ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ግዝረት ምልክት ስብእነት ድዩ፧

ግዝረት ምልክት ስብእነት ድዩ፧

ግዝረት ምልክት ስብእነት ድዩ፧

ኣብ መብዛሕትኡ ኽፍልታት ዓለም: ግዝረት ኣብ ሕጻናት ኣወዳት ንጥዕና ተባሂሉ እዩ ዚግበር። ኣብ ገሊኡ ኽፍልታት ዓለም ከኣ ኣወዳት ኣብ ምሉእ ህይወቶም ከይተገዝሩ ኺነብሩ ልሙድ እዩ። ንኸም እኒ ኣይሁድን ኣስላምን ዝኣመሰሉ ሃይማኖታውያን ሰባት ከኣ ንጥዕና ጥራይ ዘይኰነስ: ሃይማኖታዊ ትርጕም እውን ኣለዎ።

ኣብ ገሊኡ ሃገራት ግን ሓደ ወዲ ኣብ ስብእነት ምስ በጽሐ: ወግዓዊ ግዝረት ይፍጸመሉ። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ: እቲ ወዲ ናብ ባህላዊ ቤት ትምህርቲ ይለኣኽ እሞ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተገዚሩ: ካብ ቍስሉ ኽሳዕ ዚሓዊ ንሰሙናት ዚኣክል ካብቲ ማሕበረሰብ ተገሊሉ ይጸንሕ። ኣብዚ እዋን እዚ: እቲ ወዲ ፍሉይ ወግዕታት ይስዕብ: ሰብኣይ ኪኸውን ከም ዚኽእል ከኣ ይመሃር። ሓደ ወዲ ኣብ ስብእነት ከም ዝበጽሐ ንምርግጋጽ እዚ ዓይነት ግዝረት እዚ ኣድላዪ ድዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣረኣእያ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ዚህቦ ሓሳባት እስከ ንርአ።—ምሳሌ 3:5, 6

ኣምላኽ ብዛዕባ ግዝረት ዘለዎ ኣረኣእያ

ከም እኒ ግብጻውያን ዝኣመሰሉ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት: ግዝረት—ዕልቦ ጾታዊ ኽፍሊ ኣካል ወዲ ተባዕታይ ምቝራጽ—ይፍጽሙ ነይሮም። ኣብርሃም ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ልምዲ ኻብ ዝነበሮ ስድራቤት ኣይኰነን ተወሊዱ። አረ: ኣብ መብዛሕትኡ ዕድሚኡስ ከይተገዝረ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ኣብቲ ኸይተገዝረ ዝነበረሉ ዅነታት: ጅግና ሰብኣይ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ሒደት ሰብኡት ጥራይ ሒዙ ነቶም ንሎጥ ወዲ ሓዉ ማሪኾም ዝነበሩ ሰራዊት ኣርባዕተ ነገስታት ደድሕሪኦም ስዒቡ ሰዓሮም። (ዘፍጥረት 14:8-16) ድሕሪ 14 ዓመት ግን ኣምላኽ ንኣብርሃም ኪግዘር: ንዅሎም ስድራቤቱ እውን ኪገዝር ኣዘዞ። ኣምላኽ ከምኡ ኺገብር ዝኣዘዞ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብርሃም ካብ ቍልዕነት ናብ ስብእነት ከም ዝዓበየ ዜምልክት ከም ዘይነበረ ፍሉጥ እዩ። ከመይሲ ወዲ 99 ዓመት እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 17:1, 26, 27) ኣምላኽ “ስጋ ዕልቦኹም ግዘሩ: እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን መንጎኹምን ዘሎ ኺዳን ምልክት ኪኸውን እዩ” ብምባል ነቲ ትእዛዝ ዝሃበሉ ምኽንያት ገሊጽዎ ኣሎ። (ዘፍጥረት 17:11) እዚ ኺዳን ኣብርሃም እዚ: ነቲ ኣምላኽ ብኣብርሃም ኣቢሉ ን“ዓሌታት ኵላ ምድሪ” ኣብዚሑ ኺባርኾም ምዃኑ እተመባጽዖ መብጽዓ እውን ዚሓቍፍ እዩ። (ዘፍጥረት 12:2, 3) ስለዚ እምበኣር: ግዝረት ብዓይኒ ኣምላኽ ኪርአ ኸሎ ምስ ስብእነት ምንም ርክብ የብሉን። ሓደ ሰብ ካብቶም ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀኑ ‘ቓል ኣምላኽ ብሕድሪ ንኺወሃቦም’ ከኣ ፍሉይ መሰል ዝረኸቡ እስራኤላውያን ከም እተወልደ ንምሕባር እዩ ዚግዘር ነይሩ።—ሮሜ 3:1, 2

