ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣገልግሎትና ንምፍጻም ቈረጽና

ኣገልግሎትና ንምፍጻም ቈረጽና

ታሪኽ ህይወት

ኣገልግሎትና ንምፍጻም ቈረጽና

ሊና ዴቪሰን ዘዘንተወቶ

እቲ መራሕ ነፋሪት ብትሑት ድምጺ “ሕውዝውዝ ይብለኒ ኣሎ። ክርኢ ኣይከኣልኩን” በለና። ድሕሪ እተወሰነ እዋን ኣእዳዉ ዘርጋሕ ኢለን ነቲ መቈጻጸሪ እታ ንእሽቶ ነፋሪት ፈነዋኦ: ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ድማ ኣብታ መንበሩ ተገምሰሰ። ነፋሪት ኣብሪሩ ዘይፈልጥ ብዓል ቤተይ: ንኼበራብሮ ዚከኣሎ ገበረ። ነዚ ኻብ ሞት ንስክላ ዘምለጥናሉ ኣጋጣሚ ቕድሚ ምንጋረይ: ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ጫፍ መሬት እትርከብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ እትበርር ነፋሪት ንኽንስቀል ምኽንያት ዝዀነና ነገራት ከዘንትወልኩም።

ብ1929 ኣብ ኣውስትራልያ ተወሊደ: ኣብታ ርእሲ ኸተማ ኒው ሳውዝ ዌልስ ዝዀነት ሲድኒ ኸኣ ዓብየ። ቢል ሙስካት ዚበሃል ኣቦይ ኮምዩኒስት ነበረ: እቲ ዜገርም ግን ኣብ ኣምላኽ እውን ይኣምን ነበረ። ብ1938 ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ካብቲ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጺኡ: ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዚርከብ ኣዳራሽ ህዝቢ ንኺሰብኽ ዝቐረበ ሃገራዊ ጠለብ ካብ ዝፈረሙ ሰባት ሓደ: ኣቦይ እዩ ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቦይ: “ገለ ዚብሎ ጽቡቕ ነገር ኪህልዎ ኣለዎ” ኢሉ ነገረና። ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት: ቀንዲ ነጥብታት እቲ መልእኽቲ ፈለጥና። ኣቦይ ንኖርማን በሎቲ ዚበሃል ናይ ምሉእ ግዜ ፈላሚ ኣገልጋሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንኺገልጸልና ናብ ቤትና ዓደሞ። ስድራቤትና ብቕልጡፍ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበለት: ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብንጥፈት ክትሳተፍ ጀመረት።

ኣብ መፋርቕ 1940ታት: ነታ ሕዱር ሕማም ዝነበራ ኣደይ ንኽሕግዝ ትምህርተይ ኣቋረጽኩ። ንመነባብሮ ኺሕግዘና ኸኣ ክዳውንቲ እሰፊ ነበርኩ። ቀዳም ቀዳም ምሸት ኣነን ሮዝ ሓብተይን ምስ ጕጅለ ፈለምቲ ንኸይድ ነበርና: ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሲድኒ ዚርከብ ኣዳራሽ ህዝቢ ኸኣ ኣብ መገዲ ንምስክር ነበርና። ብ1952 ጆን ዚበሃል ምዕባየይ ሓወይ ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ዚርከብ ጊልዓድ ዚበሃል ቤት ትምህርቲ ሚስዮናውያን ተመረቐ: ኣብ ፓኪስታን ድማ ተመደበ። ኣነ እውን ኣገልግሎት እፈቱ ስለ ዝነበርኩ: ኣብነቱ ኽስዕብ ደለኹ። ስለዚ: ንዓመታኡ ስርዕቲ ፈላሚት ኰንኩ።

