ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግብራዊ መልስታት!

ግብራዊ መልስታት!

ግብራዊ መልስታት!

ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ርእስኻ ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዚዳሎ መጻሕፍቲ ዚርከብ ምኽሪ: ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ጸገም ዘለዎም ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ዘተኰረ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ካብዚ ፍልይ ዝበለ እዩ። እቲ ምኽሩ ነቶም ዚጭነቑ ሰባት ይሕግዞም እኳ እንተ ዀነ: ልዕሊ እዚ እዩ ግን ዚገብር። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ምኽሪ: ሓደ ሰብ ኣቐዲሙ ኻብቲ ንህይወት ኣጸጋሚ ኺገብሮ ዚኽእል ጌጋታት ንኺርሕቕ ይሕግዞ።

መጽሓፍ ቅዱስ “ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ: ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን” ኪህቦ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 1:4) ነቲ ዚብሎ ነገራት ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልካዮ: “ካብ ክፉእ መገዲ: . . . ከተናግፈካስ: ምኽሪ ኽትሕልወካ: ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።” (ምሳሌ 2:11, 12) ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ: ጥዕናኻ ኸም እትከናኸን: ናብራ ስድራቤትካ ኸም እተመሓይሽ: ከምኡውን ዝሓሸ ሰራሕተኛ ወይ ኣስራሒ ኸም እትኸውን ዚገብረካ ብኸመይ ምዃኑ ዜርኢ ገለ ኣብነታት እስከ ብዝርዝር ርአ።

ኣልኮላዊ መስተ ኣይተብዝሕ

መጽሓፍ ቅዱስ ብመጠኑ ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ኣይኵንንን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ምኽሪ ኺህቦ ኸሎ: ነቲ ወይኒ ዘለዎ መድሃኒታዊ ጥቕምታት ብምጥቃስ “ስለ ኸብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ: ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር: ማይ ጥራይ ኣይትስተ” በሎ። (1 ጢሞቴዎስ 5:23) ካልእ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ: ኣምላኽ ንወይኒ ንመድሃኒት ኢሉ ጥራይ ኣይኰነን ኣዳልይዎ። ‘ንልቢ ሰብ እውን ከም ዜሐጕሶ’ ተገሊጹ ኣሎ። (መዝሙር 104:15) ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ “ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት” ከይንኸውን የጠንቅቐና እዩ። (ቲቶስ 2:3) “ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ: ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ: ኣብ ማእከል ሰተይቲ ወይኒ: ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን” ይብል። (ምሳሌ 23:20, 21) ነዚ ኸምዚ ዝበለ ሚዛናዊ ምኽሪ ምጥሓስ እንታይ ኬስዕብ ይኽእል፧ ካብ ሒደት ሃገራት እተረኽበ ኣብነታት እስከ ርአ።

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ዘውጸኦ ግሎባል ስታተስ ሪፖርት ኦን ኣልኮል 2004 ዚበሃል ጸብጻብ ከም ዝሓበሮ: “ምስ ኣልኮላዊ መስተ እተተሓሓዘ ጸገማት ንህዝቢ ኣየርላንድ ኣብ ዓመት 2.4 ቢልዮን ዩሮ [3 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ] ዚግመት ጕድኣት የውርደሉ።” ኣብዚ ሰፍ ዘይብል ፊናንሳዊ ጾር እዚ “ጥዕና ንምክንኻን ተባሂሉ ዚወጽእ ወጻኢ (279 ሚልዮን ዩሮ): ኣብ ጐደና ዘጋጠመ ሓደጋ ዜስዓቦ ኽሳራ (315 ሚልዮን ዩሮ): ምስ ኣልኮላዊ መስተ ዚተሓሓዝ ገበን (100 ሚልዮን ዩሮ): ሰባት ኣልኮላዊ መስተ ሰትዮም ካብ ስራሕ ብምትራፎም ዝሰዓበ ናይ ፍርያምነት ክሳራ (1,034 ሚልዮን ዩሮ)” ኸም ዚጠቓለል ተገሊጹ ኣሎ።

