ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እታ ጉባኤ ንየሆዋ ትወድሶ

እታ ጉባኤ ንየሆዋ ትወድሶ

እታ ጉባኤ ንየሆዋ ትወድሶ

“ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም: ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ።” —እብራውያን 2:12

1, 2. እታ ጉባኤ ኣዝያ ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ እንታይ ኣገዳሲ ግደኸ እዩ ዘለዋ፧

 ኣብ ምሉእ ታሪኽ ከም እተራእየ: ውልቀ-ሰባት ኣብ ውሽጢ ስድራቤት: ምሕዝነትን ድሕንነትን ረኺቦም እዮም። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ማእለያ ዘይብሎም ውልቀ-ሰባት ዚረኽብዎ ዘለዉ ፍሉይ ምሕዝነትን ድሕንነትን ይገልጽ እዩ። ነዚ ኸኣ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እዮም ዚረኽብዎ። ስለዚ: ኣባል ሓደ ድልዱል ርክብ ዘለዎን ዚደጋገፍን ስድራቤት ኩን ኣይትኹን ብዘየገድስ: ነቲ ኣምላኽ ኣብታ ጉባኤን በታ ጉባኤን ገይሩ ዘዳለዎ ስርዓት ከተማስወሉ ትኽእል ኢኻ፣ ከምኡ ኽትገብር እውን ኣሎካ። ልክዕ እዩ: ምስታ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድሮ ትሓብር እንተ ኣሊኻ: ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዝረኣኻዮ ምዉቕ ብጻይነትን እተሰምዓካ ድሕንነትን ትምስክር ትኸውን።

2 እታ ጉባኤ ማሕበራዊት ጕጅለ ጥራይ ኣይኰነትን። ብዛዕባ ስፖርት ወይ ብዛዕባ ኻልእ ንመሕለፍ ግዜ ዚግበር ንጥፈታት ተመሳሳሊ ድሕረ-ባይታ ወይ ከኣ ተመሳሳሊ ዝንባለ ዘለዎም ሰባት ዚራኸቡሉ ኮማዊ ማሕበር ወይ ከኣ ክበብ እውን ኣይኰነትን። ኣብ ክንዳኡስ: ቀንዲ ዕላማ እታ ጉባኤ: ንየሆዋ ኣምላኽ ምውዳስ እዩ። ከምቲ መጽሓፍ መዝሙር ኣጕልሕ ኣቢላ እትገልጾ: እዚ ኻብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝነበረ ዕላማ እዩ። ኣብ መዝሙር 35:18 “ኣብ ዓብዪ ማሕበር [“ጉባኤ:” ትርጕም 1990] ኤመስግነካ: ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ” ዚብል ነንብብ። ብተመሳሳሊ እውን መዝሙር 107:31, 32 ከምዚ ብምባል ተተባብዓና:- “ንእግዚኣብሄር ስለ ሳህሉን ስለቲ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ተኣምራቱን የመስግንዎ: ኣብ ማሕበር [“ጉባኤ:” ትርጕም 1990] ኣህዛብ ልዕል የብልዎ።”

3. ብመሰረት ቃላት ጳውሎስ: እታ ጉባኤ እንታይ ግደ እዩ ዘለዋ፧

3 እቲ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ “ቤት ኣምላኽ: ማለት፣ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ” ኪጠቅስ ከሎ: ነቲ እታ ጉባኤ ዘለዋ ኻልእ ኣገዳሲ ግደ ኣጕልሐ። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) ጳውሎስ ብዛዕባ ኣየነይቲ ማሕበር ወይ ጉባኤ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ማሕበር” ወይ “ጉባኤ” እትብል ቃል ብኸመይ እዩ ዚጥቀመላ፧ እታ ጉባኤ ኣብ ህይወትናን ኣብ ተስፋናን እንታይ ጽልዋ እዩ ኺህልዋ ዘለዎ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ: ፈለማ እስከ ቓል ኣምላኽ ነታ “ማሕበር” ወይ “ጉባኤ” እትብል ቃል ብኸመይ ከም እተጠቕመላ ንመርምር።

