ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትጽቢታት ከይተፈጸመ ኺተርፍ ከሎ

ትጽቢታት ከይተፈጸመ ኺተርፍ ከሎ

ትጽቢታት ከይተፈጸመ ኺተርፍ ከሎ

ወድን ጓልን ቅድሚ መርዓ ብዚግባእ ንኺፋለጡ ኣብ ዚገብርዎ ወረዘ ምሉእ ብምሉእ ዚቃደዉ እኳ እንተ መሰሉ: ሓዳር ምስ ጀመሩ ግን በቲ ዜጋጥሞም ጸገማት ምድንጋሮም ዘይተርፍ እዩ። ቃል ኪዳን ቅድሚ ምትእትታዎም ኣጸቢቖም ዚሰማምዑ ዚመስሉ ዝነበሩ ኽልተ ሰባት: ድሕሪኡ ደኣ ኸመይ ኢሎም እዮም ዚቕየሩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ዚምርዓዉ “መከራ” ኸም ዚረኽቡ ይገልጽ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:28) መብዛሕትኡ ግዜ እዚ መከራ እዚ ብሰንኪ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና እዩ ዚመጽእ። (ሮሜ 3:23) ብተወሳኺ: ካብቶም ዚመራዓዉ ሓዲኦም ወይ ክልቲኦም ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኻብ ምውዓል ይሰንፉ ይዀኑ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ሓድሓደ ግዜ ግን: ሓደ ሰብኣይ ወይ ሓንቲ ሰበይቲ ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት ሒዞም ሓዳር ይጅምሩ እዮም። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ: እቲ ዚፍጠር ዘይምርድዳእ ከቢድ ጸገማት ኬምጽእ ይኽእል እዩ።

ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት

ሓዳር ክትምስርት ከለኻ: ሓያሎ ትጽቢታት ነይሩካ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ከምኡ እዮም። ብዛዕባ እቲ እተመነኻዮ ዓይነት ህይወት እሞ ሓንሳእ ሕስብ ኣብለሉ። ሓዳርካ ኻብቲ ዝሓሰብካዮ ንታሕቲ ዀይኑዶ ጸኒሑካ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: እቲ ጸገማት ኪፍታሕ ከም ዘይክእል ጌርካ ኣይትደምድም። ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓልካ: ጸገማትካ ንምቕናዕ ኪጠቕመካ እዩ። a (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ነዚ ኽትገብር ከለኻ: ንገለ ኻብቲ ብዛዕባ ሓዳርካ ዝነበረካ ትጽቢታት ክትምርምሮ ጥበባዊ እዩ።

ንኣብነት: ገሊኦም ሰባት ሓዳሮም ከምቲ ኣብ ጽውጽዋያት ዚንገር ዓይነት መግለጺታት ፍቕሪ ዝመልኦ ኪኸውን ትጽቢት ገይሮም እዮም። ምናልባት ንስኻን መጻምድትኻን እውን መብዛሕትኡ ግዜኹም ብሓባር ከተሕልፍዎ ወይ ዝዀነ ይኹን ዜጋጥም ዘይምስምማዕ ብዘይ ሽግር ብብስለት ክትፈትሕዎ ኸም እትኽእሉ ጌርካ ሓሲብካ ትኸውን። ብዙሓት ሰባት ሓዳር ድሕሪ ምምስራቶም ኣብ ጾታዊ መዳይ ርእሶም ኪገትኡ ፈጺሙ ኸም ዘየድልዮም ገይሮም ይኣምኑ እዮም። እዚ ዅሉ ትጽቢታት ዘይክውንነታዊ ስለ ዝዀነ: ንገሊኣቶም ብርግጽ ናብ ጓሂ እዩ ዚመርሖም።—ዘፍጥረት 3:16

ሓዳር ምግባር ጥራይ ንሰብ ሕጉስ ይገብሮ እዩ ዚብል ኣረኣእያ እውን ካልእ ዘይክውንነታዊ ትጽቢት እዩ። ልክዕ እዩ: ኣብ ህይወትካ ብጻይ ምርካብ ምንጪ ዓብዪ ሓጐስ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 18:22፣ 31:10፣ መክብብ 4:9) ኰይኑ ግን: ሓዳር ንዅሉ ዘይምስምማዓት ብተኣምራዊ መገዲ ዚፈትሕ ጌርካ ትጽቢት ኪግበረሉ ይግባእዶ፧ እቶም ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዘይተጸበይዎ ነገር እዩ ዜጋጥሞም!

