ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ደቀይ ብሓቂ ምሁራት ንኪዀኑ ብኸመይ ክሕግዞም እኽእል፧

ደቀይ ብሓቂ ምሁራት ንኪዀኑ ብኸመይ ክሕግዞም እኽእል፧

ደቀይ ብሓቂ ምሁራት ንኪዀኑ ብኸመይ ክሕግዞም እኽእል፧

ንውሉድ ዚወሃቦ ትምህርቲ ምስ ሓደ ዜሐጕስን በዳህን ጕዕዞ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። ንስኻን ደቅኻን ብሓባር እትገብርዎ ጕዕዞ እዩ። ኣብ መገዲ ህይወት ንኺግስግሱ ብምሕጋዝ: ምትብባዕን ፍቕራዊ መምርሕን ትህቦም ኢኻ። ኪመሃርዎ ዘለዎም ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት ኣሎ!

ውሉዳት ኣብ ህይወቶም ብሓቂ ዕዉታትን ሕጉሳትን ኪዀኑ እንተ ዀይኖም: ኣሚኖም እተቐበልዎ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ስርዓታት ኪህልዎም ኣለዎ: እዚ ድማ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ንኺፈልዩ ይሕግዞም። ንየሆዋ እንተ ፈሊጦምዎን እንተ ኣፍቂሮምዎን: ትምህርቶም ብሓቂ ዓስቢ ዘለዎ ይኸውን: እቲ ዚወሃቦም መምርሒ ድማ ንዘለኣለም ነባሪ ይኸውን። ወላዲ ኸም ምዃንካ መጠን: ኣብ ትምህርቲ ደቅኻ ዀነ ኣብቲ ነቲ እተማህርዎ ዘለዎም ግምትን ኣረዳድኣን እትጻወቶ ዓብዪ ግደ ኣሎካ።

ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ግን በዳሂ ዅነታት የጋጥም እዩ። ውሉዳት ብኻልኦት ይምሰጡ እዮም: ካብ ስድራቤት ወጻኢ ኸኣ ብዙሕ ዘይጥዑይ ነገራት ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም። ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ ዚገዝኣ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። (1 ዮሃንስ 5:19) ንሱ እውን እንተ ዀነ ንቘልዑ ኺምህሮም ይደሊ እዩ፣ ከምዚ ኺገብር ዜለዓዕሎ ምኽንያታት ግን ፈጺሙ እተፈልየ እዩ። ሰይጣን ክኢላን ኣዝዩ ምኩርን መምህር እዩ፣ ብርግጽ ግን እኩይ እዩ። “መልኣኽ ብርሃን” ዚመስል እኳ እንተ ዀነ: እቲ ንሱ ዜቕርቦ ፍልጠት መታለሊ: ምስ ቃልን ፍቓድን ኣምላኽ ከኣ ዚጋጮ እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4፣ 11:14፣ ኤርምያስ 8:9) ድያብሎስን ኣጋንንቱን ስስዐ: ሸፈጥ: ከምኡውን ስነ-ምግባራዊ ብልሽውና ብምስፍሕፋሕ ዝመጸ ዝወጸሎም መታለልቲ እዮም።—1 ጢሞቴዎስ 4:1

ደቅኻ ንኸይታለሉ ንምዕቋብ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ነቲ ሓቅን ጠቓምን ነገር ንኪቕበሉ ብኸመይ ክትምህሮም ትኽእል፧ ሓደ ኣገዳሲ መገዲ: ኣብ ርእስኻ ምትኳር እዩ። ጽቡቕ ኣብነት ክትኰኖም ኣሎካ። ንደቅኻ ንኸተሰልጥን ዘሎካ ሓላፍነት ክትቅበሎን ነዚ ንምግባር ዜድሊ ግዜ ኽትወስድን እውን ኣሎካ። ነዚ ነጥብታት እዚ ቕድሚ ምምርማርና ግን: መሰረት ጠቓሚ ትምህርቲ እንታይ ምዃኑ እስከ ንመርምር።

