ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መዝገብ ንምርካብ ዝገበርናዮ ምንዳይ ነባሪ ሃብቲ ኣምጸኣልና

መዝገብ ንምርካብ ዝገበርናዮ ምንዳይ ነባሪ ሃብቲ ኣምጸኣልና

ታሪኽ ህይወት

መዝገብ ንምርካብ ዝገበርናዮ ምንዳይ ነባሪ ሃብቲ ኣምጸኣልና

ብዶረቲያ ስሚዝን ዶራ ዋርድን እተዘንተወ

እንታይ ዓይነት መዝገብ ኢና እንደሊ ኔርና፧ ኣብ ፍጻመ እቲ የሱስ “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ. . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ብምባል ዝሃቦ ትእዛዝ ክንካፈል ውዕዉዕ ድሌት ዝነበረና ኽልተ ኣዋልድ ኢና ኔርና። (ማቴዎስ 28:19) እዚ ምንዳይ እዚ ብኸመይ ነባሪ ሃብቲ ኸም ዘምጸኣልና እስከ ኸነዘንትወልኩም።

ዶረቲያ:- ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብ ዚጅመር ብዙሕ ከይጸንሐ ብ1915 ካብ ስድራቤትና ሳልሰይቲ ውላድ ኰይነ ተወለድኩ። ኣብ ጥቓ እታ ሆውል እትበሃል ኣብ ሚሺጋን: ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እትርከብ ከተማ ኢና ንነብር ኔርና። ኣቦይ ሃይማኖታዊ ኣይነበረን: ኣደይ ግን ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ እያ ነይራ። ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ንኽንስዕበን ክትምህረና ትጽዕር ነበረት፣ ኣነን ዊሊስ ሓወይን ቪዮላ ሓብተይን ኣባላት ዝዀነት ትኹን ቤተ-ክርስትያን ክንከውን ድማ ኣይትደልን ነበረት።

ጓል 12 ዓመት ከለኹ: ኣደይ ኣባል ቤተ-ክርስትያን ፕረስባይተርያን ብምዃን ክጥመቕ ከም ዘሎኒ ወሰነት። ነታ እተጠመቕኩላ መዓልቲ ጽቡቕ ገይረ እየ ዝዝክራ። ኣብቲ ኣነ እተጠመቕኩሉ እዋን: ክልተ ሕጻናት ኣዴታቶም ሓቚፈናኦም ተጠመቑ። ምስ ሕጻናት ስለ እተጠመቕኩ ድማ እተዋረድኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ። እቲ ኣገልጋሊ: ሒደት ማይ ኣብ ርእሰይ ብምንጻግ ክርድኣኒ ዘይከኣለ ቓላት ተዛረበ። ከም ሓቂ ግን ካብቶም ክልተ እተጠመቑ ሕጻናት ንላዕሊ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን።

ብ1932 ሓንቲ ማኪና ናብ ኣፍ ደገና መጺኣ ደው ምስ በለት: ኣደይ ነቲ ማዕጾ ኸፈተቶ። ክልተ መንእሰያት ሃይማኖታዊ መጻሕፍቲ ሒዞም ነበሩ። ሓደ ኻብኣቶም ኣልበርት ሽሮደር ነበረ። ንኣደይ ድማ እተወሰነ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ጽሑፋት ኣርኣያ። ንሳ ድማ መጻሕፍቲ ወሰደት። እዚ ጽሑፋት እዚ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ንኽትቅበል ሓገዛ።

መዝገብ ንኽረክብ ዝገበርክዎ ምንዳይ ጀመርኩ

ብድሕርዚ: ምስ ሓብተይ ክነብር ናብ ዲትሮይት ገዓዝኩ። ኣብኡ ድማ ምስ ሓንቲ ንሓብተይ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህራ ዝነበረት ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ተራኸብኩ። እቲ እንገብሮ ዝነበርና ምይይጥ: ነቲ ሰሙናዊ ምስ ኣደይ ኰይነ ዝሰምዖ ዝነበርኩ መደብ ረድዮ ኣዘኻኸረኒ። እቲ መደብ: በቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሪሕ ግደ ዝነበሮ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ዚቐርብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ 15 ደቒቕ ዚወስድ መደረ ዜጠቓልል ነበረ። ብ1937 ምስታ ኣብ ዲትሮይት ዝነበረት ናይ መጀመርታ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንሓብር ጀመርና። ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ድማ ተጠመቕኩ።

