ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ጥቕላል ናብ ኮዴክስ መጽሓፍ ቅዱስ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወሉ መገዲ

ካብ ጥቕላል ናብ ኮዴክስ መጽሓፍ ቅዱስ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወሉ መገዲ

ካብ ጥቕላል ናብ ኮዴክስ መጽሓፍ ቅዱስ ብመልክዕ መጽሓፍ እተዳለወሉ መገዲ

ኣብ ታሪኽ ደቅሰብ ብምሉኡ: ሰባት ብእተፈላለየ መገድታት ሓበሬታ ዓቂቦም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ጸሓፍቲ ቓላቶም ኣብ ቅርስታት: ኣብ ጽላታት እምኒ ወይ ዕንጨይቲ: ኣብ ብራናታት: ከምኡውን ኣብ ካልእ ነገራት መዝጊቦም እዮም። ክሳዕ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ዝነበረ እዋን: ንቓላት ብጽሑፍ ንምዕቃብ ዜዘውትርዎ ዝነበሩ ቕቡልን ልሙድን ኣገባብ ኣብ ጥቕላላት እዩ ነይሩ። ጸኒሑ ኮዴክስ ዚበሃል መጸ: እዚ ኸኣ ንጥቕላል ብምትካእ ጽሑፍ ዚዕቀበሉ ልሙድ ኣገባብ ኰነ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኺዝርጋሕ እውን ዓብዪ ኣበርክቶ ገበረ። ኮዴክስ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ኣብ ጥቕሚ ኺውዕል ዝኸኣለ፧

ኮዴክስ ኣፈናዊ ኣብነት እዚ ሎሚ ዘሎ መጽሓፍ እዩ። እተዓጽፈን እተጠርነፈን ኣብ መዕጸፊኡ እተኣስረን ኣቝጽልቲ ዝሓዘ ኸኣ እዩ። ኣብ ክልቲኡ ገጻት ዚጸሓፈሉ ዀይኑ: ገበር እውን ይግበረሉ ነበረ። እቲ ጥንታዊ ኮዴክስ ምስዚ ሕጂ ዘሎ መጻሕፍቲ ኣጸቢቑ ኣይመሳሰልን እዩ: ኰይኑ ግን ከምቲ ኣብ መብዛሕትኡ ኻልእ ምህዞታት ዚርአ: ከከም ድሌትን ምርጫን እቶም ተጠቀምቲ ማዕቢሉን ተመሓይሹን እዩ።

ዕንጨይትን ስምዕን ብራናን

ኣብ ፈለማ ኮዴክስ መብዛሕትኡ እዋን ብስምዒ እተለኽየ ጽላታት ዕንጨይቲ ይስራሕ ነበረ። በቲ ዝነውሐ ሸነኹ ብመፍሰል እተኣሳሰረ ጽሑፍ ዝሰፈሮ ስምዒ እተለኽየ ጽላታት: ኣብታ ብ79 ድ.ክ. ከረን ቨሱቪስ እሳተ ጎመራ ኺተፍእ ከሎ ምስ ፖምፐይ ዝጠፍአት ሀርኲለንዩም እትበሃል ከተማ ተረኺቡ እዩ። በብቝሩብ እቲ ደረቕ ጽላታት ኪዕጸፍ ብዚኽእል ኣቝጽልቲ ተተክአ። እቲ ኮዴክሳት ወይ መጻሕፍቲ ዝሓዞ ገጻት ብሓፈሻኡ ብቘርበት እተዳለወ ብምንባሩ ብላቲን መምብራኒ ወይ ብራና ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ።

ገሊኡ ኽሳዕ ሕጂ ዝጸንሐ ኮዴክሳት ካብ ፓፒረስ እዩ ተዳልዩ። እቲ ብጥንታውነቱ ቐዳማይ ቦታ ሒዙ ዘሎ ክርስትያናዊ ኮዴክሳት: ኣብቲ ደረቕ ኵነታት ኣየር ዘለዎ ገሊኡ ኸባቢታት ግብጺ እተዓቀበ ዀይኑ: ካብ ፓፒረስ እተዳለወ እዩ። a

