ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ክንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ክንእከብ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ክርስቲን ኣብ ሓዳራ 20 ዓመት ድሕሪ ምጽናሓ: ሰብኣያ ምስቶም ካብ 7 ክሳዕ 18 ዕድመ ዘለዎም ሸውዓተ ኣወዳታን ሓንቲ ጓላን ሃንደበት ራሕሪሕዋ ኸደ። “ደጊም ንዅሉ እቲ ኣገዳሲ ውሳነታት ባዕለይ ክገብሮ ነበረኒ” ድሕሪ ምባላ “እቲ ሓላፍነት እምብዛ ስለ ዝኸበደኒ: ደገፍን መምርሕን ኪረክብ ሃረር እብል ነበርኩ” ትብል። እቲ ዜድልያ ሓገዝ ደኣ እሞ ኻበይ ረኸበት፧

ክርስቲን: “ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንዓይ ኰነ ንስድራቤተይ መድሕን ህይወት እዩ ነይሩ” በለት። ቀጺላ እውን “ኣብ ኣኼባታት ካብ ፈተውትናን ካብ ቃል ኣምላኽን ደገፍ ረኸብና። ኣዘውቲርና ምእካብና ኸኣ ኣብ ኵሉ እቲ ኣገዳሲ መዳያት ናብራ ስድራቤትና ሓጊዙና እዩ” ብምባል ትገልጽ።

ኵላትና ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” እዚ እተፈላለየ ፈተናታት ነሕልፍ ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ንስኻ እውን ከም ክርስቲን ንኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከም መድሕን ህይወት: ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣምልኾ የሆዋ ጌርካ ትርእዮ ትኸውን። እቲ ኣብ ሰሰሙን ዚግበር ሓሙሽተ ኣኼባታት ጉባኤ: ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ኸም ዜነቓቕሓልካ: ንመጻኢ ዘሎካ ተስፋ ኸም ዜደልድለልካ: ንፈተናታት እትዋጽኣሉ መገዲ ዚሕብር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒ ድማ ከም ዚህበካ ፍሉጥ እዩ።

ይኹን እምበር: ኣዘውቲሮም ኪእከቡ ዜጸግሞም ሰባት ኣለዉ። ሃለኽለኽ ኪብሉ ድሕሪ ምውዓሎም ንምሸቱ ስለ ዝደኽሙ: ብስርዓት ተኸዲንካ ናብ ኣኼባታት ምጕዓዝ ኪሓስብዎ ኸለዉ ጥራይ ጾር ኰይኑ ይስምዖም። ንገሊኦም ከኣ ዓለማዊ ስርሖም ኣዘውቲሮም ንኸይእከቡ ዕንቅፋት ይዀኖም። ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ኪእከቡ እንተ ደኣ ዀይኖም: ዚረኽብዎ ኣታዊ ኺንክዩ ወይ እውን ስራሖም ምግዳፍ ዚሓቶም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኣቶም ካብ ኣብ ጉባኤ ምእካብ ኣብ ገለ ዓይነት መዘናግዒ ግዜ ምሕላፍ ዝያዳ ዕረፍቲ ዚህብ ኰይኑ ስለ ዚስምዖም ካብ ኣኼባታት ይበዅሩ።

ስለዚ እምበኣር: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ ዚድርኽ እንታይ ምኽንያታት እዩ ዘሎ፧ እዚ ኣኼባታት እዚ ብብሕትኻ ኸም ዜሐጕሰካ ኽትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 11:28-30 ዚርከብ ምዉቕ ዕድመ የሱስ ንመርምር። የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”

“ናባይ ንዑ”

የሱስ “ናባይ ንዑ” በለ። ነዚ ዕድመ እዚ ኽንቅበለሉ እንኽእል ሓደ መገዲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ብምእካብ እዩ። የሱስ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ: “ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተአከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ” ስለ ዝበለ እንእከበሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።—ማቴዎስ 18:20

