ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጭከና የኽትም ደዀን ይኸውን፧

ጭከና የኽትም ደዀን ይኸውን፧

ጭከና የኽትም ደዀን ይኸውን፧

ነዚ ሎሚ ኣብ ዓለም ዚርአ ዘሎ ጭከና ቐንዲ ጠንቁ ስስዐ ምዃኑ ብዙሓት ዚሰማምዑሉ እዩ። እቲ ዓመታት ይገብር በቲ ንዓይ ጥራይ ዚብል ወለዶ እተዘርአ ዘርኢ: መብዛሕትኦም ኣባላቱ ብቐዳምነት ብዛዕባ ርእሶም ጥራይ ዚግደሱ ሕብረተሰብ እዩ ኣፍርዩ። ብዙሓት ሰባት ዝገበሩ ገይሮም ድሌቶም ኬማልኡ ብምድላይ: መብዛሕትኡ ግዜ ጨካን ተግባራት እዮም ዚፍጽሙ። እዚ ኸኣ ኣብ ውልቀ-ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ህዝብታት እውን ዚርአ ዘሎ ነገር እዩ።

ህይወት ሰባት ክቡር ጌርካ ዚርአ ዘሎ ኣይመስልን እዩ። አረ ገሊኣቶምሲ ጨካን ምዃን እውን የሐጕሶም እዩ። ልክዕ ከምቲ ገበነኛታት ንሰባት ዚጐድኡሉ ምኽንያት ንኺሕጐሱ ኢሎም ከም ዝዀነ ዚናዘዙ: እዚኣቶም እውን ንምዝንጋዕ ኢሎም እዮም ዚገብርዎ። ብዛዕባ እቶም ዓመጻን ጭከናን ዚረኣየሉ ፊልም ብምምራጽ ንናይ ፊልም ኢንዱስትሪ በዚ ነገራት እዚ ንኪኸስቡ ዜተባብዕዎም ሚልዮናት ሰባትከ ደኣ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ብመዘናግዕን ብመራኸቢ ብዙሓንን ብቐጻሊ ዚፍኖ ጨካን ተግባራት ንሓያሎ ሰባት ከም ዚድንዝዙ ገይርዎም እዩ።

ጭከና መብዛሕትኡ ግዜ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጕድኣት የስዕብ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም ግዳያት እውን ጨካናት ከም ዝዀኑ እዩ ዚገብሮም። ኣብ መክሲኮ ኣብ ዚርከብ ናሽናል ኣቶነመስ ዩኒቨርሲቲ እትምህር ኖኢሚ ዲያስ ማሮኲን: ነቲ ብሰንኪ ጭከና ዚለዓል ዓመጻ ኣመልኪታ ኸምዚ ትብል:- “ዓመጻ እትመሃሮ ነገር እዩ: ክፍሊ ባህልና ኸኣ እዩ። . . . ከባቢና ኼፍቅደልናን ኬተባብዓናን ከሎ ብኸመይ ብዓመጻ ምላሽ ክንህብ ከም ዘሎና ንመሃር ኢና።” ስለዚ: እቶም ግዳያት ዓመጻ ዝነበሩ ሰባት: መብዛሕትኡ ግዜ ንሳቶም እውን ብግዴኦም ንኻልኦት ዚዕምጹ ዀይኖም እዮም ዚርከቡ። ምናልባት እውን ልክዕ ከምቲ እተዓመጽዎ ገይሮም እዮም ዚዕምጹ።

ኣብ ካልእ መዳያት ከኣ እቶም ሓሽሽ ዚጥቀሙን ኣልኮላዊ መስተ ብዘይ ልክዕ ዚወስዱን ሰባት ጭካነ ኸንጸባርቑ ይኽእሉ እዮም። መንግስቶም ድሌት ህዝቢ ብዘይምምላኡ ሕጉሳት ዘይኰኑ ውልቀ-ሰባት እውን ዕሽሽ ዚበሃሉ ኣይኰኑን። ገለ ኻባታቶም: ኣመለኻኽታኦም ንኼፍልጡ ብምሕላን ጨካን ተግባራት ይገብሩ: ኣብ ግብረ-ሽበራ ይካፈሉ: ነዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ንንጹሃት ሰባት ብምጕዳእ እዮም ዚፍጽምዎ።

