ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ክርስትያን ካብቲ ካፈይን ዘለዎ መስተን ምግብን ኪርሕቕ ኣለዎዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ: ካፈይን ዘለዎ ቡን: ሻሂ: ቸኮላታ: ከምኡውን ልስሉስ መስተ ምጥቃም ኣይክልክልን እዩ። ይኹን እምበር: ቅዱሳት ጽሑፋት ጥበባዊ ውሳነ ንኽንገብር ዚሕግዘና መሰረታዊ ስርዓታት ይህበና እዩ። ፈለማ ግን ገሊኦም ሰባት ካብቲ ካፈይን ዘለዎ መስተን ምግብን ዚርሕቁሉ ምኽንያት እስከ ንርአ።

ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ምኽንያት: ካፈይን ንኣእምሮ ሓደ ሰብ ኬነቓቕሖን ንጠባዩ ኺጸልዎን ይኽእል እዩ። ወልፊ እውን ኬትሕዞ ይኽእል እዩ። ሓደ ንፋርማሰኛታት እተዳለወ መወከሲ መጽሓፍ ከምዚ ይብል:- “ብዙሕ መጠን ዘለዎ ካፈይን ንነዊሕ እዋን እንተ ተወሲዱ: ኣካላት ኪለምዶን ኪውለፍን ይኽእል እዩ። ብሃንደበት ካፈይን ምውሳድ ምስ ኣቋረጽካ ኻብ ዝረኣዩ ምልክታት: ሕማም ርእሲ: ቀጨውጨው ምባል: ሕርቃን: ጭንቀት: ከምኡውን ጽርውርው ምባል ይርከብዎም።” እቲ ካፈይን ኪስእኑ ኸለዉ ዚርአ ምልክታት: ኣብታ ዳያግኖስቲክ ኤንድ ስታቲስቲካል ማኑዋል ኦቭ መንታል ዲስኦርደር (መርመራውን ስታቲስቲካውን መምርሒ ምዝንባላት ኣእምሮ) ዘርእስታ መጽሓፍ: ማዕረ ማዕረ እቶም ሓሽሽ ምስ ዚስእኑ ዜርእይዎ ምልክታት ተሰሪዑ ይርከብ። ገሊኦም ክርስትያናት ብዛዕባ ምጥቃም ካፈይን ምሽቓሎም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን፣ ከመይሲ: ካብ ዝዀነ ይኹን ወልፊ ኺርሕቁን ርእሶም ኪገትኡን እዮም ዚደልዩ።—ገላትያ 5:23 ትርጕም 1990

ገሊኦም ሰባት: ናይ ሓደ ሰብ ወይ ከኣ ናይ ሓደ ናጽላ ጥዕና ብካፈይን ኪጽሎ ይኽእል እዩ ዚብል እምነት ኣለዎም። ክርስትያናት ንኣምላኽ ‘ብዅሉ ነፍሶም’ እዮም ኬፍቅርዎ ዘለዎም፣ ስለዚ: ንህይወቶም ዜሕጽር ዝዀነ ይኹን ነገራት ኣይገብሩን እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ንብጻዮም ኬፍቅሩ ስለ እተኣዘዙ: ካብቲ ንሓደ ናጽላ ኺጐድእ ዚኽእል ነገራት ይርሕቁ እዮም።—ሉቃስ 10:25-27

እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ንጥዕናና ዜተሓሳስብ ነጥብታት ብሓቂ ዚእመን ድዩ፧ ካፈይን ምስ ብዙሕ ሕማማት ዘለዎ ርክብ ዜከራኽር ጕዳይ እዩ። ገሊኦም ተመራመርቲ: ቡን ንጥዕና ጠቓሚ እዩ ብምባል ጸብጺቦም እዮም። እታ ብ2006 ዝወጸት መጽሔት ታይም ከምዚ በለት:- “[ካፈይን] መንሽሮ ፍሕኛ: ልዑል ጸቕጢ ደም: ከምኡውን ካልእ ሕማም ኬስዕብ ከም ዚኽእል ኣፈናዊ መጽናዕትታት ሓበረ። ኣብዚ ቐረባ እዋን እተገብረ ምርምር ግን እዚ ኣረኣእያ እዚ ጌጋ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣገዳሲ ጥቕምታት ከም ዘለዎ እዩ ረኺቡ። ካፈይን ኣብ ጸላም ከብዲ ኻብ ዚወርድ ጕድኣት: ካብ ሕማም ፓርኪንሰን: ካብ ሽኮርያ: ካብ ረሲዕነት: ካብ ጸጸር ሓሞት: ካብ ናይ መንፈስ ጭንቀት: ከምኡውን ካብ ሓድሓደ መንሽሮ ኼዕቍብ ይኽእል እዩ።” ሓንቲ መጽሔት ንኣጠቓቕማ ካፈይን ብዚምልከት “ብመጠኑ ምውሳድ ወሳኒ ነገር እዩ” ብምባል ጸብጸበት።

ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብቲ ቕቡል ዝዀነ ብዛዕባ ካፈይን ዝወጸ ሓበሬታ ኸምኡውን ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምርኳስ ናይ ውልቁ ውሳነ ኺገብር ኣለዎ። ንኣብነት: ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ዝዀነት ክርስትያን ኣደ: ነቲ ናጽላ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ ኢላ ብምድምዳም: ኣብ ግዜ ጥንሲ ካፈይን ከይትወስድ ትመርጽ ትኸውን። ሓደ ክርስትያን ወትሩ ካፈይን እንተ ዘይወሲዱ ቐጨውጨው ዚብሎ ወይ ከኣ ዚሓምም እንተ ዀይኑ: ንግዜኡ እውን እንተ ዀነ ኼቋርጽ ይምዓድ ይኸውን። (2 ጴጥሮስ 1:5, 6) ካልኦት ክርስትያናት ነቲ ኸምዚ ዝበለ ውሳነ ኬኽብርዎ ኣለዎም: ነቲ ናቶም ኣረኣእያ ድማ ኣብ ካልኦት ኬስርጽዎ ኺፍትኑ የብሎምን።

ካፈይን ዘለዎ መስተን ምግብን ብዚምልከት እትገብሮ ውሳነ ብዘየገድስ: ነቲ ጳውሎስ “እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ብምባል ዝሃቦ ማዕዳ ኣይትረስዓዮ።—1 ቈረንቶስ 10:31