ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣረጋውያን ንመንእሰያት በረኸት እዮም

ኣረጋውያን ንመንእሰያት በረኸት እዮም

ኣረጋውያን ንመንእሰያት በረኸት እዮም

“ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ: ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ: ዎ ኣምላኽ: ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።”—መዝሙር 71:18

1, 2. እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ እዮም ኪፈልጡ ዘለዎም፧ ቀጺልናኸ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

 ሓደ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዚነብር ክርስትያን ሽማግለ ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ቕቡእ ክርስትያን ኪበጽሖ ኸደ፣ “ከመይ ኣለኻ፧” ኢሉ ድማ ሓተቶ። እቲ ቕቡእ ሓው ብኣካላዊ ምንቅስቓስ እናኣርኣየ: “ክጐዪ: ክሰራሰር: ክዘልል: ከምኡውን ክነጥር እኽእል እየ። ክነፍር ግን ኣይክእልን እየ” በሎ። እቲ ኼመሓላልፎ ደልዩ ዝነበረ ነገር ርዱእ እዩ። ‘ነቲ ኽገብሮ ዝኽእል ነገር ተሓጒሰ እገብሮ እየ። ነቲ ዘይክእሎ ግን ኣይገብሮን እየ’ እዩ ዚብል ነይሩ። እቲ ሽዑ ኺበጽሖ ዝኸደ ሽማግለ: ሕጂ ወዲ 80 ዓመት ኰይኑ ኣሎ፣ ነቲ ዋዛኡን ዘርኣዮ ተኣማንነትን ድማ ይዝክሮ እዩ።

2 ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ዜንጸባርቖ ኣምላኻዊ ባህርያት: ኣብ ካልኦት ሰባት ነባሪ ጦብላሕታ ኼሕድር ይኽእል እዩ። ሓቂ እዩ: ጥበብን ከም ናይ ክርስቶስ ዝኣመሰለ ባህርያትን ብዕድመ ጥራይ ኣይመጽእን እዩ። (መክብብ 4:13) መጽሓፍ ቅዱስ “ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ: እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ” ይብል። (ምሳሌ 16:31) ብዕድመ ዝደፋእካ እንተ ዄንካ: እትዛረቦ ነገርን ተግባርካን ንኻልኦት ብጽቡቕ ኪጸልዎም ከም ዚኽእል ትፈልጥዶ፧ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ንምንኣሶም ክሳዕ ክንደይ ከም ዚጸልውዎም ዜርኢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ገለ ኣብነታት እስከ ርአ።

ዓብዪ ጽልዋ ዘለዋ እምነት

3. ተኣማንነት ኖህ ነዞም ሕጂ ዚነብሩ ዘለዉ ሰባት ዝጸለዎም ብኸመይ እዩ፧

3 እታ ኖህ ዝነበረቶ እምነት ከምኡውን ዘርኣያ ጽንዓት: ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ዚበጽሕ ጥቕሚ ኣፍርያ እያ። ኖህ ነታ መርከብ ኪሃንጻ: እንስሳታት ኪእከብ: ነቶም ጐረባብቱ ኺሰብኽ ከሎ: ዕድሚኡ ናብ 600 ዓመት ገጹ ይጸጋጋዕ ነበረ። (ዘፍጥረት 7:6፣ 2 ጴጥሮስ 2:5) ኣምላኻዊ ፍርሃት ስለ ዝነበሮ: ምስ ስድራቤቱ ዀይኑ ኻብቲ ማይ ኣይሂ ደሓነ፣ ኣቦሓጎ ዅሎም እዞም ሕጂ ዘለዉ ሰባት ድማ ኰነ። ሓቂ እዩ: ኖህ ኣብቲ ዕድመ ሰብ ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ነዊሕ ዝነበረሉ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ኰይኑ ግን: ብዕድመ ኣዝዩ ደፊኡሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እውን እሙን ነበረ፣ እዚ ኸኣ ኣገዳሲ በረኸት ኣምጽአ። ብኸመይ፧