ሓዳርን ዕዮ ሚስዮናውነትን

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸናሕኩ: ምስ ጆን ዴቪሰን ዚበሃል ኣብቲ ናይ ኣውስትራልያ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜገልግል ዝነበረ ሰብኣይ ተራኸብኩ። ትሕትናኡን ቈራጽነቱን ጽቡቕ ባህርያቱን መሰጠኒ። ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ክርስትያናዊ ገለልትነቱ ብምሕላዉ ሰለስተ ሳዕ ተኣሲሩ ነይሩ። ክልቴና ብሓባር ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣብ ህይወትና ቐንዲ ዕዮ ኽንገብሮ ወሰንና።

ኣነን ጆንን ኣብ ሰነ 1955 ተመርዓና። ናብ ተንቀሳቓሲት ቤት ክንቅይራ ኢልና ኣውቶቡስ ገዛእና። ኣብ ግሉል ከባቢታት ኣውስትራልያ ንምስባኽ ክንጥቀመላ ኸኣ ሓሲብና ነበርና። ኣብታ እትቕጽል ዓመት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብታ ኒው ጊኒ እትበሃል ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ኻብ ኣውስትራልያ ብሰሜን እትርከብ ዓባይ ደሴት ኪግዕዙ ጻውዒት ቀረበ። a እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብቲ ቦታ እቲ ገና ኣይተሰብከን ነይሩ። ብኡንብኡ ወለንተኛታት ኴንና ኸድና።

ኣብቲ ግዜ እቲ ናብ ኒው ጊኒ እንኣትወሉ ሓደ መገዲ: ናይ ምሉእ መዓልቲ ውዕል ስራሕ እንተ ሒዝና ጥራይ ነበረ። ስለዚ: ጆን ስራሕ ኪረክብ ተበገሰ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ኒው ብሪጣንያ እትበሃል ዝነኣሰት ክፋል ኒው ጊኒ ዝዀነት ደሴት ኣእዋም ምስ ዚቘርጽ ኩባንያ ውዕል ኣተወ። ድሕሪ እተወሰነ ሰሙናት: ናብቲ ኣብ ራባውል: ኒው ብሪጣንያ ዚርከብ ሓድሽ ምድብና ነቐልና: ኣብ ሓምለ 1956 ከኣ ኣብኡ በጻሕና። ካብኡ ኸኣ ናብ ልሳን ባሕሪ ዋተርፎል እትወስደና ጃልባ ንምርካብ ሽዱሽተ መዓልቲ ተጸበና።

ኣብ ልሳን ባሕሪ ዋተርፎል ዝፈጸምናዮ ኣገልግሎት

ንገለ መዓልትታት ኣጸጋሚ ጕዕዞ ድሕሪ ምግባርና: ኣብቲ ኻብ ራባውል ንደቡብ 240 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ኣብ ዓብዪ ወሽመጥ ዚርከብ ልሳን ባሕሪ ዋተርፎል በጻሕና። ኣብኡ ድማ ኣብ ዱር ኣእዋም ዚቝረጸሉ ዓብዪ ማሽን ነበረ። በታ ምሸት እቲኣ ዅሎም እቶም ሰራሕተኛታት ኪድረሩ ኾፍ ኢሎም ከለዉ: እቲ ኣካያዲ ስራሕ: “ሚስተርን ሚስስን ዳቪሰን: ብመሰረት ሕጊ እዚ ኩባንያ ዅሎም ሰራሕተኛታት ሃይማኖቶም ኬፍልጡ ኣለዎም” በለ።

ከምዚ ዓይነት ሕጊ ኸም ዘይነበረ ርግጸኛታት ነበርና: ኰይኑ ግን ሽጋራ ምትካኽ ስለ ዝኣበና: ጥርጣረ ሓዲርዎም ኪኸውን ኣለዎ። ዝዀነ ዀይኑ ጆን: “ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢና” ኢሉ መለሰሎም። ብሃንደበት ጸጥታ ሰፈነ። እቶም ሰብኡት ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ወተሃደራት ዝነበሩ ስለ ዝዀኑ: በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ግዜ ውግእ ዝነበሮም ገለልትነት ጽልኢ ኣሕዲሮም ነበሩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ንኼሸግሩና ዘይገበርዎ ኣይነበሮምን።

