ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትንሳኤ ህያው ኰይኑ ድዩ ዚረኣየካ፧

ትንሳኤ ህያው ኰይኑ ድዩ ዚረኣየካ፧

ትንሳኤ ህያው ኰይኑ ድዩ ዚረኣየካ፧

“ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]።” —ግብሪ ሃዋርያት 24:15

1. ሞት ክትሃድመሉ ዘይከኣል ዚመስል ስለምንታይ እዩ፧

 “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ሞትን ግብርን እንተ ዘይኰይኑ: ርግጽ ነገር የለን።” ገሊኦም ሰባት እዛ በንጃሚን ፍራንክሊን ዚበሃል ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን ብ1789 ዝጸሓፋ ርእይቶ: በቲ ሒዛቶ ዘላ ቝም ነገር ኣጸቢቖም ይድነቑ እዮም። ይኹን እምበር: ብዙሓት መታለልቲ ሰባት ግብሪ ምእንቲ ኸይከፍሉ የደናግሩ እዮም። ሞት ግን ክትሃድመሉ ዘይከኣል እዩ ዚመስል። ውዒልና ሓዲርና: ብርእስና ጥራይ ክንዋጽኣሉ ኣይንኽእልን ኢና። ኵልና ድማ ካብ ሞት ኣይነምልጥን ኢና። እቲ መቓብር ደቅሰብ ዝዀነ ሲኦል: ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ይኣኽለኒ ኸይበለ ይውሕጦም። (ምሳሌ 27:20) ይኹን እምበር: ሓደ ዜጸናንዕ ሓሳብ እስከ ንርአ።

2, 3. (ሀ) ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዚሓስብዎ ዘይኰነስ: ካብ ሞት ዜምልጡ ሰባት ኪህልዉ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

2 ቃል የሆዋ: ርግጽ ዝዀነ ተስፋ ትንሳኤ ይህብ እዩ፣ እዚ ኸኣ ከም ብሓድሽ ናብ ህይወት ምምላስ ማለት እዩ። ዝዀነ ይኹን ኣብዚ ዩኒቨርስ ዘሎ ሓይሊ: የሆዋ ነዚ ተስፋ እዚ ንኸይፍጽም ስለ ዘይክልክሎ: እዚ ሕልሚ ጥራይ ኣይኰነን። ሞት ከምቲ ብዙሓት ዚሓስብዎ ዘይኰነስ: ገሊኦም ሰባት ካብ ሞት ኬምልጡ ይኽእሉ እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ቝጽሮም እዚ ኺበሃል ዘይከኣል “ብዙሓት ሰብ” ካብቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚመጽእ “ብርቱዕ ጸበባ” ኺድሕኑ እዮም። (ራእይ 7:9, 10, 14) ብድሕርዚ: ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። ስለዚ: እዞም ሰባት እዚኣቶም ካብ ሞት ኬምልጡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: “እቲ ኣብ መወዳእታ ዚስዐር ጸላኢውን ሞት እዩ።”—1 ቈረንቶስ 15:26

3 ንሕና እውን ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ርግጸኛ ዝነበረ ርግጸኛታት ክንከውን ኣሎና፣ ንሱ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ንትንሳኤ ብዚምልከት ሰለስተ ሕቶታት እስከ ንመርምር። ቀዳማይ: ነዚ ተስፋ እዚ ዜተኣማምን ዚገብሮ እንታይ እዩ፧ ካልኣይ: ብብሕትኻ በዚ ተስፋ ትንሳኤ ምጽንናዕ ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ሳልሳይ: እዚ ተስፋ እዚ: ነዚ ሕጂ ዘሎ ህይወትካ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

