ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓደ ዓመት ኣብታ “ጽብቕቲ ምድሪ”

ሓደ ዓመት ኣብታ “ጽብቕቲ ምድሪ”

ሓደ ዓመት ኣብታ “ጽብቕቲ ምድሪ”

ብ1908 ኣብታ ኻብ የሩሳሌም ናብ ምዕራብ ገጹ ዚርከብ ጐላጕል ዝነበረት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሳ እትርከብ ጌዘር እትበሃል ከተማ ዝነበረትሉ ቦታ ሓደ ዜደንቕ ነገር ተረኽበ። እዚ ኸኣ ኣብ ዓስራይ ዘመን ቅ.ክ. ዝነበረ ተባሂሉ ዚእመነሉ ሓደ ንእሽቶ ጽላት እምኒ ኖራ እዩ። ኣብኡ ድማ ጥንታዊ ጽሑፍ እብራይስጢ ዚርከብ ኰይኑ: እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ሕርሻዊ ዓመት ወይ ዑደት ምስ እተፈላለየ መስርሓቱ ብቕልል ዝበለ መልክዕ ዚገልጽ ጌርካ እዩ ዚእመን። እዚ ጽላት እዚ ዓውደ-ኣዋርሕ ጌዘር ተባሂሉ ተጸውዐ።

እቲ ጽላት: ኣቢያ ዚብል ክታም ዝሓዘ እዩ። ኵሎም ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ እኳ እንተ ዘይተሰማምዑሉ: ብዙሓት ግን ሓደ ተመሃራይ መላመዲ ኺዓዪ ኸሎ ዝጸሓፎ ግጥሚ ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ። a ብዓይኒ እቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዚነብር ዝነበረ ቘልዓ ኣቢልካ ወቕትታት ኪሓልፍ ከሎ ብኣእምሮኻ ኽትርእዮዶ ትደሊ፧ ከምዚ ምግባርካ: ገለ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ፍጻመታት ንኽትዝክር ኪሕግዘካ ይኽእል ይኸውን።

ክልተ ወርሒ ዚኸውን ምእካብ ምህርቲ

ጸሓፊ እዚ ጥንታዊ ዓውደ-ኣዋርሕ እዚ: በቲ ሓፈሻዊ ምህርቲ ዚእከበሉ እዋን እዩ ጀሚሩ። ኣብዚ ዓውደ-ኣዋርሕ እዚ ኣብ መጀመርታ እኳ እንተ ተጠቕሰ: እስራኤላውያን ግን ነዚ ምህርቲ ዚእከበሉ እዋን ስለምንታይ መወዳእታ እቲ ኣብ ሕርሻ እተመስረተ ዓመቶም ገይሮም ከም ዚቘጽርዎ ኺርድኣካ ይኽእል እዩ። ወርሒ ኤታኒም (ደሓር ቲሽሪ እተባህለት) ኣብዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ዓውደ-ኣዋርሕ ክፋል መስከረምን ጥቅምትን ተጠቓልል። መብዛሕትኡ እቲ ዓጺድ ስለ ዚዛዘም: እዚ እዋን እዚ እቲ ቘልዓ ዝነበረ ኣቢያ እውን ዚካፈለሉ ዜሐጕስ ግዜ እዩ ነይሩ። ንኣቦኡ ነታ ንሓደ ሰሙን መንበሪቶም እትኸውን ዳስ ኣብ ምስራሕ ኪሕግዞ ኸሎ ዚስምዖ ሓጐስ እሞ ገምቶ፣ ኣብታ ሰሙን እቲኣ በቲ ዝረኸብዎ ፍርያት ንየሆዋ ብሓጐስ የመስግንዎ ነበሩ።—ዘዳግም 16:13-15

