ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ምሕዳር ህይወት የድሕን

ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ምሕዳር ህይወት የድሕን

ኣብ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እምነት ምሕዳር ህይወት የድሕን

የሱስ ካብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዝወጸሉ እዋን: ሓደ ወደ መዝሙር: “መምህር: ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻንማ ርኤ” በሎ። እታ ቤተ መቕደስ ምንጪ ሓበንን ክብርን ኣይሁድ እያ ነይራ። ይኹን እምበር: የሱስ “ነዚ ዓብዪ ህንጻዶ ትርእዮ አሎኻ፧ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ” ብምባል መለሰ።—ማርቆስ 13:1, 2

እዚ ሓሳብ እዚ ኣዝዩ ዜገርም እዩ! ገሊኡ ኣእማን እቲ ቤተ መቕደስ ኣዝዩ ገዚፍ እዩ ነይሩ። ብዘይካዚ: እቲ የሱስ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ እተዛረቦ ነገር ንጥፍኣት የሩሳሌም: ምናልባት እውን ንጥፍኣት ስርዓት ኣይሁድ ዜመልክት እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ: እታ ቤተ መቕደስ ማእከል ኣምልኾ እቲ ስርዓት ነበረት። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: “እስኪ ንገረና: እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ እዚ ዅሉ መኣዝ ከም ዚፍጸምሲ: ትእምርቱ እንታይ እዩ፧” ኢሎም ዝሓተትዎ።—ማርቆስ 13:3, 4

የሱስ “መወዳእታ ገና እዩ” ብምባል ኣጠንቀቐ። ብቐዳምነት: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ በቦታኡ ወረ ውግእን ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ኪሰምዑ እዮም። እቲ ነዚ ስዒቡ ዚመጽእ ሃንደበታዊ ፍጻመታት ድማ ንኣይሁድ ናብቲ ዓብዪ መዓት እዩ ዚመርሖም፣ እወ: ዓብዪ “መከራ” ኺወርዶም እዩ። ኰይኑ ግን: ኣምላኽ ነቶም “ሕሩያት” ወይ ነቶም እሙናት ክርስትያናት ኪብል ኢዱ ኼእቱ እዩ። ብኸመይ፧—ማርቆስ 13:7፣ ማቴዎስ 24:7, 21, 22፣ ሉቃስ 21:10, 11

ኣንጻር ሮሜ እተገብረ ተቓውሞ

እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት መወዳእታ እናተጸበዩ ዕስራን ሸሞንተን ዓመት ሓለፈ። ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ድማ ብውግእን ምንቅጥቃጥ ምድርን ጥሜትን ፌራን ተጠቒዑ ነበረ። (ነቲ ኣብ ገጽ 9 ዚርከብ ሳጹን ርአ።) ኣብ ይሁዳ ኸኣ ሓድሕዳውን ዓሌታውን ግጭት ነበረ። ኣብ ውሽጢ መካበብያ የሩሳሌም ግን ተዛማዲ ሰላም ነበረ። ሰባት ከም ቀደሞም ይበልዑን ይሰርሑን ይምርዓዉን ውሉዳት ይወልዱን ነበሩ። እታ ቤተ መቕደስ ኣዝያ ገዛፍ ብምንባራ: ኣብ ውሽጢ እቶም ነበርቲ: እታ ኸተማ ቐዋሚትን ነባሪትን እያ ዚብል ስምዒት ከም ዚሓድር ገበረ።

ብ61 ድ.ክ. ኣቢሉ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ ሓንቲ መልእኽቲ በጽሓቶም። ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ዘርኣይዎ ምጽማም ነኣዶም: ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ገሊኦም ሰባት ግን ናይ ህጽጹነት መንፈስ ይጐድሎም ብምህላው ኣተሓሳሲብዎ ነበረ። ሓያሎ ሰባት ብመንፈሳዊ መዳይ ይጠፍኡ ነበሩ ወይ ክርስትያናዊ ብስለት ይጐድሎም ነበረ። (እብራውያን 2:1፣ 5:11, 12) ጳውሎስ ከምዚ ብምባል ተማሕጸኖም:- “እምብኣርሲ . . . ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። . . . ማለት: ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ: እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ። ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዚነብር: ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ: ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ።” (እብራውያን 10:35-38) ብሓቂ እዋናዊ ምዕዶ እዩ ነይሩ! እቶም ክርስትያናት ግን እምነት የርእዩን ንፍጻመ ትንቢት የሱስ ብጥንቃቐ ይከታተልዎን ደዀን ይዀኑ፧ መወዳእታ የሩሳሌምከ ብርግጽ ቀሪቡ ድዩ ነይሩ፧

ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ሓሙሽተ ዓመት: ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ዅነታት ብቐጻሊ እናኣንቈልቈለ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ብ66 ድ.ክ. እቲ ብልሹው ዝነበረ ፍሎረስ ዝስሙ ሮማዊ ኣመሓዳሪ 17 ታለንት ዚኸውን “ውዙፍ ቀረጽ” ካብቲ ቕዱስ መዝገብ ቤተ መቕደስ ወሰደ። እዚ ድማ ኣይሁድ ከም ዚንድሩን ናዕቢ ኸም ዜለዓዕሉን ገበሮም። ዓለወኛታት ኣይሁድ ናብ የሩሳሌም ብምውሓዝ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓይልታት ሮሜ ቐተልዎም። ብድሕርዚ: ይሁዳ ብሮሜ ዘይኰነስ: ብርእሳ ኸም እትመሓደር ብድፍረት ኣወጁ። በዚ ኸምዚ ድማ ይሁዳን ሮሜን ኣብ ውግእ ኣተዋ!

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ: እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ሶርያ ዝነበረ ሰስትየስ ጋለስ 30,000 ዝዀኑ ወተሃደራት ሒዙ ነቶም ዓለወኛታት ኣይሁድ ንምምብርካኽ ናብ ሸነኽ ደቡብ መረሸ። እቲ ሰራዊት ድማ ብግዜ በዓል ዳስ ኣብ የሩሳሌም በጽሐ: ነተን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ዓድታት ድማ ብቕልጡፍ ሓዘን። እቶም ብቝጽሪ ሒደት ዝነበሩ ጥሩፋት ኣብ ውሽጢ ዕርዲ እታ ቤተ መቕደስ ተዓቝቡ። ድሕሪ ሓጺር እዋን ግን ወተሃደራት ሮሜ ንመናድቕ እታ ቤተ መቕደስ ኬፍርስዎ ጀመሩ። ብሰንኪ እዚ ድማ እቶም ኣይሁድ ኣዝዮም ፈርሁ። ከመይሲ: ርኹሳት ወተሃደራት ነቲ ብኣይሁድነት ቅዱስ ጌርካ ዚርአ ቦታ የርክስዎ ነበሩ! እቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ክርስትያናት ግን ነተን “ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም . . . ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ” ዚብላ ቓላት የሱስ ዘከርወን። (ማቴዎስ 24:15, 16) ኣብቲ ትንቢታዊ ቓላት የሱስ እምነት የርእዩን ኣብኡ ተመርኲሶም ስጕምቲ ይወስዱን ደዀን ይዀኑ፧ ህይወቶም ነዚ ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል እተመርኰሰ እዩ ነይሩ። ከመይ ገይሮም እዮም ግን ኪሃድሙ ዚኽእሉ፧

ሰስትየስ ጋለስ ብሃንደበትን ብዘይፍለጥ ምኽንያትን ነቶም ወተሃደራቱ ናብቲ ገማግም ገጾም ከም ዝኸዱ ብምግባር ኣንሰሓበ። መከራ እታ ኸተማ ብዜደንቕ መገዲ ኸም ዚሓጽር ተገብረ! እቶም ክርስትያናት ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ትንቢታዊ መጠንቀቕታ እምነት ስለ ዝነበሮም: ካብ የሩሳሌም ሃዲሞም ናብታ ኣብ ስግር ሩባ ዮርዳኖስ ኣብ ኣኽራን ዝነበረት ፔላ እትበሃል ከተማ ሃደሙ። ኣብ እዋኑ እዮም ሃዲሞም። ከመይሲ: እቶም ጥሩፋት ብዙሕ ከይጸንሑ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ፣ ነቶም ኣብኡ ተሪፎም ዝነበሩ ህዝቢ ድማ ኣብቲ ዕልወት ኪሓብርዎም ኣገደድዎም። a እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: እቶም ኣብ ፔላ ብደሓን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ተወሳኺ ምዕባለታት ይጽበዩ ነበሩ።

