ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ግዜ እርጋን ብመንፈሳዊ ምፍራይ

ኣብ ግዜ እርጋን ብመንፈሳዊ ምፍራይ

ኣብ ግዜ እርጋን ብመንፈሳዊ ምፍራይ

“እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ . . . ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ።” —መዝሙር 92:13, 14

1, 2. (ሀ) መብዛሕትኡ ግዜ እርጋን ብኸመይ እዩ ዚግለጽ፧ (ለ) ቅዱሳት ጽሑፋት ንሳዕቤን ሓጢኣት ኣዳም ብዚምልከት እንታይ መብጽዓ እዩ ዚህብ፧

 እርጋን እትብል ቃል ክትሰምዕ ከለኻ: እንታይ እዩ ቕጅል ዚብለካ፧ ዝዓጠረ ቘርበት፧ ጸገም ምስማዕ፧ ዝደኸመ መሓውር፧ ወይስ ካብቲ ኣብ መክብብ 12:1-7 ብዝርዝር ተጠቒሱ ዘሎ ብግዜ “ኽፉእ መዓልትታት” ዜጋጥም ካልእ መዳይ እዩ ኣብ ኣእምሮኻ ዚመጸካ፧ እቲ ኣብ መክብብ ምዕራፍ 12 ተጠቒሱ ዘሎ መብርሂ: እርጋን ብሰንኪ እቲ ኣዳም ዝፈጸሞ ሓጢኣት ኣብ ኣካላትና ዝወረደ ሳዕቤን ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ፣ እቲ ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ ግን ብመጀመርታ ኸምዚ ኣይኰነን መዲቡ ነይሩ።—ሮሜ 5:12

2 ዕድመ ምድፋእ ንባዕሉ መርገም ኣይኰነን፣ ከመይሲ: ብህይወት ምንባር ንኽንቅጽል ዓመታት ኪሓልፍ ኣለዎ። ዕቤትን ብስለትን ድማ ኵሉ ህያው ፍጥረት ኪህልዎ ዚደልዮ ነገር እዩ። እቲ ኣብ ከባቢና እንርእዮ ዘለና ንሽዱሽተ ሽሕ ዓመት ዝጸንሐ ሳዕቤን ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን: ድሕሪ ሓጺር እዋን: ነበረያ ነበረ ኪኸውን እዩ፣ እቲ እርጋን ዜምጽኦ ስቓይን ሞትን ስለ ዘይህሉ: ኵሎም እዙዛት ሰባት ከምቲ ብመጀመርታ ተሓሊኑ ዝነበረ ተሓጒሶም ኪነብሩ እዮም። (ዘፍጥረት 1:28፣ ራእይ 21:4, 5) ኣብቲ እዋን እቲ “‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ።” (ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990) ኣረጋውያን ናብ ‘መዓልትታት ጕብዝናኦም’ ኪምለሱ: ስጋኦም ድማ ‘ካብ ናይ ሕጻን ንላዕሊ ኺልምልም’ እዩ። (እዮብ 33:25) ክሳዕ ሽዑ ምስቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስዎ ሓጢኣት ኪቃለሱ ኣለዎም። ኣገልገልቲ የሆዋ ግን ብዕድመ እናደፍኡ ኪኸዱ ኸለዉ ፍልይ ብዝበለ መገዲ ተባሪኾም እዮም።

3. ክርስትያናት ኣብ ግዜ ‘እርግናኦም ኪፈርዩ’ ዚኽእሉ በየናይ መገድታት እዮም፧

3 ቃል ኣምላኽ “እቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተተኽሉ . . . ብእርግናኦም ድማ ይፈርዩ” ብምባል መረጋገጺ ሂቡና ኣሎ። (መዝሙር 92:13, 14) እቲ ጸሓፍ መዝሙር: እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብኣካላዊ መዳይ እኳ እናደኸሙ እንተ ኸዱ: ብመንፈሳዊ መዳይ ከም ዚግስግሱ: ዚስስኑ: ከምኡውን ከም ዚብልጽጉ ብስእላዊ ዘረባ ገይሩ ሓደ መሰረታዊ ሓቂ ገለጸ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩን ኣብዚ ግዜና ዘለዉን ዝሓደግዎ ኣብነታት ነዚ ዜርኢ እዩ።