ዘይተዘርበሉ ትጽቢታት

ኵሉ ትጽቢታት ግን ዘይክውንነታዊ ኣይኰነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ገሊኡ ትጽቢታት ግቡእ ባህግታት እዩ ዜንጸባርቕ። ይኹን እምበር: ብሰንኪ ገሊኡ ትጽቢታት ጸገማት ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ሓደ ኣማኻሪ ሓዳር: “ሓደ ኻብቶም ሰብ ሓዳር ንገለ ባህጉ ኺፍጸመሉ ኺጽበ ኸሎ: እቲ ኻልኣይ ግን ነቲ ባህጊ እቲ ብንጹር ስለ ዘይፈልጦ: እቶም ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ኪተሓራረቑ ርእየ እየ” በለ። እዚ ብኸመይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ንምርዳእ: እዚ ስዒቡ ዚዝንቶ ዅነታት ከም እተፈጥረ ጌርና እስከ ንሕሰብ።

ራሄል ንዳዊት ተመርዓወቶ ንበል። ዳዊት ካብቲ ራሄል እትነብረሉ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ እዩ ዚነብር። ቅድሚ ምምርዓዎም: ራሄል ብተፈጥሮኣ ሓፋር ስለ ዝዀነት: ናብ ሓድሽ ቦታ ምግዓዝ ኣጸጋሚ ኸም ዝዀና ኣስተብሃለት። ኰይኑ ግን: ንኸይትጋየሽ ዳዊት ከም ዚሕግዛ ተኣማመነት። ንኣብነት: ኣብ ጐድና ደው ኢሉ ምስ ፈተውቱ ኸም ዜፋልጣ ትተኣማመን ነበረት። ይኹን እምበር: ከምቲ እተጸበየቶ ኣየጋጥማን። ዳዊት ምስ ሓያሎ ፈተውቱ ዕላል ስለ ዝሓዘ: ነታ ጋሻ ዝዀነት ራሄል በይና ይሓድጋ። ራሄል እተጐስየትን እተራሕርሐትን ኰይኑ ተሰምዓ። ‘ዳዊት ስለምንታይ ግዲ ዘይብሉ ይኸውን፧’ ኢላ ሓሰበት።

ራሄል ዝነበራ ትጽቢት ዘይክውንነታዊ ድዩ ነይሩ፧ ኣይኰነን። ብዓል ቤታ ነቲ ሓድሽ ከባቢ ኽሳዕ እትለምዶ ኺድግፋ እያ እትጽበዮ ነይራ። ብተፈጥሮኣ ሓፋር እያ: ኣዝዮም ብዙሓት ዘይትፈልጦም ሰባት ምስ ኣጓነፍዋ ኸኣ ከበዳ። ከም ሓቂ ግን: ራሄል ንዳዊት ስምዒታታ ፈጺማ ኣይነገረቶን። ዳዊት ድማ ራሄል እተሕልፎ ዘላ ሽግር ኣይፈለጠን። እቲ ዅነታት ከምኡ ኢሉ እንተ ቐጺሉ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ራሄል ዘለዋ ቕሬታ እናዓበየ ኪኸይድ ይኽእል እዩ፣ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ኸኣ ሰብኣያ ብስምዒታታ ኸቶ ፋዕራ ኸም ዘይብሉ ገይራ ኽትሓስብ ትኽእል እያ።

ምናልባት ንስኻ እውን ናይ ሓዳር ብጻይካ ንእትደልዮ ነገራት ዘየማልእ ብምዃኑ ጕሂኻን ተበሳጪኻን ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ: እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ተዘራረቡሉ

ዘይተፈጸመ ትጽቢታት ብርግጽ ዜበሳጩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 13:12) እንተዀነ ግን: ብዛዕባ እዚ ዅነታት እዚ ኽትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓደ ምስላ: “ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ: ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸን” ይብል። (ምሳሌ 16:23) ስለዚ: ዘይተፈጸመ ርትዓዊ ትጽቢት ከም ዘሎካ እንተ ተሰሚዑካ: ምስ ናይ ሓዳር ብጻይካ ተመያየጥ።

ነቲ ዘተሓሳሰበካ ንምግላጽ ግቡእ ግዜ: ግቡእ ኣቀራርባ: ከምኡውን ግቡእ ቃላት ክትመርጽ ፈትን። (ምሳሌ 25:11) ብህድኣትን ብኣኽብሮትን ተዛረብ። ዕላማኻ ኽትከስስ ዘይኰነስ: ንመጻምድትኻ ብዛዕባ ትጽቢታትካን ስምዒታትካን ክትሕብር ምዃኑ ኣይትረስዕ።—ምሳሌ 15:1

