ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ተመን ንሄዋን ኪዛረባ ኸሎ ኣእጋር ነይርዎዶ፧

ኣብ ዘፍጥረት 3:14 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ገነት ኤድን ንሄዋን ዘስሓታ ተመን ተዛሪብዎ እዩ። “እዚ ስለ ዝገበርካ: ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት መሮርን ርጉም ኩን: ብኸብድኻ ክትከይድ: ኵሉ ዘበን ህይወትካ ድማ መሬት ክትበልዕ ኢኻ” ድማ በሎ። መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ሰይጣን ንሄዋን ንምስዳዕ እተጠቕመሉ እንስሳ: ኣእጋር ከም ዝነበሮ እሞ: ደሓር ግን: ከም ዝሰኣኖ ዚብል ሓሳብ ብንጹር ኣይገልጽን እዩ። ብዛዕባ እተን ኣብ ዘፍጥረት 3:14 ዘለዋ ቓላት: ብዙሓት ሰባት ከምዚ ኢሎም ከም ዚሓስቡ ዚገብራኦም እኳ እንተ ዀና: ቅድሚ እዚ መርገም እዚ ግን: ኣትማን ኣእጋር ነይርዎም እዩ ኢልና ኽንድምድም ኣይንኽእልን ኢና። ስለምንታይ፧

ፍርዲ የሆዋ ብቐንዱ ንሰይጣን እዩ ነይሩ: እዚ ዘይርአ መንፈስ እዚ ነቲ ትሑት እንስሳ ብሕማቕ ተጠቐመሉ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሰይጣን “ንሓሶትውን ኣቦኣ” ኸምኡውን “ናይ ጥንቲ ተመን” ኢሉ እዩ ዚገልጾ። እዘን ኣብዚ ተጠቒሰን ዘለዋ መግለጺታት እዚኣተን: ሰይጣን ነቲ ዚርአ እንስሳ: ማለት ንተመን ከም መዛረቢ ገይሩ ብምጥቃም: ንሄዋን ትእዛዝ ኣምላኽ ንኽትጥሕስ ከም ዝደፋፍኣ ይሕብራና እየን።—ዮሃንስ 8:44፣ ራእይ 20:2

ኣምላኽ: ኣትማን ምስ ፈጠረ: ሰይጣን ገና ንምትላል ቅድሚ ምጥቃሙ: ኣዳም ስም ከም ዘውጸኣሎም ፍሉጥ እዩ። እዚ ኼመዛዝን ዘይክእል ተመን እዚ: ብዛዕባ እቲ ንሄዋን ዘዛረባ ነገር ሓላፍነት ኣይወስድን እዩ። ምኽንያቱ: ሰይጣን ከም እተቘጻጸሮ ኣይፈልጥን እዩ: ነቲ ኣምላኽ ኣንጻር እቶም ዘይእዙዛት ወገን ዝሃቦ ፍርዲ እውን ኪርድኦ ኣይክእልን እዩ።

ስለምንታይ ደኣ እሞ: ኣምላኽ ነቲ ተመን ብኣካላዊ መዳይ ከም ዚዋረድ እተዛረበ፧ ተመን ብተፈጥሮኡ ብኸብዱ እናተንፈሓዀ ዚኸይድን ሓመድ ዚልሕስ ከም ዘሎ ዀይኑ ንመልሓሱ ዜንቀሳቕስን ምዃኑ: ነቲ ሰይጣን ዘለዎ ሕሱር ኵነታት ዚበቅዕ ምሳሌ እዩ። ከም ሓደ ኻብ መላእኽቲ ኣምላኽ ክብ ዝበለ ቦታ እኳ እንተ ነበሮ: ናብቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ጠርጦስ” ኢሉ ዚጽውዖ ትሑት ቦታ ተደርበየ።—2 ጴጥሮስ 2:4 NW

ብዘይካዚ: ከምቲ ተመን ሸዀና ሰብ ዚነክስ: ሰይጣን ኣብቲ ሕሱር ኵነታቱ ዀይኑ እውን ብተመሳሳሊ: ናይቲ “ዘርኢ” ኣምላኽ ‘ሸዀና ነኺሱ’ እዩ። (ዘፍጥረት 3:15) እቲ ቐንዲ ኽፋል እቲ ዘርኢ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ: ብኢድ ወኪላት ሰይጣን ንግዜኡ ተሳቕዩ እዩ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ግዜ ርእሲ እቲ ምሳልያዊ ተመን ንሓዋሩ ብክርስቶስን በቶም ካብ ሞት ዚትንስኡ ቕቡኣት ክርስትያናት ብጾቱን ኪጭፍለቕ እዩ። (ሮሜ 16:20) በዚ ኸምዚ: የሆዋ በቲ ዚርአ ተመን ኣቢሉ ነቲ ዘይረአ “ናይ ጥንቲ ተመን” ተባሂሉ ዘሎ ሰይጣን ድያብሎስ ረገሞ።