4. እታ ኖህ ዘርኣያ ትዕግስቲ: ነዞም ሕጂ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እትጠቕሞም ብኸመይ እያ፧

4 ኒምሮድ ነቲ “ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ” ዚብል ትእዛዝ የሆዋ ብምጥሓስ ንግምቢ ባቤል ምህናጽ ኪጅምር ከሎ: ኖህ ዳርጋ ወዲ 800 ዓመት ነበረ። (ዘፍጥረት 9:1፣ 11:1-9) ኖህ ኣብ ዕልወት ኒምሮድ ኣይተኻፈለን። ስለዚ ድማ: ነቶም ዓለወኛታት ቋንቋኦም ኪደባለቖም ከሎ: ንዕኡ ግን ቋንቋኡ ኸይተቐየረ ቐጺሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ኖህ ብግዜ እርጋኑ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ብምሉኡ እቲ ነዊሕ ህይወቱ ዘርኣዮ እምነትን ጽንዓትን ኣብ ኵሉ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪቐድሕዎ ዚግባእ እዩ።—እብራውያን 11:7

ኣብ ስድራቤት ዜሕድርዎ ጽልዋ

5, 6. (ሀ) የሆዋ ንኣብርሃም ወዲ 75 ዓመት ከሎ እንታይ ንኺገብር ነገሮ፧ (ለ) ኣብርሃም ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ትእዛዝ ብኸመይ ምላሽ ሃበሉ፧

5 ኣረጋውያን ኣብ እምነት ኣባላት ስድራቤቶም ጽልዋ ኼሕድሩ ኸም ዚኽእሉ: ካብ ኣነባብራ እቶም ድሕሪ ኖህ ዝነበሩ ኣበው ኪርአ ይከኣል እዩ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ወዲ 75 ዓመት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምዚ በሎ:- “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ: ንስምካውን ከዕብዮ እየ: ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ።”—ዘፍጥረት 12:1, 2

6 ንዓድኻ: ንፈተውትኻ: ንእተወለድካሉ ቦታ: ከምኡውን ንቤተሰብካ ሓዲግካ ናብ ዘይትፈልጦ ቦታ ኽትከይድ ኪንገረካ ኸሎ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣብርሃም ከምዚ ኺገብር እዩ ተነጊርዎ። “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደ:” ምሉእ ዕድሚኡ ድማ ኣብ ምድሪ ከነኣን ከም መጻእተኛ ዀይኑ ኻብ ቦታ ናብ ቦታ እናኸደ ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። (ዘፍጥረት 12:4፣ እብራውያን 11:8, 9) የሆዋ “ዓብዪ ህዝቢ” ኸም ዚገብሮ እኳ እንተ ነገሮ: ኣብርሃም ግን ዘርኡ ብዙሓት ቅድሚ ምዃኖም ሞተ። እታ ሰበይቱ ዝነበረት ሳራ: ኣብታ ምድሪ ተስፋ ን25 ዓመት ድሕሪ ምንባሩ: ይስሃቅ ዝስሙ ወዲ ወለደትሉ። (ዘፍጥረት 21:2, 5) ኰይኑ ግን: ኣብርሃም ተሓሊሉ ናብታ ዝመጽኣላ ኸተማ ኣይተመልሰን። ከመይ ዝበለ ኣብነት እምነትን ትዕግስትን ኰን እዩ!

