ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ”

“ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ”

“ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ”

ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር ባዕሉ ኣብ ዘቀናበራ መዝሙር: “ዎ ኣምላኽ: ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ: ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ። ሓጐስ ምድሓንካ ምለሰለይ: ብፍቓደኛ መንፈስውን ደግፈኒ” ኢሉ ጸለየ። (መዝሙር 51:10, 12) ድሕሪ እቲ ምስ ባትሴባ ዝፈጸሞ ሓጢኣት: ካብ ሓጢኣቱ ተነሲሑ: የሆዋ ኣምላኽ ንልቡ ኼጽርየሉ ኸምኡውን ቅኑዕ ዘበለ ንኺገብር መንፈስ ወይ ዝንባለ ኼሕድረሉ ለመነ።

የሆዋ ኣብ ውሽጥና ጽሩይ ልቢ ይፈጥረልና ድዩ፧ ካብኡ ሓሊፉኸ ሓድሽ ፍቓደኛ መንፈስ ይመልሰልና ድዩ፧ ወይስ ጽሩይ ልቢ ባዕልና ኸነጥርዮን ክንዕቅቦን እንጽዕረሉ ነገር እዩ፧ የሆዋ “ንልቢ ዚፍትኖ” እኳ እንተ ዀነ: ኣብቲ ኣብ ውሽጥና ዚግበር ነገር ግን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኢዱ ዜእቱ፧ (ምሳሌ 17:3፣ ኤርምያስ 17:10) ንህይወትናን ድራኼናን ተግባራትናን ክሳዕ ክንደይ እዩ ዚጸልዎ፧

እተን ኣብ ምሳሌ ምዕራፍ 16 ዚርከባ ቐዳሞት ትሽዓተ ቝጽርታት: ንስም ኣምላኽ ሸሞንተ ሳዕ እናጠቐሳ: ‘ሓሳብና ምእንቲ ኪቐውም:’ ከመይ ጌርና ንህይወትና ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣምላኽ ከም እንገብራ ይሕብራና። (ምሳሌ 16:3) ካብ ቍጽሪ 10 ኽሳዕ 15 ኸኣ ኣብ ሓላፍነት ንጉስ ወይ ገዛኢ የተኵራ።

‘ብልቢ ሓሳባት ምድላው’—ብመን፧

ምሳሌ 16:1ሀ “ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉ” ትብል። ብንጹር እምበኣር ‘ብልብና ሓሳባት ምድላው’ ናትና ሓላፍነት እዩ። የሆዋ ብተኣምራዊ መገዲ ንልብና ኣየዳልዎን ወይ ፍቓደኛ መንፈስ ኣይህበናን እዩ። ብዛዕባ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ንኸነጥሪ: ነቲ እተመሃርናዮ ንኸነስተንትነሉ: ከምኡውን ሓሳባትና ምስ ሓሳባቱ ኸም ዚሰማማዕ ንኽንገብር ክንጽዕር ኣሎና።—ምሳሌ 2:10, 11

ኰይኑ ግን: ዳዊት ‘ጽሩይ ልብን ሓድሽ መንፈስን’ ኪፍጠረሉ ምልማኑ: ሓጥእ ዝንባለ ኸም ዘለዎን ልቡ ንኼጽሪ ኻብ ኣምላኽ ሓገዝ ከም ዜድልዮን ኣፍልጦ ኸም ዝሃበ እዩ ዚሕብር። ዘይፍጹማት ብምዃንና: “ግብሪ ስጋ” ንኽንፍጽም ንፍተን ኢና። (ገላትያ 5:19-21) “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ” ዚብል ምኽሪ ኽንዓየሉ እንተ ዄንና: ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ። (ቈሎሴ 3:5) ብፈተናታት ንኸይንስነፍን ካብ ልብና ሓጥእ ዝንባለታትና ንኸነወግድን: ሓገዙ ምሕታት ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!

