ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣሰር ጳውሎስ ስዒብና ናብ ቤርያ ንጐዓዝ

ኣሰር ጳውሎስ ስዒብና ናብ ቤርያ ንጐዓዝ

ኣሰር ጳውሎስ ስዒብና ናብ ቤርያ ንጐዓዝ

እቶም ክልተ ሚስዮናውያን ዝገበርዎ ዕዮ ኣዝዩ ዕዉት ነበረ: ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ከኣ ኣመንቲ ዀኑ። ድሕሪኡ ጭፍራ ሰባት ኣንጻሮም ተላዕሉ። ስለዚ ውሳነ ኺገብሩ ኣድለየ። ምእንቲ እታ እግሪ ተኽሊ ዝነበረት ጉባኤን ምእንቲ ድሕንነት እቶም ሚስዮናውያንን ተባሂሉ: እቶም ክልተ ሚስዮናውያን ፍርቂ ለይቲ ብቕልጡፍ ካብታ ኸተማ ወጹ። በዚ ኸምዚ: ብ50 ድ.ክ. ኣቢሉ ጳውሎስን ሲላስን ካብታ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ተሰሎንቄ እትበሃል ወደብ ሃደሙ። ናብታ ቐጺሎም ዚሰብኩላ ኸተማ ቤርያ ኸኣ ከዱ።

ሎሚ እውን ከም ቀደም: ቤርያ ኣብ ምብራቓዊ እግሪ እቲ ልሙዕ ከረን ቨርሚዮ ተደኲና ትርከብ። ቤርያ (ቬርያ) ኻብ ተሰሎንቄ ብደቡባዊ ምዕራብ 65 ኪሎ ሜተር: ካብ ባሕሪ ኤጅያ ኸኣ 40 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ። እቲ ብጽውጽዋያት መንበሪ ቐንዲ ኣማልኽቲ ጥንታውያን ግሪኽ ጌርካ ዚዝረበሉ ኸረን ኦሊምፐስ ብሸነኽ ደቡብ እታ ኸተማ ይርከብ።

ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ስለ ዝሰበኸን ብዙሓት ክርስትና ስለ እተቐበሉን: እታ ኸተማ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተገድሶም እያ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:10-15) ሕጂ እምበኣር ጳውሎስ እተጓዕዘሉ ኣሰር ብምስዓብ: ብሓሳብና ነታ ጥንታዊት ከተማ ንመርምራ።

ጥንታዊ ታሪኽ

ቤርያ መዓስ ከም እተደኰነት ብልክዕ ዚፈልጥ የልቦን። ቀዳሞት ተቐማጦኣ: ምናልባት ነገዳት ፍርግያ እዮም ዚዀኑ: ኣብ ሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. ብመቄዶንያውያን ተሰጐጉ። ድሕሪ ሰለስተ ዘመናት: ኣለክሳንደር ዓብዪ ዓወታት ምስ ተጐናጸፈ: መቄዶንያ ሃብተመት። መሳጢ ህንጻታትን መናድቕን ተሰርሐ፣ ንዙስ: ንኣርጤምስ: ንኣፖሎ: ንኣቴና: ከምኡውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ግሪኽ ዚኸውን ኣብያተ-መቕደስ ተሃንጸ።

ሓደ መጽሓፍ ታሪኽ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ዘመናት: ቤርያ “ኣብ ከባቢኣን ኣብ ዝተረፈ ሰሜናዊ ግሪኽን ኣገዳሲ ተራ ተጻወተት” ይብል። ብፍላይ ብዘመን እቲ ኣብ መጨረሽታ ብሮማ እተገልበጠ ናይ መወዳእታ ስርወ-ንግስነት መቄዶንያ: ማለት ብዘመን ስርወ-ንግስነት እንዳ ኣንቲጎኒድስ (306-168 ቅ.ክ.) ተፈላጥነት ረኺባ ነበረት።

