ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምንጪ እከይ ተቓልዐ!

ምንጪ እከይ ተቓልዐ!

ምንጪ እከይ ተቓልዐ!

ኣብ ቀዳማይ ዘመን: ብዙሓት ኣይሁድ ንምምጻእ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ይጽበዩ ነበሩ። (ዮሃንስ 6:14) የሱስ ምስ መጸ ድማ ምጽንናዕን ፍልጠትን ሒዙ መጸ። ንዝሓመሙ ፈወሰ: ንዝጠመዩ መገበ: ንተፈጥሮኣዊ ሓይልታት ተቘጻጸረ: ንዝሞቱ እውን ኣተንስአ። (ማቴዎስ 8:26፣ 14:14-21፣ 15:30, 31፣ ማርቆስ 5:38-43) ቃል ኣምላኽ ተዛረበ: መብጽዓ ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ ኣተወ። (ዮሃንስ 3:34) በቲ ዚብሎን ዚገብሮን ዝነበረ ነገራት: የሱስ እቲ ንደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ካብ ኵሉ ሳዕቤን እከይን ናጻ ዚገብሮም መሲህ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ኣርኣየ።

መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ንየሱስ ብምቕባል: ንዕኡ ብምስማዕ: ከምኡውን ተሓጕሶም ንመምርሒኡ ብምእዛዝ ዝመጸ ቐዳሞት ኪዀኑ ነበሮም። ከምኡ ግን ኣይገበሩን። ኣብ ክንዳኡስ: ጸልእዎ: ሰጐጕዎ: ንኪቐትልዎ ድማ ውዲት ኣለሙ!—ማርቆስ 14:1፣ 15:1-3, 10-15

የሱስ ነዞም ኪውቀሱ ዚግብኦም ሰባት ኪዅንኖም ሓቁ እዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 23:33-35) ይኹን እምበር: ጠንቂ እቲ ኣብ ልቦም ዝነበረ እከይ ካልእ ከም ዝዀነ ገለጸ። ከምዚ በሎም:- “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ: ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሓሶት ኪዛረብ ከሎ: ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ: ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።” (ዮሃንስ 8:44) የሱስ: ሰባት እኩይ ተግባራት ኪገብሩ ኸም ዚኽእሉ እኳ እንተ ገለጸ: እቲ ቐንዲ ምንጪ እከይ ግን ሰይጣን ድያብሎስ ከም ዝዀነ ሓበረ።

የሱስ: ሰይጣን “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን” ብምባል: እዚ መንፈሳዊ ፍጡር ሓደ እዋን እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ዝነበረን ደሓር ግን ካብታ ቕንዕቲ መገዲ ኸም ዝወጸን ገለጸ። ሰይጣን ካብ የሆዋ ዝዓለወ ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ንኣምላኽ ዚግባእ ኣምልኾ ንኺረክብ ባህጊ ብምሕዳር ንርእሱ ኽብ ኣቢሉ ኺርኢ ጀመረ። aማቴዎስ 4:8, 9

ሰይጣን ንኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን ነታ እተኸልከለት ፍረ ንኺበልዑ ብምትላል ዕልወቱ ኣርኣየ። ነታ ናይ መጀመርታ ሓሶት ብምዝራብን ንየሆዋ ብምክፋእን: ንርእሱ ‘ኣቦ ሓሶት’ ገበራ። ብተወሳኺ እውን ንኣዳምን ሄዋንን መገዲ ዘይምእዛዝ ንኺስዕቡ ብምስዳዕ: ሓጢኣት ከም ዚገዝኦም ገበረ፣ እዚ ድማ ኣብ መወዳእታኡ ኸም ዚሞቱን ነዚ ናብቲ ዚመጽእ ወለዶታት ከም ዜሕልፍዎን ገበረ። በዚ ኸምዚ ሰይጣን ንርእሱ “ቐታል ነፍሲ” ገበራ፣ እወ: ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ቐታሊ ዀነ።—ዘፍጥረት 3:1-6፣ ሮሜ 5:12

እቲ ሰይጣን ዜሕድሮ እኩይ ጽልዋ: ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም እውን በጺሑ እዩ፣ መላእኽቲ ኣብ ዕልወቱ ንኺሓብርዎ ድማ ደፋፍኦም። (2 ጴጥሮስ 2:4) ልክዕ ከም ሰይጣን: እዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኣቶም ኣብ ደቅሰብ ዘይግቡእ ስምዒት ነበሮም። ዘይባህርያዊ ጾታዊ ድሌት ድማ ኣሕደሩ: እዚ ድማ ሓደገኛን ክፉእን ሳዕቤን ኣስዓበሎም።