7. እታ ኣብርሃም ዘርኣያ ትዕግስቲ ኣብ ወዱ ይስሃቅ እንታይ ጽልዋ ነበራ፧ እዚኸ ምስ ደቅሰብ ዚተሓሓዝ እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧

7 እታ ኣብርሃም ዘርኣያ ትዕግስቲ: ኣብቲ ምሉእ ህይወቱ: ማለት ን180 ዓመት ኣብ ምድሪ ከነኣን መጻእተኛ ዀይኑ ዚነብር ዝነበረ ወዱ ይስሃቅ ዓብዪ ጽልዋ ነበራ። እታ ይስሃቅ ዘርኣያ ትዕግስቲ: መብጽዓ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ኣብ ዝነበሮ እምነት እተመርኰሰት ነበረት፣ እዛ እምነት እዚኣ እቶም ብዕድመ ደፊኦም ዝነበሩ ወለዱ ዝተኸሉሉ ኸምኡውን በቲ ደሓር የሆዋ ዝበሎ ነገራት ዝደልደለት እያ። (ዘፍጥረት 26:2-5) እቲ ይስሃቅ ዘርኣዮ ጽንዓት: ኣብ ፍጻመ እቲ የሆዋ ኸም ዚመጽእ እተመባጽዖ “ዘርኢ” ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ እዩ፣ እዚ “ዘርኢ” እዚ ኻብ ወለዶ ኣብርሃም ዚመጽእ ኰይኑ ንዅሎም ደቅሰብ በረኸት ዜምጽእ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ኣማእታት ዓመታት: እቲ ቐንዲ ኽፋል እቲ ዘርኢ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ነቶም ኣብኡ እምነት ዝነበሮም ሰባት ምስ ኣምላኽ ዚተዓረቑሉን ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚረኽቡሉን መገዲ ኸፈተሎም።—ገላትያ 3:16፣ ዮሃንስ 3:16

8. ያእቆብ ድልድልቲ እምነት ከም ዝነበረቶ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧

8 ይስሃቅ ድማ ብተራኡ ንወዱ ያእቆብ: ነታ ብግዜ እርጋኑ ዘናበረቶ ድልድልቲ እምነት ክትህልዎ ሓገዞ። ያእቆብ በረኸት ንኺረክብ ኢሉ ምሉእ ለይቲ ምስ መልኣኽ ኣብ እተቓለሰሉ እዋን: ወዲ 97 ዓመት ነበረ። (ዘፍጥረት 32:24-28) ወዲ 147 ዓመት ኰይኑ ቕድሚ ሙማቱ: ነቶም 12 ደቁ ንነፍሲ ወከፎም ኪምርቖም እኹል ሓይሊ ነበሮ። (ዘፍጥረት 49:1-28) እዚ ኣብ ዘፍጥረት 49:1-28 ተመዝጊቡ ዚርከብ ትንቢታዊ ቓላት: ሓቂ ዀይኑ ተረኽበ፣ ፍጻሜኡ ድማ ክሳዕ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ።

9. ብመንፈስ ዝበሰሉ ኣረጋውያን ኣብ ልዕሊ ስድራቤቶም ኬሕድርዎ ብዛዕባ ዚኽእሉ ጽልዋ እንታይ ኪበሃል ይከኣል፧

9 እምበኣር: እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስድራቤቶም ሰናይ ጽልዋ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ምስቲ ንሳቶም ዚህብዎ ጥበባዊ ምኽርን ኣብነት ጽንዓቶምን ብሓደ ተደሚሩ: እቶም ምንኣሶም ዘበሉ ድልዱል እምነት ንኺህልዎም ኣብ ምውሳን ዓብዪ ለውጢ ኼምጽእ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 22:6) ኣረጋውያን ንስድራቤቶም ሰናይ ነገር ኪገብሩ ንምድራኽ ዘለዎም ሓያል ጽልዋ ኣቕሊሎም ኪርእይዎ የብሎምን።

