ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኵሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!—ስለምንታይ፧

ኵሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!—ስለምንታይ፧

ኵሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!—ስለምንታይ፧

“እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ።”—ዘዳግም 32:4

1, 2. (ሀ) ነቲ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኣኽቢርካ እትርእዮ ስለምንታይ ኢኻ፧ (ለ) ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ንመጻኢ ዜደንቕ መብጽዓታት ዝኣተወ ኣምላኽ ከም ዘይኣምኑ ዚገብሮም እንታይ እዩ፧

 ነቲ ኣብ ገነት ዚህሉ ህይወት ክትሓስቦ ኸለኻ ባህ ይብለካዶ፧ ምናልባት ነዛ እተደንቕ ፕላነትና ኽትድህስሳ ኸምኡውን ብዛዕባ እቶም መወዳእታ ዘይብሎም ህያዋን ፍጥረታት ክትመሃር ይረኣየካ ይኸውን። ወይ ከኣ ምናልባት ምስ ካልኦት ሰባት ኴንካ ነዛ ምድሪ ኽትከናኸናን ናብ ዓለምለኻዊት መናፈሻ ኣብ ምቕያር ክትሕግዝ ከለኻን ንዚስምዓካ ዕግበት ኣዕሚቝካ ትሓስብ ትኸውን። ብዛዕባ እቲ ሕጂ ግዜ ዝሰኣንካሉ: ሽዑ እተማዕብሎ ስነ-ጥበብ: ስነ-ህንጻ: ሙዚቃ: ወይ ካልእ ሞያ እውን ተስተንትን ትኸውን። በዚ ዀነ በቲ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ናይ ሓቂ ህይወት” ዚብሎ: ማለት ነቲ የሆዋ ኣብ ፈለማ መዲቡልና ዝነበረ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽትረክብ ዘሎካ ተስፋ ኣኽቢርካ ኢኻ እትርእዮ።—1 ጢሞቴዎስ 6:19

2 ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ንኻልኦት ሰባት ምክፋል ዜሐጕስ ፍሉይ ኣጋጣሚ ደይኰነን፧ ብዙሓት ሰባት ግን ነዚ ኸምዚ ዝበለ ተስፋ ይነጽግዎ። ነቶም ብቐሊሉ ዝታለሉ ሰባት ዚኸውን ሃጠው ቀጠው ከምኡውን ዘይጭበጥ ሕልሚ ኸም ዝዀነ ገይሮም ብምውሳድ ካብ ሓሳቦም የውጽእዎ። ኣብቲ ኣብ ገነት ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህሉ እተመባጽዐ ኣምላኽ ምእማን ኣጸጋሚ ዀይንዎም ኣሎ። ስለምንታይ፧ ንገሊኦም ሰባት ዕንቅፋት ዚዀኖም: እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ እከይ ዘለዎም ሕቶ እዩ። ኣምላኽ እንተ ዚህሉ ነይሩ: ኵሉ ዚኽእልን ፈቃርን ድማ እንተ ዀይኑ: እዚ ሕጂ ዘሎ እከይን መከራን ኣይምሃለወን ነይሩ ኢሎም እዮም ዚኣምኑ። ንእከይ ስቕ ኢሉ ዚርኢ ኣምላኽ የለን፣ እንተ ኣልዩ ድማ ኵሉ ዚኽእል ኣይኰነን ወይ ብዛዕባና ኣይግደስን እዩ ብምባል ይገልጹ። ንገሊኦም ሰባት ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ዜእምን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሰይጣን ሓሳብ ደቅሰብ ከም ዚዕውር ኣብ ምግባር ብርግጽ ክኢላ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:4

