ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንክርስቶስን ነቲ እሙን ባርያኡን እሙን ኩን

ንክርስቶስን ነቲ እሙን ባርያኡን እሙን ኩን

ንክርስቶስን ነቲ እሙን ባርያኡን እሙን ኩን

“ጐይታኡ . . . ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”—ማቴዎስ 24:45-47

1, 2. (ሀ) ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት: መን እዩ መራሒና፧ (ለ) ክርስቶስ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብንጥፈት ከም ዚመርሓ ኻብ ምንታይ ክንርኢ ንኽእል፧

 “መራሒኹም ሓደ እዩ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ: ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ።” (ማቴዎስ 23:10) የሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ ንሰዓብቱ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ዝዀነ ይኹን ሰብ መራሒኦም ከም ዘይኰነ ኣነጸረሎም። እቲ ሓደ መራሒኦም: ኣብ ሰማይ ዚነብር የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። እዚ ሽመት እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ ተዋሂብዎ። የሆዋ “ንክርስቶስ ኻብ ምዉታት ኣተንሲኡ: . . . ኣብ ልዕሊ ዅሉስ ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ: ነታ ማሕበር ወፈዮ። ንሳ ኸኣ ስጋኡ . . . እያ።”—ኤፌሶን 1:20-23

2 ክርስቶስ ንክርስትያናዊት ጉባኤ ብዚምልከት “ኣብ ልዕሊ ዅሉስ ርእሲ” ስለ ዝዀነ: ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ኣብ ልዕሊ ዚግበር ኵሉ ነገራት ስልጣን ኣለዎ። ኣብታ ጉባኤ ዚግበር ዝዀነ ይኹን ነገር ኣየምልጦን እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ክርስትያናት: ወይ ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዘላቶ መንፈሳዊ ዅነታት ብቐረባ ይከታተል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ንሃዋርያ ዮሃንስ እተዋህበ ራእይ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። የሱስ ነተን ሸውዓተ ጉባኤታት ግብረንን ኣወንታዊ ጐድንታተንን ድኽመታተንን ከም ዚፈልጥ ሓሙሽተ ሳዕ ጠቒሱ ኣሎ: ኣብኡ ተመርኲሱ ድማ ምኽርን ምትብባዕን ሃበ። (ራእይ 2:2, 9, 13, 19፣ 3:1, 8, 15) ክርስቶስ ነቲ ኣብ ንእሽቶ እስያ: ፍልስጥኤም: ሶርያ: ባቢሎን: ግሪኽ: ኢጣልያ: ወይ ካልእ ቦታታት ዚርከባ ኻልኦት ጉባኤታት ዝነበራኦ ዅነታት እውን ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ንኽንኣምን እኹል ምኽንያት ኣሎና። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ሎሚኸ፧

እሙን ባርያ

3. ንክርስቶስ ምስ ርእሲ: ነታ ጉባኤ ኸኣ ምስ ስጋ ምምስሳል ግቡእ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 የሱስ ምስ ተንስአን ናብ ሰማይ ቀቅድሚ ምዕራጉን: ንደቀ መዛሙርቱ: “ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን: “እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” በሎም። (ማቴዎስ 28:18-20) ብንጥፈት ዚመርሖም ርእሲ ኸም ምዃኑ መጠን: ኵሉ ሳዕ ምስኦም ኪኸውን ነበሮ። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ኤፌሶንን ቈሎሴን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽትታት: ንክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ሓደ ክርስቶስ ዝርእሱ “ስጋ” ኣመሳሲልዋ ኣሎ። (ኤፌሶን 1:22, 23፣ ቈሎሴ 1:18) ዘ ካምብሪጅ ባይብል ፎር ስኩልስ ኤንድ ኮለጅስ ዘርእስቱ ጽሑፍ: እዚ ውስጠዘኣዊ መግለጺ ዝዀነ ስጋ “ምስቲ ርእሲ ኣገዳሲ ሕብረት ከም ዘለዎ ጥራይ ዘይኰነስ: ፍቓድ እቲ ርእሲ በቲ ኣካላት ኣቢልካ ኸም ዚግበር እውን የመልክት እዩ። እቲ ኣካላት መሳርሒኡ እዩ” ይብል። የሱስ ብ1914 ስልጣን መንግስቲ ኻብ ዚቕበል ኣትሒዙ: ብጕጅለ ኸም መሳርሒኡ ገይሩ እተጠቕመሉ ንመን እዩ፧—ዳንኤል 7:13, 14

