ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ይፍታሕ ንየሆዋ እተመባጽዖ መብጽዓ ሓለወ

ይፍታሕ ንየሆዋ እተመባጽዖ መብጽዓ ሓለወ

ይፍታሕ ንየሆዋ እተመባጽዖ መብጽዓ ሓለወ

ሓደ ዕዉት ተዋጋኢ ንህዝቡ ኻብ ጭቈና ሓራ ድሕሪ ምግባሩ ናብ ቤቱ ተመልሰ። ጓሉ ብሳዕስዒትን ብኸበሮን ክትቅበሎ እናጐየየት ወጸት። ርእይ ምስ ኣበላ ግን: ኣብ ክንዲ ዚሕጐስ: ክዳውንቱ ቐደደ። ስለምንታይ ከምኡ ገይሩ፧ ብሰላም ምምላሱ ኸምኣ ኼሐጕሶዶ ኣይግባእን እዩ፧ እንታይ ኲናትከ እዩ ዝሰዓረ፧ ንምዃኑ መን እዩ፧

እቲ ሰብኣይ ይፍታሕ ይበሃል: ሓደ ኻብቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ፈራዶ ኸኣ ነበረ። መልሲ እቲ ዝተረፈ ሕቶታት ንምርካብን እቲ ዛንታ ንዓና ዘለዎ ትርጕም ንምርዳእን ግን: ቅድሚ እዚ ዘይተለምደ ፍጻመ እዚ ዘጋጠመ ነገራት ክንምርምር ኣሎና።

ኣብ እስራኤል ዝነበረ ጽንኩር ኵነታት

ይፍታሕ ኣብ ጽንኩር ግዜ ይነብር ነበረ። እቶም እስራኤላውያን ደቂ ዓዱ ንንጹህ ኣምልኾ ሓዲጎም: ንኣማልኽቲ ሲዶንን ሞኣብን ዓሞንን ፍልስጥኤምን የገልግሉ ነበሩ። ስለዚ: የሆዋ ንህዝቡ ኣብ ኢድ ደቂ ዓሞንን ፍልስጥኤማውያንን ሓደጎም: ንሳቶም ከኣ ን18 ዓመት ጨቈንዎም። ብፍላይ እቶም ብምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ተቐማጦ ጊልዓድ ብዙሕ ጸበቦም። a ኣብ መወዳእታ: እስራኤላውያን ናብ ልቦም ተመልሱ: ተነሲሖም ካብ የሆዋ ሓገዝ ደለዩ: ኬገልግልዎ ጀመሩ: ጓኖት ኣማልኽቲ ድማ ካብ ማእከሎም ኣርሓቑ።—መሳፍንቲ 10:6-16

ደቂ ዓሞን ኣብ ጊልዓድ ሰፈሩ: እስራኤላውያን ከኣ ንኺዋግእዎም ተኣኻኸቡ። ኰይኑ ግን: እስራኤላውያን ሓለቓ ኣይነበሮምን። (መሳፍንቲ 10:17, 18) እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ይፍታሕ ናይ ርእሱ ጸገማት የጋጥሞ ነበረ። እቶም ስሱዓት ደቂ ኣቦኡ ርስቱ ምእንቲ ኺሰርቁ ኢሎም ሰጐጕዎ። ስለዚ: ናብቲ ጸላእቲ እስራኤል ብቐሊሉ ኼጥቅዕዎ ዚኽእሉ ብምብራቕ ጊልዓድ ዚርከብ ጦብ ዚበሃል ቦታ ገዓዘ። “ከንቱታት ሰባት” እተባህሉ: ብጨቈንቶም ካብ ስራሕ እተባረሩ ወይ ባሮት ምእንቲ ኸይኰኑ ኢሎም ዝዓለዉ ኪዀኑ ዚኽእሉ ሰባት: ናብ ይፍታሕ ተኣከቡ። “ምስኡ ኸኣ ወጹ:” ማለት ንተጻባእቲ ጐረባብቶም ኪወርር ከሎ: ምስኡ ይኸዱ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ። ይፍታሕ ተባዕ ተዋጋኢ ስለ ዝነበረ እዩ ቕዱሳት ጽሑፋት “ሓያል ጅግና” ኢሉ ዚጽውዖ። (መሳፍንቲ 11:1-3) ንእስራኤላውያን ምስ ደቂ ዓሞን ንኺዋግኡ ደኣ እሞ መን ኪመርሖም ይኽእል፧