“ከይወጸት”

4. እታ ብዕድመ ደፊኣ ዝነበረት ሃና ንኣምላኽ ዘለዋ ተወፋይነት ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧ ብኸመይከ ዓስባ ረኸበት፧

4 ነታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ነብዪት ሃና እስከ ርአ። ኣብ 84 ዓመት ዕድሚኣ: “ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት: ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት።” ኣቦኣ ኻብ ሌዋውያን ዘይኰነስ “ካብ ወገን ኣሴር” ስለ ዝነበረ: ኣብ ቤተ መቕደስ ክትነብር ኣይትኽእልን እያ ነይራ። ካብቲ ንግሆ ዚግበር ኣገልግሎት ኣትሒዛ ኽሳዕ እቲ ምሸት ዚግበር ክትካፈል ኢላ እተገብሮ ጻዕሪ እሞ ሕስብ ኣብሎ! በዚ ዘርኣየቶ ተወፋይነት ድማ ዓስቢ ረኺባ እያ። ዮሴፍን ማርያምን ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ናብ የሆዋ ንኬቕርብዎ ናብቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ዝመጹሉ እዋን: ሃና ነዚ ናይ ምርኣይ ኣጋጣሚ ረኸበት። ንየሱስ ምስ ረኣየቶ ድማ “ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዚጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም።”—ሉቃስ 2:22-24, 36-38፣ ዘሁልቍ 18:6, 7

5, 6. ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ኣረጋውያን ነቲ ሃና ዝነበራ መንፈስ ዜንጸባርቑ ዘለዉ በየናይ መገድታት እዮም፧

5 ሎሚ ኣብ መንጎና ዘለዉ ብዙሓት ኣረጋውያን እውን ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባ ብምእካብ: ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኼስፋሕፍሕ ልባዊ ጸሎት ብምቕራብ: ከምኡውን ነቲ ብስራት ብዉዕውዕ ስምዒት ናይ ምስባኽ ድሌት ብምርኣይ: ነቲ ሃና ዝነበራ ዓይነት መንፈስ የንጸባርቑ እዮም። ሓደ ኣብ 80ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ምስ ሰበይቱ ኣዘውቲሩ ኣብ ኣኼባታት ዚእከብ ሓው: “ናብ ኣኼባታት ናይ ምኻድ ልማድ ኣማዕቢልና ኢና። ናብ ካልእ ቦታ ኽንከይድ ኣይንደልን ኢና። ኣብቲ ህዝቢ ኣምላኽ ዘለውዎ ኢና ኽንከውን እንደሊ። ኣብኡ ድማ እዩ ፍዅስ ዚብለና” በለ። ንዅልና ዚኸውን ከመይ ዝበለ ዜበራትዕ ኣብነት ኰን እዩ!—እብራውያን 10:24, 25

6 ሓንቲ ጂን ዝስማ ኣብ 80ታት ዕድሚኣ እትርከብ ክርስትያን መበለት: “ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ክካፈለሉ ዝኽእል ኣጋጣሚ እንተ ረኺበ: ኣብኡ ኽካፈል እደሊ እየ” ዚብል ርእይቶ ኣለዋ። ኣስዕብ ኣቢላ: “ሓቂ እዩ: ሓድሓደ ግዜ ዜጕሂ ነገራት የጋጥመኒ እዩ። ስለምንታይ ግን እቶም ምሳይ ዘለዉ በቲ ንዓይ ዜጋጥመኒ ዘሎ ነገራት ዚጕህዩ፧” በለት። ፍሽኽ እናበለት ድማ ብዛዕባ እቲ ንሃናጺ መንፈሳዊ ኣጋጣሚታት ኢላ ናብ ካልእ ሃገራት ዝገበረቶ ምብጻሕ ገለጸት። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበረቶ መገሻ: ነቶም መኻይዳ “ግምብታት ምርኣይ ይኣኽለኒ: ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ እየ ክኸይድ ዝደሊ!” በለቶም። ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዚጥቀሙሉ ቛንቋ ዘይትፈልጦ እኳ እንተ ዀነት: ንሰባት ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ከም ዜሕድሩ ግን ገይራ እያ። ኣብ ርእሲ እዚ: ንሓያሎ ዓመታት ምስ ሓንቲ ሓገዝ ዜድልያ ጉባኤ ትዓዪ ነበረት፣ እዚ ድማ ሓድሽ ቋንቋ ኽትመሃር ከምኡውን ኣብቲ ኣኼባታት ንምክፋል ሓደ ሰዓት ምሉእ ክትጐዓዝ ዚሓትት ነበረ።