መዝሓሊ ዀነ ምድጃ ኺወሃበና እኳ እንተ ነበሮ: እቲ ኣካያዲ ስራሕ ግን ኣበየና። እቲ ኺበላሾ ዚኽእል ምግብና ተበላሸወ: ኣብቲ ዱር ተደርብያ ኣብ ዝረኸብናያ ምድጃ ድማ ክንክሽን ተገደድና። ድሕሪኡ: እቶም ኣብቲ ቝሸት ዝነበሩ ደቂ እቲ ዓዲ ሓድሽ ፍርያቶም ከይሸጡልና ተኸልከሉ: ስለዚ ዝረኸብናዮ ዘበለ ኣታኽልቲ ንዕድግ ነበርና። ሰለይቲ ኢሎም እውን ጠቀኑና: ንዝዀነ ይኹን ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ምሂርና ድማ ምክትታል ይግበረልና ነበረ። ድሕሪኡ ኣነ ዓሶ ሓመምኩ።

ይኹን እምበር: ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ቈሪጽና ነበርና። ስለዚ: ኣብቲ ኩባንያ ዚሰርሑ ዝነበሩ እንግሊዝኛ ዚኽእሉ ደቂ እቲ ዓዲ ንዝዀኑ ኽልተ መንእሰያት ፒጅን መላነዥያ ዚበሃል ሃገራዊ ቛንቋኦም ኪምህሩና ሓተትናዮም። ንሕና ኸኣ ብግዴና መጽሓፍ ቅዱስ መሃርናዮም። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ “ቦታ ኽንርኢ” ብዚብል ምኽንያት ኣርሒቕና ንዛወር ነበርና። ኣብ መገዲ ኸኣ ንዝዀነ ይኹን ዝረኸብናዮም ተቐማጦ እቲ ቝሸት ብሜላ ንምስክረሎም ነበርና፣ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ተመሃሮና ኸኣ ተርጐምትና ዀይኖም ኣገልገሉ። ብርቱዕ ውሕጅ: ከምኡውን ኣብ ገማግሙ ጸሓይ ዚጽለዉ ዓበይቲ ሓርገጻት ዘለውዎ ኣፍላግ ንሳገር ነበርና። እቶም ሓያላት ኣራዊት: ብዘይካ ኣብ ሓደ ንዋራ ዘምለጥናሉ ኣጋጣሚ: ካልእ እዋን ኣሸጊሮምና ኣይፈልጡን እዮም።

ንምምሃር ዜገልግል ናውቲ ምድላው

ኣገልግሎትና እናሰፍሐ ምስ ከደ: ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ንኽንዕድሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ቐሊል መልእኽትታት ብጽሑፍ ከነዳሉ ወሰንና። እቶም ኣብቲ ቦታ ዚሰርሑ መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት ኣብ መጀመርታ ኣብቲ ትርጕም ሓገዙና። ምሸት ምሸት ብኣማእታት ዚቝጸር ትራክትታት ንምጽሓፍ ብዙሕ ግዜ ወሰደልና: ድሕሪኡ ንተቐማጦ ቝሸትን በቲ ቦታ ንዚሓልፉ ሰብ ጃልባን ዓደልናዮ።