3. ሰባት ነየነይቲ ኸባድ ሕቶ መልሲ ንኺረኽቡ ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል፧ ከምዚ ምግባርከ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለ ዝዀንና: ነቶም ብሰይጣንን ብጥበብ እዛ ዓለምን እተታለሉ ሰባት ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 1:20፣ 3:19) ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ መብጽዓ ዘይኣምኑሉ ምኽንያት ንርድኦ ኢና። ንየሆዋ ስለ ዘይፈልጥዎ እዩ። ንስሙን ነቲ ስሙ ዘለዎ ኣገዳስነትን ከምኡውን ብዛዕባ ባህርያቱ ወይ ብዛዕባ እቲ ቓሉ ኸም ዝሓለወ ዚገልጽ ጸብጻብ ብዙሕ ኣይፈልጡን ይዀኑ። ንሕና ግን ከምዚ ዝበለ ፍልጠት ስለ ዘሎና ተባሪኽና ኢና። እቶም ‘ኣእምሮኦም ዝጸልመተ’ ሰባት: ነታ “ኣምላኽ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧” እትብል ዝኸበደት ሕቶ መልሲ ንኺረኽቡ ብኸመይ ክንሕግዞም ከም እንኽእል በብግዜኡ ምምርማርና እምበኣር ሰናይ እዩ። (ኤፌሶን 4:18) ፈለማ: ነታ መልሲ ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ኽንምልሳ እንኽእል ብኸመይ ምዃኑ ኽንምርምር ኢና። ብድሕሪኡ: ባህርያት የሆዋ ነቲ ምስ እከይ ዚተሓሓዝ ጕዳይ ኣብ ምፍታሕ ብኸመይ ከም እተንጸባረቐ ኽንመያየጥ ኢና።

ቅኑዕ ኣቀራርባ

4, 5. ሓደ ሰብ: ኣምላኽ መከራ ንኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት እንተ ዚሓተና: ፈለማ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ግለጽ።

4 ሓደ ሰብ: ኣምላኽ መከራ ንኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት እንተ ዚሓትት ብኸመይ ኢና እንምልሰሉ፧ ተቐዳዲምና ናብቲ ዝርዝራዊ መግለጺ ብምእታው: በቲ ኣብ ገነት ኤድን እተፈጸመ ነገራት ንኽንጅምር ንድረኽ ንኸውን። ሓድሓደ ግዜ ኸምዚ ምግባር ግቡእ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ክንጥንቀቕ ኣሎና። እተወሰነ መሰረት ምንባር የድሊ እዩ። (ምሳሌ 25:11፣ ቈሎሴ 4:6) ቀጺልና ነታ ሕቶ ቕድሚ ምምላስና ንሓደ ሰብ ንምድጋፍ ኪሕግዘና ዚኽእል ሰለስተ ነጥብታት እስከ ንርአ።

5 ቀዳማይ: እቲ ሰብ ብፍላይ በዚ ኣብ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እከይ ዚጭነቕ እንተ ዀይኑ: እከይ ንዕኡ ወይ ነቶም ዜፍቅሮም ሰባት ተንኪፍዎም ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ: ልባዊ ድንጋጽ ብምርኣይ ምጅማር ጥበባዊ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት “ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ” ብምባል መኸሮም። (ሮሜ 12:15) ርሕራሐ ወይ ‘ድንጋጽ’ ምርኣይ: ነቲ ሰብ ይትንክፎ ይኸውን። (1 ጴጥሮስ 3:8) ብዛዕባኡ ኸም እንግደስ እንተ ፈሊጡ ድማ ነቲ እንብሎ ነገራት ኪስምዖ ይኽእል እዩ።

6, 7. ሓደ ቕኑዕ ዝልቡ ሰብ ብመንፈሳዊ መዳይ ዜጨንቖ ሕቶ ብምሕታቱ ኽንንእዶ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ካልኣይ: እዚ ቕኑዕ ሰብ እዚ ነታ ሕቶ ብምሕታቱ ኸነመስግኖ ንኽእል ኢና። ገሊኦም ሰባት: መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ ምጽዓር: ኣብ ኣምላኽ እምነት ዘይምህላው ወይ ምጕዳል ኣኽብሮት ገይሮም እዮም ዚሓስብዎ። ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ብኣቕሽሽቲ ኸምዚ ተባሂሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር: ነዛ ሕቶ እዚኣ ምሕታት እምነት ዘይምህላው ዜርኢ ኣይኰነን። ከመይሲ: ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ተመሳሳሊ ሕቶ ሓቲቶም እዮም። ንኣብነት: እቲ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበረ ዳዊት: “ዎ እግዚኣብሄር: ስለምንታይ ደኣ እትርሕቕ: ብዘመናት ጸበባስ እትኽወል፧” ብምባል ሓተተ። (መዝሙር 10:1) ብተመሳሳሊ ድማ ነብዪ ኣንባቆም ከምዚ ኢሉ ሓተተ:- “ዎ እግዚአብሔር: ንስኻ ኸይሰማዕካንስ: ክሳዕ መኣዝ ከእዊ እየ፧ ኣነ፤ ዓመጽ: ኢለ ናባኻ ኣእዌኹ: ንስኻውን ኣየድሓንካን። ስለምንታይ ኣበሳ እተርእየኒ: ንስኻስ ሕሰም እትጥምት፧ ምዝራፍን ዓመጽን ኣብ ቅድመይ እዩ: ባእስን ክርክርን ይለዐል ኣሎ።”—ኣንባቆም 1:2, 3