ንኻልኦት ሰባት ብልቦም ‘ሓሳቦም ንኼዳልዉ’ ኽንሕግዞም ንኽእልዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ: መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ” ይብል። (ምሳሌ 12:18) መልሓስና ጥዕና ዚኸውን መዓስ እዩ፧ “መልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ” ዚብል ምስ ዚፍጸም: ማለት ብመንፈሳዊ መዳይ ቅኑዕ ዝዀነ ቓላት ሓቂ ምስ እንዛረብ ጥራይ እዩ።—ምሳሌ 16:1

መጽሓፍ ቅዱስ: “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧” ይብል። (ኤርምያስ 17:9) ምሳልያዊ ልብና መመኽነይታን ምትላልን ናይ ምፍጣር ዝንባለ ኣለዎ። እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ሰሎሞን ብዛዕባ እዚ ሓደጋ እዚ ኼጠንቅቕ ከሎ: “ሰብሲ ዅሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ እዩ: መናፍስቲ ዚመዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ” በለ።—ምሳሌ 16:2

ፈተውቲ ርእስና እንተ ዄንና: ጌጋታትና ኸም እነመኻኒ: ሕማቕ ባህርያትና ኸም እንሸፋፍን: ከምኡውን ንኽፍኣትና ዕሽሽ ከም እንብል ኪገብረና ይኽእል እዩ። የሆዋ ግን ኣይታለልን እዩ። መናፍስቲ ይመዝን እዩ። ናይ ሓደ ሰብ መንፈስ ኪበሃል ከሎ: ዓብላሊ ኣእምሮኣዊ ዝንባለኡ የመልክት: ምስ ልቡ እተተሓሓዘ ኸኣ እዩ። ኣመዓባብላ እዚ መንፈስ እዚ ብዓብዪኡ ብንጥፈታት እቲ ምሳልያዊ ልቢ እዩ ዚጽሎ፣ እዚ ድማ ንሓሳባትን ስምዒታትን ድራኸታትን ዜጠቓልል እዩ። እቲ “ንልቢ ዚፍትኖ” ኣምላኽ ንመንፈስ ይመዝኖ: ፍርድታቱ ኸኣ ካብ ኣድልዎ ናጻ እዩ። ስለዚ: ንመንፈስና እንተ ሓሊና: ጥበበኛታት ኢና።

‘ተግባርካ ንየሆዋ ወፍዮ’

መደባት ምግባር ምሕሳብ ይሓትት: እዚ ድማ ብልቢ ዚግበር ንጥፈት እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ተግባራት ደድሕሪ መደባት ዚስዕብ እዩ። ኣብ ጻዕርታትና ኽንዕወት ዲና፧ ሰሎሞን: “ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ: ሽዑ ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ” በለ። (ምሳሌ 16:3) ተግባርና ንየሆዋ ኽንውፍዮ ኺበሃል ከሎ: ኣብኡ ንውከል: ኣብኡ ንጽጋዕ: ንዕኡ ውፉያት ንኸውን: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ጾርና ናብኡ ንድርብዮ ማለት እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ: ኣብኡ ተወከል: ንሱውን ኬስልጠልካ እዩ” ኢሉ ዘመረ።—መዝሙር 37:5

ሓሳባትና ኪቐውም እንተ ዀይኑ ግን: ምስ ቃል ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኪኸውንን ካብ ጽቡቕ ድራኸ ኺምንጭን ኣለዎ። ብተወሳኺ: ሓገዝን ደገፍን ንምርካብ ናብ የሆዋ ኽንጽሊ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ማዕዳ ንምስዓብ ከኣ ተጠንቂቕና ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። ብፍላይ ፈተናታት ወይ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ: ‘ጾርና ናብ የሆዋ ንደርብዮ: ንሱ ድማ ኪድግፈና እዩ።’ እወ: “ንጻድቕ ሰንከልከል ኪብል ከቶ ኣይሐድጎን።”—መዝሙር 55:22

‘የሆዋ ዅሉ ንምዱብ ነገር ፈጠሮ’

ተግባርና ንየሆዋ ብምውፋይ እንታይ ካልእ ፍረ ኢና እንረክብ፧ እቲ ጥበበኛ ንጉስ: “እግዚኣብሄርሲ ዅሉ ንምዱብ ነገር . . . ፈጠሮ” በለ። (ምሳሌ 16:4) እቲ ንዅሉ ፍጥረት ዝፈጠረ ፈጣሪ: ኣምላኽ ዕላማ እዩ። ተግባርና ንዕኡ ኽንውፍዮ ኸለና: ህይወትና ብዕላማን ትርጕምን ዘለዎ ንጥፈት ይምላእ: ከንቱ ወይ ብላሽ ድማ ኣይከውንን። የሆዋ ንምድርን ኣብኣ ንዚነብር ሰብን ዘለዎ ዕላማ ኸኣ ዘለኣለማዊ እዩ። (ኤፌሶን 3:11) ምድሪ “ማሕደር ሰብ” ክትከውን እዩ ደኲንዋን ፈጢርዋን። (ኢሳይያስ 45:18) ብዘይካዚ: እቲ ኣብ ፈለማ ኣብ ምድሪ ንዚነብሩ ደቅሰብ ዝገበሮ ዕላማ: ብርግጽ ኪፍጸም እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተወፈየት ህይወት: መወዳእታ የብላን: ንዘለኣለም ድማ ትርጕም ይህልዋ።