ይኹን እምበር: ‘ሰባት ንጭካነ ባዕሎም ድዮም ተማሂሮምዎ፧ ጠንቂ እዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን።

ምንጪ ጭከና መን እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ: ንሰይጣን ድያብሎስ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ዚብል ስያመ ብምሃብ ሓያል ጽልዋ ኸም ዚገብረላ ይነግረና እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4) ኣብ ዩኒቨርስ እቲ ኣዝዩ ስሱዕን ጨካንን ፍጡር እዩ። የሱስ ንሰይጣን “ቀታል ነፍሲ” “ንሓሶትውን ኣቦኣ” ብምባል ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ።—ዮሃንስ 8:44

ካብቲ ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ ኣምላኽ ዘፍረሱሉ እዋን ንነጀው: እቲ ምንጪ ዅሉ ሰብኣዊ ጭከና ዝዀነ ሰይጣን ንወድሰብ ብርቱዕ ጽልዋ ኺገብረሉ ጸኒሑ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-7, 16-19) እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ንየሆዋ ዝባኖም ካብ ዚህብዎ ገለ 15 ዘመናት ጸኒሑ: ዓለወኛታት መላእኽቲ ስጋ ለቢሶም ምስ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ርክብ ብምግባር ነፊሊም ተባሂሎም ዚጽውዑ ደቓሉ ወለዱ። እቶም ነፊሊም እንታይ ፍሉይ ባህርያት እዩ ነይርዎም፧ መልሱ ኻብ ስሞም ንረኽቦ ኢና። ትርጕሙ “መውደቕቲ” ማለት እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ ኣምላኽ ዘውረዶ ማይ ኣይሂ ጥራይ ከጥፍኦ ዝኸኣለ ጭከናን ብዕልግናን ዘምጽኡ ዓመጸኛታት እዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 6:4, 5, 17) ሽሕኳ እቶም ነፊሊም በቲ ማይ ኣይሂ እንተ ጠፍኡ: ኣቦታቶም ግን ዘይረኣዩ ኣጋንንቲ ብምዃን ናብቲ ዝነበርዎ መንፈስ ተቐየሩ።—1 ጴጥሮስ 3:19, 20

እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ዝነበሮም ጭካነ ኣብቲ ኣብ ግዜ የሱስ ጋኔን ሒዝዎ ዝነበረ ወዲ ተጋሂዱ እዩ። እቲ ጋኔን ነቲ ቘልዓ ፈንጠርጠር የብሎ: ምእንቲ ኼጥፍኦ ኸኣ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ይድርብዮ ነበረ። (ማርቆስ 9:17-22) እዞም “መናፍስቲ እከይ” እዚኣቶም: ነቲ ሕሱም ባህርያት እቲ ጨካን መራሒኦም ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዜንጸባርቑ ንጹር እዩ።—ኤፌሶን 6:12

ሎሚ ኸምቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ እተነግረ: ኣጋንንታዊ ጽልዋ ንደቅሰብ ጨካናት ከም ዚዀኑ ይገብሮም ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ: እዚ ፍለጥ። ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ: . . . ተጀሃርቲ: ዕቡያት: . . . ዘየማስዉ: ርኹሳት: ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም: ተቐየምቲ: ሓመይቲ: ቀለልቲ: ጨካናት: ሰናይ ዘይፈትዉ: ኣሕሊፎም ዚህቡ: ህዉኻት: ተፈኽነንቲ: ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ . . . መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

እታ ብክርስቶስ የሱስ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ምስ ቈመት ሰይጣንን ጭፍራ ኣጋንንቱን ካብ ሰማይ ስለ እተደርበዩ: እዚ እንነብረሉ ዘለና ግዜ ብፍላይ ክፉእ ወይ ጽንኩር ምዃኑ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም” ይብል።—ራእይ 12:5-9, 12