ኣብ ኣመንቲ ብጾቶም ዜሕድርዎ ጽልዋ

10. እቲ ዮሴፍ ‘ንኣዕጽምቱ ብዚምልከት ዝሃቦ ትእዛዝ’ እንታይ እዩ፧ እዚኸ እንታይ ጽልዋ ነበሮ፧

10 ኣረጋውያን ኣብ ኣመንቲ ብጾቶም እውን ሰናይ ጽልዋ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም። እቲ ወዲ ያእቆብ ዝነበረ ዮሴፍ: ብዕድመ ምስ ደፍአ ሓንቲ እምነት እትሓትት ቀላል ነገር ገበረ፣ እዚ ድማ ኣብቶም ብድሕሪኡ ዝነበሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ዓሚቝ ጽልዋ ነበሮ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኺወጹ ኸለዉ: ንኣዕጽምቱ ምስኦም ንኺማልእዎ “ብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ” ኪህብ ከሎ ወዲ 110 ዓመት ነበረ። (እብራውያን 11:22፣ ዘፍጥረት 50:25) እዚ ትእዛዝ እዚ: ኣብቲ ንሞት ዮሴፍ ስዒቡ ዝመጸ እስራኤላውያን ንብዙሕ ዓመታት ዘሕለፍዎ ኸቢድ ባርነት ከም ተወሳኺ ጩራ ተስፋ ዀይኑ ኣገልገለ፣ ምድሓኖም ከም ዚመጽእ ድማ መረጋገጺ ዀኖም።

11. እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሙሴ ኣብ እያሱ ኸመይ ዝበለ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ፧

11 ሙሴ ኻብ መንጎ እቶም ብመግለጺ እምነት ዮሴፍ እተተባብዑ ሰባት ነበረ። ወዲ 80 ዓመት ከሎ: ንኣዕጽምቲ ዮሴፍ ካብ ግብጺ ናይ ምድያብ ኣጋጣሚ ረኸበ። (ዘጸኣት 13:19) ኣብቲ ግዜ እቲ ምስቲ ብዕድመ ኣጸቢቑ ኻብኡ ዚንእስ ዝነበረ እያሱ ተራኸበ። ኣብተን ስዒበን ዝነበራ 40 ዓመት ድማ እያሱ ኣገልጋሊ ሙሴ ዀይኑ ዓየየ። (ዘሁልቍ 11:28) እያሱ ንሙሴ ኽሳብ ከረን ሲና ኣሰነዮ፣ ሙሴ ነተን ጽላት ምስክር ሒዙ ኻብቲ ኸረን ኪወርድ ከሎ ድማ ተቐበሎ። (ዘጸኣት 24:12-18፣ 32:15-17) እቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ሙሴ ንእያሱ ብሱል ምኽርን ጥበብን ኣካፊልዎ እዩ!

12. እያሱ ብህይወት ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት ኵሉ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ሰናይ ጽልዋ ዘሕደረ ብኸመይ እዩ፧

12 እያሱ እውን ብተራኡ ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ንህዝቢ እስራኤል ኣተባብዖም። መሳፍንቲ 2:7 “እቶም ህዝቢ ድማ: ብዅሉ ዘበን እያሱን ብዅሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ዓብዪ ግብሪ ዝረአዩ ዓበይትን: ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ” ትብል። ይኹን እምበር: እያሱን ካልኦት ዓበይትን ምስ ሞቱ: እቶም ህዝቢ ን300 ዓመት ኣብ መንጎ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ኣምልኾ ሓንከሱ፣ እዚ ድማ ናብቲ ሳሙኤል ዝነበረሉ ግዜ ዚመርሕ እዩ ነይሩ።

ሳሙኤል ‘ጽድቂ ገበረ’

