ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ጳውሎስ ሓንቲ መበለት ካብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ደገፍ ንኺወሃባ: “ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት” ክትከውን ከም ዘለዋ ኺገልጽ ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧—1 ጢሞቴዎስ 5:9

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ሓንቲ ሰበይቲ ቕድሚ መበለት ምዃና ዝነበረቶ ዅነታት የመልክት ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ። እዚ ኺበሃል ከሎ ግን እታ ሰበይቲ ሓንሳእ ጥራይ እተመርዓወት ነይራ ኽትከውን ኣለዋ ማለት ድዩ፧ ወይስ ቃላት ጳውሎስ ንኻልእ እዩ ዜመልክት ነይሩ፧ a

ጳውሎስ ብዛዕባ እተን ሓንሳእ ጥራይ እተመርዓዋ መበለታት እዩ ዚዛረብ ነይሩ ዚብሉ ሰባት ኣለዉ። ልክዕ እዩ: ኣብ ሓያሎ ባህልታትን ሕብረተሰባትን: ብፍላይ ከይተመርዓወት እትጸንሕ መበለት ከም ወረጃ እያ እትቝጸር። ይኹን እምበር: እዚ ኣመለኻኽታ እዚ ምስቲ ጳውሎስ ኣብ ካልእ ቦታ እተዛረቦ ቓላት ዚጋጮ እዩ። ንኣብነት: ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ: ሓንቲ መበለት ንጽል ኰይና እንተ ደኣ ቐጺላ ዝያዳ ሕጕስቲ እያ ዚብል ሓሳብ እኳ እንተ ነበሮ: “ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር: ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ” ምዃና ኣነጺርዎ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:39, 40፣ ሮሜ 7:2, 3) ጳውሎስ ኣብቲ ንጢሞቴዎስ ዝጸሓፎ መልእኽቲ “ሓያማት ኪምርዐዋ . . . እደሊ አሎኹ” በለ። (1 ጢሞቴዎስ 5:14) ስለዚ እምበኣር: ሓንቲ መበለት ክትምርዖ ምስ እትመርጽ ኣይትዅነን እያ ነይራ።

እቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ እተዛረቦ ቓላት ደኣ እሞ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ እታ “ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት” እትብል ሓረግ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ጥራይ እያ እትርከብ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ምስቲ ጳውሎስ ኣብ መልእኽትታቱ ኣብ እተፈላለየ ቦታ “ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ” ብምባል ዝጠቐሶ ቓላት ዚመሳሰል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:2, 12፣ ቲቶስ 1:6) ጳውሎስ ነቲ “ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ” ዚብል ሓረግ: ኣብቲ ክርስትያን ሓለውትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት ኪዝርዝር ከሎ ዚሃቦ መምርሒ እዩ ተጠቒሙሉ። ከምኡ ኺብል ከሎ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ: ሓደ ሰብኣይ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንዚወሃብ ሓላፍነት ምእንቲ ኺበቅዕ ንሰበይቱ እሙን ኪኸውን: ብስነ-ምግባር ከኣ ዘይውቀስ ኪኸውን ኣለዎ ማለቱ እዩ። b እቲ ምኽንያት እዚ ኻብ ኰነ እምበኣር: እቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 5:9 ዘሎ ቓላት እውን ተመሳሳሊ ትርጕም እዩ ኺህልዎ ዚኽእል። እዚ ድማ ሓንቲ መበለት ካብታ ጉባኤ ደገፍ ንኺወሃባ: ቅድሚ ሞቱ ንሰብኣያ ተኣማኒት ዝነበረት: ከምኡውን ብዝዀነ ይኹን ስነ-ምግባር ዘይትውቀስ ክትከውን ኣለዋ ማለት እዩ። እቲ ጳውሎስ ቀጺሉ ዝጠቐሶ ብቕዓታት ነታ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት መበለት ዚምልከት እዩ ነይሩ።—1 ጢሞቴዎስ 5:10

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ሓደ ግዜ ንሓንቲ ሰበይቲ ኻብ ሓደ ሰብኣይ ንላዕሊ ንኺህልዋ ዜፍቅድ ስርዓት ወይ ልምዲ: ኣብታ ሽዑ ዝነበረት ናይ ግሪኽን ሮማንን ዓለም ቅቡል ኣይነበረን። ስለዚ: ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ብዛዕባ እዚ ልምዲ እዚ እዩ ጽሒፉሉ ኺበሃል: ወይ ነዚ ተግባር እዚ እተዘወትር ንዝነበረት መበለት እዩ ዚዛረባ ነይሩ ኺበሃል ዘይመስል እዩ።

b ነዚ ዚምልከት ሓሳባት ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17: ከምኡውን ኣብ ናይ 15 መስከረም 1980 ሕታም (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ዚርከብ “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።