ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፈቃራት ጓሶት ብትሕትና ተገዛእ

ንፈቃራት ጓሶት ብትሕትና ተገዛእ

ንፈቃራት ጓሶት ብትሕትና ተገዛእ

“ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን።”—እብራውያን 13:17

1, 2. የሆዋን የሱስን ፈቃራት ጓሶት ከም ዝዀኑ ዚሕብር እንታይ ጥቕስታት ኣሎ፧

 የሆዋ ኣምላኽን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ፈቃራት ጓሶት እዮም። ብዛዕባ እዚ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “እንሆ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ: ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። . . . ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኼውፍር: ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኺእክብ ኣብ ሕቝፉ ኸኣ ኪስከሞም: ነተን ዜጥብዋ ድማ ብህድኣት ኪመርሔን እዩ።”—ኢሳይያስ 40:10, 11

2 እቲ ብዛዕባ ምምላስ ዝነበረ ትንቢት: ብ537 ቅ.ክ. ተረፍ ኣይሁድ ናብ ይሁዳ ምስ ተመልሱ ብቐዳምነት ተፈጸመ። (2 ዜና መዋእል 36:22, 23) እቲ ዝዓበየ ቂሮስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ተረፍ ቅቡኣት ብ1919 ካብታ “ዓባይ ባቢሎን” ምስ ኣውጽኦም: እንደገና ተፈጸመ። (ራእይ 18:2፣ ኢሳይያስ 44:28) ንሱ ነተን ኣባጊዕ ብሓንሳእ ኣኪቡ ብሓልዮት ዚጓስየን እዩ: የሆዋ ንኺገዝእ ዚጥቀመሉ “ቕልጽሙ” ድማ እዩ። የሱስ ባዕሉ እኳ “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን እተን ኣባጊዔይውን ይፈልጣኒ እየን” በለ።—ዮሃንስ 10:14

3. የሆዋ ነቲ ኣባጊዑ ዚተሓዛሉ መገዲ ፍቕራዊ ተገዳስነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

3 እቲ ኣብ ኢሳይያስ 40:10, 11 ዚርከብ ትንቢት: የሆዋ ንህዝቡ ኽሳዕ ክንደይ ብለውሃት ከም ዚጓስዮም ዜጕልሕ እዩ። (መዝሙር 23:1-6) የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ: ንደቀ መዛሙርቱን ንሰባት ብሓፈሻን ሓልዮት ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። (ማቴዎስ 11:28-30፣ ማርቆስ 6:34) የሆዋ ዀነ የሱስ በቶም ነተን መጓሰ ዕሽሽ ዝበልወንን ዝመዝመዝወንን ጨካናት ጓሶት ወይ መራሕቲ እስራኤል ጕህዮም እዮም። (ህዝቅኤል 34:2-10፣ ማቴዎስ 23:3, 4, 15) የሆዋ: “ኣነ ነባጊዔይ: ድሕርዚ ንዘመተ ኸይውፈያ: ከድሕነን ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከኣ ክፈርድ እየ። ኣነ ኸኣ ዚጓስየን ሓደ ጓሳ: ዳዊት ባርያይ: ከተንስኣለን እየ። ንሱ ኺጓስየን: ጓሳኤን ድማ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ተመባጽዐ። (ህዝቅኤል 34:22, 23) ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እዚ: እቲ ዝዓበየ ዳዊት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: የሆዋ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ኰኑ ኽፍሊ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ኣገልገልቱ ዝሸሞ “ሓደ ጓሳ” እዩ።—ዮሃንስ 10:16

ካብ ሰማይ ነታ ጉባኤ እተዋህቡ ውህበት

4, 5. (ሀ) የሆዋ ኣብ ምድሪ ንዚርከቡ ህዝቡ እንታይ ክቡር ውህበት እዩ ዝሃቦም፧ (ለ) የሱስ ንጉባኤኡ እንታይ ውህበት እዩ ዝሃባ፧

