ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስንኩል ክነሱ ንኼገልግል ሃንቀውታ ዘለዎ

ስንኩል ክነሱ ንኼገልግል ሃንቀውታ ዘለዎ

ስንኩል ክነሱ ንኼገልግል ሃንቀውታ ዘለዎ

ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሊዮናርዶ እንተ ትራኸብ: ኣብ ዕዮ ህንጸት ዚዓዪ ሰብ ጌርካ ኣይምረኣኻዮን። ኣብ ስራሕ ከሎ ብዘጋጠሞ ሓደጋ ኽልቲኡ ኣእዳዉ ስለ ዝሰኣነ: ክልቲኡ ኣእዳዉ ኺጥቀመሉ ኣይክእልን እዩ። እዚ ስንክልና እዚ እናሃለዎ ኽነሱ ግን: ከምቲ ኣብዚ ስእሊ እትርእዮ ዘለኻ ኣብቲ ኣብ ኣካሁትላ: ኤል ሳልቫዶር እተገብረ ህንጸት ኣበርቲዑ ይዓዪ ነበረ።

ሊዮናርዶ ኣብቲ ህንጸት ምእንቲ ኺሳተፍ ኢሉ ፍሉይ መሳርሒታት ኣዳለወ። የማናይ ቅልጽሙ ብሓደ ጫፉ ብሓጺን እተሰርሐ ዓንኬል ናብ ዘለዎ ባዴላ የእትዎ እሞ: ብውሕልነት ሓመድ እናጋሕፈለ ናብ ዓረብያ ይጽዕን ነበረ። ምዕታር ኣብ ዜድልዮ ዓይነት ዕዮ ኸኣ: ነቲ ዓረብያ ቐለቤት ዚመስል ነገር ኣላጊቡ ባዕሉ እናደፍኦ ኪኸይድ ከኣለ። ኣብዚ ፕሮጀክት እዚ ንኺሳተፍ ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

ሊዮናርዶ ኣብ ህንጸት እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚበሃል ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ እትጥቀመሉ ቦታ ኣምልኾ ኺሳተፍ ደለየ። ኣብቲ ዕዮ ህንጸት ንኸይሳተፍ እኹል ምኽንያት ኬቕርብ ምኸኣለ። ምሉእ መዓልቲ ዚወስድ ስራሕ ዘለዎ: ስንኩል: ከምኡውን ኣብ ጉባኤኡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ዜገልግል ነበረ። ኰይኑ ግን: ኣብቲ ቦታ ህንጸት ንኣምላኽ ንምግልጋል ዚከኣሎ ዘበለ ኺገብር ደለየ።

ንኣምላኽ ብምግልጋል ዝመጸ ተመሳሳሊ መንፈስ ኣሎካዶ፧ ሊዮናርዶ ነቲ ስንክልናኡ ኸም መመኽነይታ ገይሩ ኣብ ክንዲ ዜቕርቦ: ነቲ ኺገብሮ ዘይክእል ዝነበረ ዕዮ ንኺዓዪ ዜኽእሎ ናይ ርእሱ መሳርሒታት ንኼዳሉ ንኣእምሮኡ ተጠቕመሉ። ንኣምላኽ ‘ብምሉእ ሓሳቡ’ እዩ ኣገልጊልዎ። (ማቴዎስ 22:37) እቶም ኣብቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚግበር ዘሎ ህንጸት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሳተፉ ሰባት: ስንኩላን ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘየገድስ መንፈስ ወለንተኛታት ኣለዎም። ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህዝቢ ኽፉት እዩ: ንስኻ እውን ኣብ ደስ ዝበለካ ኽትመጽእ ብኽብሪ ንዕድመካ።