ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

‘ንዓጺድ ዝጻዕደወት’ ምድሪ

‘ንዓጺድ ዝጻዕደወት’ ምድሪ

‘ንዓጺድ ዝጻዕደወት’ ምድሪ

ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ደቡብ ኣመሪካ ጓሂራ ተባሂሉ ዚፍለጥ ሓውሲ ደሴት ኣሎ። እዚ ቦታ እዚ ኣብ ሰሜናዊ ኮሎምብያ ዚርከብ ኰይኑ: ካብ ቨነዝወላ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ገጹ እዩ ዚርከብ። ኣብዚ ሓውሲ ምድረ-በዳ ዝዀነ ቦታ መራር ጸሓይን ሒደት ዝናምን እዩ ዘሎ: ሙቐቱ ኸኣ ክሳዕ 43 ዲግሪ ሰንቲ ግሬድ ኪበጽሕ ይኽእል እዩ። ጽንኩር ኵነታት ኣየር እናሃለወ ኽነሱ ግን: ኣብኡ ዚነብሩ ሰባት ብስራሕ ትሑዛትን ኣፍረይትን ሓረስቶት እዮም። እቲ ኻብ ውቅያኖስ ዚመጽእን ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዚነፍስን ዘየቋርጽ ንፋስ ነቲ ዅነታት ኣየር ንኽትጻወሮ ይሕግዝ: ንበጻሕቲ ኸኣ በቲ ባህ ዜብል ገጸ ምድርን ምልኩዕ ገማግም ባሕርን ንኺሕጐሱ የኽእሎም።

ናብ ዓዲ ዋዩ ህንዳውያን መርሓባ ንብለካ። ብድምር ዳርጋ 305,000 ዋዩ ኣለዉ: ካብዚኣቶም 135,000 ኣብ ኮሎምብያ ይነብሩ። እዚ ቐቢላ እዚ ቕድሚ ግዝኣት ስጳኛ ኣትሒዙ ኣብዚ ዚነብር ዝነበረ እዩ።

ቀንዲ መነባብሮ ዋዩ ጕስነት ማልን ሕርሻን እዩ። ዓሳ ኣብ ምግፋፍን ኣብ ዶብ ሰገር ንግድን እውን ይጽመዱ እዮም። እተን ኣንስቶም ብድሙቕ ሕብርታት ገይረን ባህ ዜብል ዓለባታት ይኣልማ እየን: በጻሕቲ ሃገር ከኣ ንፍርያተን ብዙሕ እዮም ዚፈትውዎ።

ህዝቢ ዋዩ ብቕንዕናኦምን ተቐበልቲ ጋሻ ብምዃኖምን ፍሉጣት እዮም። ይኹን እምበር: ንሳቶም እውን ኣብ “ክፉእ ዘመን” እዮም ዚነብሩ ዘለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ድኽነት ሓደ ኻብቲ ዓበይቲ ጸገማት ኪኸውን ከሎ: እዚ እውን ብተራኡ ናብ ከም መሃይምነት: ጕድለት ምግቢ ሕጻናት: ሕጽረት ሕክምናዊ ኽንክን: ከምኡውን ኣብ ገሊኡ ቦታታት ናብ ምጥሓስ ሕጊ ይመርሕ እዩ።

ኣብያተ-ክርስትያን ህዝበ-ክርስትያን ንሓያሎ ዓመታት ምስቶም ህዝቢ ዋዩ ዚነብሩ ሚስዮናውያን ልኢኸን እየን። ከም ውጽኢቱ ኸኣ መብዛሕትኡ መሰልጠኒ ኣብያተ-ትምህርትን ኣሕዳሪ ኣብያተ-ትምህርትን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ቤተ-ክርስትያን እዩ። ብዙሓት ዋዩ ነቲ ኸም ኣምልኾ ምስልን ጥምቀት ሕጻናትን ዝኣመሰለ ክርስትያናዊ ተባሂሉ ዚሕሰብ ባህልታት ተቐቢሎምዎ እዮም። ነቲ ኣብ ጽውጽዋያቶምን ማሪታዊ እምነታቶምን እተመርኰሰ እምነታትን ጽምብላትን ግን ኣይሓደግዎን።

ብሓፈሻኡ ኺርአ ኸሎ: ዋዩ ንኣምላኽ ይፈርሁ: ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚምህርዎ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ይቕበሉ እዮም። ኣብ መጀመርታ 1980ታት ኣብ ጓሂራ ሸውዓተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ነይሮም፣ ሰለስተ ኻብዚኣቶም ከኣ ኣብታ ሪዮኣቻ እትበሃል ርእሲ ኸተማኦም እዮም ዚነብሩ ነይሮም። ኣብ ልዕሊ እቶም ደቀባት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: 20 ኻልኦት ኣስፋሕቲ ኣብቲ ቦታ እቲ ብስጳንኛ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ነበሩ።

