼድቅያስ ከኣ “ክሳውድኹም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ንጉስ ባቢሎን ለጠቕ ኣብሉ” በሎ። (ኤርምያስ 27:12) ይኹን እምበር: “እቲ ንእስራኤል ዝበተኖ ኺእክቦ” እዩ። (ኤርምያስ 31:10) ንደቂ ቤት ሬካብ: ጽቡቕ መብጽዓ ተኣትወሎም። ኤርምያስ “ኣብቲ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ” ተቐመጠ። (ኤርምያስ 37:21) የሩሳሌም ተደምሰሰት: መብዛሕትኦም ተቐማጦኣ ኸኣ ምሩኻት ኰይኖም ተወስዱ። ኤርምያስን ባሩኽ ጸሓፊኡን ካብቶም ኣብታ ዓዲ እተገድፉ ሰባት ነበሩ። ኤርምያስ ነቶም ዝፈርሁ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኸይከዱ እኳ እንተ ኣጠንቀቖም: ንሳቶም ግን ኣይሰምዕዎን። ምዕራፍ 46 ክሳዕ 51 ነቲ ኤርምያስ ብዛዕባ ኣህዛብ እተዛረቦ ቓላት ሒዙ ኣሎ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

22:30—እዚ ኣዋጅ እዚ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝፋን ዳዊት ኪድይብ ዘለዎ መሰል ኣፍሪስዎ ድዩ፧ (ማቴዎስ 1:1, 11) ኣየፍረሶን። እዚ ኣዋጅ እዚ ዝዀነ ይኹን ካብ ዘርኢ ዮኣኪን “ኣብ ዝፋን ዳዊት ዚቕመጥ: ኣብ ይሁዳ” ኸም ዘይህሉ እዩ ዚገልጽ። የሱስ ኣብ ዝፋን ይሁዳ ዘይኰነስ: ኣብ ሰማያት ኰይኑ እዩ ዚገዝእ።

23:33—“ጾር እግዚኣብሄር” እንታይ እዩ፧ ብግዜ ኤርምያስ: እቲ ነብዪ ብዛዕባ ጥፍኣት የሩሳሌም እተዛረቦ ኸቢድ ኣዋጃት ነቶም ደቂ ዓዱ ጾር እዩ ነይሩ። እቶም ዘይሰምዑ ሰባት ከኣ ብግዴኦም ንየሆዋ ጾር ስለ ዝዀኑ: ኪድርብዮም እዩ። ብተመሳሳሊ: እቲ ብዛዕባ ዚመጽእ ጥፍኣት ህዝበ-ክርስትያን ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መልእኽቲ ንህዝበ-ክርስትያን ጾር እዩ: እቶም ዘይሰምዑ ሰባት ከኣ ንኣምላኽ ጾር እዮም።

31:33—ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰባት ዚጸሓፍ ብኸመይ እዩ፧ ሓደ ሰብ ፍቓድ የሆዋ ኺገብር ሓያል ባህጊ ኽሳዕ ዚሓድሮ ንሕጊ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ምስ ዜፍቅሮ: ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ተጻሒፉ ኺበሃል ይከኣል።

32:10-15—ብዛዕባ ሓደ ውዕል ጥራይ ክልተ መጽሓፍ ምድላው ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ እታ እተቐልዐት መጽሓፍ ንምውካስ ተገልግል ነበረት። እታ እተሓትመት ከኣ ነታ እተቐልዐት ልክዕነታ ምርግጋጽ እንተ ኣድልዩ: ከም ተቐማጢት ኰይና ተገልግል ነበረት። ኤርምያስ ምስ ዘመዱን ምስ ኣማኒ ዝዀነ ብጻዩን ኣብ ዝገበሮ ውዕል ርትዓዊ ሕጋዊ መስርሓት ብምስዓቡ: ኣብነት ሓዲጉልና እዩ።

33:23, 24—እቶም ኣብዚ እተዘርበሎም “ክልተ ነገድ” መን እዮም፧ እቲ ሓደ: እቲ ብመስመር ወለዶ ንጉስ ዳዊት ኣቢሉ ዝመጸ ንጉሳዊ ማይ ቤት ኪኸውን ከሎ: እቲ ኻልኣይ ከኣ ዘርኢ ኣሮን ዘጠቓለለ ማይ ቤት እዩ። የሩሳሌምን ቤተ-መቕደስ የሆዋን ምስ ጠፍአ: የሆዋ ነዚ ኽልተ ማይ ቤት ከም ዝነጸጎ ኸምኡውን ኣብ ምድሪ መንግስቲ ኸቶ ኸም ዘይህልዎ ወይ ኣምልኾኡ እንደገና ኸም ዘይቀውም መሰለ።