ምድሪ ብእከይ መልአት

መጽሓፍ ቅዱስ: “ሰብ . . . ኽበዝሕ ምስ ጀመረ: ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም: እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ: መልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረአዩ: ካባታተን ዘዝሐረይወን ኣንስቲ ወሰዱ” ይብል። (ዘፍጥረት 6:1, 2) እዞም “ደቂ ኣምላኽ” ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፧ ሰብኣውያን ዘይኰነስ: መንፈሳውያን ፍጡራት እዮም። (እዮብ 1:6፣ 2:1) ከምዚ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ብቐዳምነት: ኣብ መንጎ ሰባት ዚግበር ሓዳር ኣብቲ ግዜ እቲ ን1,500 ዓመት ኪግበር ዝጸንሐ ብምንባሩ ብፍልይ ዝበለ መገዲ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ኣይነበረን። ስለዚ: እዚ ጸብጻብ እዚ ናብቲ እዞም “ደቂ ኣምላኽ” ስጋ ለቢሶም “ኣዋልድ ሰብ” ብምውሳድ ዝገበርዎ መውስቦ ኸም እነቕልብ ብምግባር: ነቲ ቕድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥን ዘይልሙድን ዝዀነ ነገር ጠቐሰ።

እዚ ነገር እዚ ዘይልሙድ ምዃኑ: ኣብቶም በዚ መውስቦ እዚ እተወልዱ ዘርኢ ተራእየ። እቶም ድቓላታት ነፊሊም ይበሃሉ፣ ዓርሞሸሽ ድማ ኰኑ። ጨቈንቲ እውን ነበሩ። ከመይሲ: “ነፊሊም:” “መውደቕቲ” ወይ “ንኻልኦት ዜውድቑ” ማለት እዩ። እዞም ጨካናት ሰባት እዚኣቶም “እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት” ተባሂሎም ኣለዉ።—ዘፍጥረት 6:4

እዞም ነፊሊምን ኣቦታቶምን ንእከይ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ኣብጽሕዎ። ዘፍጥረት 6:11 “ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት: ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልኤት” ትብል። እወ: ደቅሰብ ነቲ ዓመጻ ዝመልኦ ብልሹው መገድታት እዞም ጓኖት ተቐበልዎ።

እቶም ነፊሊምን ኣቦታቶምን ኣብ ደቅሰብ ከምዚ ዝበለ ሓያል እኩይ ጽልዋ ኼሕድሩ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ነቲ ሓጥእ ዝንባለን ድሌትን ደቅሰብ ብምምዝማዝ እዩ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ “ስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ።” ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ነቲ ጻድቕ ዝነበረ ኖህን ንስድራቤቱን ጥራይ ብምንሓፍ: ብማይ ኣይሂ ገይሩ ነታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ኣጥፈኣ። (ዘፍጥረት 6:5, 12-22) እቶም ስጋ ዝለበሱ መላእኽቲ ግን ብውርደት ናብቲ መንፈሳዊ ዓለም ተመልሱ። እዞም ሕሱራት ኣጋንንቲ እዚኣቶም ንኣምላኽን ነቶም ጻድቃን ስድራቤቱ ዝዀኑ እሙናት መላእኽትን ምቅዋሞም ቀጸሉ። ኣምላኽ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እዞም እኩያት መናፍስቲ ስጋ ንኸይለብሱ ዝኸልከሎም እዩ ዚመስል። (ይሁዳ 6) ይኹን እምበር: ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ሓያል ጽልዋ ኣለዎም።

እቲ እኩይ ምሉእ ብምሉእ ተቓልዐ!