ድሕሪ ገለ ግዜ ግን ህዝቢ እስራኤል ነቲ ናይ ሓቂ ዘርኢ ኣብርሃም ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምንጻጎም ነቲ እተዋህቦም ሕድሪ ኣየጽንዑን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብኣምላኽ ተነጽጉ: ግዝረቶም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትርጕም ዘይብሉ ዀነ። ይኹን እምበር: ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት: ግዝረት ኣምላኽ ዚደልዮ ብቕዓት ከም ዝዀነ ኣትሪሮም ይዛረቡሉ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 11:2, 3፣ 15:5) በዚ ምኽንያት እዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ንቲቶስ ነቲ ኣብ እተፈላለየ ጉባኤታት ዝርአ ዝነበረ ‘ጕድለት ምእንቲ ኺእርም’ (NW) ኢሉ ለኣኾ። ብዛዕባ ሓደ ኻብቲ ጕድለት ከኣ ጳውሎስ ንቲቶስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈሉ:- “ብዙሓት ዘይእዘዙ ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትትን አለዉ: እዚኣቶም ምናዳ ኻብ ሰብ ግዝረት እዮም። ንሳቶም ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም: ዘይግባእ እናመሀሩ: ንብዘሎ ኣባይቲ ዚገላባብጡ: ምዕባስ ኣፎም ግቡእ እዩ።”—ቲቶስ 1:5, 10, 11

ምኽሪ ጳውሎስ ሎሚ እውን ይዓዪ እዩ። ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን: ንኻልእ ወላዲ ንውሉዱ ኺገዝር ኪደፋፍኦ ግቡእ ኣይኰነን። ስለዚ እምበኣር: ሓደ ክርስትያን ‘ኣብ ነገር ካልኦት ኣብ ክንዲ ዚጽምበር:’ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብሕታዊ ውሳነ: ወለዲ ባዕሎም ንኺውስኑ እዩ ዚገድፈሎም። (1 ጴጥሮስ 4:15) ኣብ ርእሲ እዚ እውን ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ዚግበር ግዝረት: “ግዙር ክነሱ እተጸውዔዶ አሎ፧ ዘይግዙር ምዃን ኣይድለ። ዘይግዙር ክነሱ እተጸውዔኸ አሎዶ፧ ኣይገዘር። ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዚጠቅም እምበር: ግዝረት ፍረ የብሉን: ዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዓሉ ጽውዓ ይንበር” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 7:18-20

“ኣብያተ-ትምህርቲ ግዝረት” ቅቡል ድዩ፧

ክርስትያን ወለዲ ኣወዳቶም ኪግዘሩ እንተ ዚውስኑኸ፧ ናብቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ኣብያተ-ትምህርቲ ግዝረት ዚበሃል ኬእትውዎምሲ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ድዩ፧ እዚ ኣብያተ-ትምህርቲ እዚ: ነቲ ዕልቦ ብመጥባሕቲ ምልጋስ ጥራይ ዘይኰነስ ካልእ ስርዓታት እውን ኣለዎ። እቲ ኣባል እቲ ቤት ትምህርቲ ንሰሙናት ዚኣክል ንየሆዋ ምስ ዘየምልኹ ኣወዳትን መምህራንን ተቐራሪቡ እዩ ዚነብር። እቲ ኣብኡ ዚወሃብ ሓያሎ ትምህርቲ ምስቲ ኽብ ዝበለ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል የጠንቅቕ።—1 ቈረንቶስ 15:33

