ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ንህይወተይ ቀረጾ

ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ንህይወተይ ቀረጾ

ታሪኽ ህይወት

ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ንህይወተይ ቀረጾ

ሊነት ፒተርስ ዘዘንተወቶ

እቶም ሓይሊ ባሕሪ ኻብታ ሃገር ኬውጽኡና መጹ። ኣብ ልዕሊ እቲ ህንጻ ኸኣ ሓደ ጨማታይ ነበረ። እቶም ሓይሊ ባሕሪ ጠበንጃኦም ኣዐሚሮም ኣብቲ ሳዕሪ በጥ ኢሎም ነበሩ። ኣብታ ሰንበት ንግሆ እቲኣ ኣነን እቶም ምሳይ ዝነበሩ ብጾተይ ሚስዮናውያንን ናብታ እትጽበየና ዝነበረት ሄሊኮፕተር ክንጐዪ ኸለና: ርእስና ኸነህድእ ንጽዕር ነበርና። ብኡንብኡ ድማ ብሄሊኮፕተር ክንበርር ጀመርና። ድሕሪ ዓሰርተ ደቒቕ ኣብታ ኣብ ስግር እቲ ገምገም ባሕሪ መልህቓ ደርብያ ዝነበረት ወተሃደራዊት መርከብ ብሰላም ዓለብና።

ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ መዓልቲ: እቶም ተቓወምቲ ነቲ ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ምሸት መዕቈቢ ኪዀነና እዩ ኢልና ዝሓሰብናዮ ሆቴል ከም ዝደብደብዎ ፈለጥና። እቲ ኣብ ሰራ ልዮን ዝነበረ ናዕቢ ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ብምብጻሕ ምሉእ ብምሉእ ናብ ውግእ ተቐየረ። ኵሎም ወጻእተኛታት: እንተላይ ንሕና ብህጹጽ መጠንቀቕታ ኻብታ ሃገር ንኽንወጽእ ተገደድና። ብኸመይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ከም ዝኣተኹ ንምግላጽ: ካብ ፈለማ እስከ ኽጅምረልኩም።

ኣብታ ኻብ 1966 ኣትሒዛ ጊያና ተባሂላ እትጽዋዕ ብሪጣንያዊት ጊያና እየ ዓብየ። እቲ ብ1950ታት ዝነበረ ግዜ ንእስነተይ ሻቕሎት ዘይብሉን ባህ ዜብልን እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ወለዲ ንትምህርቲ ዓብዪ ግምት እዮም ዚህብዎ ነይሮም: መንእሰያት ድማ ንፉዓት ኪዀኑ እዩ ትጽቢት ዚግበረሎም ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ናይ ባንክ ጸሓፋይ ንኣቦይ “ንትምህርቲ ደቅኻ ኢልካ ኽንድዚ እትኸፍል ዘለኻ ስለምንታይ ኢኻ፧” ኢሉ ኺሓቶ ትዝ ይብለኒ። ኣቦይ ከኣ “ብሉጽ ትምህርቲ ጥራይ እዩ ብርግጽ ኣሳልጦ ኼምጽኣሎም ዚኽእል” ብምባል መለሰሉ። ኣቦይ ኣብቲ ግዜ እቲ: ብሉጽ ትምህርቲ ኺርከብ ዚከኣል ኣብ ክቡር ኣብያተ-ትምህርቲ እዩ ኢሉ ይሓስብ ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ኣረኣእያኡ ተቐዪሩ እዩ።

ጓል 11 ዓመት ከለኹ: ኣደይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ጀመረት። ምስ ሓንቲ ጐረቤትና ዀይነን ድማ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከዳ። ኣብታ ምሸት እቲኣ ዝሰምዓኦ ነገር ንሓቂ ኸም ዝረኸባኣ ኣእመነን። ብድሕርዚ: ኣደይ ንኻልእ ጐረቤትና ነቲ እተማህራኦ ነገር ነገረታ። ድሕሪ ሓጺር እዋን: ሰለስቲአን ምስተን ዳፍኒ ሃሪ (ጸኒሓ ዳፍኒ ባርድ) ኸምኡውን ሮዝ ኩፊ ዚበሃላ ሚስዮናውያን መጽናዕቲ ጀመራ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ድማ ኣደይን እተን ክልተ ፈተውታን ተጠመቓ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ኣቦይ ካብ ቤተ-ክርስትያን ሻውዓይቲ መዓልቲ ኣድቨንቲስት ወጸ: ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ድማ ተጠምቀ።