4 የሆዋ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ኣገልገልቱ ዚኸውን “ሓደ ጓሳ:” ማለት የሱስ ክርስቶስ ብምትንሳእ: ንክርስትያናዊት ጉባኤ ኽቡር ውህበት ሃባ። ብዛዕባ እዚ ውህበት ሰማያዊ መራሒ እዚ: ኣብ ኢሳይያስ 55:4 “እንሆ: ምስክር ንህዝብታት: መስፍንን ገዛእን ንህዝብታት ኪኸውን ሀብክዎ” ዚብል ትንቢት ተነጊሩ ነበረ። ቅቡኣት ክርስትያናት ኰኑ ኣባላት እቶም “ብዙሓት ሰብ” ካብ ኵሉ ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም ተኣኪቦም። (ራእይ 5:9, 10፣ 7:9) እዚኣቶም ነታ ዓለምለኻዊት ጉባኤ: ማለት ነተን ብመሪሕነት እቲ “ሓደ ጓሳ” ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ዚጓሰያ “ሓደ መጓሰ” የቝሙ።

5 የሱስ እውን ብግዴኡ ነታ ኣብ ምድሪ እትርከብ ጉባኤኡ ኽቡር ውህበት ሂብዋ እዩ። ንየሆዋን ንየሱስን ብምምሳል ነተን መጓሰ ብሓልዮት ዚጓስዩ እሙናት ንኡሳን ጓሶት ሂቡ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ኣብ ኤፌሶን ናብ ዚርከቡ ክርስትያናት ዝለኣኻ መልእኽቱ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ስለዚ ኸኣ፣ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ: ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት ሀበ: ይብል። . . . እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ: ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት: ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን: ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።”—ኤፌሶን 4:8, 11, 12

6. እቶም ክፍሊ ኣካላት ሽማግለታት ኰይኖም ዜገልግሉ ቕቡኣት ሓለውቲ ኣብ ራእይ 1:16, 20 ብኸመይ ተገሊጾም ኣለዉ፧ ብዛዕባ እቶም ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ ዝዀኑ እተሸሙ ሽማግለታትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

6 እቶም “ውህበት” ተባሂሎም ዘለዉ: ነተን ኣባጊዕ ብሓልዮት ንኺጓስዩ: የሆዋን ወዱን ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሎም ዝሸምዎም ሓለውቲ ወይ ሽማግለታት እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28, 29) ኣብ መጀመርታ: ኵሎም እዞም ሓለውቲ እዚኣቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ሰብኡት እዮም ነይሮም። እቶም ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ቕቡኣት ዝነበሩ ኽፍሊ እቶም ኣካላት ሽማግለታት ኰይኖም ዜገልግሉ ዘበሉ: ኣብ ራእይ 1:16, 20 ኣብ የማናይ ኢድ ክርስቶስ ወይ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ ዚርከቡ “ኸዋኽብቲ” ወይ “መላእኽቲ” ጌርካ ተመሲሎም ኣለዉ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እዚ ቝጽሪ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቕቡኣት ሓለውቲ ይንኪ ብምህላዉ: መብዛሕትኦም ኣብተን ጉባኤታት ዜገልግሉ ክርስትያን ሽማግለታት ካብተን ካልኦት ኣባጊዕ እዮም። እዚኣቶም ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ በቶም ተወከልቲ እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ስለ ዚሽየሙ: ኣብ የማናይ ኢድ (ወይ ኣብ ትሕቲ ኣላይነት) እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣለዉ ኺበሃል ይከኣል እዩ። (ኢሳይያስ 61:5, 6) እቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ነቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስ ስለ ዚግዝእዎ: ምሉእ ብምሉእ ክንተሓባበሮም ኣሎና።—ቈሎሴ 1:18

ተኣዛዝነትን ተገዛእነትን

7. ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ሓለውቲ ብዛዕባ ኺህልወና ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ምኽሪ እዩ ዝሃበ፧