ጥቕላል ወይስ ኮዴክስ፧

ክርስትያናት ክሳዕ መወዳእታ ቐዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣቢሉ መብዛሕትኡ ግዜ ጥቕላል ዚጥቀሙ ዝነበሩ እዩ ዚመስል። ካብ መወዳእታ ቐዳማይ ክሳዕ ሳልሳይ ዘመን ድ.ክ. ኣብ ዝነበረ እዋን: ኣብ መንጎ እቶም ኮዴክስ ዚመርጹን ጥቕላል ዚመርጹን ሰባት ቃልሲ ነበረ። እቶም ጥቕላል ምጥቃም ዝለመዱ ዓቃባውያን: ነቲ ሱር ሰዲዱ ዝነበረ ልማዳቶም ምሕዳግ ኣበዩ። ሓደ ጥቕላል ንምንባብ እንታይ ምግባር ከም ዜድሊ እሞ ሕስብ ኣብሎ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ጥቕላል ንሓድሕዱ እተለጋገበ ምዱብ ኣቝጽልቲ ፓፒረስ ወይ ብራና ዝሓዘ ዀይኑ: ኣብ ሓደ ይጥቕለል ነበረ። እቲ ጽሑፍ ኣብ ቅድሚት ሸነኽ እቲ ጥቕላል ኣብ ዓምድታት ይጸሓፍ ነበረ። ነዚ ንምንባቡ: እቲ ተጠቃሚ ነቲ ዚደልዮ ኽፋል ክሳዕ ዚረክብ ነቲ ጥቕላል ኪዝርዝሮ ነበሮ። ድሕሪ ምንባቡ ኸኣ እንደገና ይጥቕልሎ ነበረ። adj.ንሓደ ስነ-ጽሑፋዊ ስራሕ ጥራይ ልዕሊ ሓደ ጥቕላል የድሊ ነበረ: እዚ ኸኣ ንምጥቃሙ ዘይምሹእ ነበረ። ካብ ካልኣይ ዘመን ንደሓር ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ብመልክዕ ኮዴክስ ኪቐድሕዎ ጀሚሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ: ጥቕላላት ግን ንሓያሎ ዘመናት ቀጺሉ እዩ። ይኹን እምበር: ክርስትያናት ኮዴክስ ምጥቃሞም: እዚ ኣገባብ ኣጠራንፋ እዚ ሰፊሕ ተቐባልነት ንኺረክብ ዓብዪ ግደ ኸም ዝነበሮ ኽኢላታት ይኣምኑ።

ኮዴክስ ዘለዎ ብልጫ ርኡይ እዩ። ብኣኽእሎ: ብምሾት: ከምኡውን ንምስካሙ ፈኲስ ብምዃኑ ብልጫ ነበሮ። ገሊኦም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት ነዚ ብልጫታት እኳ እንተ ረኣዩ: መብዛሕትኦም ግን ጥቕላል ካብ ምጥቃም ኪቕይሩ ኣይደለዩን። ይኹን እምበር: ኣብ እተወሰነ ዘመናት ብእተፈላለየ ረቛሒታት ኮዴክስ ህቡብ ኰነ።

ኮዴክስ ምስ ጥቕላል ኪነጻጸር ከሎ: ዝያዳ ቘጣቢ እዩ። ክልቲኡ ሸነኽ ገጻት ኪጸሓፈሉ ይከኣል: ሓያሎ መጻሕፍቲ ድማ ኣብ ሓንቲ ጥራዝ ኪጥረዝ ይከኣል እዩ። ኣብ ኮዴክስ እተወሰነ ኽፋል ጽሑፍ ንምርካብ ዝቐለለ ምዃኑ: ክርስትያናትን ከም ጠበቓታት ዝኣመሰሉ ኽኢላታትን ኪፈትውዎ ኸኣሉ። ክርስትያናት ኣብ ዝነኣሰ መጽሓፍ: ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪረኽቡ ምኽኣሎም: ንዕዮ ወንጌላውነቶም ኣዝዩ ጠቓሚ ነበረ። ብዘይካዚ: ኮዴክስ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ዕንጨይቲ እተሰርሐ ገበር ስለ ዝነበሮ: ካብ ጥቕላላት ብዝያዳ ድልዱል ነበረ።

ኮዴክስ ንብሕታዊ ንባብ እውን ምሹእ ነበረ። ክሳዕ መወዳእታ ሳልሳይ ዘመን: ብብራናታት እተሰርሐ ንኣሽቱ ወንጌላት ኣብቶም ክርስትያናት ኢና ዚብሉ ይርከብ ነበረ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ቃል ብቓሉ ብቢልዮናት ዚቝጸር ቅዳሓት ምሉእ ወይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብመልክዕ ኮዴክስ ተዳልዩ እዩ።

ሎሚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መለኮታዊ ጥበብ ብቕልጡፍን ብቐሊሉን ክንረኽበሉ እንኽእል ብዙሕ ናውቲ ኣሎ። ኣብ ኮምፕዩተራትን ቅዳሓት ኣውድዮን ጽሑፋትን ይርከብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኪቐርበልካ እትመርጾ መገዲ ብዘየገድስ: ንቓል ኣምላኽ ፍቕሪ ኣሕድር: መዓልታዊ ድማ ኣስተንትኖ።—መዝሙር 119:97, 167

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1962 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 501-5 እትርከብ “ቀዳማይ ክርስትያናዊ ኮዴክስ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተወከስ።

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእሊ]

ኮዴክስ ኣብ ዝርጋሐ መጽሓፍ ቅዱስ ዓብዪ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