ምስፍሕፋሕ ፋሉልነት

ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ: ሓድሽ ሰራዊት ሮሜ ናብ የሩሳሌም ገጹ ኺጐዓዝ ጀመረ። ብ67 ድ.ክ. ጀነራል ቨስፓስያንን ወዱ ቲቶስን 60,000 ዚዀኑ ወተሃደራት ኣኽተቱ። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ኽልተ ዓመት: እዚ ሓምሻሺ ሰራዊት እዚ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘጋጠሞ ዝነበረ ዅሉ መሰናኽላት እናጨፋለቐ ናብ የሩሳሌም ገጹ መረሸ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: እቶም ኣብ ውሽጢ የሩሳሌም ዝነበሩ ንሓድሕዶም ዚጻልኡ ጭፍራ ኣይሁድ ኣብ ዜስካሕክሕ ቓልሲ ኣተዉ። እቲ ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዕቑር እኽሊ ኸም ዘይነበረ ዀነ: እቲ ኣብ ከባቢ እታ ቤተ መቕደስ ዝነበረ ዅሉ ዓነወ: ልዕሊ 20,000 ዚዀኑ ኣይሁድ ድማ ተቐትሉ። ቨስፓስያን ነቲ ናብ የሩሳሌም ዚገብሮ ዝነበረ ግስጋሰ: ‘ኣምላኽ ካባይ ንላዕሊ ኸም ሮማዊ ጀነራል ኰይኑ ይዓዪ ኣሎ፣ ጸላእትና ንሓድሕዶም ይዋድኡ እዮም ዘለዉ’ ብምባል ናብ ካልእ ግዜ ኣሰጋገሮ።

እቲ ሮማዊ ሃጸይ ዝነበረ ኔሮ ምስ ሞተ: ቨስፓስያን ነቲ ናይ ይሁዳ ወፈራ ንኺዛዝሞ ንቲቶስ ብምሕዳግ ስልጣን ንምርካብ ናብ ሮሜ ተመልሰ። ቲቶስ ብ70 ድ.ክ. ከባቢ ፋስጋ ናብ የሩሳሌም ገጹ ገስገሰ: ነቶም ነበርትን ነቶም በዓል ኬብዕሉ ዝመጹን ድማ ኣብታ ኸተማ ኸበቦም። እቶም ሰራዊት ነቲ 7 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ በሊሕ ዝጫፉ ቐጽሪ ንምስራሕ ነቲ ኣብ ገጠራት ይሁዳ ዝነበረ ብዙሕ ኣእዋም ኣብረሱ። እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ የሱስ: “ጸላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዚዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ: ኪኸቡኺ: በዝን በትን ከኣ ኬጽብቡልኪ እዮም” ዝበሎ እዩ።—ሉቃስ 19:43

ብዙሕ ከይጸንሐ ጥሜት ነታ ኸተማ ኣጥቅዓ። እተዓጥቁ መናዓብቲ ድማ ናብ ቤት እቶም ዝሞቱን ዝደኸሙን ሰባት እናኣተዉ ኺዘምቱ ጀመሩ። እንተ ወሓደ ሓንቲ ተስፋ ዝቘረጸት ኣደ ንሓደ ውሉዳ ቐቲላ በሊዓቶ እያ: እዚ ኸኣ ፍጻመ እቲ “በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ዜጽብበልካ ጸበባ: ስጋ . . . ኣወዳትካን ኣዋልድካን: ፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ” ዚብል ትንቢት እዩ ነይሩ።—ዘዳግም 28:53-57

ኣብ መወዳእታ: ድሕሪ እቲ ሓሙሽተ ወርሒ ዝወሰደ ኸበባ: የሩሳሌም ወደቐት። እታ ኸተማን እቲ ዚምስጥ ቤተ መቕደሳን ተዘምተን ብሓቂ ነደደን: ድሕሪኡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኽሳዕ ዘይተርፍ ፈረሰ። (ዳንኤል 9:26) ቍጽሪ እቶም ዝሞቱ ሰባት ብጠቕላላ 1,100,000 ነበረ: ካልኦት 97,000 ዝዀኑ ድማ ናብ ባርነት ተሸጡ። b (ዘዳግም 28:68) ይሁዳ ዳርጋ ኣይሁድ ዘይብላ ዀነት። ብርግጽ እምበኣር: እዚ ጥፍኣት እዚ ኣብ ናይ ኣይሁድ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ባህላውን ህይወት ዚወዳደሮ ዘይብሉ ነጥበ-መቐይሮ እዩ ነይሩ። c

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ: እቶም ኣብ ፔላ ዝነበሩ ክርስትያናት ንኣምላኽ ስለቲ ዝረኸብዎ ምድሓን ልባዊ ምስጋና ኣቕረቡሉ። ኣብቲ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮም እምነት ንህይወቶም ኣድሓኖ!

