ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ዜሐጕስ መስዋእትታት ምቕራብ

ንኣምላኽ ዜሐጕስ መስዋእትታት ምቕራብ

ንኣምላኽ ዜሐጕስ መስዋእትታት ምቕራብ

“እቶም ኣብ መዞኣመሪካ ቕድሚኡ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መጠን መስዋእቲ ሰብ ዚፍጽሙ ዝነበሩ ኣዝቴክ: ህይወት ካብ ሞት እዩ መጺኡ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። . . . እቲ ሃጸያዊ ግዝኣቶም እናዓበየ ምስ ከደ ግን ህልውናኡ ንምድልዳል ብዙሕ ደም የፍስሱ ነበሩ።” እዚ ሓሳባት እዚ ኣብቲ ዘ ማይቲ ኣዝቴክስ እተባህለ መጽሓፍ እተገልጸ ኪኸውን ከሎ: ካልእ መወከሲ መጽሓፍ ከኣ ቍጽሪ እቶም ብኣዝቴክ እተሰውኡ ሰባት ኣብ ዓመት 20,000 ኣቢሎም ይበጽሑ ኸም ዝነበሩ ይገልጽ።

ኣብ ታሪኽ ከም እተራእየ: ደቅሰብ ካብ ፍርህን ምጥርጣርን እተላዕለ ወይ እውን ብጸጸትን ጣዕሳን ተደሪኾም ንኣማልኽቶም እተፈላለየ ዓይነት መስዋእትታት ኬቕርቡ ጸኒሖም እዮም። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ የሆዋ: እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ: ገለ መስዋእትታት ከም ዘቘመ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ስለዚ እምበኣር: ‘እንታይ ዓይነት መስዋእትታት እዩ ንኣምላኽ ዜሐጕሶ፧ ሎሚኸ መስዋእትታት ክፍሊ ኣምልኾ ኪኸውን ይግብኦ ድዩ፧’ ኢልካ ምሕታት ግቡእ እዩ።

ኣብ ኣምልኾ ዚቐርብ መስዋእትታት

እስራኤል ብደረጃ ህዝቢ ምስ ቈመ: የሆዋ ንእስራኤላውያን ብኸመይ ኬምልኽዎ ኸም ዘለዎም ዚገልጽ ንጹር መምርሒታት ሃቦም: እዚ ኸኣ መስዋእትታት ምቕራብ እውን ዚሓትት እዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ ምዕራፍ 28 ከምኡውን 29) ገሊኡ መስዋእትታት ካብ ፍረ ምድሪ እዩ ዚቐርብ ነይሩ፣ ገሊኡ ኸኣ ከም እኒ ዝራብዓት: ኣባጊዕ: ኣጣል: ረገቢት: ባሬቶታት ዝኣመሰሉ እንስሳታት ብምስዋእ እዩ ዚቐርብ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 1:3, 5, 10, 14፣ 23:10-18፣ ዘሁልቍ 15:1-7፣ 28:7) ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሓዊ ኺሓርር ዝነበሮ መስዋእቲ ምሕራር ዚበሃል ዓይነት መስዋእቲ ነይሩ እዩ። (ዘጸኣት 29:38-42) ብዘይካዚ እውን እቶም ነቲ መስዋእቲ ዜቕርቡ ኻብቲ ንኣምላኽ ዜቕርብዎ መስዋእቲ ብምብላዕ ዚካፈሉሉ መስዋእቲ ምስጋና ነይሩ እዩ።—ዘሌዋውያን 19:5-8

ኵሉ እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ንኣምላኽ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት: ንኣምላኽ እተምልኸሉን ከም ልዑላዊ ጐይታ ኣፍልጦ እትህበሉን መገዲ እዩ ነይሩ። እስራኤላውያን በዚ መስዋእትታት እዚ ኣቢሎም ነቲ የሆዋ ዝሃቦም በረኸትን ዝገበረሎም ዕቝባን የማስዉሉ ነበሩ: ሓጢኣቶም ከኣ ይሕደገሎም ነበረ። ነቲ ኣምላኽ ንኣምልኾ ዚደልዮ ብቕዓታት ብተኣማንነት ኪሕልዉ ኸለዉ ድማ ብዙሕ በረኸት ይረኽቡ ነበሩ።—ምሳሌ 3:9, 10