ብቛንቋኦም ዝቐረበ መልእኽቲ

መብዛሕትኦም ዋዩ ብዘይካ እቲ ዋዩናይኪ ዚበሃል ቋንቋኦም: እተወሰነ ስጳንኛ ይዛረቡ እዮም። ፈለማ: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እተገብረ ጻዕርታት ብዙሕ ፍረ ኣየፍረየን። እቶም ደቀባት ካብቶም ኣሪሁናስ ኢሎም ዚጽውዕዎም ዋዩ ዘይኰኑ ሰባት ይርሕቑ ነበሩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ኣባይቶም ኪኸዱ ኸለዉ: መብዛሕትኦም ዋዩ ብስጳንኛ ዘይኰነስ ብቛንቋኦም የዘራርብዎም ነበሩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ኼጋጥሞም ከሎ: ስቕ ኢሎም ናብቲ ዚቕጽል ቤት ይኸዱ።

ይኹን እምበር: ኣብ መወዳእታ 1994 እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጉባኤ ሪዮኣቻ ዜገልግሉ ሓደ ጕጅለ ፍሉያት ፈለምቲ ወይ ናይ ምሉእ ግዜ መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ መደበ። እቶም ፈለምቲ ንሓደ ዋዩ ዝዀነ ናይ የሆዋ ምስክር ዋዩናይኪ ኺምህሮም ሓተትዎ። እተወሰነ ሒደት ኣቀራርባታት ድሕሪ ምልማዶም: ናብቲ ኽሊ ኸዱ: ብኡንብኡ ኸኣ ኣብ ኣቀባብላ እቶም ሰባት ዓብዪ ለውጢ ረኣዩ። እቶም መምህራን መጽሓፍ ቅዱስ ብእተሰባበረ ዋዩናይኪ ይዛረቡ እኳ እንተ ነበሩ: እቶም ሰብ ቤት ስለ እተገረሙ ንኺሰምዕዎም ፍቓደኛታት ኰኑ: ሓድሓደ ግዜ እውን በቲ ድሩት ዚፈልጥዎ ስጳንኛ ህያው ዝርርብ ይቕጽሉ ነበሩ!

‘ንዓጺድ ዝጻዕደወት’

ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ክርስትያን ወደ መዝሙር ናይ ምግባር ዕዮ: ንሓደ ግራት ምስ ምክንኻን ኣመሳሲልዎ ኣሎ: እዚ ምምስሳል እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ሕርሻ እተጸምዱ ህዝቢ ዋዩ ብቐሊሉ እዩ ዚርድኦም። (1 ቈረንቶስ 3:5-9) ብስእላዊ ኣዘራርባ: ምድሪ ዋዩ ብርግጽ ‘ንዓጺድ ጻዕድያ’ ኣላ።—ዮሃንስ 4:35

ኒል ዚበሃል ኣብ ማናውረ ዚነብር ዋዩ ህንዳዊ: ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ ጸገም ኣለዎ። በዚ ንኣምላኽ የማርር ብምንባሩ: ካብ ብዙሕ ጭንቀት እተላዕለ ርእሰ-ቕትለት ኪገብር ፈተነ። ሓደ ንዓለማዊ ስርሑ ኢሉ ኣብ እተፈላለየ ኸተማታት ዚኸይድ ዝነበረ ናይ የሆዋ ምስክር: ነቲ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኻብ ቤት ናብ ቤት ንምስባኽ ተጠቕመሉ: በዚ ኸምዚ ድማ ንኒል ብዛዕባ መንግስቲ የሆዋ ነገሮ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኒል ወዲ 14 ዓመት ጥራይ ነበረ። እቲ ናይ የሆዋ ምስክር ነቲ ኒል ዝነበሮ ተገዳስነት ስለ ዘስተውዓለ: ምስኡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። ኒል ብዛዕባ እቲ ፍቕሪ ዝመልኦ ባህርያት የሆዋ ብምፍላጡ ብዙሕ ተሓጐሰ: ካብዚ ብምብጋስ ድማ ጠንቂ መከራኡ ኣምላኽ ዘይምዃኑ ደምደመ። ብዛዕባ እቲ ሕማም ዘይህልወላ ምድራዊት ገነት ኣመልኪቱ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ምስ ፈለጠ: ውሽጡ ተተንከፈ።—ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990ማቴዎስ 6:9, 10