ትንሳኤ ብርግጽ ይፍጸም

4. ትንሳኤ ሕምብርቲ ዕላማ ኣምላኽ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

4 ንትንሳኤ ዜተኣማምን ዚገብሮ ብዙሕ ረቛሒታት ኣሎ። ልዕሊ ዅሉ: ሕምብርቲ ዕላማ የሆዋ እዩ። ሰይጣን ንደቅሰብ ናብ ሓጢኣትን ናብቲ ኽትሃድመሉ ዘይከኣል ሞትን ከም ዝመርሖም ኣይትረስዕ። ስለዚ ድማ እዩ የሱስ ብዛዕባ ሰይጣን: “ካብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ” ዝበለ። (ዮሃንስ 8:44) የሆዋ ግን እታ ‘ሰበይቱ’ ወይ እታ ብሰበይቲ ተመሲላ ዘላ ሰማያዊት ውድቡ: ርእሲ እቲ “ናይ ጥንቲ ተመን” ዚጭፍልቕ “ዘርኢ” ኸም እትወልድ መብጽዓ ኣተወ፣ እዚ ዘርኢ እዚ ንሰይጣን ብምሕምሻሽ ካብ ህልውና ወጻኢ ኺገብሮ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6, 15፣ ራእይ 12:9, 10፣ 20:10) የሆዋ ነቲ መሲሓዊ ዘርኢ ብዚምልከት ዘለዎ ዕላማ እናበርሀ ኪኸይድ ከሎ: እቲ ዘርኢ ንሰይጣን ካብ ምጥፋእ ንላዕሊ ኸም ዚገብር ተፈልጠ። ቃል ኣምላኽ: “ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ” ይብል። (1 ዮሃንስ 3:8) እቲ ብሰንኪ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ሓጢኣት ዝመጸ ሞት ሓደ ኻብ ግብሪ ሰይጣን እዩ: የሆዋ ድማ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኺኣልዮ ወይ ኬፍርሶ መደብ ኣውጽአ። ኣብዚ መዳይ እዚ መስዋእታዊ በጃን ትንሳኤን የሱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:22-24፣ ሮሜ 6:23

5. ትንሳኤ ንስም የሆዋ ዜኽብሮ ስለምንታይ እዩ፧

5 የሆዋ ነቲ ቕዱስ ስሙ ኬኽብሮ ወሲኑ እዩ። ሰይጣን ንስም ኣምላኽ ኣካፊእዎን ሓሶት ከም ዜስፋሕፍሕ ገይሩን እዩ። ንኣዳምን ሄዋንን ካብታ ኣምላኽ ዝኸልከሎም ፍረ እንተ በሊዖም: ‘ከቶ ኸም ዘይሞቱ’ ብሓሶት ነገሮም። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 3:4) ካብኡ ንነጀው ድማ ከም እኒ ነፍሲ ኣይትመውትን እያ ዚብል ትምህርታት ብምምሃር ሓሶት ይዝርግሕ ኣሎ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነዚ ዅሉ ሓሶት ብትንሳኤ ኣቢሉ ኼቃልዖ እዩ። ንሱ ጥራይ ዓቃብን መላስን ህይወት ምዃኑ ድማ ኬመስክር እዩ።

6, 7. የሆዋ ንሰባት ብዛዕባ ምትንሳእ እንታይ ይስምዖ፧ ብዛዕባ እዚኸ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

6 የሆዋ ንትንሳኤ ብናፍቖት ይጽበዮ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: የሆዋ ኣብዚ መዳይ እዚ ዘለዎ ስምዒት ይገልጽ እዩ። ንኣብነት: ነዘን ስዒበን ዘለዋ መንፈስ ዝነፈሰን ቃላት እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ እስከ ንርአ:- “ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን እዩ፧ ምብራየይ ክሳዕ ዚመጽእ: ዘመን ሰልፈይ ኵሉ ምተጸቤኹ። ንስኻ ምጸዋዕካኒ: ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ: ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።” (እዮብ 14:14, 15) እዘን ቃላት እዚኣተን እንታይ ማለት እየን፧