ካብቶም ዓሰርተ ቘልዑ እተን ዝዓበና ዝነበርና ኣነን ክልተ ኣሓተይን: መንእሰያት ከም ምዃንና መጠን: ኣብቲ ዳፍኒን ሮዝን ዚነብራሉ ዝነበራ መንበሪ ሚስዮናውያን ባህ ዜብል ግዜ ነሕልፍ ነበርና። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚታት ድማ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘጋጠመን ተመክሮ ንሰምዕ ነበርና። እዘን ሚስዮናውያን እዚኣተን ንመንፈሳውነት ካልኦት ሰባት ንምሕላይ ብዘይ ምሕላል እየን ዚዓያ ነይረን: እዚ ኸኣ ሓጐስ ከም ዜንጸባርቓ ገበረን። ሚስዮናዊት ናይ ምዃን ድሌት ዘሕደረለይ ድማ እቲ ኣብነተን እዩ።

በቶም ብዙሕ ዝኣታዊኡ ስራሕ ኪረኽቡ ዚጽዕሩ ኣዝማደይን መማህርተይን ተኸቢበ ኽነሰይ: ኣቓልቦይ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽገብር ዝሓገዘኒ እንታይ እዩ፧ ብርግጽ: ኣዝዩ ፈታኒ ዝዀነ ኣጋጣሚታት ነይሩ እዩ፣ ሕጊ: ሙዚቃ: ሕክምና ወይ ከኣ ዝደለኽዎ ነገር ክመሃር እኽእል ነይረ። ሰናይ ኣብነት ወለደይ ግን ነቲ ዘድልየኒ ዝነበረ መምርሒ ሃበኒ። ወለደይ ንሓቂ ኣብ ህይወቶም ኣብ ግብሪ የውዕልዋ: መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት የጽንዑ: ከምኡውን ካልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ንኺፈልጡ ብተወፋይነት ይሕግዙ ነበሩ። a ኣብ ርእሲ እዚ: ወትሩ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናብ ገዛና ይዕድሙ ነበሩ። እዞም ኣሕዋትን ኣሓትን ዜርእይዎ ሓጐስን ዕግበትን: ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንህይወተይ ንኪቐርጾ ዝነበረኒ ድሌት ኣደልደሎ።

ጓል 15 ዓመት ከለኹ ተጠመቕኩ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርተይ ድሕሪ ምውዳአይ ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ፈላሚት ኰንኩ። ካብቶም ዕቤት ጌሮም ርእሶም ወፍዮም ንኺጥመቑ ዝሓገዝክዎም ሰባት: ፊሎሚና ዝስማ ኣብ ሆስፒታል እትሰርሕ ሰበይቲ ናይ መጀመርታ ነበረት። ንየሆዋ ኸተፍቅሮ ኸላ ብምርኣየይ እተሰምዓኒ ሓጐስ: ነቲ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንክቕጽል ዝነበረኒ ድሌት ኣደልደሎ። ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብ ሓደ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ጸሓፊት ኰይነ ንኽሰርሕ ኣጋጣሚ ረኸብኩ። ፈላሚት ኰይነ ንክቕጽል ስለ ዝደለኹ ግን ነጸግክዎ።

ኣብቲ እዋን እቲ ገና ምስ ስድራይ እነብር ነበርኩ: ሚስዮናውያን ድማ ብቐጻሊ ይበጽሑና ነበሩ። ተመክሮኦም ምስማዕ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ባህ ዜብል! ሚስዮናዊት ምዃን ዳርጋ ዘይከኣል ይመስለኒ እኳ እንተ ነበረ: እዚ ዅሉ ግን ነቲ ሚስዮናዊት ናይ ምዃን ድሌተይ ኣደልደሎ። ሚስዮናውያን ኣብቲ እዋን እቲ ይኹን ሕጂ ናብ ጊያና ይለኣኹ ኣለዉ። ብ1969 ሓደ መዓልቲ: ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዚርከብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልዓድ ንኽካፈል ጻውዒት ቀረበለይ፣ እዚ ድማ ሃንደበት እኳ እንተ ዀነኒ: ኣሐጒሱኒ እዩ።

