ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣቱም መንእሰያት: ንኣምላኽ ዜኽብር ሸቶታት ስዓቡ

ኣቱም መንእሰያት: ንኣምላኽ ዜኽብር ሸቶታት ስዓቡ

ኣቱም መንእሰያት: ንኣምላኽ ዜኽብር ሸቶታት ስዓቡ

“ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ።”—1 ጢሞቴዎስ 4:7

1, 2. (ሀ) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ዝነኣዶ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሎሚ ዘለዉ መንእሰያት ‘ንርእሶም ኣምልኾ ዜላምዱ’ ዘለዉ ብኸመይ እዮም፧

 “ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሐሲቡ ብንጹህ ልቢ ዚሐሊ ሓደ እኳ የብለይን . . . ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዜገልግል: ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም።” (ፊልጲ 2:20, 22) ሃዋርያ ጳውሎስ ናብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝለኣኻ መልእኽቲ ነዚ ጽቡቕ ናእዳ እዚ ጸሓፈ። ንመን እዩ ዚንእዶ ነይሩ፧ ነቲ መንእሰይ መጋይሽቱ ዝነበረ ጢሞቴዎስ እዩ ንኢድዎ። እዚ ጳውሎስ ፍቕሩን እምነቱን ዝገለጸሉ መገዲ ንልቢ ጢሞቴዎስ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘሐጐሶ እሞ ገምቶ!

2 ከም ጢሞቴዎስ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም መንእሰያት ካብ ቀደም ኣትሒዞም ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ኽቡር ሃብቲ ጌርካ እዮም ዚረኣዩ። (መዝሙር 110:3) ሎሚ: ኣብ ውድብ ኣምላኽ ሓያሎ ፈለምቲ: ሚስዮናውያን: ወለንተኛታት ህንጸት: ከምኡውን ቤትኤላውያን ኰይኖም ዜገልግሉ መንእሰያት ኣለዉ። እቶም ካልእ ሓላፍነታቶም እናፈጸሙ: ኣብ ንጥፈታት ጉባኤ ብቕንኣት ዚሳተፉ ዘበሉ እውን ብዙሕ ናእዳ ይግብኦም እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንእሰያት ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ኽብሪ ብምሃብ ዚርከብ ናይ ሓቂ ዕግበት ይረኽቡ እዮም። ብሓቂ ‘ንርእሶም ኣምልኾ የላምዱ’ ኣለዉ።—1 ጢሞቴዎስ 4:7, 8

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

3 ከም መንእሰይ መጠን ኣብ ገለ መንፈሳዊ ሸቶታት ንኽትበጽሕ ትመጣጠርዶ ኣለኻ፧ ከምኡ ንምግባር ሓገዝን ምትብባዕን ካበይ ክትረክብ ትኽእል፧ ነቲ ኻብዛ ፍቕረ-ንዋይ ዝመልኣ ዓለም ዚመጽእ ጸቕጥታት ብኸመይ ክትጻረሮ ትኽእል፧ ንኣምላኽ ዜኽብር ሸቶታት እንተ ስዒብካ: እንታይ በረኸት ክትጽበ ትኽእል፧ ነቲ ጢሞቴዎስ ዘሕለፎ ህይወትን ከም ሞያ ገይሩ ዝሓዞ ዕዮን ብምምርማር: መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን ክንረክብ ንኽእል ኢና።

