ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እታ ጉባኤ ትተሃነጽ

እታ ጉባኤ ትተሃነጽ

እታ ጉባኤ ትተሃነጽ

“[ነታ] ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ: እናተሀንጸት . . . ከደት።” —ግብሪ ሃዋርያት 9:31

1. ብዛዕባ እታ ጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” እንታይ ሕቶታት እዩ ዚለዓል፧

 ብጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. የሆዋ ነቶም ጕጅለ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ: ከም ሓድሽ ህዝቢ: ማለት ከም “ናይ ኣምላኽ እስራኤል:” ገይሩ ብምርኣይ ብወግዒ ተቐበሎም። (ገላትያ 6:16) እዞም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ: ጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” እውን ኰይኖም እዮም። (1 ቈረንቶስ 11:22) እዚ ግን እንታይ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ፧ እታ ጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” ብኸመይ እያ ኽትውደብ ዘለዋ፧ ኣባላታ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ይሃልዉ ብዘየገድስ: ብኸመይ እያ ኣብ ምድሪ እትዓዪ፧ ህይወትናን ሓጐስናንከ በዚ ዚጽሎ ብኸመይ እዩ፧

2, 3. የሱስ እታ ጉባኤ መዋቕር ከም ዚህልዋ ዝሓበረ ብኸመይ እዩ፧

2 ከምቲ ኣብታ ኣቐዲማ ዝነበረት ዓንቀጽ እተገልጸ: የሱስ ብዛዕባ ምቛም እታ ጉባኤ ቕቡኣት ሰዓብቱ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነበረ፣ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ድማ “ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ [የሱስ ክርስቶስ] እዚኣ ኽሀንጻ እየ: ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን” በሎ። (ማቴዎስ 16:18) ብተወሳኺ እውን: የሱስ ገና ምስ ሃዋርያቱ ኸሎ: ብዛዕባ ዕማምን ስርዓትን እታ ድሕሪ ሓጺር እዋን እትምስረት ጉባኤ ዚገልጽ ሓበሬታ ሃበ።

3 የሱስ ገሊኦም ሰባት ኣብታ ጉባኤ መሪሕ ቦታ ኸም ዚህልዎም ንምሕባር ብቓልን ብግብርን መሃሮም። ነዚ ድማ ነቶም ኣብታ ጕጅለ ዚርከቡ ኻልኦት ሰባት ብምግልጋል እዮም ዚገብርዎ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚገዝእዎም: እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ አሎኹም። ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ: ንሱ ባርያ ኹሉ ይኹን።” (ማርቆስ 10:42-44) ስለዚ: እታ ጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” ፋሕ ዝበለት: ወይ ከኣ ርእሶም ዝፈለዩ ውልቀ-ሰባት ዘለውዋ ቕርጸ-ኣልቦ ዝዀነት ጉባኤ ኣይኰነትን። ኣብ ክንዳኡስ: ንሓድሕዶም እሂን ምሂን ዚበሃሃሉ ውልቀ-ሰባት ዘለውዋ ብመዋቕር ዝቘመት ጉባኤ እያ።

4, 5. እታ ጉባኤ መንፈሳዊ መምርሒ ኸም ዜድልያ ብኸመይ ንፈልጥ፧

4 እቲ ርእሲ እዛ ጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” ዝዀነ የሱስ: እቶም ሃዋርያቱን ካልኦት ካብኡ እተማህሩ ሰባትን ፍሉይ ዝዀነ ሓላፍነታት ከም ዚህልዎም ገለጸ። እንታይ እዮም ኪገብሩ፧ እቲ ቐንዲ መዝነቶም: ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ መንፈሳዊ መምርሒ ምሃብ እዩ። እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ኣብ ቅድሚ እቶም ካልኦት ሃዋርያት ንጴጥሮስ: “ስምኦን ወዲ ዮና: ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧” ኢሉ ኸም ዝሓተቶ ትዝክር ትኸውን። ጴጥሮስ ድማ “እወ ጐይታይ: ኣነ ኸም ዘፍቅረካ: ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ” ብምባል መለሰሉ። የሱስ ቀጺሉ “ዕያውተይ ኣብልዕ: . . . ኣባጊዔይ ሐሉ: . . . ኣባጊዔይ ኣብልዕ” በሎ። (ዮሃንስ 21:15-17) ከመይ ዝበለ ረዚን ሓላፍነት ኰን እዩ!