4. መብዛሕትኡ እዋን: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ነታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ብኸመይ እዩ ተጠቒሙላ፧

4 እታ መብዛሕትኡ ግዜ “ማሕበር” ወይ “ጉባኤ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: ካብታ “ምእካብ” ወይ “ምግባእ” እትብል ሱር-ቃል ዝመጸት እያ። (ዘዳግም 4:10፣ 9:10) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ነታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ነቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቲ ንምምልካት ተጠቒሙላ ኣሎ: ንጕጅለ እቶም እኩያት ሰባት ብዚምልከት እውን ክትጥቀመላ ይከኣል እዩ። (መዝሙር 26:5፣ 89:5-7) ይኹን እምበር: መብዛሕትኡ እዋን: ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ነታ ቓል ንእስራኤላውያን ንምምልካት እዩ ዚጥቀመላ። ኣምላኽ ብዛዕባ ያእቆብ ኪዛረብ ከሎ: “ጉባኤ ህዝብታት” ከም ዚኸውን ጠቐሰ፣ እዚ ድማ ተፈጺሙ እዩ። (ዘፍጥረት 28:3 NW፣ 35:11 NW፣ 48:4 NW) እስራኤላውያን ጉባኤ ወይ “ማሕበር እግዚኣብሄር” ከምኡውን “ማሕበር ኣምላኽ” ኪዀኑ እዮም ተጸዊዖም ወይ ተሓርዮም ነይሮም።—ዘሁልቍ 20:4፣ ነህምያ 13:1፣ እያሱ 8:35፣ 1 ሳሙኤል 17:47፣ ሚክያስ 2:5

5. እታ መብዛሕትኡ ግዜ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል እንታይ እያ፧ እዛ ቓል እዚኣ ኣበይ እያ ኽትውዕል እትኽእል፧

5 እታ ምስዚ እትመሳሰል ናይ ግሪኽ ቃል ኢክለስያ እትብል እያ: እዚኣ ኸኣ ካብተን “ግዳም” ከምኡውን “ምጽዋዕ” ዚብላ ኽልተ ቓላት ዝመጸት እያ። ሃይማኖታዊ ንዘይኰነ ዕላማ ንዚእከቡ ጕጅለ እውን ክትውዕል ትኽእል እያ: እቲ ድሜጥሮስ ኣብ ኤፌሶን ኣንጻር ጳውሎስ ዘለዓዓሎ “ኣኼባ” ምስዚ ዚመሳሰል እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:32, 39, 41) መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብሓፈሻ ነታ ቓል ንክርስትያናዊት ጉባኤ ንምምልካት እዩ ዚጥቀመላ። ገሊኡ ትርጕማት ነታ ቓል “ቤተ-ክርስትያን” ብምባል ይትርጕማ፣ ዘ ኢምፐርያል ባይብል-ዲክሽነሪ ኸም ዝገለጾ ግን: “ነቲ ክርስትያናት ንህዝባዊ ኣምልኾ ኢሎም ዚእከቡሉ ዝነበሩ ህንጻ ኣይተመልክትን እያ።” እቲ ዜገርም: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ነታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ኣብ ኣርባዕተ እተፈላለየ መገድታት ኣውዒልዋ ኣሎ።

እታ ብቕቡኣት ዝቘመት ጉባኤ ኣምላኽ

6. ዳዊትን የሱስን ኣብታ ጉባኤ እንታይ እዮም ገይሮም፧

6 ሃዋርያ ጳውሎስ: “ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም: ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ: . . . ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዐርቕ: ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመስሎም ተገብኦ” ብምባል ነዚ ኣብ መዝሙር 22:22 ዚርከብ ቃላት ዳዊት ኣብ የሱስ ከም ዚውዕል ሓበረ። (እብራውያን 2:12, 17) ዳዊት ኣብ ማእከል ጉባኤ ጥንታዊት እስራኤል ንኣምላኽ ወዲስዎ እዩ። (መዝሙር 40:9) ጳውሎስ ንየሱስ ብዚምልከት “ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ” ብምባል ንኣምላኽ ከም ዝወደሶ ኺገልጽ ከሎ ግን ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧ ነየነይቲ ማሕበር ወይ ጉባኤኸ እዩ ዚጠቅስ ነይሩ፧

7. ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ነታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ብቐዳምነት ዜውዕላ ኣበይ እዩ፧

7 እቲ ኣብ እብራውያን 2:12, 17 ዘንበብናዮ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ: የሱስ ኣባል እታ ስም የሆዋ ንኣሕዋቱ ዝኣወጀላ ጉባኤ ኸም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። እዞም ኣሕዋት እዚኣቶም መን እዮም፧ እዚኣቶም እቶም ኣብቲ “ሰማያዊ ጽውዓ ግደ” ዘለዎም “ንዘርኢ ኣብርሃም” ዜቝሙ ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት ክርስቶስ እዮም። (እብራውያን 2:16-3:1፣ ማቴዎስ 25:40) እምበኣር: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል: ብቐዳምነት ኣብቶም ብዙሓት ኣባላት ዘለውዋ ጕጅለ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ሰዓብቲ ክርስቶስ እያ እትውዕል። እዞም 144,000 ዝቝጽሮም ቅቡኣት ን“ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዅራት” ዜቝሙ እዮም።—እብራውያን 12:23

8. የሱስ ብዛዕባ ምምስራት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቐዲሙ ዝሓበረ ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ: ክርስትያናዊት “ማሕበር” ወይ ጉባኤ ኸም እትምስረት ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነበረ። ቅድሚ ሙማቱ ሓደ ዓመት ይገብር: ንሓደ ኻብቶም ሃዋርያት: “ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ: ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን” በሎ። (ማቴዎስ 16:18) ጴጥሮስን ጳውሎስን እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ኸውሒ: የሱስ ምዃኑ ብትኽክል ተረዲኦምዎ ነበሩ። ጴጥሮስ: እቶም “ህያው እምኒ” እቲ መንፈሳዊ ቤት ኰይኖም ኣብቲ ኸውሒ ዝዀነ የሱስ እተሃንጹ ዘበሉ: ‘ደግነት እቲ ዝጸውዖም ዚነግሩ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ’ ከም ዝዀኑ ጸሓፈ።—1 ጴጥሮስ 2:4-9፣ መዝሙር 118:22፣ ኢሳይያስ 8:14፣ 1 ቈረንቶስ 10:1-4

9. እታ ጉባኤ ኣምላኽ ዝቘመት መዓስ እያ፧

9 እዞም “ጥሪት ኣምላኽ ዝዀነ ህዝቢ” እዚኣቶም ክርስትያናዊት ጉባኤ ዀይኖም ዝቘሙ መዓስ እዮም፧ ኣብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣምላኽ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ መንፈስ ቅዱስ ምስ ኣውረደሎም እዮም ቈይሞም። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ጴጥሮስ ነቶም ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ዜደንቕ መደረ ኣቕረበሎም። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ሞት የሱስ ምስ ሰምዑ ልቦም ተወግአ: ተነሲሖም ድማ ተጠመቁ። እቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ: ሰለስተ ሽሕ ሰብ ተጠመቑ፣ ኣባላት እታ ሓዳስን እናዓበየት እትኸይድ ዝነበረትን ጉባኤ ኣምላኽ ከኣ ኰኑ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4, 14, 37-47) ሓያሎ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን: እቶም ብስጋ እስራኤላውያን ዝነበሩ ኻብኡ ንደሓር ብደረጃ ህዝቢ ኺረኣዩ ኸለዉ ጉባኤ ኣምላኽ ከም ዘይኰኑ ስለ ዝፈለጡ: እታ ጉባኤ እናወሰኸት ከደት። ኣብ ክንዳኡስ: እቶም መንፈሳዊ “ናይ ኣምላኽ እስራኤል” ዜቝሙ ቕቡኣት ክርስትያናት: ናይ ሓቂ ጉባኤ ኣምላኽ ኰኑ።—ገላትያ 6:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:28