ኣብ መጀመርታ 1940ታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ደቡብ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ ሚስዮናውያን ንምስልጣን ጊልዓድ ዚበሃል ቤት ትምህርቲ ኸም ዚኸፍቱ ምልክታ ተነግረ። ካብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ዚምረቑ ተመሃሮ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንኼገልግሉ ጻውዒት ከም ዚቐርበሎም ምስ ፈለጥኩ: ‘ኣነ እውን ናብ ጊልዓድ ክኸይድ ምደለኹ!’ ብምባል ሓሰብኩ። ናብ ጊልዓድ ምእታው ድማ ሸቶይ ገበርክዎ። ነቶም ኣብ ካልእ ሃገራት ዚርከቡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ ኪዀኑ ዚደልዩ “መዝገብ” ዝዀኑ ሰባት ምንዳይ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!—ሃጌ 2:6, 7

በብቝሩብ ኣብ ሸቶይ በጻሕኩ

ኣብ ሚያዝያ 1942 ካብ ስራሕ ብፍቓደይ ተሰናበትኩ፣ ፈላሚት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ኰይነ ድማ ምስ ካልኦት ሓሙሽተ መንፈሳውያን ኣሓት ኣብ ፊንድሊ: ኦሃዮ ኸገልግል ጀመርኩ። ኣብኡ ጉባኤ እኳ እንተ ዘይነበረት: ብጕጅለ ዄንና ግን ካብቲ ክርስትያናዊ ጽሑፋትና እተወሰነ ዓንቀጻት ብምንባብ ንሓድሕድና ንበራታዕ ነበርና። ኣብታ ፈላሚት ኰይነ ዘገልገልኩላ ናይ መጀመርታ ወርሒ: ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት 95 መጻሕፍቲ ኣበርከትኩሎም። ድሕሪ ዓመትን መንፈቕን ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ኣብ ቼምበርስበርግ: ፐንሲልቫንያ ተመደብኩ። ኣብኡ ኸኣ ምስተን ሓሙሽተ ፈለምቲ: እንተላይ ምስታ ኻብ ኣየዋ ዝመጸት ዶራ ዋርድ ዝስማ ክርስትያን ሓብቲ ተራኸብኩ። ኣነን ዶራን መገላግልቲ ዀንና። ኣብ ሓንቲ ዓመት ኢና ተጠሚቕና: ክልቴና ኸኣ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈልን ናብ ወጻኢ ሃገር ብምኻድ ሚስዮናውያን ኴንና ኸነገልግልን ንደሊ ነበርና።

ኣብ መጀመርታ 1944 እታ እተሐጕስ መዓልቲ መጸት! ክልቴና ኣብ ራብዓይ ክፍሊ ጊልዓድ ንኽንካፈል ዚዕድም ጻውዒት ቀረበልና። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ድማ ተመዝገብና። ቅድሚኡ ግን ዶራ ኣብቲ መዝገብ ንምርካብ ዝገበርናዮ ምንዳይ ንነዊሕ እዋን ብኸመይ ብጸይተይ ከም ዝዀነት እስከ ትንገርኩም።