13. ሳሙኤል ‘ጽድቂ ንምግባር’ እንታይ ፈጸመ፧

13 ሳሙኤል ኪመውት ከሎ ወዲ ኽንደይ ዓመት ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነግረናን እዩ: እቲ ኣብ ቀዳማይ ሳሙኤል ዘሎ ፍጻመታት ግን 102 ዓመት ዚሽፍን እዩ፣ ሳሙኤል ድማ ንመብዛሕትኡ እዚ ፍጻመታት እዚ ብዓይኑ ርእይዎ እዩ። እብራውያን 11:32, 33 ብዛዕባ እቶም ቅኑዓት ፈራዶን ነብያትን ክትገልጽ ከላ: “ጽድቂ ገበሩ” ትብል። እወ: ሳሙኤል ነቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ካብ ሓጢኣት ንኺርሕቁ ጽልዋ ኣሕዲሩሎም እዩ። (1 ሳሙኤል 7:2-4) ብኸመይ እዩ ኸምዚ ገይሩ፧ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንየሆዋ እሙን ነበረ። (1 ሳሙኤል 12:2-5) ንንጉስ እውን ከይተረፈ ሓያል ምኽሪ ንምሃብ ድሕር ኣይበለን። (1 ሳሙኤል 15:16-29) ብተወሳኺ: ሳሙኤል ‘ኣሪጉን ሸይቡን’ ከሎ: ኣብ ክንዲ ኻልኦት ብምጽላይ ኣብነት ኪኸውን ዚኽእል ኣረኣእያ ኣንጸባረቐ። ምእንቲ እቶም ብጾቱ ዝነበሩ እስራኤላውያን “ምልማን ብምሕዳገይ ንእግዚኣብሄር ምብዳልሲ ኻባይ ይርሐቕ” ድማ በለ።—1 ሳሙኤል 12:2, 23

14, 15. ሎሚ ዘለዉ ኣረጋውያን ብጸሎት ዝመጸ ንሳሙኤል ኪመስልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

14 እዚ ዅሉ: ኣረጋውያን ኣብቶም ብጾቶም ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋ: ሰናይ ጽልዋ ኼሕድሩ ኸም ዚኽእሉ ዜጕልሕ እዩ። እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ብሰንኪ ጥዕና ወይ ካልእ ኵነታት ዓቕሞም ድሩት እኳ እንተ ዀነ: ምእንቲ ኻልኦት ኪጽልዩ ይኽእሉ እዮም። ኣቱም ኣረጋውያን: እቲ እተቕርብዎ ጸሎት ነታ ጉባኤ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዚጠቕማ ትፈልጡዶ፧ ብምኽንያት እቲ ኣብ ደም የሱስ ዘሎኩም እምነት: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ዘለዎ ኣቕዋም ኣሎኩም፣ መዝገብ ትዕግስቲ ስለ ዘሎኩም ድማ እምነትኩም ‘ተፈቲና’ እያ። (ያእቆብ 1:3፣ 1 ጴጥሮስ 1:7) ኣይትረስዑ: “ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።”—ያእቆብ 5:16

15 እቲ ንዕዮ መንግስቲ የሆዋ ንምድጋፍ እተቕርብዎ ጸሎት ኣገዳሲ እዩ። ገሊኦም ኣሕዋትና ብምኽንያት ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ። ካልኦት ድማ ግዳይ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ውግእን ሲቭላዊ ግጭትን ኰይኖም እዮም። ካልኦት ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ እውን ፈተናታትን መስጐጕትን የጋጥሞም እዩ። (ማቴዎስ 10:35, 36) ነቶም ንዕዮ ስብከት ዚምልከት ሓላፍነት ዘለዎምን ንጉባኤታት ዚሕልዉን ከኣ ብስሩዕ ክትጽልዩሎም የድሊ እዩ። (ኤፌሶን 6:18, 19፣ ቈሎሴ 4:2, 3) ልክዕ ከም ኤጳፍራስ: ንኣሕዋትኩም ኣብ ጸሎትኩም ክትጠቕስዎም ከለኹምሲ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ሰናይ እዩ!—ቈሎሴ 4:12

ነቲ ዚመጽእ ወለዶ ምምሃር

16, 17. እቲ ኣብ መዝሙር 71:18 እተነገረ ትንቢት እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ተፈጺሙ፧