የሱስ ኣብቲ ቐዳማይ ዘመን እተፈላለዩ ሰባት ንኺስዕብዎ በብብሕቲ ዓዲምዎም እዩ። ምስኡ ጥብቂ ርክብ ኪገብሩ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ገሊኦም ብኡንብኡ ተቐበልዎ። (ማቴዎስ 4:18-22) ካልኦት ግን ከም እኒ ስጋዊ ረብሓታት ዝኣመሰለ ነገራት ነቲ ዕድመ እቲ ንኸይቅበልዎ ዓንቀፎም። (ማርቆስ 10:21, 22፣ ሉቃስ 9:57-62) የሱስ ነቶም ዝሰዓብዎ: “ኣነ ሐሬኹኹም እምበር: ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን” ብምባል ዜጸናንዕ ዘረባ ተዛረቦም።—ዮሃንስ 15:16

ክርስቶስ ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን ምስ ደቀ መዛሙርቱ ብኣካል እኳ እንተ ዘይነበረ: ንንጥፈታቶም ብምምራሕን ንምኽሩ ዚህብዎ ምላሽ ብምዕዛብን ግን ገና ምሳታቶም እዩ ነይሩ። ንኣብነት: ድሕሪ ትንሳኤኡ 70 ዓመት ጸኒሑ ኣብ ንእሽቶ እስያ ንዝነበራ ሸውዓተ ጉባኤታት ምኽርን ምትብባዕን ሂብወን እዩ። ኣብተን ጉባኤታት ዝነበሩ ውልቀ-ሰባት ዝነበሮም ብርታዐን ድኽመት ኣጸቢቑ ይፈልጦ ኸም ዝነበረ ኻብቲ ዝሃቦ ሓሳባት ክንርድኦ ንኽእል ኢና።—ራእይ 2:1-3:22

የሱስ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንደቀ መዛሙርቱ ንነፍሲ ወከፎም ኣጸቢቑ ይግደሰሎም እዩ። “እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል ተመባጺዑ እዩ። (ማቴዎስ 28:20) ኣብ ግዜ መወዳእታ ንነብር ስለ ዘለና: ነቲ የሱስ ንኽንስዕቦ ዝዓደመና ዕድመ ምላሽ ክንህበሉ ኼድልየና እዩ። ነዚ ምላሽ እንህበሉ ሓደ መገዲ ኸኣ ኣዘውቲርና ብምእካብ እዩ። የሱስ በቲ ኣብ ኣኼባታት ብስሩዕ ዚቐርብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መጽናዕትታትን መደረታትን ኣቢሉ ኺምህር ከሎ: ‘ክንመሃርን’ ጽን ኢልና ኽንሰምዖን ይደልየና እዩ። (ኤፌሶን 4:20, 21) ስለዚ እምበኣር: ነቲ የሱስ “ናባይ ንዑ” ብምባል ዘቕረቦ ዕድመ ምላሽ ትህበሉዶ ኣለኻ፧

“ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን”

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እንእከበሉ ኣገዳሲ ምኽንያት ንኽንተባባዕ እዩ። (እብራውያን 10:24, 25) መብዛሕትና ብእተፈላለየ መገዲ ‘እንጽዕርን ጾር ዝኸበደናን’ ኢና። ንስኻ እውን ከም ናይ ጥዕና ጸገማት ዝኣመሰለ ብሕታዊ ሽግራት ይኸብደካ ይኸውን። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ግን ከተጸናንዕን ክትጸናናዕን ትኽእል ኢኻ። (ሮሜ 1:11, 12) ንኣብነት: ብመንፈስ ዚሃንጽ ሓሳባት ክትሰምዕ: ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋኻ ኽትዘኻኸር: እቶም ፈተናታት ዚጽመሙ ኣሕዋት ንዜርእይዋ እምነት ከኣ ክትዕዘባ ኢኻ። ኵሉ እዚ ተደሚሩ ንኽትጽመምን ንጸገማትካ ብሚዛናዊ መገዲ ኽትርእዮን ኪሕግዘካ እዩ።