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንምጅማር ዝነበረኒ ህንጥዮት

ዶራ:- ኣደይ ቃል ኣምላኽ ንኺርድኣ ትጽሊ ነበረት። ሓደ ሰንበት: ምስኣ ኸለኹ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ብረድዮ መደረ ኺህብ ከሎ ሰማዕና። እቲ መደረ ምስ ተዛዘመ: ኣደይ “እታ ሓቂ እዚኣ እያ!” በለት። ብድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ: ንጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነጽንዖ ነበርና። ብ1935 ጓል 12 ዓመት ከለኹ ኣብቲ ብሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዋህበ መደረ ጥምቀት ተኻፈልኩ: ርእሰይ ንየሆዋ ንኽውፊ ኸኣ ልባዊ ባህጊ ሓደረኒ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ተጠመቕኩ። ዝገበርክዎ ወፈያን ጥምቀትን ኣብተን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሕለፍክወን ዓመታት: ሸቶይ ኣብ ኣእምሮይ ህያው ገይረ ንኽጸንዕ ሓጊዙኒ እዩ። ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል እደሊ ስለ ዝነበርኩ: ትምህርተይ ክውድእ ሃንቀው እየ ዝብል ነይረ።

ኣብቲ እዋን እቲ: ምስ ሓንቲ ኣብ ፎርት ዶጅ: ኣየዋ እትርከብ ዝነበረት ከም ጉባኤ ዀይና ኣኼባ እትገብር ዝነበረት ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓብር ነበርና። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምክፋል ዓብዪ ጻዕሪ እዩ ዚሓትት ነይሩ። ኣብቲ እዋን እቲ: መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚግበረሉ ዝነበረ ዓንቀጻት ንናይ ጉባኤ ምይይጥ ዚኸውን ሕቶታት ኣይነበሮን። ነቲ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዚመርሕ ዝነበረ ሓው ኣቐዲምና ሕቶታት ክንህቦ ንሕተት ነበርና። ሰኑይ ምሸት ኣነን ኣደይን ንነፍሲ ወከፍ ቍጽሪ ዚኸውን ሕቶ ብምድላው ነቲ ዚመርሕ ሓው ንህቦ፣ ንሱ ድማ ነታ ኺጥቀመላ ዚደሊ ሕቶ ይመርጽ ነበረ።

ሓሓሊፉ ጉባኤና በቶም ገየሽቲ ሓለውቲ ምብጻሕ ይግበረላ ነበረ። እቲ ሓደ ኻብዞም ኣሕዋት እዚኣቶም ዝነበረ ጆን ቡዝ: ጓል 12 ዓመት ከለኹ ነቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት ንኽጅምር ሓገዘኒ። ጓል 17 ዓመት ምስ ኰንኩ ነቲ ፈላሚ ንምዃን መመልከቲ ብኸመይ ከም ዚምላእ ሓተትክዎ: ንሱ ድማ ሓገዘኒ። ብዙሕ ጸኒሑ ኸም እንራኸብን ናይ ነዊሕ እዋን ፈተውቲ ኸም እንኸውንን ግን ኣይፈለጥኩን ነይረ!

ፈላሚት ከለኹ: መብዛሕትኡ ግዜ ምስታ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ዝዀነት ካባይ ብ15 ዓመት እትዓቢ ዶረቲ ኣሮንሰን አገልግል ነበርኩ። ብ1943 ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ጊልዓድ ንኽትካፈል ጻውዒት ክሳዕ ዚቐርበላ መገላግልቲ ነበርና። ድሕሪኡ: በይነይ ፈላሚት ኰይነ አገልግል ነበርኩ።

መስጐጕቲ ደው ኬብለና ኣይከኣለን

ካልኣይ ውግእ ዓለም ብሰንኪ ዘለዓዓሎ ብርቱዕ ስምዒት ሃገራውነት: እተን ብ1940ታት ዝነበራ ዓመታት ኣዝየን በዳህቲ ነበራ። ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከለና: መብዛሕትኡ ግዜ ዝኣጐለ እንቋቝሖ: ዝበሰለ ኮሚደረ: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ እምኒ እውን ከይተረፈ ይድርብዩልና ነበሩ! እቲ ኻብዚ ዚኸፍእ ፈተና ግን ኣብ ጐደና ዄንና መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ኮንሶሌሽን (ሕጂ ንቕሑ!) ክንዕድል ከለና እዩ ኣጋጢሙና። በቶም ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ እተደፋፍኡ ፖሊስ ናባና ብምምጻእ: ዳግማይ ክንሰብኽ እንተ ርእዮምና ኸም ዚኣስሩና ብምንጋር ኣፈራርሁና።

