ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ድጕዓ ኤርምያስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ካብ ድጕዓ ኤርምያስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ቃል የሆዋ ህያው እዩ

ካብ ድጕዓ ኤርምያስ ዚጐልሕ ነጥብታት

ነብዪ ኤርምያስ: ፍጻሜ እቲ ን40 ዓመት ዚኣክል ዚዛረበሉ ዝነበረ መልእኽቲ ፍርዲ ረኣየ። እቲ ነብዪ እታ ዚፈትዋ ኸተማ ኽትዓኑ ኸላ ብምርኣዩ እንታይ ተሰሚዕዎ ይኸውን፧ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ንመጽሓፍ ድጕዓ ኤርምያስ ኣብ እተጠቕመሉ መእተዊ: “ኤርምያስ ተቐሚጡ ነብዐ: ንየሩሳሌም ድማ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ድጕዓ ደጕዓላ” በለ። ኤርምያስ ንመጽሓፍ ድጕዓ ኤርምያስ ዘቀናበራ ብ607 ቅ.ክ.: ማለት እቲ 18 ወርሒ ዝወሰደ ኸበባ የሩሳሌምን ቀጺሉ ዝሰዓበ ምንዳድ እታ ኸተማን ገና ኻብ ኣእምሮኡ ኸይወጸ ኸሎ ስለ ዝነበረ: እታ መጽሓፍ ነቲ ልባዊ ጓሂ ኤርምያስ ኣነጺራ እያ እትገልጾ። (ኤርምያስ 52:3-5, 12-14) ኣብ ታሪኽ ከምዛ ኸተማ እዚኣ ገይሩ ብዜደንግጽን ልብኻ ብዚሰብርን ቃላት እተሓዝነላ ኸተማ የላን።

ድጕዓ ኤርምያስ ሓሙሽተ ግጥምታት ዝጠርነፈት እያ። እተን ኣርባዕተ ድጕዓ ኪዀና ኸለዋ እታ ሓምሸይቲ ግን ልመና ወይ ጸሎት እያ። እተን ቀዳሞት ኣርባዕተ ምዕራፋት ብተርታ ፊደላት እብራይስጢ ዚጅምራ እየን: ማለት ነፍሲ ወከፍ ቍጽሪ ብሓንቲ ኻብተን 22 ፊደላት እብራይስጢ እያ እትጅምር። እታ ሓምሸይቲ መዝሙር ግን ሽሕኳ ምስ ቍጽሪ ፊደላት እብራይስጢ ማዕረ ንኽትከውን 22 ቝጽርታት ዘለዋ እንተ ዀነት: ብተርታ ፊደላት እትጅምር ኣይኰነትን።—ድጕዓ ኤርምያስ 5:1 NW እግረ-ጽሑፍ።

“ኣዒንተይ ብንብዓት ተበላሸወ”

(ድጕዓ ኤርምያስ 1:1-2:22)

“እዛ ህዝቢ ጃርጃር ዚብለላ ኸተማ ኸመይ ኢላ እያ ጸምያ እትቕመጥ ዘላ: እዛ ኣብ ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት ከመይ ኢላ መበለት ኰነት: እዛ ወይዘሮ ኣውራጃታትሲ ገባር ኰነት።” ነብዪ ኤርምያስ ብዛዕባ የሩሳሌም ዚደጕዖ ድጕዓ በዘን ቃላት እዚኣተን እዩ ዚጅምር። እቲ ነብዪ ምኽንያት እቲ መዓት ኪገልጽ ከሎ: “ብሰሪ ብዝሒ ኣበሳኣ እግዚኣብሄር ሓዘን ኣውረደላ” በለ።—ድጕዓ ኤርምያስ 1:1, 5

የሩሳሌም ከም ሓንቲ ብሞት ሰብኣያን ደቃን ዝሓዘነት መበለት ብምዃን: “ከምታ እተቐጻዕኩላ ስቓየይ እንተ አልያስ: ጠምቱ እሞ ተመልከቱ” በለት። ብዛዕባ ጸላእታ: “ኵሉ እከዮም ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ: ብኽያተይ በዚሑ: ልበይ ተሐሊሉ እዩ እሞ: ከምቲ ብሰሪ ዅሉ ኣበሳይ ዝገበርካኒ: ከምኡ ድማ ንኣታቶም ግበሮም” ኢላ ናብ ኣምላኽ ጸለየት።—ድጕዓ ኤርምያስ 1:12, 22

