ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጻኢ የፍርሃካ ድዩ፧

መጻኢ የፍርሃካ ድዩ፧

መጻኢ የፍርሃካ ድዩ፧

ሰባት ብእተፈላለየ ምኽንያታት ኪፈርሁ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት: ገሊኦም ንምድሪ ኣብ መጻኢ ዜጋጥማ ነገር የፍርሆም እዩ። ናይ 3 ሚያዝያ 2006 መጽሔት ታይም “ብርቱዕ ዋዒ: ህቦብላ: ምጥልቕላቕ ማይ: ባርዕ: ምምካኽ ዓበይቲ በረድ ክትዕዘብ ከለኻ: ናይ ዓለም ኵነታት ኣየር ኣመና ይበላሾ ዘሎ እዩ ዚመስል” በለት።

ኣብ ግንቦት 2002 ፕሮግራም ከባቢ ውድብ ሕቡራት ሃገራት: “መጻኢ ዓለምለኻዊ ኸባቢ” ዘርእስቱ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነበረ። እቲ ጸብጻብ ብምትሕብባር ልዕሊ 1,000 ሰባት እተዳለወ ነበረ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ: “እዛ ፕላነት ኣብ ዘየላቡ ደረጃ በጺሓ ኣላ: ሕጂ እንገብሮ ምርጫታት ንጫካታት: ውቅያኖሳት: ኣፍላግ: ኣኽራን: እንስሳታት ዘገዳም: ከምኡውን ነቲ ሕጂ ዘሎን ኣብ መጻኢ ዚህሉን ወለዶታት ዚምርኰሰሉ ንህይወት ዚድግፍ ካልእ ስርዒታት ወሳኒ እዩ።”

ብዘይካ እዚ ህሉው ኵነታት ከባቢ ዓለም ግን ካልእ ዜጨንቕ ነገራት እውን ኣሎ። ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ሰባት ንመጥቃዕትታት ግበረ-ሽበራ ይፈርሁ እዮም። እቲ ምክትል ዳይረክተር ዝለዓለ ትካል ስለላ ካናዳ: “ብዛዕባ እቲ ዘይንፈልጦ ዜስግእ ነገራት ክንጭነቕ ድቃስ ዘይብልና ንሓድር” በለ። አረ ምሸት ኣብ ተለቪዥን ዚርአ ዜና ጥራይ እኳ ጭንቀት የምጽእ እዩ!

ብዙሓት ጻዕራማት በጽሕታት ዝነበሮም ስራሕ ከይስእኑ ይፈርሁ እዮም። ካብ ስራሕ ምንካይ: ምዕጻው ፋብሪካ: ኣብ ስራሕ ዘሎ ውድድር: ከምኡውን ኣስራሕቲ ዚጠልብዎ ጠገለ ዘይብሉ ነገራት: ንስራሕ ውሕስነት ዘይብሉ ይገብሮ ኣሎ። ኰተቴታት ብመዛንኦም ከይጽልኡ ይፈርሁ። ቈልዑ ኸኣ ወለዶም ንዓታቶም ብሓቂ ፍቕሪ ዘይብሎም ከይኰኑ ይፈርሁ። ኰይኑ ግን: ብዛዕባ ዅነታት እታ ኣብ ከባቢኦም ዘላ ዓለምከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ ሓንቲ እዚ ዘተሓሳሰባ ኣደ: “ንኣሽቱን ገርህታትን: እታ ኻብ ቤቶም ወጻኢ ዘላ ዓለም ሓድሓደ ግዜ ኣዝያ ተፍርሆም ክትከውን ኣለዋ” በለት። ብዙሓት ወለዲ: እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ብልሽውና ኣብቶም ዜፍቅርዎም ሰባት: ምናዳ ኸኣ ኣብ ደቆም ኪህልዎ ዚኽእል ጽልዋ የጨንቖም እዩ።

ኣረጋውያን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መደያይቦ ኸይወድቁ ወይ ኣብ ጐደናታት መጥቃዕቲ ኸይወርዶም ይፈርሁ እዮም። እወ: “ንበረኽቲ ይፈርሁ: ኣብ መገዲውን ይስምብዱ።” (መክብብ 12:5) እዚኣቶም ኰኑ ኻልኦት: ከቢድ ሕማም ከይሓሙ ይፈርሁ። ብዛዕባ ቐታሊ ኢንፍሉወንዛ ዜምጽእ ቫይረስ: መንሽሮ: ከምኡውን ተላባዒ ሕማማት ዚገልጽ ጸብጻባት ክንሰምዕ ከለና: ንዓና ዀነ ንስድራቤትና ኼልምሰና ወይ ኪቐትለና ዚኽእል ሓድሽን ዘይፍለጥን ሕማም ከይሕዘና ንፈርህ ኢና። ጥዑያትን ድልዱላትን ዝነበሩ ሰባት ኪሓሙን ኪማስኑን ክንርኢ ኸለና: ንዓና ወይ ንእነፍቅሮም ሰባት ተመሳሳሊ ነገር ኬጋጥም ይኽእል እዩ ኢልና ምሽቓልና ዘይተርፍ እዩ። ንሓደ ዝሓመመ ሰብ ኣዒንቱ ኽንርእዮ ኸለና እውን: ተስፋ ኸም ዝቐበጸ ስለ ዚንበብ የጕህየና።

ብብዙሕ ምኽንያታት ንፈርህ ካብ ኰንና: ብዛዕባ መጻኢ ትስፉው ኣረኣእያ ንምሓዝ ምኽንያት ኣሎናዶ፧ ኣወንታዊ ኣመለኻኽታ ንምሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪሕግዘና ይኽእልዶ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ: ነዚ ሕቶታት መልሲ ኽትህበሉ እያ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

© Jeroen Oerlemans/Panos Pictures