ንኣእምሮኻ ንጡፍ ግበሮ

7. ሙሴ ኣብ ግዜ እርጋኑ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ኬዕብዮ ኸም ዚደሊ ዝገለጸ ብኸመይ እዩ፧

7 ተመክሮ: ምስ ግዜ ዚመጽእ ነገር እዩ። (እዮብ 12:12) መንፈሳዊ ዕቤት ግን ምስ ዕድመ ዚመጽእ ነገር ኣይኰነን። ስለዚ: ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እተረኽበ ፍልጠት ጥራይ ምምርኳስ እኹል ኣይኰነን፣ የግዳስ: እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ‘ፍልጠት ኪውስኹ’ ፋሕተርተር እዮም ዚብሉ። (ምሳሌ 9:9) ሙሴ ኻብ የሆዋ መዝነት ኪቕበል ከሎ: ወዲ 80 ዓመት ነበረ። (ዘጸኣት 7:7) ኣብቲ እዋን እቲ: ወዲ 80 ዓመት ምዃን ዘይተለምደ ነገር እዩ ነይሩ፣ ከመይሲ: “መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት: እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ” ብምባል ጽሒፉ ነበረ። (መዝሙር 90:10) እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግን: ሙሴ ንትምህርቲ ዕድሚኡ ዝሓለፈ ዀይኑ ኣይተሰምዖን። ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ንኣምላኽ ድሕሪ ምግልጋሉ: ንየሆዋ ኣብ ዜገልግለሉ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ድሕሪ ምስታፉ: ከምኡውን ከቢድ ሓላፍነታት ድሕሪ ምስካሙ: ንየሆዋ “በጃኻ መገድኻ ኣፍልጠኒ” ብምባል ለመኖ። (ዘጸኣት 33:13) ሙሴ ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ንምዕባይ ኵሉ ሳዕ ይብህግ ነበረ።

8. ዳንኤል ክሳዕ 90ታት ዕድሚኡ ንኣእምሮኡ ንጡፍ ኪኸውን ዝገበሮ ብኸመይ እዩ፧ እንታይ ውጽኢትከ ረኸበ፧

8 እቲ ኣብ ከባቢ 90ታት ዕድሚኡ ዝነበረ ነብዪ ዳንኤል እውን: ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት የስተንትን ነበረ። ነቲ “መጻሕፍቲ”—ዘሌዋውያን: ኢሳይያስ: ኤርምያስ: ሆሴእ: ኣሞጽ ዘጠቓለለ ኪኸውን ይኽእል እዩ—ብምጽናዑ ምስትውዓል ረኸበ፣ እዚ ኸኣ ንየሆዋ ብልባዊ ጸሎት ገይሩ ንኺደልዮ ደረኾ። (ዳንኤል 9:1, 2) ኣምላኽ ድማ ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ መሲህን መጻኢ ናይ ሓቂ ኣምልኾን ዚገልጽ መንፈስ ዝነፈሶ ሓበሬታ ብምክፋል ንጸሎቱ መልሲ ሃቦ።—ዳንኤል 9:20-27