5 ቃላት የሱስ ከም ዚሕብሮ: እቶም ኣብታ ጉባኤ ዚተኣኻኸቡ ሰባት ምስ ኣብ ደምበ ዘለዋ ኣባጊዕ ተመሳሲሎም ኣለዉ። እዞም ብኣባጊዕ ተመሲሎም ዘለዉ ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ሕጻናትን: መንፈሳዊ ምግቢ ኺምገቡ ኸምኡውን ግቡእ ጕስነት ኪግበረሎም ኣለዎ። ብተወሳኺ እውን: የሱስ ንዅሎም ሰዓብቱ: ኪምህሩን ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩን ስለ ዝኣዘዞም: እቶም ኣባጊዑ ዝዀኑ ሓደስቲ ሰባት ነዚ ኣምላኽ ዝሃቦም መዝነት ብኸመይ ከም ዚዓምዎ ስልጠና ኺወሃቦም ኣለዎ።—ማቴዎስ 28:19, 20

6. ኣብታ ሓዳስ ዝቘመት ጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” እንታይ ስርዓት እዩ ተገይሩ፧

6 እታ ጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” ምስ ተመስረተት: እቶም ኣባላታ ወትሩ ንኺመሃሩን ንሓድሕዶም ንኺተባብዑን ይእከቡ ነበሩ፣ “ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቝራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:42, 46, 47) ካልእ ኣብቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ ጐሊሑ ዚርአ ኽፋል: ገሊኦም ብቑዓት ሰብኡት ኣብ ሓድሓደ ኺዕየ ዘለዎ ነገራት ንኺሕግዙ ተሸይሞም ነበሩ። እዚኣቶም ግን እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሕለፍዎ ዓመት: ወይ ከኣ ነቲ ዘለዎም ሞያ መሰረት ብምግባር ኣይኰኑን ተመሪጾም። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም “መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም” እዮም ነይሮም። ሓደ ኻብዚኣቶም እስጢፋኖስ እዩ ነይሩ: እቲ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ ኸኣ “እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይ” ነበረ። ሓደ ኻብቲ እዚ ስርዓት ጉባኤ ዘፍረዮ ፍረ: “ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሔ: ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ” ብምባል ተገሊጹ ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 6:1-7

ኣምላኽ እተጠቕመሎም ሰብኡት

7, 8. (ሀ) እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣብ መንጎ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ከም እንታይ ኰይኖም እዮም ዚዓዩ ነይሮም፧ (ለ) በተን ጉባኤታት ኣቢሉ መምርሒ ኺወሃብ ከሎ: እንታይ ውጽኢት እዩ ዚርከብ ነይሩ፧

7 እቶም ሃዋርያት ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ስርዓት ጉባኤ ይመርሕዎ ኸም ዝነበሩ ፍሉጥ እዩ: በይኖም ግን ኣይኰኑን ነይሮም። ሓደ እዋን: ጳውሎስን ብጾቱን ናብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ተመልሱ። ግብሪ ሃዋርያት 14:27 “ናብኣ ምስ በጽሑ: ንማሕበር ኣኪቦም: ኣምላኽ ዝገበረሎም ኵሉ: . . . ኣዘንተዉሎም” ብምባል ትገልጽ። ኣብታ ጉባኤ ኸለዉ: እቶም ካብ ኣህዛብ ኣመንቲ ዝዀኑ ኺግረዙ ዚግብኦም እንተ ዀይኑ ሕቶ ተላዕለ። ጳውሎስን በርናባስን ነዚ ጕዳይ እዚ ንምፍታሕ “ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም:” ማለት ናብቶም ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ ተላእኩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:1-3

8 “እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኺምርምሩ” ተኣከቡ: እቲ ንየሱስ ብኣደ ሓው ዝነበረ ግን ከኣ ሃዋርያ ዘይኰነ ክርስትያን ሽማግለ ያእቆብ ድማ ነቲ ኣኼባ መርሖ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:6) ብድሕሪ እቲ እተገብረ ዘተ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚሰማማዕ ውሳነ ገበሩ። ነዚ ድማ ናብተን ጉባኤታት ብደብዳበ ጽሒፎም ለኣኽዎ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:22-32) እቶም ነዚ ሓበሬታ እዚ እተቐበሉ ኸኣ ብእኡ ተሰማሚዖም ኣብ ግብሪ ኣውዓልዎ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ተሃኒጾምን ተተባቢዖምን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ: “ስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓ: ቍጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ” ብምባል ይጽብጽብ።—ግብሪ ሃዋርያት 16:5

9. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ብቑዓት ክርስትያን ሰብኡት ዝነበሮም ግደ እንታይ ይብል፧

9 እተን ጉባኤታት መዓልታዊ ዕዮአን ኪገብራ ዝኸኣላ ግን ብኸመይ እየን፧ ንኣብነት: ነተን ኣብ ደሴት ቅሬጥስ ዝነበራ ጉባኤታት እስከ ርአ። መብዛሕትኦም እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ሕማቕ ስም እኳ እንተ ነበሮም: ገሊኦም ግን ተቐይሮም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኰኑ። (ቲቶስ 1:10-12፣ 2:2, 3) ኣብ እተፈላለያ ኸተማታት እዮም ዚነብሩ ነይሮም: ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል ድማ ኣዝዮም ርሒቖም ነበሩ። እዚ ግን ከቢድ ጸገም ኣይነበረን፣ ከመይሲ: ልክዕ ከምቲ ኣብ ካልእ ቦታ እተገብረ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ኣብ ቅሬጥስ ዝነበራ ጉባኤታት መንፈሳውያን “ሽማግሌታት” ተሸይሞም ነበሩ። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ብቕዓታት ዜማልኡ እዮም ነይሮም። ‘በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚምዕዱ: ነቶም ተቓናቐንቲ እውን ምግናሖም ዚኽእሉ’ ሽማግለታት ወይ ሓለውቲ ዀይኖም ከኣ ተሸሙ። (ቲቶስ 1:5-9፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:1-7) ካልኦት መንፈሳውያን ሰብኡት ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብቕዓት ብምምላእ ኣገልገልቲ ጉባኤ ወይ ድያቆናት ኰይኖም ይሕግዙ ነበሩ።—1 ጢሞቴዎስ 3:8-10, 12, 13

10. ብመሰረት ማቴዎስ 18:15-17 ከበድቲ ጸገማት ብኸመይ እዩ ዚፍታሕ ነይሩ፧

10 የሱስ ከምዚ ዝበለ መዋቕር ከም ዚህሉ ሓቢሩ ነበረ። ነቲ ኣብ ማቴዎስ 18:15-17 ዘሎ ጸብጻብ ትዝክሮ ትኸውን፣ የሱስ ኣብዚ ጸብጻብ እዚ: ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኻልእ ብሰንኪ ዚፍጽሞ በደል: ኣብ መንጎ ኽልተ ንኣምላኽ ዜምልኹ ሰባት ዘይምስምማዕ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ገለጸ። እቲ እተበደለ ሰብ ናብቲ በዳሊ ብምኻድ ንበይኑ ገይሩ ‘ይገንሖ።’ እዚ ስጕምቲ እዚ ነቲ ጕዳይ እንተ ዘይፈቲሕዎ: ነቲ ነገር ዚፈልጥዎ ሓደ ወይ ክልተ ሰባት ይጽውዕ ይኸውን። እቲ ነገር በዚ እንተ ዘይተፈቲሑኸ፧ የሱስ ከምዚ በለ:- “ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ: ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና: ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርአዮ።” የሱስ ነዚ ኺዛረብ ከሎ: ኣይሁድ ገና ጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” እዮም ነይሮም፣ ስለዚ: ቃላቱ ብቐዳምነት ኣብኦም እዩ ዚውዕል ነይሩ። a ይኹን እምበር: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ተመስረተት: እቲ የሱስ ዝሃቦ መምርሒ ኣብኣ እዩ ዚውዕል። እዚ ኸኣ ህዝቢ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ዚሃንጽን መምርሒ ዚህብን መዋቕር ጉባኤ ኸም ዚህሉ ዜርኢ ኻልእ መርትዖ እዩ።