ካብቲ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ዜስዕቦ ፊናንሳዊ ኽሳራ ንላዕሊ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዜውርዶ ስቓይ ይኸፍእ። ንኣብነት: ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ውሽጢ 12 ወርሒ ጥራይ ፍርቂ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት በቶም ዝሰኸሩ ሰባት ኣካላዊ ህስያ ወረዶም። ኣብ ፈረንሳ እውን እንተ ዀነ: ገለ 30 ሚእታዊት ዚኸውን ኣብታ ዓዲ ዜጋጥም ዓመጽ ብሰንኪ ብዝሒ ኣልኮላዊ መስተ እዩ። ብመሰረት እዚ ኣብነታት እዚ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዚህቦ ምኽሪ ርትዓዊ ደይኰነን፧

ካብቲ ንኣካላትካ ኼበላሹ ዚኽእል ልማድ ርሓቕ

ካብ 1942 ኣትሒዙ: ሽጋራ ምትካኽ ናይ ስልጡናት ኣብ ዚቝጸረሉ ዝነበረ እዋን: እዛ መጽሔት እዚኣ ነቶም ዜንብብዋ ሰባት: ትምባኾ ምጥቃም ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚጋጮን ካብዚ ኺርሕቁን ክትሕግዞም ጸኒሓ እያ። ኣብታ ዓመት እቲኣ እተሓትመት ሓንቲ ዓንቀጽ: እቶም ንኣምላኽ ባህ ኬብልዎ ዚደልዩ ሰባት ‘ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእሶም ኬንጽሁ’ ኸም ዘለዎም ብርትዓዊ መገዲ ገለጸት። (2 ቈረንቶስ 7:1) ከምዚ ኻብ ዚበሃል 65 ዓመት እኳ እንተ ሓለፈ: እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ግብራዊ ደይኰነን፧

ብ2006 ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንትምባኾ “ኻልኣይ ደረጃ ሒዙ ዘሎ ጠንቂ ሞት” ብምባል ገለጾ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓሙሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ትምባኾ ይሞቱ። እቶም ብሰሪ ኤች.ኣይ.ቪ/አይድስ ዚሞቱ ሰባት ምስዚ ኺነጻጸሩ ኸለዉ ግን ሰለስተ ሚልዮን ጥራይ እዮም። ኣብ መበል 20 ዘመን ብገምጋም 100 ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ብሰንኪ ሽጋራ ምትካኽ ሞቱ: እዚ ቍጽሪ እዚ ምስቲ ኣብቲ ዘመን ኣብ እተገብረ ውግኣት ዝሞቱ ሰባት ዳርጋ ማዕረ እዩ። ብርግጽ እምበኣር ትምባኾ ዘይምጥቃም ጥበባዊ ምዃኑ ብሰፊሑ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ።

‘ካብ ምንዝርና ህደም’

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዚብሎ ነገራት ዚቕበልዎ ሰባት ሒደት እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዚኣምኑሉ: ኵሉ ጾታዊ ድሌት ሓጢኣት እዩ ዚብል ሕሉፍ ዝዀነ ኣረኣእያ ኣይኰነን ዘለዎ። ኣብ ክንዳኡስ: ግቡእ መዓላ ጾታዊ ርክብ ዚሕብር ዜተኣማምን ምኽሪ ሒዙ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ: ጾታዊ ርክብ ኣብ መንጎ እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን እተሓጽረ ኸም ዝዀነ እዩ ዚምህር። (ዘፍጥረት 2:24፣ ማቴዎስ 19:4-6፣ እብራውያን 13:4) ከምዚ ዝበለ ጾታዊ ርክብ እቶም ሰብ ሓዳር ፍቕርን ለውሃትን ዚለዋወጡሉ መገዲ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:1-5) ካብ ከምዚ ዝበለ መውስቦ ዚውለዱ ቘልዑ ድማ ንሓድሕዶም ዚተሓላለዩ ወለዲ ስለ ዘለውዎም: ጥቕሚ ይረኽቡ እዮም።—ቈሎሴ 3:18-21