7 እዮብ ንእተወሰነ እዋን ብሞት ደቂሱ ኸም ዜሕልፍ ይፈልጥ ነበረ። ነዚ ግዜ እዚ ኸኣ ምስ “ሰልፊ” ወይ ክሳዕ ናጽነት እትረክብ ተገዲድካ ምስ እተሕልፎ እዋን ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ንእዮብ እዚ ናጽነት እዚ ብርግጽ ዚፍጸም ነገር እዩ። ዕረፍቲ ዚረኽበሉ እዋን ከም ዚመጽእ ይፈልጥ ነበረ። ስለምንታይ፧ ስምዒት የሆዋ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ዳግማይ ኪርእዮም ‘ይናፍቕ’ እዩ። እወ: ኣምላኽ ነቶም ጻድቃን ውልቀ-ሰባት ናብ ህይወት ኪመልሶም ሃረር እዩ ዚብል። ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኪኸፍተሎም እዩ። (ሉቃስ 23:43፣ ዮሃንስ 5:28, 29) ነዚ ዕላማ እዚ ምፍጻም ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ኰነ: መን እዩ እሞ ደው ኬብሎ ዚኽእል፧

8. የሆዋ ነቲ ንመጻኢ ዘሎና ተስፋ ‘መረጋገጺ’ ዝሃበና ብኸመይ እዩ፧

8 እቲ ንመጻኢ ዘለና ተስፋ ብትንሳኤ የሱስ ተረጋጊጹ እዩ። ጳውሎስ ኣብ ኣቴና መደረ ኬቕርብ ከሎ: “[ኣምላኽ] በቲ ንሱ ዝሸሞ ሰብኣይ ገይሩ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፤ ነዚ ንዅሉ ሰብ ዘረጋገጾ ነቲ ዝኃረዮ ሰብኣይ ካብ ምዉታት ብምትንሣኡ እዩ” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:31 ትርጕም 1990) ገሊኦም ሰባት: ጳውሎስ ብዛዕባ ትንሳኤ ኺዛረብ ምስ ሰምዕዎ ኣላገጹሉ። ሒደት ግን ኣመንቲ ዀኑ። እቲ እዚ ተስፋ እዚ እተረጋገጸ ምዃኑ ዚገልጽ ሓሳብ ስሒብዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ንየሱስ ምስ ኣተንስኦ: ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ተኣምራት ገበረ። ንወዱ ሓያል መንፈስ ኰይኑ ኸም ዚትንስእ ብምግባር: ካብ ሞት ናብ ህይወት መለሶ። (1 ጴጥሮስ 3:18) እቲ ዝተንስአ የሱስ ካብቲ ቕድሚ ሰብ ምዃኑ ዝነበሮ ንላዕሊ ዀነ። የሱስ ዘይመውት ከምኡውን ብሓይሊ ኻብ የሆዋ ቐጺሉ ዀነ: ካብ ኣቦኡ ድማ ዜደንቕ መዝነት ኪወሃቦ ዚኽእል ድማ ዀነ። የሆዋ ንሰባት ናብ ሰማይ ይኹን ናብ ምድሪ ንምትንሳእ ንየሱስ ኪጥቀመሉ እዩ። የሱስ ባዕሉ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ” በለ። (ዮሃንስ 5:25፣ 11:25) የሆዋ ንወዱ ብምትንሳእ እዚ ተስፋ እዚ ኸም ዚፍጸም ንዅሎም እሙናት ሰባት ውሕስነት ሃቦም።

9. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻባት ንሓቅነት ትንሳኤ ዜረጋግጸልና ብኸመይ እዩ፧