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ: ፍረ ኣውልዕ ዚሕፈሰሉ ግዜ ስለ ዚኣክል: ስድራቤት ኣቢያ ነቲ ጨናፍሩ ብምውቃዕ የርግፍዎ፣ እዚ ዕዮ እዚ ነቲ ንእሽቶ ዝነበረ ኣቢያ ዚኸብዶ እኳ እንተ ነበረ: ብተመስጦ ግን ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘዳግም 24:20) ድሕሪኡ ነቲ ፍረ ኣውልዕ ኣልዒሎም: ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዚርከብ መጽመቝ ብምውሳድ ዘይቲ የውጽኡ። ወይ ከኣ እተወቕዐ ወይ እተጨዳደደ ኣውልዕ ኣብ ማይ የእትውዎ እሞ: ነቲ ኣብ ላዕሊ ጸምበለል ዚብል ዘይቲ ብምጭላፍ ብዝቐለለ መገዲ ዘይቲ ይረኽቡ። ዝዀነ ዀይኑ እዚ ኽቡር ፈሳሲ እዚ ንምግቢ ጥራይ ኣይኰነን ዜገልግል ነይሩ። ንመብራህቲ እውን ይኸውን ነበረ: ኣቢያ ኺጻወት ከሎ ንዜጋጥሞ ዀነ ብኻልእ ጠንቂ ንዜጋጥም ስምብራትን ቍስልን ከኣ ከም ፈውሲ ዀይኑ የገልግል ነበረ።

ክልተ ወርሒ ዚኸውን ምዝራእ

እቲ ኣቐዲሙ ዚመጽእ ዝናም ምስ ጀመረ: ኣቢያ በቲ ዛሕሊ ዜምጽእ ማይ ባህ ይብሎ ነይሩ ይኸውን እዩ። ዝናም ነታ ምድሪ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣቦኡ ነጊርዎ ኪኸውን ኣለዎ። (ዘዳግም 11:14) እቲ ንሓያሎ ኣዋርሕ ብጸሓይ ፈንከው ዝበለ ሓመድ: ይልስልስ: ንኺሕረስ ድማ ድሉው ይኸውን። ጥንቲ ዝነበረ ሓረስታይ ነቲ ብዕንጨይቲ እተሰርሐ ማሕረሻ: ምናልባት ከኣ ኣብ ጫፉ ሓጺን እተገጥመሉ ማሕረሻ: ብእንስሳ ኺሰሓብ ከሎ ብሜላ ይቕልሶ ነበረ። ኣብቲ ምድሪ ኸኣ ትኽ ዝበለ ትልሚ ኼውጽእ እዩ ዚጽዕር። ዚሕረስ ምድሪ ብርቂ ስለ ዝነበረ: እስራኤላውያን ሓረስቶት ኣብ ዓቐብ ዚርከብ ቃጽዖ መሬት እውን ይጥቀሙሉ ነበሩ። ኣብኡ ግን ብኢድ ዚተሓዝ ናውቲ ኺጥቀሙ የድልዮም ነይሩ ይኸውን።

እቲ ዝለስለሰ መሬት ምስ ተሓርሰ: ስርናይን ስገምን ኪዝራእ ይከኣል። እቲ ዜገርም ከኣ: እቲ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ጌዘር ቀጺሉ ተጠቒሱ ዚርከብ: ክልተ ወርሒ ዚወስድ ዘርኢ ምዝራእ እዩ። እቲ ዘራኢ ነቲ እኽሊ ኣብ ክዳኑ ሓቚፉ ብምሓዝ: ብኣእዳዉ ገይሩ ይዘርኦ ነበረ።

ክልተ ወርሒ ዚኸውን ዳሕራይ ምዝራእ

እታ “ጽብቕቲ ምድሪ” ምግቢ ኻብ ምፍራይ ኣይተቋርጽን ነበረት። (ዘዳግም 3:25) ኣብ ታሕሳስ: ኣዝዩ ብዙሕ ዝናም ስለ ዚዘንም: እታ ምድሪ ሓምላይ ትኸውን ነበረት። ሽዑ ድማ እቲ ድሒሩ ዚዝራእ ከም እኒ ዓይን ዓተርን ዓተርን ዝኣመሰለ ጥረታት ዚዝርኣሉ ኸምኡውን ኣሕምልቲ ዚትከለሉ እዋን ነበረ። (ኣሞጽ 7:1, 2) ኣብቲ ጽላት: ኣቢያ ነዚ “መገሃጫ ጽድያ” ወይ ብመሰረት ካልእ ኣተራጕማ “ዳሕራይ ምትካል” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ: እዚ ኸኣ ብብዙሕ ኣሕምልቲ ጌርካ ጥዑም ምግቢ ዚስርሓሉ ግዜ እዩ።