46:22—ደሃይ ግብጺ ምስ ናይ ተመን እተመሳሰለ ስለምንታይ እዩ፧ እዚ ደሃይ እዚ ነቲ ንምድሕርሓር ዜመልክት ፉፍ ዚብል ድምጺ ወይ ጥፍኣት ስለ ዝመጾም ትሑት ደሃይ ከም ዘለዎም ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ: እዚ ምምስሳል እዚ እቶም ፈርኦናት ግብጺ ኻብታ ኡትቺት እትበሃል ኣምላኽ ተመን ዕቝባ ንኺረኽቡ ኢሎም ንቕዱስ ተመን ዜመልክት ነገር ኣብቲ ንርእሶም ዚጕልበቡሉ ምግባሮም ከንቱ ኸም ዝዀነ የርኢ።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

21:8, 9፣ 38:19 የሆዋ ኣብ መወዳእታ ሰዓት እውን ከይተረፈ: ነቶም ሞት ዚግብኦም ዘይተነስሑ ተቐማጦ የሩሳሌም ኣጋጣሚ ሂብዎም እዩ። እወ: “ምሕረቱ ብዙሕ እዩ።”—2 ሳሙኤል 24:14፣ መዝሙር 119:156

31:34 የሆዋ ንሓጢኣት እቶም ይቕረ ዝበለሎም ሰባት ዘይዝክሮ: ኣብ መጻኢ እውን ኣብ ልዕሊኦም ስጕምቲ ዘይወስድ ምዃኑ ኽሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ!

38:7-13፣ 39:15-18 የሆዋ ነቲ ‘ነቶም ቅዱሳኑ ምግልጋል’ ዜጠቓልል ብተኣማንነት ዝገበርናዮ ኣገልግሎት ኣይርስዖን እዩ።—እብራውያን 6:10

45:4, 5 ከምቲ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ይሁዳ: ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ ስርዓት እዚ እውን ከም ሃብቲ: ዝና: ወይ ስጋዊ ውሕስነት ዝኣመሰለ “ዓብዪ ነገር” እንደልየሉ ግዜ ኣይኰነን።—2 ጢሞቴዎስ 3:1፣ 1 ዮሃንስ 2:17

የሩሳሌም ብሓዊ ነደደት

(ኤርምያስ 52:1-34)

እዋኑ 607 ቅ.ክ. ነበረ። እዛ ዓመት እዚኣ ንጼድቅያስ መበል 11 ዓመት ንግስነቱ ነበረት። ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንየሩሳሌም ንዓመትን መንፈቕን ከቢብዋ ነበረ። ኣብ መበል 19 ዓመት ግዝኣት ነቡካድነጻር: በታ ሓምሸይቲ ወርሒ: ካብታ ወርሒ እውን ብሻውዐይቲ መዓልቲ: ነቡዘራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ናብ የሩሳሌም ‘መጸ’ ወይ በጽሐ። (2 ነገስት 25:8) ምናልባት ነቡዘራዳን ኣብቲ ወጻኢ እታ ኸተማ ዘሎ ሰፈሩ ዀይኑ: ነቲ ዅነታት ገምገሞ: መደባት ከኣ ገበረ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ: ማለት ኣብታ ወርሒ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ: ናብ ውሽጢ የሩሳሌም ‘መጸ’ ወይ ኣተወ። ነታ ኸተማ ኸኣ ብሓዊ ኣንደዳ።—ኤርምያስ 52:12, 13

ኤርምያስ ብዛዕባ ውድቀት የሩሳሌም ዝርዝር ጸብጻብ ጽሒፉ ኣሎ። እዚ መግለጺኡ እምበኣር ንድጕዓ ወይ ንልቕሶ መሰረት ኰነ። እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብታ ድጕዓ ኤርምያስ ተባሂላ እትጽዋዕ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ መጽሓፍ ኣሎ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ኤርምያስ ዘመሓላለፎ ኣዋጃት: ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዝኣወጆ ፍርዲ የጠቓልል ነበረ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንኤርምያስ ‘ዝሓየሎ’ ብኸመይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

“ነቶም . . . ምሩኻት ይሁዳ: ከምቲ ጽቡቕ በለስ ገይረ: ባህ ኢሉኒ ኽጥምቶም እየ።”—ኤርምያስ 24:5