7 እዞም ሰባት እዚኣቶም ንኣምላኽ ዓሚቝ ኣኽብሮት ዝነበሮም እሙናት ሰብኡት እዮም ነይሮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ብምሕታቶም ተገኒሖም ድዮም፧ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: የሆዋ ነቲ ኻብ ቅንዕና ተላዒሎም ዘቕረብዎ ሕቶታት ኣብ ቃሉ ኸም ዚጸሓፍ ገበረ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ በዚ ዜስፋሕፍሕ ዘሎ እከይ ዚጭነቕ ሓደ ሰብ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኪህቦ ዚኽእል መልሲ ሃረር እናበለ ብመንፈሳዊ መዳይ ይጠሚ ይህሉ ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ: የሱስ ብዛዕባ እቶም ብመንፈስ ዚጠምዩ ወይ ነቶም “መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ” ሰባት ብጽቡቕ ከም እተዛረበ ኣይትረስዕ። (ማቴዎስ 5:3 NW) ነዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ የሱስ እተመባጽዖ ናይ ሓቂ ሓጐስ ንኺረኽቡ ምሕጋዝ ከመይ ዝበለ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!

8. ሰባት: ኣምላኽ ብዅሉ እዚ እከይ ተሓታቲ እዩ ኢሎም ከም ዚሓስቡ ዝገበሮም ዜደናግር ትምህርቲ እንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

8 ሳልሳይ: ኣምላኽ ነዚ ኣብዛ ዓለም ኣስፋሕፊሑ ዘሎ እከይ ተሓታቲ ኸም ዘይኰነ ንኺርድኦ ነቲ ሰብ ክንሕግዞ የድሊ ይኸውን። ብዙሓት ሰባት: ነዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ዚገዝኣ ዘሎ ኣምላኽ ምዃኑ: ነዊሕ እዋን ይገብር ነዚ ዜጋጥመና ዘሎ ነገራት ከም ዝመደቦ: ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ከምዚ ዝበለ መከራ ዜውርደሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ምስጢራውን ክትርድኦ ዘይከኣልን ምዃኑ እዮም ተማሂሮም። እዚ ትምህርቲ እዚ ግን ሓሶት እዩ። ንኣምላኽ ዜሕስርን ነዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ እከይን መከራን ብሓላፍነት ከም ዚሕተትን እዩ ዚገብሮ። ስለዚ: ነዚ ኸምዚ ዝበለ ጕዳያት ንምፍታሕ: ቃል ኣምላኽ ክንጥቀም የድልየና ይኸውን። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ገዛኢ እዚ ብልሹው ስርዓት እዚ የሆዋ ዘይኰነስ: ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) የሆዋ ንመስተውዓልቲ ፍጡራቱ ብዚምልከት ኣቐዲሙ ኣይውስንን እዩ: ንነፍሲ ወከፎም ናጽነት ከምኡውን ጽቡቕን ሕማቕን ኰነ ቕኑዕን ጌጋን ናይ ምምራጽ ኣጋጣሚ ይህቦም እዩ። (ዘዳግም 30:19) የሆዋ ኸቶ ምንጪ እከይ ኣይኰነን፣ እከይ ይጸልእን ነቶም ብምጕዳል ፍትሒ ዚሳቐዩ ሰባት ይሓልየሎምን እዩ።—እዮብ 34:10፣ ምሳሌ 6:16-19፣ 1 ጴጥሮስ 5:7

9. ሰባት: የሆዋ ኣምላኽ መከራ ንኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ኪርድኦም ንምሕጋዝ ኢሉ እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዜዳለዎ ገለ ናውቲ እንታይ እዩ፧

