ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኵነታት ኣየር ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር

ካብ ኵነታት ኣየር ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር

ካብ ኵነታት ኣየር ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር

ዳርጋ ዅለን ሃገራት ብዛዕባ ዅነታት ኣየር ዚገልጽ ምስላ ኣለወን። ንኣብነት: ‘ቂሐ-ጽልሚ ምሸት መሐጐስ ባሕረኛ: ቂሐ-ጽልሚ ንግሆ መጠንቀቕ ባሕረኛ’ ዚብል ምስላ ኣሎ። መተዮሮሎጂስትታት ከምቲ ኣብቲ ምስላ እተገልጸ እቲ ዅነታት ኣየር ስለምንታይ ከም ዚቀያየር ተክኒካዊ ምኽንያታት ይህቡ እዮም።

ብግዜ የሱስ እውን ሰባት ብዛዕባ ሰማይ መጽናዕቲ ናይ ምግባርን ነቲ ኣብኡ ዚርአ ነገራት ናይ ምትርጓምን ክእለት ነበሮም። የሱስ ንገሊኦም ኣይሁድ: “ምስ መሰየ: ሰማይ ይቐይሕ አሎ እሞ: ጻሕያ ኪኸውን እዩ: ትብሉ። ምስ ወግሔ: እቲ እተደባነወ ሰማይ ይቐይሕ አሎ እሞ: ሎሚ ዝናም ኪዘንም እዩ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላይ ትፈልጡ” በሎም። ቀጺሉ ግን “ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን፧” ብምባል ኣዝዩ ዜገርም ነገር ተዛረበ።—ማቴዎስ 16:2, 3

እዚ “ትእምርቲ ዘመናት” እንታይ እዩ፧ የሱስ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተላእከ ናይ ሓቂ መሲህ ምዃኑ ዚሕብር ንጹር ምልክታት እዩ። እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ነገራት ከም ምቕያሕ ሰማይ ብቐሊሉ ዚልለ ነበረ። መብዛሕትኦም ኣይሁድ ግን ነዚ መሲህ ከም ዚመጸ ዚሕብር ካብ ኵነታት ኣየር ንላዕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ምልክት ዕሽሽ በልዎ።

ኣብዚ እዋን እዚ እውን እንተ ዀነ: ካብ ሕብሪ ሰማይ ምፍላጥ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ምልክት ኣሎ። የሱስ: ዝሓሸት ዓለም ምእንቲ ኽትጅምር: እዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኽትጠፍእ ከም ዘለዋ ተነብዩ ነበረ። እዚ መዓስ ከም ዚጅምር ዚሕብር ብዙሕ ምዕባለታት ድማ ጠቐሰ። ገለ ኻብዚ ኸኣ ዓለምለኻዊ ውግእን ጥሜትን እዩ። የሱስ እዚ ነገራት እዚ ኺርአ ኸሎ: ኣምላኽ ኢዱ ዜእትወሉ እዋን ከም ዝቐረበ ዚሕብር ምዃኑ ገለጸ።—ማቴዎስ 16:2, 3

ንስኻኸ ን“ትእምርቲ ዘመናት” ተስተውዕሎዶ ኣለኻ፧