ንየሆዋ እቲ ቐንዲ ዜገድሶ ዝነበረ ነገር: ኣመለኻኽታ እቶም ነቲ መስዋእትታት ዜቕርቡ ዝነበሩ ሰባት እዩ። ብነብዪኡ ሆሴእ ኣቢሉ ኸኣ “ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ: መስዋእቲ ኣይኰነን: ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ” በለ። (ሆሴእ 6:6) ስለዚ ኸኣ እቶም ህዝቢ ኻብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ርሒቖም ርኽሰት ኪፍጽሙን ንጹህ ደም ኬፍስሱን ከለዉ: እቲ ኣብ መሰውኢ ኣምላኽ ዜቕርብዎ ዝነበሩ መስዋእትታት ዋጋ ኣይነበሮን። ስለዚ ድማ እዩ: የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ብነብዪ ኢሳይያስ ኣቢሉ ኸምዚ ዝበሎም:- “ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ፧ . . . ብዚሐርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ አሎኹ: ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ።”—ኢሳይያስ 1:11

“ኣነ ከቶ ዘይአዘዝክዎ”

እቶም ካብ እስራኤላውያን ኣጸቢቖም እተፈልዩ ተቐማጦ ከነኣን ግን ደቆም ንኣማልኽቶም ይስውእዎም ነበሩ። ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ: እቲ ኣምላኽ ዓሞናውያን ዝዀነ ሞሌኽ: ሚልኮም ወይ ሞሎኽ እውን ዚበሃል እዩ። (1 ነገስት 11:5, 7, 33፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:43) ሃሊስ ባይብል ሃንድቡክ ከምዚ ይብል:- “ከነኣናውያን ሃይማኖታዊ ጽንብል ከም ዝዀነ ብምቝጻር ኣብ ቅድሚ ኣማልኽቶም ብዕሉግ ጾታዊ ርክብ ብምፍጻም: ድሕሪኡ ኸኣ ንበዅሪ ውላዶም ቀቲሎም ነዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም መስዋእቲ ብምቕራብ ኣምልኾኦም የካይዱ ነበሩ።”

እዚ ዓይነት ተግባራት እዚ ንየሆዋ የሐጕሶ ድዩ፧ ፈጺሙ ኣየሕጕሶን እዩ። እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ከነኣን ኪኣትዉ ኸለዉ: የሆዋ እቲ ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ኣብ ዘሌዋውያን 20:2, 3 ዚርከብ ትእዛዝ ሃቦም:- “ንደቂ እስራኤል በሎም፤ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል: ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዚነብሩ ጓኖት: ካብ ዘርኡ ንሞሌኽ ዚህብ: ሞት ይሙት: ህዝቢ እታ ሃገር ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። መቕደሰይ ኬርክስን ቅዱስ ስመይ ከኣ ኬሕርስን: ካብ ዘርኡ ንሞሌኽ ሂቡ እዩ እሞ: ኣነ ገጸይ ናብቲ ሰብ እቲ ኽመልስ: ካብ ህዝቡ ድማ ክምንቍሶ እየ።”

እቲ ዜስደምም ግን ገለ ኻብ እስራኤላውያን ካብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ርሒቖም ነቲ ኣጋንንታዊ ልምዲ ብምስዓብ ንደቆም ንናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኺስውኡ ጀመሩ። መዝሙር 106:35-38 ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ትብል:- “ምስ ኣህዛብ ተሓባበሩ: ግብርታቶም ከኣ ተማህሩ እምበር: ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞም: ነህዛብ ኣየጽነትዎምን። ንጣኦታቶም ኣገልገሉ: ንሳቶም ከኣ መፈንጠርያ ዀንዎም። ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ነጋንንቲ ሰውኡሎም። ንጹህ ደም: ደም ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን: ኣፍሰሱ: ንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም: እታ ሃገርውን ብደም ረኸሰት።”