መጽሓፍ ቅዱስ ንፍኑው ጾታዊ ርክብ ብዚምልከት “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ብምባል ይእዝዝ። (1 ቈረንቶስ 6:18) ከምዚ ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ እታ ጥቕሲ ቐጺላ “ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ: ዚምንዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር” ትብል። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ዚህቦ ምኽሪ ዕሽሽ ምባል እንታይ ሳዕቤን ኣለዎ፧

ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እንታይ የጋጥም ከም ዘሎ እስከ ርአ። ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኣብ ዓመት ብውሑዱ 850,000 ዝዀና ጐራዙ ኣብ ዘይዕድሚአን ይጠንሳ: እዚ ኣሃዝ እዚ ድማ ካብተን ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት እቲ ዝለዓለ እዩ። መብዛሕትኦም ካብ ምንጻል ዜምልጡ ሕጻናት: ካብተን ዘይተመርዓዋ ኣዴታት እዮም ዚውለዱ። እዘን ኣዴታት ንውሉዳተን ብፍቕርን ብተግሳጽን ኬዕብያ ኸም ዚጽዕራ ዜጠራጥር ኣይኰነን: ገሊአን እውን ተዓዊተን እየን። እቲ ዜሕዝን ግን መብዛሕትኦም ኣወዳተን መወዳእታኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዚኸውን: መብዛሕትአን ኣዋልደን ድማ ገና ንኣሽቱ ኸለዋ ኣዴታት ይዀና። ሮበርት ለርማን ዝስሙ ተመራማሪ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብዛዕባ ዝነበረ ስታቲስቲክስ መጽናዕቲ ምስ ገበረ: ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ስድራቤታት ብንጽል ወለዲ ይካየዳ ምህላወን: ንኸም እኒ ኻብ ቤት ትምህርቲ ምውጻእ: ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ምጥቃም: ብንእስነት ምጥናስን ውሉዳት ምውላድን: ከምኡውን መንእሰያት ዚገብርዎ ምጥሓስ ሕጊ ዘጠቓለለ ዝዓበየ ማሕበራዊ ጸገም ኣበርክቶ ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።”

እቶም ብጾታዊ ርክብ ፍኑዋት ዝዀኑ ሰባት ኣዝዩ ኸቢድ ኣካላውን ስምዒታውን ሓደጋ ጥዕና የጋጥሞም እዩ። ንኣብነት: እታ ፐዲያትሪክስ እትበሃል መጽሔት: “እቶም ብተደጋጋሚ ጾታዊ ርክብ ዚፍጽሙ በጽሕታት ንጭንቀትን ርእሰ-ቕትለትን እተቓልዑ ኸም ዝዀኑ መረዳእታታት ይሕብሩ” ብምባል ጸብጸበት። ነቲ ኻልእ ኣብ ጥዕና ዜምጽኦ ሓደጋ ብዚምልከት እውን ማሕበር ሕብረተሰባዊ ጥዕና ኣመሪካ “ካብቶም [ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ] ዚነብሩ ሰባት ልዕሊ ፍርቂ ዝዀኑ ኣብ ህይወቶም ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማት ይሕዞም” በለ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንጾታዊ ርክብ ብዚምልከት ዚህቦ ግብራዊ ምኽሪ እንተ ዚስዕቡ ነይሮም: ኬወግድዎ ዚኽእሉ ጓህን መከራን እሞ ሕስብ ኣብሎ!