“ንዓ ሓለቓና ኹን”

እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ “ንዓ ሓለቓና ኹን” ኢሎም ለመንዎ። ናብ ዓዱ ኺምለስ ኣጋጣሚ ርኽብ ምስ ኣበለ: ተሃዊኹ ኺምለስ እንተ ተጸብዮም ተጋግዮም እዮም። “ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን ጸሊእኩምንስ: ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጐጕኩምኒ፧ ሕጂ ደኣ እንተ ጸበበኩም ከመይ ናባይ ትመጹ፧” በሎም። እቶም ዓበይቲ ዓዲ ፈለማ ሰጒጎምዎ ኼብቅዑስ ደሓር ሓገዝ ደልዮም ናብኡ ምምጻኦም ክሳዕ ክንደይ ዘይፍትሓዊ ተግባር ኰን እዮም ዝነበሩ!—መሳፍንቲ 11:4-7

ይፍታሕ ንሰብ ጊልዓድ ዚመርሖም ሓደ ነገር ኪገብሩሉ እንተ ተመባጺዖም ጥራይ እዩ። ‘የሆዋ ንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሃበኒ: ሽዑ ኣነ ሓለቓኹም ክኸውን እየ’ በሎም። ዓወት ምርካቡ ኣምላኽ ከም ዝደገፎ ዜርኢ ነበረ: ብዘይካዚ ድማ ይፍታሕ ድሕሪ እቲ ጽንኩር እዋን ሕጊ ኣምላኽ ከም ዚሕሎ ንምግባር ሓሊኑ ነበረ።—መሳፍንቲ 11:8-11

ምስ ደቂ ዓሞን ዘጋጠሞ ነገራት

ይፍታሕ: ደቂ ዓሞን ምኽንያት መውረሪኦም እንታይ ምዃኑ ንኺገልጹሉ: ናብ ንጉሶም ልኡኻት ብምስዳድ ኪዛተ ፈተነ። እቲ እተዋህቦ መልሲ ኸኣ: ‘እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺድይቡ ኸለዉ: ምድሪ ደቂ ዓሞን ስለ ዝወሰዱ ኺመልስዎ ኣለዎም’ ዚብል ክሲ ነበረ።—መሳፍንቲ 11:12, 13

ይፍታሕ ብዛዕባ ታሪኽ እስራኤል ሰፊሕ ፍልጠት ስለ ዝነበሮ: ነቲ ደቂ ዓሞን ይግብኣኒ እዩ ኢሎም ዝሓተትዎ ጌጋ ምዃኑ መርትዖ ኣቕረበ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ ንዓሞን: ንሞኣብ: ወይ ንኤዶም ከም ዘየሸገሩ ነገሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን ዓሞን ነቲ ይግብኣኒ ዝበሎ ምድሪ ይሰፍረሉ ኸም ዘይነበረ ገለጸ። የግዳስ: ኣሞራውያን እዮም ዚነብሩሉ ነይሮም: ኣምላኽ ግን ንሲሆን ንጉሶም ኣብ ኢድ እስራኤል ሃቦ። ብዘይካዚ: እስራኤላውያን ኣብቲ ቦታ እቲ ን300 ዓመት ኪነብሩ ጸኒሖም እዮም። ስለምንታይ እዮም ደቂ ዓሞን ድሕሪ ነዊሕ እዋን ይግብኣኒ ዝበሉ፧—መሳፍንቲ 11:14-22, 26