የሆዋ ነዚ ልምዲ እዚ ኸም ዚፍንፍኖ ኺገልጽ ከሎ ብነብዪኡ ኤርምያስ ኣቢሉ ንደቂ ይሁዳ ኸምዚ በሎም:- “ነታ ብስመይ እተሰምየት ቤት ምእንቲ ኼርክስዋ: ጽያፎም ኣብኣ ኣቐመጡ: ኣነ ከቶ ዘይአዘዝክዎን ዘይሐሰብክዎንሲ: ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣብ ሓዊ ምእንቲ ኼንድዱ: በረኽቲ ቶፌት ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ሰርሑ።”—ኤርምያስ 7:30, 31

ህዝቢ እስራኤል ኣብዚ ጽያፍ ዝዀነ ተግባራት ብምጽማዶም ኣብ መወዳእታ ስምረት ኣምላኽ ሰኣኑ። እታ ርእሰ-ኸተማኦም ዝዀነት የሩሳሌም ጠፍአት: እቶም ህዝቢ ኸኣ ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ተወስዱ። (ኤርምያስ 7:32-34) ሰባት ንመስዋእቲ ምቕራብ እምበኣር: ካብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝመጸ ኣይኰነን: ክፍሊ እቲ ንጹህ ኣምልኾ እውን ኣይኰነን። ብዝዀነ ይኹን መገዲ ዚቐርብ መስዋእቲ ሰብ ኣጋንንታዊ እዩ: ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ኸኣ ካብቲ ምስዚ እተተሓሓዘ ዝዀነ ይኹን ልምዲ ይርሕቑ እዮም።

መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ የሱስ

ይኹን እምበር: ገሊኣቶም ‘እቲ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ሕጊ የሆዋ መስዋእቲ እንስሳታት ኪቐርብ ዚእዝዝ ዝነበረ ደኣ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ሕቶ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ከምዚ ብምባል መልሲ ይህበና:- “እቲ ሕጊኸ ደኣ ንምንታይ እዩ፧ ንሱ ብሰሪ ኣበሳ ተወሰኸ: እቲ ተስፋ እተዋህቦ ዘርኢ ኽሳዕ ዚመጽእ: . . . ተሐገገ። . . . ስለዚ ኸኣ . . . ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና [“ሓላዊ:” ትርጕም 1990] ዀነ።” (ገላትያ 3:19-24) እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝነበረ መስዋእቲ እንስሳታት ነቲ የሆዋ ንደቅሰብ ዘዳለዎ ዝዓበየ መስዋእቲ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዜመልክት ነበረ። የሱስ: “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ብምባል ነዚ ፍቕራዊ ተግባር እዚ ጠቒስዎ ኣሎ።—ዮሃንስ 3:16

የሱስ በታ ንኣምላኽን ንደቅሰብን ዝነበረቶ ፍቕሪ ተደሪኹ: ነቲ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ብፍታው ንዘርኢ ኣዳም በጃ ገይሩ ኣቕረቦ። (ሮሜ 5:12, 15) ከምዚ ድማ በለ:- “ወዲ ሰብ ድማ: ኬገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር: ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።” (ማቴዎስ 20:28) ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ሰባት ንደቅሰብ ብኣዳም እተሸጡሉ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ኪብጀዎም ዚኽእል ማንም የለን። (መዝሙር 49:7, 8) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ: የሱስ “ብደም ዲቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ: ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ አተወ” ብምባል ዝገለጸ። (እብራውያን 9:12) ኣምላኽ ነቲ የሱስ ዘቕረቦ መስዋእታዊ ደም ብምቕባል ነቲ “ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ” ደምሰሶ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣብቲ ሕጊ ኺዳን ሰፊሩ ዝነበረ መስዋእትታት ከም ዜቋርጽ ብምግባር “ናይ ዘለኣለም ህይወት” ኣምጽአ።—ቈሎሴ 2:14፣ ሮሜ 6:23