4. ከምቲ ኣብ ትንቢት ሚልክያስ ኣቐዲሙ ተገሊጹ ዝነበረ: የሆዋን ክርስቶስ የሱስን ነታ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ ኪምርምሩ ምስ መጹ እንታይ እዮም ረኺቦም፧

4 ትንቢት ሚልክያስ: እቲ ናይ ሓቂ “ጐይታ” በቲ “መልኣኽ ቃል ኪዳን:” ማለት ሓድሽ ዝነገሰ ወዱ ክርስቶስ የሱስ ተሰንዩ: ነቲ ንመንፈሳዊ ቤት ኣምልኾኡ ዜመልክት “መቕደሱ” ኺምርምር ኪመጽእ ምዃኑ ይገልጽ። “እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዚጅምረሉ ጊዜ” ብ1918 ከም ዝጀመረ ፍሉጥ እዩ። a (ሚልክያስ 3:1፣ 1 ጴጥሮስ 4:17) እቶም ንኣምላኽን ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾኡን ኣብ ምድሪ ንውክል ኢና ዚብሉ: ብዚግባእ ተመርሚሮም እዮም። እተን ንሓያሎ ዘመናት ንኣምላኽ ዘየኽብር ሰረተ-እምነታት ዝመሃራን ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እተገብረ ጃምላዊ ቕትለት ኣእዳወን ኣእትየን ዝነበራን ኣብያተ-ክርስትያናት ህዝበ-ክርስትያን ተነጽጋ። እቶም እሙናት ተረፍ ቅቡኣት ክርስትያናት ግን ተፈተኑ: ብሓዊ ተዀልዑ: ንየሆዋ “መስዋእቲ ብጽድቂ ኺስውኡሉ” ኸኣ ተቐባልነት ረኸቡ።—ሚልክያስ 3:3

5. የሱስ ብዛዕባ ህላወኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ትንቢት ተጠቒሱ ዝነበረ “ባርያ” መን ኰይኑ እዩ ተረኺቡ፧

5 ምስ ትንቢት ሚልክያስ ብምስምማዕ እውን: እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ህላወኡን “መወዳእታ ዓለምን” ብዚምልከት ዝሃቦ ብብዙሕ ነገራት ዝቘመ ትእምርትታት: ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ “ባርያ” ዚልለየሉ መገድታት ዜጠቓልል ነበረ። የሱስ ከምዚ በለ:- “እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብጊዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ: ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” (ማቴዎስ 24:3, 45-47) ክርስቶስ ነቲ “ባርያ” ኺምርምሮ ኢሉ ብ1918 “ኪመጽእ ከሎ:” ካብ 1879 ኣትሒዞም በዛ መጽሔትን ብኻልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋትን ኣቢሎም መንፈሳዊ ‘ምግቢ በብጊዜኡ’ ዚህቡ ብመንፈስ እተቐብኡ ተረፍ እቶም እሙናት ደቀ መዛሙርቱ ረኸበ። ብደረጃ ጕጅለ መሳርሒኡ ወይ “ባርያ” ኸም ዝዀኑ ኣፍልጦ ሃቦም: ብ1919 ድማ ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ገንዘቡ ኼስተናብሩ ሓላፍነት ሃቦም።

ንምድራዊ ገንዘብ ክርስቶስ ምስትንባር

6, 7. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ እቲ እሙን “ባርያ” እንታይ ካልእ ቃላት እዩ እተጠቕመ፧ (ለ) የሱስ ነታ “መጋቢ” እትብል ቃል ብምጥቃሙ እንታይ እዩ ኣሚቱ፧