ዘይተጸበኽዎ ምድብ

ኣብ መበል 48 ክፍሊ ጊልዓድ ካብ 21 ሃገራት ዝመጹ 54 ተመሃሮ ነበሩ። ካብዚኣቶም እተን 17 እንኸውን ንጽል ኣሓት ነበርና። እዚ ኻብ ዚኸውን 37 ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ: ብዛዕባ እተን ሓሙሽተ ወርሒ ግን ኣጸቢቑ እዩ ዝዝከረኒ። ብዙሕ እንመሃሮ ነገራት ነበረ: እዚ ድማ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ሚስዮናውያን ምስ ኰንና ዜጋጥመና ህይወት ዚኸውን ግብራዊ ሓሳብን ምኽርን ነበረ። ንኣብነት: መምርሒ ንኽስዕብ: ንፋሽን ብዚምልከት ሚዛናዊት ክኸውን: ከምኡውን ዘይምሹእ ኵነታት እናሃለወ ኽነሱ ንኽጸንዕ ተመሃርኩ።

ወለደይ ኣዘውቲርካ ኣኼባታት ምክፋል ኣገዳሲ ምዃኑ: ኵሉ ሳዕ ኣትሪሮም እዮም ዚገልጹ ነይሮም። ኣብቲ ሰንበት ዚግበር ኣኼባ ብሰሪ ሕማም ኪካፈል ዘይከኣለ ዝዀነ ይኹን ሰብ: ንጽብሒቱ ምሸት ኣብ ሓጺር ግዜ ሒሽዎ ናብቲ ናይ ፒያኖ ወይ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ኪኸይድ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ከለኹ: ንእተወሰነ እዋን ካብ ኣኼባታት እበኵር ነበርኩ። ሓደ ዓርቢ ምሸት: ነቶም ናብ ኣኼባታት ዚወስዱኒ ዝነበሩ ዶን ኣዳምስን ዶሎረስ ኣዳምስን ዝስሞም ቤትኤላውያን ሰብኣይን ሰበይትን: ካብ ኣኼባ ዝተረፍኩሉ ምኽንያት ከቕርብ ጀመርኩ። ‘እቲ እተዋህበና ዕዮ ገዛ ይኹን እቲ እነቕርቦ ጸብጻብ እኮ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ! ከመይ ገይረ እየ እዚ ዅሉ ተወዚፉ ኸሎ ናብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎትን ኣኼባ ኣገልግሎትን ክኸይድ ዝኽእል፧’ በልኩ። ንእተወሰነ ግዜ ኸረድኡኒ ድሕሪ ምፍታን: ሓው ኣዳምስ “ሕልናኺ ኺመርሓኪ ፍቐድሉ” በለኒ። ነዚ ምኽሪ እዚ ተቐቢለ ድማ ኣብታ ምሸት እቲኣ ይኹን ብድሕሪኡ ኻብ ኣኼባ ተሪፈ ኣይፈልጥን እየ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ኣዝዩ ኸቢድ ኵነታት እንተ ዘየጋጢሙኒ: ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኬዐንቅፈኒ ኣይፈቕደሉን እየ።

ኣብ ማእከል እቲ ትምህርቲ: ብዛዕባ እንምደበሉ ቦታ ብዙሕ ይበሃል ነበረ። ኣነ ድማ ናብቲ ዕዮ ስብከት ኣዝዩ ዜድልየሉ ዝነበረ ጊያና ኽምደብ እየ ዝሓስብ ነይረ። ናብኡ ኸም ዘይምለስ ምስ ፈለጥኩ እተሰምዓኒ ምግራም ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ክንዳኡስ: ናብታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሰራ ልዮን ተመደብኩ። የሆዋ ነቲ ኻብ ገዛይ ርሒቐ ሚስዮናዊት ንክኸውን ዝነበረኒ ድሌት ከም ዚፍጸም ብምግባሩ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ!