እዚ ኺበሃል ከሎ ግን እቲ ሕጂ ዘሎ ዅነታት ኪመሓየሽ ኣይክእልን እዩ ማለት ድዩ፧ እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ዲያስ ማሮኲን: ሰባት ንሕማቕ ባህርይ “ንኼሰንፍዎ ኺመሃሩ ተኽእሎ ኣለዎም” ብምባል ትጠቅስ። ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ኣብዛ ሎሚ ጽልዋ ሰይጣን ዓብሊሉዋ ዘሎ ዓለም: ካልእ ጸብለልታ ዘለዎ ሓይሊ ንኣተሓሳስባኡን ንተግባራቱን ኪጸልዎ እንተ ዘየፍቂዱሉ ነዚ ባህርይ እዚ ኼሰንፎ ዘይመስል እዩ። እቲ ሓይሊ ግን እንታይ እዩ፧

ለውጢ ምግባር ይከኣል እዩ: ግን ብኸመይ፧

ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኵሉ ሓይልታት ዚብርትዕ ሓይሊ እዩ: ንዝዀነ ይኹን ጽልዋ ኣጋንንቲ ኸኣ ኬሰንፍ ዚኽእል እዩ። ፍቕርን ድሕንነትን ደቅሰብ ኪህሉ ጽልዋ ይገብር። ንየሆዋ ኼሐጕስ ዚደሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብመንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ኺምላእ: ምስ ጭከና ዚመሳሰል ባህርያት እውን ከይተረፈ ኼወግድ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ባህርያትካ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺሰማማዕ ምቕያሩ ዚሓትት እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ ብእተኻእለና መጠን መገዲ ኣምላኽ ክንስዕብ እዩ። እዚ ኺበሃል ከሎ ንኻልኦት ከምቲ ኣምላኽ ዚርእዮም ጌርና ኽንርእዮም ኣሎና ማለት እዩ።—ኤፌሶን 5:1, 2፣ ቈሎሴ 3:7-10

ኣምላኽ ንነገራት ዚሕዘሉ መገዲ ምስ እተጽንዕ: የሆዋ ንኻልኦት ፈጺሙ ዕሽሽ ከም ዘይብሎም ወይ ከኣ ንማንም ሰብ ይኹን እንስሳ ኸም ዘይገፍዕ ክትርዳእ ኢኻ። a (ዘዳግም 22:10፣ መዝሙር 36:7፣ ምሳሌ 12:10) ንጭከና ይኹን ንዅሎም እቶም ዚፍጽምዎ ሰባት ይዅንኖም እዩ። (ምሳሌ 3:31, 32) እቲ የሆዋ ንክርስትያናት ኪለብስዎ ዚደልዮም ሓድሽ ሰብ ንኻልኦት ካብ ርእሶም ኣብሊጾም ንኺርእይዎምን ንኬኽብርዎምን ዜተባብዕ እዩ። (ፊልጲ 2:2-4) እቲ ሓድሽ ክርስትያናዊ ሰብ “ምሕረት ልቢ: ለውሃት: ትሕትና: ዓቕሊ: ትዕግስቲ” ዜጠቓልል እዩ። እታ “ማእሰር ፍጻሜ” ዝዀነት ፍቕሪ እውን ዕሽሽ እትበሃል ኣይኰነትን። (ቈሎሴ 3:12-14) እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ባህርያት እንተ ዚስስን: ዓለም ካብዚ ሕጂ ዘላቶ እተፈልየት ከም እትኸውንሲ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