ሓንቲ ብሕዱር ሕማም እትሳቐ ክርስትያን ዝሃበቶ ሓሳባት ንርአ። “ሕማመይ እተወሰነ ግዜ ኣብ ሆስፒታል ከሕልፍ ዜገድደኒ እዩ” ድሕሪ ምባላ “ኣብ ሆስፒታል ጸኒሐ ናብ ኣኼባታት ክኸይድ ቅሩብ ዜጸግም እኳ እንተ ዀነ ምኻድ እዩ ዚሕሸኒ። እቶም ኣሕዋትን ኣሓትን ዜርእይዎ ምዉቕ ምቅርራብን ፍቕርን ንሓጐሰይ የኻዕብቶ: እቲ የሆዋን የሱስን ዚህብዎ ትምህርትን መምርሕን ከኣ ንህይወተይ ትርጕም ከም ዚህልዎ ዚገብር እዩ” ኢላ ትገልጽ።

“ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ”

የሱስ ኣብቲ ተንቲንና እንምርምሮ ዘለና ኽፋል ዘረባኡ: “ካባይውን ተምሀሩ” ኸም ዝበለ ኣስተብህል። ካብ የሱስ ምስ ተመሃርና ደቀ መዛሙርቱ ንኸውን: ርእስና ንኣምላኽ ወፊና ኽንጥመቕ ከለና ኸኣ ኣርዑቱ ንጸውር። (ማቴዎስ 28:19, 20) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ኴንና ኽንቅጽል እንተ ደኣ ደሊና: ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲርና ምክፋልና ኣገዳሲ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ የሱስን ትምህርትታቱን ሜላታቱን ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኢና እንመሃር።

እቲ የሱስ ክንጾሮ ዚደልየና ጾር እንታይ እዩ፧ እቲ ንሱ ባዕሉ እተሰከሞ ጾር ማለት ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር እተዋህበና ኽቡር መሰል እዩ። (ዮሃንስ 4:34፣ 15:8) ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው ጻዕሪ ዚሓትት እኳ እንተ ዀነ: ክትጾሮ ዘይከኣል ግን ኣይኰነን። በይንና ኽንስከሞ እንተ ደኣ ፈቲንና: ከቢድ ኰይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: መንፈስ ኣምላኽ ኪወሃበና እንጽልን ኣብ ኣኼባታት ዚቐርብ መንፈሳዊ ምግቢ ንምገብን እንተ ደኣ ዄንና ግን: ነቲ ኣምላኽ ዚህበና “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኽንቅበል ኢና። (2 ቈረንቶስ 4:7) ንኣኼባታት ተዳሊና ብምኻድን ብምስታፍን ከኣ ነታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ነደልድላ። ትእዛዛት ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኽንገብሮ ኸለና “ኣይከቢድን እዩ።”—1 ዮሃንስ 5:3

ሰባት ብሓፈሻ ንመነባብሮ ዜድልዮም ንምምእራር: ናይ ጥዕና ጸገማት ንምእላይ: ከምኡውን ካልእ ብሕታዊ ሽግራት ንምፍታሕ ይቃለሱ እዮም። ነዚ ንኽንዋጽኣሉ ግን ኣብ ሰብኣዊ ጥበብ ኣይኰንናን እንውከል። ኣኼባታት ጉባኤ: የሆዋ ዜድልየና ኸም ዚህበናን ጸገማትና ንኽንዋጽኣሉን ከኣ ከም ዚድግፈናን ብምዝኽኻር ‘ንኸይንጭነቕ’ ይሕግዘና እዩ። (ማቴዎስ 6:25-33) ብርግጽ እምበኣር: ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ዚገልጸሉ መገዲ እዩ።

“ኣነ ለዋህ እየ: ልበይውን ትሑት”

የሱስ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዚዝረበሉ ዝነበረ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ምብጻሕ ልማዱ ነበረ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኸኣ መጽሓፍ ኢሳይያስ ኣልዒሉ ኸምዚ ዚብል ኣንበበ:- “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ: መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ: ንዕዉራት ምርኣይ: ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ: ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለአኸኒ።” (ሉቃስ 4:16, 18, 19) የሱስ: “እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ” ብምባል ትርጕም እተን ቃላት ኪገልጽ ከሎ እንተ ንሰምዖስ ኣየ ኽንደይ ኰን ምተሓጐስና።—ሉቃስ 4:21