7 እቶም ሰማያውያን ጓሶትና ዝዀኑ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ነቶም ንሳቶም ኣብታ ጉባኤ ሓላፍነት ዝሃብዎም ንኡሳን ጓሶት ክንእዘዞምን ክንግዝኦምን እዮም ዚጽበዩና። (1 ጴጥሮስ 5:5) ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም: መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም: ኣስኣሰር እምነቶም ስዐቡ። ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም: ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ: ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር: ብጓሂ እንተ ገበርዎ: እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ።”—እብራውያን 13:7, 17

8. ጳውሎስ እንታይ ‘ክንቋመት’ እዩ ዓዲሙና፧ ብኸመይ ኢናኸ ‘እዙዛት’ ክንከውን ዘሎና፧

8 ጳውሎስ ነቲ ሽማግለታት ብተኣማንነት ዚነብርዎ ናብራ መወዳእታ ዜፍርዮ ፍረ ‘ኽንቋመት’ ወይ ክንዕዘብ ከምኡውን ኣስኣሰር እምነቶም ክንስዕብ ከም ዝዓደመና ኣስተብህል። ብዘይካዚ: ነዞም እተሸሙ ሰባት እዙዛት ክንከውንን ንመሪሕነቶም ክንግዛእን መኺሩና ኣሎ። ሪቻርድ ፍራንስ ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር: ነታ “ተአዘዝዎም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ናይ ግሪኽኛ ቓል: “እታ ንተኣዛዝነት እተመልክት ልምድቲ ቓል ዘይኰነትስ: ቃል ብቓሉ ‘እመንዎም’ እትብል ንመሪሕነቶም ብፍታው ምቕባል ዚብል ትርጕም ዝሓዘት እያ” ኢሉ ገለጻ። ንሽማግለታት እንእዘዞም: ኣብ ቃል ኣምላኽ ክንእዘዞም መምርሒ ስለ እተዋህበና ጥራይ ዘይኰነስ: ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኰነ ንረብሓና ኸም ዚሓስቡ ስለ እንኣምን እዩ። ንመሪሕነቶም ብፍታው እንተ ተቐቢልና ብርግጽ ክንሕጐስ ኢና።

9. እዙዛት ጥራይ ዘይኰነስ: ‘ተገዛእቲ’ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

9 ኣብ ገሊኡ መዳያት እቲ ሽማግለታት ዚህብዎ መምርሒ ብሉጽ ኣሰራርሓ ዀይኑ እንተ ዘይተሰሚዑናኸ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ተገዛእነት ዜድሊ። ኵሉ ነገር ንጹርን እንሰማምዓሉን እንተ ዀይኑ ንኽንእዘዝ ቀሊል እዩ፣ ነቲ ዚወሃበና መምርሒ ብብሕትና ዘይተረድኣና ኽነሱ እሺ እንብል እንተ ዄንና: ብሓቂ ተገዛእቲ ምዃንና ነርኢ። እቲ ጸኒሑ ሃዋርያ ዝዀነ ጴጥሮስ: ከምዚ ዝዓይነቱ ተገዛእነት ኣርእዩ እዩ።—ሉቃስ 5:4, 5

ብፍታው ንኽንተሓባበር ዚድርኸና ኣርባዕተ ምኽንያታት

10, 11. ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኰነ ሎሚ: ሓለውቲ ንክርስትያናት ብጾቶም “ቃል ኣምላኽ ዝነገሩ” ብኸመይ እዮም፧