10. የሱስ ምስታ ጉባኤ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ እንታይ እዩ፧

10 መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ ግዜ “ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን” ዚብል ሓረጋት ብምጥቃም ነቲ ኣብ መንጎ የሱስን እቶም ቅቡኣትን ዘሎ ፍልልይ ይገልጽ እዩ። የሱስ ርእሲ እዛ በቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ዝቘመት ጉባኤ እዩ። ጳውሎስ: ኣምላኽ “ኣብ ልዕሊ ዅሉስ [የሱስ] ርእሲ ምእንቲ ኪኸውን ድማ: ነታ ማሕበር ወፈዮ። ንሳ ኸኣ ስጋኡ . . . እያ” ብምባል ጸሓፈ። (ኤፌሶን 1:22, 23፣ 5:23, 32፣ ቈሎሴ 1:18, 24) ሎሚ: ካብቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ዝዀኑ ቕቡኣት: ሒደት ጥራይ እዮም ኣብ ምድሪ ተሪፎም ዘለዉ። እቲ ርእሶም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከም ዜፍቅሮም ግን ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንዕኦም ዘለዎ ስምዒት ኣብ ኤፌሶን 5:25 “ክርስቶስ ንማሕበሩ . . . ርእሱ በጃኣ ሀበ” ብምባል ተገሊጹ ኣሎ። ከምዚ ገይሩ ዜፍቅሮም: ልክዕ ከምቲ ንሱ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዚገብሮ ዝነበረ “ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር” ብንጥፈት ስለ ዜቕርቡ እዩ።—እብራውያን 13:15

ካልእ ኣወዓዕላ እታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል

11. ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ በየናይ ካልኣይ መገዲ እዩ ነታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ዚጥቀመላ፧

11 ሓድሓደ ግዜ: መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል: ብሓፈሻ ነቶም 144,000 ዝዀኑ ንጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” ዜቝሙ ቕቡኣት ዘይኰነስ: ውሱን ብዝዀነ መገዲ እውን ይጥቀመላ እዩ። ንኣብነት: ጳውሎስ ንሓደ ጕጅለ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ: “ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን: ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ” በሎም። (1 ቈረንቶስ 10:32) ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ዝነበረ ሓደ ክርስትያን ዘይግቡእ ነገራት እንተ ገይሩ: ንገሊኦም ሰባት የዐንቅፎም ይኸውን። እዚ ግን ንዅሎም እቶም ክሳዕ ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ግሪኻውያን: ኣይሁድ: ወይ ቅቡኣት ኬዐንቅፎም ይኽእል እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይኰነን። እምበኣር: እታ ኣብዚ ጥቕሲ ጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” ተባሂላ ዘላ ቓል: ነቶም ኣብ እተወሰነ እዋን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት እያ እተመልክት። ስለዚ: ኣምላኽ ንሓንቲ ጉባኤ መሪሕዋ: ሓጊዝዋ: ወይ ባሪኽዋ ኺበሃል ከሎ: ነቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ኣብ ሓደ እዋን ዝነበሩ ዅሎም ክርስትያናት ዜመልክት እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ: ብዛዕባ እታ ጉባኤ ኣምላኽ እትረኽቦ ዘላ ሓጐስን ሰላምን ኪግለጽ ከሎ እውን: ነቲ ኣብ መንጎ እቲ ክርስትያናዊ ሕውነት ዘሎ ዜመልክት እዩ።

12. መጽሓፍ ቅዱስ በየናይ ሳልሳይ መገዲ እዩ ነታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ተጠቒሙላ ዘሎ፧