16 እቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” ምስቶም ሰማያዊ ጽውዓ ዘለዎም እሙናት “ሒደት መጓሰ” ምሕባሮም: ኣገዳሲ ስልጠና ኺረኽቡ ኽኢሎም እዮም። (ሉቃስ 12:32፣ ዮሃንስ 10:16) እዚ ድማ ኣብ መዝሙር 71:18 ብትንቢት ተነጊሩ ነበረ፣ እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትንበብ:- “ነዚ ወለዶዚ ቕልጽምካ: ነቲ ዚመጽእውን ስልጣንካ ኽሳዕ ዘበስሮምሲ: ዎ ኣምላኽ: ብእርግናይ ምስ ሸየብኩ እኳ ኣይትሕደገኒ።” እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ: ኣብ ጐድኒ የሱስ ክርስቶስ ብምዃን ክብሪ ቕድሚ ምርካቦም: ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ንተወሳኺ ሓላፍነታት ንምስልጣን ዓሚቝ ድሌት ኣለዎም።

17 እቲ ኣብ መዝሙር 71:18 ተጠቒሱ ዘሎ ነቲ “ዚመጽእ” ወለዶ ብዛዕባ ምስልጣን ዚገልጽ ሓሳብ: ብመሰረቱ ኣብቶም ብኣምላኽ ካብ እተቐብኡ ክርስትያናት መምርሒ እተቐበሉ ኻልኦት ኣባጊዕ እውን ዚውዕል እዩ። የሆዋ: እዞም ኣረጋውያን ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ሓቂ ኣምልኾ እተቐበሉ ሰባት ብዛዕባኡ ንኺምስክሩሎም ፍሉይ ኣጋጣሚ ሂብዎም ኣሎ። (ዮኤል 1:2, 3) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ካብቶም ቅቡኣት ትምህርቲ ምርካቦም ከም በረኸት እዮም ዚርእይዎ: ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትምህርቲ እዚ ድማ ነቶም ንየሆዋ ኼገልግልዎ ዚደልዩ ሰባት ኬካፍልዎም ይድረኹ እዮም።—ራእይ 7:9, 10

18, 19. (ሀ) ብዙሓት ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ ክቡር ሓበሬታ እዮም ኬማቕሉ ዚኽእሉ፧ (ለ) ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ብዛዕባ እንታይ እዮም ርግጸኛታት ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

18 እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣገልገልቲ የሆዋ: ቅቡኣት ይኹኑ ኻልኦት ኣባጊዕ ብዘየገድስ: ምስ ታሪኻዊ ፍጻመታት ኣገዳሲ ምትእስሳር ነይርዎም እዩ። ካብቶም ሒደት ሕጂ ብህይወት ዘለዉ ሰባት: እታ “ፎቶ-ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ንፈለማ እዋን ክትርአ ኸላ ነበሩ። ገሊኦም ድማ ነቶም 1918 ተኣሲሮም ዝነበሩ ሓላፍነት ዝነበሮም ኣሕዋት ብኣካል ይፈልጥዎም እዮም። ገሊኦም እውን ኣብቲ ዳብሊው.ቢ.ቢ.ኣር. ዚበሃል መደበር ራድዮ ግምቢ ዘብዐኛ ተኻፊሎም እዮም። ብዙሓት ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሃይማኖታዊ ናጽነት ንምርካብ ኣብ ዝለዓለ ኣብያተ-ፍርዲ እተገብረ ቓልሲ ኼዘንትዉ ይኽእሉ እዮም። ካልኦት ድማ ኣብ ትሕቲ ስርዓታት ውልቀ-መለኽቲ ኽነሶም: ኣብ ጐድኒ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ጸኒዖም ደው በሉ። ኣብ ርእሲ እዚ እውን: እቲ ብዛዕባ ሓቂ ዝነበረ ምርዳእ ብኸመይ ቀስ ብቐስ ከም ዝበርሀ ርእዮምዎ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ካብዚ ብዙሕ ተመክሮ እዚ ኽንጥቀም የተባብዓና እዩ።—ዘዳግም 32:7