ኣተዓባብያ ጢሞቴዎስ

4. ክርስትያናዊ ህይወት ጢሞቴዎስ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ።

4 ጢሞቴዎስ ኣብ ሓንቲ ኣብ ናይ ሮሜ ኣውራጃ ገላትያ እትርከብ ልስጥራ እትበሃል ንእሽቶ ኸተማ እዩ ዓብዩ። ኰተቴ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ማለት ኣብቲ ጳውሎስ ብ47 ድ.ክ. ኣብ ልስጥራ ኣብ ዚሰብከሉ ዝነበረ እዋን ከኣ እዩ ብዛዕባ ክርስትና ሰሚዑ ኪኸውን ዘለዎ። ጢሞቴዎስ ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ መንጎ እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣሕዋት ጽቡቕ ስም ኣጥረየ። ጳውሎስ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ናብ ልስጥራ ምስ ተመልሰን ብዛዕባ ዕቤት ጢሞቴዎስ ምስ ፈለጠን: ከም ሚስዮናዊ ብጻዩ ዀይኑ ኼገልግል መረጾ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:5-20፣ 16:1-3) ጢሞቴዎስ ምስ በሰለ: ዝዓበየ ሓላፍነታት ተዋህቦ: ሓደ ኻብዚ ኸኣ እቲ ኣገዳሲ ዝነበረ ንኣሕዋት ምብርታዕ ነበረ። ኣብ ከባቢ 65 ድ.ክ. ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ኣብ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ ዀይኑ ንጢሞቴዎስ ኪጽሕፈሉ ኸሎ: ጢሞቴዎስ ኣብ ኤፌሶን ክርስትያን ሽማግለ ዀይኑ የገልግል ነበረ።

5. ብመሰረት 2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15 እንታይ ክልተ ረቛሒታት እዩ ነቲ ጢሞቴዎስ መንፈሳዊ ሸቶታት ንኺስዕብ ዝገበሮ ውሳነ ኣበርክቶ ዝገበረ፧

5 ጢሞቴዎስ መንፈሳዊ ሸቶታት ኪስዕብ ከም ዝመረጸ ንጹር እዩ። ከምኡ ንኺገብር ዝደረኾ ግን እንታይ እዩ፧ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዘለኣኻ ኻልአይቲ መልእኽቱ ኽልተ ወሳኒ ረቛሒታት ጠቒሱ ኣሎ። “ካብ እንመን ከም እተመሀርካ ፈሊጥካ: ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ: በቲ እተምሀርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ” ኢሉ ጸሓፈሉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15) ፈለማ ነቲ ኻልኦት ክርስትያናት ኣብ ምርጫ ጢሞቴዎስ ዝነበሮም ግደ እስከ ንመርምር።

ካብ ኣወንታዊ ጽልዋታት ተጠቐም

6. ጢሞቴዎስ እንታይ ስልጠና እዩ ዝረኸበ፧ ነቲ ስልጠናኸ ብኸመይ ተቐበሎ፧

6 ጢሞቴዎስ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት እዩ ዓብዩ። ኣቦኡ ግሪኻዊ እዩ ነይሩ: ኣዲኡ ኤውንቄን ዓባዩ ሎኢስን ከኣ ኣይሁዳውያን እየን ነይረን። (ግብሪ ሃዋርያት 16:1) ካብ ሕጻንነቱ ኣትሒዙ: ኤውንቄን ሎኢስን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ሓቅታት ምሂረናኦ እየን። ክርስትያናት ምስ ኰና ድማ: ክርስትያናዊ ትምህርትታት ንኺኣምነሉ ኸም ዝሓገዛኦ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ጢሞቴዎስ ነዚ ብሉጽ ስልጠና እዚ ኣጸቢቑ ኸም እተጠቕመሉ ንጹር እዩ። ጳውሎስ “እታ ኣባኻ ዘላ: ልግሚ ዜብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ: ኣብ ኤውንቄ ኣዴኻውን ዝሐደረት እምነት እናዘከርኩ:—ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲኤ አሎኹ” በሎ።—2 ጢሞቴዎስ 1:5

7. ብዙሓት መንእሰያት ብኸመይ እዮም ተባሪኾም ዘለዉ፧ እዚኸ ንዓታቶም ዚጠቕሞም ብኸመይ እዩ፧

7 ሎሚ ብዙሓት መንእሰያት ከም ሎኢስን ኤውንቄን ዝኣመሰሉ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣገዳሲ ምዃኑ ዚግንዘቡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለድን ኣባሓጎታትን እኖሓጎታትን ስለ ዘለውዎም ተባሪኾም እዮም። ንኣብነት: ሳሚራ ጐርዞ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ምስ ወለዳ እትገብሮ ዝነበረት ነዊሕ ዝርርብ ትዝ ይብላ። “ኣደይን ኣቦይን ኣረኣእያ የሆዋ ንኺህልወንን ንዕዮ ስብከት ቀዳምነት ንኽህቦን መሃሩኒ” በለት። ኣስዕብ ኣቢላ እውን “ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽስዕብ ወትሩ የተባብዑኒ ነበሩ” በለት። ሳሚራ ነቲ ወለዳ ዝሃብዋ ምትብባዕ ዓየየትሉ: ሕጂ ኸኣ ኣብ ሃገራ ኣባል ስድራ ቤትኤል ኰይና ተገልግል ኣላ። ወለድኻ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ንኸተተኵር እንተ ኣተባቢዖምኻ: ንማዕዳኦም ተጠንቂቕካ ሕሰበሉ። ንጽቡቕካ እዮም ዚሓስቡ ዘለዉ።—ምሳሌ 1:5

