ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ጐይታ: ስለምንታይ ኣጽቀጥካ፧”

“ጐይታ: ስለምንታይ ኣጽቀጥካ፧”

“ጐይታ: ስለምንታይ ኣጽቀጥካ፧”

እዘን ቃላት እዚኣተን: ብ28 ግንቦት 2006 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ነቲ ኣብ ፖላንድ ዚርከብ ቀደም መዳጐኒ ደምበ ዝነበረ ኦሽዊትዝ ኪበጽሑ ኸለዉ እተዛረብወን እየን። ኣብቲ ኣባላት ናዚ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣይሁድን ካልኦትን ዝቐተሉሉ ቦታ: እዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምዚ ዚስዕብ እውን ኢሎም እዮም:- “ኣብዚ ቦታ እዚ ኣዝዩ ብዙሕ ሕቶታት እዩ ዚለዓል! እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ወትሩ ይለዓል እዩ:- ኣብቲ ግዜ እቲ ኣምላኽ ኣበይ ነይሩ፧ ስለምንታይ ኣጽቂጡ፧ እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ጃምላዊ ቕትለት ንኺህሉን እከይ ንኺዕወትን ኪፈቅድ ዝኸኣለ ኸመይ ኢሉ እዩ፧ . . . ናብ ኣምላኽ ብትሕትና ግን ከኣ ከየባተኽና: ‘ተለዓል! ነቶም ፍጡራትካ ደቅሰብ ኣይትረስዓዮም!’ እናበልና ኽንምህለል ኣሎና።”

እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተዛረብዎ ዘረባ: ንኣቓልቦ ብዙሓት ስሒቡ እዩ። ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣብ ኦሽዊትዝ ምስ እተገብረ ግፍዒ ዚተሓሓዝ ጸረ-ሴማውነት ዝኣመሰለ ነገራት ከይጠቐስዎ ኸም ዝሓለፉ ኣስተውዒሎም እዮም። ገሊኦም ከኣ ነቲ እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ ጳውሎስ ካልኣይ ነታ ቤተ-ክርስትያን ብዝፈጸመቶ ሓጢኣት ይቕረታ ኺግበረላ ዝሓተትዎ ሕቶ ንምቅላል እተገብረ ፈተነ መሰሎም። ፊሊፖ ጀንቲሎኒ ዚበሃል ጋዜጠኛ ካቶሊክ: “ሓያሎ ወሃብቲ ርእይቶ: ኣምላኽ ኣበይ ከም ዝነበረ ዚሓትት መልሲ ዘይብሉ ኸቢድ ሕቶ ምስ መጾም: ኣብ ክንዳኡ ‘ፓየስ መበል 12 ኣበይ ነበረ፧’ ንእትብል ዝቐለለት ሕቶ መልሲ ኺወሃቦም እዮም ዚጠልቡ” በለ። እቶም ወሃብቲ ርእይቶ: እቲ ጃምላዊ ቕትለት ኣብ ዚግበረሉ እዋን ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓየስ መበል 12 ስለምንታይ ከም ዘጽቀጡ እዮም ዚሓቱ ዘለዉ።

እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ኰነ ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ እተገብረ ጃምላዊ ቕትለት: ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ኸም ዚስልጥን’ እዩ ዜረጋግጽ። (መክብብ 8:9) ፈጣሪ ወድሰብ ግን እዚ ዅሉ ዜስካሕክሕ ነገር ኪፍጸም ከሎ ኣየጽቀጠን። ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እከይ ኪህሉ ዘፍቀደሉ ምኽንያት ገሊጹልና ኣሎ። ንደቅሰብ ከም ዘይረስዖም እውን ኣረጋጊጹልና ኣሎ። እኳ ደኣስ እቲ ንደቅሰብ ገዛእ ርእሶም ኬመሓድሩ ዝፈቐደሉ ግዜ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኬብቅዕ እዩ። (ኤርምያስ 10:23) ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ዕላማ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 መልሲ ዘይረኸቡሉ ሕቶታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ንኽትረኽበሉ ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Oświęcim Museum