9 ከምዚ ዝበለ መሰረት ምስ ኣንበርካ: እቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ: ኣምላኽ መከራ ንኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ኪመሃር ድሉው ይኸውን። ከምዚ ንምግባር ምእንቲ ኺሕግዘካ: እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ብዙሕ ናውቲ ኣዳልዩ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45-47) ንኣብነት: ኣብቲ ብ2005/06 እተገብረ “ኣምላኻዊ ተኣዛዝነት” ዘርእስቱ ኣኼባ ኣውራጃ: እዚ ዅሉ መከራ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ! ዘርእስታ ትራክት ወጸት። ነዛ ትራክት እዚኣ ብቛንቋኻ ኽትረኽባ ትኽእል እንተ ዄንካ: ንትሕዝቶኣ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦ ስለምንታይ ጻዕሪ ዘይትገብር፧ እታ ብ157 ቋንቋታት ክትርከብ እትኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ እውን ነዛ ሕቶ እዚኣ እትምልስ ምልእቲ ምዕራፍ ዝሓዘት እያ። ነዚ ኸምዚ ዝበለ ናውቲ ብግቡእ ተጠቐመሉ። እዘን ጽሑፋት እዚኣተን: ቅዱስ ጽሑፋዊ ድሕረ-ባይታ እቲ ኣብ ኤድን እተላዕለ ጕዳይ ልዑላውነት ከምኡውን የሆዋ ነቲ ጕዳይ ዝፈትሓሉ መገዲ ብንጹር እየን ዚገልጻ። ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር እዚ ኽትመያየጥ ከለኻ: ነቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ ናብ ብሉጽ ፍልጠት ከም እትመርሖ እውን ኣይትረስዕ። እዚ ፍልጠት እዚ ብዛዕባ የሆዋን ዜደንቕ ባህርያቱን ዚገልጽ እዩ።

ኣብ ባህርያት የሆዋ ኣተኵር

10. ብዙሓት ሰባት: ኣምላኽ መከራ ንኺህሉ ብዛዕባ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ዘይርድኦም ነገር እንታይ እዩ፧ እንታይ ምፍላጦምከ እዩ ኺሕግዞም ዚኽእል፧

10 ሰባት: ኣምላኽ ንደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ሰይጣን ኰይኖም ርእሶም ንኼመሓድሩ ዝፈቐደሉ ምኽንያት ንኺርድኡ ኽትሕግዝ ከለኻ: ኣብቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ ኸም ዜተኵሩ ግበር። ብዙሓት ሰባት ወትሩ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪበሃል ከሎ ስለ ዚሰምዑ: ኣምላኽ ሓያል ከም ዝዀነ ይፈልጡ እዮም። ነቲ ዘለዎ ሓይሊ ተጠቒሙ ንምጕዳል ፍትሕን መከራን ብኡንብኡ ደው ዘየበለሉ ምኽንያት ግን ኣይርድኦምን እዩ። ምናልባት ነቲ ኸም እኒ ቕድስና: ፍትሒ: ጥበብ: ከምኡውን ፍቕሪ ዝኣመሰለ ባህርያቱ ስለ ዘይፈልጥዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ነዚ ባህርያት እዚ ፍጹምን ሚዛናውን ብዝዀነ መገዲ እዩ ዚጥቀመሉ። ስለዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ “ግብሩ ፍጹም እዩ” ዚብል። (ዘዳግም 32:4) ከመይ ጌርካ ኢኻ ብዛዕባ እቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝረኣናዮ ጕዳይ መልሲ ኽትህብ ከለኻ ነዚ ባህርያት እዚ ኸተጕልሖ እትኽእል፧ ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

11, 12. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን ምስ ሓጥኡ ይቕረታ ምግባር ኣማራጺ ዘይነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንሓጢኣት ንዘለኣለም ዘይጻወሮ ስለምንታይ እዩ፧

11 የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ይቕረታ ኺገብረሎም ይኽእልዶ ኣይነበረን፧ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ይቕረታ ምግባር ከም ኣማራጺ ዚርአ ኣይነበረን። ኣዳምን ሄዋንን ፍጹማት ብምንባሮም: ንልዑላውነት የሆዋ ንምንጻግን ንመሪሕነት ሰይጣን ንምቕባልን ብፍላጥ ምርጫ ገበሩ። እቲ ዜገርም ድማ እቶም ዓለወኛታት ዘርኣይዎ ምልክት ንስሓ እኳ ኣይነበረን። ሰባት ስለምንታይ የሆዋ ይቕረታ ዘይገበረሎም ኪብሉ ኸለዉ: ብኻልእ ኣበሃህላ ስለምንታይ ንመለክዒታቱ ትሕት ብምባል ነዚ ሓጢኣትን ዕልወትን ዘይተጻወሮ እዮም ዚብሉ ዘለዉ። እቲ መልሲ ግን ምስታ ኣገዳሲት ባህርይ የሆዋ ዝዀነት ቅድስና እተተሓሓዘ እዩ።—ዘጸኣት 28:36፣ 39:30