ድልዱል ማእሰር ስድራቤት ህነጽ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣዕናዊ ዝዀነ ልማድ ጥራይ ኣይኰነን መጠንቀቕታ ዚህብ። ነቲ ንናብራ ስድራቤትካ ብኸመይ ከተመሓይሾ ኸም እትኽእል ዚገልጽ ግብራዊ ምኽሪ እስከ ኣስተብህለሉ።

ቃል ኣምላኽ “ሰብኡትውን ከምኡ: ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግብኦም እዩ” ይብል። (ኤፌሶን 5:28) ሰብኡት ንኣንስቶም ኣፍኲሶም ዘይኰነስ: ‘ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት እናኣኽበርወን ብኣእምሮ’ እዮም ኪነብሩ ዘለዎም። (1 ጴጥሮስ 3:7) ነቲ ኺለዓል ዚኽእል ዘይምስምማዕ ብዚምልከት እውን ንሰብኡት: “ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን” ዚብል ምኽሪ ተዋሂብዎም ኣሎ። (ቈሎሴ 3:19) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ዜውዕሎ ሰብኣይ ካብ ሰበይቱ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከም ዚረክብሲ ኣይትሰማማዕንዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣንስቲ እውን ከምዚ ዚብል መምርሒ ይህበን:- “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ: . . . ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ: ኣትን ኣንስቲ: ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም . . . እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሀዮ [“ተኽብሮ:” ትርጕም 1990]።” (ኤፌሶን 5:22, 23, 33) ሓንቲ ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽትዛረቦ ኸላ ይኹን ብዛዕባኡ ኽትዛረብ ከላ ነዚ ምኽሪ እዚ ትስዕብ እንተ ዀይና: ብእኡ ዝያዳ ኸም እትፍቀር ዚገብራዶ ኸይኰነ፧

ንውሉድ ምስልጣን ብዚምልከት መጽሓፍ ቅዱስ: ሓደ ወላዲ ‘ኣብ ቤቱ ኾፍ ምስ በለን ኣብ መገዲ ኪኸይድ ከሎን ኣብ በጥ ምባሉን ኣብ ምትንሳኡን’ ምስ ደቁ ብዚግባእ ሓሳብ ንሓሳብ ኪለዋወጥ እዩ ዚመኽሮ። (ዘዳግም 6:7) ብፍላይ ኣቦታት ንውሉዳቶም ስነ-ምግባራዊ መምርሕን ፍቕራዊ ተግሳጽን ኪህቡ ተኣዚዞም ኣለዉ። ቃል ኣምላኽ “ኣቱም ኣቦታትውን: ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር: ኣይተዀርይዎም” ይብል። (ኤፌሶን 6:4) ውሉዳት እውን “ንወለድኹም . . . ተአዘዝዎም” ከምኡውን “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ተባሂሎም ኣለዉ። aኤፌሶን 6:1, 2

ስድራቤታት ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ጥቕሚ ዚረኽባዶ ይመስለካ፧ ‘እወ: እዚ ግን ብኽልሰ-ሓሳብ እንተ ዘይኰይኑስ: ግብራዊ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ናብቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽትከይድ ንዕድመካ። ኣብኡ ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጻዕሪ ምስ ዚገብሩ ዘለዉ ስድራቤታት ክትራኸብ ኢኻ። ምስኦም ተዘራረብ። ነቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክብ ከኣ ተዓዘቦ። ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምንባር ንስድራቤታት ብሓቂ ሕጉሳት ከም ዚገብረን ብዓይንኻ ኽትርኢ ኢኻ።