እቲ ቘራሪ ወቕቲ ኺመውቕ ምስ ጀመረ: እቲ ኣበሳሪ ጽድያ ዝዀነ ኦም ለውዚ ጻዕዳን ሊላን ዚሕብሩ ዕምባባታት ይዕምብብ። እዚ ኸኣ ቍሩብ ሙቐት ምስ ረኸበ: ካብ ጥሪ ኣትሒዙ እውን ከይተረፈ ኺጅምር ይኽእል እዩ።—ኤርምያስ 1:11, 12

ሓደ ወርሒ ዚኸውን ዓጺድ እንጣጢዕ

ድሕርዚ ኣቢያ ንእንጣጢዕ ጠቐሰ። እዚ ድማ ካብቲ ኣቢያ ዚነብረሉ ዝነበረ ግዜ ዘመናት ኣቐዲሙ: ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ኵድዅዶታት ይሁዳ ዘጋጠመ ነገር የዘኻኽረካ ይኸውን። ኣብ ከተማ ያሪኮ ረሃብ ነቶም ክልተ ሰለይቲ ኣብ ናሕሳ ኺነቅጽ ተባሂሉ “ተሰጢሑ ብዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ” ሓብኣቶም። (እያሱ 2:6) እንጣጢዕ ኣብ ህይወት እስራኤላውያን ኣገዳሲ ግደ ነበሮ። ነቲ ጽሕጎ እንጣጢዕ ንምውጻእ: እቲ ተኽሊ ኺብስብስ ኣለዎ። እዚ ድማ ብኣውሊ ቐስ እናበለ ይብስብስ ወይ ነቲ እንጣጢዕ ኣብ ራህያ ወይ ውሕጅ ብምእላኽ ቀልጢፉ ኸም ዚብስብስ ይግበር። እቲ ጽሕጎ እንጣጢዕ ምስ ተፈልየ: ፈትሊ ይኸውን: እዚ ድማ ተኣሊሙ ጋንጽላ: ድንኳን: ወይ ክዳን ይኸውን። እንጣጢዕ ከም ፈትሊ መብራህቲ ዀይኑ እውን የገልግል ነበረ።

ገሊኦም ኣብ ጌዘር ብዙሕ ማይ ስለ ዘይነበረ: ነቲ ኣብቲ ቦታ እንጣጢዕ ይበቍል ነይሩ ዚብል ሓሳብ ይቃወምዎ እዮም። ገሊኦም ከኣ እንጣጢዕ ኣብቲ ድሒሩ ዘሎ ወቕቲ ይበቍል ከም ዝነበረ እዮም ዚኣምኑ። ስለዚ ኸኣ እዮም ገሊኦም ነቲ ኣብቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ጌዘር እትርከብ “እንጣጢዕ” እትብል ቃል: ምስታ “ሓሰር” እትብል ቃል ተመሳሳሊ ትርጕም ከም ዘለዋ ዚኣምኑ።

