ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸበባ ኣብ ዝመልኣ ዓለም ተስፋ ምርካብ

ጸበባ ኣብ ዝመልኣ ዓለም ተስፋ ምርካብ

ጸበባ ኣብ ዝመልኣ ዓለም ተስፋ ምርካብ

“ተራ ዜጋታት ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ንህዝቢ ጽቡቕ ኪገብሩን ሓባራዊ ጸገማት ኪፈትሑን ዓቕሚ ኣለዎም።” እቲ ፕረዚደንት ሕ.መ.ኣ. ዝነበረ ቢል ክሊንተን: ኣብ መጋቢት 2006 ኣብቲ ኣብ ኦታዋ: ካናዳ እተገብረ ዋዕላ ነዚ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ተዛረበ። ካብቲ ብ2004 ዘጋጠመ ሱናሚ ኣትሒዙ ኣህጉራዊ ሰናይ ተግባራት ከም ዝሰፍሐ: በዚ እተረኽበ ጩራ ተስፋ ኣቢልካ ኸኣ ዓለምና “ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓድሕዳዊ ምርኰሳ ኣብ ዘለዎ እዋን” ከም ዘላ ደምደመ።

ባህርያዊ ሓደጋታት ኣብ ኵሉ ቦታ ንዚርከቡ ሰባት ንዝሓሸ መጻኢ ንኺዓዩ ኼለዓዕሎም ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ዲና፧ እቲ “ቕድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓድሕዳዊ ምርኰሳ” ኣብ መጻኢ ናይ ሓቂ ሰላምን ነባሪ ደሓንን ንኺመጽእ ዜተኣማምን መሰረት ይኸውን ድዩ፧

ምንጪ ናይ ሓቂ ተስፋ

እቲ ንልዕሊ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመት እተመዝገበ ነዊሕ ታሪኽ ጻዕርታት ደቅሰብ: ብጓሂ ዝመልአ እዩ። እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቕዱሳት ጽሑፋት: “ብመሳፍንቲ: በቲ ኺረድእ ዘይከአሎ ወዲ ሰብ ኣይትወከሉ” ኢሉ ኺምዕደና እምበኣር ሓቁ እዩ። (መዝሙር 146:3) ተስፋና ኣብ ውድባት ዓለም: ኣብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ናውቲ: ከምኡውን ኣብቲ ሕልምታታ ምግባር እምበኣር ናብ ጓሂ ጥራይ እዩ ዚመርሕ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ።”—1 ዮሃንስ 2:17

ይኹን እምበር: ኣብዚ ዅሉ ዝሓለፈ ዘመናት ኣምላኽ ንጻድቃን ሰባት ምንጪ ዘየቋርጽ ተስፋ ዀይንዎም ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ “ተስፋ [ጥንታዊት] እስራኤል:” “ትጽቢት እስራኤል:” ከምኡውን “ተስፋ ኣቦታቶም” ኢሉ ይጽውዖ: ኣብኡ ተስፋን ትጽቢትን ትውክልትን እምንቶን ብዛዕባ ምግባር እውን ብዙሕ መግለጺ ይህብ። (ኤርምያስ 14:8፣ 17:13፣ 50:7) እወ: ቅዱሳት ጽሑፋት “ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር” ኢሉ የተባብዓና እዩ።—መዝሙር 27:14

ምሳሌ 3:5, 6 “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” ኢላ ትምሕጸነና። የሆዋ ኣምላኽ ዘይልወጥን ዜተኣማምንን ቃሉ ዚሕሉን ስለ ዝዀነ: ንኸምዚ ዝኣመሰለ መብጽዓ ንኽትተኣማመነሉ እኹል ምኽንያት ኣሎካ። (ሚልክያስ 3:6፣ ያእቆብ 1:17) ንጥቕምኻ እዩ ዚሓስብ። ነቲ ኣብ ቃሉ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መምርሒ ወትሩ እንተ ስዒብካ ኸኣ: ነዚ ዜፍርህ እዋን ብዓወት ንኽትሰግሮ ኺመርሓካ እዩ።—ኢሳይያስ 48:17, 18