ክመሃሮ ዝነበረኒ ብዙሕ ነገራት

ነቲ ብዛዕባ ሰራ ልዮን ዝነበረኒ ናይ መጀመርታ ስምዒት እታ “ውቅብቲ” እትብል ቃል ጽቡቕ ገይራ እያ እትገልጻ: እታ ሃገር ብዙሕ ጎቦታትን ኣኽራናትን ከምኡውን ወሽመጥን ገማግም ባሕርን ዘለዋ እያ። ኰይኑ ግን: መሰረት ጽባቐ እዛ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር: እቲ ንወጻእተኛታት እውን ኣብ ዓዶም ከም ዘለዉ ዀይኑ ኸም ዚስምዖም ዚገብሮም ፍቕርን ሕያውነትን እቶም ህዝቢ እዩ። እዚ ኸኣ እቶም ሚስዮናውያን ንኸይናፍቑ ኣብ ምሕጋዝ ዓብዪ ተራ ኣለዎ። ደቂ ሰራ ልዮን ብዛዕባ ልምድታቶምን ባህሎምን ኪዛረቡ: ብፍላይ ከኣ ንሓደ ጋሻ ነቲ መረዳድኢኦም ዝዀነ ቛንቋ ክሪዮ ንኺለምዶ ምሕጋዝ ባህ እዩ ዚብሎም።

ተዛረብቲ ቛንቋ ክሪዮ: ኣዝዩ ህያው ዝዀነ ምስላታት ኣለዎም። ንኣብነት: ህበይ ይዓዪ: ጋውና ይበልዕ ዚብል ምስላ: እቲ ዚዘርእ ሰብ ኵሉ ሳዕ ከም ዘይዓጽድ ዚገልጽ እዩ። ነቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ ምጕዳል ፍትሒ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ብግቡእ ዚገልጾ!—ኢሳይያስ 65:22

እቲ ናይ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ዜሐጕስ ነበረ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘይብሉ ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት: እቶም ሚስዮናውያንን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ኣገልገልቲ የሆዋን ነቶም ካብ እተፈላለየ ደረጃ ናብራን ዓሌትን ዝመጹ ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ: ሓቂ ንኪቕበሉ ሓጊዞምዎም እዮም።

እታ ናይ መጀመርታ ሚስዮናዊት ብጸይተይ ዝነበረት አርላ ሰይንት ሂል ዘይትሕለል ዓያዪት እያ ነይራ። ነቲ መንበሪ ሚስዮናውያን ንምእላይ እተርእዮ ትግሃት: ዳርጋ ማዕረ እቲ ንኣገልግሎት ዘለዋ ቕንኣት እዩ ነይሩ። ምስ ጐረባብቲ ምልላይ: ነቶም ዝሓመሙ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ግዱሳት ሰባትን ምብጻሕ: ዚከኣል እንተ ዀይኑ ኣብ ናይ ቀብሪ መሰናድዎታት ምሕጋዝ: ከምኡውን ካልእ ሓያሎ ነገራት ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ንኽርዳእ ሓገዘትኒ። ናብ ኣገልግሎት ድሕሪ ምውፋርና ኻብቲ ኽሊ ኽንምለስ ከለና ኣብቲ ኸባቢ ንዚርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓጺር ግዜ እውን እንተ ዀነ ኣላጊስካ ሰላም ምባል ኣገዳሲ ምዃኑ ቐረጸትለይ። ከምዚ ብምግባር ቀልጢፈ ኣዴታትን ኣሕዋትን ኣሓትን ፈተውትን ረኸብኩ: እቲ እተመደብኩሉ ቦታ ድማ ከም ዓደይ ኰነለይ።—ማርቆስ 10:29, 30

ምስተን ምሳይ ዜገልግላ ዝነበራ ሚስዮናውያን እውን ድልዱል ምሕዝነት መስረትኩ። ካብ መንጎአን እታ መዳቕስተይ ዝነበረት ካብ 1978 ክሳዕ 1981 ኣብ ሰራ ልዮን ዘገልገለት ኣድና በርድ ከምኡውን እታ ን24 ዓመት መዳቕስተይ ዝነበረት ሸሪል ፈርጉሰን ይርከባአን።

