ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሎሚ ዘላ ጨካን ዓለም

ሎሚ ዘላ ጨካን ዓለም

ሎሚ ዘላ ጨካን ዓለም

ማሪያ ጓል 64 ዓመት ከላ በይና እያ እትነብር ነይራ። ተቐጥቂጣን ብናይ ኤለክትሪክ ገመድ ተሓኒቓን ኣብ ገዝኣ ሞይታ ተረኽበት።

እተቘጥዑ ጭፍራ ንሰለስተ ፖሊስ: ክልተ ቘልዑ ጨዊኹም ኢሎም ቀጥቀጥዎም። ነቶም ክልተ ፖሊስ በንዚን ነስኒሶም ብሓዊ ኣቃጺሎም ቀተልዎም። እቲ ሳልሳይ ግን ኣምለጠ።

ሓደ ስሙ ዘይተፈልጠ ውልቀ-ሰብ ስልኪ ብምድዋሉ ዜሰንብድ ነገር ተረኽበ። ኣርባዕተ ኣብ መገሻ ዝነበሩ ሰባት ሬሳኦም ኣብ ኣታኽልቲ ተቐቢሩ ተረኽበ። ኣዒንቶም ተሸፊኑ: ኣእዳዎም ከኣ ተኣሲሩ ነበረ። ሬሳኦም ምስ ተመርመረ: ብህይወቶም ከም እተቐብሩ ተፈልጠ።

ኵሉ እዚ እተጠቕሰ ግፍዒ: ካብ ሓደ ዜርዕድ ጭከናን ዓመጻን ዚረኣየሉ ፊልም እተረኽበ ትርኢት ኣይኰነን። ብምሉኡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሓንቲ ሃገር ላቲን ኣመሪካ ኣርእሰተ-ዜና ዀይኑ ዝቐረበ ናይ ሓቂ ታሪኽ እዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ኣብታ ሃገር እቲኣ ጥራይ እተሓጽረ ኸም ዘይኰነ ፍሉጥ እዩ።

ሎሚ ጨካን ተግባራት መዓልታዊ እዩ ዚፍጸም ዘሎ። ድብደባ ቦምብ: መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራውያን: ቅትለት: ህጅማ: ተዅሲ: ከምኡውን ንደቂ ኣንስትዮ ምዕማጽ ከም ኣብነት ጥራይ ዚጥቀስ እዩ። መራኸቢ ብዙሓን ብዛዕባ እተፈጸመ ግፍዒ ዚገልጽ ጸብጸባት ብተደጋጋሚ የውጽእ እዩ: ሓያሎ ሰባት ከኣ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭከና ኺርእዩ ወይ ኪሰምዑ ኸለዉ ኣይስምብዱን እዮም።

‘ዓለም እንታይ እያ እትኸውን ዘላ፧ ንስምዒት ካልኦት ምግዳስን ንህይወት ኣኽብሮት ምርኣይን ካንዶ ኣኺልዎ ጠፊኡ እዩ፧’ ኢልካ ትግረም ትኸውን። ኣብ ከምዚኣ ዝኣመሰለት ዓለም እንነብር ዘለና ስለምንታይ ኢና፧

ሕጂ ድማ ሃሪ እተባህለ መንሽሮ ዘለዎ ወዲ 69 ዓመት ንርአ። ሰበይቱ ማልቲፕል ሰክሎሮሲስ ዚበሃል ከፊላዊ መልመስቲ ዜምጽእ ሕማም ኣለዋ: እንተዀነ ግን ጐረባብቱን ፈተውቱን ፈትዮም ይሕግዝዎም ነበሩ። ሃሪ “እዞም ኵሎም ሰባት እንተ ዘይሕግዙና ነይሮምሲ እንታይ ክንገብር ከም እንኽእል ኣይፈልጥን እየ” በለ። ብመጽናዕቲ ኸም እተሓበረ ኣብታ ሃሪ ዚነብረላ ካናዳ: ካብቶም ንኣረጋውያን ዚኣልዩ ሰባት ልዕሊ 50 ሚእታዊት ዝዀኑ ዘመዶም ንዘይኰነ ኣረጋዊ እዮም ዚሕግዙ። በብግዜኡ ሕያውነትን ብጻይነትን ዜርእዩ ተራ ሰባት ከም እትፈልጥ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እወ: ደቅሰብ ኣብ ክንዲ ጨካናት ደንገጽትን ሕያዎትን ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዎም።

እዚ ዅሉ ግፍዒ ዘሎ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧ ሰባት ጨካናት ከም ዚዀኑ ዚገብሮም ዘሎ እንታይ እዩ፧ እቶም ንኻልኦት ዚጭክኑሎም ሰባት ኪልወጡ ይኽእሉ ድዮም፧ ጭከና የኽትም ደዀን ይኸውን፧ ብኸመይን መዓስን፧

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Train: CORDON PRESS