ይፍታሕ ኣብቲ ንእስራኤል መከራ ዘምጸኣሎም ቀንዲ ጕዳይ እውን ኣተኰረ። መን እዩ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፧ የሆዋ ድዩ ወይስ ኣማልኽቲ እቶም እስራኤላውያን ዝወረስዋ ምድሪ፧ ከሞሽ ሓይሊ እንተ ኣልይዎ: ነቲ እቶም ህዝቡ ነይሮምዎ እተባህለ ምድሪ ኺከላኸል ኣይምኸኣለንዶ፧ እዚ ኣብ መንጎ እቲ ደቂ ዓሞን ዚሕለቑሉ ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ኣምልኾን ዚግበር ቃልሲ እዩ። ስለዚ: ይፍታሕ “እቲ ፈራዲ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ኣብ መንጎ ደቂ ዓሞንን ሎሚ ይፍረድ” ኢሉ ግቡእ መደምደምታ ገበረ።—መሳፍንቲ 11:23-27

እቲ ንጉስ ደቂ ዓሞን ነቲ ተሪር መልእኽቲ ይፍታሕ ኣይሰምዖን። “ሽዑ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ይፍታሕ መጸ እሞ: ብጊልዓድን ብምናሴን ኣቢሉ ብሚጽጳ ናብ ጊልዓድ ሐለፈ:” ከምዚ ዝገበረ ኸኣ ንውግእ ዚወጹ ሰባት ንምእካብ እዩ ዚኸውን።—መሳፍንቲ 11:28, 29

ይፍታሕ እተመባጽዖ መብጽዓ

ይፍታሕ ካብ ኣምላኽ መምርሒ ኣመና ብምድላዩ: ንኣምላኽ: “ንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ: ሽዑ ኪኸውን እዩ: ካብ ደቂ ዓሞን ብደሓን ምስ ተመለስኩ: እቲ ኪቕበለኒ ኢሉ ኻብ ደጌታት ቤተይ ዚወጽእ: ንእግዚኣብሄር ይኹን: ንዚሐርር መስዋእቲ ከቕርቦ እየ” ኢሉ መብጽዓ ተመባጽዐ። ኣምላኽ ከኣ ንይፍታሕ 20 ከተማ ደቂ ዓሞን ብ“ብርቱዕ ውግእ” ንኺስዕሮም ኣኽኣሎ: በዚ ኸምዚ ጸላእቲ እስራኤል ተሰነፉ።—መሳፍንቲ 11:30-33

ይፍታሕ ካብ ውግእ ምስ ተመልሰ: እታ ሓንቲ በይና ዜፍቅራ ጓሉ ኽትቅበሎ ወጸት። “ንእኣ ምስ ረአያ: ክዳውንቱ ቐዲዱ፤ ኣየ ጓለየ: ናብ እግዚኣብሄር ኣፈይ ከፊተ እየ: ክምለስ ከኣ ኣይክእልን እየ እሞ: ምስቶም ዜናውጹኒ ዄንኪ ሓይለይ ኣድከምክኒ” በለ።—መሳፍንቲ 11:34, 35

ይፍታሕ ብሓቂ ንጓሉ መስዋእቲ ድዩ ኺገብራ፧ ኣይፋሉን። ከምኡ ሓሲቡ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። የሆዋ ነቲ ሓደ ኻብቲ ከነኣናውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ እኩይ ነገራት ዝዀነ ቓል ብቓሉ ዚግበር መስዋእቲ ሰባት ይጸልኦ እዩ። (ዘሌዋውያን 18:21፣ ዘዳግም 12:31) መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ይፍታሕ ዝመጸ መብጽዓ ኣብ እተመባጽዓሉ ጥራይ ኣይኰነን: የግዳስ የሆዋ ንጻዕርታቱ ባሪኽዎ እዩ። ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እምነት ይፍታሕን ምስ ዕላማ ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ ብዛዕባ ዝነበሮ ግደን ብኣወንታዊ መገዲ እዩ ዚዛረበሉ። (1 ሳሙኤል 12:11፣ እብራውያን 11:32-34) ስለዚ: ሰብኣዊ መስዋእቲ: ወይ ንሰብ ምቕታል: ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ይፍታሕ ንየሆዋ ኸም መስዋእቲ ገይሩ ሰብ ከም ዚህቦ ኺመባጻዕ ከሎ ደኣ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ነቲ ኪቕበሎ ዚወጽእ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ጥራይ ንኼገልግል ኪውፍዮ ምዃኑ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ሕጊ ሙሴ: ሰባት ንየሆዋ መብጽዓ ብዛዕባ ምእታው ዚገልጽ መሰናድዎ ነበሮ። ንኣብነት: ኣንስቲ ኣብ መቕደስ የገልግላ ነበራ: ምናልባት እውን ማይ ይወርዳ ነይረን ይዀና። (ዘጸኣት 38:8፣ 1 ሳሙኤል 2:22) ብዛዕባ እዚ ኣገልግሎት እዚ ብዙሕ እንፈልጦ የብልናን: መብዛሕትኡ ግዜ ቐዋሚ እንተ ነይሩ እውን ዋላ ሓንቲ ኣይንፈልጥን ኢና። ይፍታሕ መብጽዓ ኺመባጻዕ ከሎ: ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ተወፋይነት እዩ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ: እቲ መብጽዓኡ ኸኣ ንነባሪ ኣገልግሎት ዜመልክት እዩ ዚመስል።