ውግእ ሓድሕድ ፈተና ኣምጽአ

ከምቲ ኣብ መእተዊ እተገልጸ ብ1997: እቲ ኣብ ሰራ ልዮን ዚርከብ ሓድሽ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ካብ ዚውፈ ድሕሪ ሓደ ወርሒ: ካብታ ሃገር ንኽንወጽእ ተገደድና። ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት: ካብቲ ኣብ ላይበርያ ዝነበረ ውግእ ናብ ሰራ ልዮን ዘምለጡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዘርኣይዎ እምነት ተተንኪፍና ነበርና። ገሊኦም ጥራሕ ኢዶም እዮም መጺኦም። እዚ ዅሉ ኣጸጋሚ ዅነታት እናሃለዎም ክነሱ: መዓልታዊ ኣብ ኣገልግሎት ይካፈሉ ነበሩ። ነቲ ንየሆዋን ንህዝቡን ዘለዎም ፍቕሪ ኽትርኢ ኸለኻ ውሽጥኻ እዩ ዚትንክፈካ።

ብድሕርዚ ንባዕልና ኣብ ጊኒ ስደተኛታት ስለ ዝነበርና: ነቲ እቶም ላይበርያውያን ኣሕዋትና ዝገደፉልና ኣብነት ብምስዓብ ኣብ የሆዋ ምውካል ቀጸልና፣ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኣቐደምና። ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ሰራ ልዮን ተመለስና፣ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ወርሒ ግን ከም ብሓድሽ ውግእ ስለ እተባርዐ: እንደገና ናብ ጊኒ ተመለስና።

ድሕሪ ሓጺር እዋን: ኣባላት እቲ ተጻባእቲ ጃንዳታት ነቲ ኣብ ኪሲ ዚርከብ መንበሪ ሚስዮናውያን ከም እተቘጻጸርዎ: ገሊኡ ንብረትና ድማ ከም እተዘምተ ወይ ከም ዝዓነወ ሰማዕና። በዚ ኣብ ክንዲ እንበሳጮ ግን ብህይወት ብምህላውና ኣመስገንና። ዋላኳ ሒደት ንብረት ሒዝና እንተ ወጻእና: ነቲ ዅነታት ግን ተዋጺእናሉ ኢና።

ንኻልኣይ ሳዕ ካብ ሰራ ልዮን ምስ ወጻእና: ኣነን እታ መዳቕስተይ ዝነበረት ሸሪልን ኣብ ጊኒ ተረፍና። እዚ ኸኣ ፈረንሳይኛ ኽመሃር ነይሩኒ ማለት እዩ። ገለ ኻብቶም ብጾተይ ዝነበሩ ሚስዮናውያን ነቲ እተማህርዎ ፈረንሳይኛ ብቕልጡፍ ይጥቀሙሉ ነበሩ: ብዛዕባ እቲ ዚገብርዎ ጌጋ ድማ ዕጅብ ኣይብሎምን ነበረ። ኣነ ግን ቅኑዕ ብዘይኰነ መገዲ ምዝራብ ኣይፈቱን እየ ነይረ: ስለዚ ኸኣ ኣዝዩ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እየ ዝዛረብ ነይረ። እዚ ኣዝዩ ዜጨንቕ ነበረ። ናብ ጊኒ ዝመጻእኩሉ ቐንዲ ዕላማ ኻልኦት ሰባት ብዛዕባ የሆዋ ኺፈልጡ ንምሕጋዝ ምዃኑ መዓልታዊ ንርእሰይ ከዘኻኽራ ነበረኒ።