6 የሱስ ነቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድሪ ዚውክሎ “ባርያ” ኸም ዚህሉ ዚገልጽ ሓሳብ ዚርከቦ ትእምርቲ ህላወኡ ቕድሚ ምንባዩ ሒደት ኣዋርሕ ኣቐዲሙ: ነቲ እቲ ባርያ ዘለዎ ሓላፍነታት ንምግላጽ እተፈልየ ቓላት ገይሩ ብዛዕባ እዚ “ባርያ” እዚ ተዛሪቡ ነበረ። የሱስ ከምዚ በለ:- “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ: ቀለቦም በብጊዜኡ ኺህቦም: ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞስ መን እዩ፧ ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ ኸም ዚሸሞ: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።”—ሉቃስ 12:42, 44

7 ኣብዚ እቲ ባርያ: መጋቢ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ፣ እዛ ቓል እዚኣ ኸኣ ካብታ “ኣስተናባሪ ቤት ወይ ንብረት” ዝትርጕማ ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት እያ። እቲ ብእኩባት ሰባት ዝቘመ መጋቢ: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣገዳሲ ነጥብታት ዚገልጹ መስተውዓልቲ ዝሓዘ ጕጅለ ጥራይ ኣይኰነን። “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ:” “በብጊዜኡ” መንፈሳዊ ምግቢ ኣብ ርእሲ ምቕራቡ: ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣገልገልቲ ክርስቶስ ኪሽየም: ከምኡውን ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ረብሓታት ክርስቶስ: ማለት ን“ብዘሎ ጥሪቱ” ኼስተናብር ነበሮ። እዚ እንታይ የጠቓልል፧

8, 9. እቲ ባርያ እንታይ “ገንዘብ” ወይ “ጥሪት” እዩ ኼስተናብር ተመዚዙ፧

8 እቲ ባርያ ዘለዎ ሓላፍነታት ነቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ ክርስትያናዊ ንጥፈታቶም ንምፍጻም ዚጥቀሙሉ ኸም ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ኰነ ቤት ጽሕፈት ጨንፈራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡውን ከም ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከብ ቦታታት ኣምልኾ ዝዀነ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባን ዝኣመሰለ መሳለጥያታት ምቍጽጻር እውን የጠቓልል። ልዕሊ ዅሉ ድማ እቲ ባርያ ኣብ ሰሙናዊ ኣኼባታትን በብግዜኡ ዚቐርብ ዓበይቲ ኣኼባታትን መንፈሳዊ ሃናጺ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪግበር ብሓላፍነት ይከታተል። ኣብዚ ኣኼባታት እዚ ብዛዕባ ፍጻመታት ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ ሓበሬታ ይዝርጋሕ: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ከም እነውዕሎ ድማ እዋናዊ መምርሒ ይወሃብ።

9 እቲ መጋቢ ዘለዎ ሓላፍነት እውን ነቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ስብከት “እዚ ወንጌል መንግስቲ” ዀነ ነቲ ኻብ ‘ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር’ ዕዮ ምቍጽጻር የጠቓልል። እዚ ድማ ነቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ዝኣዘዘና ዅሉ ኺሕልዉ ንሰባት ምምሃር ዜጠቓልል እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20፣ ራእይ 12:17) እቲ ናይ ምስባኽን ናይ ምምሃርን ዕዮ ነቶም እሙናት ብጾት እቶም ተረፍ ቅቡኣት ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ኣፍርዩ እዩ። እዞም “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” እዚኣቶም: ምስቲ በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዚመሓደር ክቡር “ገንዘብ” ወይ “ጥሪት” ክርስቶስ ከም ዚቝጸሩ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ራእይ 7:9፣ ሃጌ 2:7

እቲ ወኪል ዝዀነ ኣመሓዳሪ ኣካል

10. ኣብ ቀዳማይ ዘመን እንታይ ውሳነ ዚገብር ኣካል እዩ ዝነበረ፧ እዚኸ ኣብተን ጉባኤታት እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧

10 እቲ እሙን ባርያ ዘለዎ ኸቢድ ሓላፍነት: ብዙሕ ውሳነ ምግባር ከም ዚሓትት ንጹር እዩ። ኣብታ ቐዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ኣብ የሩሳሌም ሃዋርያትን ሽማግለታትን ወኪል ኰይኖም ብምግልጋል: ንብምልእታ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ውሳነታት ይውስኑ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:1, 2) እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ዚገብሮ ውሳነታት: ብደብዳበታትን ብገየሽቲ ተወከልትን ኣቢሉ ናብ ጉባኤታት ይለኣኽ ነበረ። ቀዳሞት ክርስትያናት ተሓጒሶም ነዚ ንጹር መምርሒ ይስዕቡ ነበሩ: ምስቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብፍታው ብምትሕብባሮም ድማ ሰላምን ሓድነትን ንኺሰፍን ኣበርክቶ ይገብር ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:22-31፣ 16:4, 5፣ ፊልጲ 2:2

11. ሎሚ ክርስቶስ ንጉባኤኡ ንምምራሕ ንመን እዩ ዚጥቀም ዘሎ፧ ነዞም ጕጅለ ቕቡኣት ክርስትያናትከ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮም ዚግባእ፧

11 ከምቲ ቐዳሞት ክርስትያናት ዝገበርዎ: ሕጂ እውን ናይ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዜግልግል: ብመንፈስ ብእተቐብኡ ሓለውቲ ዝቘመ ሓደ ንእሽቶ ጕጅለ እዩ። እቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስ በቲ ንሓይሉ ዜመልክት “የማናይ ኢዱ” ኣቢሉ: ነዞም እሙናት ሰብኡት እዚኣቶም ኣብቲ ነቲ ዕዮ መንግስቲ ንምቍጽጻር ዚገብርዎ ዕዮኦም ይመርሖም። (ራእይ 1:16, 20) እቲ ንነዊሕ ግዜ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዘገልገለ ኣልበርት ሽሮደር ኣብ ታሪኽ ህይወቱ: “ኣመሓዳሪ ኣካል ረቡዕ ረቡዕ ይእከብ: እቲ ኣኼባ ኸኣ የሆዋ ብመንፈሱ ንኺመርሖ ብጸሎት ይኽፈት። ኵሉ እቲ ኣብኡ ዚለዓል ጕዳያት ኰነ ኵሉ እቲ ዚግበር ውሳነታት ምስቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ናይ ሓቂ ጻዕሪ ይግበር” ኢሉ ጸሓፈ። b ኣብዞም እሙናት ቅቡኣት ክርስትያናት እዚኣቶም ናይ ሓቂ ምትእምማን ከነሕድር ንኽእል ኢና። ብፍላይ ንዓታቶም ብዚምልከት: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም . . . ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ” ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ክንሕልዎ ይግባእ።—እብራውያን 13:17

ነቲ እሙን ባርያ ግቡእ ኣኽብሮት ምርኣይ

12, 13. ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ኣኽብሮት ንምርኣይ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ኣሎ፧

12 ነቲ እሙን ባርያ ግቡእ ኣኽብሮት እነርእየሉ መሰረታዊ ምኽንያት: ከምኡ ኽንገብር ከለና: ነቲ ጐይታ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣኽብሮት ስለ እነርኢ እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት “እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔ: ባርያ ክርስቶስ እዩ። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 7:22, 23፣ ኤፌሶን 6:6) ስለዚ: ካብቲ እሙን ባርያን ካብቲ ንሱ ዚጥቀመሉ ኣመሓዳሪ ኣካልን ዚመጽእ መምርሒ ብተኣማንነት ክንግዛእ ከለና: ነቲ ጐይታ እቲ ባርያ ዝዀነ ክርስቶስ ኢና እንግዝኦ ዘለና። ነቲ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ዚርከብ ገንዘቡ ንምስትንባር ዚጥቀመሉ መሳርሒ ግቡእ ኣኽብሮት ምርኣይና: ‘ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢልና የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ እንእመነሉ’ ሓደ መገዲ እዩ።—ፊልጲ 2:11

