ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ክትቀስኑ ትኽእሉ ኢኹም!

ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ክትቀስኑ ትኽእሉ ኢኹም!

ፍሉይ መደረ ንኽትሰምዕ ዝቐረበ ዕድመ

ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ክትቀስኑ ትኽእሉ ኢኹም!

እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ: ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ 230 ዚዀና ሃገራት ኪወሃብ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት: ሰንበት 15 ሚያዝያ 2007 እዩ ኺወሃብ። እንታይ ኢኻ ኽትመሃር፧ ገለ ኻብኡ ኣብዚ ዚስዕብ ተገሊጹ ዘሎ:-

ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብቢልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ቅሳነት ከም ዘይስምዖም ዚገብሮም እንታይ እዩ፧

ውሕስነት ብፍላይ ዝጠፍአ መዓስ እዩ፧

ናይ ሓቂ ቕሳነት ኣበይን ብኸመይን እዩ ኺርከብ ዚከኣል፧

መልሲ እዚ ሕቶታት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ነቲ ኣብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ቦታታት ዚወሃብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኣገዳሲ መደረ ስማዕ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት: ኣብቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ ኺወሃብ። እቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ዚጅምረሉ ሰዓትን ቦታን ተሓጒሶም ኪነግሩኻ ይኽእሉ እዮም። ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዋናውን ዜተባብዕን መደረ ንኽትሰምዕ ልባዊ ዕድመ ነቕርበልካ።