ሓደ ወርሒ ዚኸውን ዓጺድ ስገም

ኣብ ዓዓመት ኤኲኖክስ ጽድያ (ኣብ ጽድያ መዓልትን ለይትን ማዕረ እትዀነሉ መዓልቲ) ምስ ቀረበ: ኣቢያ እቲ ቐጠልያ ቕርኒብ ስገም ይርኢ ነበረ፣ እዚ እኽሊ እዚ ኣብቲ ዓውደ-ኣዋርሑ ቐጺሉ ጠቒስዎ ዘሎ እኽሊ እዩ። እታ ምስዚ እትዛመድ ብእብራይስጢ ኣቢብ እትበሃል ወርሒ “ቐጠልያ ቕርኒብ” ዚብል ትርጕም ዘለዋ ዀይና: እቲ ቕርኒብ እኳ እንተ በሰለ: ገና ግን ብልስሉሱ ዚጸንሓሉ ደረጃ ተመልክት ክትከውን ኣለዋ። የሆዋ: “ወርሒ ኣቢብ ሐሉ: ፋስጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብዕል” ዚብል ትእዛዝ ሃበ። (ዘዳግም 16:1) ኣቢብ (ደሓር ኒሳን እተባህለት) ሎሚ ኽፋል መጋቢትን ሚያዝያን እትሽፍን እያ። ምሽዋት ስገም ኣብ ምጅማር እዛ ወርሒ እዚኣ ግደ ነይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ: ቃራውያን ኣይሁድ ነዚ ምሽዋት ብምዕዛብ ሓድሽ ዓመት መዓስ ከም ዚጅምር ይውስኑ። ዝዀነ ዀይኑ: ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድ ስገም እተወሰነ ተወሲዱ ኣብ መበል 16 ኣቢብ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይውዝወዝ ነበረ።—ዘሌዋውያን 23:10, 11

ስገም ኣብ መዓልታዊ ናብራ መብዛሕትኦም እስራኤላውያን ኣዝዩ ኣገዳሲ ቦታ ነበሮ። ካብ ስርናይ ዝሓሰረ ስለ ዝነበረ ኸኣ: መብዛሕትኡ ግዜ ብፍላይ ድኻታት እንጌራ ንምስንካት ይጥቀሙሉ ነበሩ።—ህዝቅኤል 4:12

ሓደ ወርሒ ዚኸውን ዓጺድን ስፍርን

ናብ ግዜ ኣቢያ ምልስ ኢልካ እንተ ሓሲብካ: ኣቢያ ሓደ ንግሆ እቲ ብርቱዕ ደበናታት ኪብተን ከም ዝጀመረ: ንእተወሰነ ግዜ ኸኣ ዝናም ከም ዘይህሉ ኣስተውዒሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ድሕርዚ እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ምድሪ ዚዓቢ ኣትክልቲ ኻብ ኣውሊ እዩ ጠሊ ዚረክብ። (ዘፍጥረት 27:28፣ ዘካርያስ 8:12) ሓረስቶት እስራኤል እቲ ኣብተን ብርቱዕ ጸሓይ ዘለወን ኣዋርሕ ዚርከብ እተፈላለየ ዓይነት ኣእካል: ክሳዕ ጴንጠቆስጠ ሚዛናዊ ንፋሳት ኪረክብ ከም ዜድልዮ ይፈልጡ ነበሩ። እቲ ኻብ ሰሜን ዚነፍስ ዝሑልን ጠሊ ዝሓዘለን ንፋስ: ንዕቤት እቲ ኣእካል ዚጠቅም እኳ እንተ ዀነ: ነቲ ፍረ ዚህብ ኣእዋም እንተ ዓምቢቡ ግን ይጐድኦ ነበረ። እቲ ኻብ ደቡብ ዚነፍስ ምዉቕን ደረቕን ኣየር ነቲ ዕምባባታት ንኺዕምብብን ንኺዋሰብን ይሕግዞ ነበረ።—ምሳሌ 25:23፣ መሃልየ መሃልይ 4:16

እቲ ንዅነታት ኣየር ዚቈጻጸር የሆዋ: ነዚ ብዜደንቕ መገዲ እተወሃሃደ ስርዓት ሰርዖ። ብግዜ ኣቢያ: እስራኤል ብሓቂ “ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን: ምድሪ ናይ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን” ነበረት። (ዘዳግም 8:8) ኣቦሓጎ ኣቢያ ኣብ ትሕቲ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ዝነበረ ሓለፍ ዝበለ እዋን ጽጋብ ኣዘንትዩሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ እዚ ኸኣ በረኸት የሆዋ ኸም ዝረኸቡ ብንጹር ዜርኢ ነበረ።—1 ነገስት 4:20

እቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ንዓጺድ ድሕሪ ምጥቃሱ: ገሊኦም ሰባት “ስፍሪ” ኢሎም ዝተርጐምዋ ቓል ጠቒሱ ኣሎ። እዚ ኸኣ እቲ እተረኽበ ምህርቲ ነቶም ወነንቲ ግራትን ነቶም ዓየይትን ወይ እውን ንግብሪ ዚኸውን ጌርካ ንምክፍፋል ዚግበር ምስፋር ኬመልክት ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር: ገሊኦም ምሁራት ነታ ናይ እብራይስጢ ቓል ከም “ምብዓል” ገይሮም ስለ ዚርድእዋ: ነቲ ኣብ ወርሒ ሲዋን (ክፋል ግንቦትን ሰነን) ዚህሉ በዓል ሰሙናት ከም እትእምት ገይሮም ይወስድዋ።—ዘጸኣት 34:22

ክልተ ወርሒ ዚኸውን ምቕንጣብ ኣቝጽልቲ

ቀጺሉ ኣቢያ ብዛዕባ እቲ ተኽሊ ወይኒ ኽንክን ዚግበረሉ ኽልተ ወርሒ ጸሓፈ። ጸሓይ ነቲ ፍረ ወይኒ ምእንቲ ኺረኽቦ: ነቲ ብዙሕ ኣቝጽልቲ ተኽሊ ወይኒ ኣብ ምቝራጽ ሓጊዙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 18:5) ድሕሪኡ እቲ ወይኒ ዚእከበሉ ግዜ ይኣክል: ነቶም ሽዑ ዝነበሩ ንኣሽቱ ድማ ዜሐጕስ ግዜ ነበረ። እቲ መጀመርታ ዝበሰለ ፍረ ወይኒ ኽሳዕ ክንደይ ምቁር ኰን እዩ ነይሩ! ኣቢያ ብዛዕባ እቶም ሙሴ ናብታ ምድሪ ተስፋ ዝለኣኾም 12 ሰለይቲ ሰሚዑ ኪኸውን ኣለዎ። ንሳቶም እታ ምድሪ ጽብቕቲ እንተ ዀይና ንምርኣይ: እቲ ቐዳማይ ፍረ ወይኒ ኣብ ዚበስለለን ግዜያት እዮም ከይዶም። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ: ሓደ ኣስካል ወይኒ: ኣዝዩ ዓብዪ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ: ክልተ ሰብኡት እዮም ተሰኪሞምዎ።—ዘሁልቍ 13:20, 23

ሓደ ወርሒ ዚኸውን ፍረ ኽረምቲ ዚርከበሉ

እቲ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣቢያ ተጠቒሱ ዘሎ ናይ መወዳእታ ነገር: ፍረ ኽረምቲ እዩ። ኣብ ጥንታዊ ማእከላይ ምብራቕ: ክረምቲ ኣብ ፍረታት ዚትኰረሉ ኽፍሊ ሕርሻዊ ዓመት እዩ ነይሩ። ድሕሪ እቲ ኣቢያ ዝነበረሉ ግዜ: የሆዋ “ፍረ ኽረምቲ” ኸምኡውን “መወዳእታ” ዚብላ ቓላት ብምጥቃም: “ፍረ ኽረምቲ ዝመልአ ኸፈር” እትብል ሓረግ ‘ንህዝቢ እስራኤል መወዳእታ ኸም ዝመጾም’ ንምርዳእ ተጠቒሙላ እዩ። (ኣሞጽ 8:2 NW) እዚ ነቶም ዘይእሙናት እስራኤላውያን መወዳእታኦም ከም ዝቐረበን ፍርዲ የሆዋ ዚፍጸመሉ ግዜ ኸም ዝበጽሐን ኬዘኻኽሮም ነበሮ። በለስ ካብቲ ኣቢያ ዝጠቐሶ ፍረታት ክረምቲ ኸም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ። በለስ ክረምቲ ኸም ጐጎ ጌርካ ብምድላው ይብላዕ ወይ ንቝስሊ ፈውሲ ዀይኑ የገልግል ነበረ።—2 ነገስት 20:7