ኤርምያስ ኣዝዩ ኻብ ምጕሃዩ እተላዕለ: “[የሆዋ] በቲ ጕሁር ኵራኡ ድማ ንዅሉ ቐርኒ እስራኤል ሰልዔ: ካብ ጸላኢ ኸኣ ንየማነይቱ መለሳ: ከምቲ ንኸባቢኡ ዚልቝምጽ ሃልሃልታ ሓዊ ንያእቆብ ሞዅ ኣበሎ” በለ። እቲ ነብዪ: “ኣዒንተይ ብንብዓት ተበላሸወ: ኣምዑተይ ተዀሰ: ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዅዖ” ኢሉ ብምድጓዕ ሓዘኑ ኽሳዕ ክንደይ ከቢድ ከም ዝነበረ ገለጸ። ሓለፍቲ መገዲ እውን ከይተረፉ ብምግራም: “እዚኣዶ እያ እታ ፍጹም ዝመልክዓ: ሓጐስ ኵሉ ምድሪ እትብሀል ከተማ፧” በሉ።—ድጕዓ ኤርምያስ 2:3, 11, 15

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

1:15—የሆዋ ‘ነታ ድንግል ጓል ይሁዳ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ዝረገጻ’ ብኸመይ እዩ፧ ባቢሎናውያን ነታ ድንግል እተባህለት ከተማ ኼዕንዉዋ ኸለዉ ዘፍሰስዎ ደም ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ኣብ መጽመቝ ወይኒ ምስ ዚጽመቝ ወይኒ ተመሳሲሉ ኣሎ። የሆዋ ነዚ ተነብይዎ ስለ ዝነበረ: ኪፍጸም ድማ ስለ ዝፈቐደ: “ኣብ መጽመቚ ወይኒ ረገጻ” ኺበሃል ይከኣል እዩ።

2:1—‘ክብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ እተደርበየ’ ብኸመይ እዩ፧ “ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዚብል” ብምዃኑ: ልዕል ዝበሉ ነገራት ኪዋረዱ ኸለዉ ሓድሓድ ግዜ ልክዕ ‘ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበዩ’ እዮም። እቲ “ኽብሪ እስራኤል:” ማለት የሆዋ ንእስራኤል ኪባርኾ ኸሎ ዚረኽቦ ዝነበረ ግርማን ስልጣንን: የሩሳሌም ክትጠፍእ: ይሁዳ ኸኣ ክትባድም ከላ ተደርብዩ እዩ።—ኢሳይያስ 55:9

2:1, 6“ድኳ ኣእጋር” ከምኡውን “ድንኳን” የሆዋ እንታይ እዩ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ናብ ማሕደሩ ንእቶ: ኣብ መርገጽ እግሩ ንስገድ” ኢሉ ዘመረ። (መዝሙር 132:7) ስለዚ እምበኣር: እቲ ኣብ ድጕዓ ኤርምያስ 2:1 ተጠቒሱ ዘሎ “ድኳ ኣእጋር” ንኣምልኾ ቤት የሆዋ ወይ ንመቕደሱ ዜመልክት እዩ። ባቢሎናውያን ‘ንቤት የሆዋ:’ ልክዕ ከምቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ዚርከብ ድንኳን ወይ ኣጕዶ ገይሮም ‘ብሓዊ ኣንደድዋ።’—ኤርምያስ 52:12, 13

2:16, 17ብመሰረት ተርታ ፊደላት እብራይስጢ: ቝጽሪ 16 በታ ዓይን እትበሃል ፊደል እብራይስጢ: ቍጽሪ 17 ኸኣ ብፊደል ኪጅምራዶ ኣይኰነን ዚግባእ ነይሩ፧ እቶም ብመንፈስ ተመሪሖም ዚጽሕፉ ጸሓፍቲ በዚ ኣገባብ እዚ ገይሮም ግጥሚ ኺገጥሙ ኸለዉ: መብዛሕትኡ ግዜ ብተርታ ፊደላት እዮም ዚጽሕፍዎ ነይሮም። ይኹን እምበር: ዘይባህርያዊ ኣብ ዝዀነሉ መዳያት ነዚ ኣይስዕቡን እዮም ነይሮም። ካብቲ ንምዝካር ዚሕግዝ ስነ-ጽሑፋዊ ኣገባብ ንላዕሊ እቲ ዚህቦ ትርጕም እዩ ዝያዳ ኣገዳስነት ዚወሃቦ ነይሩ። ምግልባጥ እዘን ክልተ ፊደላት እዚኣተን ኣብተን ኣብ ድጕዓ ኤርምያስ ዘለዋ መዝሙር 3ን 4ን እውን ተራእዩ እዩ።—ድጕዓ ኤርምያስ 3:46, 49፣ 4:16, 17 NW