10 ኣብታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት እብራውያን 13:7, 17: ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያን ሓለውቲ እንእዘዘሉን እንግዝኣሉን ኣርባዕተ ምኽንያታት ሂቡ ኣሎ። እቲ ቐዳማይ “ቃል ኣምላኽ ዝነገሩ[ና]” ስለ ዝዀኑ እዩ። እቶም የሱስ ነታ ጉባኤ ዝሃቦም “ውህበት” ሰብኡት: “እቶም ቅዱሳን ምሉኣት . . . ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ” ምዃኑ ኣይትረስዕ። (ኤፌሶን 4:11, 12) በቶም እሙናት ንኡሳን ጓሶት ኣቢሉ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ዝነበሮም ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ምሉእ ንምግባር ኣዐርይዎም እዩ። ገለ ኻብዞም ንኡሳን ጓሶት እዚኣቶም ከኣ ነተን ጉባኤታት መልእኽትታት ጽሒፎም እዮም። ነቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ንምምራሕን ንምህናጽን: ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ብመንፈስ እተሸሙ ሓለውቲ ተጠቒሙ እዩ።—1 ቈረንቶስ 16:15-18፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:2፣ ቲቶስ 1:5

11 ሎሚ: የሱስ በቲ ብኣመሓዳሪ ኣካልን ብእተሸሙ ሽማግለታትን ዚውከል “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣቢሉ ይመርሓና ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45) ነቲ “ሓለቓ ጓሶት” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ካብ ዘሎና ኣኽብሮት ተላዒልና: ነቲ ጳውሎስ “ነቶም ኣባኻትኩም ዚጽዕሩን ብጐይታውን ዚመርሑኹምን ዚምዕዱኹምን ክትፈልጥዎም: ንልምነኩም አሎና” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ንስዕብ ኢና።—1 ጴጥሮስ 5:4፣ 1 ተሰሎንቄ 5:12፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:17

12. ሓለውቲ “ምእንቲ ነፍሳት[ና] ነቒሖም [ዚ]ሕልዉ” ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧

12 ምስ ክርስትያን ሓለውቲ እንተሓባበረሉ ኻልኣይ ምኽንያት: “ምእንቲ ነፍሳት[ና] ነቒሖም ይሕልዉ” ስለ ዘለዉ እዩ። ንመንፈሳውነትና ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ዝዀነ ይኹን ኣረኣእያ ወይ ጠባይ እንተ ርእዮም: ንኬቕንዑና ኢሎም ቀልጢፎም ዜድሊ ምኽሪ ይህቡና እዮም። (ገላትያ 6:1) እታ “ነቒሖም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል: ቃል ብቓሉ “ኸይደቀሱ” ማለት እያ። ሓደ ምሁር ከም ዝበሎ: “ከይደኸመ ነቒሑ ዚከታተል ጓሳ ትእምት።” ሽማግለታት መንፈሳዊ ንቕሓቶም ይሕልዉ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ መንፈሳውነትና ኺሓስቡ ድቃስ ኪስእኑ ይኽእሉ እዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንለውሃት እቲ “ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ” ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኪመስልዎ ዚጽዕሩ ፈቃራት ንኡሳን ጓሶት ብፍታው ክንተሓባበር ኣይግባእንዶ፧—እብራውያን 13:20

13. ሓለውትን ኵሎም ክርስትያናትን ጸብጻብ ዚህቡ ኣብ ቅድሚ መንን ብኸመይን እዮም፧

13 ምስ ሓለውቲ ብፍታው እንተሓባበረሉ ሳልሳይ ምኽንያት: “ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም” ስለ ዚሕልዉና እዮም። ሓለውቲ ኣብ ትሕቲ እቶም ሰማያውያን ጓሶት ዝዀኑ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስ ዜገልግሉ ንኡሳን ጓሶት ምዃኖም ይዝክሩ እዮም። (ህዝቅኤል 34:22-24) የሆዋ ዋና እተን ‘ብደም ገዛእ ወዱ ዝዓደገን’ (NW) ኣባጊዕ እዩ፣ እቶም እተሸሙ ሓለውቲ ንመጓሰኡ “ዘይንሕፉ” እንተ ዀይኖም: በቲ ኣተሓሕዛኦም ተሓተትቲ ይገብሮም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28, 29) ስለዚ ድማ: ኵላትና ነቲ የሆዋ ዚህበና መምርሒ ብእንህቦ ምላሽ ጸብጻብ ንህብ ኢና። (ሮሜ 14:10-12) ንእተሸሙ ሽማግለታት ዘሎና ተኣዛዝነት ነቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ ክርስቶስ ዘሎና ተገዛእነት መርትዖ ይህብ።—ቈሎሴ 2:19