መሰረት ናይ ሓቂ ትምህርቲ

ካብቲ ኣዝዩ ጥበበኛ ዝነበረ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ክንመሃር ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይነግረና:- “ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምርሓቡ ልብን ሀቦ። ጥበብ ሰሎሞንሲ ኻብ ጥበብ ኵሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኵሉ ጥበብ ግብጽን በዝሔ። . . . ሰለስተ ሽሕ ምስላ ድማ መሰለ: መዝሙራቱውን ሽሕን ሓሙሽተን ነበረ።” ብዛዕባ ኣትክልትን እንስሳታትን ሰፊሕ ፍልጠት ነበሮ። (1 ነገስት 4:29-34) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነቲ ኣብ እስራኤል ዚካየድ ዝነበረ ፕሮጀክትታት ህንጸት: እንተላይ ንህንጸት እታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት እተደንቕ ቤተ መቕደስ የሆዋ ይቈጻጸር ነበረ።

ከም እኒ ኣብ መጽሓፍ መክብብ ዚርከብ ሰሎሞን ዝጸሓፎ ጽሑፋት: ብዛዕባ ባህርያት ሰባት ዓሚቝ ፍልጠት ከም ዝነበሮ ይሕብረና። ብመንፈስ ኣምላኽ ተመሪሑ ኸኣ መሰረት ናይ ሓቂ ትምህርቲ እንታይ ምዃኑ ኺገልጸልና ኸኣለ። ሰሎሞን: “ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ” በለ። እዚ ጥበበኛ ንጉስ እዚ ኣስዕብ ኣቢሉ: “መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ: ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ” በለ።—ምሳሌ 1:7፣ 9:10

ንኣምላኽ እንተ ፈሪህናዮ: ንዕኡ ዓብዪ ኣኽብሮት ይህልወና: ንኸይነጕህዮ ድማ ንጥንቀቕ። ካብ ኵሉ ዝለዓለ ልዑል ምዃኑን ንሕና ተገዛእቱ ምዃንናን ኣፍልጦ ንህበሉ። እቶም ነቲ ወሃብን ዓቃብን ህይወቶም ዘየኽብርዎ ዘበሉ ብሰባት ከም ጥበበኛታት ጌርካ ይረኣዩ ይዀኑ: ከምዚኣ ዝዓይነታ ጥበብ ግን “ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት” እያ። (1 ቈረንቶስ 3:19) ደቅኻ ኣብታ “ኻብ ላዕሊ እትወርድ” ጥበብ እተመርኰሰ ትምህርቲ እዩ ዜድልዮም።—ያእቆብ 3:15, 17

ንየሆዋ ኸይተጕህዮ ምፍራህ: ምስታ ንዕኡ ዘላትካ ፍቕሪ ኣጸቢቓ ትተኣሳሰር እያ። የሆዋ ንኣገልገልቱ ኺፈርህዎን ኬፍቅርዎን እዩ ዚደልዮም። ሙሴ ኸምዚ በለ:- “ዎ እስራኤል: ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ: ብዅሉ መገዱ ኽትመላለስ: ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ: ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ: ምእንቲ ኺጽብቐልካ: እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ: እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻባኻ ዚደልዮ እንታይ እዩ፧”—ዘዳግም 10:12, 13

ደቅና ንየሆዋ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ከም ዚሓድሮም እንተ ጌርና: ብሓቂ ጥበበኛታት ዚገብሮም መሰረት ትምህርቲ ኢና እነንብር ዘለና። ኣብዚ መሰረት እዚ ኺሃንጹ ኸለዉ: ነቲ ምንጪ ዅሉ ናይ ሓቂ ፍልጠት ዝዀነ ፈጣሪኦም ዘለዎም ሞሳ ኺዓቢ እዩ። እዚ ንደቅና ነቲ እተማህርዎ ብግቡእ ዓይኒ ንኺርእይዎ: ኣብ ግጉይ መደምደምታታት ከኣ ንኸይበጽሑ ኺሕግዞም እዩ። “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ” ክእለት ኬማዕብሉ እዮም። (እብራውያን 5:14) ከምዚ ዝኣመሰለ መሰረት ትሑታት ንኪዀኑን ካብ ሕማቕ ንኺርሕቁን ይሕግዞም።—ምሳሌ 8:13፣ 16:6

ደቅኻ ይዕዘቡኻ እዮም ዘለዉ!