2:17—የሆዋ ምስ የሩሳሌም እተተሓሓዘ እንታይ ፍሉይ “ቃል” እዩ ዝፈጸመ፧ እቲ ኣብዚ ተሓቢሩ ዘሎ ቓል ነቲ “ገጸይ ከኣ ናብ ልዕሌኹም ክመልስ እየ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ድማ ክትሰዐሩ ኢኹም። እቶም ዚጸልእኹም ከኣ ኪገዝኡኹም እዮም: ዝሰጐጐኩም ዜልቦ ድማ ክትሀድሙ ኢኹም” ዚብል ኣብ ዘሌዋውያን 26:17 ዚርከብ ሓሳባት እዩ ዜመልክት ኪኸውን ዚኽእል።

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

1:1-9 የሩሳሌም ለይቲ ብኽያት ትበኪ ንብዓታ ኣብ ምዕጕርታ ይውሕዝ ነበረ። ደጌታታ ዓንዩ: ካህናታ ይትክዙ ነበሩ። ደናግላ ጕህየን: ንሳ ድማ ተመሪራ ነበረት። ስለምንታይ፧ የሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ስለ ዝገበረት እዩ። ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና ነበረ። ፍረ ኣበሳኣ ሓጐስ ዘይኰነስ: ብኽያትን ጓህን እህህታን ምረትን እዩ።

1:18 የሆዋ ንኣበሰኛታት ኪቐጽዕ ከሎ ወትሩ ፍትሓውን ጻድቕን እዩ።

2:20 እስራኤላውያን ቃል የሆዋ እንተ ደኣ ዘይሰሚዖም: ‘ስጋ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን’ ምብላዕውን ዜጠቓልል መርገም ከም ዚወርዶም መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነበረ። (ዘዳግም 28:15, 45, 53) ንኣምላኽ ዘይምእዛዝሲ ኣየ ኽንደይ ዕሽነት ኰን እዩ፧

“ካብ እህህታይ . . . እዝንኻ ኣይትሕብኣዮ”

(ድጕዓ ኤርምያስ 3:1-5:22)

ኣብ ድጕዓ ኤርምያስ ምዕራፍ 3: ህዝቢ እስራኤል “ሰብኣይ” ተባሂሎም ኣለዉ። እዚ ሰብኣይ እዚ መከራ የሕልፍ እኳ እንተ ነበረ: “እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ: ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ” ብምባል ዘመረ። ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብምጽላይ “ድምጸይ ሰሚዕካ: ካብ እህህታይን ጭርሓይን እዝንኻ ኣይትሕብኣዮ” ኢሉ ለመነ። የሆዋ ንጸርፊ ጸላእቱ ንኬቕልበሉ ብምሕታት “ዎ እግዚኣብሄር: ከም ግብሪ ኣእዳዎም ሕነ ፍደዮም” በለ።—ድጕዓ ኤርምያስ 3:1, 25, 56, 64

ኤርምያስ ብምኽንያት እቲ ናይ 18 ወርሒ ኸበባ የሩሳሌም ዘምጽኦ ኸቢድ ሳዕቤን ስምዒቱ ብምፍሳስ: “ኣበሳ እታ ጓል ህዝበይ ካብታ ኣእዳው ከይተንከያ: ብድንገት እተገልበጠት ሶዶም: ካብ ሓጢኣታ ይዐቢ” ብምባል ደጕዐ። ኤርምያስ ቀጺሉ: “ካብቶም ብጥሜት ዝሞቱ ብሰይፊ ዝሞቱ ይሔሾም: ፍረ ምድሪ ስለ እተሳእነ: ተወጊኦም ይማስኑ” በለ።—ድጕዓ ኤርምያስ 4:6, 9

እታ ሓምሸይቲ ግጥሚ ተቐማጦ የሩሳሌም ይዛረቡ ኸም ዘለዉ ገይራ እያ እተቕርቦ። “ጐይታየ: እቲ ዝወረደና ዘክር: እቲ ነውርና ጠምትን ርኤን” በሉ። ጸበባኦም ኪጽብጽቡ ኸለዉ ኸኣ: “ንስኻ ዎ እግዚኣብሄር: ንዘለኣለም ትነብር: ዝፋንካ ንውሉድ ወለዶ እዩ። ጐይታየ: ናባኻ ምለሰና ንሕናውን ንምለስ። ንመዓልትታትና ኸምቲ ናይ ቀደም ሐድሶ” ኢሎም ለመናኦም ኣቕረቡ።—ድጕዓ ኤርምያስ 5:1, 19, 21