ሮማውያን ብ197 ቅ.ክ. ንንጉስ ፊሊፕ ሓምሻይ ምስ ሰዓርዎ: “እቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ሚዛን ሓይሊ ተገልበጠ: ሮማ ኸኣ ኣብ ምብራቓዊ መዲተራነያን ወሳኒት ሓይሊ ዀነት” ብምባል ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ይገልጽ። ብ168 ቅ.ክ. ኣብቲ ኻብ ቤርያ ንደቡብ ሒደት ኪሎ ሜተራት ርሒቑ ዚርከብ ፒድና ዚበሃል ቦታ: ሮማዊ ጀነራል ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ መወዳእታ ጥንታዊ መቄዶንያዊ ገዛኢ ዝዀነ ፐርሱስ ወሳኒ ዓወት ረኸበ። ከምቲ ብትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዝነበረ: እታ ሓይሊ ዓለም ዝነበረት ግሪኽ ብሮማ ተተክአት። (ዳንኤል 7:6, 7, 23) ድሕሪ እቲ ዂናት: ቤርያ ሓንቲ ኻብተን ቀልጢፈን ኢደን ዝሃባ ኸተማታት መቄዶንያ እያ ነይራ።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ.: ኣብቲ ኣብ መንጎ ፖምፐይን ጁልየስ ቄሳርን እተገብረ ግጭት: መቄዶንያ ዓውዲ ዂናት ኰይና ነበረት። ፖምፐይ ነቲ ማእከል መአዘዚኡን ሰራዊቱን ኣብ ጥቓ ቤርያ ገይሩ ነበረ።

ኣብ ትሕቲ ሮማውያን በልጸገት

ፓክስ ሮማና ወይ ሰላም ሮማ ሰፊኑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ኣብ ቤርያ ብኽልቲኡ ሸነኹ ኣዕኑድ እተሰርዓሉ ኣእማን እተነጽፎ ጐደናታት ነበረ። እታ ኸተማ ህዝባዊ መሕጸቢ ነብሲ ዚኸውን ጋብላታት: ትያትራት: ኣብያተ-መጻሕፍቲ: ከምኡውን ንቓልስታት ዚኸውን መሳለጥያታት ነበራ። ዚስተ ማይ ዚመጸሉ ሻምብቆታት: ከምኡውን ብትሕቲ መሬት ረሳሕ ፈሳሲ ዚኸደሉ ትቦታት ነበራ። ከም ማእከል ንግዲ መጠን: ነጋዶን ስነ-ጥበባውያንን ኣትለታትን ዚበጽሕዋ: ኣትለታዊ ውድድራትን ካልእ ፍጻመታትን ኪከታተሉ ዚመጹ ተመልከትቲ እውን ዜዘውትርዋ ስለ ዝነበረት ስምይቲ እናዀነት ከደት። ጓኖት ኣብ ጽምብላት ሃይማኖቶም ኪሳተፉሉ ዚኽእሉ እተፈላለየ ቦታታት ኣምልኾ እውን ነበራ። እወ: ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ናይ ሮማ ዓለም ዝነበረ እተፈላለየ ዓይነት ኣምልኾ ይራኸብን ይተሓናፈጽን ነበረ።

ድሕሪ ሞቶም ኣማልኽቲ ጌርካ ዚረኣዩ ዝነበሩ ሃጸያት ሮማ: ገለ ኻብቶም ኣብ ቤርያ ዚምለኹ ዝነበሩ ኣማልኽቲ እዮም ነይሮም። ኣምልኾ ሃጸይ በቲ ኸም ኣምላኽ ጌርካ ዚርአ ዝነበረ ኣለክሳንደር ዓብዪ ስለ ዝጀመረ: እዚ ሮማውያን ዘምጽእዎ ልምዲ ንሰብ ቤርያ ሓድሽ ኣይኰኖምን። ብዛዕባ እዚ ልምዲ እዚ ሓደ ናይ ግሪኽኛ ምንጪ ኸምዚ ይብል:- “ኣብቶም ኣብ ምብራቓዊ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝነበሩ ሄለናውያን [ግሪኻውያን] ንንጉስ ኣብ ብምሉኡ ህይወቱ መለኮታዊ ኽብሪ ምሃብ ልሙድ ስለ ዝነበረ: ንሃጸያት ሮማ እውን ተሓጒሶም እዮም ኣምልኾኣዊ ኽብሪ ዝሃብዎም። . . . ኣብ ሰናቲሞም ነቲ ሃጸይ ዚበርህ ኣኽሊል ብምግባር ኣምልኾ ይህብዎ ነበሩ። ከምቲ ንሓደ ኻብቶም ኣማልኽቶም ዚገብሩሉ ገይሮም: ብማህለታትን ብመዝሙራትን ኣቢሎም ምህለላኦም የቕርቡሉ ነበሩ።” መሰውኢታትን ኣብያተ-መቕደስን ሃነጹ: ንዕኡ እውን መስዋእትታት የቕርቡ ነበሩ። ሃጸያት እውን ከይተረፉ ኣብቲ ውድድራት ኣትለቲክስን ስነ-ጥበብን ስነ-ጽሑፍን ዜጠቓልል ንኣምልኾ ሃጸያት ዚግበር በዓላት ይርከቡ ነበሩ።