8. ጢሞቴዎስ ካብ ሃናጺ ክርስትያናዊ ዕርክነት ብኸመይ ተጠቕመ፧

8 ኣብ ክርስትያናዊ ሕውነት ሃናጺ ዕርክነት ምግባር እውን ኣገዳሲ እዩ። ጢሞቴዎስ በቶም ኣብታ ጉባኤኡ ዝነበሩ ክርስትያን ሽማግለታትን በቶም ኣብታ ዳርጋ 30 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ኢቆንዩም ዝነበሩ ሽማግለታትን ኣጸቢቑ ይፍለጥ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:1, 2) ምስቲ ንፉዕ ዝነበረ ጳውሎስ ጥብቂ ዕርክነት መስረተ። (ፊልጲ 3:14) ጳውሎስ ዝጸሓፈን መልእኽትታት ከም ዚሕብራኦ: ጢሞቴዎስ ዚወሃቦ ማዕዳ ተሓጒሱ ይቕበል ነበረ: ነቶም ኣብነታት እምነት ዝዀኑ ኺስዕብ ከኣ ቅልጡፍ ነበረ። (1 ቈረንቶስ 4:17፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:6, 12-16) ጳውሎስ: “ንስኻ ግና ንትምህርተይ: ንንብረተይ: ንፍቓደይ: ንእምነተይ: ንዓቕለይ: ንፍቕረይ: ንትዕግስተይ ኣጸቢቕካ ሰዐብካ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ጢሞቴዎስ 3:10) እወ: ጢሞቴዎስ ኣብነት ጳውሎስ ኣጸቢቑ ሰዓበ። ብተመሳሳሊ: ንስኻ እውን ናብቶም ኣብ ጉባኤኻ ዚርከቡ ብመንፈሳዊ መዳይ ድልዱላት ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት እንተ ቐሪብካ: ጽቡቕ መንፈሳዊ ሸቶታት ንኽትገብር ሓገዝ ክትረክብ ኢኻ።—2 ጢሞቴዎስ 2:20-22

ን“ቕዱሳት ጽሑፋት” ኣጽንዓዮ

9. ‘ንርእስኻ ኣምልኾ ኸተላምዳ’ እንተ ዄንካ: ጥዑያት ኣዕሩኽ ኣብ ልዕሊ ምምራጽካ: እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

9 ጥዑያት ኣዕሩኽ ብምምራጽ ጥራይ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ኽትወቅዕ ትኽእል ዲኻ፧ ኣይፋልን። ከም ጢሞቴዎስ: ንስኻ ንባዕልኻ ን“ቕዱሳት ጽሑፋት” ተጠንቂቕካ ኽትምርምሮ ኣሎካ። መጽናዕቲ እትፈትዎ ነገር ከይኸውን ይኽእል እዩ: ኰይኑ ግን ጢሞቴዎስ እውን ‘ንርእሱ ኣምልኾ ኼላምዳ’ ኸም ዘድለዮ ኣይትረስዕ። ኣትለታት ኣብቲ ዚደልይዎ ሸቶ ንምብጻሕ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓያሎ ኣዋርሕ ኣበርቲዖም ይለማመዱ እዮም። ብተመሳሳሊ: መንፈሳዊ ሸቶታት ምውቃዕ: መስዋእትን ከቢድ ጻዕርን ይሓትት። (1 ጢሞቴዎስ 4:7, 8, 10) ‘ኰይኑ ግን: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሸቶታተይ ንኽበጽሕ ዚሕግዘኒ ኸመይ ኢሉ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ሰለስተ መገድታት እስከ ንርአ።