እቲ ሰይጣን ዘሕደሮ እኩይ ጽልዋ ኽሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:19: “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ” ብዚብል ቃላት ተገሊጹ ኣሎ። ድያብሎስ ንደቅሰብ ናብቲ ብርቱዕ ወዮ ንኺኣትዉ የታልሎም ኣሎ። ከመይሲ: ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ጕድኣት ንኼወርድ ቈሪጹ እዩ ዘሎ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንሱን ኣጋንንቱን መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ምስ ቈመት: ካብ ሰማይ ተሰጉ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ብዚምልከት “ኣቱም ምድሪ . . . ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም” ኢሉ ተነብዩ ነበረ። (ራእይ 12:7-12) ሰይጣን ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ደቅሰብ ጽልዋ ዜሕድር ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

ሰይጣን ነዚ ዚገብረሉ ቐዳማይ መገዲ: ንሓሳብን ግብርን ሰባት ዚቈጻጸር መንፈስ ከም ዚሰፍን ብምግባር እዩ። ኤፌሶን 2:2 ንድያብሎስ “ከምቲ መንፈሱ [ወይ ዓብላሊ ኣረኣእያ] ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር” ኢሉ ምጽዋዑ እምበኣር ግቡእ እዩ። እዚ ኣጋንንታዊ “ኣየር” እዚ ፍርሃት ኣምላኽን ሰናይ ተግባርን ንኺህሉ ዜተባብዕ ዘይኰነስ: ካብ ኣምላኽን መለክዒታቱን ምዕላው ከም ዜስፋሕፍሕ እዩ ዚገብር። በዚ ኸምዚ ድማ እዮም ሰይጣንን ኣጋንንቱን ነቲ ብደቅሰብ ዚፍጸም እከይ ከም ዚድንፍዕን ከም ዚገድድን ዚገብሩ ዘለዉ።

“ንልብኻ ሐልዎ”

ሓደ ኻብቲ እዚ “ኣየር” እዚ ዚረኣየሉ መገድታት: እቲ ዘይግቡእ ጾታዊ ድሌት ዜለዓዕል ከምኡውን ንዘይንቡር ተግባር ከም ዚስሕብ ገይሩ ዜቕርብ ስእለ-ጽዩፍ እዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:3-5) ካብቲ ስእለ-ጽዩፍ ከም መዘናግዒ ገይሩ ዜቕርቦ ነገራት: ምግሳስ: ምስቓይ: ብጕጅለ ምግሳስ: ምስ እንስሳ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም: ንቘልዑ ብጾታ ምግሳስ ይርከቦ። እቲ ዝሓሸ ዚበሃል ስእለ-ጽዩፍ እውን እንተ ዀነ: ወልፊ ዜትሕዝን ነቶም ዚርእይዎን ዜንብብዎን ሰባት ዚጐድእን ኪኸውን ይኽእል እዩ። b እዚ ስእለ-ጽዩፍ እዚ ምስ ሰባትን ምስ ኣምላኽን ንዘሎካ ርክብን ዜበላሹ እከይ እዩ። ንሕሱር ኣተሓሳስባ እቶም ኬስፋሕፍሕዎ ዚደልዩ ኣጋንንቲ ዜርኢ እዩ፣ እዚኣቶም ካብቲ ኖህ ዝነበረሉ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ግዜ ኣትሒዞም ዘይግቡእ ጾታዊ ድሌት ዘርኣዩ ዓለወኛታት እዮም።

እቲ ጥበበኛ ሰሎሞን “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ኢሉ ምዕዶ ምሃቡ እምበኣር ሓቁ እዩ። (ምሳሌ 4:23) ንልብና ኻብ ስእለ-ጽዩፍ ክንሕሉ ኣሎና ንዚብል ሓሳብ ግብራዊ ምግባር ኪበሃል ከሎ: ነውራም ስእሊ ኺመጽእ ከሎ ነቲ መደብር ተለቪዥን ምቕያር ወይ ነታ ኮምፕዩተር ምጥፋእ ማለት እዩ። ነዚ ብቕልጡፍን ብቘራጽነትን ምግባር ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ! ንርእስኻ ሓደ ናብ ልቡ እተዓለመ ቐስቲ ንኺከላኸል ዚጽዕር ዘሎ ዓቀይታይ ከም ዝዀንካ ጌርካ እስከ ሕሰብ። ሰይጣን ንምሳልያዊ ልብኻ: ማለት ንምንጪ ድራኸኻን ድሌትካን እዩ ኣብ ዕላማ ዜእትዎ፣ ኪምርዞ ኸኣ እዩ ዚደሊ።