ስለምንታይ ኢኻ ኸምዚ ኽትገብር ዘሎካ፧ ሓደ ሓላዪ መጻምድቲ ነቲ እትደልዮ ባዕሉ ኺፈልጦ ኣይምኸኣለንዶ፧ ምናልባት መጻምድትኻ ነቲ ጕዳይ ካብ ካልእ ኵርናዕ ይርእዮ ይህሉ ይኸውን: ኣረኣእያኻ እንተ ገሊጽካሉ ድማ ተሓጒሱ ይሰምዓካ ይኸውን። እቲ እትምነዮ ወይ እትደልዮ ዘበለ ምግላጽ: ድኹም ሓዳር ወይ ግዲ ዘይብሉ መጻምድቲ ኸም ዘሎካ ዜርኢ ምልክት ኣይኰነን።

ስለዚ: ጕዳያትካ ምስ መጻምድትኻ ኻብ ምምይያጥ ድሕር ኣይትበል። ንኣብነት: ኣብቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ዅነታት: ራሄል ንዳዊት: “ምስ ብዙሓት ዘይፈልጦም ሰባት ምልላይ ቅሩብ ከቢዱኒ ኣሎ። ኣጸቢቐ ኽሳዕ ዝለምድ: ምስ ኵሎም ንኽፋለጥ ክትሕግዘኒዶ ምኸኣልካ፧” ኢላ ኽትሓቶ ትኽእል እያ።

“ንምስማዕ ቅልጡፍ”

ሕጂ ነቲ ጕዳይ ካብ ካልእ ኵርናዕ ንርኣዮ። መጻምድትኻ ነቲ ርትዓዊ ትጽቢታት ስለ ዘየማላእካ ኸም ዝጐሃየ ንምግላጽ ንዓኻ ኣዘራሪቡካ ንበል። ከምዚ እንተ ኣጋጢሙ: ንመጻምድትኻ ስምዓዮ! ክትጣበቕ ኣይትፈትን። ኣብ ክንዳኡስ: “ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ” ኹን። (ያእቆብ 1:19፣ ምሳሌ 18:13) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት: “ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ኢሉ ተማሕጺንዎም ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 10:24

ንርእስኻ ኣብ ቦታ እቲ መጻምድትኻ ብምእታው ነዚ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣቱም ሰብኡት: . . . ምስ ኣንስትኹም በእምሮ ንበሩ” ይብል: ወይ ብመሰረት ብጀይ. ቢ. ፊሊፕስ እተዳለወ ትርጕም: “ኣቱም ሰብኡት ነተን መናብርትኹም ዝዀና ኣንስቲ ኽትርድእወን ክትፍትኑ ኣሎኩም” ይብል። (1 ጴጥሮስ 3:7) ልክዕ እዩ: ኣንስቲ እውን ምስ ሰብኡተን ብምስትውዓል ኪነብራ እንተ ጽዒረን ጽቡቕ እዩ።

ምስ መጻምድትኻ ሽሕ ሳዕ እትሰማምዑ ኹኑ ብዘየገድስ: ክልቴኹም ኣብ ኵሉ ጕዳያት ሕደ ኣመለኻኽታ ኸም ዘይብልኩም ኣይትረስዕ። (ነታ “ሕደ ገጸ ምድሪ: እተፈላለየ ኣረኣእያ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ንነገራት ብእተፈላለየ ዅርናዕ ምርኣዩ ጽቡቕ ስለ ዝዀነ: እዚ ብሓቂ በረኸት እዩ። ንስኻን መጻምድትኻን ኣብ ከም ኣተዓባብያ ስድራቤትን ባህልን ዝኣመሰለ ነገራት እተመርኰሰ ፍሉይ ትጽቢታት ሒዝኩም ኢኹም ሓዳር መስሪትኩም። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ መንጎኹም ሓያል ፍቕሪ እኳ እንተሎ: እተፈላለየ ትጽቢታት ግን ይህልወኩም።

ንኣብነት: ክርስትያን ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓት ርእስነት ኣጸቢቖም ይፈልጥዎ ይዀኑ። (ኤፌሶን 5:22, 23) ኣብ ስድራቤትካ እቲ ርእስነት ብኸመይ እዩ ብልክዕ ዚዕየየሉ፧ ተገዛእነትከ ብኸመይ እዩ ዚርአ፧ ክልቴኹም በዚ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ዲኹም እትምርሑ፧ ንምስዓቡኸ ልባዊ ጻዕርታት ትገብሩዶ ኣለኹም፧