11. ሽማግለታት ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዚካፈሉ ብኸመይ እዮም፧

11 ስለዚ: እቶም ሽማግለታት ወይ ሓለውቲ ነቲ ኣብታ ኣብ ከባቢኻ ዘላ ጉባኤ ዘሎ ጸገማት ብምፍታሕ ወይ ነቲ ምስ ሓጢኣት ዚተሓሓዝ ጕዳያት ብምርኣይ ነታ ጉባኤ የገልግልዋ። እዚ ኸኣ ምስቲ ኣብ ቲቶስ 1:9 ዘሎ ብቕዓታት ሽማግለታት ዚሰማማዕ እዩ። ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ‘ዝተረፈ ምእንቲ ኺሰርዕ’ ናብ ጉባኤታት ዝለኣኾ ቲቶስ: እቶም ኣብታ ኣብ ከባቢኻ ዘላ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት እውን እንተ ዀነ ፍጹማት ኣይኰኑን። (ቲቶስ 1:4, 5) ሎሚ እቶም ሽማግለታት ኰይኖም ንኺሽየሙ ዚሕጸዩ ሰባት: ንእተወሰነ ግዜ እምነቶምን ተወፋይነቶምን እተራእየ ኪዀኑ ኣለዎም። ከምዚ እንተ ዀይኑ: ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብቲ በዚ ስርዓት እዚ ኣቢሉ ዚመጽእ መምርሕን ኣመራርሓን እምነት ኬሕድሩ ይኽእሉ።

12. ሽማግለታት ኣብታ ጉባኤ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧

12 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝነበሩ ሽማግለታት ከምዚ በሎም:- “ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ: መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኵሉ መጓሰ ሐልዉ።” (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ሎሚ እውን እቶም ሓለውቲ ጉባኤ ነታ ጉባኤ ወይ ‘ማሕበር ጐይታ ኺጓስዩ’ እዮም ተሸይሞም። ነዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መጓሰ ጐይተት ብምዃን ዘይኰነስ: ብፍቕሪ እዮም ዚገብርዎ። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) እቶም ሓለውቲ “ነቲ መጓሰ” ኺሃንጽዎን ኪሕግዝዎን ጻዕሪ ኺገብሩ ኣለዎም።

ምስታ ጉባኤ ምልጋብ

13. ሓድሓደ ግዜ: ኣብታ ጉባኤ እንታይ ኬጋጥም ይኽእል፧ ስለምንታይከ፧

13 እቶም ሽማግለታት ይኹኑ ዅሎም እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ፍጹማት ኣይኰኑን፣ ስለዚ: ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ገለ ኻብቶም ሃዋርያት ብህይወት ከለዉ ዘጋጠመ: ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዘይምርድዳእን ጸገማትን ኪለዓል ይኽእል እዩ። (ፊልጲ 4:2, 3) ሓደ ሓላዊ ወይ ካልእ ሰብ ዘይእሩም: ሕሱም: ወይ ሓቂ ዘይኰነ ነገር ይዛረብ ይኸውን። ወይ ከኣ ሓደ ቕዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ነገር ኣጋጢሙ ንበል፣ ኰይኑ ግን: እቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት ብዛዕባኡ እናፈለጡ ኽነሶም ነቲ ጕዳይ ኣይኣረምዎን። ምናልባት እቲ ጕዳይ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋትን ንሕና ምስ ዘይንፈልጦ ሓቅታትን ብዚሰማማዕ መገዲ ተፈቲሑ ወይ ከኣ ይፍታሕ ይህሉ ይኸውን። እቲ ጕዳይ ከምቲ እንሓስቦ እኳ እንተ ዀነ: ነዚ ዚስዕብ ነጥቢ ኽንሓስበሉ ኣሎና:- ንእተወሰነ እዋን: ኣብታ የሆዋ ዝሓልየላ ዝነበረ ኣብ ቈረንቶስ እትርከብ ጉባኤ ሓደ ኸቢድ ሓጢኣት ተፈጸመ። ድሕሪ ግዜ: የሆዋ እቲ ሓጢኣት ብትኽክልን ብጽንዓትን ከም ዜልግስ ገበረ። (1 ቈረንቶስ 5:1, 5, 9-11) ‘ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ቈረንቶስ እነብር ነይረ እንተ ዝኸውን: ብኸመይ ምላሽ ምሃብኩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ።