14. ክርስትያን ሓለውቲ “ብጓሂ” ኸም ዜገልግሉ ዚገብሮም እንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧

14 ጳውሎስ ንክርስትያን ሓለውቲ ብትሕትና ኽንግዝኣሉ ዘሎና ራብዓይ ምኽንያት ኪህብ ከሎ: “ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር: ብጓሂ እንተ ገበርዎ: እዚ ንኣኻትኩም ኣይጠቅምን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 13:17) ክርስትያን ሽማግለታት ምምሃር: ምጕሳይ: መሪሕ ግደ ምህላው: ዕዮ ስብከት: ስድራቤት ምንባይ: ከምኡውን ኣብታ ጉባኤ ዜጋጥም ጸገማት ምፍታሕ ዝኣመሰለ ኸቢድ ሓላፍነታት ስለ ዘለዎም: ከቢድ ጾር እዮም ዚስከሙ። (2 ቈረንቶስ 11:28, 29) ምሳታቶም ምትሕብባር እንተ ኣቢና: ጾር ጥራይ ኢና እንውስኸሎም። እዚ ድማ “ጓሂ” የምጽኣሎም። ዘይንተሓባበር እንተ ዄንና: ንየሆዋ የጕህዮ: ንዓና እውን ኣይጠቕመናን ወይ ይጐድኣና። ግቡእ ኣኽብሮትን ምትሕብባርን ምስ እነርኢ ግን: እቶም ሽማግለታት ሓላፍነቶም ብሓጐስ ይፍጽሙ: እዚ ኸኣ ንሓድነት ኣበርክቶ ይገብር: ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ብሓጐስ ንኽንካፈል የኽእለና።—ሮሜ 15:5, 6

ተገዛእነትና ምርኣይ

15. ተኣዛዝነትናን ተገዛእነትናን ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

15 ምስ እተሸሙ ሓለውቲ ኽንተሓባበረሉ እንኽእል ብዙሕ ግብራዊ መገድታት ኣሎ። ሽማግለታት ምስቲ ኣብቲ ኽሊ ዘሎ ሓድሽ ኵነታት ምትዕርራይ ንምግባር ኢሎም: ኣብ ልማድና ለውጢ ኽንገብር ዚሓትት ኣኼባታት ኣገልግሎት ወፍሪ ኣዳልዮም ድዮም፧ ነቲ ሓድሽ መሰናድዎታት ንምድጋፍ ጻዕሪ ንግበር። ዘይተጸበናዮ በረኸት ክንረክብ ንኽእል ኢና። እቲ ሓላው ኣገልግሎት ነታ እንእከበላ መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ይበጽሓዶ ኣሎ፧ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ንሳተፍ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ክፍሊ ተዋሂቡናዶ፧ ኣብቲ ኣኼባ ንኽንእከብን ክፍልና ንኸነቕርብን ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። እቲ ሓላው መጽናዕቲ መጽሓፍ ጉባኤ ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምጽራይ ግደና ምዃኑ ምልክታ ነጊሩ ድዩ፧ ጥዕናናን ጕልበትናን ከም ዚፈቕደልና: ምሉእ ብምሉእ ንደግፎ። በዝን ብሓያሎ ኻልእ መገድታትን: ነቶም የሆዋን ወዱን ነተን መጓሰ ኺከናኸኑ ዝሸምዎም ሰብኡት ዘሎና ተገዛእነት ከነርኢ ንኽእል።