10, 11. ቅዱሳት ጽሑፋት ንመንፈሳዊ ሸቶታትካ ንኽትወቅዕ ዚሕግዘካ ብኸመይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

10 ቀዳማይ: ቅዱሳት ጽሑፋት ቅኑዕ ድራኸ ንኺህልወካ የኽእለካ። እዚ ድማ ነቲ ዜደንቕ ባህርያት እቲ ሰማያዊ ኣቦና: ንሱ ንዓና ዘርኣየና ብልጽቲ ፍቕሩ: ከምኡውን ነቲ ንእሙናት ኣገልገልቱ ተነቢሩሎም ዘሎ ዘለኣለማዊ በረኸት ይገልጸልና። (ኣሞጽ 3:7፣ ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 15:4) ብዛዕባ የሆዋ ዘሎካ ፍልጠት እናዓበየ ምስ ከደ: ንዕኡ ዘላትካ ፍቕርን ህይወትካ ንዕኡ ንኽትውፊ ዘሎካ ባህግን እውን ከምኡ እናዓበየ ይኸይድ።

11 ሓያሎ ክርስትያን መንእሰያት: ሓቂ ናታቶም ንኺገብርዋ ዝሓገዞም መሰረታዊ ነገር: ስሩዕ ብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ይገልጹ እዮም። ንኣብነት: ኣደለ ኣብ ክርስትያናዊት ቤት እኳ እንተ ዓበየት: መንፈሳዊ ሸቶታት ግን ኣይነበራን። “ወለደይ ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይወስዱኒ ነበሩ: ኰይኑ ግን ብሕታዊ መጽናዕቲ ኣይገብርን ወይ ኣብ ኣኼባታት ኣይሰምዕን እየ ነይረ” በለት። ሓብታ ምስ ተጠምቀት ግን: ንሓቂ ኣርዚና ኽትርእዮ ጀመረት። “ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቦ ሸቶ ኣውጻእኩ። ንእሽቶ ኽፋል አንብብ እሞ: ብዛዕባ እቲ ዘንበብክዎ ሓሳባት እጽሕፍ ነበርኩ። ክሳዕ ሕጂ ዅሉ እቲ ዝጸሓፍክዎ ሓሳባት ኣሎ። ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣንበብክዎ” በለት። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ኣደለ ህይወታ ንየሆዋ ንኽትውፊ ተደረኸት። ከቢድ ኣካላዊ ስንክልና እኳ እንተ ኣለዋ: ሕጂ ፈላሚት ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊት ኰይና ተገልግል ኣላ።

12, 13. (ሀ) መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንመንእሰይ እንታይ ለውጥታት ንኺገብር እዩ ዚሕግዞ፧ ብኸመይከ፧ (ለ) ኣብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዚርከብ ግብራዊ ጥበብ ኣብነታት ሃብ።

12 ካልኣይ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ባህርያትካ ዜድሊ ለውጥታት ንኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ። ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ: “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ: ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ: ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ: መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ: ንተግሳጽ: ንምቕናዕ: ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ” በሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ብዛዕባ ምስ ቃል ኣምላኽ ዚዛመድ ነገራት ኣዘውቲርካ ምስ እተስተንትንን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምስ እተውዕልን: መንፈስ ኣምላኽ ንባህርያትካ ኪዅልዖ ኽትፈቅድ ኢኻ። ከም ትሕትና: ጽንዓት: ትግሃት: ንክርስትያናት ብጾትካ እትህልወካ ናይ ሓቂ ፍቕሪ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ባህርያት ከተማዕብል ኢኻ። (1 ጢሞቴዎስ 4:15) ጢሞቴዎስ ነዘን ባህርያት እዚኣተን ኣማዕቢሉ እዩ: እዚ ኸኣ ንጳውሎስ ኰነ ነተን ዜገልግለን ጉባኤታት ከም ዚጠቅም ገበሮ።—ፊልጲ 2:20-22