ነዚ ፍጻመታት እዚ ምልስ ኢልና ብምርኣይ: ኣብዚ እዋን እዚ ዘለና ነፍሲ ወከፍና ንርእስና: ‘ካብቲ ዚቐርብ ዘሎ ዓብዪ ጸበባ ኼድሕነኒ ዚኽእል እምነት ኣሎኒ ድዩ፧ ከምቶም “ምድሓን ነፍሶም ኪረኽቡ ዚአምኑ” ድየ፧’ ኢልና ምሕታትና እምበኣር ግቡእ እዩ።—እብራውያን 10:39፣ ራእይ 7:14

[እግረ-ጽሑፋት]

a እቲ ጆሰፈስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ጸሓፍ ታሪኽ ከም ዝጸብጸቦ: እቶም ጥሩፋት ናብ የሩሳሌም ቅድሚ ምምላሶም ነቶም ሮማውያን ንሸውዓተ መዓልቲ ሰዓብዎም።

b ብመሰረት ሓደ ገምጋም: ካብቶም ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበሩ ሸውዓተ ኣይሁድ እቲ ሓደ ተቐቲሉ እዩ።

c ኣይሁዳዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ዝዀነ ኣልፍሬድ ኢንደርሻይም: “[እዚ] ንእስራኤል ዘጋጠማ መከራ ምስቲ ቕድሚኡ ይኹን ድሕሪኡ ዘጋጠማ ዜሕዝን ፍጻመ ኺወዳደር ከሎ: ኣዝዩ ኸቢድ እዩ [ነይሩ]” ብምባል ጸሓፈ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሰሌዳ]

ኣብ ቀዳማይ ዘመን እተፈጸመ ገሊኡ መዳያት እቲ ትእምርቲ

ውግእ:-

ጎል (39-40 ድ.ክ.)

ሰሜን ኣፍሪቃ (41 ድ.ክ.)

ብሪጣንያ (43: 60 ድ.ክ.)

ኣርመንያ (58-62 ድ.ክ.)

ኣብ ይሁዳ ዘጋጠመ ሓድሕዳውን ዓሌታውን ግጭት (50-66 ድ.ክ.)

ምንቅጥቃጥ ምድሪ:-

ሮሜ (54 ድ.ክ.)

ፖምፐይ (62 ድ.ክ.)

ንእሽቶ እስያ (53: 62 ድ.ክ.)

ቅሬጥስ (62 ድ.ክ.)

ጥሜት:-

ሮሜ: ግሪኽ: ግብጺ (ከባቢ 42 ድ.ክ.)

ይሁዳ (ከባቢ 46 ድ.ክ.)

ፌራ:-

ባቢሎንያ (40 ድ.ክ.)

ሮሜ(60:65 ድ.ክ.)

ነብያት ሓሶት:-

ይሁዳ (ከባቢ 56 ድ.ክ.)

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ሮማውያን ብ67-70 ድ.ክ. ኣብ ልዕሊ ምድሪ ፍልስጥኤም ዘውረድዎ መጥቃዕቲ

ጵቶልማዮስ

ባሕሪ ገሊላ

ፔላ

ጴርያ

ሰማርያ

የሩሳሌም

ባሕሪ ጨው

ይሁዳ

ቂሳርያ

[ምንጪ ስእሊ]

Map only: Based on maps copyrighted by Pictorial Archive (Near Eastern History) Est. and Survey of Israel

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ሓይልታት ሮሜ ንየሩሳሌም ብ70 ድ.ክ. ደምሰስዋ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

‘ጸላእትና ንሓድሕዶም ይዋድኡ እዮም ዘለዉ’—ቨስፓስያን

[ምንጪ ስእሊ]

Relief: Soprintendenza Archeologica di Roma; Vespasian: Bildarchiv Preussischer Kulturbesitz/Art Resource, NY