ምምስካርና ስለ ዘየቋረጽና ግን ናብ መደበር ፖሊስ ወሲዶም መርመሩና። ምስ ተፈታሕና ድማ ናብታ ዝነበርናላ ጐደና ተመሊስና መጽሔታት ምዕዳል ቀጸልና። እቶም ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ብዛዕባ መትከልና ንዝለዓል ሕቶ መልሲ ንምሃብ: ኢሳይያስ 61:1, 2 ክንጥቀም ምኽሪ ሃቡና። ሓደ እዋን ሓደ መንእሰይ ፖሊስ ናባይ ገጹ መጸ: ነታ ጥቕሲ ድማ እናፈራህኩ ነገርክዎ። እቲ ዜገርም ግን ስቕ ኢሉ ኸደ! ብሓቂ መላእኽቲ እዮም ዜዕቍቡና ነይሮም።

ዘይትርሳዕ መዓልቲ

ብ1941 ኣብቲ ኣብ ሰይንት ሉዊስ: ሚዙሪ ንሸሞንተ መዓልቲ እተገብረ ኣኼባ ኣውራጃ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምክፋል ሓጐስ ረኺበ እየ። ኣብቲ ኣኼባ: ሓው ራዘርፎርድ ነቶም ካብ 5 ክሳዕ 18 ዝዕድመና ቘልዑ ኣብ ሓደ ሸነኽ እቲ ስታድዩም ንኽንእከብ ሓተተና። ብኣሽሓት እንቝጸር ቈልዑ ድማ ተኣከብና። ሓው ራዘርፎርድ መንዲሉ ብምንብልባል ሰላም በለና። ንሕና እውን ሰላም በልናዮ። ሓደ ሰዓት ዚወስድ መደረ ድሕሪ ምቕራብ: “ፍቓድ ኣምላኽ ንኽትገብሩ እተሰማማዕኩም: ኣብ ጐድኒ እታ ብክርስቶስ የሱስ እትመሓደር ቲኦክራስያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ደው ክትብሉ: ብእኡ ኣቢልኩም ከኣ ንኣምላኽ ንንጉሱን ክትእዘዙ እተሰማማዕኩም ቈልዑ: በጃኹም ደው በሉ” በለ። እቶም 15,000 ዝዀኑ ቘልዑ ብሓንሳእ ደው በሉ: ኣነ እውን ኣብ መንጎኦም ነበርኩ! እቲ ተዛራባይ ቀጺሉ: “ኣቱም ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን እተምጽኦ በረኸትን ንምንጋር ዚከኣለኩም ክትገብሩ ድሉዋት እንተ ዄንኩም: በጃኹም ‘እወ’ ብምባል መልሱ” በለ። “እወ” ኢልና ምስ መለስና: ድሙቕ ጣቕዒት ሰዓበ።

ብድሕርዚ: እታ ችልድረን a (ቈልዑ) ዘርእስታ መጽሓፍ ወጸት፣ ሓው ራዘርፎርድ ነታ መጽሓፍ ኪዕድል ከሎ ድማ ቈልዑን መንእሰያትን ኣብ ቅድሚ እቲ መድረኽ ተሰሪዖም ነበሩ። ኣዝዩ ባህ ዜብል እዩ ነይሩ! ብዙሓት ካብቶም ኣብቲ እዋን እቲ ነታ መጽሓፍ እተቐበሉ: ሕጂ እውን እንተዀነ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቅን ብምዝራብ ኣብ መላእ ዓለም ብቕንኣት ንየሆዋ የገልግልዎ ኣለዉ።—መዝሙር 148:12, 13