12 መጽሓፍ ቅዱስ ንቕድስና የሆዋ ብተደጋጋሚ የጕልሖ እዩ። እቲ ዜሕዝን ግን ኣብዛ ብልሽውቲ ዓለም እዚኣ ዚነብሩ ሒደት ሰባት ጥራይ እዮም ነዛ ባህርይ እዚኣ ኺርድእዋ ዚኽእሉ። የሆዋ ጽሩይን ንጹህን ካብ ኵሉ ሓጢኣት ዝረሓቐን እዩ። (ኢሳይያስ 6:3፣ 59:2) ሓጢኣት ንምትዕራቕን ንምድምሳስን መሰናድዎ እኳ እንተ ገበረ: ንዘለኣለም ግን ፈጺሙ ኣይጻወሮን እዩ። የሆዋ ንሓጢኣት ንዘለኣለም እንተ ዚጻወሮ ነይሩ: ተስፋ ኣይምሃለወናን ነይሩ። (ምሳሌ 14:12) ብግዜኡ ንዅሎም ፍጥረቱ ናብ ቅድስና ኼብጽሖም እዩ። እዚ ፍቓድ እቲ ቕዱስ ስለ ዝዀነ: ዜተኣማምን እዩ።

13, 14. የሆዋ ነቶም ኣብ ኤድን ዝነበሩ ዓለወኛታት ኬጥፍኦም ዘይመረጸ ስለምንታይ እዩ፧

13 የሆዋ ነቶም ኣብ ኤድን ዝነበሩ ዓለወኛታት ብምጥፋእ ከም ብሓድሽ ኪጅምር ይኽእልዶ ኣይነበረን፧ ብርግጽ ከምዚ ንምግባር ሓይሊ ኣለዎ፣ ድሕሪ ቐረባ ግዜ እውን ንዅሎም እኩያት ሰባት ንምጥፋእ ነዚ ሓይሉ ኺጥቀመሉ እዩ። ገሊኦም ሰባት ግን ‘ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ሰለስተ ሓጢኣተኛታት ጥራይ ከለዉ ደኣ እሞ ስለምንታይ ነዚ ሓይሉ ዘይተጠቕመሉ፧ ምስፍሕፋሕ ሓጢኣትን እዚ ዅሉ ኣብዛ ዓለም ዘሎ መከራን ኪዕገትዶ ኣይምተኻእለን ነይሩ፧’ ኢሎም ይሓቱ። የሆዋ ኸምዚ ኺገብር ዘይመረጸ ስለምንታይ እዩ፧ ዘዳግም 32:4 “ኵሉ መገዱ ፍርዲ [“ፍትሒ:” NW] እዩ” ትብል። የሆዋ ብፍትሒ ዝመጸ ጽኑዕ መትከል እዩ ዘለዎ። ከመይሲ: ‘እግዚኣብሄር ፍትሒ ይፈቱ’ እዩ። (መዝሙር 33:5 ትርጕም 1990adj.) ፍትሒ ስለ ዚፈቱ ድማ እዩ ነቶም ዓለወኛታት ዘየጥፍኦም። ስለምንታይ ከምዚ ኽንብል ንኽእል፧