ይኹን እምበር: ‘ነባሪ ናይ ባህርያት ለውጥሲ እምበርዶ ብሓቂ ዚከኣል እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ኣብ ሰባት ዘጋጠመ ህያው ኣብነት ርአ። ማርቲን b ንሰበይቱ ኣብ ቅድሚ ደቆም ይጭድረላን ይቕጥቅጣን ነበረ። ሓደ እዋን ኣዝዩ ሓደገኛ ዅነታት ስለ ዘጋጠመ: እቶም ቈልዑ ምእንቲ ኺዕቈቡ ናብ ጐረባብቶም ሃደሙ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ግን እታ ስድራቤት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ማርቲን እንታይ ዓይነት ሰብ ኪኸውን ከም ዘለዎን ንኻልኦት ከኣ ብኸመይ ኪሕዞም ከም ዚግባእን ተማህረ። ኪልወጥ ክኢሉዶ፧ ሰበይቱ ኸምዚ ኢላ ትምልስ:- “ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰብኣየይ ኪቝጣዕ ከሎ ኻልእ ሰብ እዩ ዚኸውን ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ናብራና ንነዊሕ ዓመታት ሕንፍሽፍሽ ኣትይዎ ነበረ። የሆዋ ንማርቲን ኪልወጥ ስለ ዝሓገዞ ኼመስግኖ ቓላት ይሓጽረኒ። ሕጂ ሕያዋይ ኣቦን ኣዝዩ ንፉዕ ብዓል ቤትን እዩ።”

ሓደ ኣብነት ጥራይ ኢና ጠቒስና። ኣብ ምሉእ ዓለም: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዑ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት: ጭከና ገዲፎምዎ እዮም። እወ: ለውጢ ምግባር ይከኣል እዩ።

ኵሉ ጭከና ዜኽትመሉ ግዜ ቐሪቡ

ኣብዚ ቐረባ ግዜ: እታ ሕጂ ኣብ ሰማይ ቈይማ ዘላ በቲ ደንጋጺ ዝዀነ ገዛኢ የሱስ ክርስቶስ እትመሓደር መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምሉእ ስልጣን ኪህልዋ እዩ። ድሮ እኳ ንሰማይ ካብቲ ምንጪ ዅሉ ጭከና ዝዀነ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣጽራያቶ ኣላ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣፍቀርቲ ሰላም ዝዀኑ ተገዛእታ ድሌቶም ከተማልኣሎም እያ። (መዝሙር 37:10, 11፣ ኢሳይያስ 11:2-5) ንናይ ዓለም ሽግራት እንኮ መፍትሒ ንሳ ጥራይ እያ። እንተዀነ ግን: ነዛ መንግስቲ እዚኣ ኽትጽበ ኸለኻ ግዳይ ጭከና እንተ ደኣ ዄንካ እንታይ እዩ ዚግበሮ፧

ንጭከና ብጭከና ምምላስ ኣየዋጽእን እዩ። ከምዚ ምግባር ዝገደደ ጭከና እዩ ዜፍሪ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ የሆዋ ኽንውከል እዩ ዚዕድመና። ከመይሲ: ንሱ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ “ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ: ከከም ፍረ ግብሩ” ኺህቦ እዩ። (ኤርምያስ 17:10) (ነታ ኣብዚ ገጽ እዚ ዘላ “ግዳይ ጭከና ኣብ እትዀነሉ እዋን ክትህቦ ዚግባእ ምላሽ” እትብል ሳጹን ርአ።) ሓቂ እዩ: ኣብ ልዕሌኻ ጭከና ዝመልኦ ገበን ብምፍጻሙ ኽትሳቐ ትኽእል ኢኻ። (መክብብ 9:11) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ንዅሉ ሳዕቤን ጭከና: ንሞት እውን ከይተረፈ ኸም ዘይነበረ ኺገብሮ እዩ። ብመሰረት መብጽዓኡ: እቶም ብሰንኪ ጨካን ተግባራት ህይወቶም ዝጠፍአ ኣብ ዝኽሩ ዘለዉ ሰባት ክትንስኡ እዮም።—ዮሃንስ 5:28, 29