16. ሓደ ሽማግለ በቲ እተዋህቦ መምርሒ ዘይዓዪ እንተ ዀይኑ: እዚ ንዕልወት ብቑዕ መመኽነይታ ዘይከውን ስለምንታይ እዩ፧

16 ሓድሓደ ግዜ ሓደ ሽማግለ በቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያን በቲ ኣመሓዳሪ ኣካሉን ኣቢሉ እተዋህቦ መምርሒ ገይሩ ኣይዓይን ይኸውን። ከምኡ ምግባር እንተ ቐጺሉ: ኣብ ቅድሚ እቲ ‘ጓሳናን ሓላው ነፍሳትናን’ ዝዀነ የሆዋ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:25) ኰይኑ ግን ገሊኦም ሽማግለታት ዘለዎም ጕድለት ወይ ዚገብርዎ ጌጋታት: ንኽንሕንግድ ብቑዕ መመኽነይታ ኪዀነና ኣይክእልን እዩ። የሆዋ ንዘይምእዛዝን ዕልወትን ኣይባርኾን እዩ።—ዘሁልቍ 12:1, 2, 9-11

የሆዋ ብፍታው ንዚግበር ምትሕብባር ይባርኾ

17. ንሓለውትና ኸመይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዚግባእ፧

17 የሆዋ ኣምላኽ: እቶም ሓለውቲ ገይሩ ዝሸሞም ሰብኡት ዘይፍጹማት ምዃኖም ይፈልጥ እዩ። ኰይኑ ግን: ይጥቀመሎም ኣሎ: ብመንፈሱ ኣቢሉ ኸኣ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቡ ይጓስዮም ኣሎ። “እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ኻብ ኣምላኽ እምበር: ካባና ምእንቲ ኸይከውን” ዚብል ቃላት ኣብ ሽማግለታት ኰነ ኣብ ኵላትና ዚውዕል እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ስለዚ: ነቲ የሆዋ ብእሙናት ሓለውትና ኣቢሉ ዚዓሞ ዘሎ ነገራት ከነማስወሉ ኣሎና: ንዓታቶም ድማ ብፍታው ክንተሓባበሮም ኣሎና።

18. ንሓለውትና ኽንግዝኦም ከለና: እንታይ ኢና እንገብር ዘሎና፧

18 ሓለውቲ ነቲ ኣብ ኤርምያስ 3:15 ዚርከብ “በእምሮን ብምስትውዓልን ከም ልበይ ገይሮም ዚጓስዩኹም ጓሶት ከኣ ክህበኩም እየ” ዚብል: የሆዋ ብዛዕባ እቶም ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ልዕሊ እተን መጓሰ ዚሽየሙ ጓሶት ዝሃቦ መግለጺ ኼማልኡ ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም። ብርግጽ እምበኣር እቶም ኣብ መንጎና ዘለዉ ጓሶት ንኣባጊዕ የሆዋ ብምምሃርን ብምዕቋብን ዝመጸ ጽቡቕ ዕዮ እዮም ዚዓዩ ዘለዉ። ነቲ ጻዕሮም ዘሎና ምስጋና ብፍታው ብምትሕብባርን ብተኣዛዝነትን ብተገዛእነትን ነርኢ። ከምኡ ኽንገብር ከለና: ነቶም ሰማያውያን ጓሶትና ዝዀኑ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ሞሳና ነርኢ።

ድግማ

• የሆዋን የሱስ ክርስቶስን ፈቃራት ጓሶት ምዃኖም ብኸመይ ኣርእዮም፧

• ኣብ ልዕሊ ተኣዛዝነት: ተገዛእነት ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

• ተገዛእነትና በየናይ ግብራዊ መገድታት ኢና ኸነርኢ እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያን ሽማግለታት ንመሪሕነት ክርስቶስ ይግዝኡ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ነቶም ብየሆዋ እተሸሙ ጓሶት ተገዛእነትና እነርእየሉ ብዙሕ መገድታት ኣሎ