ዓውደ-ኣዋርሕ ጌዘርን ንስኻን

እቲ ቘልዓ ዝነበረ ኣቢያ ነቲ ኣብ ሃገሩ ዚግበር ዝነበረ ናብራ ሕርሻ ብቐጥታ ይርእዮ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። መብዛሕትኦም ሽዑ ዝነበሩ እስራኤላውያን ኣብ ንጥፈታት ሕርሻ ይሳተፉ ነበሩ። ንስኻ ምስ ሕርሻዊ ንጥፈታት ብቐረባ ርክብ እኳ እንተ ዘይብልካ: እዚ ኣብ ጌዘር እተረኽበ ጽላት ዝጠቐሶ ነገራት: ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ህያው ኪገብሮ: ማለት ብዝያዳ ኺርድኣካን ትርጕም ዘለዎ ኺገብረልካን ይኽእል እዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ኣብ ዓውደ-ኣዋርሕ ጌዘር ተዘርዚሩ ዘሎ ወቕትታት ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓፈሻ ተዘርዚሩ ዚርከብ ኣዋርሕ ምሉእ ብምሉእ ኣይኰነን ዚሰማማዕ። ብተወሳኺ ድማ ገሊኡ መስርሓት ሕርሻ ኣብ እተፈላለየ ቦታታት እታ ምድሪ ተስፋ ቝሩብ ኪፈላለ ይኽእል እዩ።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሓደ መገዲ ኣተራጕማ እቲ ዓውደ-ኣዋርሕ ጌዘር:-

“ወርሓት ምህርቲ ወይንን ምህርቲ ኣውልዕን፣

ወርሓት ምዝራእ፣

ወርሓት መገሃጫ ጽድያ፣

ወርሒ ምምሓው እንጣጢዕ፣

ወርሒ ዓጺድ ስገም፣

ወርሒ ዓጺድ ስርናይን ስፍርን፣

ወርሓት ምጽልጻል፣

ወርሒ ፍረ ኽረምቲ።”

[ክታም:-] ኣቢያ*

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

* ኣብታ ብ1971 ብጆን ጊብሰን እተጻሕፈት ቴክስትቡክ ኦቭ ሲርያን ሰመቲክ ኢንስክሪፕሽንስ: 1ይ ጥራዝ እተመስረተ።

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Archaeological Museum of Istanbul

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ሰሌዳ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ኒሳን (ኣቢብ)

መጋቢት-ሚያዝያ

ኢያር (ዚፍ)

ሚያዝያ-ግንቦት

ሲዋን

ግንቦት-ሰነ

ተሙዝ

ሰነ-ሓምለ

ኣብ

ሓምለ-ነሓሰ

ኤሉል

ነሓሰ-መስከረም

ቲሽሪ (ኤታኒም)

መስከረም-ጥቅምቲ

ሀሽዋን (ቡል)

ጥቅምቲ-ሕዳር

ከስለው

ሕዳር-ታሕሳስ

ጤቤት

ታሕሳስ-ጥሪ

ሽባጥ

ጥሪ-ለካቲት

ኣዳር

ለካቲት-መጋቢት

ቪኣዳር

መጋቢት

[ምንጪ ስእሊ]

Farmer: Garo Nalbandian

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ጌዘር እተኻየደ ዅዕታ

[ምንጪ ስእሊ]

© 2003 BiblePlaces.com

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ኦም ለውዚ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ተኽሊ እንጣጢዕ

[ምንጪ ስእሊ]

Dr. David Darom

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእሊ]

ስገም

[ምንጪ ስእሊ]

U.S. Department of Agriculture