12 መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ዚጥቀመሉ ሳልሳይ መገዲ: ንዅሎም እቶም ኣብ ሓደ ጂኦግራፊያዊ ቦታ ዝነበሩ ክርስትያናት ዚምልከት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: “ነታ ኣብ ኵላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ” ዚብል ነንብብ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:31) ኣብቲ ሰፊሕ ቦታ እቲ ብዙሓት ጕጅለታት ክርስትያናት እየን ነይረን፣ ኵለን እተን ኣብ ይሁዳ: ገሊላ: ሰማርያ ዝነበራ ግን ሓንቲ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ ኸም ዝዀና ተገይሩ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ቍጽሪ እቶም ኣብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ከምኡውን ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሑ እተጠመቑ ሰባት ክትርኢ ኸለኻ: ኣብ ከባቢ የሩሳሌም ወትሩ ዚእከባ ዝነበራ ብርክት ዝበላ ጕጅለታት ነይረን ክዀና ይኽእላ እየን። (ግብሪ ሃዋርያት 2:41, 46, 47፣ 4:4፣ 6:1, 7) ሄሮድስ ኣግሪጳ ቐዳማይ ብ44 ድ.ክ. ክሳዕ ዚመውት ንይሁዳ ገዝኣ፣ 1 ተሰሎንቄ 2:14 ኸም ዚሕብሮ ድማ ብ50 ድ.ክ. ኣብ ይሁዳ ሓያሎ ማሕበራት ወይ ጉባኤታት ነበራ። ስለዚ: ሄሮድስ ን“ሓያሎ ኻብታ ማሕበር ክፉእ” ኸም ዝገበሮም ከነንብብ ከለና: ነተን ኣብ የሩሳሌም ዚእከባ ዝነበራ ጕጅለታት ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 12:1

13. መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ዚጥቀመሉ ራብዓይን ልሙድን መገዲ እንታይ እዩ፧

13 እቲ ውሱንን ልሙድን ዝዀነ ራብዓይ ኣጠቓቕማ እታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል: ንሓንቲ ኣብ ሓደ ኸባቢ: ንኣብነት ኣብ ሓደ ቤት: ብክርስትያናት ዝቘመት ጉባኤ ዜመልክት እዩ። ጳውሎስ “ንማሕበራት ገላትያ” ጠቒሱ ነበረ። ኣብቲ ሰፊሕ ኣውራጃ ሮሜ: ካብ ሓንቲ ጉባኤ ንላዕሊ እየን ነይረን። ጳውሎስ ብዛዕባ ገላትያ ኺዛረብ ከሎ: ክልተ ሳዕ ነታ “ማሕበራት” እትብል ብዙሕ ቍጽሪ እተመልክት ቃል ተጠቕመ፣ እዚ ኸኣ ነተን ኣብ ኣንጾክያ: ደርቤ: ልስጥራ: ኢቆንዩም ዝነበራ ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ብቑዓት ሽማግለታት ወይ ሓለውቲ ኣብዘን ጉባኤታት እዚኣተን ተሸይሞም ነበሩ። (1 ቈረንቶስ 16:1፣ ገላትያ 1:2፣ ግብሪ ሃዋርያት 14:19-23) ብዓይኒ ቕዱሳት ጽሑፋት ኪረኣያ ኸለዋ ኸኣ: ብምሉአን ጉባኤታት ወይ “ማሕበራት ኣምላኽ” እየን ነይረን።—1 ቈረንቶስ 11:16፣ 2 ተሰሎንቄ 1:4

14. ካብ ገሊኡ ጥቕስታት ብምብጋስ: ብዛዕባ ኣወዓዕላ እታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ኢልና ኢና ኽንድምድም እንኽእል፧