መንፈሳዊ መስዋእትታት

መስዋእቲ እንስሳታት ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኻብ ተረፈ እምበኣር: ከነቕርቦ ዜድለየና ኻልእ መስዋእቲ የልቦን ማለት ድዩ፧ ኣሎ እምበር። የሱስ ክርስቶስ ንኣምላኽ ኬገልግል ከሎ መስዋእታዊ ናብራ ህይወት እዩ ዚነብር ነይሩ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ህይወቱ ኣብ ክንዲ ደቅሰብ ወፈየ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ “ኺስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ: ህይወቱ ቐቢጹ: መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ” ዝበለ። (ማቴዎስ 16:24) እዚ ድማ ሰዓቢ የሱስ ኪኸውን ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ገለ ዓይነት መስዋእትታት ኪገብር ኣለዎ ማለት እዩ። እዚ መስዋእትታት እዚ እንታይ እዩ፧

ሓደ ኻብኡ: ናይ ሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ ንርእሱ ኢሉ ዘይኰነስ: ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ኢሉ እዩ ዚነብር። ንናይ ብሕቱ ድሌትን ባህግን ድሕሪ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ዚሰርዖ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ብኸመይ ከም ዝገለጾ ኣስተብህል:- “ኣሕዋተየ: ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ: ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ: እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።”—ሮሜ 12:1, 2

ኣብ ርእሲ እዚ እውን: እቲ ንውዳሴ እነቕርቦ ዘረባና ንኣምላኽ ዚቐርብ መስዋእቲ ጌርካ ኸም ዚውሰድ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። ነብዪ ሆሴእ: ኣምላኽ ንውዳሴ ኸናፍርና ኸም ሓደ ኻብቲ ብሉጽ መስዋእትታት ገይሩ ኸም ዚቘጽሮ ንምሕባር “ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና” ዚብል ሓረግ ተጠቒሙ ኣሎ። (ሆሴእ 14:2) ሃዋርያ ጳውሎስ ንእብራውያን ክርስትያናት “ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ” ብምባል ተላበዎም። (እብራውያን 13:15) ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንዅሎም ኣህዛብ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ብምግባርን ዕዙዛት ኰይኖም ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ኣብ ምልእቲ ምድሪ ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ መስዋእቲ ውዳሴ የቕርቡ ኣለዉ።—ራእይ 7:15

ምስ ስብከት ሓቢሩ: ንኻልኦት ሰናይ ምግባር እውን ካብቲ ንኣምላኽ ዜሐጕስ መስዋእትታት ተቘጺሩ ኣሎ። ጳውሎስ: “ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ: ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ” ብምባል ተማሕጸነ። (እብራውያን 13:16) ብሓቂ ድማ: መስዋእቲ ውዳሰ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼሐጕሶ: እቶም ዜቕርብዎ ሰናይ ባህርይ ኪህልዎም ኣለዎ። ጳውሎስ “ንብረትኩም [ናብራኹም] ንወንጌል ክርስቶስ ዚበቅዕ ጥራይ ይኹን” ኢሉ መዓደ።—ፊልጲ 1:27-28፣ ኢሳይያስ 52:11

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ: ሎሚ እውን ኵሉ እቲ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ዚቐርብ መስዋእትታት ዓብዪ ሓጐስን ካብ የሆዋ ኸኣ በረኸትን ዜምጽእ እዩ። ሃየ እምበኣር ንኣምላኽ ብሓቂ ዜሐጕሶ መስዋእትታት ንምቕራብ ንጽዓር።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

“ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን: . . . ንጣኦታት ከነኣን ሰውእዎም”

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብስራት ብምስባኽን ብኻልእ መገድታት ብምሕጋዝን ንኣምላኽ ዜሐጕስ መስዋእትታት የቕርቡ