ሓደ ብምሉእ ልቡ መምርሒ ኣምላኽ ዚስዕብ ሰብ: ኣብቲ “ምሳኻ እየ እሞ: ኣይትፍራህ: ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ: ኣይትሸበር: ከበርትዓካ: ክረድኣካ: ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ” ዚብል መብጽዓ ኺጽጋዕ ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 41:10) ኵሎም እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ብሓቂ ዜፍቅርዎ ዘበሉ ብዛዕባ እዚ መብጽዓ እዚ ብርቱዕ ጸሎትን ምስትንታንን ምግባሮም: ብዙሕ ኬጸናንዖም ይኽእል እዩ። ከምዚ ምግባር ንኣጸጋምን ዜጨንቕን ኵነታት ንኺጻወሩ የኽእሎም።

ንኣብነት: ኣንድሪያ እትበሃል ኣደ ኽልተ ቘልዑ ዝዀነት ናይ የሆዋ ምስክር ንውሰድ። ንሳ ኸምዚ በለት:- “ኣብ ህይወተይ ዜስግእ ነገራት ኬጋጥመኒ ኸሎ: ጸሎትን ብዛዕባ መብጽዓታት የሆዋ ዝገብሮ ምስትንታንን ጥራይ እዩ ደው ንኽብል ዜበርትዓኒ። ንየሆዋ ኣብ ህይወተይ ዘይለዋወጥ ቦታ እንተ ሂበዮ: ብርግኣት ንኽመላለስ ኣመና ዝቐለለ እዩ ዚዀነለይ።”

ኣብ የሆዋ ዘሎካ ተስፋ ኣደልድሎ

ሓደ ጸሓፍ መዝሙር: ኣብ የሆዋ ተስፋ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኼጕልሕ ከሎ: “እቶም ሕግኻ ዜፍቅሩ ብዙሕ ሰላም አለዎም: ዜዐንቅፎም ከኣ የልቦን” በለ። (መዝሙር 119:165) ዕቱብ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ንሓሳብካን ልብኻን: በቲ ‘ሓቂ: ርዝነት: ቅኑዕ: ንጹህ: ተፈታዊ: ጽቡቕ ወረ: ደግነት: ከምኡውን ንእዶ’ ተባሂሉ ተገሊጹ ዚርከብ ብመንፈሳዊ መዳይ ጥዑይን ሃናጽን ዝዀነ ነገራት ኣብ ምምላእ ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንኽትሰምዕ: ንኽትመሃር: ንኽትቅበል: ከምኡውን ንኽትዓየሉ ብትግሃት ጻዕሪ እንተ ጌርካ: ‘ኣምላኽ ሰላም ምሳኻ ኪኸውን እዩ።’—ፊልጲ 4:8, 9

ሓደ ጆን ዚበሃል ውልቀ-ሰብ ካብቲ ኣብ ነዊሕ ዓመታት ዝረኸቦ ብሕታዊ ተመክሮኡ ተበጊሱ ኸምዚ በለ:- “ብዛዕባ መጻኢ ዘሎኒ ስምዒታት ምእንቲ ኪቕየር: ምስቲ ፍጹምን ዘይርአን ኣምላኽ ርክብ ንኽሃንጽ ተስፋ ቕድሚ ምግባረይ: ኣብ ባህርያተይን ኣብ ኣተሓሳስባይን ዓብዪ ለውጢ ምግባር ኣገዳሲ ነበረ። ነቲ ርክብ እቲ ንኽምስርት ዘኽኣለኒ እንኮ መገዲ: መንፈሳዊ ሰብ ምዃን እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ምህላው የጠቓልል ነበረ።”

ነቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ መንፈስ ዜሐድስን ህይወት ዚህብን ማያት ሓቂ እንተ ሰቲኻ: ነቲ መዓልታዊ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ዚውሕዝ መወዳእታ ዘይብሉ ሕማቕ ነገራት ዚከላኸል ናይ ሓቂ ፍቱን መድሃኒት ረኺብካ ኣለኻ ማለት እዩ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ: ንማእሰር ስድራቤት የደልድሎ: ጭንቀት ድማ የፋዅስ። ብዘይካዚ: ኣምላኽ “ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዚጽጋዕ ምእንቲ ኼጽንዖም” ድሉው ምዃኑ ተመባጺዑ ኣሎ። (2 ዜና መዋእል 16:9) ንዅሉ ነገራት ንሱ ዚፈትሖ ብምዃኑ: ዋላ ሓንቲ ዜፍርህ ነገር ኣይህልወካን እዩ።