የሆዋ “ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮ።” (ምሳሌ 16:4) “ግብሩ ፍጹም” ስለ ዝዀነ: ንረሲእ ቃል ብቓሉ ኣይፈጠሮን። (ዘዳግም 32:4) ይኹን እምበር: ነቲ ኸቢድ ፍርዱ ዚፍጽመሉ ግዜ ኽሳዕ ዚኣክል: ረሲእ ንኺህሉን ብህይወት ምንባር ንኪቕጽልን ፈቒዱ እዩ። ንኣብነት: የሆዋ ንፈርኦን: “ሓይለይ ከርእየካ: ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ: ብእኡ ምኽንያት ኣንበርኩኻ” በሎ። (ዘጸኣት 9:16) እቲ ዓሰርተ መዓትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘጋጠመ ጥፍኣት ፈርኦንን ሰራዊቱን: ብርግጽ እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ሓይሊ ኣምላኽ እተራእየሉ ዘይርሳዕ ፍጻመ እዩ ነይሩ።

የሆዋ ንሓደ ረሲእ ከይተፈለጦ ንዕላማኡ ኸም ዜገልግል ኪገብሮ ይኽእል እዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር ብዛዕባ የሆዋ: “ኵራ ሰብ ኬመስግነካ እዩ እሞ: ትርፊ ዅራ ኽትዕጠቕ ኢኻ” በለ። (መዝሙር 76:10) የሆዋ ንጸላእቱ ዅራኦም ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቱ ኺገልጹ ይፈቅድ ይኸውን: ኰይኑ ግን ነዚ ዚፈቅድ ንህዝቡ ንኺግስጽን ንኼሰልጥኖምን ኣድላዪ ብዝዀነሉ መጠን ጥራይ እዩ። ትርፊ ዘበለ ግን: ንሱ እዩ ዚጾሮ።

የሆዋ ንትሑታት ኣገልገልቱ ኺድግፎም ከሎ: ነቶም ዕቡያትን ምኩሓትንከ እንታይ እዩ ዚገብሮም፧ እቲ ንጉስ እስራኤል “ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ: ኢድ ብኢድ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን” በለ። (ምሳሌ 16:5) እቶም ‘ብልቦም ዚዕበዩ’ ንሓድሕዶም ይደጋገፉ ይዀኑ: ኰይኑ ግን ከይተቐጽዑ ኣይተርፉን እዮም። ፍልጠትና: ክእለትና: ከምኡውን እተዋህበና ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ሽሕ ሳዕ ይዕበ ብዘየገድስ: መንፈስ ትሕትና እንተ ኣማዕቢልና ጥበበኛታት ኢና።

‘ብፍርሃት የሆዋ’

ብሓጢኣት ስለ እተወለድና: ምግጋይና ዘይተርፍ እዩ። (ሮሜ 3:23፣ 5:12) ናብ ሕማቕ መገዲ ኺመርሓና ዚኽእል መደባት ከይንገብር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ምሳሌ 16:6 “ብምሕረትን ብሓቅን ስሬት ኣበሳ ይርከብ: ሰብውን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕ” ትብል። የሆዋ ንሓጢኣትና ብምሕረት ወይ ብሳህሊ ኸምኡውን ብሓቂ ይስርዮ እኳ እንተ ዀነ: ካብ ሓጢኣት ከም እንርሕቕ ዚገብረና ግን ፍርሃት የሆዋ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕርን ንሳህሉ ዘሎና ሞሳን: ንኸይነጕህዮ ፍርሃት ከነሕድር ኣሎና።