13 ነቲ እሙን ባርያ ኣኽብሮት እነርእየሉ ኻልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት: ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ቕቡኣት ክርስትያናት ብስእላዊ ኣዘራርባ የሆዋ ብ“መንፈስ” ዚሓድረሉ “ቤተ መቕደስ” ከም ዝዀኑ ጌርካ ስለ ዚዝረበሎም እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ‘ቅዱሳት’ እዮም። (1 ቈረንቶስ 3:16, 17፣ ኤፌሶን 2:19-22) የሱስ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ገንዘቡ: ነዞም ከም ቅዱስ ቤተ መቕደስ ጌርካ እተገልጹ ጕጅለ ሰባት እዩ ሂብዎም። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ኸኣ እተወሰነ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘሎ መሰላትን ሓላፍነታትን ነዞም ነቲ ባርያ ዘቘሙ ጕጅለ ጥራይ እዩ ተመዲቡ። በዚ ምኽንያት እዚ: ኵሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ነቲ ኻብቲ እሙን ባርያን ኣመሓዳሪ ኣካሉን ዚመጽእ መምርሒ ኺስዕቡን ኪድግፉን ቅዱስ ግዴታኦም ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እቶም “ካልኦት ኣባጊዕውን” ንረብሓታት ጐይታ ዚጠቅም ብምዕያይ ዝመጸ ነቲ ባርያ ምሕጋዝ ከም ናይ ሓቂ ኽብሪ ገይሮም እዮም ዚወስድዎ።—ዮሃንስ 10:16

ብተኣማንነት ደገፍ ምሃብ

14. ከምቲ ኢሳይያስ እተነበዮ: እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ከመይ ኢሎም እዮም ደድሕሪ እቲ ቕቡእ ባርያ ዚስዕቡን “ዘይክፈሉ ሸቃሎ” ዀይኖም ዜገልግሉን፧

14 እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቶም ቅቡኣት ኣባላት መንፈሳውያን እስራኤል ብትሕትና ዚግዝኡ ምዃኖም ኣብ ትንቢት ኢሳይያስ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ። እቲ ትንቢት ከምዚ ይብል:- “እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል: ጻዕሪ [“ዘይክፈሉ ሸቃሎ:” NW] ግብጽን ንግድ ኢትዮጵያን እቶም ነዊሕ ዝቝመቶም ሰብ ሳባን ናባኻ ኺሐልፉ ናትካውን ኪዀኑ እዮም። ንሳቶም ደድሕሬኻ ኺስዕቡ: ብመቐውሕ ድማ ኪሐልፉ እዮም እሞ: ብሓቂ ኣምላኽ ኣባኻ እዩ: ብጀካኡስ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የልቦን: እናበሉ: ኣብ ቅድሜኻ ኺሰግዱን ኪልምኑኻን እዮም።” (ኢሳይያስ 45:14) ሎሚ እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ደድሕሪ እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ቕቡእ ባርያን ደድሕሪ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካሉን እዮም ዚስዕቡ: ማለት መሪሕነቶም እዮም ዚስዕቡ። እቶም ካልኦት ኣባጊዕ “ዘይክፈሉ ሸቃሎ” ከም ምዃኖም መጠን: ነቲ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ንዚርከቡ ቕቡኣት ሰዓብቱ ዝመደበሎም ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ጕልበቶምን ጥሪቶምን ብፍታው ይህቡ።—ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ ራእይ 12:17

15. እቲ ኣብ ኢሳይያስ 61:5, 6 ዚርከብ ትንቢት ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኻልኦት ኣባጊዕን መንፈሳውያን እስራኤልን ዘሎ ርክብ እንታይ ይንበ፧