19 ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ንምንኣሶም ሰናይ ኣብነት ኪዀንዎም ተማዒዶም ኣለዉ። (ቲቶስ 2:2-4) ምናልባት ትዕግስትኻን ጸሎትካን ምኽርኻን ኣብ ካልኦት ዜሕድሮ ጽልዋ ሕጂ ኣይረኣየካን ይኸውን። ኖህን ኣብርሃምን ዮሴፍን ሙሴን ካልኦትን እቲ ዘርኣይዎ ተኣማንነት ኣብቶም ስዒቦም ዝመጹ ወለዶ ዝነበሮ ጽልዋ ምሉእ ብምሉእ ኣይፈልጡን ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ መዝገብ እምነቶምን ንጽህናኦምን ግን ዓብዪ ጽልዋ ነበሮ: ናትካ እውን ከምኡ እዩ።

20. እቶም ንተስፋኦም ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዖም ዚዕቅቡ ሰባት እንታይ በረኸት እዩ ዚጽበዮም፧

20 ካብቲ ዓብዪ “መከራ” ብህይወት ሓሊፍካ ይኹን ተንሲእካ: ነቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” ምርካብሲ ኽሳዕ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ! (ማቴዎስ 24:21፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:19) ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ: የሆዋ ነቲ እርጋን ዜምጽኦ ሳዕቤን ኬልግሶ ኸሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ኣካላትና ብዘይ ምቍራጽ እናኣንቈልቈለ ዘይኰነስ: መዓልቲ መዓልቲ ተሓዲሱ: ማለት ዝያዳ ሓይሊ: ብዝያዳ ትኩር ዓይኒ: ብሉጽ እዝኒ: ከምኡውን ዝሓሸ መልክዕ ሒዝና ኢና ኻብ ድቃስና እንበራበር። (እዮብ 33:25፣ ኢሳይያስ 35:5, 6) ኣብታ ኣምላኽ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ብምንባር ዚባረኹ ሰባት: ህይወቶም ምስቲ መወዳእታ ዘይብሉ ግዜ ኺነጻጸር ከሎ: ኵሉ ሳዕ መንእሰያት ኰይኖም እዮም ዚነብሩ። (ኢሳይያስ 65:22) ሃየ እምበኣር: ኵላትና ኽሳዕ መወዳእታ ንተስፋና ኣጽኒዕና ንዓቅብ: ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስና ምግልጋልና ድማ ኣይነቋርጽ። የሆዋ ነቲ እተመባጽዖ ኸም ዚፍጽሞ: ካብኡ ሓሊፉ እውን ዘይተጸበናዮ ነገር ከም ዚገብር ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—መዝሙር 37:4፣ 145:16

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ኖህ ዘርኣዮ ጽንዓት: ንደቅሰብ በረኸት ዘምጸኣሎም ብኸመይ እዩ፧

• እቶም ኣበው ዝነበረቶም እምነት: ኣብ ዘርኦም እንታይ ጽልዋ ኣሕደረት፧

• ዮሴፍ: ሙሴ: እያሱ: ከምኡውን ሳሙኤል ኣብ ግዜ እርጋኖም ንኣመንቲ ብጾቶም ዘበራትዕዎም ብኸመይ እዮም፧

• ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት እንታይ ኬውርሱ ይኽእሉ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ትዕግስቲ ኣብርሃም ኣብ ይስሃቅ ሓያል ጽልዋ ኣሕደረት

[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ሙሴ ዝሃቦ ብሱል ምኽሪ ንእያሱ ኣተባብዖ

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ምእንቲ ኻልኦት እተቕርቦ ጸሎት: ብዙሕ ሰናይ ነገር ኪዓምም ይኽእል

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

መንእሰያት ነቶም እሙናት ኣረጋውያን ብምስማዕ ጥቕሚ ኺረኽቡ ይኽእሉ