9 ትንሳኤ ኣብ ቅድሚ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እዩ ተፈጺሙ: ኣብ ቃል ኣምላኽ ድማ ተመዝጊቡ ይርከብ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ናብ ህይወት እተመልሱ ሸሞንተ ሰባት ዚገልጽ ዝርዝራዊ መግለጺ ሒዙ ኣሎ። እዚ ተኣምራት እዚ ብምስጢር ዘይኰነስ: ብጋህድን ኣብ ቅድሚ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን እተፈጸመ እዩ። የሱስ ነቲ ንኣርባዕተ መዓልቲ ሞይቱ ዝነበረ ኣልኣዛር ኣብ ቅድሚ እቶም ሓዚኖም ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኣተንስኦ፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ስድራቤትን ፈተውትን ጐረባብትን ኣልኣዛር ኪዀኑ ኣለዎም። እዚ የሱስ ብኣምላኽ ከም እተላእከ ዚሕብር መርትዖ ኣዝዩ ሓያል ብምንባሩ: ሃይማኖታውያን ጸላእቱ እኳ ነቲ እተፈጸመ ነገር ፈጺሞም ኣይከሓድዎን። ኣብ ክንዳኡስ: ንየሱስ ጥራይ ዘይኰነስ: ንኣልኣዛር እውን ኪቐትልዎም ውዲት ኣለሙ። (ዮሃንስ 11:17-44, 53፣ 12:9-11) እምበኣር: ትንሳኤ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ንኼጸናንዓናን ንእምነትና ኺሃንጻን ኢሉ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እተፈጸመ ትንሳኤ ከም ዚምዝገብ ገይሩ ኣሎ።

ብተስፋ ትንሳኤ ምጽንናዕ

10. ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጸብጻብ ትንሳኤ ምጽንናዕ ንምርካብ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

10 ሞት ኣብ ዚመጸሉ እዋን: ምጽንናዕ ክትረክብ ሃረር ትብልዶ፧ ምጽንናዕ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ጸብጻብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኸምዚ ዝበለ ጸብጻብ ምንባብ: ብዛዕባኡ ምስትንታን: ከምኡውን ነቲ ፍጻመታት ኣብ ኣእምሮኻ ምስኣል ንተስፋ ትንሳኤ ህያው ኪገብረልካ እዩ። (ሮሜ 15:4) እዚ ዛንታ ጥራይ ኣይኰነን። ከማና ንዝኣመሰሉ ናይ ሓቂ ሰባት ዘጋጠሞምን ኣብ ጭቡጥ ግዜን ቦታን እተፈጸመን እዩ። እስከ ቐጺልና ሓደ ኣብነት: ማለት ኣብ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጀመርታ እዋን እተፈጸመ ትንሳኤ ንርአ።

11, 12. (ሀ) ነታ ኣብ ሰራጵታ እትነብር ዝነበረት መበለት እንታይ ዜሕዝን ነገር ኣጋጠማ፧ ፈለማኸ እንታይ በለት፧ (ለ) ነብዪ ኤልያስ ነታ መበለት እንታይ ንኺገበረላ የሆዋ ሓይሊ ኸም ዝሃቦ ግለጽ።

11 ነዚ ዚስዕብ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ነብዪ ኤልያስ ንእተወሰነ ሰሙናት: ምስታ ኣብ ሰራጵታ ዝነበረት መበለት ኣብ ደርቢ ገዛኣ ጋሻ ዀይኑ ይነብር ነበረ። እቲ ግዜ እቲ ሕማቕ እዋን እዩ ነይሩ። እቲ ኸባቢ ብድርቅን ጥሜትን ተጠቒዑ ነበረ። ብዙሓት ሰባት ድማ ይሞቱ ነበሩ። የሆዋ ግን: ድሮ ንኤልያስ ተጠቒሙ ንእምነት እዛ ትሕትቲ መበለት ዓስቢ ንምሃብ ንነዊሕ ግዜ ዚጸንሕ ተኣምራት ገበረ። ንሳን እቲ ንእሽቶ ወዳን ዚብላዕ ዘበለ ኣብ ዝወድኡሉ እዋን: ኣምላኽ ንኤልያስ ብተኣምራዊ መገዲ ሓርጭን ዘይትን ከም ዚህልዋ ንምግባር ሓይሊ ሃቦ። ድሕርዚ ግን እታ መበለት ሓደ ዜሕዝን ነገር ኣጋጠማ። እቲ ቘልዓ ብሃንደበት ሓመመ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ምስትንፋስ ኣቋረጸ። እታ መበለት: ምድረ-ሰማይ ጽልምት ኢልዋ ኪኸውን ኣለዎ! ብዘይ ደገፍ ሰብኣይ ምንባር ብርእሱ ኸቢድ እናሃለወ: እቲ ሓደ ወዳ ሰኣነት። ካብ ጓሂ ተላዒላ ድማ ንኤልያስን ንየሆዋ ኣምላኹን ከሰሰቶም! እቲ ነብዪ እንታይ ገበረ፧