ነቲ ዜስደምም ሓይሊ ኣምላኽ ኣኽብሮት ምስ ኣማዕበልና: ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ልብና ይሓድር። ነቲ ኣብ ፍጥረቱ እተንጸባረቐ ሓይሊ እሞ ሕስብ ኣብሎ! እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበው ዝነበረ እዮብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍጥረት እተራእየ መግለጺ ሓይሊ ኣምላኽ መዘኻኸሪ ምስ ተዋህቦ: ኣተሓሳስባኡ ንኼዐሪ ሓገዞ። (እዮብ 42:1-6) ንሕናኸ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ የሆዋ ምስ ህዝቡ ኣብ ዝነበሮ ርክብ ዝገበሮ ነገራት ዚገልጽ ዛንታታት ከነንብብን ከነስተንትነሉን ከለና ብተመሳሳሊ ኣይንጽሎን ዲና፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ንዑ: ኣምላኽ ዝገበሮ ኸኣ ርአዩ: ግብርታቱ ንደቂ ሰብ ዜፍርህ እዩ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 66:5) ሳህሊ የሆዋ ኸም ትሑዝ ጌርካ ኺርአ የብሉን። እስራኤላውያን ‘ምስ ዓለዉ: ንቕዱስ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ምስ ኣጕሃዩ: የሆዋ ጸላኢኦም ኰነ: ባዕሉውን ተዋግኦም።’ (ኢሳይያስ 63:10) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: “እግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ: ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም።” (ምሳሌ 16:7) ፍርሃት ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዕቝባ ዀን እዩ!

እቲ ጥበበኛ ንጉስ: “ካብ ብዙሕ እቶት ምስ ዓመጻ: ሒደት ምስ ጽድቂ ይሐይሽ” በለ። (ምሳሌ 16:8) ምሳሌ 15:16 እውን “ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲ: ሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሐይሽ” ትብል። ብመገዲ ጽድቂ ንምምልላስ: ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ኣምላኽ ብርግጽ ኣድላዪ እዩ።

“ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ”

ሰብ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ድሕሪ ምምራጽ: ባዕሉ ብዚገብሮ ውሳነታቱ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ ተፈጢሩ። (ዘዳግም 30:19, 20) ምሳልያዊ ልብና እተፈላለየ ኣማራጺታት ናይ ምግምጋም: ድሕሪኡ ኣብ ሓደ ወይ ኣብ እተወሰነ ኻብቲ ኣማራጺታት ናይ ምትኳር ክእለት ኣለዎ። ሰሎሞን ምርጫታት ምግባር ሓላፍነትና ምዃኑ ኺሕብር ከሎ: “ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ: “ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ” ብምባል ድሕሪኡ ዜጋጥም ነገር ሓበረ። (ምሳሌ 16:9) የሆዋ ንስጕምትና ኺመርሓና ስለ ዚኽእል: ‘ሓሳብና ምእንቲ ኪቖመልና’ ሓገዙ እንተ ደሊና ብጥበብ ኢና እንመላለስ ዘለና።

ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ልቢ ተንኰለኛ እዩ: ናይ ሓሶት መመኽነይታታት ድማ ኬቕርበልና ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ሓጢኣት ይፍጽም ይኸውን: ልቡ ኸኣ መመኽነይታታት የቕርበሉ ይኸውን። እቲ ውልቀ-ሰብ ነቲ ሓጥእ መገዱ ኣብ ክንዲ ዚሓድጎ: ኣምላኽ ፈቃርን ሕያዋይን መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ እናበለ የመኻኒ ይኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ብልቡ: “ኣምላኽ ረሲዑ ገጹ ኸዊሉ: ከቶ ኣይኪርእዮን እዩ” ይብል። (መዝሙር 10:11) ይኹን እምበር: ምሕረት ኣምላኽ ከም ትሑዝ ጌርካ ምውሳድ ግቡእ ኣይኰነን: ሓደገኛ እውን እዩ።

‘ሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ የሆዋ እዩ’

ሰሎሞን ኣቓልቦኡ ኻብ ልብን ተግባራት ሰብን ናብ ንጉስ ብምቕያር: “ኣብ ከናፍር ንጉስሲ ንግራት ኣምላኽ አሎ: ኣፉ ብፍርዲ ኣይጋገን” በለ። (ምሳሌ 16:10) እዚ ብሓቂ ኣብቲ ኣብ ዝፋን ዝደየበ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ይፍጸም እዩ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚፍጽሞ ግዝኣቱ: ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ እዩ።

እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን: ምንጪ ፍትሕን ጽድቅን ኪገልጽ ከሎ: “ሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዩ: ኣብ ከረጺት ዘሎ ዅሉ መምዘኒ ኸኣ ተግባሩ እዩ” በለ። (ምሳሌ 16:11) ሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ካብ የሆዋ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መዐቀኒታት: ሓደ ንጉስ ባዕሉ ኸም ምርጫኡ ዚሰርዖ ኣይኰነን። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: “ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ እምበር: ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ: ኣነ ኸምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ: ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ” በለ። ካብቲ እቲ ኻብ ኣቦ ‘ፍርዲ ዘበለ እተዋህቦ’ ወዲ: ፍጹም ፍትሒ ኽንጽበ ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 5:22, 30

ካብ ሓደ ንየሆዋ ዚውክል ንጉስ እንታይ ካልእ ነገራት ክንጽበ ንኽእል፧ እቲ ንጉስ እስራኤል: “ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ: ነገስታት ንረሲእነት ይፍንፍንዎ” በለ። (ምሳሌ 16:12) እታ መሲሓዊት መንግስቲ ብጽድቃዊ ስርዓታት እያ እትመሓደር። ምስ “መንበር ጥፍኣት” ዋላ ሓንቲ ኺዳን የብላን።—መዝሙር 94:20፣ ዮሃንስ 18:36፣ 1 ዮሃንስ 5:19

ሞገስ ንጉስ ምርካብ

ተገዛእቲ ሓደ ግርማዊ ንጉስ ከመይ ኪዀኑ ኣለዎም፧ ሰሎሞን: “ጻድቃን ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም: ነቲ ቕንዕና ዚዛረብውን የፍቅርዎ። ቍጥዓ ንጉስሲ ልኡኽ ሞት እዩ: ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦ” በለ። (ምሳሌ 16:13, 14) ሎሚ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ ነዚ ቓላት እዚ ኣብ ልቦም የሕድርዎ: ኣብ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ከኣ ዕዙዛት ይዀኑ እዮም። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ከናፍሮም በዚ መገዲ እዚ ምጥቃሞም ነቲ መሲሓዊ ንጉስ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከም ዜሐጕሶ ይፈልጡ እዮም። ካብ ቍጥዓ ሰብኣዊ ንጉስ ምምላጥን ሞገሱ ምርካብን ብርግጽ ጥበብ እዩ። ስምረት እቲ መሲሓዊ ንጉስ ምርካብ ደኣኸ ኽሳዕ ክንደይ ዝበለጸ ጥበብ ኰን እዩ!

ሰሎሞን ኣስዕብ ኣቢሉ: “ገጽ ንጉስ እንተ በርሄ: ህይወት እዩ: ሞገሱ ኸኣ ከም ደበና ጽብሓት እዩ” በለ። (ምሳሌ 16:15) ከምቲ ‘ብርሃን ገጽ የሆዋ’ ንሞገሱ ዜመልክት: “ገጽ ንጉስ እንተ በርሄ” ኪበሃል ከሎ ኸኣ ሞገሱ እንተ ኣርእዩ ማለት እዩ። (መዝሙር 44:3፣ 89:15) ከምቲ ደበና ነቲ ኣእካል ንኺፈሪ ዜድሊ ዝናም ከም ዚመጽእ መረጋገጺ ዚኸውን: ሞገስ ንጉስ ከኣ ጽቡቕ ነገር ከም ዚመጽእ ዜርኢ መረጋገጺ እዩ። ኣብ ትሕቲ እቲ ግዝኣት መሲሓዊ ንጉስ ዚህሉ ህይወት: ከምቲ ብግዜ ግዝኣት ንጉስ ሰሎሞን ብንእሽቶ ደረጃ እተራእየ: በረኸትን ብልጽግናን ዝመልኦ ኪኸውን እዩ።—መዝሙር 72:1-17

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ንዘሎ ዅሉ ጕዳያት ክትቈጻጸሮ ኽንጽበ ኸለና: ንልብና ንምጽራይ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንድለ። ኣብ የሆዋ ንወከል: ፍርሃት ኣምላኽ ድማ ነማዕብል። ሽዑ ‘ሓሳባትና ኸም ዚቐውም’ ምሉእ ብምሉእ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና።—ምሳሌ 16:3

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ “ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮ” ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