14 ሓድሓደ ግዜ: ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዚገብራ ጕጅለታት ኣዝየን ንኣሽቱ ብምዃነን: ሓንቲ ናይ ውልቂ ቤት ትኣኽለን ትኸውን። ኰይኑ ግን: እታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ነዚኣተን እውን ትውዕል እያ። እተን ኣብ ቤት ኣኪላስን ጵርስኪላን: ኒምፋስ: ከምኡውን ኣብ ቤት ፊልሞን ዝነበራ ጉባኤታት ከምዚ እየን ነይረን። (ሮሜ 16:3-5፣ ቈሎሴ 4:15፣ ፊልሞን 2) እዚ ነተን ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዋ ወትሩ ኣብ ናይ ውልቂ ኣባይቲ ዚእከባ ኣዝየን ንኣሽቱ ጉባኤታት ምንጪ ምትብባዕ ይዀነን እዩ። እተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ኸምዚ ዝኣመሰላ ንኣሽቱ ጉባኤታት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዋጋ ነይርወን እዩ: ነዘን ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዋ ብመንፈሱ ኣቢሉ ብምብራኽ ከኣ ዋጋ ኸም ዘለወን የርኢ እዩ።

ጉባኤታት ንየሆዋ ይውድሳኦ

15. መንፈስ ቅዱስ ኣብተን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት ይዓዪ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

15 ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ: ከም መፈጸምታ መዝሙር 22:22 የሱስ ንኣምላኽ ኣብ ማእከል ጉባኤ ወደሶ። (እብራውያን 2:12) እቶም እሙናት ሰዓብቱ እውን ከምዚ እዮም ኪገብሩ ዘለዎም። ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ማለት ኣብቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ደቂ ኣምላኽ ኣሕዋት የሱስ ንምዃን ብመንፈስ ቅዱስ ዚቕብኡሉ ዝነበሩሉ እዋን: ገሊኦም ሰባት ፍሉይ ብዝዀነ መገዲ ዚሰርሕ ተወሳኺ መንፈስ ተቐበሉ። ተኣምራት ናይ ምግባር ውህበት እቲ መንፈስ ተቐቢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ውህበት ከም ዝነበሮም ድማ ፍሉይ ዘረባ ጥበብን ፍልጠትን ብምዝራብ: ሓይሊ ምሕዋይን ምንባይን ከም ዘለዎም ብምርኣይ: ከምኡውን ቅድሚኡ ብዘይፈልጥዎ ቛንቋታት ብምዝራብ የርእዩ ነበሩ።—1 ቈረንቶስ 12:4-11

16. ሓደ ዕላማ እቲ ተኣምራት ናይ ምግባር ውህበት መንፈስ እንታይ እዩ ነይሩ፧

16 ጳውሎስ ብቛንቋታት ብዛዕባ ምዝራብ “ብመንፈስ ክዝምር: ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር እየ” በለ። (1 ቈረንቶስ 14:15) ካልኦት ሰባት ነቲ ዚብሎ ዝነበረ ቓላት ኪርድእዎን ካብኡ ኺመሃሩን ኣገዳሲ ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ናይ ጳውሎስ ሸቶ ንየሆዋ ኣብ ጉባኤታት ምውዳስ እዩ ነይሩ። ነቶም ውህበት መንፈስ ዝነበሮም ድማ “ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ” በሎም: ነዚ ኣብቲ ነቲ ውህበቶም ብግህዶ ዜርእዩሉ ጉባኤ እዮም ዚገብርዎ። (1 ቈረንቶስ 14:4, 5, 12, 23) ብግልጺ እምበኣር: ጳውሎስ እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ኣብ ከከባቢኡ ዚርከባ ጉባኤታት ዝነበሩ ክርስትያናት ንኣምላኽ ኬወድስዎ ኣጋጣሚ ኸም ዘለዎም ብምፍላጥ: ብዛዕባአን ይግደስ ነይሩ እዩ።

17. ነተን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከከባቢኡ ዘለዋ ጉባኤታት ብዚምልከት ብዛዕባ እንታይ ኢና ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል፧