ቅዱስ ጽሑፋዊ ሕቶታት ምስ መልሱ:-

3:16“ኣስናነይ ብጸጸር ሰበረ” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ሓደ መወከሲ ጽሑፍ “እቶም ኣይሁድ: ናብ ምርኮ ኪኸዱ ኸለዉ: እንጌራኦም ኣብ መሬት ኣብ እተዃዕተ ጐዳጕዲ ኺስንክቱ ይግደዱ ስለ ዝነበሩ እንጌራኦም ምስ ጸጸር ይተሓዋወስ ነበረ” ብምባል ይገልጽ። ነዚ እንጌራ እዚ ምብላዕ ስኒ ኺሰብር ይኽእል እዩ።

4:3, 10ኤርምያስ ‘ንጓል ህዝቡ’ ምስ “ሰገን በረኻ” ዘመሳሰላ ስለምንታይ እዩ፧ ከምቲ ኣብ እዮብ 39:16 እተገልጸ: ሰገን “ንውሉዳ ኸም ዘይናታ ትጭክነሉ።” ንኣብነት: እንቋቝሖ ምስ ተጨጭሐ ኣንስተይቲ ሰገን ንጨጨውታ ገዲፋ ናብ ካልኦት ሰገን ክትከይድ ከላ: እቲ ተባዕታይ ሰገን ሓላፍነት ተሰኪሙ ነተን ጨጨውቲ ይኣልየን። ሓደጋ ኼጋጥሞም ከሎኸ እንታይ እዮም ዚገብሩ፧ ክልቲኦም ተባዕታይን ኣንስተይትን ሰገን ጨጨውቶም ገዲፎም ካብ ሰፈሮም ይሃድሙ። ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ኪኸብዋ ኸለዉ ኸኣ: እቲ ኣብ የሩሳሌም ዘጋጠመ ጥሜት ኣዝዩ ኸቢድ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: እተን ብተፈጥሮ ደንገጽቲ ዝዀና ኣዴታት ልክዕ ከም ሰገን በረኻ ንውሉዳቶም ጨከናሎም። እዚ ምስቲ ወኻሩ ንደቀን ዚገብራሎም ሓልዮት ኪነጻጸር ከሎ ኣዝዩ እተፈልየ እዩ።

5:7የሆዋ ንሰባት በቲ ኣቦታቶም ዝፈጸምዎ ስሕተት ይጸባጸቦም ድዩ፧ ኣይፋሉን። የሆዋ ንሰባት በቲ ኣቦታቶም ዝፈጸምዎ ሓጢኣት ብቐጥታ ኣይቀጽዖምን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ” ይብል። (ሮሜ 14:12) ይኹን እምበር: ሳዕቤን ስሕተት ነዊሕ ኪቕጽልን ናብ ወለዶ ኺመሓላለፍን ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ጥንታውያን እስራኤል ናብ ኣምልኾ ጣኦት ብምምላሶም: ነቶም ኣብ ዳሕራይ ግዜያት ዚመጹ እሙናት እስራኤላውያን እውን ከይተረፈ መገዲ ጽድቂ ኺስዕቡ ኣጸጋሚ ኸም ዚዀኖም ገበሩ።—ዘጸኣት 20:5

ንዓና ዚኸውን ትምህርቲ:-

3:8, 43, 44 ንየሩሳሌም መዓት ኪወርዳ ኸሎ: ሽሕኳ ተቐማጦኣ እንተ ኣእወዩ: የሆዋ ኺሰምዖም ኣይደለየን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቶም ህዝቢ ዘይእዙዛት እዮም ነይሮም: ኣይተነስሑን ከኣ። የሆዋ ንጸሎትና ኺምልሰልና ንደሊ እንተ ደኣ ዄንና: ክንእዘዞ ይግባእ።—ምሳሌ 28:9