ጓል ይፍታሕን እቲ ጸኒሑ እተወልደ ሳሙኤልን: ነቲ እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ወለዶም እተመባጽዕዎ መብጽዓ ንምፍጻም ተሓባቢሮም እዮም። (1 ሳሙኤል 1:11) ጓል ይፍታሕ እምንቲ ኣገልጋሊት የሆዋ ኸም ምዃና መጠን: ኣቦኣ ዝኣተዎ መብጽዓ ኺፍጸም ከም ዘለዎ ማዕሪኡ ኣሚናትሉ ነበረት። እቲ እትኸፍሎ መስዋእቲ ግን ዓብዪ ነበረ: ከመይሲ ዕድሚኣ ምሉእ ኣይትምርዖን ማለት እዩ። ኵሉ እስራኤላዊ ስም ስድራቤቱን ርስቱን ንምዕቃብ ኢሉ ውሉዳት ኪህልውዎ ይደሊ ብምንባሩ: ንሳ ንድንግልናኣ በኸየትላ። ይፍታሕ መብጽዓኡ ኺፍጸም እንተ ዀይኑ: እታ ዜፍቅራ ሓንቲ በይና ጓሉ ኻብኡ ኽትፍለ ነበራ።—መሳፍንቲ 11:36-39

ህይወት እዛ እምንቲ ጓል ኣይባኸነትን። ኣብ ቤት የሆዋ ብምሉእ ግዜኻ ዚግበር ኣገልግሎት ንኣምላኽ እተኽብረሉ ዝበለጸን ዜዕግብን ዚንኣድን መገዲ እዩ ነይሩ። ስለዚ: “እተን ኣዋልድ እስራኤል በብዓመት እናኸዳ ንጓል ይፍታሕ ኣርባዕተ መዓልቲ ይውድሳኣ ነበራ።” (መሳፍንቲ 11:40) ይፍታሕ እውን በቲ ንየሆዋ እትገብሮ ኣገልግሎት ይሕጐስ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ሎሚ ብዙሓት ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ፈለምቲ: ሚስዮናውያን: ገየሽቲ ኣገልገልቲ: ወይ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ብምዃን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ይጽመዱ እዮም። እዚ ኸኣ ከምቲ ዚደልይዎ ንኣባላት ስድራቤቶም ኣይበጽሑን ማለት እዩ። ኰይኑ ግን: እቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት እተጸምዱ ዀነ ስድራቤቶም በቲ ንየሆዋ ዚቐርብ ቅዱስ ኣገልግሎት ኪሕጐሱ ይኽእሉ እዮም።—መዝሙር 110:3፣ እብራውያን 13:15, 16

ካብ መሪሕነት ኣምላኽ ምዕላው

ናብ ግዜ ይፍታሕ ምልስ ኢልና ኽንሓስብ ከለና: ብዙሓት እስራኤላውያን ንመሪሕነት የሆዋ ኸም ዝነጸጉ ኽንርኢ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ንይፍታሕ ከም ዝባርኾ ንጹር መርትዖ እናሃለወ ኽነሱ: ኤፍሬማውያን ምስኡ ተባእሱ። ናብ ውግእ ስለምንታይ ከም ዘይጸውዖም ኪፈልጡ ደለዩ። ንቤቱ ‘ኣብ ልዕሊኡ’ ኼንድድዋ እውን ደለዩ!—መሳፍንቲ 12:1