9, 10. ገሊኦም ሰባት ኣእምሮኦም ንጡፍ ንኪኸውን እንታይ እዮም ገይሮም፧

9 ንሕና እውን ከም ሙሴን ዳንኤልን: ክሳዕ ዝኸኣልና ኣብ መንፈሳዊ ጕዳያት ብምትኳር ንኣእምሮና ንጡፍ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ብዙሓት ከምዚ ይገብሩ ኣለዉ። ዎርዝ ዝስሙ ኣብ 80ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ክርስትያን ሽማግለ ምስቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዜዳልዎ መንፈሳዊ ምግቢ ማዕረ ማዕረ ንምኻድ ጻዕሪ ይገብር እዩ። (ማቴዎስ 24:45) “ንሓቂ ምሉእ ብምሉእ እየ ዜፍቅሮ: ብርሃን ሓቂ እናበርሀ ኪኸይድ ከሎ ምርኣይ ድማ ባህ እዩ ዚብለኒ” በለ። (ምሳሌ 4:18) ብተመሳሳሊ: ፍረድ ዝስሙ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ን60 ዓመት ዘገልገለ ሓው: ምስቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምይይጥ ምግባር ብመንፈሳዊ ዜነቓቕሕ ኰይኑ ረኸቦ። “ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣእምሮይ ህያው ክገብሮ ኣሎኒ” ድማ በለ። ቀጺሉ ኸምዚ በለ:- “ንመጽሓፍ ቅዱስ ህያው ክትገብሮ: ማለት ትርጕም ዘለዎ ኽትገብሮ እንተ ኽኢልካ: ከምኡውን ነቲ እትመሃሮ ዘለኻ ምስ ‘ምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል’ ከተሰማምዖ እንተ ኽኢልካ: ንእተወሰነ ኽፋል እቲ ሓበሬታ ጥራይ ፈሊኻ ኣይትርእን ኢኻ። ኣብ ክንዳኡስ: ነፍሲ ወከፍ ክፋል ብኸመይ ኣብ ግቡእ ቦታኣ ዀይና ኸም እተብለጭልጭ ክትርኢ ኽትክእል ኢኻ።”—2 ጢሞቴዎስ 1:13

10 ብዕድመ ምድፋእ ንባዕሉ: ሓድሽን ኣጸጋምን ነገራት ንኸይትመሃር ኣይዓግተካን እዩ። ኣብ 60ታት: 70ታት: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ኣብ 80ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ሰባት መሃይምነት ኣጥፊኦም ወይ ሓድሽ ቋንቋ ተማሂሮም እዮም። ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ካብ እተፈላለየ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ብስራት ንምክፋል ከምዚ ገይሮም እዮም። (ማርቆስ 13:10) ኣብ መወዳእታ 60ታት ዕድሚኦም ዚርከቡ ሃሪን ሰበይቱን ኣብቲ ፖርቱጋልኛ ዚዛረቡ ሰባት ዚነብሩሉ ኸባቢ ኺሕግዙ ወሰኑ። ሃሪ “ብዕድመ ኣብ ዝደፋእካሉ እዋን ዚግበር ዕዮ ኸቢድ ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን” በለ። ኰይኑ ግን: ብጻዕርን ሓቦን ብፖርቱጋልኛ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመርሑ ኸኣሉ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት: ሃሪ ነቲ ሓድሽ ቋንቋ ተጠቒሙ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ መደረ ኣቕሪቡ እዩ።

11. ነቲ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ዝዓመምዎ ነገራት ምምርማር ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