ሰይጣን: ‘ንፈታው ግፍዒ ነፍሲ የሆዋ ኸም እትጸልኦ’ ስለ ዚፈልጥ: ንልብኻ ዓመጻ ኻብ ምፍታው ክትከላኸለሉ ኣሎካ። (መዝሙር 11:5) ሰይጣን: ጸላኢ ኣምላኽ ንኽትከውን ጽምኢ ደም ዘለዎ ገበነኛ ኺገብረካ ኣየድልዮን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ ውሽጥኻ ፍቕሪ ዓመጻ ኸም እተማዕብል እዩ ዚገብረካ። እቲ ህቡብ መራኸቢ ብዙሓን: መብዛሕትኡ ግዜ ብዝረቐቐ መገዲ ዓመጻ ዝመልአ ምዃኑ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን። እቶም ነፊሊም ሞይቶም እዮም: ባህርያቶምን ጠባዮምን ግን ህያው እዩ ዘሎ! ናይ መዘናግዒ ምርጫኻ ንውዲት ሰይጣን ከም እትቃወሞ ዜርኢ ድዩ፧—2 ቈረንቶስ 2:11

ነቲ እኩይ ጽልዋ ሰይጣን ክትቃወሞ እትኽአል ብኸመይ ኢኻ፧

እቲ እከይ ዘለዎ ሓይሊ ኽትጻረሮ ዘይከኣል ኪመስል ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: እቶም ንኣምላኽ ባህ ኬብልዎ ዚጽዕሩ ሰባት ምስቲ ዘይፍጹም ስጋኦም ጥራይ ዘይኰነስ: ‘ምስ መናፍስቲ እከይ ከም ዚቃለሱ’ እውን ይገልጽ እዩ። ኣብዚ ቓልሲ እዚ ዕዉት ንምዃንን ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብን: ነቲ ኣምላኽ ዘዳለወልና ብዙሕ መሰናድዎታት ክንጥቀመሉ ኣሎና።—ኤፌሶን 6:12፣ ሮሜ 7:21-25

እዚ መሰናድዎ እዚ: ነቲ ኻብ ኵሉ ዝበርትዐ ሓይሊ ዝዀነ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዜጠቓልል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት “ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር: መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን” ብምባል ጸሓፈሎም። (1 ቈረንቶስ 2:12) እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዚፈትዎ ይፈትዉ: ነቲ ንሱ ዚጸልኦ ድማ ይጸልኡ። (ኣሞጽ 5:15) ሓደ ሰብ መንፈስ ቅዱስ ኪቕበል ዚኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧ ብቐዳምነት ብጸሎት: ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተጻሕፈ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ: ከምኡውን ምስቶም ንኣምላኽ ብሓቂ ዜፍቅርዎ ሰባት ብምሕባር እዩ።—ሉቃስ 11:13፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16፣ እብራውያን 10:24, 25

ነዚ ኣምላኽ ዝገበሮ መሰናድዎ እዚ ብምጥቃም: “ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ” ከተልዕል ትጅምር፣ እዚ ድማ “ንፍሕሶ ሰይጣን” ንምቅዋም ዜኽእል እንኮ መከላኸሊ እዩ። (ኤፌሶን 6:11-18) ነዚ መሰናድዎ እዚ ምሉእ ብምሉእ ምጥቃም: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህጹጽ እዩ። ብኸመይ፧

እከይ ዜብቅዓሉ ግዜ ቐሪቡ!

እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ረሲኣን ከም ሳዕሪ እንተ ለምለሙ: ኵሎም ገበርቲ እከይውን እንተ ዐምበቡ: ንሓዋሩ ምእንቲ ኺጠፍኡ እዩ” በለ። (መዝሙር 92:7) እወ: ልክዕ ከምቲ ብግዜ ኖህ እተራእየ: እከይ ኪበዝሕ ከሎ: ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዝቐረበ ዚሕብር መርትዖ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ እኩያት ደቅሰብ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ኣጋንንቱን እውን ዚወርድ እዩ፣ ብድሕርዚ: ሓንሳእን ንሓዋሩን ናብ መዓሙቝ ኪድርበዩ: ኣብኡ ድማ እቲ ዘይተርፍ ጥፍኣቶም ኪጽበዩ እዮም። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ ራእይ 20:1-3, 7-10) ነዚ ፍርዲ እዚ ዚፍጽሞ መን እዩ፧ ካብ የሱስ ክርስቶስ ሓሊፉ ኻልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ፣ ብዛዕባኡ: “ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ” ዚብል ነንብብ።—1 ዮሃንስ 3:8