እቲ ለዋህ “ሓለቓ ጓሶት” ዝዀነ የሱስ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንመንፈሳዊ ጕስነት ሰዓብቱ ብሓላፍነት ይመርሖ እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:1-4) እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ ብምዃኑ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚርከባ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጓሶት ዝዀኑ ሰብኡት ይሸይም ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45-47፣ ቲቶስ 1:5-9) እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ብለውሃት እዮም ‘ንማሕበር ጐይታ ዚጓስዩ:’ ኣዘውቲሮም ኣኼባታት ብምክፋል ከኣ ሰናይ ኣብነት ይዀኑ። ኣብቲ ንኻልኦት ሰባት ብህላወኻን ብተሳትፎኻን ከተተባብዓሉ እትኽእል ኣኼባታት ብምኻድ ነዞም “ውህበት” እዚኣቶም ዘሎካ ሞሳ ኽትገልጽ ትኽእል ኢኻ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:30-33፣ 20:28፣ ኤፌሶን 4:8, 11, 12

“ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም”

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ ከለኻ: እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ብሓቂ ዕረፍቲ ዚህብ ኰይኑ ኽትረኽቦ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ሓደ ኻብቲ መገዲ ነቲ “ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ” ዚብል ምኽሪ የሱስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል እዩ። (ሉቃስ 8:18) እቶም ካብ ልቢ ኺመሃሩ ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት ንየሱስ ምሉእ ብምሉእ ጽን ኢሎም እዮም ዚሰምዕዎ ነይሮም። ነቲ ምሳሌታቱ ኺገልጸሎም ይሓትዎ ነበሩ: ኣምሳይኡ ኸኣ ዓሚቝ ምርዳእ ረኸቡ።—ማቴዎስ 13:10-16

ንስኻ እውን ነቲ ኣብ ኣኼባታትና ዚቐርብ መደረታት ጽን ኢልካ ብምስማዕ ነዞም ብመንፈስ ዚጠምዩ ሰባት ክትቀድሖም ትኽእል ኢኻ። (ማቴዎስ 5:3, 6) ኣእምሮኻ ኣብቲ ዚበሃል ንኼተኵር: እቲ ተዛራባይ ንዚጥቀመሉ ኣቀራርባ ተኸታተሎ። ብሓሳብካ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ተወከስ:- ‘ነዚ ሓሳባት እዚ ኣብ ናብራ ህይወተይ ብኸመይ ከውዕሎ እኽእል፧ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክጥቀመሉ እኽእል፧ ነዚ ነጥቢ እዚኸ ብኸመይ ከብርሆ እኽእል፧’ ብተወሳኺ እውን እቲ ተዛራባይ ነቲ ቐንዲ ነጥብታቱ ንምድጋፍ ዚጠቕሶ ጥቕስታት እናገንጸልካ ተኸታተሎ። ጽን ኢልካ ብዝሰማዕካ መጠን: እቲ ኣኼባታት ዝያዳ ዕረፍቲ ዚህብ ኰይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ: ነቲ ሓሳባት ምስ ካልኦት ተመያየጠሉ። ነቲ ትምህርትን ኣብ ግብሪ ዚውዕለሉ መገድን ኣተኵረሉ። ዚሃንጽ ዕላል ወይ ዝርርብ ነቲ ኣኼባ ዝያዳ ዕረፍቲ ዚህብ ይገብሮ።

ኣብ ኣኼባታት እንእከበሉ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘሎና እምበኣር ዜተሓታትት ኣይኰነን። ነዚ እተመያየጥናሉ ነጥብታት ድሕሪ ምምርማርካ ንገዛእ ርእስኻ ‘ነቲ “ናባይ ንዑ” ዚብል ዕድመ የሱስ ብኸመይ እየ ዝምልሰሉ ዘለኹ፧’ ኢልካ ሕተት።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ገሊኡ ንጥፈታት ንኸይትእከብ ዕንቅፋት ይዀነካ ድዩ፧