ህርኩት ሰራሕተኛን ፍትሓዊ ኣስራሕን ኩን

መጽሓፍ ቅዱስ ስራሕና ሒዝና ንምቕጻል ብዛዕባ እንገብሮ መዓልታዊ ቓልሲ ዚብሎ ነገር ኣለዎዶ፧ ንስርሑ ጽቡቕ ገይሩ ዚፈልጦ ሰራሕተኛ: ናእዳን ዓስብን ከም ዚረክብ ይገልጽ እዩ። እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን “ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዚቐውም” በለ። (ምሳሌ 22:29) እቲ “ሃካይ” ግን ከምቲ ‘ትኪ ንዓይኒ’ ዚበልዖ: ንኣስራሒኡ ኸምኡ እዩ። (ምሳሌ 10:26) መጽሓፍ ቅዱስ ንሰራሕተኛታት ቅኑዓትን ህርኩታትን ኪዀኑ እዩ ዜተባብዖም። “እቲ ዝሰረቐ: . . . ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዐር እምበር: ደጊምሲ ኣይስረቕ።” (ኤፌሶን 4:28) እዚ ምኽሪ እዚ ኣስራሒ ኣብ ዘይከታተለሉ እዋን እውን ዜጠቓልል እዩ። “ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ: ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ: ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራህኩም ተአዘዝዎም።” (ቈሎሴ 3:22) ኣስራሒ እንተ ዄንካ: ነቲ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ዜውዕሎ ሰራሕተኛ ኣኽቢርካ ደይኰንካን እትርእዮ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንኣስራሕቲ: “ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ” ብምባል የዘኻኽሮም። (1 ጢሞቴዎስ 5:18) እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ: ኣስራሕቲ ነቶም ዓየይቲ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ፍትሓዊ ኽፍሊት ኪህብዎም ይእዝዝ ነበረ። ሙሴ “ንብጻይካ ኣይትጽቀጦን ኣይትዘርፎን: ወይ ውዕለት ወዓላይ ክሳዕ ብጊሓት ምሳኻ ኣይሕደር” ኢሉ ጸሓፈ። (ዘሌዋውያን 19:13) ንሓደ መምርሒ መጽሓፍ ቅዱስ ዚእዘዝ ከምኡውን ኣብ ግቡእ ግዜኡ ፍትሓዊ ኽፍሊት ንዚህበካ ኣስራሒ ምዕያይ ባህ ዜብል ደይኰነን፧

ብሉጽ ምንጪ ጥበብ

ከም መጽሓፍ ቅዱስ ዝበለ ጥንታዊ መጽሓፍ: ነዚ ግዜና ዚኸውን ግብራዊ ምኽሪ ዝሓዘ ምዃኑ ኣየገርመካንዶ፧ መብዛሕትኡ መጻሕፍቲ ኣገዳስነት ዘይብሉ እናዀነ ኽነሱ: መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ሕጂ ዝቐጸለሉ ምኽንያት: ቃል ሰብ ዘይኰነስ “ቃል ኣምላኽ” ዝሓዘ ስለ ዝዀነ እዩ።—1 ተሰሎንቄ 2:13

ስለዚ: ምስ ቃል ኣምላኽ ብዝያዳ ንኽትፋለጥ ግዜ ኽትወስድ ነተባብዓካ። ከምዚ እንተ ጌርካ: ነቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ከተፍቅሮ ኽትጅምር ኢኻ። ነቲ ዚህቦ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ: ካብ ሓደጋ ኬዕቍበካን ህይወትካ ንኸተመሓይሽ ኪሕግዘካን እዩ። ከምዚ ብምግባርካ ‘ንኣምላኽ ክትቀርቦ: ንሱ እውን ኪቐርበካ እዩ።’ (ያእቆብ 4:8) ከምዚ ንኽትገብር ዚሕግዘካ ኻልእ ዋላ ሓደ መጽሓፍ የለን።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ እቲ ንስድራቤትካ ኺሕግዝ ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ዝርዝር ሓሳባት እንተ ደሊኻ: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣልኮላዊ መስተ ብዚምልከት ዘለዎ ኣረኣእያ ግብራዊ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

ምስቲ ኻብ ትምባኾ ንኽንርሕቕ ዚነግረና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ትሰማማዕዶ፧

[ምንጪ ስእሊ]

Globe: Based on NASA photo

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ንምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ምስዓብ ንናብራ ስድራቤት የመሓይሾ