13 ሳልሳይ: ቃል ኣምላኽ ምንጪ ግብራዊ ጥበብ እዩ። (መዝሙር 1:1-3፣ 19:7፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:7፣ 3:15) ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ንኽትመርጽ: ጥዑይ መዘናግዒ ንኽትሓሪ: ከምኡውን ሓያሎ ጸገማት ንኽትሰግር ኪሕግዘካ እዩ። (ዘፍጥረት 34:1, 2፣ መዝሙር 119:37፣ 1 ቈረንቶስ 7:36) ሕጂ ጥበባዊ ውሳነታት ምግባርካ: መንፈሳዊ ሸቶታትካ ንኽትበጽሖ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

“ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል”

14. መንፈሳዊ ሸቶታት ምስዓብ ቀሊል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ንየሆዋ ዜኽብር ሸቶታት ቀዳምነት ምሃብ: ልዕሊ ዅሉ ጥበባዊ መገዲ እኳ እንተ ዀነ: ቀሊል ግን ኣይኰነን። ንኣብነት: ኣብ ህይወትካ እትስዕቦ ሞያ ኽትመርጽ ከለኻ: ካብ ኣዝማድካን መዛኑኻን ንጽቡቕካ ዚሓስቡ መምህራንካን ብዙሕ ጸቕጢ ይወርደካ ይኸውን። እዞም ሰባት እዚኣቶም ናይ ሓቂ ዓወትን ሓጐስን ንምርካብ: ዝለዓለ ትምህርትን ብዙሕ ኣታዊ ዜምጽእ ስራሕን ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምኑ ይዀኑ። (ሮሜ 12:2) ከም ጢሞቴዎስ: ነታ የሆዋ ዘንበረልካ ‘ህይወት ዘለኣለም ምእንቲ ኽትሕዛ ጽቡቕ ገድሊ እምነት ክትጋደል ኣሎካ።’ —1 ጢሞቴዎስ 6:12፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:12

15. ጢሞቴዎስ እንታይ ምጽራር ኣጋጢምዎ ኪኸውን ይኽእል፧

15 ዘይኣመንቲ ኣባላት ስድራቤትካ ንምርጫታትካ ምስ ዘይሰምርዎ: እቲ ፈተና ዝኸበደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጢሞቴዎስ ከምዚ ዝኣመሰለ ምጽራር ኪሰግር ነይርዎ ይኸውን። ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ: ስድራቤት ጢሞቴዎስ ካብ “ደርቢ እቶም ምሁራትን ሃብታማትን” ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣቦኡ ዝለዓለ ትምህርቲ ኺስዕብን ናይ ስድራኡ ንግዲ ኼካይድን ይጽበዮ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። a ኣቦ ጢሞቴዎስ: ወዱ ምስ ጳውሎስ ኣብቲ ቝጠባዊ ውሕስነት ዘይብሉ ሓደገኛ ዕዮ ሚስዮናውነት ከም ዚጽመድ ምስ ፈለጠ: እንታይ ከም ዝበለ እሞ ገምቶ!

16. ሓደ መንእሰይ ካብ ወላዲኡ ንዜጋጥሞ ምጽራር ብኸመይ ሰገሮ፧

16 ሎሚ መንእሰያት ክርስትያናት ተመሳሳሊ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም ዘሎ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግል ማቲው ከምዚ ብምባል ተዘክሮኡ ይገልጽ:- “ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ምስ ጀመርኩ: ኣቦይ ኣመና ጐሃየ። ንኣገልግሎተይ ንምድጋፍ ኣጽራዪ ዀይነ ብምስራሐይ ነቲ ትምህርተይ ከም ‘ዘባኸንክዎ’ ዀይኑ ተሰምዖ። ምሉእ መዓልቲ እንተ ሰሪሐ ኽንደይ ገንዘብ ከም ዚህልወኒ ብምጥቃስ የስተናዕቐኒ ነበረ።” ማቲው ነቲ ምጽራር ብኸመይ ሰገሮ፧ “ወለቕ ዘለቕ ከይበልኩ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱሰይ ሰዓብኩ: ብፍላይ ርእሰይ ምቍጽጻር ኣብ ዚኸብደኒ እዋን ከየባተኽኩ እጽሊ ነበርኩ” በለ። እቲ ዝገበሮ ቘራጽነት ዓስቢ ረኺቡሉ እዩ። ድሕሪ ግዜ ምስ ኣቦኡ ዝነበሮ ርክብ ተመሓየሸ። ማቲው እውን ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ቐረበ። “የሆዋ ዜድልየኒ ኼማልኣለይን ኬተባብዓንን ካብ ሕማቕ ወሳነታት ኬዕቍበንን ከሎ ርእየ እየ። መንፈሳዊ ሸቶታተይ ንምውቃዕ እንተ ዘይጽዕር ነይረ: ነዚ ዅሉ ኣይምተመከርክዎን” በለ።

ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ኣተኵር

17. ገሊኦም ሰባት ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዚኣትዉ ብጌጋ ዕንቅፋት ዚዀንዎም ብኸመይ እዮም፧ (ማቴዎስ 16:22)

17 ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ እውን መንፈሳዊ ሸቶታት ንኸይትስዕብ ብዝረቐቐ መገዲ ዕንቅፋት ኪዀኑኻ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ‘ስለምንታይ ፈላሚ ትኸውን፧ ንቡር ህይወት እናመራሕካ: ኣብ ዕዮ ስብከት ክትጽመድ ትኽእል ኢኻ። ጽቡቕ ስራሕ ሒዝካ: ቍጠባዊ ውሕስነትካ ኣረጋግጽ’ ኪብሉኻ ይኽእሉ እዮም። እዚ ጽቡቕ ማዕዳ ኺመስል ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ነዚ እንተ ስዒብካ: ብሓቂዶ ንርእስኻ ኣምልኾ ተላምዳ ኢኻ፧

18, 19. (ሀ) ከመይ ጌርካ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ከተተኵር ትኽእል፧ (ለ) ከም መንእሰይ መጠን: ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኢልካ እትገብሮ ዘለኻ መስዋእትታት ግለጽ።

18 ብግዜ ጢሞቴዎስ ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት ተመሳሳሊ ሓሳባት ነይርዎም ኪኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 6:17) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ኣብ መንፈሳዊ ሸቶታት ንኼተኵር ምእንቲ ኺሕግዞ ኢሉ: “ዓቀይታይ ናብ ኲናት ከይዱስ: ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኼስምሮ ኢሉ: ብናይ መነባብሮኡ ዚጠላለፍ የልቦን” ኢሉ ኣተባብዖ። (2 ጢሞቴዎስ 2:4) ሓደ ግዴታኡ ዚፍጽም ዘሎ ዓቀይታይ: ናብ ሲቪላዊ ጕዳያት ኬስግል የብሉን። ህይወቱን ህይወት ካልኦት ሰባትን ነቲ ኻብ ኣዛዚኡ ዚመጽእ ትእዛዝ ንምፍጻም ድሉው ኣብ ምዃኑ እተመርኰሰ እዩ። ንስኻ እውን ዓቀይታይ ክርስቶስ ከም ምዃንካ መጠን: ኣብቲ ዕላማኻ ኸተተኵር ከምኡውን ነቲ ህይወት ዜድሕን ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ከይትፍጽም ዚዓግተካ ዝዀነ ይኹን ዘየድሊ ስጋዊ ነገራት ከይጠልፈካ ኽትጥንቀቕ ኣሎካ።—ማቴዎስ 6:24፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:16፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:2, 5

19 ጣዕሚ ዘለዎ ናብራ ምንባር ሸቶኻ ኣብ ክንዲ እትገብሮ: ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ኣማዕብል። “ከም ሓደ ኻብ ሰራዊት ክርስቶስ የሱስ: ብዘይ ምሹእ ናብራ ኽትነብር ድሉው ኩን።” (2 ጢሞቴዎስ 2:3 ዘ ኢንግሊሽ ባይብል ኢን ቤዚክ ኢንግሊሽ) ጢሞቴዎስ ምስ ጳውሎስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ እንተ ዀነ: በቲ ዘለዎ ምዕጋብ ተማህረ። (ፊልጲ 4:11, 12፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:6-8) ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ምእንቲ መንግስቲ ኣምላኽ መስዋእትታት ክትገብር ድሉው ዲኻ፧