ቀስ ብቐስ ብመጽናዕቲ: ነቲ ቛንቋ ጽቡቕ ጌሮም ንዝዛረቡ ሰባት ብምስማዕ: ከምኡውን ነቶም ብግልጺ ዚዛረቡ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሩ ቘልዑ ዚህቡኒ ሓገዝ ብምቕባል ዕቤት ገበርኩ። ብድሕርዚ: ዘይተጸበናዮ ግን ከኣ እዋናዊ ዝዀነ መሰናድዎ ኻብ ውድብ የሆዋ መጸ። ካብ መስከረም 2001 ጀሚሩ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ነቶም እተፈላለየ ሃይማኖታዊ እምነት ዘለዎም ሰባት መጻሕፍትን ብሮሹራትን ጥራይ ዘይኰነስ: መጽሔታት ክትዕድል ከለኻ እንታይ ከም እትብል ዚገልጽ ሓሳባት ሒዛ ኽትወጽእ ጀመረት። ብድሕርዚ: ከምቲ ብቛንቋ ኣደይ ክዛረብ ከለኹ ዝገብሮ ብትኽክል እኳ እንተ ዘይተዛረብኩ: ብዝያዳ ግን ምትእምማን ኪስምዓኒ ጀመረ።

ኣብታ ብዙሓት ኣባላት ዝነበርዋ ስድራቤት ስለ ዝዓበኹ: ምስ ብዙሓት ሰባት ንምንባር ምትዕርራይ ክገብር ሓጊዙኒ እዩ። ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ መንበሪ ሚስዮናውያን 17 ነበርና። ሚስዮናዊት ኰይነ ኣብ ዘሕለፍክዎ 37 ዓመታት: ልዕሊ 100 ምስ ዚዀኑ ሚስዮናውያን ተቐሚጠ እየ። ምስዞም እተፈላለየ ባህርያት ዘለዎም: ግን ከኣ ንሓደ ዕላማ ዚዓዩ ብዙሓት ሰባት ክፋለጥ ብምኽኣለይ ፍሉይ ኣጋጣሚ እየ ረኺበ! መዓይይቲ ኣምላኽ ምዃንን ሰባት ንሓቂ ንኪቕበልዋ ኣብ ምግባር እጃምካ ምብርካትን ክሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!—1 ቈረንቶስ 3:9

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ኣብቲ ኸም መርዓ እተን ንኣሽቱ ኣሕዋተይ ዝኣመሰለ ኣብ ህይወት ኣባላት ስድራቤተይ እተፈጸመ ቐንዲ ፍጻመታት ኣይተኻፈልኩን። ነቶም ደቂ ኣሓተይን ኣሕዋተይን ድማ ከም ዝደለኽዎ ብዙሕ ሳዕ ኣይረኣኽዎምን። እዚ ኸኣ ንዓይን ነቶም ኣብ ዕዮ ሚስዮናውነት ንክቕጽል ብዘይ ስስዐ ዘተባብዑኒ ስድራቤተይን ዓብዪ መስዋእቲ እዩ ነይሩ።

ይኹን እምበር: ኣብ ዓደይ ክረኽቦ ዘይከኣልኩ ነገራት: ኣብ ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ረኺበዮ እየ። ንጽል ክኸውን እኳ እንተ መረጽኩ: ብዙሓት መንፈሳውያን ውሉዳትን ኣለዉኒ፣ እዚኣቶም ድማ እቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመራሕኩሎም ጥራይ ዘይኰኑስ: እቶም ፈተውተይ ዝዀኑ እውን ዜጠቓልሉ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ ውሉዳቶም ኪዓብዩ: ኪምርዓዉ: ከምኡውን ናታቶም ውሉዳት ብመገዲ ሓቂ ኼዕብዩ ኸለዉ ርእየ እየ። ገሊኦም ድማ ከምዚ ኸማይ እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ንህይወቶም ንኪቐርጾ ፈቒዶምሉ እዮም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣደይ ንልዕሊ 25 ዓመት ፈላሚት ኰይና ኣገልገለት: ኣቦይ ከኣ ጡረታ ምስ ወጸ ሓጋዚ ፈላሚ ዀነ።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ናብ ሰራ ልዮን: ምዕራብ ኣፍሪቃ ተመደብኩ

ጊኒ

ሰራ ልዮን

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

እተን ብ1950ታት ምስ ሚስዮናውያን ባህ ዜብል ግዜ ዜሕልፋ ዝነበራ ክልተ ኣሓተይ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ምስቶም ኣብ መበል 48 ክፍሊ ጊልዓድ ዝነበሩ መማህርተይ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሰራ ልዮን ዚርከብ መሳለጥያታት ጨንፈር እተወፈየሉ እዋን