ብ1957 ጆን ካትፎርዝ ዚበሃል ምኩር ገያሺ ኣገልጋሊ: ዜተባብዕ ምብጻሕ ገበረልና። b ኬንብቡ ንዘይክእሉ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ንምምሃር: ስእልታት ምጥቃም ውጽኢታዊ ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓሳብ ሃበና። ንሱን ብዓል ቤተይን ብሓባር ኰይኖም ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግላጽ ተኸታታሊ ቐሊል ስእልታት ሰኣሉ። ድሕሪኡ: ነዚ ብስእሊ ዚወሃብ ስብከት ናብ ጥራዛት ንምቕዳሕ ኣዝዩ ብዙሕ ሰዓታት ኣሕለፍና። ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመሃር ሰብ: ሓንቲ ቕዳሕ ትወሃቦ ነበረት: እዚ ኸኣ ንኻልኦት ንምስባኽ ይሕግዞ ነበረ። እዚ ሜላ ኣመሃህራ እዚ ጸኒሑ ኣብ ብምልእታ እታ ሃገር ኣገልጊሉ እዩ።

ኣብ ልሳን ባሕሪ ዋተርፎል ክልተ ዓመትን መንፈቕን ድሕሪ ምሕላፍና: ናይ ስራሕ ውዕልና ኣብቅዐ: ኣብታ ሃገር ክንጸንሕ ግን ተፈቕደልና። ስለዚ: ፍሉያት ፈለምቲ ንኽንከውን ዝቐረበልና ጻውዒት ተቐበልና።

ናብ ራባውል ተመለስና

ብጃልባ ናብ ራባውል ክንምለስ ከለና: ኣብ ልሳን ባሕሪ ዋይድ ዚርከብ ኮፕራን ካካውን ዚፈርየሉ ሕርሻ ሓደርና። ወነንቲ እቲ ሕርሻ ዝዀኑ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብ ሓዳር ነቲ ስራሕ ሓዲጎም ናብ ኣውስትራልያ ኺምለሱ ስለ ዝሓሰቡ: ነቲ ሕርሻ ኼካይደሎም ንጆን ሓተትዎ። እቲ ዝቐረበሉ ኣጋጣሚ ፈታኒ እዩ ነይሩ: በታ ለይቲ እቲኣ ነቲ ጕዳይ ምስ ተዘራረብናሉ ግን: ናብ ኒው ጊኒ ስጋዊ ሃብቲ ኽንረክብ ኢልና ኸም ዘይመጻእና ተሰማማዕናሉ። ፈለምቲ ዄንና ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ቈሪጽና ነበርና። ስለዚ: ንጽብሒቱ ነቶም ሰብ ሓዳር ብዛዕባ እቲ ውሳነና ነጊርናዮም ብጃልባ ጕዕዞና ቐጸልና።

ኣብ ራባውል ምስ በጻሕና: ምስቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ናብቲ ቦታ ዝገዓዙ ሒደት ጕጅለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተጸምበርና። እቶም ደቂ እቲ ዓዲ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ተገዳስነት ኣርኣዩ: ሓያሎ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ኣጀመርና። እዚ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ኣብ ሓደ እተኻረናዮ ኣዳራሽ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንገብር ነበርና: ክሳዕ 150 ዚዀኑ ሰባት እውን ይእከቡ ነበሩ። መብዛሕትኦም ካብዚኣቶም ሓቂ ተቐበሉ: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ካልእ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ምዝርጋሕ ድማ ሓገዙ።—ማቴዎስ 24:14

ናብታ ቩናባል እትበሃል ካብ ራባውል 50 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ቍሸት እውን ከድና: ኣብታ ቝሸት ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተገዳስነት ዘርኣዩ ጕጅለ ነበሩ። እዚኣቶም ግን ነዊሕ ከይጸንሑ ኣቓልቦ ሓደ ኣብቲ ቦታ ዚርከብ ጽልዋ ዘለዎ ካቶሊክ ሰሓቡ። ምስቶም ኣብ ቤተ-ክርስትያኑ ዚርከቡ ኣዕሩኹ ዀይኑ: ሰሙናዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ከለና ረበሸና: ካብታ ቝሸት እውን ሰጐጐና። ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ዝያዳ ሽግር ከም ዚህሉ ምስ ፈለጥና: ኣባላት ፖሊስ ከሰንዩና ሓተትና።

በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ መገዲ ብመላገጽቲ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ መሊኡ ነበረ። ብዙሓት ብእምኒ ንኪቕጥቅጡና ተዳልዮም ነበሩ። ሓደ ኻህን ከኣ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ደቂ እቲ ዓዲ ኣብታ ቝሸት ኣከቦም። እቶም ኣባላት ፖሊስ ኣኼባ ኽንገብር መሰልና ኸም ዝዀነ ኣረጋገጹልና: ስለዚ ብመንጎ እቶም ጭፍራ ሰባት መገዲ ገሊሆም ኣእተዉና። ይኹን እምበር: ኣኼባና ጅምር ምስ ኣበልና: እቲ ኻህን ናዕቢ ኣለዓዓለ። እቶም ኣባላት ፖሊስ ነቶም ጭፍራ ኺቈጻጸርዎም ኣይከኣሉን፣ ስለዚ እቲ ሓለቓ ፖሊስ ክንወጽእ ነገረና: ቀልጢፉ ድማ ናብ ማኪናና መርሓና።

እቶም ጭፍራ መጺኦም ከበቡና: እቲ ኻህን ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ፍሽኽ ኢሉ እናረኣዮም ከኣ ይጸርፉናን ጡፍ ይብሉልናን ኣእዳዎም የወጣውጡልናን ነበሩ። ካብቲ ቦታ እቲ ምስ ኣምለጥና: እቲ ሓለቓ ፖሊስ ኣብ ህይወቱ ኻብ ዝረኣዮ ዝኸፍአ ኣጋጣሚ ምዃኑ ገለጸ። መብዛሕትኦም ኣብ ቩናባል ዝነበሩ ሰባት በቶም ጭፍራ እኳ እንተ ተዳህሉ: ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብትብዓት ኣብ ጐድኒ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ቈመ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ብምልእታ ኒው ብሪጣንያ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ኻልኦት ኣብ ጐድኒ ሓቂ ቘይሞም እዮም።

ኒው ጊኒ ማዕጾኣ ኸፈተት

ኣብ ሕዳር 1960 ናብታ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም እታ ቐንዲ ደሴት ዝዀነት ኒው ጊኒ እትርከብ ማዳንግ እትበሃል ዓባይ ከተማ ተመደብና። ኣብታ ኸተማ ምስ በጻሕና: ምሉእ መዓልቲ ዚወስድ እተፈላለየ ስራሕ ቀረበልና። ሓደ ኩባንያ እንዳ ኽዳውንቶም ከካይደሎም ሓተቱኒ። ሓደ ኻልእ ትካል ከኣ ቅዲ ኽዳውንቲ ኣብ ምምሕያሽ ክዓዪ ሓተተኒ። ገሊአን ካብታ ሃገር እተጠረዛ ኣንስቲ እሞ ኸኣ ናይ ርእሰይ እንዳ ኽዳውንቲ ኼውጽኣለይ ሓሳብ ሃባኒ። ዕላማና ስለ ዘይረሳዕና ግን: ነዝን ንኻልእ ዝቐረበልና ሕቶታትን ብትሕትና ነጸግናዮ።—2 ጢሞቴዎስ 2:4

ኣብ ማዳንግ ዝነበረና ዞባ ፍርያም እዩ ነይሩ: ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ እናሰሰነት እትኸይድ ጉባኤ ቘመት። እተወሰነ መዓልትታት ኣብ ዚወስድ ጕዕዞ ስብከት: ብእግርናን ብሞተር ብሽክለታን ናብ ርሕቕ ዝበለ ኣቝሻት ንጐዓዝ ነበርና። ኣብ መገዲ ኸኣ ኣብቲ ሰብ ዘይነበሮ ኣጓዱ ኣቲና: ካብቲ ጫካ ኣብ እተዓጽደ ሳዕሪ ንድቅስ ነበርና። እቲ ዜድልየና ዝነበረ መሰረታዊ ነገራት: እተዓሸገ ምግብን ብሽኮትን መከላኸሊ ጣንጡ ዚኸውን ሻሽን እዩ።