12 ኤልያስ ብምኽንያት እቲ ዘቕረበቶ ናይ ሓሶት ክሲ ነታ መበለት ኣይገንሓን። ኣብ ክንዳኡስ: “ወድኺ ሀብኒ” በላ። ነቲ ዝሞተ ቘልዓ ተሸኪሙ ናብቲ ደርቢ ወሰዶ: ህይወቱ ንኽትምለስ ድማ ብተደጋጋሚ ጸለየ። ኣብ መወዳእታ የሆዋ ስጕምቲ ወሰደ! ኤልያስ ኣፍ ልቢ እቲ ቘልዓ በቲ ንውሽጢ ዝሰሓቦ ኣየር ኪምላእ ከሎ ርእዩ እተሰምዖ ሓጐስ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ኣዒንቲ እቲ ቘልዓ ተኸፍታ: ቍሊሕሊሕ ኪብላ ድማ ጀመራ። ኤልያስ ናብ ኣዲኡ ሒዝዎ ብምኻድ: “ርአዪ: ወድኺ ሐውዩ” በላ። እተሰምዓ ሓጐስ ወሰን ኣይነበሮን። “ንስኻ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዝዀንካ: ቃል እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍካ ሓቂ ኸም ዝዀነ: ሕጂ ፈለጥኩ” ኸኣ በለቶ። (1 ነገስት 17:8-24) ኣብ የሆዋን ኣብቲ ወኪሉን ዝነበራ እምነት ካብ ቅድሚኡ ንላዕሊ ደልደለ።

13. እቲ ኤልያስ ንወዲ ሓንቲ መበለት ከም ዘተንስኦ ዚገልጽ ጸብጻብ: ኣብዚ እዋን እዚ ዜጸናንዓና ስለምንታይ እዩ፧

13 ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻብ ምስትንታን: ብርግጽ ዓብዪ ምጽንናዕ ኬምጽኣልካ እዩ። የሆዋ ነቲ ጸላኢና ዝዀነ ሞት ኪስዕሮ ኸም ዚኽእል ንጹር እዩ። ኣብቲ ሓፈሻዊ ትንሳኤ ምዉታት ዝፍጸመላ መዓልቲ: ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ምስቲ እታ መበለት እተሰምዓ ዚመሳሰል ሓጐስ ኪረኽቡ ኸለዉ እሞ ሕስብ ኣብሎ! የሆዋ ንወዱ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ትንሳኤ ኺፍጽም ተሓጒሱ መምርሒ ስለ ዚህቦ: ኣብ ሰማይ እውን ሓጐስ ኪኸውን እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) እተፍቅሮ ሰብ ሞይቱካዶ እዩ፧ የሆዋ ነቲ ዝሞተ ሰብ እንደገና ህያው ኪገብሮ ኸም ዚኽእልን ከም ዚደልን ምፍላጥሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜደንቕ እዩ!