ሓደ ውግእን ጃምላዊ ቕትለትን ዝረኣየ ፊንሃስ ዚበሃል ውልቀ-ሰብ: “ህይወተይ ኣብ ኢድ እቲ ሓላዪ ዝዀነ የሆዋ ምግባር ተማሂረ እየ። ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቐ ምስዓበይ ካብ ብዙሕ ጸገማት ሰቲሩኒ” በለ። ብሓቂ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እንተ ተወኪልካ: ዝዀነ ይኹን ቀጽሪ ጸበባ ንኽትዘልል ኪሕግዘካ እዩ። (መዝሙር 18:29) ምስ ወለዱ ዚቀራረብ ንእሽቶ ቘልዓ ኺሓምም ከሎ ዀነ ሽግር ኬጋጥሞ ኸሎ: ምሉእ ብምሉእ ኣብ ወለዱ ይውከልን ኣብ ትሕቲ ሓልዮቶም ዕቝባ ይስምዖን እዩ። ኣብ የሆዋ ተስፋ ንኽትገብር ዝቐረበልካ ዕድመ እንተ ተቐቢልካዮን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ እንተ ጽዒርካን: ተመሳሳሊ ስምዒት ኪስምዓካ ይኽእል እዩ።—መዝሙር 37:34

ዜተኣማምን መሰረት ተስፋ

የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ: “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ: ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሉ ነገሮም። (ማቴዎስ 6:9, 10) እታ ብየሱስ ክርስቶስ እትመሓደር ሰማያዊት መንግስቲ እምበኣር: ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዚግብኦ ልዑላውነቱ ዚገልጸላ መገዲ እያ።—መዝሙር 2:7-12፣ ዳንኤል 7:13, 14

እቲ ሎሚ ንህይወት ብዙሓት ሰባት ዚጸሉ ዘሎ በብዓይነቱ ፍርሂ: ኣምላኽ ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ጣልቃ ኺኣቱ ኸም ዘለዎ ዚእምት ንጹር መሐበሪ እዩ። እቲ ዜሐጕስ ከኣ: ኣምላኽ ጣልቃ ዚኣትወሉ ግዜ ቐሪቡ ኣሎ! እቲ ሕጂ መሲሓዊ ንጉስ ብምዃን ካብ ኣምላኽ ንግስና ተቐቢሉ ዘሎ የሱስ ክርስቶስ: ልዑላውነት የሆዋ ንምርግጋጽን ስም ኣምላኽ ንምቕዳስን ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 28:18) ድሕሪ ሓጺር ግዜ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ጠንቅታት ፍርህን ጭንቀትን ምእንቲ ኸተወግዶ: ግዝኣታ ናብ ምድሪ ኸተስፍሕ እያ። ኢሳይያስ 9:6 ንየሱስ ካብ ፍርህና ኺገላግለና ዚኽእል ብቑዕ ገዛኢ ዜማልኦ ነገራት ትገልጽ እያ። ንኣብነት: “ኣቦ ዘለኣለም:” “ግሩም መኻሪ:” (ትርጕም 1990) “መስፍን ሰላም” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።

ነታ “ኣቦ ዘለኣለም” እትብል እትፍቶ መግለጺት እሞ ኣተኵረላ። የሱስ ከምኡ ብምዃኑ: ንእዙዛት ሰባት ብመስዋእታዊ በጃኡ ኣቢሉ ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ኪረኽቡ ተስፋ ንኺህብ ሓይልን ስልጣንን ባህግን ኣለዎ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ኸኣ: ሰባት ኣብ መወዳእታ ኻብቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ዝዀነ ሓጥእ ኣዳም ዝወረስዎ ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ሓራ ኺወጹ እዮም ማለት እዩ። (ማቴዎስ 20:28፣ ሮሜ 5:12፣ 6:23) ብዘይካዚ: ክርስቶስ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እንደገና ህያዋን ንምግባር ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ስልጣኑ ኺጥቀመሉ እዩ።—ዮሃንስ 11:25, 26