14 ዕልወት ሰይጣን ንልዑላውነት ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ነቲ ዘልዓሎ ብድሆ ግቡእ መልሲ ንምሃብ ድማ ፍትሒ የሆዋ ኣገዳሲ እዩ። እዞም ዓለወኛታት ብኡንብኡ ኺጠፍኡ ይግብኦም እኳ እንተ ነበረ: ግቡእ መልሲ ዚህብ ግን ኣይምዀነን ነይሩ። የሆዋ ብሓይሊ ዝመጸ ልዕሊ ዅሉ ምዃኑ ተወሳኺ መርትዖ ምዀነ ነይሩ: ኰይኑ ግን ሓይሉ ኣይኰነን ኣብ ሕቶ ኣትዩ። ብተወሳኺ ኸኣ ንኣዳምን ሄዋንን ዕላማኡ ነጊርዎም ነበረ። ውሉዳት ብምውላድ ንምድሪ ኺመልእዋ: ኪመልክዋ: ልዕሊ ዅሉ ድማ ንብምሉኡ ፍጥረት ምድሪ ኺገዝኡ ነበሮም። (ዘፍጥረት 1:28) የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን እንተ ዜጥፍኦም ነይሩ ግን ንደቅሰብ ዘለዎ ዕላማ ኸንቱ ምዀነ ነይሩ። ፍትሑ ግን ከምዚ ኪኸውን ኣይፈቅድን እዩ፣ ከመይሲ: ኵሉ ሳዕ ዕላማኡ ይፍጸም እዩ።—ኢሳይያስ 55:10, 11

15, 16. ሰባት ነቲ ኣብ ኤድን እተላዕለ ብድሆ ብዚምልከት ኣማራጺ “መፍትሒ” ኬቕርቡ ኸለዉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

15 ዝዀነ ይኹን ፍጡር ንጕዳይ እቶም ዓለወኛታት ካብ ጥበብ የሆዋ ንላዕሊ ተጠቒሙ ኺፈትሖ ይኽእልዶ፧ ገሊኦም ሰባት ነቶም ኣብ ኤድን ዝነበሩ ዓለወኛታት ብዚምልከት ናይ ውልቆም “መፍትሒ” የቕርቡ ይዀኑ። ከምዚ ኺገብሩ ኸለዉ ግን ነዚ ጕዳይ ብዝበለጸ መገዲ ኺፈትሕዎ ኸም ዚኽእሉ ደይኰኑን ዚገልጹ ዘለዉ፧ ምናልባት ካብ ሕማቕ ድራኸ ተበጊሶም ኣይኰኑን ከምዚ ዚገብሩ፣ ኰይኑ ግን: ነቲ የሆዋ ዘለዎ ምርዳእን ዜደንቕ ጥበብን ስለ ዘይርድእዎ እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኪጽሕፈሎም ከሎ: ብዛዕባ ጥበብ ኣምላኽ ነገሮም፣ እዚ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ቕዱስ “ምስጢር:” ማለት ብዛዕባ ነቲ ኣምላኽ ነታ መሲሓዊት መንግስቲ ብምጥቃም ንእሙናት ደቅሰብ ድሕነት ዜምጽኣሉን ንቕዱስ ስሙ ዚቕድሰሉን ዕላማ ዜጠቓልል ነበረ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ጥበብ ዝመልኦ ዕላማ ኣምላኽ እንታይ ተሰምዖ፧ “ነቲ በይኑ ብዓል ጥበብ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን” ብምባል ነታ መልእኽቱ ዛዘማ።—ሮሜ 11:25፣ 16:25-27

16 የሆዋ ኻብዚ ዅሉ ፍጥረት ንላዕሊ “ብዓል ጥበብ” ከም ዝዀነ ጳውሎስ ተረዲኡ ነበረ። ዘይፍጹማት ሰባት ይትረፍዶ ነቲ ጥበብ ኣምላኽ እተራእየሉ ዝኸበደ ብድሆ: ንዝዀነ ይኹን ጕዳይ ብዝሓሸ መገዲ ኺፈትሕዎ ይኽእሉዶ፧ ስለዚ: ካልኦት ሰባት እውን ብተመሳሳሊ ነቲ “ብምስትውዓል ጠቢብ” ዝዀነ ኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ንኺህልዎም ክንሕግዞም ኣሎና። (እዮብ 9:4) ንጥበብ የሆዋ ብዝያዳ ብእተረዳእናዮ መጠን: እቲ ንነገራት ዚሕዘሉ መገዲ ብሉጽ ብምዃኑ ብዝያዳ ኣብ መገድታቱ ኸም እንውከል እዩ ዚገብረና።—ምሳሌ 3:5, 6