11 ሓቂ እዩ: ኵሉ ሰብ ከምዚ ንምግባር ጥዕናኡ ወይ ኵነታቱ ኣይፈቕደሉን ይኸውን። ከምዚ ዝገበሩ ኣረጋውያን ምጥቃስ ደኣ እሞ ስለምንታይ ኣድለየ፧ ኵሉ ኸምዚ ንምግባር ጻዕሪ ኺገብር ኣለዎ ንምባል ኣይኰነን። የግዳስ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንእሙናት ሽማግለታት ጉባኤ ብዚምልከት ናብቶም እብራውያን ክርስትያናት ኪጽሕፍ ከሎ ዝበሎ ንምንጽብራቕ እዩ: ንሱ “መወዳእታ ንብረቶም [ወይ ኣነባብራኦም] እናተቛመትኩም: ኣስኣሰር እምነቶም ስዐቡ” በሎም። (እብራውያን 13:7) ብዛዕባ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ቕንኣት ብምርኣይ ዝመጸ ኣብነታት ዚዀኑና ሰባት ነስተንትን እንተ ዄንና: ነቲ ኣረጋውያን ንየሆዋ ኼገልግሉ ኸለዉ ዜርእይዎ ድልዱል እምነት ንኽንቀድሕ ክንበራታዕ ኢና። እቲ ሕጂ ወዲ 87 ዓመት ዝዀነ ሃሪ እንታይ ከም ዝደረኾ ኺገልጽ ከሎ: “ነተን ተሪፈናኒ ዘለዋ ዓመታት ብጥበብ ክጥቀመለንን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዚከአለኒ ብምግባር ጠቓሚ ክኸውንን እየ ዝደሊ” በለ። እቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዝነበረ ፍረድ እውን: ነቲ ኣብ ቤትኤል ዚወሃቦ ዕዮ ብምዕያይ ዓብዪ ዕግበት ይረክብ እዩ። “ንየሆዋ ብዝበለጸ መገዲ እተገልግለሉ መገዲ ኸተናዲ ኸምኡውን ነዚ ብቐጻሊ ኽትገብሮ ኣሎካ” ድማ በለ።

ተለዋዋጢ ዅነታት እናሃለወ ኽነሱ: ውፉይ ምዃን

12, 13. ኵነታት ባርዚላይ ተለዋዊጡ ኽነሱ: ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

12 ነቲ ኣብ ኣካላት ዜጋጥም ለውጢ ተቐቢልካ ምጻሩ: ከቢድ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዓይነት ለውጥታት እናሃለወ እውን ኣምላኻዊ ተወፋይነት ከተርኢ ይከኣል እዩ። በዚ መዳይ እዚ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ሰናይ ኣብነት እዩ። ወዲ 80 ዓመት ከሎ: ንዳዊትን ሰራዊቱን: ምግብን ዚሓድሩሉ ቦታን ብምቕራብ ሓለፍ ብዝበለ መገዲ ኣአንገዶም። ዳዊትን ኣገልገልቱን ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ኸለዉ ድማ ባርዚላይ ክሳብ ፈለግ ዮርዳኖስ ኣሰነዮም። ዳዊት ንባርዚላይ ናብ ቤተ መንግስቱ ምስኡ ንኪኸይድ ሕቶ ኣቕረበሉ። ባርዚላይ እንታይ ኢሉ መለሰ፧ “ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት እየ: . . . ጊልያኻስ ዝበልዖ ዀነ ዝሰትዮ ጣዕሙዶ እፈልጦ እየ፧ ገናዶ ድምጺ ዚደርፉን ዚደርፋን እሰምዕ አልየ፧ . . . ጊልያኻ ኪምሃም ግና: እንሆ: ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር: ንእኡ ባህ ዝበለካ ግበሮ” በለ።—2 ሳሙኤል 17:27-29፣ 19:31-40

13 ኵነታት ባርዚላይ ተለዋዊጡ ኽነሱ: ነቲ ብየሆዋ እተቐብአ ንጉስ ንምሕጋዝ ዚከኣሎ ገበረ። እቲ ናይ ምጥዓምን ምስማዕን ስምዒቱ ኸምቲ ናይ ቀደም ከም ዘይኰነ እኳ እንተ ኣመነ: ኣየስተማሰለን። ኣብ ክንዳኡስ: ብዘይ ስስዐ እቲ ንዕኡ ዝቐረበሉ ዕድመ ንኪምሃም ኪኸውን ሓሳብ ብምቕራብ: ናይ ሓቂ እንታይነቱ ኣርኣየ። ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኸም ባርዚላይ ዝኣመሰሉ ኣረጋውያን እውን ስስዐ ዘይብሉን ለጋስን መንፈስ የርእዩ እዮም። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምድጋፍ ዝከኣሎም ይገብሩ: “ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ” ምዃኑ ድማ ይፈልጡ እዮም። እሙናት ሰባት ኣብ መንጎና ምህላዎምሲ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ!—እብራውያን 13:16