ንሰለስተ ዓመት በይነይ ፈላሚት ኰይነ ድሕሪ ምግልጋል: ኣብ ቼምበርስበርግ ፍልይቲ ፈላሚት ኰይነ ምስ ተመደብኩ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እየ ተሓጒሰ! ኣብኡ ምስ ዶረቲያ ተራኸብኩ: ብዙሕ ከይጸንሐ ኸኣ መሓዙት ዀንና። ናይ ንእስነት ውዕዉዕ መንፈስን ብዙሕ ሓቦን ነበረና። ኣብ ዕዮ ስብከት እነበርክቶ እጃም ንምስፋሕ ህንጡያት ነበርና። ክልቴና ድማ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ መዝገብ ናይ ምንዳይ ጻዕርና ጀመርናዮ።—መዝሙር 110:3

ፍሉያት ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ካብ እንጅምር ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: ምስቲ ኣልበርት ማን ዝስሙ ኻብ ቀዳማይ ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐ ሓው ተራኸብና። ናብቲ እተመደበሉ ወጻኢ ሃገር ንኪኸይድ ይዳሎ ነበረ። ነቲ ዚወሃበና ዝዀነ ይኹን ናይ ወጻኢ ሃገር ምደባ ንኽንቅበል ድማ ኣተባብዓና።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ብሓባር

ዶራን ዶረቲያን:- ሚስዮናውያን ንምዃን ክንስልጥን ምስ ጀመርና: እተሰምዓና ሓጐስ ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም! ኣብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ: እቲ ኣልበርት ሽሮደር ዝስሙ ቕድሚ 12 ዓመት ንኣደ ዶረቲያ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘበርከተላ ሓው መዝገበና። ጆን ቡዝ እውን ኣብኡ ነበረ። ኣብቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበረሉ ሕርሻ መንግስቲ ኣምላኽ ዚበሃል ቦታ ኣገልጋሊ ዀይኑ ይዓዪ ነበረ። ብድሕርዚ: ክልቲኦም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ኣገልጊሎም እዮም።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዓሚቝ ሓቅታት መጽናዕቲ ገበርና። ኣዝዩ ብሉጽ ስልጠና እዩ ነይሩ። ኣብታ ኽፍልና 104 ዝዀኑ ተመሃሮ ነበሩ: ካብ መክሲኮ ዝመጸ ናይ መጀመርታ ወጻእተኛ ተመሃራይ እውን ነበረ። ንሱ ናይ ቋንቋ እንግሊዝኛ ኽእለቱ ኼመሓይሽ ይጽዕር ነበረ: ንሕና ኸኣ ስጳንኛ ኽንመሃር ንጽዕር ነበርና። ኣብታ ሓው ናታን ኤች. ኖር ነቲ ናይ ወጻኢ ሃገር ምድብና ዝዓደለላ መዓልቲ ኣዚና ተሓጒስና ነበርና! መብዛሕትኦም ናብ ማእከላይን ደቡብን ኣመሪካ ተመደቡ: ንሕና ኸኣ ናብ ቺለ ተመደብና።

ኣብ ቺለ መዝገብ ንምርካብ ዝገበርናዮ ምንዳይ

ናብ ቺለ ንኽንኣቱ ቪዛ የድሊ ነበረ: ነዚ ንምርካብ ድማ ነዊሕ ግዜ ወሰደ። ስለዚ: ኣብ ጥሪ 1945 ምስ ተመረቕና ፈለምቲ ዄንና ንዓመትን መንፈቕን ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ኣገልገልና። ቪዛና ምስ ተቐበልና: ምስታ ናብ ቺለ ጕዕዞ እትገብር ብትሽዓተ ሚስዮናውያን ዝቘመት ጕጅለ ተጸምበርና። እቶም ሸውዓት ካብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኽፍሊ ጊልዓድ እተመረቑ እዮም ነይሮም።

ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ሳንቲያጎ ምስ በጻሕና ብዙሓት ክርስትያን ኣሕዋት ተቐበሉና። ሓደ ኻብኣቶም እቲ ቕድሚ ሒደት ዓመታት ዘተባብዓና ኻብ ጊልዓድ እተመረቐ ኣልበርት ማን ነበረ። ኣብታ ቕድሚኣ ዝነበረት ዓመት ምስቲ ኻብ ካልኣይ ክፍሊ ጊልዓድ እተመረቐ ጆሴፍ ፌራሪ ዚበሃል ሓው ናብ ቺለ መጸ። ኣብ ቺለ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን: ካብ 100 ዚውሕዱ ኣስፋሕቲ እዮም ነይሮም። ኣብዚ ሓድሽ ምድብና ዝያዳ መዝገብ: ማለት ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ክንረክብ ተሃንጢና ነበርና።