ነታ ዓብላሊት ባህርይ የሆዋ ምፍላጣ

17. እቶም ኣምላኽ ስቓይ ንኺህሉ ብምፍቃዱ ዚጭነቑ ሰባት: ንፍቕሪ የሆዋ ብዕምቈት ምርዳኦም ዚሕግዞም ብኸመይ እዩ፧

17 “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:8) መጽሓፍ ቅዱስ በዘን ዜገርማ ቓላት ገይሩ እዩ ነታ ዓብላሊት ባህርይ የሆዋ ዚገልጻ፣ እዛ ባህርይ እዚኣ ኻብ ካልኦት ኣዝያ ማራኺትን ነቶም ብምስፍሕፋሕ እከይ ዚጭነቑ ሰባት እተጸናንዕን እያ። የሆዋ ነቲ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ፍጥረቱ ዘስዓቦ መሪር ስቓይ ኣብ ምእላይ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ። ነቶም ሓጢኣተኛታት ውሉዳት ኣዳምን ሄዋንን ተስፋ ዝሃቦም ከምኡውን ናብኡ ዚቐርቡሉ መገድን ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ከም ዚምስርቱን ዝገበሮም ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ እዩ። ሓጢኣትና ምሉእ ብምሉእ ይቕረታ ዚረኽበሉን ናብቲ ፍጹምን ዘለኣለማውን ህይወት ከም እንምለስ ዝገበረናን በጃ ዘሰናደወሉ ምኽንያት: ፍቕሪ ስለ ዝደረኸቶ እዩ። (ዮሃንስ 3:16) ኣብ ርእሲ እዚ: ንሰይጣን ነጺጎም ንየሆዋ ኸም ልዑላዊ ገይሮም ንኺርእይዎ ኣጋጣሚ ንምሃብ: ምስ ደቅሰብ ኣብ ዘለዎ ርክብ ዕጉስ ንኪኸውን እውን ፍቕሪ እዩ ኣለዓዒልዎ።—2 ጴጥሮስ 3:9

18. እንታይ ዓይነት ዓሚቝ ፍልጠት ስለ ዘሎና ኢና ተባሪኽና፧ ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽከ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

18 ሓደ ቐሺ ነቲ ግብረ-ሽበራውያን ዝፈጸምዎ ዜዕኑ መጥቃዕቲ ንምዝካር ተኣኪቦም ንዝነበሩ ሰባት ኪዛረብ ከሎ: “ኣምላኽ: እከይን መከራን ንኪቕጽል ዝፈቐደሉ ምኽንያት ኣይንፈልጦን ኢና” በለ። እዝስ ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ነዚ ርእሰ ነገር እዚ ብዕምቈት ክንፈልጦ ብምኽኣልና ኣዚና ደይኰንናን ተባሪኽና፧ (ዘዳግም 29:29) የሆዋ ጥበበኛን ፍትሓውን ፈቃርን ስለ ዝዀነ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ መከራ ኸም ዜጥፍኦ ንፈልጥ ኢና። ከመይሲ: ከምዚ ኸም ዚገብር ቃል ኣትዩ እዩ። (ራእይ 21:3, 4) ብዛዕባ እቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ዝሞቱ ሰባትከ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧ እቲ የሆዋ ነቲ ኣብ ኤድን ዝነበረ ዅነታት ዝሓዘሉ መገዲ: ተስፋ ኸም ዘይብሎም ገይርዎም ድዩ፧ ኣይገበሮምን። ኣብ ክንዳኡስ: ብትንሳኤ ኣቢሉ ተስፋ ንኺህቦም ፍቕሪ ደሪኻቶ እያ። ኣብ እትስዕብ ዓንቀጽ ብዛዕባ እዚ ኽንርኢ ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሓደ ሰብ: ኣምላኽ መከራ ንኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት እንተ ዚሓተና እንታይ ኢልና ኽንምልሰሉ ንኽእል፧

• ኣብቲ የሆዋ ነቶም ኣብ ኤድን ዝነበሩ ዓለወኛታት ዝሓዘሉ መገዲ: ቅድስናኡን ፍትሑን እተንጸባረቐ ብኸመይ እዩ፧

• ሰባት ንፍቕሪ የሆዋ ብዕምቈት ንኺርድእዎ ኽንሕግዞም ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

በቲ ኣብዛ ዓለም ዘሎ መከራ ንዚጭነቑ ሰባት ሓግዞም

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቶም እሙናት ዝነበሩ ዳዊትን ኣንባቆምን ብቕንዕና ንኣምላኽ ሓተትዎ