ቤርያ ማእከል ኣረማዊ ኣምልኾ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ምኽንያቱ መንበር ኪኖን መቄዶንያ እያ ነይራ። እዚ ኪኖን እዚ ኻብ እተፈላለያ ኸተማታት መቄዶንያ ወኪል ኰይኖም ንዝመጹ ሓደ ጕጅለ የመልክት ነበረ። እዞም ወኪላት እዚኣቶም ብዛዕባ ጕዳይ ከተማን ኣውራጃን ንምዝታይን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሮማውያን ኰይኖም ጕዳዮም ንምፍጻምን ኣዘውቲሮም ኣብ ቤርያ ይእከቡ ነበሩ። ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ዕዮ ኪኖን: ነቲ ንኣምልኾ ሃጸያት ዚግበር በዓላት ብሓላፍነት ምምራሕ ነበረ።

እምበኣር: ጳውሎስን ሲላስን ካብ ተሰሎንቄ ድሕሪ ምህዳሞም: ናብዛ ኸምዚኣ ዝኣመሰለት ከተማ እዮም ተጓዒዞም። ኣብቲ ግዜ እቲ ቤርያ ንኽልተ ዘመን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ሮማ ጸኒሓ ነበረት።

እቲ ብስራት ናብ ቤርያ በጽሐ

ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ዝገበሮ ስብከት በቲ ኣብታ ኸተማ ዚርከብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ጀመረ። ብኸመይከ ተቐበልዎ፧ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ: እቶም ኣይሁድ “ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዚነብሩ ዝበለጸ ደግታት [“ዝለበሙ:” ትርጕም 1990] ነበሩ። ንሳቶም፤ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ: ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ” ይብል። (ግብሪ ሃዋርያት 17:10, 11) “ዝለበሙ” ስለ ዝነበሩ: ብድርቅና ነቲ ስርዓታቶም ኣይሰዓቡን። ሓድሽ ነገር ይሰምዑ እኳ እንተ ነበሩ: ተጠራጠርቲ ወይ ተበሳጨውቲ ኣይነበሩን። ንመልእኽቲ ጳውሎስ ኣብ ክንዲ ዚነጽግዎ: ብኽፉት ኣእምሮን ብዘይ ኣድልዎን ጽቡቕ ገይሮም ሰምዕዎ።

እቶም ኣይሁድ: እቲ ጳውሎስ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ ሓቂ ምዃኑ ብኸመይ ኪፈልጡ ኸኣሉ፧ ነቲ ዝሰምዕዎ በቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዚእመን መለክዒ ገይሮም ፈተንዎ። ብጥንቃቐን ብትግሃትን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት መርመሩ። ማቲው ሄንሪ ዚበሃል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ከምዚ ዚብል መደምደምታ ሃበ:- “ጳውሎስ ነቲ እተዛረቦ ነገር መርትዖ ኪዀኖ ኢሉ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ስለ ዘረድአን ካብ ብሉይ ኪዳን ስለ ዝጠቐስን: እዞም ኣብ መጽሓፍ ቅዱሶም እምነት ዝነበሮም ሰባት ኣብቲ ዝሓበሮም ቦታ ረኣዩ: ነቲ ትሕዝቶኡ ኣንበቡ: ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ሓሳብን ትርጕሙን ኣብ ግምት ኣእተዉ: ምስ ካልእ ጥቕስታት ኣነጻጸርዎ: ጳውሎስ ካብኡ ዝጠቐሶ ነገር ባህርያውን ሓቀኛን: መጐተኡ ኸኣ ዜእምን እንተ ዀይኑ መርመሩ: ኣብኡ ተመርኲሶም ከኣ ወሰኑ።”