ሽሕኳ ግዳያት ጭከና ኽንከውን ንኽእል እንተ ዀንና: ምስ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ብምምስራትን ኣብ መብጽዓታቱ እምነት ብምግባርን ምጽንናዕ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ብዘይ ሓገዝ ብዓል ቤት ክልተ ደቃ ዘዕበየትን ጽቡቕ ትምህርቲ ኸም ዚቐስሙ ዝገበረትን ሳራ ንርአ። ኣብ ግዜ እርጋና ግን እቶም ክልተ ደቃ ንዋታዊ ደገፍ ይኹን ንጥዕናኣ ዜድልያ ኽንክን ከይሃብዋ ራሕሪሖምዋ ኸዱ። ይኹን እምበር: እታ ሕጂ ክርስትያን ኰይና ዘላ ሳራ ኸምዚ ትብል:- “እጕሂ እኳ እንተ ዀንኩ: የሆዋ ግን ኣይራሕራሓንን። በቶም ኵሉ ግዜ ዚከናኸኑኒ መንፈሳውያን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ገይሩ ይድግፈኒ እዩ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸኣ ንሽግራተይ ጥራይ ዘይኰነስ: ንሽግራት ኵሎም እቶም ኣብ ሓይሉ ዚውከሉን ትእዛዛቱ ዚሕልዉን ከም ዚፈትሖ ድልድልቲ እምነት ኣላትኒ።”

እዞም ኣብዚ ሳራ ዝጠቐሰቶም መንፈሳውያን ኣሕዋትን ኣሓትን መን እዮም፧ እቶም ክርስትያን ብጾታ ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም። ንሳቶም ድሕሪ ቐረባ ግዜ ዅሉ ጭከና ኬኽትም ምዃኑ እተረድኡ ዓለምለኻዊ ሕውነት ዘለዎም ደንገጽቲ ሰባት እዮም። (1 ጴጥሮስ 2:17) እቲ ብጭከና ዝመጸ ብቐዳምነት ተሓታቲ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ይኹን: ከምቲ ንሱ ዚገብሮ ዚገብር ዝዀነ ይኹን ፍጡር ኣይኪነብርን እዩ። እዚ ሓደ ጸሓፋይ “ዘመን ጭካነ” ኢሉ ዝጸውዖ እዋን ነበረያ ነበረ ኪኸውን እዩ። ሕጂ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምርኻብ ብዛዕባ እዚ ተስፋ እዚ ንምንታይ ዘይትምርምር፧

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብዛዕባ ባህርያት ኣምላኽ ዕሙቝ ዝበለ ምርምር ንምግባር: ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንየሆዋ ቕረቦ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

b ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ግዳይ ጭከና ኣብ እትዀነሉ እዋን ክትህቦ ዚግባእ ምላሽ

ቃል ኣምላኽ ንጭከና ብኸመይ ክንጻወሮ ኸም ዘሎና ዚገልጽ ግብራዊ ምኽሪ ይህብ እዩ። ነዚ ቐጺሉ ዘሎ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኸም እትኽእል ሕሰበሉ።

“እከይ ክፈዲ ኣይትበል: ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ እሞ: ንሱ ኼድሕነካ እዩ።”—ምሳሌ 20:22

“ካብቲ ልዑልሲ ልዕል ዝበለ ዚጥምት አሎ . . . እሞ: ድኻ ኺጥቃዕ . . . ፍርድን ጽድቅን ኪዕመጽ እንተ ርኤኻ: ኣይትገረም።”—መክብብ 5:8

“ዓቃላት: ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ: ብጹኣን እዮም።”—ማቴዎስ 5:5

“ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።”—ማቴዎስ 7:12

“ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከአል እንተ ዀይኑስ: ብኣኻትኩም ዝመጸ: ምስ ኵሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፤ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ: ኣነ ኽፈድዮ እየ: ይብል እግዚኣብሄር: ጽሑፍ እዩ እሞ: ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር: ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።”—ሮሜ 12:17-19

“ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። . . . ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ: መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ: ነቲ ብቕንዕና ዚፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሀበ እምበር: ዘየፋራርሄ።”—1 ጴጥሮስ 2:21-23

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ንሓያሎ ሰባት ጭከና ኺገድፉ ምሂርዎም እዩ