ኣብቲ ኣብ ሳንቲያጎ ዚርከብ መንበሪ ሚስዮናውያን ንኸነገልግል ተመደብና። ምስ ከምዚ ዘበለ ሰፊሕ ስድራ ሚስዮናውያን ምንባር ንዓና ሓድሽ እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ከነሕልፎ ዚግብኣና ሰዓታት: ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ነቲ ስድራ ዚኸውን ምግቢ ንኽንክሽን ንምደብ ነበርና። ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ኣዝዩ ዜሕፍር ኣጋጣሚታት የጓንፈና ነበረ። ሓደ እዋን: ንቝርሲ እቲ ስድራቤት ዚኸውን ውዑይ ብሽኮቲ ኣዳለና፣ ነቲ ብሽኮቲ ኻብቲ እቶን ከነውጽኦ ኸለና ግን ባህ ዘይብል ጨና ጨነወና። ሓደ ሰብ ነቲ ቤኪን ሶዳ ኣብቲ ናይ ቤኪን ፓውደር መትሓዚ ዝዀነ ታኒካ ስለ ዘቐመጦ: ብጌጋ ኻልእ መባዅዕቲ ተጠቐምና!

ካብዚ ንላዕሊ ዜሕፍረና ዝነበረ ግን ስጳንኛ ኽንመሃር ከለና እንፍጽሞ ዝነበረ ጌጋታት እዩ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንመርሓሎም ዝነበርና ብዙሓት ኣባላት ዘለዉዋ ሓንቲ ስድራቤት: ነቲ እንብሎም ዘለና ኽርድእዎ ስለ ዘይከኣሉ: መጽናዕቲ ኼቋርጹ ቝሩብ እዩ ተሪፍዎም ነይሩ። ነቲ ጥቕስታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱሶም ብምክትታል ግን ነታ ሓቂ ኺመሃርዋ ኸኣሉ: ሓሙሽተ ኻብኣቶም ድማ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰኑ። ኣብቲ ግዜ እቲ ንሓደስቲ ሚስዮናውያን ዚወሃብ ናይ ቋንቋ ኮርስ ኣይነበረን። ዕዮ ስብከት ብኡንብኡ ኢና ጀሚርና: ነቲ ቛንቋ ድማ ካብቶም እንምስክረሎም ዝነበርና ሰባት ክንመሃሮ ንጽዕር ነበርና።

ብዙሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንመርሕ ኔርና: ገሊኦም ተመሃሮ ድማ ቅልጡፍ ምላሽ ሃቡ። ካልኦት ግን ብዙሕ ትዕግስቲ ዚሓቱ እዮም ነይሮም። ሓንቲ ቴሬሳ ተዮ ዝስማ መንእሰይ ሰበይቲ ነቲ ብዛዕባ ሓቂ ዚገልጽ መልእኽቲ ሰምዓቶ: “በጃኹም: ተመሊስኩም መጺእኩም ግዳ ዝያዳ ንገሩኒ” ድማ በለትና። ናብ ገዛኣ 12 ሳዕ እኳ እንተ ተመላለስና: ክንረኽባ ግን ኣይከኣልናን። ከምዚ ኢሉ ድማ ሰለስተ ዓመት ሓለፈ። ብድሕርዚ: ኣብቲ ኣብ ሳንቲያጎ ዚርከብ ትያትር እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ተኻፈልና። ሰንበት ካብቲ ኣኼባ ኽንወጽእ ከለና ድማ “ስኞሪታ ዶራ: ስኞሪታ ዶራ!” ዚብል ድምጺ ሰማዕና። ግልጽ እንተ በልናስ ቴሬሳ እያ ነይራ። ነታ ኣብ ስግር እቲ ጐደና እትርከብ ሓብታ ትበጽሓ ኸም ዝነበረትን ኣብቲ ትያትር እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ንምርኣይ ከም ዝመጸትን ነገረትና። ዳግማይ ምስኣ ብምርኻብናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ባህ ኢሉና! መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር መሰናድዎ ገበርና: ብዙሕ ከይጸንሐት ድማ ተጠመቐት። ብድሕርዚ ፍልይቲ ፈላሚት ኰነት። ሎሚ: ድሕሪ 45 ዓመት ኣብ ፍሉይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተጸሚዳ እያ ዘላ።—መክብብ 11:1