ሕጅን ኣብ መጻእን ዚርከብ በረኸት

20, 21. (ሀ) መንፈሳዊ ሸቶታት ምስዓብ ዜምጽኦ ገለ በረኸት ግለጽ። (ለ) እንታይ ክትገብር ቈሪጽካ ኣለኻ፧

20 ጢሞቴዎስ ን15 ዓመት ምስ ጳውሎስ ለጊቡ ተመላለሰ። እቲ ብስራት ዳርጋ ኣብ ኵሉ ሰሜናዊ መዲተራነያን ኣብ እተዘርግሓሉ እዋን: ሓደስቲ ጉባኤታት ኪቘማ ኸለዋ ብዓይኑ ርእዩ እዩ። ካብቲ “ንቡር” ህይወት እንተ ዚመርጽ ነይሩ ኺረኽቦ ዚኽእል ዝነበረ ዝዀነ ይኹን ሓጐስን ዕግበትን ንላዕሊ ረኸበ። ንስኻ እውን መንፈሳዊ ሸቶታት ብምስዓብ ብዋጋ ዘይሽነን መንፈሳዊ በረኸት ክትዓጽድ ትኽእል ኢኻ። ንየሆዋ ብዝያዳ ኽትቀርቦ: ፍቕርን ኣኽብሮትን ክርስትያናት ብጾትካ ኸኣ ክትረክብ ኢኻ። ኣብ ክንዲ እቲ ደድሕሪ ስጋዊ ሃብቲ ምስዓብ ዜምጽኦ ስቓይን ብስጭትን: ብልግሲ ብምሃብካ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክትረክብ ኢኻ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ነቲ “ናይ ሓቂ ህይወት:” ማለት ነቲ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዚርከብ ዘለኣለማዊ ህይወት ‘ክትረክብ’ ኢኻ።—1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10, 17-19፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35

21 ስለዚ: ክሳዕ ሕጂ ንርእስኻ ኣምልኾ እንተ ዘየላሚድካያ: ካብ ሕጂ ንኽትጅምሮ ነተባብዓካ። ናብቶም ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ መንፈሳዊ ሸቶታትካ ንኽትወቅዕ ዚሕግዙኻ ሰባት ቅረብ: ካባታቶም ድማ መምርሒ ርኸብ። ንስሩዕ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ቀዳምነት ሃቦ። ነቲ ኣብ ፍቕረ-ንዋይ ዘተኰረ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ንኽትጻረሮ ቘራጽነት ግበር። ንኣምላኽ ዜኽብር ሸቶታት እንተ መሪጽካ: እቲ “ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚህበና ኣምላኽ:” ሕጅን ኣብ መጻእን ብዙሕ በረኸት ክትረክብ ከም እትኽእል ምምብጻዑ ኸቶ ኣይትረስዕ።—1 ጢሞቴዎስ 6:17

[እግረ-ጽሑፍ]

a ግሪኻውያን ንትምህርቲ ልዑል ግምት ይህብዎ ነበሩ። ብግዜ ጢሞቴዎስ ዚነብር ዝነበረ ፕሉታርች ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ግቡእ ትምህርቲ ምርካብ ምንጭን ሱርን ኵሉ ጽቡቕ ነገር እዩ። . . . እዚ ኸኣ እዩ ስነ-ምግባራዊ ብልጫን ሓጐስን ከም ዚህልወካ ዚገብር። . . . ኵሉ ኻልእ ረብሓታት ሰብኣዊ ድኽመት ዘለዎን ዘይጠቅምን እዩ: ኣርዚንካ ኺርአ እውን የብሉን።”—ሞራሊያ: I: “ትምህርቲ ቘልዑ”

ትዝክሮዶ፧

• መንእሰያት ንመንፈሳዊ ሸቶታት ንኺመጣጠሩ ኻበይ ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧

• ብጥንቃቐ ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

• መንእሰያት ነቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ፍቕረ-ንዋያዊ ጽልዋ ብኸመይ ኪጻረርዎ ይኽእሉ፧

• መንፈሳዊ ሸቶታት ብምስዓብ እንታይ በረኸት ይርከብ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእሊ]

ጢሞቴዎስ ጽቡቕ ሸቶታት ሰዓበ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

ንጢሞቴዎስ ዝሓገዞ እንታይ ኣወንታዊ ሸቶታት እዩ፧

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ንመንፈሳዊ ሸቶታት ትመጣጠርዶ ኣለኻ፧