3:21-26, 28-33 ከቢድ መከራ ኼጋጥመና ኸሎ ብኸመይ ኢና ኽንጽመም እንኽእል፧ ኤርምያስ መልሱ ይነግረና እዩ። ጸጋን ምሕረትን የሆዋ ብዙሕ ምዃኑ ፈጺምና ኽንርስዕ የብልናን። ብተወሳኺ ኸኣ ብህይወት ምንባርና ጥራይ ንባዕሉ ተስፋ ንኸይንቘርጽን የሆዋ ዘየድሓነና ኢልና ኸየጕረምረምና ብትዕግስትን ብህድኣትን ክንጽበ ኸም ዘሎናን ክንርስዕ የብልናን። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ‘ኣፍና ኣብ ሓመድ ከነድንን’ ኣለና: እዚ ማለት ድማ እቲ ኣምላኽ ዜፍቅዶ ዘበለ ነገራት ብብቑዕ ምኽንያት ምዃኑ ብምግንዛብ ንፈተናታት ብትሕትና ኽንቅበል ይግባእ።

3:27 ኣብ ግዜ ንእስነትና ንዜጋጥመና ፈተናታት ምጽዋር ኪበሃል ከሎ ጸገማትን ላግጽን ምጽማም ማለት እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን: “ንሰብኣይ ብንእስነቱ ኣርዑት ምጻር ሰናይ እዩ።” ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ኣርዑት መከራ ምጻሩ: ዳሕራይ ኣብ ህይወቱ ንዜጋጥሞ ጸገማት ንምጽዋር ይሕግዞ።

3:39-42 ብሰንኪ ሓጢኣትና መከራ ኼጋጥመና ኸሎ ‘ምጕርምራም’ ጥበባዊ ኣይኰነን። ብዛዕባ እቲ ብሰሪ ኣበሳና ዘጋጠመና ሳዕቤን ኣብ ክንዲ እነጕረምርም: “መገድና ንተዐዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።” ተነሲሕና መገድና ኸነዕሪ ጥበባዊ እዩ።

ንየሆዋ እምንቶኹም ግበርዎ

መጽሓፍ ድጕዓ ኤርምያስ: ባቢሎናውያን ንየሩሳሌም ብሓዊ ኣንዲዶም ንምድሪ ይሁዳ ዑና ምስ ገበርዋ: የሆዋ ነታ ኸተማን ንምድሪ ይሁዳን ብኸመይ ከም እተመልከተን ትገልጽ። እቲ ኣብኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት ከም ዜነጽሮ: እቲ ዝወረደ መከራ ብዓይኒ የሆዋ ኺርአ ኸሎ ብሰሪ ሓጢኣት እቲ ህዝቢ ምዃኑ እዩ። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ መዝሙር እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ኣብ የሆዋ ተስፋ ምግባርን ናብ ቅኑዕ መገዲ ንምምላስ ባህጊ ምሕዳርን ዚገልጽ ቃላት ሒዙ ኣሎ። መብዛሕትኡ እቲ ህዝቢ ኸምዚ ስምዒት ስለ ዘይነበሮ: እዚ ቓላት እዚ ንስምዒት ኤርምያስን እቶም እተነስሑ ተረፍን የመልክት።

እቲ ኣብ መጽሓፍ ድጕዓ ኤርምያስ ተገሊጹ ዘሎ የሆዋ ብዛዕባ ዅነታት የሩሳሌም ዝገበሮ ገምጋም ክልተ ኣጋዳሲ ትምህርቲ ይምህረና። ቀዳማይ: ዕንወት የሩሳሌምን ምብዳም ይሁዳን ንየሆዋ እዙዝ ምዃን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ የዘኻኽር: መለኮታዊ ፍቓድ ዕሽሽ ኪበሃል ከም ዘይብሉ ኸኣ የጠንቅቕ። (1 ቈረንቶስ 10:11) እቲ ኻልኣይ ካብ ኣብነት ኤርምያስ እንረኽቦ ትምህርቲ እዩ። (ሮሜ 15:4) እቲ ኣዝዩ ሓዚኑ ዝነበረ ነብዪ ኣብቲ ተስፋ ዘይብሉ ዝመስለሉ ዝነበረ ዅነታት እውን ከይተረፈ ምድሓን ካብ የሆዋ ይጽበ ነበረ። ኣብ የሆዋን ኣብ ቃሉን ምሉእ ብምሉእ ክንውከል: እምንቶና ኸኣ ክንገብሮ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!—እብራውያን 4:12

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእሊ]

ነብዪ ኤርምያስ ፍጻመ እቲ ዜብጽሖ ዝነበረ መልእኽቲ ፍርዲ ርእዩ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

እዞም ኮርያውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ንክርስትያናዊ ገለልትነት ዚምልከት ጉዳይ ብዝወሰድዎ መትከል እምነቶም ተፈቲና እያ