ኣብ “ሑጻ” መዝገብ ምርካብ

ብ1959 ናብ ፑንታ ኣሬናስ: ማለት “ነቝጣ ሑጻ” እትበሃል ከተማ ተመደብና፣ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣብቲ 4,300 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ኣብ ደቡባዊ ጫፍ ቺለ ዚርከብ ገማግም እያ እትርከብ። ፍልይ ዝበለት ክሊ ድማ እያ። ብግዜ ኽረምቲ እቲ መዓልቲ ነዊሕ ብምዃኑ: ክሳዕ ሰዓት 11:30 ድ.ቐ. ብርሃን እዩ ዚኸውን። ኣብ ኣገልግሎት ነዊሕ መዓልታት እኳ ኸነሕልፍ እንተ ኸኣልና: ዕንቅፋታት ግን ነይሩ እዩ፣ ከመይሲ: ብግዜ ኽረምቲ ኻብ ኣንታርክቲክ ዚመጽእ ሓያል ንፋስ ነበረ። ሓጋይ ከኣ ኣዝዩ ቘራርን እቲ መዓልቲ ሓጺርን ነበረ።

እዚ ዅሉ ብድሆ እኳ እንተ ኣጋጠመና: ፑንታ ኣሬናስ ዚስሕብ ነገራት እውን ኣለዋ። ብግዜ ኽረምቲ ኣብቲ ምዕራባዊ ሰማይ እቲ ደበና ብቐጻሊ እናተንከባለለ ኺጐዓዝ ከሎ ትርኢ ኢኻ። ሓድሓደ ግዜ ብሃንደበት ብርቱዕ ዝናም ይወቅዕ: ብድሕርዚ ግን እቲ ንፋስ መጺኡ የንቅጾ። እታ ጸሓይ በቲ ደበና ሰንጢቓ ኽትሓልፍ ከላ ኸኣ ኣዝዩ ምልኩዕ ቀስተ ደበና ይፍጠር። እዚ ቐስተ ደበና እዚ እታ ጸሓይ ነቲ ደበና ሰንጢቓ ኽትሓልፍ ከላ እናደመቐን እናሃሰሰን ንነዊሕ ሰዓታት ይጸንሕ።—እዮብ 37:14

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ፑንታ ኣሬናስ ዝነበሩ ኣስፋሕቲ ሒደት እዮም ነይሮም። ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዝነበራ ንኣሽቱ ጉባኤታት ዚግበር ዝነበረ ኣኼባ ድማ ኣሓት ዘበልና ንመርሖ ነበርና። የሆዋ ንጻዕርታትና ባሪኽዎ እዩ። ድሕሪ 37 ዓመት ነዚ ቦታ እዚ ኽንበጽሖ ኼድና ነበርና። ሽዱሽተ እናሰሰና ዚኸዳ ጉባኤታትን ሰለስተ ምልኩዕ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ድማ ረኸብና። ኣብዚ ደቡባዊ ሑጻ ዝመልኦ ቦታ: መንፈሳዊ መዝገብ ንኽንረክብ የሆዋ ስለ ዝፈቐደልና ኣዚና ኢና ተሓጒስና!—ዘካርያስ 4:10