እዚ ላዕለ ላዕሊ እተገብረ መጽናዕቲ ኣይነበረን። ሰብ ቤርያ ኣብ ሰናብቲ ጥራይ ዘይኰነስ: መዓልታዊ ግዜ ብምውሳድ ብትግሃት ቀጻሊ መጽናዕቲ እዮም ገይሮም።

ነቲ ዝረኸብዎ ፍረ እሞ ንሕሰበሉ። ኣብ ቤርያ ዝነበሩ ብዙሓት ኣይሁድ ነቲ መልእኽቲ ተቐቢሎም ኣመንቲ ዀኑ። ምናልባት ናብ ኣይሁድነት እተቐየሩ ጵሮሴሊት ዚርከብዎም ሓያሎ ግሪኻውያን እውን ኣመኑ። እዚ ግን ካብ እዝኒ ኻልኦት ኣየምለጠን። ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ነዚ ምስ ሰምዑ: “ነቲ ህዝቢ ኺዘርጉን ኬናዕቡን” ብቕልጡፍ ናብ ቤርያ ኸዱ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:4, 12, 13

ጳውሎስ ካብ ቤርያ ኺወጽእ ተገደደ: ስብከቱ ግን ኣብ ካልእ ቦታ ቐጸለ። ኣብቲ ግዜ እቲ ብመርከብ ገይሩ ናብ ኣቴና ኸደ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:14, 15) ይኹን እምበር: ሳላ እቲ ኣብ ቤርያ ዝፈጸሞ ኣገልግሎት: ኣብኡ ክርስትና ሱር ሰደደ። ሎሚ ኸኣ ፍረ ይፈሪ ኣሎ።

እወ: ሎሚ እውን ኣብ ቤርያ (ቬርያ) ንቕዱሳት ጽሑፋት ተጠንቂቖም ዚምርምሩ: ‘ንዅሉ ዚዕዘቡ:’ ነቲ መሰረት ዘለዎን ሓቅን ከኣ ‘ዚሕዙ’ ሰባት ኣለዉ። (1 ተሰሎንቄ 5:21) ኣብታ ኸተማ እቲኣ ኽልተ እናሰሰና ዚኸዳ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣብቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ዕዮ ስብከት ተጸሚደን መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኻልኦት የካፍላ ኣለዋ። ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት የናድያ: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት የረድኣኦም: እቲ ደራኺ ሓይሊ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም እቶም ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኺፈልጥዎ ዚደልዩ ዘበሉ ኺሕግዞም ከኣ መገዲ ይኸፍታ ኣለዋ።—እብራውያን 4:12

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ክፋል እቲ ኻልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ

ሚስያ

ጥሮኣስ

ንያጶሊስ

ፊልጲ

መቄዶንያ

ኣምፊጶሊስ

ተሰሎንቄ

ቤርያ

ግሪኽ

ኣቴና

ቈረንቶስ

ኣካይያ

እስያ

ኤፌሶን

ሮዶስ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

ኣለክሳንደር ዓብዪ ኸም ናይ ግሪኽ ኣምላኽ ጌርካ እተሳእለሉ ሳንቲም ብሩር

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Coin: Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ቤርያ (ቬርያ) ዚርከብ ኣፍ ደገ ሰፈር ኣይሁድ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዘመናዊት ቤርያ (ቬርያ) ዚርከብ ጥንታዊ ቤት ጸሎት ኣይሁድ