15 እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ኣብ ትሕቲ እቲ ባርያን ኣመሓዳሪ ኣካሉን ኬገልግሉ ብምኽኣሎም ይሕጐሱን የመስግኑን እዮም። እዚኣቶም: እቶም ቅቡኣት ኣባላት: “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ከም ዝዀኑ ይፈልጥዎም እዮም። (ገላትያ 6:16) ብስእላዊ ኣዘራርባ ምስቶም መንፈሳውያን እስራኤል ዚተሓባበሩ “ጓኖት” ከምኡውን “መጻእተኛታት” ከም ምዃኖም መጠን: ኣብ ትሕቲ ኣላይነት እቶም “ካህናት” የሆዋን “ኣገልገልቲ” ኣምላኽን እተባህሉ ቕቡኣት ብምዃን: ተሓጒሶም “ሓረስቶት” ከምኡውን “ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይኒ” ዀይኖም የገልግሉ እዮም። (ኢሳይያስ 61:5, 6) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽን ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ብቕንኣት ይሳተፉ እዮም። ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ: ንሓደስቲ ኣባጊዕ መሰል ሰባት ኣብ ምጕሳይን ኣብ ምክንኻንን ብምሉእ ልቦም ይሕግዝዎ እዮም።

16. እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ንኺድግፍዎ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧

16 እቶም ካልኦት ኣባጊዕ በቲ እቲ እሙን ባርያ መንፈሳዊ ምግቢ በብግዚኡ ንኺህቦም ብትግሃት ዚገብሮ ጻዕርታት ብዙሕ ከም እተጠቕሙ ይፈልጡ እዮም። ብዘይ እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ: ብዛዕባ እቲ ኸም ልዑላውነት የሆዋ: ምቕዳስ ስሙ: መንግስቲ ኣምላኽ: ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን: ነፍሲ: ኵነታት ምዉታት: ናይ ሓቂ መንነት የሆዋን ወዱን መንፈስ ቅዱስን ዝኣመሰለ ኽቡር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቅታት ኪፈልጡ ይኽእሉ ዘይምንባሮም ብትሕትና ይእመኑ እዮም። እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ካብቲ ንልቦም ዝመልኦ ሞሳን ተኣማንነትን ተላዒሎም ነቶም ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት “ኣሕዋት” ክርስቶስ ብፍቕሪ ይድግፍዎም እዮም።—ማቴዎስ 25:40

17. እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል እንታይ ኪገብር እዩ ኣድላዪ ዀይኑ ዝረኸቦ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽከ እንታይ ክንርኢ ኢና፧

17 እቶም ቅቡኣት ቍጽሮም እናነከየ ይኸይድ ስለ ዘሎ: ንገንዘብ ክርስቶስ ንምስትንባር ኣብ ኵለን ጉባኤታት ኪህልዉ ኣይክእሉን እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር: ኣብ ኣውራጃታት: ኣብ ወረዳታት: ከምኡውን ኣብ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓለውቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ሰባት ካብቶም ካልኦት ኣባጊዕ ሸይሙ ኣሎ። ነዞም ንኡሳን ጓሶት ዘሎና ኣረኣእያ ነቲ ንክርስቶስን ንእሙን ባርያኡን ዘሎና ተኣማንነት ዚትንክፎ ድዩ፧ ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ እዚ ኺግለጽ እዩ።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዝርዝር መግለጺ እንተ ደሊኻ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 መጋቢት 2004: ገጽ 13-18: ከምኡውን ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 1992 ገጽ 10adj. ተወከስ።

b ኣብ ናይ 1 መጋቢት 1988 (እንግሊዝኛ) ሕታም እዛ መጽሔት: ኣብ ገጽ 10-17 ዝወጸ።

ድግማ

• መራሒና መን እዩ፧ ኣብ ውሽጢ እተን ጉባኤታት ዘሎ ዅነታት ከም ዚፈልጦ ዚሕብረናኸ እንታይ እዩ፧

• እታ “መቕደስ” ክትምርመር ከላ: እሙን ባርያ ዀይኑ እተረኽበ መን እዩ፧ እቲ ንሱ ኼስተናብሮ እተሸመሉ ገንዘብከ እንታይ እዩ፧

• ነቲ እሙን ባርያ ብተኣማንነት ንኽንድግፎ ዚድርኸና እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ኣሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቲ “መጋቢ” ዚቈጻጸሮ “ጥሪት:” ስጋዊ ሃብትን መንፈሳዊ መደባትን ንጥፈታት ስብከትን የጠቓልል

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ኣባላት እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ብቕንኣት ብምስባኽ ነቲ ብጕጅለ ዝቘመ እሙን ባርያ ይድግፍዎ