ኣብ ሓደ ጕዕዞና: ካብ ማዳንግ ብሰሜን 50 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ታሊዲግ እትበሃል ቍሸት ዚርከቡ ጕጅለ ተገደስቲ በጻሕና። እቶም ሰባት መንፈሳዊ ዕቤት ምስ ገበሩ: ርእሰ መምህራን እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ኣብ ህዝባዊ ቦታ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸየጽንዑ ኸልከሎም። ጸኒሑ ንኣባላት ፖሊስ ብምልዕዓል: ኣባይቶም ኣፍሪሱ ናብ ጫካ ሰጐጎም። ሓደ ኣብ ጥቓኦም ዚርከብ ሓለቓ ግን ኣብ መሬቱ ኺነብሩ ፈቐደሎም። ድሕሪ ግዜ: እቲ ሕያዋይ ሓለቓ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐበለ: ኣብቲ ኸባቢ ኸኣ ሓደ ዘመናዊ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሃንጸ።

ዕዮ ትርጕምን መገሻን

ብ1956 ናብ ኒው ብሪጣንያ ኻብ እንበጽሕ ድሕሪ ኽልተ ዓመት: ኣነን ጆንን እተፈላለየ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ናብ ፒጅን መላነዥያ ኽንትርጕም ጻውዒት ቀረበልና። እዚ ዕዮ እዚ ንሓያሎ ዓመታት ቀጸለ። ድሕሪኡ ብ1970 ብምሉእ ግዜና ተርጐምቲ ዄንና ንኸነገልግል: ናብቲ ኣብታ ፖርት ሞረዝቢ እትበሃል ርእሲ ኸተማ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተጸዋዕና። ኣብኡ ቛንቋ እውን ንምህር ነበርና።

ብ1975 ገየሽቲ ኣገልገልቲ ዄንና ንኸነገልግል ናብ ኒው ብሪጣንያ ተመለስና። ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ 13 ዓመት: ብነፋሪት: ብጃልባ: ብማኪና: ወይ ብእግሪ ዳርጋ ናብ ኵሉ ዅርናዓት እታ ሃገር ተጐዓዝና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ዓንቀጽ ተገሊጹ ዘሎ: ካብ ሞት ንስክላ ዘምለጥናሉ ግዜ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣጋጣሚ: ናብታ ኣብ ኒው ብሪጣንያ እትርከብ መዓልቦ ነፋሪት ካንድሪያን ምስ ቀረብና: እቲ መራሕ ነፋሪት ብሓደ ኸቢድ ዓይነት ሕማም ከስዐ ውኖኡ ኣጥፍአ። እታ ነፋሪት ብርእሳ እናበረረት ኣብ ልዕሊ እቲ ጫካ ኾለል ክትብል ከላ: ጆን ነቲ ሃለዋቱ ዘይፈልጥ ዝነበረ መራሕ ነፋሪት ኬበራብሮ ጸዓረ። ኣብ መወዳእታ ተበራበረ: ቍሩብ ስለ ዝሓሾ ድማ ሓርጐጽጐጽ ኣቢሉ ኣዕለበና። ድሕሪኡ መሊሱ ውኖኡ ኣጥፍአ።