ኣብ “ሰፊሕ ገምገም ባሕሪ” እተረኽበ መዝገብ

ኣብ ፑንታ ኣሬናስ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ድሕሪ ምግልጋልና: ኣብታ ወደባዊት ከተማ ዝዀነት ቫልፓራይዞ ንኸነገልግል ተመደብና። እዛ ኸተማ እዚኣ ብ41 ኰረቢት ተኸቢባ እትርከብ ወሽመጥ እያ። ናይ ስብከት ንጥፈታትና ድማ ብቐንዱ ኣብ ሓደ ፕላያ ኣንቻ: ማለት “ሰፊሕ ገምገም ባሕሪ” ዚበሃል ኵርባ ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ኣብኡ ዝጸናሕናሉ 16 ዓመት: እቶም ሽዑ ክርስትያን ኣሕዋት ዝነበሩ ብዙሓት መንእሰያት: ገየሽቲ ሓለውቲ ኸምኡውን ኣብ መላእ ቺለ ሽማግለታት ጉባኤ ብምዃን ብመንፈሳዊ መዳይ ዕቤት ኪገብሩ ኸለዉ ርኢና ኢና።

እታ ቐጺላ ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናላ ኸተማ: ቪኛ ደል ማር ትበሃል። ኣብኡ ድማ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ነቲ መንበሪ ሚስዮናውያን ክሳዕ ዜፍርሶ ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን ኣገልገልና። ብድሕርዚ ናብታ ቕድሚ 40 ዓመት ኣገልግሎት ሚስዮናውነት ዝጀመርናላ ሳንቲያጎ ተመለስና። ኵሉ ነገራት ተቐያይሩ ጸንሓና። ሓድሽ መሳለጥያታት ጨንፈር ተሃኒጹ ነበረ: እቲ ቕድም ዝነበረ ጨንፈር ድማ መንበሪ እቶም ኣብታ ዓዲ ተሪፎም ዝነበሩ ሚስዮናውያን ኰነ። ብድሕርዚ: እቲ ገዛ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ ዀነ። ኣብቲ እዋን እቲ እንደገና ሳህሊ የሆዋ ረኣና። ሓሙሽተ እንኸውን ብዕድመ ዝደፋእና ሚስዮናውያን አብ ቤትኤል ክንነብር ዕድመ ቐረበልና። ኣብ ቺለ ኣብ ዘገልገልናሉ እዋን ኣብ 15 ቦታታት ተመዲብና ኢና። እቲ ዕዮ ካብቲ ኻብ 100 ንታሕቲ ዝነበሩ ኣስፋሕቲ ናብ 70,000 ኣቢሉ ኺዓቢ ኸሎ ርኢና ኢና! ኣብዚ ቦታ እዚ ን57 ዓመት: መዝገብ ምንዳይ ኣዝዩ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ!

የሆዋ ነቶም ናይ ብሓቂ መዝገብ ዝዀኑ ብዙሓት ሰባት ንኽንረክብ ብምፍቃድ ባሪኹና እዩ: ነዞም ሰባት እዚኣቶም ከኣ ሕጂ እውን እንተ ዀነ: ኣብ ውድቡ ይጥቀመሎም ኣሎ። ኣብቲ ንየሆዋ ብሓባር ዘገልገልናሉ ልዕሊ 60 ዓመት: ምስቲ “ነቶም ዚፈርሁኻ ዝዐቘርካሎም . . . ለውሃትካ ኽንደይ ዓብዪ እዩ” ብምባል ንጉስ ዳዊት ዝገለጾ ስምዒት ብምሉእ ልብና ኢና እንሰማማዕ።—መዝሙር 31:19

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት: ሕጂ ግን ኣይትሕተምን እያ ዘላ።

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ዶረቲያ ብ2002 ከምኡውን ብ1943 ኣብ ዕዮ ስብከት ከላ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ብ1942 ኣብ ፎርት ዶጅ: ኣየዋ ኣብ መገዲ ኸተገልግል ከላ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ዶራ ብ2002

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

ዶረቲያን ዶራን ብ1946 ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ቺለ ዝነበረ ናይ መጀመርታ መንበሪ ሚስዮናውያን