ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ግዲ በለትና’

‘ግዲ በለትና’

‘ግዲ በለትና’

ኣብ ምብራቓውያን ሃገራት: ምቕባል ጋሻ ልሙድ እዩ። ንኣብነት: ሓንቲ ኣብ ህንዲ እትርከብ ስድራቤት ንሓደ ዘይተጸበየቶ ጋሻ ኽትምግብ ክትብል ጾማ ኽትሓድር ትኽእል እያ። ኣብ ኢራን እትነብር ሓንቲ ኣደ እውን: ነቶም ከይተጸበኻዮም ዚመጹ ኣጋይሽ ንምእንጋድ ኢላ ነቲ መዝሓሊኣ ብምግቢ ትመልኦ።

ከምዚ ዝበለ መንፈስ ልግሲ ዘርኣዩ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት እውን ኣለዉ። ካብዞም ሰባት እዚኣቶም ጕልሕ ኢላ እትርአ ኣብነት ኣላ: ንሳ ድማ እታ ልድያ ዝስማ ናይ ኣይሁድ ጵሮሰሊት ክትከውን እትኽእል ሰበይቲ እያ፣ ኣብታ ቐንዲ ኸተማ ኣውራጃ መቄዶንያ ዝነበረት ፊልጲ ድማ እያ እትነብር ነይራ። ሓደ ሰንበት: ሃዋርያ ጳውሎስን መጋይሽቱን ንልድያን ንኻልኦት ኣንስትን ኣብ ጥቓ እቲ ኻብ ፊልጲ ወጻኢ ዚርከብ ርባ ተኣኪበን ከለዋ ረኸብወን። ኣብቲ እዋን እቲ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ: የሆዋ ንልባ ኸፈተላ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ ንሳን ስድራቤታን ተጠመቑ። ብድሕርዚ ነቶም ገየሽቲ: “ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ: ናብ ቤተይ አቲኹም ተቐመጡ” ብምባል ለመነቶም። እቲ ብጻይ ጳውሎስ ዝነበረ ሉቃስ: “ግዲውን በለትና” ብምባል ገለጸ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:11-15

ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ልክዕ ከም ልድያ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም: ንኣብነት ንገየሽቲ ሓለውትን ኣንስቶምን የአንግድዎም እዮም። ናብ ቤቶም ንኺኣትዉ ኸኣ ‘ግዲ ይብልዎም።’ እቶም ጋሻ ዚቕበሉ ሰባት ድማ ዚሃንጽ ዕላልን መንፈሳዊ ጥቕምን ብምርካብ ይባረኹ። መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድኻታት እኳ እንተ ዀኑ: ‘ንምቕባል ጋሻ ይቀዳደሙ’ እዮም። (ሮሜ 12:13፣ እብራውያን 13:2) እቲ ዘለዎም መንፈስ ልግሲ ሓጐስ የምጽኣሎም እዩ። የሱስ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ኪብል እምበኣር ብርግጽ ሓቁ እዩ ነይሩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35