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: “ግሩም መኻሪ” ምዃኑ ኣመስኪሩ ነበረ። ብዛዕባ ቓል ኣምላኽ ፍልጠት ስለ ዘለዎን ንተፈጥሮ ደቅሰብ ኣጸቢቑ ስለ ዚርድኦን: ኣብ መዓልታዊ ህይወት ዜጋጥም ጸገማት ብኸመይ ከም ዚፈትሖ ይፈልጥ ነበረ። ኣብ ሰማይ ካብ ዚነግስ ኣትሒዙ እውን: ኣብቲ የሆዋ ንደቅሰብ መልእኽቲ ዜመሓላልፈሉ መትረብ ኣውራ ብምዃን “ግሩም መኻሪ” ዀይኑ የገልግል ኣሎ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ የሱስ ዝሃቦ ምኽሪ: ወትሩ ጥበብ ዝመልኦን ኣበር ዘይብሉን እዩ። ነዚ ምፍላጥካን ምእማንካን: ካብ ስግኣትን ካብ ዜልምስ ፍርህን ሓራ ንኽትከውን ኪሕግዘካ እዩ።

ኢሳይያስ 9:6 ንየሱስ “መስፍን ሰላም” ኢላ እውን ትጽውዖ እያ። ክርስቶስ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ ዘይማዕርነት—ንፖለቲካዊ ዀነ ማሕበራዊ ዀነ ቝጠባዊ—ኬወግዶ እዩ። ብኸመይ፧ ንደቅሰብ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሰላማዊ ግዝኣት መሲሓዊት መንግስቲ ብምእታው እዩ።—ዳንኤል 2:44

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ: ኣብ ብዘላ ምድሪ ነባሪ ሰላም ኪሰፍን እዩ። በዚ ርግጸኛ ኽትከውን እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧ እቲ ምኽንያት ኣብ ኢሳይያስ 11:9 ተገሊጹ ኣሎ: ኣብኡ ኸምዚ ዚብል ነንብብ:- “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ: ኣብ ኵሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ [ካብቶም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ] እከይን ጕድኣትን ዚገብር ኣይኪህሉን እዩ።” ኣብ መወዳእታ: ኵሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰባት ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ኪህልዎምን ንዕኡ እዙዛት ኪዀኑን እዮም። እዚ ተስፋ እዚ የሐጕሰካዶ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ነቲ ኽቡር “ፍልጠት እግዚኣብሄር” ንምቕሳም ኣይትደናጐ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ፍጻመታትን ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ ተገይሩሉ ዘሎ ብሩህ መጻእን ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ብምምርማር: ካብቲ እምነት ዚሃንጽን ህይወት ዚህብን ፍልጠት ኣምላኽ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ስለዚ: ካብቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜቕርብዎ ናጻ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጥቀም ንምሕጸነካ። ኣብዛ ጸበባ ዝመልኣ ዓለም ፍርህኻ ኣወጊድካ ናይ ሓቂ ተስፋ እትረኽበሉ መገዲ እዚ እዩ።

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

መንግስቲ ኣምላኽ ተስፋ እትዀነና ስለምንታይ እያ፧

የሱስ ክርስቶስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን: ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረት ስልጣን ኪህልዎ ኽእለትን መሰልን ተዋሂብዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 28:18) ንኢኮሎጂ: ማለት ነቲ ሓድሕዳዊ ዝምድና ህይወታውያንን ከባቢኦምን ናብ ፍጹም ሚዛኑ ኺመልሶ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሕማምን ሞትን እውን ምልኪ ኣለዎ። እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ተኣምራት: ነቲ ኣብ ግዝኣት እዚ ፍጹምን ዜተኣማምንን ንጉስ ዚህሉ ዝዓበየ በረኸት ከም መርኣዪ ዀይኑ ዝቐረበ እዩ ነይሩ። ካብቲ ኣብዚ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ባህርያት እቲ መሲሓዊ ንጉስ ኣየናይ ይማርኸካ፧

ተቐራቢ።ማርቆስ 10:13-16

ርትዓውን ኣድልዎ ዘይብሉን።ማርቆስ 10:35-45

ሓላፍነት ዚስምዖን ዘይስሱዕን።ማቴዎስ 4:5-7፣ ሉቃስ 6:19

ጻድቕን ፍትሓውን።ኢሳይያስ 11:3-5፣ ዮሃንስ 5:30፣ 8:16

ሓሳብን ሓላይን ትሑትን።ዮሃንስ 13:3-15

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ምስትንታንን ኣብ የሆዋ ተስፋ ኸም እነሕድር ኪገብረና ይኽእል