ብዛዕባ ኻልእ ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዜጋጥም ጕዳያት: እተፈላለየ ሓሳባት ይህልወኩም ይኸውን። ገሊኡ ዋኒን ቤት መን ኪዓዮ ኣለዎ፧ ምስ ኣዝማድ መዓስን ክንደይ ዚኣክልን ግዜ ኢኹም ከተሕልፉ፧ ክርስትያን ሰብ ሓዳር ኣብ ህይወቶም ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚደልዩ ብኸመይ የርእዩ፧ (ማቴዎስ 6:33) ብቐሊሉ ኣብ ዕዳ ኽትኣትዉ ስለ እትኽእሉ: ጥንቁቓትን ቈጠብትን ምዃን ኣገዳሲ እዩ። ኰይኑ ግን: ጥንቁቕን ቈጣብን ምዃን ኪበሃል ከሎ ብልክዕ እንታይ ማለት እዩ፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት ብግህዶን ብኣኽብሮትን ክትመያየጡሉ ኣሎኩም: እዚ ድማ ብዙሕ ጥቕምታት የምጽእ።

ክሳዕ ሕጂ ገለ ትጽቢታትኩም እኳ እንተ ዘይተፈጸመ: ከምዚ ዝኣመሰለ ምይይጥ ምግባር ግን ኣብ ሓዳርኩም ዝያዳ ሰላም ከም ዚሰፍን ይገብር። እወ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ” ብምባል ዝሃቦ ምዕዶ ብዝያዳ ኣብ ግብሪ ኸተውዕልዎ ኢኹም።—ቈሎሴ 3:13

[እግረ-ጽሑፍ]

a ንሰብ ሓዳር ዚኸውን ብዙሕ ጽቡቕ ምኽሪ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ኪርከብ ይከኣል እዩ።

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሕደ ገጸ ምድሪ: እተፈላለየ ኣረኣእያ

“ሓደ ጕጅለ በጻሕቲ ሃገር መሳጢ ገጸ ምድሪ ይርእዩ ኸም ዘለዉ ጌርካ እሞ ብኣእምሮኻ ስኣሎ። ኵሎም ሕደ ትርኢት ይርእዩ እኳ እንተ ኣለዉ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ግን ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዚርእዮ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ-ሰብ ካብ እተፈላለየ ቦታ እዩ ዚርእዮ። ብልክዕ ኣብ ሓደ ቦታ ደው ዝበሉ ኽልተ ሰባት የለዉን። ብዘይካዚ: ኵሎም ኣብ ሓደ መዳይ እቲ ገጸ ምድሪ ኣየተኵሩን እዮም። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ዚምስጦ እተፈልየ መዳይ ይረክብ። ኣብ ሓዳር እውን ከምኡ እዩ። ክልተ መጻምድቲ ኣጸቢቖም ዚቃደዉ እኳ እንተ ዀኑ: ሕደ ኣመለኻኽታ ግን የብሎምን። . . . ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኪበሃል ከሎ ነቲ ፍልልያት ኣብ ሓደ ስሙር ርክብ ንምትሕውዋስ ምጽዓር የጠቓልል። እዚ ኸኣ ንምዝርራብ ግዜ ምምዳብ ይሓትት።”—ናይ 1 ነሓሰ 1993 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 4

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን]

ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል

• ትጽቢታትካ እንደገና መርምሮ። ክውንነታዊ ድዩ፧ ካብ መጻምድትኻ ዘይርትዓዊ ትጽቢታት ኣሎካ ድዩ፧ፊልጲ 2:4፣ 4:5

• ዝዀነ ይኹን ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት ኣዐሪ። ንኣብነት: ‘ፈጺምና ኣይንሰማማዕን ኢና’ ኣብ ክንዲ ምባል: ፍልልያትኩም ብሰላም ክትፈትሖ ቘራጽነት ግበር።ኤፌሶን 4:32

• ትጽቢታትኩም ተመያየጡሉ። ብዛዕባ ስምዒታትኩም ምዝርራብ: ንሓድሕድኩም ፍቕርን ኣኽብሮትን ንኸተርእዩ ዚሕግዝ ኣገዳሲ ስጕምቲ እዩ።ኤፌሶን 5:33

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ንመጻምድትኻ ዜተሓሳስብ ነገራት “ንምስማዕ ቅልጡፍ” ኩን