ተስፋኻን ሕጂ ዘሎ ህይወትካን

14. ተስፋ ትንሳኤ ንህይወትካ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

14 ተስፋ ትንሳኤ ነቲ ሕጂ ዘሎ ኣነባብራኻ ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧ ሽግር: ብድሆ: መስጐጕቲ: ወይ ሓደጋ ኼጋጥመካ ኸሎ: እዚ ተስፋ እዚ ብርታዐ ኺህበካ ይኽእል እዩ። ሰይጣን ንሞት ኣመና ንኽትፈርሆ: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንንጽህናኻ ብናይ ሓሶት ድሕንነት ንኽትልውጦ እዩ ዚደሊ። ንየሆዋ: “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” ኸም ዝበሎ ኣይትረስዕ። (እዮብ 2:4) ከምዚ ኺብል ከሎ ንዅልና: እንተላይ ንዓኻ እዩ ኣካፊኡካ። ሓደ ዜስግእ ነገር እንተ ኣጋጢሙካ: ንየሆዋ ምግልጋልካ ተቋርጽ ዲኻ፧ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ብምስትንታን: ፍቓድ እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ምፍጻምካ ንኽትቅጽል ቈራጽነት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

15. እተን ኣብ ማቴዎስ 10:28 ተመዝጊበን ዚርከባ ቓላት የሱስ: ሓደጋ ኣብ ዜጋጥመና እዋን ምጽንናዕ ኪህባና ዚኽእላ ብኸመይ እየን፧

15 የሱስ “ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር: ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ: ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም” በለ። (ማቴዎስ 10:28) ንሰይጣንን ሰብኣውያን ተወከልቱን ክንፈርሆም የብልናን። ሓቂ እዩ: ገሊኦም ጕድኣት ኬውርዱልና: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኪቐትሉና ይኽእሉ ይዀኑ። ይኹን እምበር: እቲ ኺገብርዎ ዚኽእሉ ዝኸፍእ ነገር ንግዜኡ እዩ። የሆዋ ነቲ እቶም እሙናት ኣገልግልቱ ዜጋጥሞም ጕድኣት ኬዐርዮ ይኽእል እዩ: ኬዐርዮ እውን እዩ፣ ትንሳኤ ዜድሊ እንተ ዀነ እውን ኪፍጽሞ እዩ። ስለዚ: ንየሆዋ ጥራይ ኢና ኽንፈርሆን ዓሚቝ ኣኽብሮት ከነርእዮን ዚግብኣና። ንሱ ጥራይ እዩ ንስጋን ነፍስን ኣብ ገሃነም ብምጥፋእ ህይወትን ነቲ ኣብ መጻኢ ዚህሉ ተስፋ ህይወትን ኪወስድ ዚኽእል። እቲ ዜሐጕስ ግን የሆዋ ኸምዚ ኼጋጥመካ ኣይደልን እዩ። (2 ጴጥሮስ 3:9) ተስፋ ትንሳኤ ስለ ዘሎና: ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን ኵሉ ሳዕ ዕቝባ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። እሙናት ኴንና ኽሳዕ ዝቐጸልና: ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ቅድሜና እዩ ዘሎ፣ ሰይጣን ይኹን ሰዓብቱ ድማ ብዛዕባ እዚ ዋላ ሓንቲ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም።—መዝሙር 118:6፣ እብራውያን 13:6

