ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምኒት ኣድሪያና

ትምኒት ኣድሪያና

ትምኒት ኣድሪያና

ኣድሪያና ኣብ ተልሳ: ኦክልሃማ: ሕ.መ.ኣ. እትነብር ጓል ሽዱሽተ ዓመት ቈልዓ እያ። እዛ ጓል እዚኣ ሓደ እትምነዮ ነገር ነበራ። ትምኒታ ምስቲ “ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ: ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ: መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ አሎኹ” ኢሉ ዝዘመረ ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ትምኒት ዚመሳሰል እዩ።—መዝሙር 27:4

ኣድሪያና ጓል ሽዱሽተ ወርሒ ኸላ: ኣብ ስርዓተ መትኒ ዚዓቢ ሓደገኛ ጥረ ኸም ዘለዋ ተፈልጠ። እዚ ንህይወታ እውን ዜስግእ ሕማም ንኽልቲኡ ኣእጋራ ኣልመሶ። ሓካይም ነቲ ሕማማ ንምሕካም ሓያሎ መጥባሕትን ዓመት ዚወስድ ኬሞተራፒን ገበሩላ።

እቲ ኸም ናይ ኣድሪያናን ኣዲኣን ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ እምነት ዘይብሉ ኣቦኣ: ንጓሉ ኣብ ዓለም ፍሉጥ ናብ ዝዀነ መዘናግዒ መናፈሻ ንኺወስድዋ ኢሉ ንሓደ ትካል ረድኤት ሕቶ ኣቕረበ። እቲ ትካል ነቲ ዝቐረበሉ ሕቶ ቕድሚ ምቕባሉ: ንኣድሪያና ቓለ-መጠይቕ ገበረላ። ብዛዕባ እቲ ኺገብሩላ ዝሓሰቡ ነገር ምስጋናኣ ድሕሪ ምግላጽ: ነቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ማእከል ዓለምለኻዊ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ቤትኤል ክትበጽሕ ከም እትመርጽ ነገረቶም። ኣቦኣ ዘቕረቦ ሕቶ ምስ ፈለጠት: ንቤትኤል ክትበጽሕ ኣጋጣሚ ኪኽፈተላ ናብ የሆዋ ጸለየት። ኣብ መጀመርታ እቲ ትካል: ቤትኤል ንቘልዑ ዚስሕቦም ኰይኑ እኳ እንተ ዘይተሰምዖ: ኣቦኣ ነቲ ምርጫኣ ኸም ዘይቃወሞ ምስ ገለጸ ግን ትምኒታ ኺማልኣላ ፈቐደላ።

ኣድሪያና ብኣዲኣን ሓብታን መሓዝኣን ተሰንያ: ንመጀመርታ ግዜ ናብ ቤትኤል ንምብጻሕ ናብ ኒው ዮርክ ተጓዕዘት። ከምዚ ድማ በለት:- “የሆዋ መልሲ ሂቡኒ እዩ። ናብ ቤትኤል መርሓባ ኸም ዚብለና እፈልጥ ነይረ እየ። መጻሕፍትን መጽሔታትን መጽሓፍ ቅዱሳትን ብኸመይ ከም ዚዳሎ ርእየ። ካብ መዘናግዒ መናፈሻ ዚሓይሽ እዩ።”

ኣድሪያና ‘ውቃበ የሆዋ ርእያ:’ ንኣሰራርሓ እቲ ሎሚ ህዝቢ የሆዋ ማእከል ንጥፈታቶም ገይሮም ዚጥቀሙሉ ቦታ እውን ሞሳኣ ኣርእያ እያ። ንስኻ እውን ናብ ቤትኤል ክትበጽሕ ብኽብሪ ንዕድመካ። ብዘይካ እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለም እውን ኣብያተ-ጽሕፈት ጨንፈር ኣሎ።