ከመይ ጌርና ደኣ ኢና እሞ ደቅና ንየሆዋ ንኼፍቅርዎን ንኺፈርህዎን ክንሕግዞም እንኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብቲ የሆዋ ብነብዪ ሙሴ ኣቢሉ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ ይርከብ። እስራኤላውያን ወለዲ ኸምዚ ተባሂሉ ተነግሮም:- “ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።”—ዘዳግም 6:5-7

እዚ ሓሳባት እዚ ንወለዲ ኣገዳሲ ትምህርትታት ይህቦም። ሓደ ኻብዚ እዚ ዚስዕብ እዩ:- ከም ወላዲ መጠን ጽቡቕ ኣብነት ክትከውን ኣሎካ። ደቅኻ ንየሆዋ ንኼፍቅርዎ ኽትምህሮም እንተ ዄንካ: ንስኻ ንባዕልኻ ንኣምላኽ ከተፍቅሮ ኣሎካ: ቃላቱ ድማ ኣብ ልብኻ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ንስኻ ቐንዲ መምህር ደቅኻ ኢኻ። ካብ ኣብነትካ ዚመሃርዎ ነገር ኣባታቶም ዓሚቝ ጽልዋ ኣለዎ። ካብ ኣብነት ወለዲ ንላዕሊ ኣብ ህይወት ውሉዳት ጽልዋ ዚገብር ነገር ድማ የልቦን።

ትምኒታትካን ሓሳባትካን ስርዓታትካን ድሌታትካን ኣብቲ እትዛረቦ ነገር ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብቲ እትገብሮ ነገር እውን ይንጸባረቕ እዩ። (ሮሜ 2:21, 22) ውሉዳት ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዞም ንወለዶም ተጠንቂቖም ብምዕዛብ ይመሃሩ እዮም። ንወለዶም ዜገድሶም ነገር እንታይ ምዃኑ የስተውዕሉ: መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ እዚ ነገራት እዚ እዩ ንዓታቶም ኣገዳሲ ዚኸውን። ንየሆዋ ብሓቂ ተፍቅሮ እንተ ዄንካ: ደቅኻ ነዚ ኼስተብህሉሉ እዮም። ንኣብነት: ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኻ ኣገዳሲ ምዃኑ ኺርእዩ እዮም። ኣብ ህይወትካ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ከም እትህብ ኬስተውዕሉ እዮም። (ማቴዎስ 6:33) ኣዘውቲርካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እትእከብን ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ እትሳተፍን ምዃንካ: ንየሆዋ ቕዱስ ኣገልግሎት ምቕራብ ንዓኻ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኺሕብሮም እዩ።—ማቴዎስ 28:19, 20፣ እብራውያን 10:24, 25

ሓላፍነትካ ተሰከም

ወለዲ ኻብ ዘዳግም 6:5-7 ነዚ ዚስዕብ ትምህርቲ እውን ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም:- ንደቅኻ ናይ ምስልጣን ሓላፍነት ኣሎካ። እቶም ጥንታውያን ህዝቢ የሆዋ ዝነበሩ ወለዲ ንደቆም ይምህርዎም ነበሩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ወለዲ እውን ንደቆም ኣብ ምምሃር ኣገዳሲ ግደ ይጻወቱ ነይሮም እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 1:5፣ 3:14, 15) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ: ምናዳ ኣቦታት ‘ነቶም ውሉዶም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ኬዕብይዎም’ ከም ዘለዎም ሓቢሩ ነበረ።—ኤፌሶን 6:4