ካልእ ኣጋጣሚ ኣገልግሎት ተኸፍተልና

ብ1988 ኣብቲ እናዓበየ ዚኸይድ ዝነበረ ዕዮ ትርጕም ንምስራሕ: እንደገና ናብ ፖርት ሞረዝቢ ተመደብና። ኣብቲ ጨንፈር 50 እንኸውን ንነብርን ንዓይን ነበርና: ሓደስቲ ተርጐምቲ ድማ ኣሰልጠንና። ኵላትና ሓሓንቲ ንእሽቶ ኽፍሊ ኣፓርታማ ተዋሂቡና ንነብር ነበርና። ኣነን ጆንን ንኣባላት እቲ ስድራቤትን ንበጻሕትን መጺኦም ምእንቲ ኺፈልጡና ኢልና ማዕጾና ብኽፉቱ ንገድፎ ነበርና። ስለዚ: ምስቶም ኣባላት ስድራቤትና ኣጸቢቕና ተቐራረብና: ንሓድሕድና ድማ ክንፋቐርን ክንደጋገፍን ከኣልና።

ድሕሪኡ ብ1993 ጆን ብድኻም ልቢ ሞተ። ገለ ኽፋለይ ዝሞተ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ካብ እንምርዖ 38 ዓመት ጌርና ነበርና: ንዅሉ እቲ ግዜና ድማ ብሓባር ኣብ ኣገልግሎት ነሕልፎ ነበርና። ኰይኑ ግን: በቲ የሆዋ ዚህበኒ ሓይሊ ክቕጽል ቈሪጸ ነበርኩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) እታ ማዕጾይ ክፍትቲ ዀይና ቐጸለት: መንእሰያት ከኣ ኣዘውቲሮም ይበጽሑኒ ነበሩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥዑይ ምሕዝነት: ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዘ ንክቕጽል ሓገዘኒ።

ብ2003 ጥዕናይ እናኣንቈልቈለ ብምኻዱ: ናብቲ ኣብ ሲድኒ: ኣውስትራልያ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ተመደብኩ። ሎሚ ጓል 77 ዓመት እኳ እንተ ዀንኩ: ኣብ ክፍሊ ትርጕም ብምሉእ ግዜይ አገልግል ኣለኹ: ብዕዮ ስብከት እውን ትሕዝቲ እየ። ፈተውተይን መንፈሳውያን ደቀይን ደቂ ደቀይን: ምንጪ ዘየቋርጽ ሓጐስ ኰይኖምለይ እዮም።

ኣብ ቤትኤል እትርከብ ማዕጾይ ሕጂ እውን ክፍትቲ እያ: መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣጋይሽ ይመጹኒ እዮም። አረ ማዕጾይ እንተ ዓጽየስ: ሰባት ኳሕኲሖም ደሓን እንተ ዀይነ ይሓቱኒ እዮም። ከስተንፍስ ክሳዕ ዝኸኣልኩ: ኣገልግሎተይ ንምፍጻምን ንየሆዋ ኣምላኸይ ንምግልጋልን ቈሪጸ እየ።—2 ጢሞቴዎስ 4:5

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብቲ ግዜ እቲ: ምብራቓዊ ኽፋል እታ ደሴት ብደቡብ ፓፕዋ: ብሰሜን ከኣ ኒው ጊኒ ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት። ሎሚ: ምዕራባዊ ኽፋል እታ ደሴት ፓፕዋ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክፋል ኢንዶነዥያ እዩ: እቲ ምብራቓዊ ኽፋል ከኣ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

b ታሪኽ ህይወት ጆን ካትፎርዝ: ኣብ ናይ 1 ሰነ 1958 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 333-6 ይርከብ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኒው ጊኒ

ኣውስትራልያ

ሲድኒ

ኢንዶነዥያ

ፓፕዋ ኒው ጊኒ

ታሊዲግ

ማዳንግ

ፖርት ሞረዝቢ

ኒው ብሪጣንያ

ራባውል

ቩናባል

ልሳን ባሕሪ ዋይድ

ልሳን ባሕሪ ዋተርፎል

[ምንጪ ስእሊ]

Map and globe: Based on NASA/Visible Earth imagery

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ብ1973 ኣብቲ ኣብ ላየ: ኒው ጊኒ እተገብረ ዓብዪ ኣኼባ ምስ ጆን

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ብ2002 ኣብቲ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ዚርከብ ጨንፈር