ኣብቲ ግዜ እቲ ስድራቤት ኒል ምስ ካልእ ስድራቤት ብርቱዕ ጽልኢ ነበሮም። ኣዝማድ ኒል ዕቝባ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም: እተወሰነ ቐቢላዊ ጽምብል ገበሩ። ኒል “ፈለማ: ንስድራቤተይ: ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣኽቢርካ ዚረኣዩ ሽማግለታት ቤተሰብ: ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ዝረኸብክዎ እምነት ምንጋር ኣፍሪሁኒ ነበረ” ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ። ወለዲ ኒል ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ እምነታት ኰነ ሓተታ መናፍስታዊ ልምድታት ከም ዘይፍጽም ምስ ፈለጡ ተቘጥዑ። ድሕሪኡ ኒል ናብ ሪዮኣቻ ገዓዘ: ምስታ ኣብኡ እትርከብ ጉባኤ ድማ ሓበረ። ጸኒሑ ተጠምቀ። ብ1993 ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ተሸመ: ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከኣ ስሩዕ ፈላሚ ዀነ። ብ1997 ሽማግለ ጉባኤ ዀይኑ ተሸመ። ብ2000 ኸኣ ኣገልግሎቱ ብምስፋሕ ፍሉይ ፈላሚ ዀነ።

ብዛዕባ ሓንቲ ተሪሳ እትበሃል ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ዝጀመረት ዋዩ እውን ንርአ። ምስኣ ዚነብር ዝነበረ ዳንኤል ዚበሃል ሰብኣይ: ኣላገጸላ: ንዓኣን ንሰለስተ ደቆምን ድማ ወቕዖም። ጸኒሑ ምስ ተሪሳ ሓቢሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ እኳ እንተ ተሰማምዐ: ንኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ምስ ኣዕሩኹ ኺሰቲ ራሕሪሕዋ ይኸይድ ነበረ። ስለዚ ድማ ስድራቤቱ ነደዩ። ተሪሳ ብተኣማንነት መጽናዕቲ ምግባርን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብን ቀጸለት። እዚ ኸኣ ንዳንኤል መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኺግንዘብ ሓገዞ። ድሕሪኡ ሓደ ወዶም ብሃንደበት ኣብ ዚፈልሕ ዝነበረ በራድ ወደቐ: በቲ ዘጋጠሞ መንደድቲ ድማ ሞተ። ተሪሳ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሞት ወዳ እተሰምዓ ኸቢድ ሓዘን: ፈተውትን ጐረባብትን ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ቀብሪ ንኽትገብር ጸቕጥታት ኣውረዱላ።

ኣብቲ ኣጸጋሚ እዋን: እዞም መጻምድቲ እዚኣቶም ካብ ኣባላት እታ ኣብ ጥቓኦም እትርከብ ጉባኤ ዜተባብዕ ሓገዝን ምጽንናዕን ረኸቡ። ድሕሪ እቲ ቐብሪ እውን: ካብታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ብቛንቋ ዋዩ እትጥቀም ጉባኤ ዜጸናንዕ ምብጻሓት ይረኽቡ ነበሩ። ዳንኤል ክርስትያናዊት ፍቕሪ ብግብሪ ምስ ረኣየ: መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብር ተደረኸ። ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕን ንተሪሳ ምግፋዕን ሓደጎ። ዳንኤልን ተሪሳን ተመራዓዉ: ንስድራቤቱ ንምድጋፍ ድማ ኣበርቲዑ ኺዓዪ ጀመረ። ብመንፈሳዊ መዳይ ገስገሱ: ብ2003 ድማ ተጠምቁ። ክልቲኦም ብርክት ዝበሉ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ኣለዉ። ተሪሳ ንስድራቤታ ጽቡቕ ምስክርነት ስለ ዝሃበት ከኣ: ኣዝማዳ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪሰምዕዎም ፍቓደኛታት ኰይኖም ኣለዉ። ሓደ ኻብቶም ወዲ ሓብቱ ንዳንኤል ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዀይኑ ኣሎ: ሓንቲ ጓል ሓብቱን ሓንቲ ጓል ሓዉን ከኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብራን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ይእከባን ኣለዋ። ወዳ ብሓደጋ ዝሞታ ንዕልቲ ተሪሳ ድማ ምስ ስድራቤታ ብሓባር ኰይና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምርሓሎም ተገዳስነት ኣርእያ ኣላ።

ብዋዩናይኪ ዚዳሎ መንፈሳዊ ምግቢ

ብ1998 እታ ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ! a ዘርእስታ ብሮሹር ብዋዩናይኪ ወጸት። እዛ ብሮሹር እዚኣ ነቲ ኣብቶም ዋዩ ዚግበር ዝነበረ ስብከት ንምድንፋዕን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕን ጠቓሚት ንዋት ኰነት። ብ2003 እተወሰኑ ኣሕዋት: ገለ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ዋዩናይኪ ንኺትርጕሙ መሰናድዎ ተገብረ። ኣብ ሪዮኣቻ ዚርከቡ ጕጅለ ተርጐምቲ ብዝገበርዎ ጻዕሪ: ዝያዳ ብሮሹራት ኪዳሎ ተኻእለ: እዚ ኸኣ እቶም ዋዩናይኪ ዚዛረቡ ደቀ መዛሙርቲ መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብሩ ኣበርክቶ ገበረ።