ይፍታሕ ከኣ ንኤፍሬማውያን ከም ዝጸውዖም: ንሳቶም ግን ከም ዘጽቀጡ ነገሮም። ዝዀነ ዀይኑ: ኣብቲ ውግእ ኣምላኽ እዩ ተዓዊቱ። እቶም ኤፍሬማውያን: ጊልዓዳውያን ንይፍታሕ ሓለቓ ኪዀኖም ኪመርጽዎ ኸለዉ ስለ ዘየማኸርዎም ድዮም ተቘጢዖም፧ ኤፍሬማውያን ዘቕረብዎ ተቓውሞ ኻብ የሆዋ ኸም ዝዓለዉ እዩ ዜርኢ: ምስኦም ካብ ምውጋእ ሓሊፍካ ኸኣ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረን። ኣብቲ ስዒቡ እተገብረ ውግእ: ኤፍሬማውያን ሃደሙ። እቶም ዚሃድሙ ዝነበሩ ሰብ ኤፍሬም “ሺቦለት” ኪብሉ ይኽእሉ ብዘይምንባሮም ብቐሊሉ ይልለዩ ነበሩ። በቲ ግጭት ብድምር 42,000 ኤፍሬማውያን ወደቑ።—መሳፍንቲ 12:2-6

ኣብ ታሪኽ እስራኤል ከመይ ዝበለ ዜሕዝን እዋን ኰን እዩ ነይሩ! ዖትኒኤል: ኤሁድ: ባራቅ: ከምኡውን ጊዴዎን ዚበሃሉ ፈራዶ ውግኣት ምስ ሰዓሩ: ሰላም ኰይኑ ነበረ። ኣብ ግዜ ይፍታሕ ግን ሰላም ከም እተረኽበ ኣይተገልጸን። የግዳስ: እቲ ጸብጻብ: “ይፍታሕ ድማ ንእስራኤል ሹድሽተ ዓመት ፈረደ። ድሕርቲ ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ሞተ: ኣብ ሓንቲ ኻብ ከተማታት ጊልዓድ ከኣ ተቐብረ” ኢሉ ጥራይ እዩ ዚዛዝም።—መሳፍንቲ 3:11, 30፣ 5:31፣ 8:28፣ 12:7

ካብዚ ዅሉ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ ህይወት ይፍታሕ ብቓልስታት ዝመልአ እኳ እንተ ነበረ: ንኣምላኽ እሙን ነበረ። እዚ ሓያል ሰብኣይ እዚ ምስቶም ዓበይቲ ጊልዓድ: ምስ ደቂ ዓሞን: ምስ ጓሉ: ከምኡውን ምስ ኤፍሬማውያን ኪዛረብ ከሎ: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ኪመባጻዕ ከሎ ንየሆዋ ጠቒስዎ እዩ። (መሳፍንቲ 11:9, 23, 27, 30, 31, 35፣ 12:3) ኣምላኽ ንይፍታሕ ስለቲ ተወፋይነቱ ባረኾ: ንዕኡ ዀነ ንጓሉ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ምድንፋዕ ተጠቐመሎም። ካልኦት መዐቀኒታት ኣምላኽ ሓዲጎምዎ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ይፍታሕ ናብ ስርዓታት ኣምላኽ ጠበቐ። ንስኻኸ ኸም ይፍታሕ ወትሩ ንየሆዋ ኽትእዘዞ ዲኻ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a ደቂ ዓሞን ኣዝዮም ጨካናት እዮም ነይሮም። ድሕርዚ: 60 ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ: ንዅሎም ተቐማጦ ሓንቲ ኸቢቦምዋ ዝነበሩ ኸተማ ጊልዓዳውያን: የማነይቲ ዓይኖም ኬንቍርዎም ተላዒሎም ነበሩ። ነብዪ ኣሞጽ ነተን ጥኑሳት ጊልዓድ ከብደን ብዛዕባ ዝቐደዱሉ እዋን ገሊጹ ኣሎ።—1 ሳሙኤል 11:2፣ ኣሞጽ 1:13