14, 15. ገሊኦም ሰባት ንየሱስ ካብ ምስዓብ ዘቋረጹ ስለምንታይ እዮም፧ እዚኸ ንዓና እንታይ ትምህርቲ እዩ ዚዀነና፧

14 ኣብታ ጉባኤ ኼጋጥም ዚኽእል ካልእ ነገር እስከ ርአ። ሓደ ሰብ: ሓደ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመስረተ ትምህርቲ ኺርድኦን ኪቕበሎን ከበዶ ንበል። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ጽሑፋትን ምርምር ገይሩ ይኸውን፣ ካብ ሓደ ብሱል ክርስትያን: ወይ ካብ ሽማግለ ሓገዝ ሓቲቱ ይኸውን። ኰይኑ ግን: ነቲ ነጥቢ ኺርድኦን ኪቕበሎን ኣጸጊምዎ። እንታይ እንተ ገበረ ይሓይሽ፧ የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ሓደ ዓመት ይገብር: ምስዚ ዚመሳሰል ኵነታት ኣጋጢሙ ነበረ። የሱስ “እንጌራ ህይወት” ከም ዝዀነን ሓደ ሰብ ንዘለኣለም ንኺነብር ‘ስጋ ወዲ ሰብ ኪበልዕ: ደሙ እውን ኪሰቲ ኸም ዘለዎን’ ተዛረበ። እዚ ኸኣ ንገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ ኣሰንበዶም። መግለጺ ኺረኽቡ ኣብ ክንዲ ዚጽዕሩ ወይ ብእምነት ኣብ ክንዲ ዚጽበዩ: ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ “[ምስ የሱስ] ኣይከዱን።” (ዮሃንስ 6:35, 41-66) ንስኻኸ ኣብኡ ኔርካ እንተ ትኸውን: እንታይ ምገበርካ፧

15 ኣብዚ ግዜና: ገሊኦም ሰባት ብርእሶም ንኣምላኽ ኬገልግልዎ ዚኽእሉ ዀይኑ ስለ እተሰምዖም: ምስታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ጉባኤ ምሕባር ሓደግዎ። ስምዒቶም ስለ እተጐድአ: ጌጋ ዝበልዎ ነገራት ስለ ዘይተዓራረየ: ወይ ከኣ ንገሊኡ ትምህርቲ ኪቕበልዎ ስለ ዘይከኣሉ ምዃኑ ይዛረቡ ይዀኑ። እዚ ኣካይዳ እዚ ግን ክሳዕ ክንደይ ርትዓዊ እዩ፧ ኵሉ ሰብ ምስ ኣምላኽ ውልቃዊ ርክብ ኪህልዎ ይኽእል እኳ እንተ ዀነ: ልክዕ ከምቲ ብግዜ ሃዋርያት ዝነበረ ግን ኣምላኽ ዓለምለኻዊት ጉባኤ ይጥቀም ከም ዘሎ ኽንክሕዶ ኣይንኽእልን ኢና። ብተወሳኺ እውን: የሆዋ ነተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት ተጠቒሙለንን ባሪኽወንን እዩ፣ ነታ ጉባኤ ዜገልግሉ ብቑዓት ሽማግለታትን ኣገልግልቲ ጉባኤን ድማ ሰሪዑ ነበረ። ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ ምስዚ ዚመሳሰል እዩ።

16. ሓደ ሰብ ካብታ ጉባኤ ኺወጽእ እንተ ተፈቲኑ: ብዛዕባ እንታይ እዩ ኺሓስብ ዘለዎ፧

16 ሓደ ክርስትያን ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ውልቃዊ ርክብ ጥራይ ኪውከል ከም ዚኽእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዕዎ: ካብቲ ኣምላኽ ዘቘሞ ስርዓት: ማለት ካብታ ዓለምለኻዊት ጉባኤን ካብታ ኣብ ከባቢኡ ዘላ ጉባኤ ህዝቢ ኣምላኽን እዩ ዚርሕቕ ዘሎ። ሓደ ሰብ ብርእሱ ኪኸይድ ወይ ምስ ውሑዳት ሰባት ኪተሓባበር ይጅምር ይኸውን: እቲ ንሽማግለታት ጉባኤ ዚምልከት ስርዓት ከምኡውን እቲ ንኣገልገልቲ ጉባኤ ዚምልከት መሰናድዎ ግን ኣበይ ይረኽቦ፧ ጳውሎስ ናብታ ኣብ ቈሎሴ ዝነበረት ጉባኤ መልእኽቲ ኺጽሕፍ ከሎ ኸምኡውን ኣብ ሎዲቅያ ንኽትንበብ መምርሒ ኺህብ ከሎ: ብዛዕባ ‘ኣብ ክርስቶስ ምስራትን ምህናጽን’ ምጽሓፉ እምበኣር ሓቁ እዩ። እቶም ርእሶም ዝፈለዩ ዘይኰነስ: እቶም ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ሰባት ካብዚ ጥቕሚ ረኺቦም እዮም።—ቈሎሴ 2:6, 7፣ 4:16

ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን

17. ቀዳማይ ጢሞቴዎስ 3:15 ብዛዕባ እታ ጉባኤ እንታይ እያ እትምህረና፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ነቲ ክርስትያን ሽማግለ ጢሞቴዎስ ዝጸሓፈሉ መልእኽቲ: እቶም ኣብታ ጉባኤ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኰይኖም ዜገልግሉ ኼማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት ዘርዚሩ ነበረ። ካብዚ ቐጺሉ ነታ “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ” ጠቐሰ። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) እታ በቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ዝቘመት ጉባኤ: ብርግጽ ናይታ ሓቂ ዓንዲ ምዃና ኣመስኪራ እያ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ድማ በታ ኣብ ከባቢኡ ዘላ ጉባኤ ኣቢሉ ኸምዚ ዝበለ ሓቂ ኺረክብ ከም ዚኽእል ዘየማትእ እዩ። ኣብታ ጉባኤ: ሓቂ ኽትግለጽን ክትድገፍን ከላ ይሰምዑን ይህነጹን።

18. ኣኼባታት ጉባኤ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

18 ብተመሳሳሊ: እታ ዓለምለኻዊት ክርስትያናዊት ጉባኤ: ቤት ኣምላኽን “ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን” እያ። ኣብታ ኣብ ከባቢና ዘላ ጉባኤ ብስሩዕ ምክፋልናን ምስታፍናን: ንኽንህነጽ: ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንኺድልድል: ፍቓዱ ንምግባር ድማ ድሉዋት ንኽንከውን ዚሕግዘና ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ጳውሎስ ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ: ኣብቲ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣኼባ ዚዝረብ ነገራት ኣተኰረ። እቶም ኣብኡ ዝመጹ ሰባት ‘ንኺህነጹ:’ ኣብቲ ኣኼባኦም ዚብልዎ ነገራት ንጹርን ዚርዳእን ኪኸውን ከም ዚደሊ ጸሓፈሎም። (1 ቈረንቶስ 14:12, 17-19) ሎሚ እውን: የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ኣብታ ጉባኤና ዘሎ ስርዓት ከም ዘቘሞን ከም ዚድግፎን ንቕበሎ እንተ ዄንና: ክንህነጽ ኢና።

19. ንጉባኤኻ መማሰዊ ኽትከውን ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧

19 እወ: ከም ክርስትያናት መጠን ክንህነጽ እንተ ደሊና: ምስታ ጉባኤ ኢና ኽንለግብ ዘሎና። እዛ ጉባኤ እዚኣ ኻብ ነዊሕ ኣትሒዛ: ካብ ናይ ሓሶት ትምህርትታት እተዕቍብ ዕርዲ ዀይና ኸተገልግል ጸኒሓ እያ፣ ኣምላኽ ድማ ብስራት እቲ መሲሓዊ መንግስቱ ኣብ መላእ ዓለም ንኺስበኽ ይጥቀመላ ኣሎ። ብዘይ ጥርጥር እምበኣር: ኣምላኽ በዛ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ ብዙሕ ነገራት ንምፍጻም ተጠቒሙላ እዩ።—ኤፌሶን 3:9, 10

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ዝዀነ ኣልበርት ባርንዝ ከም ዝገለጾ: የሱስ “ንማሕበር ንገራ” ዚብል መምርሒ ኺህብ ከሎ: “ነቶም ከምዚ ዝበለ ጕዳያት ኪምርምሩ እተመዘዙ ሰባት: ማለት ነቶም ተወከልቲ ቤተ-ክርስትያን” ኣመልኪቱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ከመይሲ: “ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ: ነቲ ኸምዚ ዝበለ ጕዳያት ዚርእዩን ፍርዲ ዚህቡን ሽማግለታት ነይሮም እዮም።”

ትዝክሮዶ፧

• ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ጉባኤታት ኪጥቀም ትጽቢት እንገብር ስለምንታይ ኢና፧

• ሽማግለታት ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰኑ: ነታ ጉባኤ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧

• በታ ኣብ ከባቢኻ ዘላ ጉባኤ እተሃነጽካ ብኸመይ ኢኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን: ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ይዓዩ ነበሩ

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ነቲ ናይ ጉባኤ ሓላፍነታቶም ንምፍጻም መምርሒ ይቕበሉ