እከይ ኬብቅዕ ሃረር ትብልዶ፧ ሃረር ትብል እንተ ዄንካ: በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓታት ክትጸናናዕ ትኽእል ኢኻ። ከም መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ነቲ ምንጪ እከይ ዝዀነ ሰይጣን ዜቃልዕ ከምኡውን ንሱን ኵሉ እኩይ ግብሩን ኣብ መወዳእታ ኸም ዚጠፍእ ዚሕብር ካልእ መጽሓፍ የልቦን። እምበኣር: ኣብዚ እዋን እዚ ንርእስኻ ኻብ እኩይ ጽልዋ ሰይጣን ንኽትከላኸለላን ኣብታ ኻብ እከይ ናጻ ዝዀነት ዓለም ንምንባር ዘሎካ ተስፋ ዜተኣማምን ንምግባርን: ርጡብ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺህልወካ ምሕጽንታ ነቕርበልካ።—መዝሙር 37:9, 10

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ደሓር ሰይጣን ዝዀነ መልኣኽ: ናይ ፈለማ ስሙ መን ምዃኑ ኣይፍለጥን እዩ። እተን “ሰይጣን” ከምኡውን “ድያብሎስ” ዚብላ ቓላት ግን: “ተጻራሪ:” “መካፍኢ” ማለት እየን። እቲ ሰይጣን ዝመረጾ መገዲ ብሓድሓደ መዳያቱ ምስቲ ንጉስ ጥንታዊት ጢሮስ ዝመረጾ ይመሳሰል እዩ። (ህዝቅኤል 28:12-19) ክልቲኦም ብዘይ ኣበር እኳ እንተ ጀመሩ: ደሓር ግን ተዓበዩ።

b ነታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት “ስእለ-ጽዩፍ—ዘይጓዳእ ወይስ ጐዳኢ፧” ዘርእስታ ኣብ ናይ 22 ሰነ 2003 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት ዓንቀጽ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ምስ ሓቂ ዚመሳሰል ኣፈ-ታሪኽ

ኣብ መላእ ዓለም: ብዛዕባ ሓውሲ ኣማልኽቲ: ዓርሞሸሻት: ከምኡውን ብዛዕባ ዜስካሕክሕ ማይ ኣይሂ ዜዘንቱ ጥንታዊ ኣፈ-ታሪኻት ኣሎ። ንኣብነት: እቲ ብኣካድኛ እተጻሕፈ ብዛዕባ ጊልጋመሽ ዚገልጽ ቅያ: ማይ ኣይህን መርከብን ዝደሓኑ ሰባትን ይጠቅስ። ጊልጋመሽ ከኣ ከም ሓደ ህሩፍን ዓመጸኛን ሓውሲ ኣምላኽ ተገይሩ እዩ ተጠቒሱ ዘሎ። ኣፈ-ታሪኽ ኣዝቴክ ብዛዕባ ሓንቲ ዓርሞሸሻት ዚነብሩላ ዝነበሩ ጥንታዊ ዓለምን ማይ ኣይሂን ይገልጽ እዩ። ኣፈ-ታሪኽ ስካንዲነቭያውያን ከኣ ብዛዕባ ዓሌት ዓርሞሸሻት ከምኡውን ብዛዕባ ሓደ በርገልሚር ዝስሙ ዓባይ መርከብ ብምስራሕ ንርእሱን ንሰበይቱን ዘድሓነ ጥበበኛ ሰብኣይ የዘንቱ እዩ። እዚ ዅሉ ኣፈ-ታሪኽ ዜዘንትዎ ነገራት: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ሓሳብ ዚድግፍ እዩ፣ እዚ ኸኣ ኵሎም ሰባት ካብቶም ነታ ጥንታዊት ዓለም ዝወረዳ ጥፍኣት ማይ ኣይሂ ዝደሓኑ ሰባት እተወልዱ እዮም።

[ስእሊ]

ቅያ ጊልጋመሽ እተጻሕፎ ጽላት

[ምንጪ ስእሊ]

The University Museum, University of Pennsylvania (neg. # 22065)

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

እቶም ነፊሊም ዘርኣይዎ ባህርያት ኣብዞም ሕጂ ዘለዉ ሰባት ይርአ ኣሎ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ርጡብ ፍልጠት ንጽልዋ ሰይጣን ንኽንቃወሞ ይሕግዘና