ኣብዚ ኣብያተ-ትምህርቲ እዚ ምክፋል: ኣካላዊ ሓደጋታት እውን ኣለዎ። ሳውዝ ኣፍሪካን መዲካል ጆርናል ብ2003 ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቐ:- “ኣብዚ ዓመት እዚ እውን ዜሰንብድ ሳዕቤን ግዝረት ይርአ ምህላዉ ተፈሊጡ: ጸብጻብ እቲ ዘስዓቦ ሞትን ስንክልናን ከኣ ብዅሉ ዓበይቲ ኣገልግሎታት ዜና ኣብ ዓለም ተዘርጊሑ እዩ። . . . ብሓጺሩ መብዛሕትኡ እቲ ሎሚ ዘሎ ‘ኣብያተ-ትምህርቲ ግዝረት’ ዚበሃል ናይ ሓሶትን ሓደገኛን እዩ።”

ኣብ ርእሲ እቲ ነቲ መንእሰይ ዜስዕበሉ ኣካላዊ ጕድኣት: መንፈሳዊ ጕድኣት እውን ኣለዎ። እቲ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ግዝረት ዚወሃብ ትምህርትታትን ተግባራትን ምስ ሓተታ መናፍስትን ምስ ኣምልኾ ዝሞቱ ኣባሓጎታትን ኣጸቢቑ ዚተኣሳሰር እዩ። ንኣብነት: ጕድኣት ኬጋጥም ከሎ መብዛሕትኦም ሰባት ብሰንኪ ኣብ መጥባሕቲ እተገብረ ሸለልትነትን ጕድለት ንጽህናን ምዃኑ ኣብ ክንዲ ዚእመኑ: ሳዕቤን እቲ ሓደጋ ብሰንኪ ስራይ ወይ እቶም ዚሞቱ ኣባሓጎታት ብዘይምሕጓሶም ከም ዘጋጠመ እዮም ዚኣምኑ። ብዛዕባ ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ርክብ ምግባር: መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ብምባል ይእዝዝ:- “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፤ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት አልይዎ፧ . . . ስለዚ፤ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን: ኣነውን ክቕበለኩም እየ: ይብል እግዚኣብሄር።” (2 ቈረንቶስ 6:14-17) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምበኣር: ክርስትያን ወለዲ ንኣወዳት ውሉዳቶም: ናብ ቤት ትምህርቲ ግዝረት ኪልእኽዎም ጥበባዊ ኣይኰነን።

ንሓደ ክርስትያን ሰብኣይ ዜብሎ እንታይ እዩ፧

ሓደ ክርስትያን ይገዘር ኣይገዘር ብዘየገድስ ንስብእነቱ ዚትንክፎ ኣይኰነን። ንናይ ሓቂ ክርስትያናት ቀንዲ ዜገድሶም ንኣምላኽ ባህ ኬብሉ ደኣ እምበር: “ንሰብ ብስጋ ባህ ኬብሉ ዚደልዩ” ኣይኰኑን።—ገላትያ 6:12

ይኹን እምበር: ሓደ ክርስትያን ንኣምላኽ ባህ ንኼብል: ‘ዕልቦ ልቡ ኺገዝር’ ኣለዎ። (ዘዳግም 10:16፣ 30:6፣ ማቴዎስ 5:8) እዚ ድማ ብኻራ ብምቝራጽ ዘይኰነስ: ብስጋ ምግዛር ካብ ካልኦት ጸብለል ከም እትብል ዚገብር እዩ ዚብልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ትዕቢት ዝመልኦ ሓሳባት ኰነ ሕማቕ ባህግታት ብምንጻግ እዩ። ሓደ ክርስትያን ይገዘር ኣይገዘር ብዘየገድስ: ፈተናታት ብምጽማምን ‘ኣብ እምነት ብምጽናዕን’ ሰብኣይ ምዃኑ ኼርኢ ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 16:13፣ ያእቆብ 1:12