ወለዲ ሕጂ ዘሎ ጠለባትን ስራሕን ካልእ ዋኒናትን ጸቕጢ ስለ ዚገብረሎም: ንደቆም ትምህርቲ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ንኸም መምህራን ቤት ትምህርትን ክኢላታት ክንክን ቈልዑን ዝኣመሰሉ ኻልኦት ሰባት ኪሓድጉሎም ይፍተኑ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ዋላ ሓደ ሰብ ነቲ ሓደ ፈቃርን ሓላዪን ወላዲ ዘለዎ ቦታ ኺሽፍኖ ኣይክእልን እዩ። ወላዲ እንተ ዄንካ: ኣገዳስነትካን ጽልዋኻን ኣትሒትካ ኣይትርኣዮ። ሓገዝ እንተ ደሊኻ: ካበይ ከም እትረክብ ብጥበብ ምረጽ: ነቲ ቕዱስ ግዴታኻ ግን ከቶ ኣሕሊፍካ ኣይትሃብ።

ንደቅኻ ንምስልጣን ግዜ ውሰድ

ወለዲ ኻብ ዘዳግም 6:5-7 ዚመሃርዎ ኻልእ ትምህርቲ እዚ ዚስዕብ እዩ:- ንውሉዳት ምስልጣን ግዜን ጻዕርን ይሓትት። እስራኤላውያን ወለዲ ነቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚገልጽ ሓቂ ንደቆም ‘ኪምህርዎም’ ነበሮም። እታ “ምሀሮም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ቓል: “ምድጋም:” “ደጋጊምካ ምዝራብ” ማለት እያ። እዚ ኸኣ ካብ ወጋሕታ ኣትሒዝካ ኽሳዕ ዕራርቦ ምሉእ መዓልቲ “ኣብ ቤትካ” ዀነ “ኣብ መገዲ” እዩ ኺግበር ዘለዎ። ንውሉዳት ምምሃር ከምኡውን ንኣምላኽ ከም ዜሐጕሱ ጌርካ ኣረኣእያኦምን ጠባዮምን ምቕራጽ: ግዜን ጻዕርን ይሓትት።

ደቅኻ ብሓቂ ምሁራት ንኪዀኑ ደኣ እሞ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ። ንየሆዋ ንኼፍቅርዎን ንኺፈርህዎን ምሃሮም። ጽቡቕ ኣብነት ኩኖም። ንደቅኻ ንምምሃር ዘሎካ ሓላፍነት ተሰከም: ንኸተሰልጥኖም ከኣ ዜድሊ ግዜ ውሰድ። ፍጹም ኣይኰንካን: ክትምህሮም ከለኻ ኸኣ ጌጋታት ክትገብር ኢኻ። ኰይኑ ግን: ፍቓድ ኣምላኽ ክትገብር ልባዊ ጻዕሪ እንተ ጌርካ: ደቅኻ ንጻዕርታትካ ንኼማስዉሉን ካብኡ ንኺጥቀሙን ዝሰፍሐ ዕድል ኪህልዎም እዩ። ምሳሌ 22:6 “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ትብል።

ትምህርቲ ኣብ ምሉእ ህይወት ዚቕጽል ጕዕዞ እዩ። ንስኻን ደቅኻን ንኣምላኽ እንተ ኣፍቂርኩምዎ: ንዘለኣለም እትሕጐሱሉ ጕዕዞ ኪዀነልኩም እዩ። ከምዚ ዚዀነሉ ምኽንያት ከኣ: ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዕላማኡ ዘሎና ቦታን ወትሩ እንመሃሮ ሓድሽ ነገር ስለ ዚህሉ እዩ።—መክብብ 3:10, 11

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ንደቅኻ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብበሎም ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 16 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ ፈጣሪ ንደቅኻ ንምምሃር ግዜ ውሰድ