14. ዳዊት ነተን ኣብ መዝሙር 37:23-25 ዚርከባ ቓላት ኪጽሕፍ ከሎ ብዕድመ ምድፋኡ ትርጕም ዚውስኸለን ብኸመይ እዩ፧

14 ኵነታት ዳዊት ብዙሕ ግዜ እኳ እንተ ተቐያየረ: የሆዋ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ዜርእዮ ሓልዮት ከም ዘይቅየር ይተኣማመን ነበረ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ: ነታ ሎሚ መበል 37 መዝሙር እትበሃል መዝሙር ጸሓፋ። ዳዊት ብበገና ተሰንዩ ኣዕሚቝ እናሓሰበ ነዘን ቃላት እዚኣተን ኪዝምር ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ:- “ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ: መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ። እግዚኣብሄር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ: እንተ ተዐንቀፈ እኳ ፈጺሙ ኣይኪወድቕን እዩ። ንእሽቶ ነበርኩ: አሪገ ኸኣ እኔኹ: ግናኸ ጻድቕ ተሐዲጉን: ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን።” (መዝሙር 37:23-25) የሆዋ ንዕድመ ዳዊት ኣብዛ መንፈስ ዝነፈሳ መዝሙር ከም ዚጥቀስ ዝገበረ ብዕላማ እዩ። እዝስ ነቲ ኻብ ልቢ ዝነቐለ ቓላት ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዓሚቝ ስምዒታት ዚውስኸሉ!

15. ሃዋርያ ዮሃንስ: ተለዋዋጢ ዅነታትን እርጋንን እናሃለዎ ኽነሱ: እሙን ብምዃን ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

15 ሃዋርያ ዮሃንስ እውን ተለዋዋጢ ዅነታትን እርጋንን እናሃለዎ ኽነሱ እሙን ብምዃን ዝመጸ ሰናይ ኣብነት እዩ። ንኣምላኽ ዳርጋ ን70 ዓመት ድሕሪ ምግልጋል: “ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን” ኣብ ደሴት ጳጥሞስ ተሓየረ። (ራእይ 1:9) ስርሑ ግን ኣይተዛዘመን ነይሩ። ከመይሲ: ኵሉ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዮሃንስ ዝጸሓፎ መጻሕፍቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ህይወቱ እዩ ጽሒፍዎ። ኣብ ጳጥሞስ ከሎ ነቲ ዜደንቕ ራእይ ረኣየ: ነዚ ድማ ተጠንቂቑ ጸሓፎ። (ራእይ 1:1, 2) ሮማዊ ሃጸይ ነርቫ ይገዝእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ማሕዩር ከም እተፈትሐ ኸኣ እዩ ብሓፈሻ ዚእመን። ብድሕርዚ: ኣብ ከባቢ 98 ድ.ክ. ወዲ 90 ወይ 100 ዓመት ከሎ: ንወንጌልን ነተን ብስሙ ዚፍለጣ መልእኽትን ጸሓፈ።

ዘይሃስስ መዝገብ ትዕግስቲ

16. እቶም ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለቶም ዝሰኣኑ: ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነት ዜርእዩ ብኸመይ እዮም፧