16. ንትንሳኤ ዘሎና ኣረኣእያ ነቲ ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧

16 ተስፋ ትንሳኤ ህያው ኰይኑ ዚረኣየና እንተ ዀይኑ: ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዘሎና ኣረኣእያ ኪቐርጾ ይኽእል እዩ። “ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና: ናይ ጐይታ” ምዃንና ንፈልጥ ኢና። (ሮሜ 14:7, 8) በዚ ምኽንያት እዚ ቐዳምነት እንህቦ ነገራት ክንሰርዕ ከለና ነቲ ኸምዚ ዚብል ምኽሪ ጳውሎስ ኢና እንስዕብ:- “እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ: ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር: ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” (ሮሜ 12:2) ብዙሓት ሰባት ንድሌቶም: ህርፋኖም: ስምዒቶም ንምምላእ ኣብ ሃታሃታ እዮም ዘለዉ። ህይወት ሓጻር ስለ እትመስሎም: ተድላ ንምርካብ ካብ መጠን ንላዕሊ እዮም ዚጓየዩ፣ መልክዕ ኣምልኾ እኳ እንተ ኣለዎም: ምስቲ ‘ምሉእ ፍቓድ ኣምላኽ’ ግን ኣይሰማማዕን እዩ።

17, 18. (ሀ) ቃል የሆዋ ሰብኣዊ ህይወት ሓጻር ምዃና ዚገልጽ ብኸመይ እዩ፧ ኣምላኽ ግን እንታይ ክንረክብ እዩ ዚደሊ፧ (ለ) መዓልቲ መዓልቲ ንየሆዋ ኽንውድሶ እንድረኽ ስለምንታይ ኢና፧

17 ሓቂ እዩ: ህይወት ሓጻር እያ። ኣብ ውሽጢ 70 ወይ 80 ዓመት ‘ቀልጢፋ ትሓልፍ: ነፊርናውን ንኸይድ።’ (መዝሙር 90:10) ሰባት ከም ሳዕርን ጽላሎትን ትንፋስን ሓለፍቲ እዮም። (መዝሙር 103:15፣ 144:3, 4) ዕላማ ኣምላኽ ግን ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ንኽንዓቢ ኸምኡውን እተወሰነ ጥበብን ተመክሮን ንኽንረክብ: እቲ ዝተረፈ ሒደት ዓመታት ድማ ናብ ሕማምን ሞትን እናኣንቈልቈልና ኽንከይድ ኣይነበረን። የሆዋ ንደቅሰብ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ድሌት ከም ዚህልዎም ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። መጽሓፍ ቅዱስ “ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ይብል። (መክብብ 3:11) ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ድሌት ሂቡ ኼብቅዕ ንምፍጻሙ ዘይከኣል ዚገብር ጨካን ድዩ፧ ኣይፋሉን: “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:8) እቶም ዝሞቱ ሰባት ዘለኣለማዊ ህይወት ንኺረኽቡ ኼተንስኦም እዩ።

18 ሳላ ተስፋ ትንሳኤ: ዜተኣማምን መጻኢ ኺህልወና ኽኢሉ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ንዅሉ ዓቕምና ንኽንጥቀመሉ ኢልና እምብዛ ህርድግ እንብል ክንከውን የብልናን። ነዛ እትመውት ዘላ ዓለም ምሉእ ብምሉእ ‘ክንጥቀመላ’ ኣይንደልን ኢና። (1 ቈረንቶስ 7:29-31፣ 1 ዮሃንስ 2:17) ከምቶም ናይ ሓቂ ተስፋ ዘይብሎም ዘይኰነስ: ዜደንቕ ተስፋ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ንየሆዋ ኣምላኽ እሙናት ኴንና እንተ ጸኒሕና: ንዕኡ ንምውዳስን ብህይወት ንምሕጓስን ዜኽእል መወዳእታ ዘይብሉ ግዜ ኺህልወና እዩ። ሃየ እምበኣር: ነቲ ንተስፋ ትንሳኤ ዜተኣማምን ዝገበሮ የሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ንወድሶ!

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ኪስምዓና ኣለዎ፧

• ንተስፋ ትንሳኤ ዜተኣማምን ዚገብሮ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

• ካብ ተስፋ ትንሳኤ ምጽንናዕ ክትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

• ተስፋ ትንሳኤ ኣብ ናብራ ህይወትካ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ ነቶም ጻድቃን ኬተንስኦም ከም ዚናፍቕ እዮብ ይፈልጥ ነበረ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

“ርአዪ: ወድኺ ሐውዩ”