17 የሆዋ ሕጂ እውን ነታ ጉባኤኡ ይጥቀመላን ይሕግዛን ኣሎ። ነታ ኣብ ምድሪ ዘላ በቶም ብዙሓት ቅቡኣት ክርስትያናት ዝቘመት ጕጅለ ይባርኻ ኣሎ። እቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዚረኽብዎ ዘለዉ ብሉጽ መንፈሳዊ ምግቢ ሓደ መርትዖ እዚ በረኸት እዚ እዩ። (ሉቃስ 12:42) ብሓፈሻ ንዓለምለኻዊ ሕውነት ይባርኾ እዩ ዘሎ። ነተን ብግብርናን በቲ እንህቦ ዚሃንጽ መንፈሳዊ ሓሳባትን ጌርና ንፈጣሪና ንምውዳስ እንጥቀመለን ኣብ ከከባቢኡ ዘለዋ ጉባኤታት እውን ይባርኸን እዩ ዘሎ። ካብታ እንካፈለላ ጉባኤ ኣብ እንገሸሉ እዋን ከኣ: ኣብተን ጉባኤታት እቲኣተን ንኣምላኽ ንኽንውድሶ ዜኽእለና ትምህርትን ስልጠናን ንረክብ።

18, 19. እቶም ኣብ ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ዘለዉ ውፉያት ክርስትያናት እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚደልዩ፧

18 ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብታ ኣብ ፊልጲ: መቄዶንያ ዝነበረት ጉባኤ ዝነበሩ ክርስትያናት “ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም” ኢሉ ኸም እተማሕጸኖም ኣይትረስዕ። እዚ ድማ ነቶም ኣብ ወጻኢ እታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ የሱስ ዘለዎም እምነት ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ተስፋኦም ምንጋር ዜጠቓልል እዩ። (ፊልጲ 1:9-11፣ 3:8-11) በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ ጳውሎስ ነቶም ብጾቱ ዝነበሩ ክርስትያናት: “እምብኣርስ ብእኡ [ብየሱስ] ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና: ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር: ነቕርብ” ብምባል እተላበዎም።—እብራውያን 13:15

19 ልክዕ ከምቲ የሱስ ዝገበሮ: ንኣምላኽ “ኣብ ማእከል ማሕበር” ወይ ጉባኤ ብምውዳስን ኣብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ብዘይ ምፍላጦም ዘየወድስዎ ዘለዉ ሰባትከ ኸናፍርካ ንየሆዋ ንምውዳስ ብምጥቃምን ሓጐስ ትረክብዶ ኣለኻ፧ (እብራውያን 2:12፣ ሮሜ 15:9-11) ነዛ ሕቶ እዚኣ ብውልቅና እንህቦ መልሲ: በቲ እታ ኣብ ከባቢና ዘላ ጉባኤ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለዋ ግደ ዚስምዓና ስምዒት ይጽሎ እዩ። ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ: የሆዋ ነታ ኣብ ከባቢና ዘላ ጉባኤ ብኸመይ ከም ዚመርሓን ዚጥቀመላን ከምኡውን ኣብ ህይወትና ብዛዕባ ዘለዋ ግደ እስከ ንርአ።

ትዝክሮዶ፧

• እታ ብቕቡኣት ክርስትያናት እተወደበት ጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” ብኸመይ እያ ቘይማ፧

• መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ማሕበር” ወይ ጉባኤ እትብል ቃል ዚጥቀመሉ ሰለስተ መገድታት እንታይ እዩ፧

• ዳዊት: የሱስ: ከምኡውን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብታ ጉባኤ እንታይ ኪገብሩ እዮም ዚደልዩ ነይሮም፧ እዚኸ ንዓና ብኸመይ እዩ ኺጸልወና ዘለዎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ መሰረት ኣየነይቲ ጉባኤ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ከከባቢኡ ዚርከቡ ክርስትያናት ከም ጉባኤ ወይ “ማሕበር ኣምላኽ” ኰይኖም ይእከቡ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከምዞም ኣብ በኒን ዘለዉ ክርስትያናት: ንየሆዋ ኣብ ማእከል ጉባኤ ኽንውድሶ ንኽእል ኢና