ካብ 2001 ኣትሒዙ ገሊኡ ኽፍልታት መደብ ኣኼባ ኣውራጃ ናብ ዋዩናይኪ ብኣስተርጓሚ ኪቐርብ ጀመረ። ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ትምህርቲ ብቛንቋኦም ኪሰምዕዎ ኸለዉ ብመንፈስ ይነቓቕሑ እዮም። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማ ብዋዩናይኪ ዚቐርበሎም ዕለት ከኣ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ኣለዉ።

ዚስስን ዘሎ ኽሊ

ካብ ሪዮኣቻ ብሰሜናዊ ምብራቕ 100 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኡሪብያ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ ኣላ። እታ ኣብ ኡሪብያ እትርከብ ጉባኤ ዋዩ 16 ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣለዉዋ። መብዛሕትኦም ከኣ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ዓድታት ዘለዉ ህንዳውያን ንኺሰብኩ ጻዕርታት ይገብሩ ኣለዉ። ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ጉባኤ ብዛዕባ እቲ ንምስክርነት ዚግበር ጕዕዞታት ከምዚ በለ:- “ሓጺር ዝናሕሱን ንኣሽቱ ዝመሳዅቱን ኣባይቲ ናብ ዚርከበሉ ሓደ ሰፊሕ ደምበ ሕርሻ ኸብቲ ኸድና። ኣብ ኣፍደገ ነፍሲ ወከፍ ቤት: በቲ ዮቶሆሎ ዚበሃል ውሽጣዊ ጕንዲ ቘልቋል እተዳለወ ናሕሲ ኣሎ። ኣብኡ ኣባላት ስድራቤትን በጻሕትን ካብታ መራር ጸሓይ ይናገፉ። ሓያሎ ሰባት ብዙሕ ተገዳስነት ከም ዘለዎም ምስ ረኣና ተሓጐስና: ስለዚ ተመሊስና ኼድና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንመርሕ መሰናድዎታት ገበርና። ተመሊስና ምስ ከድና: መብዛሕትኦም መሃይምነት ዘየጥፍኡ ምዃኖም ኣስተውዓልና። እኹል ገንዘብ ስለ ዘይነበረ: ዋላ ሓደ ዘይጥቀመሉ ቤት ትምህርቲ ኸም ዘሎ ነገሩና። እቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ: ምንባብን ምጽሓፍን ንኽንምህረሉን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንመርሓሉን ሓደ ኻብቲ ኽፍልታት ብሕያውነት ፈቐደልና። ሽዱሽተ ዋዩ ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም ኣለዉ: ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ዕቤት ይገብሩ ኣለዉ። በቲ ዜርእይዎ ሞሳ ውሽጥና ኢና ተተንኪፍና: ስለዚ ኣብቲ ሕርሻ ኸብቲ ኣኼባታት ክንገብር መዲብና ኣሎና።”

ብዙሓት ደቀባት ዘይኰኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዋዩናይኪ ተማሂሮም እዮም: እቲ ዚገብርዎ ሓገዝ ድማ ኣኽቢርካ ዚርአ እዩ። ኣብቲ ሓውሲ ደሴት ጓሂራ ሕጂ ነዚ ቛንቋ እዚ ዚጥቀማ ሸሞንተ ጉባኤታትን ክልተ ጕጅለታትን ኣለዋ።

የሆዋ ነዚ ጻዕርታት እዚ ይባርኾ ኸም ዘሎ ርኡይ እዩ። እቲ ብስራት ነቶም ዋዩ ኣብ ምስባኽ ዝያዳ ኺግበር ከም ዚከኣል ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቶም መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ ሰባት ክርስትያን ደቀ መዛሙርቲ እናዀኑ ምስ ከዱ: ጽቡቕ ፍረ ኺርከብ ተስፋ ኣሎ። የሆዋ ነዛ ‘ንዓጺድ ዝጻዕደወት’ ምድሪ ንምዕጻድ: ዝያዳ ኣገልገልቲ ኺልእኽ ንምነ።—ማቴዎስ 9:37, 38

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ቨነዝወላ

ኮሎምብያ

ላ ጓሂራ

ማናውረ

ሪዮኣቻ

ኡሪብያ

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Wayuu camp below: Victor Englebert