16 ዓቕምና ብእተፈላለየ መገድን ደረጃን ኪድረት ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ገሊኦም ሰባት ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለቶም ስኢኖም እዮም። ይኹን እምበር: ነቲ ኣምላኽ ዘርኣዮም ፍቕርን ጸጋን ብዚምልከት ዘለዎም ባህ ዜብል ተዘክሮታት ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ። እቲ ብኣፎም ዚዛረብዎ ነገር ድሩት እኳ እንተ ዀነ: ብልቦም ግን ንየሆዋ “ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ: ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ” ይብልዎ እዮም። (መዝሙር 119:97) የሆዋ ድማ ነቶም “ንስሙ . . . ዚሐስቡ” ይፈልጦም እዩ: ካብቶም ንመገዱ ግዲ ዘይብሎም መብዛሕትኦም ሰባት ክሳዕ ክንደይ እተፈልዩ ምዃኖም ከኣ ይፈልጥ እዩ። (ሚልክያስ 3:16፣ መዝሙር 10:4) የሆዋ በቲ እነስተንትኖ ባህ ከም ዚብሎ ምፍላጥና ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜጸናንዓና!—1 ዜና መዋእል 28:9፣ መዝሙር 19:14

17. እቶም ንነዊሕ እዋን ንየሆዋ ዘገልገልዎ ሰባት: እንታይ ፍልይ ዝበለ ነገር እዮም ረኺቦም፧

17 እቶም ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልገልዎ ሰባት: ብኻልእ መገዲ ኺርከብ ዘይከኣል ፍልይ ዝበለ ነገር ከም ዝረኸቡ እውን ዕሽሽ ዚበሃል ኣይኰነን፣ እዚ ኸኣ ዘይሃስስ መዝገብ ትዕግስቲ እዩ። የሱስ “ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም” በለ። (ሉቃስ 21:19) ትዕግስቲ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ እተድሊ ባህርይ እያ። ኣቱም ‘ፍቓድ ኣምላኽ ዝገበርኩም’ ከምኡውን ብኣነባብራኹም ተኣማንነትኩም ዘመስከርኩም: ‘ነታ ተስፋ ንኽትረኽብዋ’ ብህንጥዮት ክትጽበዩ ትኽእሉ ኢኹም።—እብራውያን 10:36

18. (ሀ) የሆዋ ነቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ብዚምልከት እንታይ ኪርኢ እዩ ባህ ዚብሎ፧ (ለ) ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

18 ክትገብርዎ እትኽእሉ ነገር ብዙሕ ይኹን ንእሽቶ ብዘየገድስ: የሆዋ ነቲ ብምሉእ ነፍስኹም እተቕርብዎ ኣገልግሎት ኣኽቢሩ ይርእዮ እዩ። ሓደ ሰብ ብሰንኪ እርጋን ‘እቲ ናይ ወጻኢ ሰቡ’ ዘጋጠመ የጋጥሞ ብዘየገድስ: ‘እቲ ውሽጡ’ ግን ኣብ ጸጽባሕ እዩ ዚሕደስ። (2 ቈረንቶስ 4:16) የሆዋ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበርኩምዎ ነገራት ብዘይ ጥርጥር ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ: ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ንስሙ ኢልኩም እትገብርዎ ዘለኹም እውን እንተ ዀነ ብርግጽ የማስወሉ እዩ። (እብራውያን 6:10) ኣብዛ ቐጺላ ዘላ ዓንቀጽ: ከምዚ ዝበለ ተኣማንነት ብዛዕባ ዘለዎ ዓብዪ ጽልዋ ኽንምርምር ኢና።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

• ሃና ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣረጋውያን ክርስትያናት እንታይ ሰናይ ኣብነት እያ ሰሪዓትሎም፧

• እርጋን ግድን ነቲ ሓደ ሰብ ኪፍጽሞ ዚኽእል ነገር ዚድርት ረቛሒ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

• እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት: ኣምላኻዊ ተወፋይነት ምርኣይ ኪቕጽሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

• የሆዋ ነቲ ኣረጋውያን ዜቕርቡሉ ኣገልግሎት ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ኣረጋዊ ዝነበረ ዳንኤል ነቲ “መጻሕፍቲ” ተጠቒሙ ንንውሓት ምርኮ ይሁዳ ፈለጠ

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእሊ]

መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ኣብ ኣኼባታት ኣዘውቲሮም ብምእካብን ብቕንኣት ብምስባኽን ንኺመሃሩ ህንጡያት ብምዃንን ሰናይ ኣብነት እዮም